Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሎሚ ዘበን ኣብ ኤርትራ ዝምስገን ክራማት ስለዝነበረ ጽቡቕ ምህርቲ እኽሊ ክሕፈስ ትጽቢት ከምዝግበረሉ ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ኣሚቱ።

ሎሚ ዘበን ኣብ ኤርትራ ዝምስገን ክራማት ስለዝነበረ፣ ኣብቲ ካብ መጀመርያ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ሕዳር ኣትሒዙ ክሳብ  ፈለማ ወርሒ ናይቲ ዝመጽእ ዓመት 2017 ኣብ ዘሎ ቀውዒ ጽቡቕ ምህርቲ እኽሊ ክሕፈስ ትጽቢት ከምዝግበረሉ ውድብ መግብን ሕርሻን

ሎሚ ዘበን ኣብ ኤርትራ ዝምስገን ክራማት ስለዝነበረ፣ ኣብቲ ካብ መጀመርያ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ሕዳር ኣትሒዙ ክሳብ  ፈለማ ወርሒ ናይቲ ዝመጽእ ዓመት 2017 ኣብ ዘሎ ቀውዒ ጽቡቕ ምህርቲ እኽሊ ክሕፈስ ትጽቢት ከምዝግበረሉ ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝዝዘርግሖ ኣማቲ ዜና ሓቢሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ናይቲ ኣብ ጸብጻባት ሳተላይት ዝተመርኮሰ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ናይቲ ትካል፣ ኣብቶም ንዘራእቲ እኽሊ ኣብቲ ካብ ኣጋ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ክሳብ መስከረም ዘሎ ኣዋርሕ ክረምቲ ዝናብ ዝጽበዩ ዞባታት ደቡብ፣ ማእከል፣ ጋሽ ባርካን ዓንሰባን፣ ሎሚ ዘበን፣ ኣብ እዋኑ፣ ጽቡቕ ዝርግሐ ዘለዎ፣ ልዕሊ ገምጋማዊ መጠን ዝናብ ተረኺቡ።

ኣብቲ መጓሰ ዝካየደሉ ከባቢታት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ቀልጢፉ ዘቋረጸ ትሕቲ ገምጋማዊ መጠን ዝናብ ክርከብ ከሎ፣ ኣብቲ ከም ንቡር ካብ ታሕሳስ ክሳብ መጋቢት ዝናብ ዝጽበ ብባሕሪ ዝፍለጥ ምብራቓዊ ኣጻድፍ ኣቐዲሙ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝናብ ጀሚሩዎ ስለዘሎ ንጉስነትን ቀረብ ማይን ተስፋ ዝህብ ምዃኑ እቲ ናይ ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት ሓበሬታ የገንዝብ።

ሎሚ ዘበን ሰናይ ክራማት ከምዝነበረ ምንጭታት ኣሰና ውን ኣቐዲሞም ኣረጋጊጾም እዮም። ይኹን’ምበር፣ እቲ ሓሳድ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፣ ህዝቢ ነቲ ሳላ ኣባጅጎን ጻዕርሩን ዘፍረዮ ተስፋ ዝህብ ዘራእቲ ከየእቱ ኣብ እዋን ቀውዒ ቀጻሊ ግፋ እናካየደ ዓያዪ ጉልበቱ ብምጽንቃቕ መኻልፍ ኮይኑዎ ከምዘሎ ኣገንዚቦም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT