Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓበሬታ ካብ ሓይሊ ዕማም ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ

ምድላዋት ናይቲ ን 31 ነሓሰ፡ ድሌት ሰላም ደለይቲ ፍትሒ ብምርግጋጽ፡ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ብምእታው ንዘካይዶ ዘሎ ሸርሒ ተቓውሞኡ ንምግላጽ ኣብ ጀኔቫ ዝካየድ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ብውዕዉዕ መንፈስ ይቕጽል ከምዘሎ ሓይሊ

ምድላዋት ናይቲ ን 31 ነሓሰ፡ ድሌት ሰላም ደለይቲ ፍትሒ ብምርግጋጽ፡ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ብምእታው ንዘካይዶ ዘሎ ሸርሒ ተቓውሞኡ ንምግላጽ ኣብ ጀኔቫ ዝካየድ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ብውዕዉዕ መንፈስ ይቕጽል ከምዘሎ ሓይሊ ዕማም ጀኔቫ ትማሊ ምሸት ኣብ ዝገበሮ ገምጋም ኣረጋጊጹ።

ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንምዕዋት፡ ደለይቲ ፍትሒ፡ ካብ ዝተፈላለያ ኩርናዓት ዓለም፡ እንተላይ ካብ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ጀኔቫ ክርከቡ ምዃኖም `ውን ተፈሊጡ።

ሰላማዊ ሰልፊ ጀኒቫ ንምስላጥ ዛጊት ልዕሊ 7000 ሽሕ ስዊዝ ፍራንክስ ክውፈ ኸሎ፡ ናብዚ ኣሃዝ `ዚ ዝቀራረብ መብጽዓ ተኣትዩ ኣሎ።

ህዝቢ ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብኣካል ተሳቲፉ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስን መሻርኽቱን ዘየዳግም መልእኽቲ ከመሓላልፍ፡ ከምኡ `ውን ገንዘባዊ ወፈያታት ምግባር ክቕጽል ድማ ሓይሊ ዕማም ጀኔቫ ጸዊዑ።

ነቲ ኣብ ጽባሕ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ፡ ሓደ መስከረም ተወጢኑ ዝነበረ ግዝያዊት ሽማግለ ናይ ምምራጽ መደብ ብዝምልከት፡ ሓይሊ ዕማም፡ ምስ ሕጽረት ግዜ፡ ኩለን ሃገራት፡ ህዝባዊ ኣኼባታት ብምክያድ፡ ብስሩዕን ኣሳታፍን ዝኾነ መንገዲ ዛጊት ነቶም ተባሂሎም ዝነበሩ ሸሸውዓተ ወከልቲ ብኣግኡ ከቕርባ ስለዘይከኣላ፡ ኣብ ክንዲ ናይ ግዝያዊት ሽማግለ ምርጫ፡ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ ዝወዓሉ ግዱሳት ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ብምክያድ ኣብ ጉዳይ ሃገር እሂን ምሂን ዝብሃሉሉ፡ ከምኡ `ውን 1 መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ዝጽምብሉሉ ኣጋጣሚ ክኸውን ወሲና።

እቲ ብመንገዲ ወከልቲ ሃገራት ግዝያዊት ሽማግለ ንምምራጽ ዝነበረ መደብ ብክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ተተኪኡ እቲ ድርብ ዕማም ተቓሊሉ ምህላዉ፡ ህዝብን ሓይሊ ዕማምን ነቲ 31 ነሓሰ ዝካየድ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ምዕዋት ከተኩሩ ከምዝሕግዞም ብምግምጋም ከኣ፡ ኣብዘን ተሪፈን ዘለዋ ሒደት መዓልታት ህዝቢ ብክብ ዝበለ ፍናንን ሓባራዊ ናይ ቃልሲ መንፈስን ተላዒሉ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ ንምስታፍ ናይ መወዳእታ ምቅርራቡ ከካይድ ሓይሊ ዕማም ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ ኣዘኻኺሩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Tsehaye August 26, 2018

    ኣበየናይ ሃገርን ከተማን ዝቕመጡ ኤርትራውያን እዮም ወከልቶም ከቕርቡ ተሓቲቶም? ኣንቱም ሰባት ደምበርዶ ፍርሃተ ኣምላክ ኣለኩም? ብናጺሀ “ነቶም ኣብ ፓልቶክን፡ ኣብ ፈይስቡክን፡ ኣብ ትዊተርን፡ ኣብተን ወብሳይትን ዝዛረቡን ዝሓናጡጡ ኣዕሩኽትናን እንፈልጦም ሰባትን ጥራይ ኢና ሓቢርና” ዘይትብሉ።

    It is nothing but another Awassa repeating…ሓሸውየ።

    • Misghina August 26, 2018

      Very well said brother Tsehaye, my last comment similar to yours was deleted
      without any given reason! Another waste of time and disastrous failure in action again.

