Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓንቲ ከቢድ ሕማም ካንሰር ዝነበራ ጓል 14 ዓመት እንግሊዛዊት ቆልዓ መድሃኒት ኣብ ዝተረኽበሉ ግዜ ናብ ዳግማይ ህይወት ክትምለስ መታን ሬሳኣ ኣብ ክንዲ ዝቕበር ደስኪሉ ክጸንሕ ኣብ ቤትፍርዲ ተኸራኺራ ድሕሪ ምዕዋታ ድሌታ ከምዝተማላኣላ ቢቢሲ ሓቢሩ።

ሓንቲ ከቢድ ሕማም ካንሰር ዝነበራ ስማ ዘትገለጸ ጓል 14 ዓመት እንግሊዛዊት ቆልዓ፣ መድሃኒት ኣብ ዝተረኽበሉ ግዜ ናብ ዳግማይ ህይወት ክትምለስ መታን ሬሳኣ ኣብ ክንዲ ዝቕበር ኣብ ፍሉይ ምዝሓሊ ደስኪሉ ክጸንሕ ኣብ ቤትፍርዲ ተኸራኺራ ድሕሪ ምዕዋታ፣

ሓንቲ ከቢድ ሕማም ካንሰር ዝነበራ ስማ ዘትገለጸ ጓል 14 ዓመት እንግሊዛዊት ቆልዓ፣ መድሃኒት ኣብ ዝተረኽበሉ ግዜ ናብ ዳግማይ ህይወት ክትምለስ መታን ሬሳኣ ኣብ ክንዲ ዝቕበር ኣብ ፍሉይ ምዝሓሊ ደስኪሉ ክጸንሕ ኣብ ቤትፍርዲ ተኸራኺራ ድሕሪ ምዕዋታ፣ ከምዚ ዝበለቶ ድሌታ ተማሊኡላ ኣካላታ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ፍሉይ ቦታ ተዓቂቡ ከምዘሎ ቢቢሲ ሓቢሩ።

እታ ኣብ ከባቢ ከተማ ለንደን እትነብር ዝነበረት፣ ስድራቤታ ዝተፋትሑ ትሕቲ ዕድመ ዘቕረበቶ ጠለብ ብኣዲኣ ክድገፍ ከሎ ኣቦኣ ግን ኣይተቐበሎን። ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ዓዲ እንግሊዝ ከኣ ናይታ ቆልዓን ብቐጻሊ እትኣልያ ዝነበረት ኣደን ውሳኔ ብምድጋፍ ፍርዱ ሂቡ።

እቲ ፈራዳይ፣ ነታ ቆልዓ ጸቕጢ መታን ከይፈጥረላ ብህይወታ ክሳብ ዘላ ጉዳያ ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ከይቃላሕ ብዘሕለፎ ውሳኔ ድማ እዩ ተሰቲሩ ጸኒሑ።

እታ ቆልዓ ተኻኢላ ብምንባራ ናብቲ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ክትከይድ ኣይከኣለትን፣ እቲ ፈራዳይ ግን ኣብቲ ተዓቝባትሉ ዝነበረት ሆስፒታል በጺሑዋ። ንመጻኢኣ ብኽንድ’ዚ ትብዓት ብምግጣማ ኣዝዩ ከምዝተመሰጠ ብምግላጽ ከኣ ገሊጹ።  

ክምዚ ናይታ ቆልዓ ዝኣመሰለ ጠለብ ናብ ቤትፍርዲ ክቐረብ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ምናልባት ‘ውን ኣብ ዓለም ናይ ፈለማ ምዃኑ ዝጠቐሰ ፈራዳይ፣ እዚ ጉዳይ ‘ዚ ሓደ ኣብነት ናይቶም ሳይንስ ንጠበቓታት ዘቕርበሎም ዘሎ ሓደስቲ ሕቶታት ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ትንቢት ናይታ ቆልዓ፣ ኣብ ዓለም ንነዊሕ እዋን ክትነብር ዕድል ስለዘይገበረት፣ መድሃኒት ናይቲ ዝቐተላ ሕማም ካንሰር ኣብ ዝተረኽበሉ እዋን ዳግም ናብ ህይወት ተመሊሳ ክትነብር እዩ። እቲ ዜና ትማሊ 18 ሕዳር ምስ ተቓልሐ ድማ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዓዲ እንግሊዝ ሰፊሕ ስነፍልጠታውን ሞራላውን ክትዕ ኣልዒሉ ውዒሉ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT