Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓሶት እንተተደጋገመስ ሓቂ ይመስል፣ ዶክቶር ገብረ…በዚሑ ጥራይ ዘይኮነስ…..!!

ሓሶት እንተተደጋገመስ ሓቂ ይመስል፣ ዶክቶር ገብረ

ሓሶት እንተተደጋገመስ ሓቂ ይመስል፣

ዶክቶር ገብረበዚሑ ጥራይ ዘይኮነስ…..!!

ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት፡ ካብ ሰብዓታት ኣትሒዛ መሓዛ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረትን ዘላን ሽወደናዊት ጋዜጠኛ፡ ክርስቲና ብዮርክ፡ ብቛንቋ ሽወደን ንኤርትራ እትምልከት መጽሓፍ (Christina Björk, ERITREA: En klassisk afrikansk diktator tog över.www.themisforlag.se.  ኤርትራ፡ ክላሲካዊ ኣፍሪቃዊ ዲክታተር ኣብ ትሕቲ ምልኩ ኣእትዩዋ)፣ ጽሒፋስ ከንብባ ዕድል ረኺበ፤ ንዝነበረኒ ተረድኦታት ዘራጒድ ሓሳባት እውን ረኺበ። እታ መጽሓፍ ክሪስትና ምስ ገዳይም ተጋደልቲ ተሓኤን ህግን ኣብ ዘካየደቶ ቃለ-መሕተት ዝተመርኮሰት እያ። ሓደ ካብኣቶም ሓው መስፍን ሓጐስ ኮይኑ እቲ ምስኡ ዝተገብረ ቃለ-መሕተት ብታሕሳስ 2015 ኢዩ ኔሩ።

ኣብ ናይ 10 ሚያዝያ 2018 Meskerem.net፡ ካብቲ ተደጋጋሚ “ገለጻታት” ሓውና ዶር. ገብረ ገብረማርያም ነዚ ዝስዕብ ቃላት ኣንቢበ፡- ከምቲ ሓደ ሓደ መራሕቲ ክብሉና ዝፍትኑ (ብናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጽቡቕ ድሌት ኢዩ ናጽነት ተረኺ ብዘስምዕ፡መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 1991/93 ኣፍልጦ ኣይህብን ኢየ እንተዝብል ነይሩ፡ ናጽነት ኣይምተረኽበን፡ ወዘተ እዳተባህለ ዝጋማዳሕ ናይ ጥዑሳት ዘረባታት) ዘይኮነስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ተቓ ኤርትራዊ መንነትን ናጻ ሃገርን ፈጢሩ ኢዩ። “ደድሕሪ ኣድጊ ዝኸደ …… ኣድጊ ለመደ ከም ዝብሃል ከኣ፡ ቅድሚ ገለ መዓልታት ሓውና ክብሮም ግረነት ከምዚ ዝስዕብ ጽሒፉ፡ “…ወያኔ ንህግ 1991 ነቶም ካል ውድባት ከም ዝሳተፉ ክገብር ከገድዶ ነይሩዎ ክብል ዝመደሮ ነጻነት ብለመና ወያኔ ዝመጸት ገይሩ ስለ ዝርድኦ እዩ። እንተኾነ መግዛእታዊ ሓይሊ ብዘይ ውዑልን፡ ወዓል ሕደር ኣውያት እናገበረ እዩ ንኤርትራ ገዲፉ እግረይ ኣውጽኢኒ እናበለ ንሱዳን ዝኣተወ።

ኣይፋልካን ሓው ገብረ፡ ቅድሚ ሕጂ፡ እቲ ካብ ሓቅን ካብ እሩም ኣቀራርባን ዝረሓቐ ጽሑፋትካ ኣደንጽዩኒ ኣይበዝሐንዶ ሕጅስ!” ዝብል ሓጺር ዓንቀጽ ጽሒፈ ነይረ። ሕጂ ዘጽሕፈኒ ዘሎ ከኣ ብጒዳይ ናጽነት ሃገር ኣልዒልካ ብዘይመንገዱ ሰብ ክትከስስ ከሎኻ፡ ንገለ ግሩሃት ከይተጋጊ ብማለት እየ።

እቶም “ሓደ-ሓደ መራሕቲ” እትብሎምን፡ ንናጽነት ሃገር ዘይደልዩ፡ “ናይ ጥዑሳት ዘረባ ዘገማድሑ” ኢልካ እትዝልፎምን እትኸሶምን ዘሎኻ ሰባት፡ እዚ ኣገላልጻኻ ዘይምልከቶም ናይ ሎሚ መሪሕነት ሰዲህኤ ዘሎዉ ምዃኖም ርዱእ ኢዩ። ንኣብነት እዚ ብተደጋጋሚ እተልዕሎ ዘሎኻ (ብሓው ክብሮም ግረነት’ውን እተደግመ) ገለጻኻ ንሓው ወልደሱስ ዓማር ከም ዝኾነ ዝከታተል ኩሉ ዝፈልጦ ኢዩ። ሓው ወልደሱስ ኣብ ፓልቶክ ኮነ ኣብዛ ኣብ ታሕቲ ብምልእታ ሰፊራ ዘላ ዓንቀጽ፡ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ ኢሉ፡ እወ፡ መሬት ኤርትራ ብምልኡብዘይካ ባድመነጻ ወጺኡ። ግንከ፡ ወተሃደራዊ ዓወት ንበይኑ እኹል ኣይነበረን። ልኡላዊት ሃገር ምእዋጅን ብዓለምለኸ ተፈላጥነት (international recognition) ናይ ምርካብን ጒዕዞ ጌና ድሒሩ ዝርአ ጒዳይ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ በቲ ጊዜ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ዝሓዘ ሓይሊ፡ (ሳላ ዕድል ህዝቢ ኤርትራን ናይ ሽዑ ወሓለ ኣተሓሕዛ ህዝባዊ ግንባርን) መሓዛ ኤርትራ ብምጽንሑ፡ ጸገም ኣይተረኽበን። ዕላዊ ምእዋጅ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ከኣ፡ ኢትዮጵያ ብእተቐበለቶን እተሰማምዓትሉን መስርሕ ረፈረንዱም ብሕቡራት መንግስታት ተኻይዱ ተደምዲሙ።

ብተመሳሳሊ ቃላት፡ ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ መጽሓፍ፡ ሓው መስፍን ሓጐስ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ፡- (ብሓገዝ ጉግል ካብ ቋንቋ ሽወደን ናብ እንግሊዘኛ ተርጕመ ከቕርቦ)-“Although, of course, we had to conduct the referendum, we also had to persuade the recently installed Ethiopian government to support the proposal. We knew that unless the Ethiopian government supported us and fully cooperated with us, the Eritrean people would not be able to decide on their future. The UN and the international community would not allow us or accept what we arrived at. Fortunately, we were endorsed by the Ethiopian government led by Tigray Liberation Front, TPLF; PP:172.

ብሓጺሩ፡ ሓው መስፍን እውን ምስቲ ናይ ሓው ወልደሱስ ብዝሰማማዕ ቋንቋ ኢዩ ነቲ ናይ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ሕቶ ዝገለጾ። እሞ ኣሕዋት፡ ንህዝብና ዘይኮነ ነገራት ምሕባር እንታይ ጥቕሚ ይርከቦ? ኣንበብቲ ምእንቲ ክመዝኑን ክፈርዱን፡ ከኣ ነታ ናይ ዓሚ ናይ ሓው ወልደሱስ ዓንቀጽ ብምልእታ ኣብ ታሕቲ ኣስፍራ ኣሎኹ።

