Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓላፊ ናይቲ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተሓብሒቡ ኣብ ኤርትራ ዝዓበየ ተቓዋሚ ውድብ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ደምህት) ዝነበረ ኣስገዶም ሞላ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ናይ ቶኽሲ ግጭት ድሕሪ ምግባር ምስ ሰራዊቱ ናብ ሱዳን ከምዘምለጠ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

ሓላፊ ናይቲ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተሓብሒቡ ኣብ ኤርትራ ዝዓበየ ተቓዋሚ ውድብ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ደምህት) ዝነበረ ኣስገዶም ሞላ፡  ምስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ናይ ቶኽሲ ግጭት ድሕሪ ምግባር ምስ ሰራዊቱ ናብ ሱዳን ከምዘምለጠ ሱዳን

ሓላፊ ናይቲ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተሓብሒቡ ኣብ ኤርትራ ዝዓበየ ተቓዋሚ ውድብ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ደምህት) ዝነበረ ኣስገዶም ሞላ፡  ምስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ናይ ቶኽሲ ግጭት ድሕሪ ምግባር ምስ ሰራዊቱ ናብ ሱዳን ከምዘምለጠ ሱዳን ትሪቡን ካብ ካርቱም ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ኣገንዚቡ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ሞላ ኣስገዶም፡ ብቕድሚ ትማሊ ዓርቢ 11 መስከረም እዩ፡ 683 ዕጡቓት ኣባላት ውድቡ ኣኸቲሉ ኣብቲ ሰለስተ ጫፋት ኤርትራ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝራኸቡሉ ከባቢ ኣብ እትርከብ ሓምዳይት እትብሃል ከተማ ሱዳን ኣትዩ።

ሱዳን ትሪቡን ኣብ ካርቱም ንዝመደበሩ ምንጩ ጠቒሱ ኣብ ዘመሓላለፎ ሓበሬታ፡ ሰራዊት ደምህት ኣብ ኤርትራዊት ከተማ ኦምሓጀር ምስ ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ድሕሪ ዘካየዶ ውግእ 7 ዕጡቓት ኣባላቱ ከምዝሞቱዎ ከምዘመልከተ የገንዝብ። ኣብ ዶባት ዝርከብ ናይ ዓይኒ ምስክር፡ ቶኽሲ ከምዝሰምዐን፡ ሰራዊት ደምህት ናብ ሓምዳይት ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ኣብታ ከተማ ናይ ሕንፍሽፍሽ ኩነታት ከምዝተፈጥረን ምግላጹ ውን ይጠቅስ፥

ነቲ ዜና እቲ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝምወል ኢሳት ዝበሃል ናይ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ቴለቭዥን `ውን ኣረጋጊጹዎ `ሎ።

መራሒ ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ካብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንላዕሊ ዘተኩረሉን ዝምክሓሉን ዝነበረ ተቓዋሚ ውድብ ኢትዮጵያ ኣስገዶም ሞላ ሰራዊቱ ሒዙ ብኸምዚ ዝምኣመሰላ ድራማዊ ኩነታት ካብ ኢዱ ምምላጡ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዓቢ ጽፍዒትን ሰፍ ዘይብል ክሳራን እዩ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ነቶም ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኽጥቀመሎም ዝፈጠሮምን ካብ ግብጺ ብስሞም ብዝረኸቦ ሚልዮናት ዶላራት ዘዕጥቖምን ዘዕጠቖምን ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ምሉእ ብምሉእ ከምዝቆጻጸሮም ይፍለጥ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ንምቅ`ጽጻር ክጥቀመሉ `ውን ይኽእል `ዩ ካብ ዝብል ስግኣት ንደምህትን ሰራዊቱን ብዓይኒ ጥርጣረን ስግኣትን እዩ ዝጥምቶም ነይሩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
66 COMMENTS
  • Eritra September 15, 2015

    “..Unfortunately this great man was born in the unfortunate land called Bahre-Negash.If he was born some where else he could have done a lot to the world …For us (Bahre-Negassians )to have the great Yosief ”

    Teclay

    YG has nothing to offer except insults to Gedli.

  • Alem September 15, 2015

    Who will protect Issaias Afewerki from now onwards

  • Zeray September 16, 2015

    It is said the Demhit leader Mola is a spy for Ethiopia. What an infiltration!!! Issayas’s trusted guard is now number one enemy

1 3 4 5

POST A COMMENT