Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

‘ሓውኻ ኣበይ ኣሎ፧’ – ብዶ/ር ምስግና ገ/መድህን

  ሓውኻ ኣበይ ኣሎ፧ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ፧ ክበሃል ከሎ መልኽዕ ናይ ሃይማኖትናን ባህልናን እምነትናን እዩ። ሓደ እዋን ሓሙሽተ ኣጸቢቆም ዝፋተዉ መንእሰያት ከም ኣጋጣሚ እቶም ሰለስተ ተዋህዶ ክኾኑ እንከለዉ፣ እቶም ክልተ ከኣ ካቶሊክ ኮይኖም ሳላ ናይ ክሕደት ትምህርቲ

 

ሓውኻ ኣበይ ኣሎ፧

ሓውኻ ኣበይ ኣሎ፧ ክበሃል ከሎ መልኽዕ ናይ ሃይማኖትናን ባህልናን እምነትናን እዩ። ሓደ እዋን ሓሙሽተ ኣጸቢቆም ዝፋተዉ መንእሰያት ከም ኣጋጣሚ እቶም ሰለስተ ተዋህዶ ክኾኑ እንከለዉ፣ እቶም ክልተ ከኣ ካቶሊክ ኮይኖም ሳላ ናይ ክሕደት ትምህርቲ ናይ ሻዕብያ ኣብቲ ሃይማኖት ብዙሕ ተገዳስነት ዘይብሎም ዕርክነቶም ግን ካብ ንእስነቶም ዚጀመርዎ ስለ ዝኾነ ካብ ልቢ ዚፋተዉ ኣዕሩኽ እዮም ኔሮም። ሓደ ምሸት ግና እቶም ክልተ ኣዕሩኽ ተባኢሶም ክተሃራረሙ ምስ ጀመሩ እቲ ሳልሳዮም ከም ኣጋጣሚ ካቶሊክ ስለ ዝነበረ እቶም ክልተ ዚተባእሱ ኣዕሩኽ ከኣ ካቶሊክን ተዋህዶን ስለ ዚነበሩ እቲ ዓራቓይ ንኽልቲኦም ግኑጽ ስለ ዘበሎም ሰለስቲኦም ተታሓሒዞም ስለ ዝወደቁ፣ እቲ ዚወደቀ ተዋህዶ ኣቱም ህዝቢ ካቶሊክ ተዛርዮም እናቀጥቐጡኒ መጺኡኩም ኣዛርዩኒ እናበለ ኣእወየ።

ኣብዚ ቀራባ ኩቡራት መራሕቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ሓውኻ ኣበይ ኣሎ ክብሉ ከለዉ ብዛዕባ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ጥራይ ተገዲሶም ኣይኮነን። ወይ ከኣ ቫቲካን ቤተ-ክርስትያን ከመስግኑ ኢሎም ጥራይ ኣይኮኑን። ህዝቢ ኤርትራ ውን ክሕጎሶሎም ኢሎም ኣይኮኑን ከምኡ ከግብሮም ዚኸኣሉ። ንድኻታት ስደተኛታት ዘኽታማትን ብጠቅላላ ነቲ ከፊእዎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጸገሙ ከገላግልዎ መንፈሳዊ ሓላፍነቶም ስለ ዚኾነ ጥራይ እዩ። እዞም ኩቡራት መራሕቲ ሃይማኖት ሻዕብያ ዓቕሎም ምስ ጸበቦም ተዋህዶ ዙረይልና፣ ኣባላትና ርድኡና ክጭድሩ እንከለዉ ሎሚ እቲ ቀደም ዚዘርየሎም ዚነበረ ህዝቢ ከሲሩ ሚዛኑ ጎዲሉ መርከቦም ዚጠሓሉ  ስለ ዚኾኑ ሎሚ ምስቶም ባህልናን ቋንቋናን ዘይፈልጥኦ በዓል ሶፍያ ተስፋማርያም ተሪፎም ኣብ ኣሜርካን ኤውሮጳን ኣውስትራልያን እናዞራ ነቶም ውድባት ህግደፍ ኣብ ስደት ካብ 20 ዓመት ንላዕሊ ተቐሚጦም ገለ ፍልጠት ናይ ምዕቡላት ሃገራት ዘይቀሰሙ ምሉእ ህይወቶም ምስ ጸለምቲ ኣሜርካውያን ተሰሪዖም ብሓገዝ መንግስቲ ዚነብሩ ኣብ ኤርትራ ንሰለስተ ወርሒ ክስዕስዑን ከሪሞም፣ ንኣሜሪካ ተመሊሶም ኣብቲ ማዕርፎ ነፈርቲ ን3 ወርሒ ኣብ ኤርትራ እንታይ ትገብሩ ኔርኩም ምስ ተባህሉ ዘተርጉም ሰብ ጸውዑለይ ዚብሉ ካብ ባህልን ልምድን ዘየለዉ ሎሚ ብድፍረት ንበዓል ዶ/ር በረኸትን ሃይለ መንቆሬስዮን ንበዓል ኤልሳ ጩሩም ከናሽውዎም እንከለዉ ሕጂ ከኣ ብድፍረት ነዞም ቁዱሳን መራሕቲ ሃይማኖት ከናሽውዎም ንሰምዕ ኢና።

እዞም ኣርባዕተ ኣቡናት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮይኖም ነዚ ርጉም መንግስትን ንህዝቢ ኤርትራን መንፈሳዊ ምኽርን ክህቡና እንከለዉ መንግስቲ ኤርትራ ከም ዚኣስሮምን ከም ዚርሽኖምን ይፈልጡ እንተኾኑ እዞም ኩቡራት ኣቡናት ግን ብዘይካ ሓንቲ ጀለብያ ክዳንን፣ ሳንደል ሳእኒን ዚነብሩላ ሓንቲ ክፍልን ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚምክሑሉ ሃብትን ንብረትን የብሎምን። ነታ ናይ ሞት ጽዋእ ከኣ ካብ በዓል ጳውሎስን ጴጥሮስን እስጢፋኖስን ስለ ዘይበልጹ ንሞት ኣይፈርሁዋን እዮም። እቲ ዝዓበየ ተስፋ ዘለዎም ከኣ ራእይ12 ንብዓቶም ብኣምላኾም ኪድረዝ ስለ ዝኣምኑ ጥራይ ኢዩ።

