Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓቛፊት ደርሆ’ኳ !

ሓቛፊት ደርሆ'ኳ !   'ኣታ ሓዞ! ሓዞ'ንዶታ!' 'ኣልግስ ፈንወኒ ኣይትሓዘኒ!' 'ኣንታ ቀስ'ንዶ በል! ደሓንዲኻ!?' 'ከሊየኒ ያኣኸ! ከሪአካ'የ ስራሕካ ኣታ ሓሳዊ! ኣሕዋትና ብሰንክኹም ይጠፍኡ ኣለዉ!' ብምባል፡ ዋዕዋዕ ክብሉ ምስ ሰማዕናዮም ኢና ኣነን ናስር ዓርከይን ብስንባደ ካብቲ ተቐሚጥናሉ ዝነበርና ሰድያ ተንሲእና፡ ብጉያ

ሓቛፊት ደርሆ’ኳ !
 
‘ኣታ ሓዞ! ሓዞ’ንዶታ!’
‘ኣልግስ ፈንወኒ ኣይትሓዘኒ!’
‘ኣንታ ቀስ’ንዶ በል! ደሓንዲኻ!?’
‘ከሊየኒ ያኣኸ! ከሪአካ’የ ስራሕካ ኣታ ሓሳዊ! ኣሕዋትና ብሰንክኹም ይጠፍኡ ኣለዉ!’ ብምባል፡ ዋዕዋዕ ክብሉ ምስ ሰማዕናዮም ኢና ኣነን ናስር ዓርከይን ብስንባደ ካብቲ ተቐሚጥናሉ ዝነበርና ሰድያ ተንሲእና፡ ብጉያ ተጸንቢርናዮም። ሓደ ወዲ ሓዝሓዝ ዝብሉዎ መንእሰይ፡ ንሓደ ኣቦ መንበር ሽማግለ በዓላት ህግደፍ ጸፊዑ ከም ዘውደቖ ከኣ ተዓዘብና። ኣነ ንወዲ ሓዝሓዝ ጽቡቕ ጌረ ስለ ዝፈልጦ፡ ካብቲ ዕግርግር ንኽኣልዮ ኢለ፡ ብየማናይ ኢዱ እናሰሓብኩ፡ ናብቲ ዝነበርናዮ ጣውላ ወሲደ፡ ‘በዚኣ ንበር ወዲ ሓዝሓዝ ሓወይ?’ ምስ በልኩዎ፡ ናብታ ዘመልከትኩሉ ሰድያ ከይዱ ኮፍ በለ።
“እንታይ ክንእዘዝ ወዲ ሓዝሓዝ? ሻሂዶ ቡን?” ምስ በሎ ናስር ዓርከይ ዓይኒ ዓይኑ እናጠመተ ከኣ
“ቢራ በላ ሳሕበይ” ኢሉዎ ርእሱ ናብቲ ጣውላ ደፍአ።
 
“ደሓን ዲኻ ደኣ ኣንታ ወዲ ሓዝሓዝ ዘይኣመልካ ክትብኣስ ጸኒሕካ?” በልኩዎ ንወዲ ሓዝሓዝ ሕያዋይ ሙዃኑ እናኣመትኩ። ወዲ ሓዝሓዝ፡ ነታ ድሮ ኣሳሳይት ዘቐበለቶ ጥርሙዝ ቢራ፡ ምስተን ኣብቲ ጣውላ ኣብ ቀቅድሜና ዝነበራ ጣሳን ብኬርን ቀስ ጌሩ ብምግጫው፡ “ጭርስ በሉ” በለና። “ንጥዕና” ምስ በልናዮ ብሓባር ከኣ፡
“ኣታ እንታይ’ሞ ክንገብር ኢልኩሙና ያኣኸ! ነዞም ከደዓት ህዝብን ስውኣትን ኣብዚ ክትርኢ ከለኻ፡ ደምካ ስለ ዝፈልሓካ፡ ኣየኽእለካን ኮይኑ’ምበር ጽቡቕ ኣለኻ ምብኣስ ደኣ መዓስ ጽቡቕ ኮይኑ! ግን እንታይ’ሞ ክንገብር ሰላም ከሊኦሙና!” በለኒ፡ ናብታ ኣብ ቅድሚኡ ኣቐሚጡዋ ዝነበረ፡ ፓልም ዝዓይነታ ጥርሙዝ ቢራ እናጠመተ።
“እዋእ! እሞ ሕጂ ብሃንደበት ነዚ ሰብ’ዚ ከህርመካ ዘኽኣለ ምኽንያትሲ እንታይ እዩ?” በልኩዎ ደጊመ፡ ክሳዕ ክንድኡ ዘቖጥዖ ምኽንያት ንምፍላጥ።
 