ዶር፡ ሃብተሚካኤል ተኽለ

ስቶክሆልም፡ ሽወደን

1991 ኢትዮጵያ ንናጽነት ኤርትራ ተፈላጥነት 

እንተትኸልእ፡ ናይ ሎሚ ኤርትራ እንታይ ምዀነት

ብወልደሱስ ዓማር

ብሳላ’ቲ ተስፋ ብዘይምቑራጽ ን30 ዓመታት ዝቐጸለ ጅግንነታዊ ቅያታት ሰራዊት ሓርነትን፡ ህዝባዊ ሰራዊትን፡ ምዑት ተሳትፎ ዓቃል ህዝብናን፣ እቲ ብሓያላን ሃገራት ዓለም ሰፍ ዘይብል ሓገዝ ዝረክብ ዝነበረ ወራሪ ሰራዊት ኢትዮጵያ (ናይ ንጉስ ሃይለ ስላሴ ይኹን ናይ ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም) ተሳዒሩ፡ ብ24 ግንቦት 1991 ካብ መሬት ኤርትራ ከም ዝወጸ ንታሪኽ ክዝከር ዝነብር ሓቂ’ዩ።

እወ፡ መሬት ኤርትራ ብምልኡ — ብዘይካ ባድመ — ነጻ ወጺኡ። ግንከ፡ ወተሃደራዊ ዓወት ንበይኑ እኹል ኣይነበረን። ልኡላዊት ሃገር ምእዋጅን ብዓለም-ለኸ ተፈላጥነት (international recognition) ናይ ምርካብን ጒዕዞ ጌና ድሒሩ ዝርአ ጒዳይ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ በቲ ጊዜ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ዝሓዘ ሓይሊ፡ (ሳላ ዕድል ህዝቢ ኤርትራን ናይ ሽዑ ወሓለ ኣተሓሕዛ ህዝባዊ ግንባርን) መሓዛ ኤርትራ ብምጽንሑ፡ ጸገም ኣይተረኽበን። ዕላዊ ምእዋጅ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ከኣ፡ ኢትዮጵያ ብእተቐበለቶን እተሰማምዓትሉን መስርሕ ረፈረንዱም ብሕቡራት መንግስታት ተኻይዱ ተደምዲሙ።

ቀሊል ይመስል። ግንከ እቲ ድሕሪ ስዕረት ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም መንግስቲ ዝቐጸለ ሓይሊ ብመንግስቱ ሃይለማርያም ወይ ንዕኡ ብዝመስል ዝምራሕ እንተዝነብር፣ ወይ’ውን መሪሕነት ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ዘይመሓዙት ኤርትራ  እንተዝነብሩ፡ እንታይ ምተረኽበ᎒ ኣህጕራዊ ተፈላጥነት ኤርትራ እንታይ ምዀነ᎒

ተጻይ ኤርትራ ዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕራይ ከይበለ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ብመላአን ንኤርትራ ግድነት ልኡላውነታ ክንፈልጠላ ይግባእ ምበላዶ᎒ ኣሜሪካኸ᎒ ሃገራት ኤውሮጳኸ᎒ …. ወዘተ። ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታን ፍትሓውነትን ጒዳይ ኤርትራ ከይገድሶም፡ ምዕራባውያን ሃገራትን ኣሕዋትና ኣፍሪቃውያንን ኣብ ልዕሊ ሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ እንታይ ርእይቶታት ከም ዝነበሮም ከይዘንጋዕካ ምስ እትሓስብ፡ ጒዳይ ልኡላውነት ኤርትራ ናይ ተፈላጥነት ጸገም ከጓንፎ ይኽእል ምንባሩ ዝከሓድ ኣይኮነን።

ብሓጺሩ፡ ኤርትራ ከምዛ ናይ ሎሚ ሶማሊላንድ ወይ ከኣ ኮሶቮ፡ ወይ’ውን ናይ 60ታት ሮዴዝያ፡  ናጽነታ ባዕላ ኣዊጃ (UDI – Unilateral Declaration of Independence) ፡ ዓለም-ለኻዊ ተፈላጥነት ዝሰኣነት “ሃገር” ኰይና ክትቅጽል ኣኽእሎ ነይሩ’ዩ።  ሕጂ ግን፡ ናይ ኢሳያስን ህግደፍን ጸገም ደኣ ከቢዱና እንበር፡ ልኡላውነት ነጻ ኤርትራ (ብዘይ ፍቓድ ህዝባ)  ንድሕሪት ዝምለስ ኣይኮነን።

ከምዚ ክብሃል እንከሎ ግን፡ ልኡላውነት ይረኸብ እንበር ህዝብና ንእተቓለሰሉ ዕላማታት ብምልኡ ጨቢጥዎ ኣየስምዕን፡፡ ንኣብነት፡ ካብ ዝቐደሙ ተቓለስቲ ኤርትራ ዝነበረ ስዉእ ሓርበኛ መሓመድ ስዒድ ናውድ (መስራቲ ሓረካ/ማሕበር ሸውዓተ)፡ ኣብቲ ብ1996 ኣብ ኣስመራ ኮይኑ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ከምዚ ዝስዕብ ርእይቶ ኣስፊሩ፡- “ቃልስና ጌና ኣይተወደአን። ካብተን እተበገስናለን ሰለስተ ዕላማታት፣ ማለት ሃገራዊ ሓድነትን፡ ናጽነትን ዲሞክራስን፡ ሓንቲ ጥራይ ኢና ኣዓዊትና። ነተን ዝተረፋ ዕላማታት ንምዕዋት ቃልስና ቀጻሊ’ዩ…።” እታ ሓቂ ንሳ’ያ። ግን ከኣ እታ ሓንቲ’ውን ትኹን እንቋዕ ድሕሪ ወተሃደራዊ ዓወት ናይ 1991 ከጓንፍ ዝኽእል ዝነበረ  ጸገም ኣየጓነፋ!!

ሎሚ ስለምንታይ እዛ ዓንቀጽዚኣ ኣድልየት?

ገለ ካብ ኣንበብቲ ክዝክርዎ ከም ዝኽእሉ፡ ብ11 ለካቲት 2017፡ ጽሓፋይ ናይ’ዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኣብ ናይ ፓልቶክ ገዛ (ሕድሪ ጀጋኑ) ተዓዲመ ነይረ። ዝመረጽኩዎ ኣርእስቲ ከኣ፡ ሓደ ቅድሚ ዓመት ንብሩራዊ ኢዮቤልዩ ናጽነት ኤርትራ ምኽንያት ገይሩ ኣብ ከተማ ጅኔቭ ኣብ እተጋብኤ ኮንፈረንስ ንዘቕረብኩዎ ጽሑፍ ዝምልከት ነይሩ። እቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡  “ሰንኮፍ ኣጀማምራ ነጻ ኤርትራ ናይ 1991፡ ንዘሎናዮ ሃለዋት ከመይ ከም ዝጸለዎ” ዝብል ኢዩ። እዛ ናይ ሎሚ ሓጻር ሓበረታዊት ዓንቀጽ እንብኣር፡ ነቶም እተማልአ ሓበረታ ብምስኣን ግር ንዝበሎም ደቂ ሃገር ክትሕብር ዝሓለነት ኢያ።

ብዙሓት ክዝክርዎ ከም ዝኽእሉ፡  ገለ ሸነኻት ብፍላጥ ይኹን ሰኣን ቅኑዕ ንባብ ታሪኻውን ፖሊቲካውን ተረኽቦታት፡ “ጉድ በሉ፡ …..ሕጂ ኸኣ ሓደ ካብ መሪሕነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንናጽነት ኤርትራ ተጻሪሩ፥ ኢትዮጵያ (ወያኔ) ብ1991 ንናጽነት ኤርትራ እንቢ ክትብል ነይሩዋ ኢሉ…….ወዘተ ወዘተ” እናበሉ ብፓልቶክ ኮነ ብኻእል ማዕከናት ክደሃዩ ተሰሚዖም። ከምዚ ዝዓይነቱ ናይ ፈጠራ ወረን ክስታትን ዝበዝሖ ባይታ ከም ዝጸንሓናን ጌና ይቕጽል ከም ዘሎን ንፈልጥ እኳ እንተዀንና፡ ሓሓሊፍና ንከምዚ ዝዓይነቱ ጠቐነ ዓገብ ክንብልን ገለ ክንእርምን ጠቓሚ ኢዩ።

ዓለም-ለኸ ሕግን (international law) ዓለም-ለኸ ተፈላጥነትን ኣብ ገሊኡ ኲነታት በቶም ሓያላን ቀጽርታትን ውልቀ-ሃገራትን ይጥሓስ እኳ እንተኾነ፡  ሓፈሻዊ መለክዒ ሕጋውነት (legitimacy) ናይ ሎሚ ዓለምና ኢዩ። እሞ፡ ገለ ካብቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣብነታት እስቲ እስፍሕ ኣቢልና ንርኣዮ።

ጸገም ሶማሊላንድ፣

እታ ሎሚ ብ5 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ዘለዋ፥ ነብሳ ከም “ረፓብሊክ ኦፍ ሶማሊላንድ” እትሰሚ መሬት፥ ክሳዕ 1960 ግዝኣት ዓባይ ብሪጣንያ ነይራ። በቲ ዓመት’ቲ ከኣ  ምስታ ናይ ኢጣልያ ዝነበረት ሶማሊላንድን ብስምምዕ “ረፓብሊክ ኦፍ ሶማሊያ” መስሪተን። ብዚያድ ባረ ክትመሓደር ዝጸንሔት ሃገረ ሶማልያ ብ1991 ጀሚራ ኣብ ህውከት ምስ ኣተወት፥ እታ ናይ ብሪጣንያ ግዝኣት ዝነበረት ሶማሊላንድ ርእሲ-ከተማኣ ሃርገሳ ገይራ በይናዊ ናጽነተይ ፍለጡለይ ኢላ ኣዊጃ። ዝተረፈ ዓለም ግን ነታ ኣቐዲሙ ተፈላጥነት ዝሃባ፥ ሞቓድሾ ዝርእሰ-ከተማኣ ሃገረ ሶማልያ (ማለት ንባዕላ ኣብ ንቡር ሃለዋት ንዘይጸንሐት ሃገር/ደውላ) ቀዳምነት ሂቡ ንሶማሊላንድ ክሰምዓ ኣይደለየን። እታ ሞቓድሾ ዝርእስ-ከተማኣ ናይ ሶማሊያ ደውላ ንናጽነታ ፍለጡላ ክሳዕ እትብል ከኣ ሶማሊላንድ ከምታ ዘላታ ኮይና ክትቅጽል ተፈሪዱዋ ማለት ኢዩ።

ከምኡውን ኮሶቮ/Kosovo

ናይ ቀደም ዩጎዝላቪያ ምስ ፈረሰት፥ ሰርብያ ወራሲት ናይ ዩጎዝላቭያ ተቘጺራ ከም ሓዳስ ሃገር ተፈላጥነት ረኺባ። ኣካላ ዝነበረት ኮሶቮ ግን ፍልይቲ ሃገር ክትከውን ኣብ ቃልሲ ጸኒሓ። እቶም ካብ ኣልባንያ ዝመበቆሎም ህዝባ’ውን ብሰርብያውያን ክግፍዑ ጸኒሖም ኢዮም። ብወተሃደራዊ ሓይልታት ናቶ/NATO (ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ዝርከብዎ ሓይሊ) ተደጊፋ፡ ኮሶቮ ትሕቲ ምምሕዳር ሕቡራት መንግስታት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ፍቓድ ናይ ሃገረ ሰርቢያ ከይረኸበት ብ2008 ባዕላ ናጽነታ ኣዊጃ። ካብ ሽዑ ጀሚራ ከኣ ኮሶቮ ጌና ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣባልነት ስኢና ተንጠልጢላ ትነብር ኣላ።