ሓውኻ ኣበይ ኣሎ ዚብል መልእኽቲ ብቀዳምነት ዚትንክፈና ነቶም ናይ ተዋህዶን ካቶሊክን ኣስላምን ከንሻን ካልኦት ወንጌላውያን ኣብያተ ቤተ-ክርስትያን ብፔንተኮስታል ምንቅስቃስ ዚተዓብለላ ብፍላይ ከኣ ኣብ ስደት ብብዝሒ ዚንቀሳቀሱ ካብ መሳጊድን ኣብያተ ክርስትያናትን ወጺኦም ኣብ ጎደናታትን ኣብ ዩናይትድ ኔሽንን ኣፍሪቃ ዩንዮንን ስቅያት ህዝበን ክነግራ እንተዚኽእላ ኣብ ኤርትራ ዓቢ ለውጢ ምረኣና ኔርና። ሓቂ ክንዛረብ እንተኾይንና ግና ኣብ ስደት ዘለዋ ናይ ሃይማኖት ማሕበራት ኣብ ባህሊ ኤውሮጳውያንን ባህሊ ኣዕራብን ኣትየን ኣብ መንጎኦን ዘሎ ፍልልይን ባእስን ንክትዛረቦ ዜሕፍር ንርእሰይ ይጥዓመን እምበር ንስደተኛታትን እሱራትን ዘኽታማትን ዚዝክራ ኣዝየን ውሕዳት እየን።

  1. ናይ ኤርትራውያን ናይ ጴንተኮስታል ምንቅስቃስ ኣብ ስደት

ፔንተኮስታል ዚጀመረ ቅድሚ 100 ዓመት ብውሑዳት ጸለምቲ ኣሜርካውያን ኣብ “Asuza Street” ኣብ ካሊፎርንያ ክኸውን እንከሎ ጸለምቲ ኣሜርካውያን ን400 ዓመት እቲ ናይ ኣፍሪቃ ጽቡቅን ሕማቕን ባህሊ ረሲዖም ኣብ ባርነት ዘመን ስለ ዚነበሩ እቲ ዚፈልጥዎ መዝሙርን ሳዕሲዕትን ብቋንቋ ምዝራብን ንሕሙማት ምጽላይን እዮም ዘተኩሩ። ብድሕሪኦም ዚመጹ ጸዓዱ “Assembly of God of Canada / U.S” ግና ወላ’ውን እቶም ፔንተኮስታል ዘይኮኑ ንዓና ዚመሃሩና ናይ “Baptist presbyterian, Lutheran” ኣብ ኤርትራ ምስ ኣተዉ ኩሎም ንካህናቶም ኣብ “Theology college” ክምህርዎም ከለዉ ነቲ ዚኾነ ባህሊ ኤርትራ ግና ከም ሓጢኣት ስለ ዚወሰድዎ ብምልኦም ንባህልና ብምድኻም ዓቢ ተራ ዚተጻወቱ ደሓር ግና ጌግኦም ኣሚኖም ብዛዕባ ባህልናን ሃይማኖትን ብዙሕ መጽሓፍቲ ዚጸሓፉ ክኸኑ እንከለዉ  እቶም ናይ ወንጌላውያን ብፍላይ ግና እቶም ብሬማ ዚብል ስም ሒዞም ኣብ ኤርትራ ዚበቆሉ ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ኣትዮም ክመሃሩ ዘይደለዩ ካብቲ ምሉእ ወንጌል ዚበሃል ናይ ፔንተኮስታል ተፈልዮም ንሻዕብያ ዓቅሎም ክሳብ ዚጸቦም ዚገበሩ፣ ሻዕብያ ከኣ እቲ ናይ ሃይማኖት ስለ ዘይፈልጥ ነቶም ጥዑያትን ምሁራትን መራሕቲ ሃይማኖት ምስ ኣሰረ እዞም መንእሰያት ግና ደቂ ዕስራ ዓመት ዘይኮኑ ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ሎሚ ኣብ ምሉእ ኣሜርካን ኤውሮጳን ኣፍሪቃን እናተዘዋወሩ እቲ ካብ TV Evangelist ካብ በዓል በንሂን ናይጀራዊ ጀሽዋ ዝተማህርዎ ንሕና ኤች ኣይቪ ኮነ ካልእ ሕማም ዚሓዞ ንፍውስ ኢና እናበሉ ነቶም እተጸለየሎም ተፈዊስኩም ኢኹም ፈውሲ ኣይትውስዱ ዚበልዎም ኤርትራውያን ብፈውሲ ንብዙሓት ንነዊሕ ዓመታት ክነብሩ ዚግብኦም ኣብ ቀረባ እካ ሓንቲ ቤተ ሰብ አይድስ ሒዝዋ ሓዊኺ ስለ ዚበልዋ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ህይወታ ሓሊፋ። ኣብ ሃገርና እንተዝኸውን ምኸሰስናዮም ኔርና።

