Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ኣስመራ በጺሑ ምስ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣማኻሪ ውልቀመላኺ ኢሳይያስን ከምእተራኸበ African News ሓቢሩ።

ኣብ ወጻኢ ጉዳያት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ናይ ኣፍሪቃ ደስክ ዳይረክተር ኣስመራ በጺሑ ምስ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣማኻሪ ውልቀመላኺ ኢሳይያስን የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ከምእተራኸበ African News ሓቢሩ። መራሒ ናይቲ ልኡኽ፡ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ዕላማ ናይቲ

ኣብ ወጻኢ ጉዳያት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ናይ ኣፍሪቃ ደስክ ዳይረክተር ኣስመራ በጺሑ ምስ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣማኻሪ ውልቀመላኺ ኢሳይያስን የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ከምእተራኸበ African News ሓቢሩ።

መራሒ ናይቲ ልኡኽ፡ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ዕላማ ናይቲ ምብጻሕ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ርክብ ኣብ ክልቲኤን ሃገራትን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘለዎ ጽልዋን፡ ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ ምዕባለ ንምድጋፍ ዘለዎ ተኽእሎታትን ንምድህሳስን ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝግበር ዘሎ ርከብ ኣቓልቦ ብዙሓት ስሒቡ ኳ እንተሎ፡ ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላትን ዝኾነ ለውጢ ዘይምርኣዩ ኣብ ምጥርጣር ኣእትዩዎም ከምዘሎ ይፍለጥ።

እታ ከም ቀላሲት ሕብረት ኤውሮጳ እትውሰድ ዝዓበየ ቁጠባን ሚዛንን ዘለዋ፡ ቅድሚ ኹሉ ልኡኻ ናብ ኤርትራ ዝሰደደት ጀርመን፡ ዕቃበታታ ኣግሂዳ ድሕሪ ምግላጻ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣንጸርጺሩ እዩ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT