Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓቀኛ ሓርነታዊ ቃልሲ መንእሰያት ኤርትራ ክንዮ ጭርሖ ዝጠመተ ድዩ? እንተ ኮይኑ’ኸ ኣበይን ከመይን?

ሓቀኛ ሓርነታዊ ቃልሲ መንእሰያት ኤርትራ ክንዮ ጭርሖ ዝጠመተ ድዩ? እንተ ኮይኑ'ኸ ኣበይን ከመይን? ኣብ ዝሓለፈ 23 ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ እቶም ዝኣመኖም ደቁ ገስረጥ ምሕደራ ተሰካሚ ኣደራዕ ኮይኑ ብኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን ማሕበራውን መዳያት መልቢሱ ኣብ ኣፍ ሞት ይርከብ ኣሎ፡ ፤ስርዓት ህግደፍን

ሓቀኛ ሓርነታዊ ቃልሲ መንእሰያት ኤርትራ ክንዮ ጭርሖ ዝጠመተ ድዩ? እንተ ኮይኑ’ኸ ኣበይን ከመይን?

ኣብ ዝሓለፈ 23 ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ እቶም ዝኣመኖም ደቁ ገስረጥ ምሕደራ ተሰካሚ ኣደራዕ ኮይኑ ብኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን ማሕበራውን መዳያት መልቢሱ ኣብ ኣፍ ሞት ይርከብ ኣሎ፡ ፤ስርዓት ህግደፍን መራሒኡን ዘውረዶ በደል ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን፡ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ደቁ ጠፊኦም ዘራይ ስኢኑ ኣብ ዘለወሉ ህሞት ኣብ ወጻኢ ዘሎ መንእሰይ ወለዶ ሓደ ተስፋ ዝህብ ስመርርር ዝብል ጭርሖ ሒዙ ናብ ቃልሲ ዝተበገሰ ይመስል፡ ፤ እንተኾነ ግን ጭርሖን ዋዕዋዕታን ኣኻሊ ድዩ? ጉጅለ ህግደፍ’ከ ብጭርሖን ሆይሆይታን ጥራሕ ክእለ ይኽእል ድዩ? ሓርነታዊ ቃልሲ ኣበይ’ዩ ዝጅምር? ብኸመይ’ከ ትቃለስ ዝብሉ እዋናውያን ሕቶታት ህዝቢ፡ መንእሰይ ወለዶ ክምልሶ ዘለዎ ዓቢ ጉዳይ ኢዩ፡ ፡