      • Tsehaye August 26, 2018

        Dear Misghina,

        I hear you. When it comes to free speech, those who own the internet social media and the people who consider themselves as members of the opposition movements are as intolerant as the PFDJ regime. They are two faces of the same Nakfa. My advice to you is to fight hard for what you believe in and to never lose hope.

        • Misghina August 26, 2018

          Many thanks again, haw Tsehaye.
          The so-called opportunists opposition are “claiming” to represent Eritreans!
          This is similar to the old Somali adage that says,
          “this cry is far more than for the dead goat”, indeed.

  • Danilo August 26, 2018

    ሓይሊ ዕማም ሰለማዊ ሰልፊ ጀንቫ ቀዳምነታት ሰሪዑ ንዝገበሮ ምትዕጽጻፍ ኣድናቆተይ ይገልጽ።ሕጂ፡እቲ ዝሃጸጸ ዕማም ምትእክካብ ኮይኑ እቲ ዝተረፈ ንድፊ ኣገባብ ቃልሲ ሒዝካ ምውጻእ ማለት ህዝባዊ ድልየት ዘረጋግጽ ንማኒፈስቶ ደምበር-ኣትላንታ ኣራጉድካ ጥሙርን ወድዓውን ቃልሲ ምክያድ እቲ ዘይስገር ቀዳማይ ዕማም ብሙኻኑ ይኣምን።ሓ/Dani.

  • ፊልሞን ኤቶ August 26, 2018

    ብጣዕሚ ዘሕዝን ውሳነዩ ። ክንስጉም ከለና ዝዕንቅፈና ካብዘይተሰኣነ ዋናታቱ ክንከውን ኣለና ባዕልና ማለትዩ፡ ህዝቢ ኣብዝለዓለ ፍናን ኣብዝበጻሕሉ እዋን ከምዚ ዓይነት ሓበሬታ ክትፍንው ብጣዕሚ ሞራልካ ዝትንክፍዩ ልዕሊ እቲ ሰልፊ ትጽቢትናን ሃንቀውታናን ንጽባሒቱ ተወጢኑ ኣብዝነበረ ብወከልቲ ሽማግለ ክምረጽ ኣብዝብልዩ ኔሩ እንተኾነ ኣይኮነን!!!
    ንምዝካር ኣብ 2013 3 ጥቅምቲ በሓደጋ ናይ ላምፓዱዛ የሕዋትና ምስ ኣጋጠመ ኣብ ቅድሚ ፓርላማ ናይ ዓዲ ጥልያን ፓላሶ ኪጂ ኣብዝየገብረ ሕርቃንን ኣውያትን ብድሕሪኡ ናብ ኣዳራሽ ከይድና ኢሂን ምሂን ክንበሃሃል ብዝብል ቴማ ኣብዝተፈተነሉ እዋን እቲ ተኣካባይ ከመይ ከምዝነበረ ኩላህና ኣይንስሕቶን ንኸውን ብዓቢኡ ከኣ ኣማንኤል ባዕልኻ !! እንታይ ክብል ደልዬዬ ኣብ መደምደምታ ብሽም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ብረት ዲና ክንጅምር ኢሂን ምሂን ንባሃሃል ዋላ ንእድሪስ ዓዋተ ጅግናዲዩ ኔሩ ዋላ ሽፍታ ክንካጣዕ? ብዝኾነ ተሳተፍቲ ካብምኳን ኣይንተርፍን ኢና ንሕና ግና ገና ዘየጻፈፍናዮ ነገር ከምዘሎዩ ዝበርሃለይ ዘሎ ! እቲ ዓወትና ናይ ግድንዩ ምስ ሓፋሽ ህዝብና

POST A COMMENT