“ሎሚ ንግሆ ደሃይ ስድራ ክገብር ኢለ፡ ንገዛና ናብ ኣስመራ ተሌፎን ይድውለልኩም። ክገርመኩም ብኽንደይ ሓይሊ፡ ድሕሪ ክንደይ ‘ዝደወልኩሙሉ ዓሚል ኣይተረኽበን’ እናበለት ምስ ኣደንዘዘትኒ፡ ብሃንደበት ከም ገለ ኢላ ሓሊፋ፡ ሞባይል ማማ ‘ጭርርር’ ትብል’ሞ ማዘረይ ትቕበለኒ። ሽዑ ማማ፡ ‘ሃለው ማማ’ ምስ በልኩዋ፡ ሰላም ቅድሚ ምባላ ‘ተስፊት ወደይ ኣሕዋትካ ኣጥፊኤሞም!’ ብምባል፡ ኣብ ተሌፎን ፊቕ ኢላ ትበኪ! ኣነ ሽዑ ነቲ ድሕሪ ስርሒት ፎርቶ ዝኣሰሩዎ ሓወይ ዝረሸኑዎ መሲሉኒ፡ ማራ ሰምቢደ! ‘እንታይ ኮይኖም ኣሕዋተይ!?’ እብላ ህውኽ ኢለ፡ ነቲ ብልበይ ዝሓስቦ ዝነበርኩ፡ ብጋህዲ ከይሰምዖ እናፈራህኩ። ነቲ ሓደ ሓወይውን ትማሊ ምሸት ብሃንደበት መጺኦም ከም ዝኣሰሩዎ እናበኸየት ትነግረኒ!” ምስ በለና፡
 
“ሓውኻ ኸደኣ እንታይ ጌሩ?” ሓተቶ ናስር ዓርከይ ቅልጥፍ ኢሉ።
“እንታይ ክገብር ደኣ! እንታይ ስለ ዝገበረድዩ ዓዲ ብዓዱ ዝእሰር ዘሎ!?” ተመሊሱ ሓተቶ ወዲ ሓዝሓዝ ገጹ እስር ኣቢሉ።
“ኖኖ! ማለተይሲ ገለ ፍሉይ ነገር ጌሩ ከይከውን ኢለ’የ” መለሰ ናስር ከም ሕፍር ኢሉ።
“ፍሉይ ነገር ዚገብር የለን ያኣኸ! ኣብ ሃገርና ሎሚ፡ ሓደ ኣባል ሃገራዊ ድሕነት እንተ ጸሊኡካ፡ ኣብ ዝደለዮ ግዜ መጺኡ ስቲንደሃያ ከእትወካ ይኽእል’ዩ! መንግስቲ ኣብዘይብሉ ሃገር፡ ህይወት እንታይ ውሕስነት ኣሎዋ!”
 
“እቲ ዓቢ ሓወይ ከሎኔል’ዩ ኔሩ። ድሕሪ ስርሒት ፎርቶ ጥሪ 2013፡ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ብለይቲ መጺኦም ካብ ገዛኡ ምስ ወሰዱዎ፡ ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ኣበይ ከም ዘሎ ኣይንፈልጥን ኢና! ትማሊ ድማ ነዚ ንእሽቶይ ሓወይ፡ ሰበይቱ ቅድሚ ወርሒ ክልተ ቈልዑ ገዲፋትሉ ሞይታ ኣብ ሓዘን ከሎ፡ ካብቶም ኣደኦም ዝሰኣኑ ደቁ ፈሊዮም ወሲደሞ። ክገርመኩምከ! ናብ ገዛኡ መጺኦም ብሃንደበት ‘ንዓናይ!’ ምስ በሉዎ’ሲ ‘በሉ ነዞም ደቀይ ናብ ኣደይ ከብጽሖም ዕድል ሃቡኒ?’ እንተ በሎምስ ‘ያላ ትም ኢልካ ጥራይ ሕለፍ!’ ኢሎም፡ ህጻውንቲ ቈልዑ ምስ ሓንቲ ጓል 10 ዓመት ሰራሕተኛ ኣብ ዕጹው ገዛ ገዲፎም፡ ንእኡ ሒዞሞ ከይዶም!” ምስ በለና፡
“ንበይኖም ገዲፉዎም ከይዱ!?” በሎ ናስር ዓርከይ ስንብድ ኢሉ።
 
“ደቂ ክንደይ’ዮም እቶም ቈልዑ?” ሓተትኩ ኣነ ንናስር ተኸቲለ።
“እቲ ወዲ ሰለስተ ዓመት ጌሩ፡ እታ ጓል ከኣ ድሕሪ ወርሒ ክልተ ዓመታ ክትመልእ’ያ” በለ ወዲ ሓዝሓዝ ናባይ እናጠመተ።
 
“እዋእ! እሞ እታ ሰራሕተኛ ከደኣ ንምንታይ ጓል 10 ዓመት ቈልዓ ኣእትዩ? ዕብይ ዝበለት ስኢኑ? ማለት…” ኢለ ዘረባይ ከይወዳእኩ፡ ኣብ መንጎ ብምእታው ወዲ ሓዝሓዝ፥
“ንሳ ኸማን ‘ጓል ሓወቦይ ምስ ሰይቲ ኣቦኣ ተባኢሳ፡ ካብ ዓዳ ሃዲማ መጺኣትኒ ኣላ’ሞ ንግዜኡ ነዞም ቈልዑ ትሓግዝካ’ ኢሉ’ዩ ሓደ ዘመድና ኣምጺኡሉ’ምበር፡ ሎሚዶ ሰራሕተኛታት ኣሎዋ’የን!? ድሕሪ ወራር ወያነ ሰራሕተኛታት ናይ ገዛ ጠፊአን እንድየን! ከም ገለ እንተ ተረኺበን ከኣ ሸውዓተ ወሎዶኻ ጸብጺበ’የን ዝኣትዋ!” ብምባል፡ የማናይ ኢዱ ንላዕሊ ጸግ ኣበለ።
 
“እቲ ካብ ኩሉ ዝገረመኒ ግን ናይ ኣደይ እዩ! ኣነ ሎምስ በቃ ተጸሊላ ኣላ! ኢለ ብኸመይ ከጸናንዓ’የ ኢለ እናሓሰብኩ፡ ተጨኒቐ፡ ‘ማማ ኣጆኺ ደሓን…’ ኢለ ይጅምረላ ኣለኹስ፡ ንሳ ተገምጢላ ምንም ከምዘይተገብረ፡ ‘ደሓን ዳዊት ወደይ ኣይትጉሀ! ኣብ በይንና ኣይኮነን! ንሰብ ዝበጽሖ’ዩ በጺሑና!’ ኢላ ንኣይ ከተጸናናዓኒ ምስ ጀመረት፡ ማራ ገሪሙኒ እብለኩም። ‘እዋእ! እንታይ ትብሊ ኣለኺ ማማ!? ዓመት ኣብዘይመልእ ግዜ ክልተ ደቅኺ ተመንጢልክስ ‘ንሰብና ዝበጽሖ’ዩ በጺሑና ትብሊ!’ እንታይ ገደሰኪ ናይ ሰብ! ናትኪ ዘይትገብሪ! ናበይ ትወስዱዎም ኣለኹም ደቀይ? ኢልኪ ዘይትሓትዮም?’ እብላ ኣለኹ ኣንጸርጺረስ፡ ‘እዎዎ ንመን ክሓትት ኣታ!? መን ምስ ሓተተ!? ዘይንቡርዶ ክገብር!?’ ብምባል ደሃይ ደቃ ንመንግስቲ ምሕታት ማራ ኣፍሪሑዋ ንማማ ገሪሙኒ!” ምስ በለና፡
“እንታይ ትብል ወደይ? ውላደይ ናበይ ትወስዱዎ ኣለኹም ኢልካ ምሕታትስ ዘይንቡር ኮይኑ!?” ብምባል፡ ተገሪሙ ሓተተ ናስር ዓርከይ።
 
