Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓላፊ ወተሃደራዊ መጓዓዝያን ሎጂስትክስን ህግደፍ ወልዱ ባርያ ተኣሲሩ።

ሓላፊ ወተሃደራዊ መጓዓዝያን ሎጂስትክስን ህግደፍ፡ ከምኡ ‘ውን ናይ ቀረባ ዓርክን ተለኣኣኽን ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝነበረ ወልዱ ባርያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተኣሰረ ምንጭታት ሓቢሮም። ምኽንያት መእሰሪ ወልዱ ባርያ ኣይተፈልጠን። ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ክሳብ ዝምነዎ ንዝተጠቕመሎም እሙናት ኣገልገልቱ ግዜ

ሓላፊ ወተሃደራዊ መጓዓዝያን ሎጂስትክስን ህግደፍ፡ ከምኡ ‘ውን ናይ ቀረባ ዓርክን ተለኣኣኽን ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝነበረ ወልዱ ባርያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተኣሰረ ምንጭታት ሓቢሮም።

ምኽንያት መእሰሪ ወልዱ ባርያ ኣይተፈልጠን። ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ክሳብ ዝምነዎ ንዝተጠቕመሎም እሙናት ኣገልገልቱ ግዜ ሓልዩ ናይ ምእሳር ኣመል ከምዘለዎ ግን ብተደጋጋሚ ተራእዩ እዩ።

ወልዱ ባርያ፡ ሳላ’ቲ ምስ ኢሳይያስ ዝጸንሖ ጥቡቕ ዕርክነት፡ ዋላ ብደረጃ መዓርግ ጀነራል ከምኣዘዝቲ ሰራዊት ንዝሰርሑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ከይተረፈ መሊኹዎም ኳ እንተጸንሐ፡ ከምቶም ዝቐደሙ ገንሸላት መዓልቱ ኣኺላ፡ ናይ ቀይዲ ሪጋኣኡ በጺሑዎ ከምዘሎ እቶም ምንጭታት የረድኡ።

ኣብ ቦታ ወልዱ ባርያ፡ ሓላፊ ከቢድ ብረት ዝነበረ ወዲ ሞኬ (ጸሃየ መኮነን) ክሽየም ከሎ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህግደፍ ተኣሲሩ ክላዲ ዝጸንሐ ሰለሙን ራሻይዳ ኸኣ፡ ከም ሓላፊ ከቢድ ብረት ንወዲ ሞኬ ተኪኡዎ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ወልዱ ባርያ፡ ከም ሓላፊ መጓዓዝያን ሎጂስትክንስን ምክልኻል፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝኸበረ ንብረት (commodity) ኮይኑ፡ ብኩቦን ዝማቓራሕ ነዳዲ ናይ ምቍጽጽጻር መዝነት ‘ውን ነይሩዎ እዩ። ኢሳይያስ ኣብ ካታሎግ ንዘዝረኣዮ ኣጽዋር ክሽምት ንወጻኢ ብብዝሒ ከምዝተላእከ ‘ውን ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
21 COMMENTS
  • Abnet Tesfai December 27, 2011

    AYBELNANDOYE!!!!!!!!! ABELNANDOYE!!!!!!!
    GHIENA ALO BDIHIRIT…. NENHIDHIDIEN KIBALAA EYEN EZEN AWANAT TEKUALU
    DEM ERITREAWI MENESEY AHEHETA NBAAT ADIETAT ERITREA NEZOM KEHATI NAY TARIK HATELA ENTEBJIMLA ENTEBNITSIL NAB SIOL KEWRIDOM MIKUANU ZITERATER ENTELIYU GHERIH TRAY EYU. KULU SEATU MSAKELE KIFNJER EYU.
    GHIENATA!!!!! GHIENA!!!!!!! DEM KIHLEBU EYOM TELIEMTI HIZBI ERITREA. DEM SUWUAT TSERARIGHU MS MAIBELA KIHWISOM EYU
    ….ED SHENAHIT TSENAHIT.
    AWET NWTSUAT

    • Alex December 27, 2011

      AYBELNAN DO’YE…….AYBELELNAN DO’YE
      ANTA ASHA ANTA EDE AYNI BERBERE
      EREY SI KEYDA IYA AB Z’AMERE
      NEB’AT ADETAT HIZA HALENGHI SEWRA
      ENEHO MEXETKUM NKIT”ATWOKUM AB ZEFAHARKUMWO HUFRA

  • mahta_yohannes@yahoo.com December 29, 2011

    aybelanan do aybelnan do yeeeeeeeeeeeeeeeeeeeeeeee

POST A COMMENT