ስርዓት ህግደፍ ብበትሪ ዝኣምን ካብኡ ሓሊፉ እውን ልክዕ ከምቲ መራሒ ሶርያ ዓሳድ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ምጽናት ዘመተ ካብ ምክያድ ድሕር ዝብል ኣይኮነን፡ ፡  እዚ ጉጅለ’ዚ ናይ ኣጥፊእካ ጥፋእ ሜላ ሒዙ ዝጎዓዝ ዘሎ ኣረሜናዊ ምዃኑ ኣሚንና ቃልስና ብትኽክል ክንመርሕ ጥበብ ከድልየና ኢዩ፡ ፤ ልክዕ’ዩ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ መቃለሲ ባይታ ክትረክብ ኣጸጋሚ ኢዩ፡  እንተኾነ ግን መቃለሲ ባይታ ብሓይልኻ ኢዩ ዝርከብ እብል፡ ፡  እዞም ብሰላማዊ መንገዲ ይኹን ብጽገና ዝብል ሞገተ ዘልዕሉ ዘለዉ ቁንጣሮ ባእታታት ጠባይ ጉጅለ ህግደፍ ዘይተረድኦም ወይ ከኣ ብጽገና ኣመሳሚሶም ንዘውዲ ኢሳያስ ክማቐሉ ዝሓልሙ ናይ ቀትሪ ሓለምቲ ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም፡ ፤ጉጅለ ህግደፍ ከም ዝብኢ ክሳብ ዝደሊ ክሕንክስ ከም ዝኽእል ክንጠራጠር የብልናን፡ ፡  ኣብ ሞንጎ መንእሰይ ወለዶ ምጥርጣርን ምክፍፋልን ፈጢሩ ካብኡ ሓሊፉ እውን መዝሙር ስመርን ሓርነትን ዝዝምሩ ብገንዘብ ዓሳኽር ገዚኡ ንስልጣኑ ከናውሕ ከይደቀሰ ከምዝሓድር ክንርዳእ ይግብኣና፡ ፡ ካብኡ ሓሊፉ ግን ስልጣን ክመራቓሕ ይኽእል ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት ጥራሕ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፡ ፤ ናይዚ መርትዖ፡ እዚ  ናይ ከፋፊልካ ግዛእ ቴማ ሒዙ “ኤርትራ ብኤርትራውያን”ክብል ዝተራእየ ብጉጅለ ህግደፍ ተኣሊኹ ብመሳሰዪት መስከረም ኔት ተጸሚቑ ብዋንጭ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኣብ ዳስ ቦሎኛ ክቕዳሕ ዝቐነየ ሓተላ ፖለቲካ ናይ ቀረባ መዓልታት ተዘክሮ ኢዩ፡ ፡ ንማዕበል ለውጢ ንምቑጻይ ንኣዋርሕ ተሰሪሑሉ ከብቅዕ ብቑሩብ መዓልታት ብደለይቲ ለውጢ ምፍሻሉ ክሳብ ክንደይ ዝነደየ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ፖለቲካ ከም ዝነበረ ክንርዳእ ክኢልና ኣለና፡ ፡ ደላዪ ለውጢ ህዝብና ኣብዚ ሓደገኛ ወፍሪ ዝተጻወቶ ሚና ከይመጎስኩዎ ክሓልፍ ኣይደልን፡ ፤እንተኾነ ግን  ክጥንቀቐሉ ዝግብኣና ነገር ኣሎ፡ ፤ ፈሺሉ ኢልና ደቂስና ክንሓድር ኣይንኽእልን፡ ፤ እንደገና ከም ነፋሒቶ ሕብሮም ቀያይሮም ውጥም ቅልቅል ካብ ምባል ኣይከዕርፉን ኢዮም፡ ፤