“ዝገርም’ዩ! ኣደ ማለት እንታይ ማለት ሙዃኑ’ኮ ጠፊኡና! ወላዲት፡ ውላዳ ካብ ቅድሚ ዓይና ብሓያል እናተመንጠለስትስ ትም ክትብል!? ደርሆ’ኳ ጫቚታ ሽላ እንተመንጢሉዋ ነዲራ ደድሕሪኡ ትጎዪ!  እንታይ እየን ኮይነን እዘን ኣደታትናን ኣሓትናን ኣታ!? ኣደይከ ኣይኮነንዶ ወዳ ናበይ ይኸይድ ከም ዘሎ ምሕታትስ፡ ወደይ ኣይህብን ኢላ፡ በጃ ደቃ ክትቃለስዶ ኣይኮነን ዝግብኣ! ኣብ ሃልሃልታ ሓዊ እንተ ኣትዩ ከማን ከም ኣደ መጠን ብዘይምምታእ፡ ዘሊላ ኣትያ ከተውጽኦ’ያ ክትፍትን ዘለዋ! ፊልም ‘ማዘር ኢንድያ’ ኣይረኣኹማን ዲኹም!? ኣደ ህንዲ፡ ንቡልጁ ወዳ ከተድሕን ናብ መጋርያ ሓዊ ብጉያ ክትኣቱ! ኣደታትና ከኣ ቀደም ካብኡ ንላዕሊ ከም ዝገበራ ኢና ንፈልጥ! ምኽንያቱ፡ ብውላደን ዝመጸን ስለ ዘይጻወራ! ናይ ሎሚ ኣደታት ግን እንታይ እየን ኮይነን? ኣይዶንት ኖው ዋት ሃፐን!” በለ ወዲ ሓዝሓዝ ድምጹ ክብ ኣቢሉ።
 
“እዋእ! ንሳተንስ ነብሲ እንድየን ሒዘን ኣታ ወዲ ሓዝሓዝ ሓወይ! እዚ ንሕስያ ኣልቦ ስርዓት፡ ስሒቡ ኣብ ጸላም ከይዳጉነን ፈሪሀን ይኾና! ድሓር ከኣ…” ምስ በልኩዎ፡ ኣብ መንጎ ዘረባይ ብምእታው፥
“እንታይ ትዛረብ ኣለኻ! ኣደ በጃ ውላዳ ንኸይትሓልፍ እንተ ፈሪሓ ደኣ’ሞ መን’ዩ በጃ ሓውን በጃ ብጻዩን ክሓልፍ!? በጃ ደቀን ከይሓልፋ ፈሪሐንስ ኣይብልን’የ። ምናልባት እዚ ሃይማኖቱ፡ ቀደም ኣብ ቻይና ኣጥፊኡ ዝመጸ ድያብሎስ ሰብኣይ፡ ናብ ጠንቈልቲ እናተመላለሰ ኣጠንቊሉለን ከይከውን’የ ዝጥርጥር’ምበር ዝፈርሓስ ኣይመስለንን!” ምስ በለና፥
“ኪድ! እንታይ ኴንካ ኣታ ወዲ ሓዝሓዝ፡ ዘይከውን!” በሎ ናስር ዓርከይ ንኣይ ቀዲሙ።
“እመነኒ! ካልእ ኪኸውን ኣይክእልን’ዩ። እንታይ ደኣ’ሞ ክንብል? ማራ ጨካን ስለ ዚኾነ ፈሪሀንኦ’የን ከይንብል፡ ካብ መንግስቱ ንላዕሊ ዝጭክን ኣይመስለንን!” በለ የማነይቲ መመልከቲቶ ኣጻብዕቱ እናወዛወዘ።
 