እቲ ካልእ ዘሕዝን ከም ምብዝሖም እቶም ብሰንኮም ዚተኣስረ መራሕቲ ሃይማኖት ኤርትራ ኣብ ስደት ክጣበቀሎም ይግብኦም ኔሩ። እቲ ጸገም ግን ነቲ ህዝቢ መንፈሳውያን ኣብ ፖለቲካ  ክኣትዉ የብሎምን ስለ ዚበልዎም፣ ኣብ ዝኾነ ፖለቲካ ኤርትራ ኣይከታተሉን እዮም። እቲ ካልእ መንእሰያትና ባህሎም ፈጺሞም ረሲዖም መንፈሳውያን ጥራይ ኢኹም ስለ ዚብልዎም ካብ ህዝቦም ነጺሎሞም እዮም።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ንምሉእ ዓለም ዘደነቀ እቲ ኣገባብ መርዓናን ሓዘናን እዩ። ኤርትራውያን ወለድና ንኣማኢት ዓመታት፣ ነቲ መርዓናን ሓዘናን ዘጸበቅዎ እቶም ማሰኛታት ብመልቀስ ክእለቶም ዝተደነቁን ነቲ ወለድን ኣዝማድን ኣኮታትን ሓወቦታትን ኣሞታትን ጐሬቤትን ናይ ዓዲ ሽማግሌታትን ኮይኖም ነቲ ውራይ ምስ ኣዳለዉ ነቲ ብኽእለቶም ተወዳዳሪ ዘይብሎም ብንኣብነትና ዘረከብናዮም በዓል ኣቦና ተመለስ ቀለተ ካብ መንበሮም ተንሲኦም ክብሪ ኤርትራ ሃገርናን ጽባቀ ዓድናን መንፍዓት ወለድናን ስጋብ 20 ወለዶ ክነግሩና እንከለዉ ንኣና ክብረትና ዚነበሩ ማሰኛታት እዮም። ንዝተባእሱ ደቂ ዓድና በቲ ደወል ዝጥምዕ ድምጾም ክዓርቅዎም እንከለዉ ንዝሓዘኑ ውን ንሳቶም እዮም ዘጸናንዑ። ነቲ ውራይን ነቲ ደስታን ዘጸብቃ ከኣ እተን ወሓለታት ኣዴታትና እንጀርኤን ሰንኪተን ዝግኒ ጸብሔን ኣዳልየን ንእኡ መሰነይታ ስውአን ኣዳልየን ኣጋይሸን ይቅበላ። ኣብ ስደት ዘለዉ መንእሰያት ሰበኽቲ ግና ማሰን መልቀስን ሓጢኣት እዩ። ብፍላይ ጓይልኦምን ሳዕስዒቶምን ሓጢኣት ስለ ዚኾነ። ኣብቲ መርዓን ሳዕስዒትን ናይ ኤርትራውያን ከይትሕወሱ እንተድኣ ተሓዊስኩም ከብ ማሕበርና ክትስጎጉ ኢኹም ይብልዎም። ኣብ ክንዲ ናይ ኤርትራውያን ጓይላ ንሕና ካብኡ ዚበለጸ ጓይላን ሳዕሲዕትን ከነርእየኩም ኢና፣ ብማለት ኣብ ዓለም ኣብ ናይ ቤተክርስትያን ታሪኽ ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ኣብ መርዕኦም ዚግበር ጓይላን ሳዕሲዕትን ኣብ ታሪኽና ኣዝዩ ዘሕዝን ሕማቅ ባህሊ ብዘይ መጽናዕቲ ዚተገበረ ብኹሉ ክኹነን ዚግበኦ እዩ።እቲ ብዓለማውያን ዝግበር ውራይ ውን ቤተ ሰብን ወለድን ዘይሕወስዎ ጠገለ ዘይብሉ ጓይላን ሳዕሲዕትን ብዝሒ መስተን ዝዝውተር ናይ ወለድና ሃብታም ባህሊ ዘየንጸባርቕ ስለ ዝኾነ እቲ ናይ ነዊሕ ዓመታት ዝነበረ ባህልና ይቅህም ኣሎ።

በዚ ኣጋጣሚ ነቶም ዚተማህሩ ኣብ ስደትን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ዚርከቡ ኣመንቲ ፔንተኮስታል ቤተሰብኩም በዚ ንዓለም ዚቐዝፍ ዘሎ ሕማም ኤይድስን ካንሰርን መራሕትኹም ተፈዊሶም ኢዮም ፈውሲ ኣየድልዮምን  ክብልዎም እንከለዉ ካብቶም ሓሰውቲ መምሃራን ፈሊኹም ዚግባእ ምኽርን ሕክምናን ግበርሎም። ኣብ ዓለምና በዚ ሕማም እዚ ብሓይሊ ኣምላኽ ዚፍወሱ ክህልዉ ግድነት እዩ። እቲ ኣገባብ ግና ከምዚ ኣብ ከባቢና እንርእዮ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ንሓደ ሰዓት ከም ሕማም ባርያ ከም ዚወደቁ ጌርካ ሓዊኻ ገዛኻ ኪድ ክትብል እንከሎኻ ሓደ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ ክትበሃል ኢኻ።

ኣብ ሱዳን ቅድሚ ቅሩብ ዓመታት ሓደ ኤርትራዊ ነብይ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣብ 2010 ካብ ዝፋኑ ኪወርድ እዩ ኢሉ ምስ ኣወጀ፣ ኢሰያስ ኣይወረደን እቲ ነብይ ግና ካብ ስልጣኑ ከይወረደ ገና ኣብቲ ማሕበሩ ይሰብኽ ኣሎ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ግና ሓሳዊ ነብይ ተባሂሉ፣ ብዳርባ እምኒ ምተቀትለ ኔሩ። ህዝብና ግና ሳላ ሻዕብያ ሞራሉ ስለ ዝተናወጸ ኣብቲ ማሕበሩ ጌጋ ትምህርቲ ክስበኽ እንከሎ ክእርም ዓቅሚ ይውሕዶ። ኩነታት ኤርትራ ክልወጥ እዩ ኩላትና ከኣ ንሃገርና ክንምለስ ንኸውን፣ ቅድሚ ምምላስና ግና ታሪኽና ቀይርና ናይ ምምላስ መደባት ክንሕንጽጽ ይግብኣና።ኣብ ክርስትና እምነት ሓቂ ኩሉ እተጠቅለለ ኣብዘን ክልተ ሓሳባት ኢዩ፤

1. ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኻ ብምሉእ ልብካ ኣፍቅር

2. ንጐረቤትካ ከኣ ከም ብጻይካ ኣፍቕር። እዚ እንተድኣ ምሂርና ነቲ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ ዚብል መንፈሳዊ ትምህርቲ ከነተግብሮ ኢና።

