Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ልቢ ነጻነት – ዓይኒ ፍትሒ

ብጴጥሮስ ተኽሉ፡(ሓላዪ)14/04/2012 ዓይኒ ፍትሒ መሰል’ዩ ስማ ነጻነት ይብልዋ ድርብ ድማ ሓርነት ማዕርነት ካብ ፈለማ ብሓደ ሓሳብ ጉባኤ’ዩ ገዝማ። ጎደሎ ዝፈርድ መን ከይስዕቦ ክንዲ ሃሰስ ፍታሕ መላግቦ እሞ እቲ ጉቡእከ ንመን ንህቦ ሓሊዮት ሕልናዩ ነላዝቦ። መምስኮነ ክኸውን ኔርዎ ንዝተሳማማዕናሉ ንደገ ኣይንዝረዎ ሎሚስ ፈጢጡ’በር እቲ በለጽ ዝብልዎ ብውዕል ፈሰስ

ብጴጥሮስ ተኽሉ፡(ሓላዪ)14/04/2012

ዓይኒ ፍትሒ መሰል’ዩ ስማ

ነጻነት ይብልዋ ድርብ ድማ

ሓርነት ማዕርነት ካብ ፈለማ

ብሓደ ሓሳብ ጉባኤ’ዩ ገዝማ።

ጎደሎ ዝፈርድ መን ከይስዕቦ

ክንዲ ሃሰስ ፍታሕ መላግቦ

እሞ እቲ ጉቡእከ ንመን ንህቦ

ሓሊዮት ሕልናዩ ነላዝቦ።

መምስኮነ ክኸውን ኔርዎ

ንዝተሳማማዕናሉ ንደገ ኣይንዝረዎ

ሎሚስ ፈጢጡ’በር እቲ በለጽ ዝብልዎ

ብውዕል ፈሰስ ንሕሰበሉ፣ ንመንዩ ክርህዎ፧

ስምምዕ ዝጠልም መን ከይስዕቦ

ተረሲዑ ድዩ ናይ ዓንተቦ

ብርኪ ዕጽፍ ብቕሩብ ቁራቦ

ትም! መሪጽና’በር ከላእ ትዛረቦ።

ሜላን ስልትን ኢልካ ኣኻኽቦ

ካሳድ ሓዝ! ካብ ምባል ጎቦጎቦ

ላንጋላንጋ ኣብ ክልተ ዘላኸዕ

ስዓት ዜሮ ኮይኑ ባዶ ልክዕ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Andberhan November 23, 2015

    It’s so nice i like this so good

POST A COMMENT