“ካብ መንግስቱ ደኣ ብዓሰርተ ኢድ ይጭክን’ምበር! ብዙሕ ከይጠቐስና ከማን በዘን ዝስዕባ  ክልተ ነገራት ፍልልዮም ክንመዝን ንኽእል ኢና። ቀዳማይ፥ መንግስቱ ሃይለማርያም፡ እቲ ኣብ ማእከል ኣስመራ፡ 33 ነፈርቲ ዘቃጸለሉ ጅግና ኮማንዶ እምባየ (ወዲ ረጋሒት) ምስ ተሰውአ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ መጺኡ፡ ነቶም ሬሳ ወዲ ረጋሒት ኣብ ጸሓይ ሰጢሖሞ ዝጸንሑዎ ወታሃደራቱ ገኒሑ፡ ብኽብሪ ንኽቐብሩዎ ትእዛዝ ክህቦም ከሎ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግን ነቲ መቓልስቱን ዓርኩን ዝነበረ ተጋዳላይ ናይዝጊ ክፍሉ፡ ሬሳኡ ናብ ዓዲ ኣቦኡ ኣትዩ ከይቅበር ዝኸልከለ’ዩ!
 
ካልኣይ፥ መራሒ ደርጊ መንግስቱ፡ ንኤርትራውያን ወለዲ፡ ደቆም ናብ ሜዳ ወጺኦም ክዋጉኡዎ ሙዃኖም እናፈለጠ ከሎ፡ ሕነ ደቆም ክፈዲ ኢሉ፡ ሓምሳ ሽሕ ቅርሺ ክፈሉ ወይውን ልቸንሳኹም ኣየሐድሰልኩምን’የ ብምባል፡ ወለዲ ኣየሸገረን! መራሒ ህግደፍ ኢሳያስ ግን ካብ ኢዱ ኣምሊጦም ናብ ወጻኢ ሃገራት ብምኻድ፡ ንስድራኦም፡ ንህዝቦምን ንሃገሮምን ብገንዘብ ንዝሕግዙ መንእሰያት ክቐጽዕ ኪብል፡ ንኽንደይ ወለዲ የሳቒ ከም ዘሎ፡ ነፍሲ ወከፍና ንፈልጦ ኢና! ስለዚስ መንግስቱን ኢሳያስን ብጭካነ ኣይራኸቡን’ዮም። ብጭካነ እንተ መጺእካስ ክሳዕ ሕጂ ንኢሳያስ ዚዋዳደር፡ ሰይጣን እንተዘይ ኮይኑ ሰብ የለን! ኢሳያስ ምስ ብዓል ሂትለርን ስታሊንን’ዩ ዚስራዕ!” በለ ናስር ዓርከይ ንክልቴና ንምጥማት፡ ክሳዱ ካብ የማን ናብ ጸጋም እናጠዋወየ።
 