ኣብ ስደት ዚነብሩ ኣስላምን ክርስትያንን ህዝብና ከም ቀደሙ የለን።

ኣብ ኣፍሪቃ እታ ናይ ሃይማኖት ፍልልይ ዘይብላ ኣብ መንጐ ኣስላምን ክርስትያንን ከም ሓደ ስድራቤት ተኸባቢሮም ዚነብሩላ ሃገር ኤርትራ እያ ተበልና ምግናን ኣይኮነን። ኣነ ዚዓበኹሉ ኣከባቢ ብብዝሒ ኣስላም ዚበዝሑሉ ካብ ዓዲ ቀይሕ ውጽእ ኢልካ ሕጽይቶ “ዛላ” ዚተባህለ ናይ ሕርሻ መሬት ስለ ዚነበረና እቶም ኣብኡ ዚነበሩ ሓወቦይ – ዓርከቦይ ዓሊ ኢብራሂም ኢልና ኢና እንጽውዖም። ብርግጽ ከም ስድራቤት ጌርና ስለ እንርእዮም እቲ ሽዑ ዚነበረ ሕውነትን ፍቕርን ስጋብ ሕጂ ይቅጽል ኣሎ። መንግስቲ ሃይለስላሴ ነቶም ኣስላም ኣሕዋትና ገዛውቶም ኣቃጺሉ፣ ኣንስቶም ደፊሩ ካብ ሃገረ-ሰብ ሃዲሞም ከተማ ምስ ኣተዉ፣ እተን ጐረባብትና ክርስትያናት ኣዴታት ነተን ካብ ዓሌት ሰለሙንታ ዝመጻ ኣስላም ኣሕዋትና ካብ ዘይብለን ጀለብያ ክዳን ኣስፍየን ማዕተብ ክርስትያን ሂበን ብከረን ጌረን ንሱዳን ከም ዚኣተዋ ንዝክሮ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ንዓዲ ዓረብ ሰጊረን ነዊሕ ዓመታት ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ተቀሚጠን፣ ገጸን ተሸፊነን እታ ናይ እግዚኣብሄር ሰላምታ ክኸልኣና እንከለዋ እዚ ናይ ኣዕራብ ባህሊ እዩ። ከምኡ እንተዝኸውን ኔሩ እቲ ንሓደ ሽሕ ዓመት ኣብ ሃገርና ዚነበረ ናይ ኣሕዋትና ኣለባብሳ ጌጋ ከም ዝኾነ፣ እቲ ቁኑዕ ከኣ ናይ ኣዕራብ ኣለባብሳ ጥራይ ክንብል ኢና። እዚ ናይ ኣዕራብ ሓድሽ ባህሊ፣ ነቲ ኣብ መንጐ ኣስላምን ክርስትያንን ዝነበረ ናይ ነዊሕ ዓመታት ስኒትን ሕብረትን ክፈርስ ይኽእል እዩ። ሰላም ንመተዓብይትኻ ምኽልካል ባህልና ኣይኾነን ዓቢ ሓውና ኣሕመድ ናስር ንመጀመርያ ዚረኸብኵዎ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዩ። ኣብዚ ንሕናን African Union ናይ Reconaliation ሰሚናራት ከዳሉ ስለ ዝረኣየኒ፣ ሓደ እዋን ኣብቲ መዕጸዊ ዓመታዊ ኣኼባኦም ክዛረብ ዓዲሙኒ። እቲ ኣብ መንጐ ኣስላምን ክርስትያንን ናይ ህዝብና ሃብታም ባህሊ ብፍላይ ከኣ ናይ መበቆልና ዓዲ ምስ ተዛረብኩ ንበይንና ኮፍ ኢልና ሻሂ ክንሰቲ ከሎና፣ ካብ ኣዒንቲ ኣሕምድ ናስር ንብዓት ዘረር ክብል ምስ ረኣኹ እንታይ ኮይንካ ኣሕመድ፧ በልኩዎ። ናይ ቀደም ኣዕሩኽተይን ማይ ዑናቡርን ናፊቀ፣ ኣብዛ ዕድመይ ንዓደይ ዝርእያ ኮይኑ ስለ ዘይስመዓኒ ተደፋኒቀ እየ በለኒ። ናይ ኣሕመድ ሞት ዚሰማዕክሉ ኣብ ኣሜሪካ ስለ ዝነበርኩ፣ እቲ ዘረብኡን ንዓይ ዝነበሮ ናፍቆት ከይወድኤ ኣብ ስደት ምማቱ ኣብክዩኒ። ምስ ኣሕመድ ኣብ ዚተራኸብናሉ ግዜያት ኣብቲ ውዱቡ ክኣቱ ሓንቲ ደቂቅ’ኳ ሓቲቱኒ ኣይፈልጥን እዩ። ንዓይን ንኣሕመድን ሓደ ዚገብረና እቲ ኣተዓባብያና እዩ።

ገለ ውሑዳት ናይ ሃገራት ኣዕራብ ጽልዋ ዘለዎም ኣብ ቀረባ ደቂ መታሕት ተኣኪቦም ዓረብ ቋንቋናን መፍለጢናን ክብሉ እንከለዉ፣ እቶም ደቂ ከብሳውን ካብ ዓረበኛ ምስ ቋንቋናን ሃይማኖትና ዚኸይድ ኣምሓርኛ ስለ ዝኾነ ኣምሓርኛ ክብሉ መሰል ኣለዎም። ክልቲኡ ይፈላልየና ደኣ እምበር ሓደ ህዝቢ ኣይገብረናን እዩ። ቋንቋ ዓረብ ይኹን ኣምሓርኛ፣ እንግሊዝ፣ ትግረ ሻዉ ትግርኛ ወዘተ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ምስ ረኸበ እዩ ዚውሰን። እዚ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝቢ ግና ንሃገሩ ዚምለስ 3% ስለ ዝኾነ ኣብቲ ዘለዎ ዓዲ ኮይኑ ብዛዕባ ፍቕርን ሓድነትን እንተተዛረበ እዩ ዝሓይሽ። ኣብ ከባቢና ዘለዉ በዓል ሶማል እኳ 95% ኣስላም እዮም። ዓረብ ኢና ኢሎም ግን ኣይፈልጡን። ካልኦት ሃገራት ውን በዓል እንዶነዝያ፣ ፓኪስታን ውን ምስቲ ኩሉ ብዝሖም ኣዕራብ ኢና ኢሎም ኣይፈልጡን።

3. ኣብ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ከበሳ እቲ መብዛሕትኡ ህዝቢ ካብ ተዋህዶ ክኸውን እንከሎ፣ ብዘይ ምግናን እተን ካልኦት ሃይማኖታት ኤርትራ ካብዚ ካብ 2000 ዓመት ዘለዋ ቤተክርስትያን ነቲ ጽቡቅ ባህልናን ክብሪ ህዝብናን ኣብ ዓለም ክፍለጥ ዝገበረ እዩ። ብሰንኪ እዚ ሃይማኖት እዚ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ኣብ Africa dark continent ተባሂላ እትጽውዓሉ ዚነበረ ዘመን ሃይማኖትና ግና ካብ ጣኦታት ጥንቆላን ኣውጺኡ ኣብ እግዚኣብሄር ክንኣምን ዝገበረ ኣዚና እንሕበነሉ ሃይማኖት እዩ።

ሃይማኖት ተዋህዶ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና እቶም ቀንዲ ለባማትን መስራትን መራሕቲ ተዋህዶ ቤተክርስትያን፣ ኢሰያስ ካብ ጌጋ ተመለስ ምስ ኣምላኽኻ ተዓረቕ ስለ ዚበልዎ ጥራይ ንዕኡም ኣሲሩ ንሓያሎ ከኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብጥሜትን ብኸቢድ ሕማምን ተሳቕዮም ክሞቱ እንከለዉ፣ ምስቶም ስሱዓትን ተበለጽትን ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ከም ካድረታት ኣሰልጢኑ፣ እታ ጽቡቅ ሽም ዚነበራ ቤትክርስትያን ካብ ናይ ዓለም ኣብያተ ክርስትያናት ማሕበር ተወጊዳ ኣላ።

ኢሰያስ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ቤተክርስትያኑ ነቂዑን ፈሪሱ መሳጊዱ ተቃጺሉሉ ኣብ ዚነበረሉ እዋን ነቲ ወረጃ ህዝቢ ኤርትራ ንምዕሻው፣ ብገንዘብ ህዝቢ ኣብ ዓዲ-ቀይሕ ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ብሚልዮናት ዚወድአ ቤተክርስትያን ቅዱስ ጌርጊስ  መሪቁ ባዕሉ ኪኸፍቶ እንከሎ፣ በቲ ሓደ ወገን ውን ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ቀረባ ብመንግስቲ ቀጠር ብሚልዮናት ዶላር ዚወደአ መስጊድ ጀሚዐ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ብማርብል ዝተሰርሔ ኣብቲ ምርቃ ተሳቲፈ ስለ ዚነበርኩ እቶም ዝመረቍኦ ካብ ቀጠር ዚመጹ ምኒስትሪ ባህሊ ኣብ ኤርትራ ኣምባሳደር ቀጠርን እዮም መሪቆሞ። እቲ ህንጻ ዚሃነጽዎ ናይ ህንጻ ሰገን ክኾኑ እንከለዉ፣ እቶም ነደቅትን ሚነዋለን ከኣ ብዘይ ደሞዝ ብጥሙይ ከብዶም ዚሰርሕዎ መንእሰያት ኤርትራውያን እዮም። እቲ ሚልዮናት ዶላር ከኣ ንመንግስቲ ኤርትራ ተዋሂቡ። እዚ ዚገበረ መንግስቲ ቀጠር ኣብ ህዝብና ክብሪ ስለ ዘይብሉ ጥራይ እዩ። ኣብ ግዜ ሃይለስላሴ ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኣዳኺሙ ኣብ መንጐ እቶም ክልተ ኣሕዋት ኣስላምን ክርስትያንን ካብ ዚመሃዞ ክልተ ነገራት እቲ ሓደ ኮማንድስ ኤርትራ፣ ነቶም ውጽዓት ኣስላም ኣሕዋት ምስ ደቆምን ንብረቶምን ኣብ ሓደ ኣጉዶ ከቃጽሎም እንከሎ፣ ካልኣይ ከኣ ነቶም መንእሰያት ድያቆናትን ሃለቃታትን ብኣሽሓት ዚቑጸሩ ንጎንደር ጎጃምን ትግራይን ንንዊሕ ዓመታት ትምህርቲ ኪቅስሙን ምስ ባህሊ ኢትዮጵያ ኪወሃሃዱ ተጌሩ ኢዩ። እቲ ዚነበሮም ትምህርትን ወረጃ ባህልን ቋንቋን ረሲዖም ንኤርትራ ምስ ተመልሱ፣ ባህሎምን ቋንቋኦም ረሲዖም ኢትዮጵያ ወይ ሞት ዚብሉ፣ ነቲ ቋንቋ ኣምሓርኛ ከም ቋንቋኦም መሊኾም ንዝተወሰነ እዋናት ከም ደብተራን ባሕታውያን ካህናት ከገልግሉ ሚስ ጀመሩ፣ እቲ ወረጃ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዚነጸጎም እቲ ጃንሆይ ዚሓሰብዎ ኣይሰለጠን። ከምቲ ሃይለስላሴ ንኣሕዋት ኣስላም ዘሳቀዮም፣ መንግስቲ ኢሰያስ ውን ነቲ ህዝቢ ክርስትያን ብዚበለጸ ኣሳቅይዎ እንተበልና ምግናን ኣይኮነን።

