Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓባራዊ መግለጽን መጸዋዕታን: ኤርትራዊ ህዝባዊ ምልዕዓል ንለውጥን ፍትሕን – ሰሜን ኣመሪካ

ሓባራዊ መግለጽን መጸዋዕታን ኤርትራዊ ህዝባዊ ምልዕዓል ንለውጥን ፍትሕን - ሰሜን ኣመሪካ  ኣብ`ዘን ዝሓለፋ 22 ዓመታት፡ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ማእለያ ዘይብሉ ዕንወትን ብርሰትን ብተኻታታሊ ወሪዱ። ኤርትራ፡ በብጊዜኡ ናብ ውድቀት ክትሃምም፡ ሃገር ምልእቲ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክትቅየር፡

ሓባራዊ መግለጽን መጸዋዕታን

ኤርትራዊ ህዝባዊ ምልዕዓል ንለውጥን ፍትሕን – ሰሜን ኣመሪካ

 ኣብ`ዘን ዝሓለፋ 22 ዓመታት፡ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ማእለያ ዘይብሉ ዕንወትን ብርሰትን ብተኻታታሊ ወሪዱ። ኤርትራ፡ በብጊዜኡ ናብ ውድቀት ክትሃምም፡ ሃገር ምልእቲ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክትቅየር፡ ካብ ናይ ዓለም ማሕበረሰብ ክትንጸል ዝገበረ፡ ንባህጊ ህዝቢ ዝኾለፈ፡ ንሕድርን መብጽዓን ስውኣትና ዝጠለመ: ጨካን መላኺ ስርዓት ኢሳያስ`ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ፈቖዶ ስደት ይበታተንን፡ መንእሰያት ኤርትራ ብጅምላ ኣብ ባሕሪ ይሃልቁን፡ ኣብ ጎቦታት ሲናይ ዘይንቡር ኩነታት የጋጥሞም ኣሎ። ኤርትራ ከም ሃገር ሓድነታ ኣላሕሊሑ፡ ንልዑላውነታ ክትከላኸለሉ ኣብ ዘይትኽእለሉ ኩነታትን፡ ንህዝብና ኣብ ዝኸፍአ ናይ ናብራ ሕሰምን ስእነትን ዘእተወ፡ ጸረ-ህዝቢ! ጸረ-ፍትሒ! ጸረ-ሰላም! ጸረ-ሰብኣዊ ክብሪ! ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት`ዩ።

ጠንቂታት ናይ ዕንወት፡ ንኹላትና ብሩህን ርእዩን`ኳ እንተኾነ፡ ዝሓለፉን ዘሎውን ጌጋታትና ኣሪምና ንጹር ዕላማን ናይ ዓወት ስትራተጅን ቀይስና ህዝብናን ሃገርናን ከነድሕን ዛጊት ኣይበቓዕናን። ብሓድነት ዘላቒ ፍታሕ ንምርካብ ዘገልግል ስጡም ናይ ቃልሲ መስርሕ ከይተኸተልና ጸኒሕና። ሕጂ፡ ካብ ዝሓለፉ ሕጽረታትና ተማሂርና፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ሰርዓት ካብ እንግድዓ ሃገርን ህዝብን ብህዝባዊ ናዕቢ ንምእላዩ ከም ቀንዲ ሃገራዊ ዕማም ወሲድና፡ ናይ ኩላትና ዓቕሚ ኣወሃሂድና ክንሰርሕ እዚ መድረኽ`ዚ ይጽውዓና`ሎ።  ኣብ ሰሜን ኣመሪካ እንርከብ ዜጋታት ኤርትራ ንኹን ኣብ ምሉእ ዓለም፡ ብሓደ ጥምረትን ህርመትን፡ ኣብ`ቲ ቀንዲ ናይ ዕንወትን ብርሰትን ሃገረ-ኤርትራ ጠንቂ ኮይኑ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ጉጅለ ኢሳያስ ከነቕንዕ ንጽዋዕ። እዚ ጸዋዒት`ዚ፡ ኣእምሮን ቀልብን ናይ ምሉእ ህዝቢ ረኺቡ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ህዝቢ በብዝርከቦ ከተማታት ተላዓዒሉ ክውደብን ክጥርነፍን ይርከብ ኣሎ። እዚ ዘሎ ናይ ህዝቢ ምጥርናፋት፡ ውጽኢትን ፍርያትን ናይ ሕሉፍን ህልውን ናይ ዝተወደበን ዘይተወደበን ጸረ-ምልካዊ ስርዓት ዲሞክራሲያዊ ቃልስታትን፡ ሓርበኛውን ፍትሓውን ምንቅስቓሳት ኤርትራውያን ኢዩ።