“ጽቡቕ ኣለኻ። ክሳዕ ሕጂ ብጭካነ  ነዚ መላኺ’ዚ ዝዋዳደር ሰብ የለን! ነዞም ክሳዕ ናጽነት ምስኡ ዝተጋደሉ ጀጋኑ መራሕቲ ሃገር ዝነበሩስ እንታይድዩ ጌሩዎም ዘሎ! ኣደታትና’ኮ ‘እዚስ ንስንኩላን ሓርነት’ኳ ከይገደፈ ብጥይት ዝተሳህሎምስ ንኣና ደኣ ኣበይ ከናሕስየልና!’ ኢለን እኮ’የ ከይፈተዋ፡ ደቀን እናተሳቐዩ ትም ኢለን ዝዕዘባ ዘለዋ። ነብሲ ርግምቲ ኮይና ብዓል ማማ ፈሪሀን! ነዚስ ከምቲ ዓባየይ፡ ‘ኣቦይ ቀሺ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ነጊሮሙና’ ኢላ ዛንታ ቅዱስ ጊዮርጊስን ገበልን ዘዕለለትኒ፡ ሓደ ጅግና ጥራይ እዩ ኪቕንጽሎ ዘለዎ!” ምስ በለና ወዲ ሓዝሓዝ፡
“እንታይ ኢለን ደኣ ኣዕሊለናኻ ዓባይካ?” ሓተቶ ናስር ዓርከይ ፍሽኽ ኢሉ።
 
“ኣብ ሓደ ዓዲ፡ ሓደ ሓደገኛ ገበል ንዝረኸቦ ሰብ እናወሓጠ ስለ ዘሸገሮም፡ እቶም ዓዲ ኣብ ወወርሒ ሓንቲ ወይ ሓደ ቘልዓ ነቲ ገበል ብምውፋይ፡ ደቆም እናኣጥፍኡ ይነብሩ ኔሮም። ሓደ መዓልቲ ግን ሓንቲ ንኽትብላዕ ኢላ ዝተወፈየት ቈልዓ፡ ኣብታ ትብልዓላ ዳዕሮ ተሰቒላ እናነብዐት ክትጽበዮ ከላ፡ ኣጋጣሚ ቅዱስ ጊዮርጊስ ብዓል ኣምበላይ ፈረስ ብኣኣ ክሓልፍ፡ ንብዓት እታ ቈልዓ ኣብ ግንባሩ ጥብ ትብል’ሞ ንላዕሊ ጠሚቱ ነታ ቈልዓ ክትበኪ ይርእያ። ጸገማ ሓቲቱ ምስ ፈለጠ ከኣ ነታ ቈልዓ ኣውሪዱ ብምሕቋፍ፡ ነቲ ቀታሊ ገበል ሴፉ ዓቲሩ ተጸቢዩዎ፤ ወዮ ልማደኛ ገበል ከኣ ከም ቀደሙ ሰብ ኪበልዕ ኢሉ፡ ዓጠምጠም እናበለ ምስ መጸ፡ ቅዱስ ጊዮርጊስ ብሴፉ ወጊኡ ከም ዝቐተሎን እታ ዓዲ ብድሕሪኡ መስተርሆ ረኺባ ከም ዝቐሰነትን ኣዘንትያትልና ኔራ እብለካ። እዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ወሪዱና ዘሎ ኩነታት ከኣ ነዚ ዛንታ’ዚ እዩ ዝመሳሰል! ተስፊት ምሳናዶ ኣለኻ?” በለኒ ወዲ ሓዝሓዝ፡ በታ “ሓቋፊት ደርሆ” ዝበላ ቃል ብውሽጠይ ክሓስብ፡ ዝን ኢለ ስለ ዘስተውዓለለይ።
‘ኣለኹ’ በልኩዎ፡ ነታ ብሓሳበይ ዝጽሕፋ ዝነበርኩ፡ ንሱ ከይፈለጠ ዝሃበኒ ኣርእስቲ ናዕታ ከይትጠፍኣኒ እናተቓለስኩ።
 