4. ንኤርትራ ሃይማኖትናን ባህልናን እምነትናን ካብ ዘድከምዎ ካልኦት ጉጅለ ከኣ ኣብ 60ታት ዝተፈጥሩ ምሁራት ኤርትራውያን እዮም። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲ ሰይጣናዊ ናይ ኮምኒስት ፍልስፍና ዝጀመርዎ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ተመሃሮ ዚነበሩ መንእሰያት ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣብ መንጎ ሃብታምን ድኻን ምፍልላይ ብፍላይ ከኣ መኳንንትን ራእስታትን ነቲ መሬት ኢትዮጵያ ወኒኖም ስለ ዚነበሩ፣ ሸቃላይ ሓረስታይ ከኣ ከም ባርያ ኮይኑ የገልግሎም ስለ ዚነበረ ነቲ ሕማቅ ምሕደራ ንምዕራይ ተበጊሶም ኣብ መወዳእታ ከኣ ዕላምኦም ብደርጊ ስለ ዚተዓፈነ መብዛሕትኦም ተመሃሮ ብዘስካሕክሕ መንገዲ ተረሺኖም እዮም። እቶም ኤርትራውያን መንእሰያት ከኣ ከም በዓል ኢሰያስ ንሜዳ ክኸዱ እንከለዉ ቁጽሮም ብርክት ዚበለ ከኣ ናይ ትምህርቲ ዕድል ረኺቦም ንሩስያን ኣሜሪካን ኤውሮጳን ብምኻድ ነቲ ኢሰያስ ዚጀመሮ ውድብ እግሪ ተኺሎም እዮም። ኢትዮጵያውያን መሬት ንሓረስታይ ሓብቲ ንሓፋሽ ክብል እንከሎ፣ መብዛሕትና ተቀቢልናዮ ኢና። ኣብ ኤርትራ ግና ሳላ እቶም ወረጃታት ወለድና ኣብ ኤርትራ ጸገም ኣይነበረናን። ካብ ኢትዮጵያ ነጻ ክንወጽእ እንተደለና ውን ከምዚ ዚኣመሰለ ናይ ሓሶት ናጽነት ኣይተጸበናን።

መሬት ኤርትራ ኣሽንኳይዶ ንዓና በዓል ኣባሓበሽን ካልኦት የመናውያን ብባዶ እዮም ወጺኦም። ኤርትራውያን ተመርዕዮም ካባና ንላዕሊ ሃብቲሞም ከቢሮም ከም ዜጋታት እዮም ዚነብሩ። ሃብታማት ጣላይን ከም በዓል ደናዳይን ሜሎትን ንባዕሎም ሃብቲሞም ንዓና ውን ረቢሖምና እዮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ኣዕራብን ጣልያንን ምስ ሰጐጐም ነቶም ንፉዓት ኤርትራውያን ወለድና ከም በዓል ኣቦይ ኣለም መሓረና፣ ብድሕሪኦም ፋብሪካ ካራሜላ፣ ቢስኩትን ፋብሪካ ዘይትን ገዚኦም ክሳብ ወጻኢ ሃገር ነቲ ፍረ ጻዕሮም ይልእኵኦ ኔሮም እዮም።

እቶም 60ታትን 70ታትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዚነበሩ ተመሃሮ መብዛሕትኦም ኣብ ዝሃለዉ ሃልዮም ነቲ ናይ ሻዕብያ ውድብ ብውሽጢ መንፈሶም ኣይድግፍዎን እዮም። ብ1991 ናይ መጀመርታ ነፋሪት ካብ ፊላደልፍያ ናብ ኣስመራ ዝተበገሰት ሙሁራት ኤርትራውያን ሒዛ ኣብ ኣስመራ ምስ ዓረፈት፣ ኣብ ሰሙኑ ብድሩዕ ኣቢሎም ንኢሰያስ ክራኸብዎ ምስ ሓተቱ ብዝመጻእኩሞ ተመለሱ እዩ ኢልዎም። ወያነ ከኣ ሚልዮናት ገንዘብ ከፊሎም ካብ ምሉእ ዓለም ንምሁራቶም ንሃገሮም ዝመልስሉ ዚነበሩ እዋናት እዩ።

እንተዘይተጋግየ ብ1994 ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ብኤምባሲ ኤርትራ ዚተዓለሙ 2 ዓበይቲ ኮንፈረንስ ብሓንቲ መዓልቲ ምስ ተጋብኤ፣ ንግሆ ናይ ምሁራት ካብ ኣሜርካን ካናዳን ዚመጹ፣ ብድሕሪኡ ከኣ ናይቲ ኣብ ኣሜርካ ዝኸፍሎ ህዝብና ዚምልከት ሰሚናር ምስ ተጋብኤ ካብቶም 400 ዚኾኑ ኤርትራውያን ምሁራት ሓደ ሰብ ናብቲ ደቁ ዚተኣሰርዎ ጭንቀት ህዝቢ ዚኸፈለ ሰብ ኣይነበረን። ኣነ ኣብቲ ካልኣይ ሰሚናር ተዛራባይ ስለ ዚነበርኩ ንነዊሕ እዋናት ምሁራት ስለምንታይ ኣብቲ ጸገም ህዝቦም ዘይተኻፈሉ ኣብቲ ናይ ሻዕብያ ምሕደራ ግና ኣብቲ ዘይፈልጥዎ ከም ፈላጣትን ገበርትን ሓደግትን ኮይኖም ክቀርቡ እንከለዉ ኣብዚ እዋን ግና ካብቶም ሽዑ ዚነበሩ ምሁራት፣ ብዘይካ ሓደ ኣብ ቦስተን ብዘይ ስራሕ ደው ዚበለ ዶ/ር ካልኦት በቲ ምሕደራ ሓዚኖም ንሃገሮም ተመሊሶም እዮም።

እዞም ምሁራት ኤርትራውያን ኣብዛ እዋን እዚኣ ምስዞም እሙናት ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ” ብዚብል መንፈስ ተላዒሎም ንህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ጸገሙ ደው ክብሉ ይግባእ።