ሓርነታዊ ቃልሲ መንእሰይ ወለዶ ክንዮ ጭርሖ ብኸመይ ክኸይድ ይኽእል ዝብል ሕቶ ባዕሉ መንእሰይ ዝምልሶ እኳ እንተኾነ ከም ኤርትራዊ ዜጋ ግን ርእይቶይ ክህብ ክፍትን ኢየ፡ ፤ ከምቲ ናጽነት ብጭርሖ ጥራሕ ዘይመጸት ሓርነት እውን ክንዮ ጭርሖ መስዋእቲ ክትሓትት ኢያ፡ ፤ ኣብ ደምበና ዘሎ ጉጅለ ብሰላማዊ ሰልፍን ብጭርሖን ዝወድቕ ሓርማዝ ኣይኮነን፡ ፤እዚ ብሬድዮ’ዶ ብኢንተርነት’ዶ ዝብሃል ቃልሲ ኣብ ኤርትራ ኣይሰርሕን ኢዩ፡ ፡ ንምንታይ ጠሚትካኒ ኢሉ ዝኣስር ስርዓት ብሬድዮን ጭርሖን ከውድቖ ኢየ ምባል ናይ ህዝብኻ ሽግር ዘይምርዳእ ኢዩ፡ ፤መፍትሒኡ በትሪ ጥራሕ ኢዩ፡ ፤በትሪ ክንብል ከለና ግን ኣበይን ብኸመይን ዝብሉ ሕቶታት ክንምልሶም ኣለና፡ ፤መንእሰይ ወለዶ ኣብ ወጻኢ ኮይኑ ፍጹም ዝኾነ ሓርነት ከምጽእ ኣይክእልን፡ ፤ ከምቶም ሓደ ሓደ ተባዓት መንእሰያት ንናብራ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ካልኦት ዓለምን ጠንጢኖም ኣብ ዶባት ኤርትራ ሕሰም ህዝቦምን ኣውያት ኤርትራውያን ብእዝኖም ንኽሰምዑ፡  ሰሚዖም ከኣ ንህዝቢ ኣለኹልካ ክብሉ ዝኸዱ ከምኡ ዓይነት ተዋፋይነት ከምዘድሊ ክንስሕቶ ኣይግብኣናን፡ ፤ሓደ ጅግና ወዲ ህዝቢ መንእሰይ ሓዳሩን ጥዑም ናብርኡን ጠንጢኑ ኣብ ዶብ ኤርትራ ዝዝንቢ ዘሎ ከምዚ ክብል ኣዕሊሉኒ፡ ፤ “ኣብ መንጎ ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራና ዘሎ ዝምድና ዝዕረቕ ዘይኮነስ ዝፍታሕ ጥራይ ኢዩ። እዚ ማለት ህግደፍን ኣተሓሳስብኡን፡ ንዕኡ ንምትግባር ዝጥቀመሉ መሓውራት ሓምሽሽካ ኣብ ዑና መቃብሩ ሓቀኛ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል ኢዩ። ልዑላውነት ህዝቢ ምርግጋጽ ኢዩ። ኩሉ መድያዊ ሓርነት ምርግጋጽ ኢዩ። ቋንቋ ህግደፍ ስነ መጎት ሓይሊ ኢዩ። በቲ ዝርድኦ ከአ ክንገጥሞ ኢና” ይብል፡ ፡ መንእሰይ ሓይሊ ነዚ ከምዚ ዓይነት ጭርሖ ሒዙ ኣብ ባይታ ወሪዱ ንዘሎ ውፉይ መንእሰይ ክትስዕብዎ ሃገራውን ታሪኻውን ሓላፍነት ኣለኩም፡ ፡ ጉራደ ሒዙ ኣብ ማእከል ህዝቢ ንዝድብል ጉጅለ፡  ጃለ ኮንካ ብጥራሕ ኢድካ ክትቃለስ ትሓስብ ዘለኻ ኣብ ጌጋ ኣለኻ፡ ፤ህዝቢ ኤርትራ ጽባሕ ዘይኮነ፡  ድሕሪ ጽባሕ ዘይኮነ፡  ንዓመታ ዘይኮነ ሕጂ ለውጢ ይደሊ ኣሎ፡ ፤እዚ ለውጢ እዚ ንዘሎ ስርዓት ሓግሒግካ ድልየትን ትምኒትን ህዝቢ ኤርትራ ክንፍጽም ኣለና፡ ፤ ምምሕዳር ገድሊ ኣብቂዑ ምምሕዳር ህዝቢ ክትካእ ኣለዎ፡ ፤ ተጋዳላይ ንዘበርከቶ ቃልሲ ንናጽነት ክነመግሶን ከም ቅርሲ ክንሕዞን ይግብኣና፡ስለ ዝተቓለሰ ክረግጸና ግን መሰል ከምዘይብሉ ክነፍልጦ ሓላፍነትና ይኸውን፡ ፡  ቅድሚ ሕጂ ዝተሃመልናዮ ይኣክል፤ ንተጋዳላይ ሰብ ምዃኑ ረሲዕና ከም መልኣኽ ኣምሊኽናዮ ኢና፡  ሽም ኣምላኽ ከኣ ሰይምናዮ፡ “ይክኣሎ” ከኣ ኢልናዮ፡ ፤ ህዝቢ ኤርትራ እምነት ዘለዎ ህዝቢ ኢዩ፡ ፤ ብፕሮፓጋንዳ ሰውራ ዓዊርና ሽም ኣምላኽ ሰይምና ንዝሃብናዮ ናጻ ጎደና ዕብለላ እንሆ ኣብ ዓዘቕቲ ኣእትዩና ይርከብ፡ ፤ ተጋዳላይ ሰብ ምዃኑ ረሲዕና፡  ከም ዝጋገ ረሲዕና፡ ከም ድልየትካ ግበር ኢልና ዝሃብናዮ ዘውዲ ሕጂ ክንመልሳ ኣጸጊሙና ኣሎ፡ ፤ ኣዴታት ኣስመራ ኣብ 1991 ዝደረፍኣ ደርፊ ወስ ክብለኩም፡ “ኣታ ወዲ’ስመራ ኣልግሰለይ፡ ንወዲ ሳሕለይ ክህባ ጓለይ” ክብላ ዘርፍኦ ሎሚ እቲ ወዲ ሳሕል ንደቀን እንዳ ኣጽነተ ኣብ ዘውዲ ኮፍ ኢሉ ይርከብ፡ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓደ ጉጅለ ተባሒቱ መሰሉ ተመንጢሉ ይርከብ፡ ሓላፍነት መንእሰይ ወለዶ ከኣ ነዚ ተመንጢሉ ዘሎ መሰል ክትመልስ ህዝቢ ይሓተካ ኣሎ፡