ካብ ሕሉፍ ተሞክሮታት ብምምሃር፡ ተበጊሱ ዘሎ ህዝባዊ ምልዕዓል፡ ጥርናፈኡ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ኮይኑ፡ ተሓታትነቱ ድማ ናብ ህዝቢ ናብ`ቲ ዝተመስረተሉ ከተማ (Locaclity) እዩ። እዚ ብውልቀ-ዕግበት ዝበጋገስ ዘሎ ናይ ዜጋታት ኤርትራ ምንቅስቓሳት፡ ዝሰፍሐ ናይ ህዝቢ ጥምረትን ጥርናፈን ብምርግጋጽ፡ ምልካዊ ስርዓት ኣልጊሱ ህዝቢ ኣብ ምስግጋር ግዜን ኣብ ምርግጋጽ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ዘተኣማምንን ውሑስን ኩነታት ኣብ ምፍጣር ዝቃለስ ሓይሊ ህዝቢ ንምፍጣር ዝጽዕት ኢዩ። መትከላዊ እምነቱ ነቲ ናይ ሓባር ዕላማ ንምዕዋት ንጹር ናይ ዓወት ካርታ ወኒኑ፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ እንዳተፈትሑን እንዳተማሓደሩን ንዝኸዱ ካልኣዊ መልክዕ ዝሕዙ ፍልልያት ብመጽናዕትን ብመድረኽ ልዝብን ዘላቒ ፍታሕ እንዳገበረ፡ ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ነቲ ቀንዲ ናይ ዕንወትን ብርሰትን ሃገር ጠንቂ ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ጉጅለ ኢሳያስ ብህዝባዊ ማዕበል ንምልጋሱ ምቃለስ`ዩ።

ኣብ እዘን ዝሓለፋ ክልተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ሰሜን-ኣመሪካ በብከተምኡ ዝተጠርነፋ ብዙሓት ከተማታት፡ ብወከልቲ ሽማግለታተን ኣቢለን ክራኸባ ጸኒሐን። ዕላማ ናይ ርክባተን ከኣ ነቲ በብቦትኡ ዝጥርነፍ ዘሎ ናይ ህዝቢ ምልዕዓላት ብደረጃ ሰሜን-ኣመሪካ ንክጥርነፍ ንምልዛብ ኢዩ ነይሩ። ዓሰርተ-ሓደ ከተማታት ብናይ ስልኪ ኮንፈረንስ ተራኺበን ኣብ ዝገበረኦ ናይ ሓበሬታ ምቅይያር፡ ኣብ ዕላማ ይኹን ትሕዝቶ ፍልልይ ዘይብለን ምዃነን ኣረጋጊጸን። ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብ እዘን ዝስዕባ ክልተ ማእከላዊ ዕላማታት ብምስምማዕ፡ ኣብ ምዕዋተንን ክዉን ምግባረንን ናይ ሓባር ተግባረ-ስራሕ ክውድባ ተሳማሚዐን።