“ንኺድ ደሞ ሕጅስ?’ ምስ በለ ናስር ዓርከይ ከኣ ሰለስቴና ብሓባር ብድድ በልና። ሕሳብና ከፊልና ካብታ ባር ምስ ወጻእና ከኣ ኣነን ናስር ዓርከይን ብሓደ፡ ወዲ ሓዝሓዝ ድማ ንበይኑ፡ ‘ቻው ቻው’ ተባሃሂልና ተፈላለና። ናስር ዓርከይ ማኪና እናመረሐ፡ ኣነ ከኣ ኣብ ጎድኑ ኮፍ ኢለ፡ ንገዛና ክሳዕ ንበጽሕ፡ ነዛ እትስዕብ ካብ ወዲ ሓዝሓዝ፡ ኣርእስታ ዝረኸብኩዋ ናዕታ ጽሒፈ ዛዘምኩ።
 
 
ሓቛፊት ደርሆ’ኳ !
 
ኣንታ ጎበዝ ዓዲ ኣንበሳ ዝምስሉ
ነቲ ለይለይ ወድኻ ህጻን ብዕሸሉ
መላኺ ኪወስዶ ካብ ኢድካ መንጢሉ
ኣይኮነን ከተድሕኖ ዋልታ ክትኮነሉ
እኳ ዘይሓተትካ ክትፈልጥ በደሉ!
 
ነቲ ወደይ ትብሎ ኣንጉዕ ናይ ብርክኻ
መላኺ ኪጨውዮ ካብ ቅድሚ ዓይንኻ
ርእስኻ እትደፍእ ከምዛ ዘይረኣኻ
ኣምሂርካ ዘዕበኻ ኣይወላዲ እንዲኻ
ካንድዩ ኣኺሉዎ ሞይቱ ሕልናኻ!
 
ዳዕሮ እንከለኻ’ወ ስድራ ዘጽልለሉ
ካብ መጥቃዕቲ ምልኪ ነብስኻ ኪትሕሉ
ንዕሸል ውላድካ ካብ ጨከንካሉ
እንታይ’ሞ ክንብል ልብኻ ይሕዘነሉ!
 
ወረ ናትካስ ደሓን ራዕዲ’ዩ ንበሎ
ናይ ወላዲቱ እዩ ገሪሙና ዘሎ
ካብቲ ማሙቕ ሕቑፋ *ባልዋ እናመንጠሎ     *ኣርሓ መፍለስ
ከም መገሻ ስቖት ‘ጻዕዳ ይጽናሕካ’ ትብሎ!
 
ውላዳ ኪጠፍእ ብምልኪ ተመንጢሉ
ወደይ እናበለት ክንዲ *ትደጒዓሉ      *ተእውየሉ
ዕጫኡ ክትጽበ ክትርኢ ዕድሉ
ከምዛ ዘይፍረኣ ልባ ትም ምባሉ
ተኣምር ኮይኑና መግለጺ ዘይብሉ!
 
ኣደ እናረኣየት ውላዳ ኪግፋዕ
ብሓለንጊ ምልኪ ኪድከር ኪድራዕ
ንሳ ኣብ ዳስ ህግደፍ ክትብል ፍንጭራዕ
ጭካነድዩ ዕብዳን እዚ እንታይ እዩ ኪጽዋዕ?
ዓገብ ክትብለሉ ድምጻ ካብዘይስማዕ
ኣሕዋት መርምሩዎ ምስጢሩ ይቀላዕ!
 
ሓቛፊት ደርሆ’ኳ ጫቚት እንተ ኣጥፊኣ
ናብ ሽላ ትነጥር መንገብገባ ኣውጺኣ
ኣንቲ ኤርትራዊት ኣደ ንስኺ ከደኣ
ብቅዝፈት ደቅኺ ኣዒንትኺ ክነብዓ
ዓገብ ዘይምባልክስ ልሳንኪድያ ኣግዲዓ?
 
ልዕሊ’ቲ ውላድኪ ፍረ ናይ ማህጸንኪ
እንታይ ከይመጻ’ያ ትርዕድ ልሳንኪ?
ክንደይሳዕ ክትቑዝሚ ተዓጺኺ ኣብ ቤትኪ
ምስተን መሰልትኺ ዝሓይሽ መኺርኪ
ዳግም ከይትርእዪ መቕዘፍቲ ውላድኪ
ምልኪ የብቅዕ በሊ ኣብ ቅርዓት ወጺእኪ!’
 