ካብ ሶማሊላንድ ግን ትሓይሽ። ሳላ ኣመሪካን ደገፍታን፡ ንናጽነት ኮሶቮ ተፈላጥነት ዝሃባ ካብ 100 ዘይውሕዳ ሃገራት በጺሐን ኣሎዋ። ግንከ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ክሰማምዓላ ስለዘይከኣለ፡ ልኡላውነታ ብውንዙፉ ይነብር ኣሎ። እቲ ብቤት ፍርዲ ዓለም-ለኸ ንፍትሒ (International Court of Justice) ንኮሶቮ ደጊፉ ዝሃቦ ፍርዲ እውን ክሕግዝ ኣይከኣለን። ሩስያን፡ ‘ኮር ተገልበጥ’ ናይ ህግደፍ ኤርትራን ካብተን ንኮሶቮ ኣባል ሕቡራት መንግስታትን ካልእ ዓለም-ለኸ ማሕበራትን ንከይትኸውን ካብ ዝቃወማ ዘለዋ ሃገራት ኢየን።

ኤርትራ ካብተንሕጋዊ ሸነኽኣመኽንየን ንናጽነት ኮሶቮ  ካብ ዘይደገፋ ሃገራት ምዃና ዘርኢ ካርታ።

ዝገደደ ከኣ፡ ህግደፍ (ምእሳር ኣመል ኰይኑዎ) ንሓደ ወዲ ኮሶቮ ዝኾነ ጀይምስ በሪሻ ዝስሙ ዘዋር ነፋሪት፥ ቅድሚ ሽድሽተ ዓመታት ንኮሶቮ ተፈላጥነት ኣብ ዘይሃባ ሃገራት እናዞረ ‘በጃኹም ንኮሶቮ ከም ሃገር ፍለጡና’ እናበለ ክዘውር ጸኒሑ ኣስመራ ምስ በጽሐ፡ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ኣብ ማእሰርቲ ከም ዝዳጐንዎ ይፍለጥ። ድሕሪ ክንደይ ላዕልን ታሕትን ከኣ’ዩ ካብ ማእሰርቲ ህግደፍ ነጻ ኰይኑ፡ ዝረኸቦ ርካብ እናገረሞ ንሃገሩ እተመልሰ።

ኣብዚ ላዕሊ ብሓጺሩ ተጠቒሱ ዘሎ ነጥብታት ንገለ ካብቶም ኣንበብቲ ጠቓሚ ኮይኑ ክርከብ ተስፋ እገብር። እታ “ሰንኮፍ ኣጀማምራ ነጻ ኤርትራ ናይ 1991 ንዘሎናዮ ሃለዋት ከመይ ከም ዝጸለዎ” ብዝብል ኣርእስቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት እተጻሕፈት ወረቐት ኣብ ቀረባ ጊዜ ናብ ኣንበብቲ ክትዝርጋሕ ኢያ።

ርሑስ በዓል ፋሲካን፡

ናብ ዝሓሸ መድረኽ ዝመርሕ

መበል 26 ዓመት ናጽነት ኤርትራን ይግበሮ!!

 

 
Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Tiblets March 15, 2018

    I agree with your article Mr Weldeyesus Amar and disagreed totally with fabricated Dr Ghebre’s empty article.

  • Tes March 16, 2018

    Dr Ghebre
    I think you need to read more books. Before we go far lets our nieghbour Somaliland.
    አይትሀውትት

  • Wakeup Eyob March 16, 2018

    ኢትዮጵያውያን እሞ ንናጽነት ኤርትራ ተገዲዶም እምበር ብፍቶቶም ደጊፎም ኣይፈልቱን እዮም። ስለዚ ኤርትራ ናጽነታ ኣይነፍቅደላን ኢና ኪብሉ ኣቕሚ ኣይነበሮምን።

POST A COMMENT