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ እምበኣር መንእሰይ ወለዶ ክንዮ ጭርሖን ሰላማዊ ሰልፍን’ዶ ትጥምት ኣለኻ? መስዋእቲ ክትከፍል ተዳሊኻ’ዶ ኣለኻ? ሕሰምን መከራን ህዝብኻ ክትኣሊ ተዳሊኻ’ዶ ኣለኻ? ኣብ ዝሓለፈ ኤርትራ ብኤርትራውያን ዝብል ዝፈሸለ ናይ ቁሩባት ዘይቅዱስ ኣኼባ “ንዓመታ ኣብ ቦሎኛ የራኽበና” ዝብል ንህዝብና ተስፋ ዘቑርጽ ቆጸሮ ምስ ሰማዕኩ ቶባእ ድሕሪ ደጊም ክብል ምስ ነብሰይ ተባኢሰ፡ ፤ኣብ ክንዲ ንዓመታ ኣብ ተሰነይ፡  ባረንቱ፡  ከረን እንተ ተኻኢሉ እውን ኣብታ ውቅብቲ ኣስመራና ከይብሉ፡ ኣብ ዓዲ ሙሰሊኒ ኣኣብ ዓመት ክእከቡ መብጽዓ ምእታዎም ዘሕዝን ኢዩ፡ ፤ኣቦታትና ክምስሉ ፡”ንሕማቕ ብዕራይካ ትሸጦ፡  ንሕማቕ ውላድካ ግን ትገብሮ የብልካን” ይብሉ፡ ፤ እዚኣቶም ልክዕ ከምቲ ካብ ገዛ ሕማቕ ዘይጠፍእ ጻህያይ ህብረተሰብና ኢዮም፡ ፤ነዚኣቶም ከይስተብሃልና ጉዕዞ ሓርነታዊ ቃልስና ክንዮ ጭርሖ ክነሰጋግሮ ስመርርርር ኢልና ምንብገስ ይግብኣና፡ ፤ጌና እቲ ዝድለ ጉዳይ ህዝባዊ ሓርነት ኣይተተንከፈን ዘሎ፡ እቲ ጉዕዞ ጌና ኢዩ ዘሎ፡ ነዊሕ ዓቐበት ይጽበየና ከም ዘሎ ፈሊጥና ብጉልበትን ብገንዘብን ሳቮፓ እንዳበልና ነዚ ብኢትዮጵያ ኣቢሉ ኣብ ጎቦ እምባሶይራ ተጸጊዑ ዘሎ ደላዪ ለውጢ መንእሰይ ኤርትራ ብቕድሚትን ብድሕሩትን ጉልባብ ክንኮኖ ጊዜ ይሓተና ኣሎ፡ ፤ጊዜኡ ጊዜ መንእሰይ ወለዶ ኢዩ፡ ፤ እቲ ትማሊ መንእሰይ ኮይኑ ናጽነት ዘምጽአ ተጋዳላይ ኣቦኻ ምኽሪ ጥራሕ ኢዩ ክህበካ ዝኽእል፡ እዚ ዕጥቃዊ ቃልሲ’ዚ ግን ናትካ ኢዩ፡ ፤ እዚ ዘመን እዚ፡  እዚ ታሪኽ እዚ፡  እዚ ዘውዲ’ዚ ናትካ ስለዝኾነ ዋንነትካ ብሓይልኻ ክተረጋግጽ ኣለካ፡ ፤ ይሕመቕ ይጸብቕ እዚ ታሪኽ እዚ ወራሲኡ ንስኻ ስለ ዝኾንካ ክትነብረሉ ኣለካ፡ ፤ ሕጂ’ውን ስመርርርርርርር በል፡ ፡