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!          
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 10-10-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • love rules October 10, 2014

    ሓቛፊት ደርሆ’ኳ ጫቚት እንተ ኣጥፊኣ
    ናብ ሽላ ትነጥር መንገብገባ ኣውጺኣ
    ኣንቲ ኤርትራዊት ኣደ ንስኺ ከደኣ
    ብቅዝፈት ደቅኺ ኣዒንትኺ ክነብዓ
    ዓገብ ዘይምባልክስ ልሳንኪድያ ኣግዲዓ?

    Mesinas ,I believe uncle SYE said that same thing in one of his poems.

  • ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? October 10, 2014

    ብጭካነ እንተ መጺእካስ ክሳዕ ሕጂ ንኢሳያስ ዚዋዳደር፡ ሰይጣን እንተዘይ ኮይኑ ሰብ የለን።

    መሲናስ ሰይጣን ካብ ኤርትራ ከምዝሃደመ ኣይሰማዕካን ዲኻ?

    ሓደ ተቐማጣይ ኣስመራ ንሰይጣን ክበጽሖ እንዳ ሰይጣን ኸደ፣ ሰይጣን ኣቕሑቱ ክጠራንፍ ጸነሖ
    ተቐማጣይ ኣስመራ: ዓርከይ እንታይ ደኣ ትገብር ኣለኻ
    ሰይጣን: ከምዛ ትርእየኒ ኣቑሑተይ እጥርንፍ
    ተቐማጣይ ኣስመራ: ስለምንታይ
    ሰይጣን: በቃ እዛ ሃገር ገዲፈ ናብ ካልእ ህዓገር ክኽይድ እየ
    ተቐማጣይ ኣስመራ: ስለምንታይ ትገድፋ ኣለኻ?
    ሰይጣን: ስራሕ ሲኢነ
    ተቐማጣይ ኣስመራ: ምሕልፎ ንስኻ ሰይጣን ስራሕ ክትስእን?
    ሰይጣን: ከመይ ዘይስእን ኩሉ ስርሐይ እዚ ጸይቀ ግኑን ኤሰያስ ኣፍወርቂ ባዕሉ እንዳሰረሖ፣ ወላ እታ መዓልታዊ ስራሐይ ንደቂ ሰባት ኣብ ቁርሲ፣ ምሳሕ፣ ድራር ፈጣሪኦም ክይዝክሩ ምትላል ዝነበረት ስኢነያ ብሰንኩ ደቂዛ ሃገር እንተ ቖሪሶም ኣይምስሑ እንተተመሲሖም ኣይድረሩ ስለዚ ዝዓርከይ ባህሪያዊ ናብራ ዝነብሩ ህዝቢ ዘለውዋ ሃገር ክደሊ ክኽይድ እየ።

  • Simon G. October 10, 2014

    ሰላም ዝሓስብ ብሩኽ
    ሰላም ዘስፍን በዓል ታሪኽ

    ውግእ ዝሓስብ ርጉም
    ውግእ ዝጅምር ቋሕማም

    ብቅንኢ ዝተሳዕረ ሕሙም
    ዕግርግር ዝፈጥር ድኹም

    ትምህርቲ ዝሓስብ ትኩር
    ፍልጠት ዘማቕል ምሁር

    ምዕባለ ዝሓስብ ትኩር
    ምዕባለ ዝፈጥር ምኩር

  • Daniel October 11, 2014

    Mengie mihashena kabzi guhila tembienai.

  • ERITRAWIT October 11, 2014

    Mesinas Brother, everything is sad nothing good about us this time.

  • wadiya October 14, 2014

    mengie dea asmera b eplf tekebiba memloki tesaenuwa bsemay medafie eplf bmdri dehninet endatdebdebet zblae aytesaenen neru hiji gn ntsanetn ziblaen ylbon

POST A COMMENT