Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

UPDATED: ልኡኽ ኤርትራ ኣብዚ ሰሙን ዚ ኣዲስ ኣበባ ከምዝበጽሕ ኣፈኛ ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ገሊጹ።

ነቲ ብምኽንያት ዶባዊ ምስሕሓብ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ተጻብኦ ንምፍታሕ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተወሰደ ቀጺሉ ብኤርትራ ደገፍ ዝረኸበ ተበግሶ ብዝምልከት ኣፈናዊ ርከብ ንምግባር፡ ልኡኽ ኤርትራ ኣብዚ ሰሙን ‘ዚ ኣዲስ ኣበባ ከምዝበጽሕ ኣፈኛ ሚኒስተሪ

ነቲ ብምኽንያት ዶባዊ ምስሕሓብ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ተጻብኦ ንምፍታሕ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተወሰደ ቀጺሉ ብኤርትራ ደገፍ ዝረኸበ ተበግሶ ብዝምልከት ኣፈናዊ ርከብ ንምግባር፡ ልኡኽ ኤርትራ ኣብዚ ሰሙን ‘ዚ ኣዲስ ኣበባ ከምዝበጽሕ ኣፈኛ ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ከምዝገለጸ ሮይተርስ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንዘቕረቦ ጻውዒት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኡኽ ከምዝሰድድ ብምግላጽ ኣውንታዊ ምላሽ ከምዝሃበሉ ይፍለጥ።

ምርመራ ናይቲ ቅድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ቦምባ ብናይ ወጻኢ ክኢላታትን ዘበናዊ ጥበብ ፍሮንዚክን ክድገፍ ምዃኑ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ገሊጸን።

ምጽንባር ናይ ወጻኢ ክኢላታትን ዘበናዊ መሳርሒታትን ፍሮንዚክን ዘድለየሉ ምኽንያት ነቲ ድሮ ዝካየድ ዘሎ ምርመራ ንምቅልጣፍን ደምዳሚ ውጽኢት ንምርካብን ምዃኑ `ውን እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ብመሰረት `ቲ ሓበሬታ ዛጊት በቲ መጥቃዕቲ ክልተ ሰባት ክሞቱ ከለዉ፡ ብኸቢድ ዝቖሰሉ ሓያለ ግዳያት ኣብ ዝተፈላለዩ ሆስፒታላት `ታ ሃገር ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎ ተፈሊጡ።

Subscribe to ASSENNA NEWS channel 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • ተወልደመድህን June 25, 2018

    ይኸደነና መዓል ማንኪ ጥራይ ኣይኹኑ።

  • Sol June 26, 2018

    As usual the secret addicted regime has not announced this news on his media apparatus and even there is no any debate or survey between the people to express their feelings and opinion on the peace issue with Ethiopia because it is very important national issue.