ፍትሒ ይንገስ

ወልዱ ተኽለ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • andeberhan kahsay September 25, 2013

    ቅኑዕ ዘረባ ጸባ ስተ ህያው ሰመያዊ ኣምላክ ተርሲዑ ዘይናይወለድና ተግባራት ንሰብ ይከኣሎ ኢልና ሰሚናዮን ኣምሊክናዮም ተዓብዩ ኣጽኒቱና፡፡ ሕጂ ድማ ኣብዉሽጢ መንእስያት ኣትዩ ይብትኖም ኣለዉ ካብዓዲ ዳጊንዎም ከብቕዑ ኣብ ፓልቶክ ፈስቡክ ዉግእ ሓድ ሕድ ከፊቱ በውራጃ ከምዝዛረቡ ገይርዎም ፡፡ ንሕና ኩላትና ብሓላፍነት ክንሕተት ኣሎና ዘይንቡር ዘይባህልና ፍርሒ ቐዚሑና፡፡

  • raza September 25, 2013

    ብኢትዮጵያ ኣቢሉ ኣብ ጎቦ እምባሶይራ ተጸጊዑ ዘሎ ደላዪ ለውጢ መንእሰይ ኤርትራ ብቕድሚትን ብድሕሩትን ጉልባብ ክንኮኖ ጊዜ ይሓተና ኣሎ፡ ፤ጊዜኡ ጊዜ መንእሰይ ወለዶ ኢዩ፡ ፤ እቲ ትማሊ መንእሰይ ኮይኑ ናጽነት ዘምጽአ ተጋዳላይ ኣቦኻ ምኽሪ ጥራሕ ኢዩ ክህበካ ዝኽእል፡ እዚ ዕጥቃዊ ቃልሲ’ዚ ግን ናትካ ኢዩ፡ ፤ እዚ ዘመን እዚ፡ እዚ ታሪኽ እዚ፡ እዚ ዘውዲ’ዚ ናትካ ስለዝኾነ ዋንነትካ ብሓይልኻ ክተረጋግጽ ኣለካ፡ ፤ ይሕመቕ ይጸብቕ እዚ ታሪኽ እዚ ወራሲኡ ንስኻ ስለ ዝኾንካ ክትነብረሉ ኣለካ፡ ፤ ሕጂ’ውን ስመርርርርርርር በል፡kkkkkkkkkkkkkkkkkkkk neeay ni anchwas ………….

  • amiro mario September 26, 2013

    Kab smerrr elka mizirabsi
    Tetigedfo mehasheka

  • tekle September 27, 2013

    you are me fun, u can make jokey. don’t trust on your hidden shadow. this mere article even how come its posted is matter of question, any way you are poor men, you haven’t any idea. Eritrean youth is keen sharp, he knows the way and journey. don’t expect something from your ugly words,

  • amiro mario September 27, 2013

    Raza emba sera texegieka zeloka n men hara ketewxie eka n senafe.hakika eka smerrrr eko tekalesti n harnet senafe eyom

POST A COMMENT