  • ነቲ ድሕሪ መሪርን ነዊሕን ብረታውን ህዝባውን ቃልሲ ዝተረጋገጸ ሃገራዊ ነጻነትን ልዑላውነትን ኤርትራ፡ ካብ ብርሰትን ዕንወትን ንምድሓን፡ ኩሎም ዝተወደቡን ዘይተወደቡን ኤርትራውያን ዓቕምታቶም ኣወሃሂዶም ብሓደ ናይ ዓወት ስትራተጂ ንምልካዊ ስርዓት ጉጅለ ኢሳያስ  ኣብ ምልጋስ ክቐንዕ፣
  • ንኹሉ መልክዓት ምልኪ፡ ጭቆና ወጊድካ፡ መሰልን ማዕርነትን ናይ መላእ ዜጋታት እተውሕስ፡ ብግዝኣተ-ሕጊ እትመሓደር፡ ኣብ ድልዱል ማሕበራዊ ቅሳነትን ምጣነ-ሃብታዊ ሰረትን ናይ ምሉእ ዓቕምታት ሕብረተ-ሰባ እትምርኮስ ቅዋማዊትን ዲሞክራሲያዊትን ኤርትራ ንምርግጋጽ ምቅላስ፣

ኣብ የካቲት 16 ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ዝበጋገስ ዘሎ ህዝባዊ ምልዕዓላት፡ ናህሩ ከይኩለፍን ናይ ምዝሕታል ዕድል ከየጋጥሞን፡ ናብ ደረጃ ዞባ ክብ ኢሉ ክነጥፍ ኣገዳስነቱ ተራእዩ። ተግባራዊ ንክኸውን ድማ ንኩነታት ኣብ መስርሕ ምጅማርን ምቛምን ዝርከባ ብዙሓት ከተማታት ኣብ ግምት ዘእቱ፡ እዚ ዝስዕብ መደባት ሰሪዑ።

  • ካብ ከተማታት ዕላዊ ውክልና ብዘሎዎም ከክልተ ሽማግለ ካብ ነፍሲ-ወከፍ ከተማ ኣብ 5 ሚያዝያ 2014 ብቴለኮንፈረንስ ኣኼባ ንክካየድ። ኣብ`ዚ ኣኼባ`ዚ ከኣ ካብ`ቶም ወከልቲ ሽማግለታት ናይ ሰሜን-ኣመሪካ ኮንፈረንስ እተዳሉ ኣሰናዳዊት ሽማግለ ክትምዘዝ።
  • ኣብ 5 ሚያዝያ ዝግበር ኣኼባ ከኣ፡ ወከልቲ ሽማግለታት ብዛዕባ ናይ ሰሜን-ኣመሪካ ኮንፈረንስ መደብ ትሕዝቶን (Objectives)፡ ዝግበረሉ ቦታን ግዜን፡ ከምኡ`ውን ንሓላፍነትን መዝነትን ናይ ኣሰናዳዊት ሽማግለ ዝምልከት ተዛትዩ ክውስን።

ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ናብ ዝሰፍሐ ናይ ዞባ ጥርናፈ ዘሰጋግር መደባት ዕዉት ውጽኢት ክህልዎ፡ ነዚ ዝስዕብ መጸዋዕታን ምሕጽንታን ነቕርብ።

  1. እተን ክሳብ ዕለት ሎሚ ዘይተበገሳን ኣብ መስርሕ ዘሎዋ ናይ ሰሜን ኣመሪካ ከተማታት ከሰላሳለኦ ዘለወን ዕዮታት ወዲአን፡ ብዝውክለን ሽማግለታት ኣቢለን ኣካል ናይ`ቲ ኣብ 5 ሚያዝያ ዝካየድ ናይ ወከልቲ ሽማግለታት ቴለኮንፈረንስ ኣኼባ ንምስታፍ፡ ንጊዚያዊት ኣወሃሃዲት ሽማግለ ክሕብራ ነተሓሳስብ።
  2. ስርሓት ክምእከልን፡ ዝተበጽሐ ምዕብልናታት ንምክትታል ክካኣልን፡ ክበርሃልኩም ንእትደልይዎ ጉዳያት ምስ ጊዚያዊት ኣወሃሃዲት ሽማግለ ብኢመይል ወይ ብስልኪ ክትራኸቡ  ትኽእሉ።
  3. ብብዞቡኡ ዝካየድ ዘሎ ናይ ህዝቢ ምልዕዓል፡ ብሓደ ዕላማን ስትራተጂን፡ መሪሕነትን ምስ ዝምእከል ነቲ ዝድለ ለውጢ ተግባራዊ ንምግባር ዝቐለለ ይኸውን። እዚ ዓለም-ለኻዊ ጥርናፈ ቀልጢፉ ንክረጋገጽ ክኽእልን፡ ኩላትና ብሓደ-ደረጃ ክንጉዓዝ ክንበቅዕን፡ ኣብ ኣውሮጳ፡ ኣወስትራልያ፡ ማእከላይ-ምብራቕ ከምኡ`ውን ኣፍሪቃ፡ ተመሳሳሊ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዘቕንዐ ህዝባዊ ምጥርናፋት ብደረጃ ከተማታትን ዞባታትን ከተዐውቱ ንጽውዕ።
    1. ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ፡ ንለውጥን ንፍትሕን
    2. ማሕበር ኤርትራውያን ንፍትሒ – ኢንዲያናፖሊስን ከባቢኣን
    3. ኤርትራዊ ህዝባዊ ጥርናፈ ንድሕነት ሃገር – ሳንድያጎ ካሊፎርናያ
    4. ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንድሕነት ሃገር – ሻርለት ሰሜን ከሮላይና
    5. ኤርትራውያን ኮሙዩኒቲ ንሕግን ንዲሞክራስን – ሃሪስበርግን ከባቢኣን
    6. ህዝባዊ ማዕበል ንድሕነት ሃገር – ዋሽንግቶን ዲሲን ከባቢኣን
    7. ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣንቶርዮ  – ለንደን ኣንቶርዮ (ካናዳ)
    8. ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንለውጠን ዲሞክራሲያዊን ፍትሕን ኣብ ሲንስናቲ ኦሃዮ

 

ንግዚያዊት ኣወሃሃዲት ሽማግለ ንምርካብ

1. ኣቶ ጸጋይ ነጋሽ          – 303-847-9130    tsawa@aol.com

2. ኣቶ ጎይትኦም ኢማም  – 317-332-1584    deleyti.fithi@gmail.com

3. ኣቶ መኮነን ኣብርሃም  – 704-302-4987     mekabraham@gmail.com

 

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታት ኤርትራ!

ምልካዊ ስርዓት ጉጅለ ኢሳያስ ብህዝባዊ ማዕበል ናይ ግድን ክስዓር ኢዩ!

 

3/5/2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • dina March 5, 2014

    why not Oakland?

  • Rora March 6, 2014

    That is what Eritreans need.

  • Merhawit March 6, 2014

    Inspiring news, dear compatriots in the USA!! Eritreans residing in Frankfurt, Germany are also endeavoring similar undertakings. This will be made public in the coming few weeks. It is through coordinated efforts of a united Diaspora opposition and our people inside the country that the aspirations of Eritreans for democracy and progress can be realised.
    Eritreans worldwide, unite against tyranny and backwardness!

  • Tesfu Kbrom March 6, 2014

    Those living in Europe should start the same type of coordination.

  • rahwa March 6, 2014

    well done, brothers and sisters in the US! that’s inspiring!

  • Medber March 6, 2014

    Good JOB I am very happy keep going forward, thit is what we were expecting.
    Good JOB again.

  • waEro March 6, 2014

    Great work. This is the only way to go. Now there looks to be light at the end of the tunnel. Once people are organized, the rest is easy.
    This is what we were missing for years.

  • yuni March 11, 2014

    great we lost one big animal do you know how many killed by this guy God knows

POST A COMMENT