እቲ ህዝቢ ከኣ እዚኦም ሻዕብያ ዚነበሩ እዮም፣ ሕጂ ዝንቀሳቀሱ ዘለዉ ስልጣን ስለ ዚደለዩ እዩ እናበለ ነዞም ዩኒቨርስትን ካምፓኒታትን ዚመርሑ ሓንጎፋይ ኢሉ ክቕበሎም ይግባእ።

ኣብ መወዳእታ ነዞም ኣርባዕተ ኣቡናት መንፈስ ህዝብና ዚፈወሱ፣ ተስፋ ኣብ ዝቐበጽናሉ እዋናት ተስፋ ዚሃብና ከመስግኖም ይደሊ። እዞም ኣርባዕተ ኣቡናት ከምቲ ኣልኣዛር ዚተባህለ ሰብ ኣብ VOA ንምንያ ክምልሰላ እንከሎ “እዚኣ’ኳ ከይተመራመርና ብእምነት ክንቅበሎ ኣይኮናን ክብል እንከሎ፣ እቲ ንሱ ዘይተረድኦ ኣልኣዛር ንኣርብዓ ዓመት ኣብ ኣሜርካ ክነብር እንከሎ ከም ናይ ሻዕብያ ካድረ ኮይኑ ዝተመልመለ ክኸውን እንከሎ እዞም ኣርባዕተ ኣቡናት ግና ብካምቦኒ ብሳንታፋምልያ ዝሓለፈ ኣብ ዓዲ ጣልያን ኮይኖም ንነዊሕ ዓመት ናይ ፍልስፍናን ትዮሎጂን ዝተማሃሩ ኣብቲ ኣልኣዛር ዚነብረሉ ከተማ ኮይኖም ውን ማስተርስ ብ Sociology ዝተመረቁ ሊቃውንቲ ምኻኖም ዚረስዐ ይመስል።

ኣብ ኤርትራ ተማሂርካ ናይ ሃይማኖት ሰብ እንተድኣ ኮይንካ፣ ሳላ ትምህርቲ ሻዕብያ ስጋብ ሕጂ ከም ዓያሹን ድኹማትን ናይ ፖለቲካ እንዶ ዘይብሎም ህዝቢ ኢና ንብል ዚነበርና፣ ሕጂ ግና ኣብ ኤርትራ ከም በዓል ማርቲን ሉተር ኪንግ ጂንየርን ከም በዓል ቢሾፕቱቱትን ኣብ ሃገርና ስለ ዚተፈጥሩ ካብ ሕጂ ኣቅኒዕና ንህግደፍ ከነበርኽኾ ኢና።

ኣብ ስደት እቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ህዝብና ዚተፈጥረ በብዓይነቱ ፍልልያት ብቀሊል መንገዲ ክፍታሕ ዚከኣል፣ ዓበይቲ ዓድን ናይ ሃይማኖት መራሕን ዘይብሉ ህዝቢ ስለ ዚነበረ እንተኣለዉ ውን፣ በቲ ሻዕብያ ዚዘርኦ ንዓበይቲ መራሕቲ ሃይማኖትን ኣብ ስደት ፈጺሙ ጠፊኡ ስለ ዝነበረ ናይ ብዙሓት ሰባት ሕቶ እዞም ሻዕብያ ምስ ከዱ ኣብ ሃገርና ከመይ ጌርና ኢና ፍልልይና እንኣልዮ ንዚብል መልሲ፣ ሕጂ ኣማን ብኣማን ኣብ ውሽጢ ሃገር ኤርትራ ከምዞም ኣርባዕተ ካቶሊካውያን ኤርትራ ካልኦት ውን ብሽግር፣ ማእሰርትን ከም በዓል ማንዴላ ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ብጅግንነቱ ብልሓቱን መወዳድርቲ ዘይብሉ ፓይሎት ደጀን ዓንደሓሽን ህዝብና ኣብዚ ክራማት ዝጀመረሉ ንመጀመርታ እዋን ህዝብና ተስፋ ጮራ ናጽነት ስለ ዚረኸብና ንእግዚኣብሄር ነመስግን። ሓውና ኣማኑኤልን መታዕይትኻን ከኣ ስለቲ ንህዝብኻ እትገብሮ ዘሎኻ ጻዕሪ እግዚኣብሄር ጻማኻ ይሃብካ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
48 COMMENTS
  • Gebar Shum Frehans July 21, 2014

    I am proud of Dr. Misgina’s courage to write what he believes. Unless people face the truth head on Eritrea has no hope.
    As he said, our culture and tradition has been under pressure from 3 directions: the world discarded Marxism of HGDEF,the alien Arabism of moslem fundamentalist and the exclusive Pentecostal groups. I was a witness to a Pentecostal wedding recently and was horrified to see how distant they are from the traditional Eritrean society. In a similar manner I was sad to see my old moslem friends to turn extremists and are exclusive like the Pentecostal. The HGDEF is also a cult which excludes everyone who does not subscribe to their way of thinking.
    Dr Msgina has touched the nerve of many people and that is why there are many comments(negative and positive). He has opened a healthy debate and is warning people of the future problems unless we start reconciliation among the Eritrean people soon(not with HGDEF as some suggest).Misgina has a wide experience and has a magnificent contribution in helping people in distress in the diaspora.I suggest you get hold of his manuals(in Tigrigna, English, Amharic and soon in Arabic)
    I like Misgina because he speaks his mind. We should encourage people like him and carry on the debate. quslu zihabie fewsu yihabie.

  • Teclay July 21, 2014

    Assena

    The so called democrats ,,,good democratizes you dilate comments which you do not like it .Isn`t it tolerance what democracy mean.Any why who can expect democracy from you?
    I do not believe Amanuel him self is acting like this but his CHEGUAR DANGA team. I post Yosief G `s peace to learn something from the big mind.But cheguar danga is cheguar danga.
    For your information the dictator will live 10 years and by far he is better than you.And after that? after that you can fill the blank

    • selamawit2 July 27, 2014

      A man of of easy virtue, Teclay!

