Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓቂታትን ሸቶኦምን፤ ህግደፍን ትማሊን

ሓቂታትን ሸቶኦምን፤ ህግደፍን ትማሊን ከቡራትን ክቡራንን ኣንበብቲ፣ ከመይ ቀኒኹም? ሎሚ ብዛዕባ ካብ ብህግደፍ ዝካየዱ ተመክሮ ሓዘል ቪድዮታት ሓደ 45 ክፋላት ዘለዎ ትማሊ ሒዘ ቀሪበ አሎኹ። አብዚ ቪድዮ ትማሊ ተመክሮ ህዝባዊ ግንባርን በዳሂ ሽግራቱን ብመሳጢ ኣገባብ ተሰኒዱ ስለ

ሓቂታትን ሸቶኦምን፤ ህግደፍን ትማሊን

ከቡራትን ክቡራንን ኣንበብቲ፣ ከመይ ቀኒኹም?

ሎሚ ብዛዕባ ካብ ብህግደፍ ዝካየዱ ተመክሮ ሓዘል ቪድዮታት ሓደ 45 ክፋላት ዘለዎ ትማሊ ሒዘ ቀሪበ አሎኹ። አብዚ ቪድዮ ትማሊ ተመክሮ ህዝባዊ ግንባርን በዳሂ ሽግራቱን ብመሳጢ ኣገባብ ተሰኒዱ ስለ ዘሎ ደስ ዘብል ኮይኑ ረኺበዮ። እቶም ተዋሳእቲ ንዝተዋህቦም ዕማም ብዝበቅዕ ክእለትን ውሕልናን ስለ ዝገጠምዎ ይበል ዘብል‘ዩ። ገለ ገሊኣቶም ከአ ገዳይም ኣባላት ክፍሊ ባህሊ ህዝባዊ ግንባር ብምንባሮም ንዝወዓልዎ መሪር ተመክሮ ብፊልም ይስንዱ ከም ዝነበሩ ይርአየካ። እዚ ንኡስ ገጽታ ዝዀነ ቪድዮ‘ዚ፣ ናይ ሰውራ ኤርትራ ታሪኽን ህዝብና ዘሕለፎም ሓሰረ-መከራን ንምስናድ ዝዓለመ እንተዝነብር ኣብነታዊ ንዋት ነይሩ። ከም ኵሉ መዓቕኖ መንግስቲ ህግደፍ ግና ንምቅንጃው ጸቢብ ጕጅላዊ ዝና ስለ ዝዓለመ ንዕላማታት ሰውራ ብሓፈሻ፣ ንናይ ህዝባዊ ግንባር ከአ ብፍላይ ደዊንዎ። መንግስቲ ብዓቕሊያ ጃንዳታት ዝሓስብ እንተዀይኑ ገና ውድብ‘ዩ ዘሎ ማለት‘ዩ። ከምኡ ዝብቕዓቱ መንግስቲ ከአ ከም ምዕባይ ዝተሳእኖ ጾር ኣዴኣኡ ዝኸውን ቈልዓ እዚ‘ውን ጾር ሃገር‘ዩ ዝኸውን። በዚ ከአ ቪድዮ ትማሊ ምስ  ትማሊ ማለት ባዕላ ምስ ባዕላ አብ እምባጋሮ ረኺበያ፤ ነቶም ናይ ምውሳእ ክእለቶም ዘበርከቱ ሰባት ከአ ኢደ-ሰባራ ጌይራቶም።

www.timali eritrean movie.com ትማሊ ስም ናይታ ፊልም ኢዩ። ስድራቤት ሰርጌንቲ ተኪኤ (ተኣምራት ዮውሃንስ) ከምኡ እንዳ ዓርኩ ትለንቲ ያሲን (ሃብተ ገጌሱስ/ወዲ ሻውል) ቀንዲ ቀለስቲ ትማሊ ኢዮም። ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ደቆም ንሜዳ ቃልሲ ብምውፋሮም ጥራይ ዘይኮኑስ ብጕንዱ ዝርአዩ ኤርትራዊ ስድራቤታት ብምዃኖም ከሉ ዓይነት ኣደራዓት አሕሊፎም።

ነቲ ከርፋሕ ህይወት ዘሕልፉ ተጋደልቲ ትርጉም ገድሊ ጽቡቕ አንጸባሪቆሞ እዮም። ካብ ተበገሰ እቲ ሰውራ ምዕዋቱ ግድን ነይሩ፤ ልዕሊ ውልቀ-ህይወት‘ዩ ከአ ዝስራዕ። ከምኡ ክንዲ ዝዀነ ከአ መስዋእቲ ከም ጸባ ተሰትዩን ናጽነት ብደም ጀጋኑ ተጋደልቲ ጋህዲ ኴይናን። ከምቲ አብቲ ኣርእስቲ ተተንቢሁ ዘሎ ግና ኣጀንዳ ትማሊ ታሪኽ ሰውራ ንምስናድ ዘይኰነስ ሓንጎል ህዝቢ ብባረኪና ህግደፍ ንምሕጻብ‘ዩ ዓሊሙ። ብስም ምልሻ ስርናይ ዝተገብረ ቅንጸላታት አብ ልዕሊ እንዳባ ልክዕ ከምቲ ደርጊ አብ ልዕሊ እንዳ ሰርጌንቲ ተኪኤን እንዳ ትለንቲ ያሲንን ዝወረደ ግፍዕታት‘ዩ።

ነቲ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሻቡ ሓራ ዝነበረ ዝብዝሕ ከተማታትና ንኸይዝከር ተባሂሉ ምሕራር ደቀምሓረን ከረንን ተጠቒሱ ከብቅዕ ናይ መንደፈራ፣ ተሰነይ፣ ኣቑርደት …ወዘተ ከይጠቐስካ ሰጊርካ ምኻድ ናይ ህግደፍ ክሳዕ ክንድቲ ትሕቲ ሃገራውነትን ጽበትን‘ዩ ዘርኢ። ነቲ ምስ ዘይኤርትራዊ ሓይልታት ተመሳጢርካ አብ ልዕሊ ተ.ሓ.ኤን ህዝቢ ኤርትራ ዝተኻየደ ቅንጸላታት ገና በዚታት ክትሓጽብ ዝግበር ናይ ህግደፍ ምጕያይ እምበኣርከስ „ንጸሓይ ብሰፍኢ ምኽዋል“ ኢዩ።

ተክልሰንበት ተኽላይ Februar 01, 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Abraha Ksara February 4, 2014

    You are absolutely right. They should at list mention the names of the cities which were liberated by ELF especially during the episode of 1977. But let me remind you something, the author of the film Tmali is the late Isaias Tsegay, and he was a veteran of EPLF who had a long history of opposing the leadership of EPLF. So how on earth do you expect him to mention about something DIA dislikes? I don’t think he should have preferred his neck cut to raising his kids peacefully. The only option he had was to ignore issues that are controversial. That way he did it. generally speaking the film is a big asset for future generations. Thanks.

  • Genet February 5, 2014

    Thank you for the info.
    We need to know.
    Genet

Post a Reply to Genet Cancel Reply