      Yesterday here and today in bed with Iseyas, wishing him to take revanche against deleyti fithi ’cause your commente were (maybe) deleted. Where will you be tomorrow till you move on a little later?

  • silent July 21, 2014

    እዞም ዶክቶር ብዙሕ እዮም ጺሒፎም ግን ሓንቲ አይተረደአንን፣ ካብ ምንታይ ኮን ይኸውን;
    አየ ድንቑርና ሕሱም/ ናይ ሃይማኖት ከይእብሎ፣ አበሎ ሓውኻ ዝብል ሕቶ አለዎ እሞ ፣ ናይ ሓወይ ክነግር

    እቲ ኮርዒዳ ሓወይ አብ ዓሊተና/ቡረ/ገማግም ዓሰብ አሎ፣ ካልእ ዘረባ፣ ዘረባ ሃርቱ እዩ እሱ ኸአ አይየውፍር አየእቱ፣፣

  • okubamariam paulos July 22, 2014

    Kibor dr Misgna thfkum ambybeyo btaemy kore kemakatkum zeamselu myhuratn firhat egizabhern zelewom sebat yedlia alo nyhagerna ,ezom belaety seb hawka abey alo zybl hyto nyatato mynm aykonen kedem hlnaom meytu eyo emo kab mywt hlna entay nytbe .ajokum dekmna aytbelu hizbna kabakatkum eyo tesfo.edmen tenan ymneyelkum.

  • Meretse Asmelash July 22, 2014

    ክቡር ዶክተር ምስግና ምስጋና
    መጀመርያ ሰላም
    ቀጺለ ብዛዕባ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጸሓፍካዮ እዋናዊ ጽሑፍኻ ከምዚ ዝስዕብ ክብል ይፈቱ፡
    ኣብ ጽሑፍካ ክልተ ዝተፈላለየ ሪእቶታት ኣሎኒ። እቲ ሓደ ንጽሑፍካ ካልእ ኣርእስቲ ማለት ምስኡ ኣዝዩ ዝሳነ እንተ ትሓርየሉ ዝበለጸ ምኾነ ኔሩ በሃላይ እየ። ቀጺሉ’ውን ኣብ መእተዊ ዝተጠቀምካሉ ምሳሌ (ኣብነት) ምስ’ቲ ቀጺሉ ዝሰዓበ ትንተና ብዙሕ ዝሰናየ ኣይመስልን። ይኹን’ምበር እቲ ቀንድን እንኮን ክትሃርሞ ዝደለካ እዋናዊ ነጥቢ ግን ግርም ጌርካ ቦትኡ ዘትሓዝካዮ ኾይኑ ተሰሚዑኒ። ሓደ ሓደ ግዜ ብከይብሉኒ ወይ ከይብሃል ረጊጽካዮ እትሓልፍ ሓቒ ደድሕርካ ሲዒቡ ምሕላፍ መንገዲ እዩ ዝከልኣካ።
    ንጽሑፍካ መብርሂ ኢልካ ዝተጠቀምካሎም ሓበረታ ኣዚካ ዝድነቑ እዮም ኔሮም። እቲ ሓለፋ ዝህቦም ናይ ዓይኒ ምስክር ተረክቦታት ስለ ዝኮኑ። ኹሎም እቶም ዝሓለፉ ሕማቕ ኣጋጣሚታት እዚ ሕጂ ዘሎ ዎሎዶ ዝስከሞም ሓጥያት ኣይኮኑን። ቀደም ብዝተፈጸመ ጌጋታት ኣላዒልካ ንናይ ሎሚ ጉጉይ ፡- ናይ እንዳማትካ ሕሙም ሕልሚ ከተተግብር ምፍታን ሓደ ካብቶም መፍትሒ ዘይርከቦም ዓበይቲ ሕማማት ምዃን ሓሊፉ ካልእ ክከውን ኣይክእልን። ቛንቛ ምስ ሃይምኖት ኣተኣሳሲርካ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ወይ ውርደ ደይብ ክብሃል ንርኢ ኣሎና። ንሱ ከኣ ንብዙሓት ዘስደመመ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። ንስካ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ብዛዕባ ቅድሚ ሕጂ ብተግባር ካብ ዝተፈጸመን ዓይንካ ዝረኣዮን ልብካ ዝፈረዶን መሰረት ብምግባር ተመሳሳሊ ኹነታት ከይርከብ ኣቀዲምካ ኣቱም ሰባት እዚ ንርኢ ኣሎና፡ እዚ’ውን ንሰምዕ ኣሎና፡ በዚ ምክንያት ከኣ ፣ ካብቲ ናይ ሓባር መገዲ ንወጽእ ኣሎና ዝብል መልእክቲ ብትብዓት ምጽሓፍካ ንኡድ ስራሕ ዝብል እምንቶ ኣሎኒ ።

  • silent July 26, 2014

    Saba/Sabina, what a wonderful world, another name that I like very much!

    You kindly order me to remain silent, how could you, are you not a democracy proponent?

    It shows that democracy for you is like a bottle of PesiCola, that requires an intensive merchandizing to sell it to the gullible.

  • Zeray July 28, 2014

    Kibur Doctor,

    If you believe in freedom of religion why are you demeaning the Eritrean Pentecostals for believing what they believe? Secondly, your examples, about HIV healing etc maybe true in exceptional cases, but the majority of Pentecostals are not represented by the myopic example you gave.Eritrean problem is not faith and religion it is rather denial of God starting from the President of Eritrea. Shabia used religion to attack other religions in Eritrea, you know that and you are no better than them.

    Let me ask you, where are you yourself? you have rightly praised the bishops for sacrificing themselves by the message they gave, but you ran away from Eritrea for reasons I don’t need to expose here for it is beyond the scope of the writing. We were watching you on EreTV praising Shabia when you could have stayed abroad. Your messages given at different times conflicting. I don’t trust you.

Post a Reply to Zeray Cancel Reply