Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ” 8ይ ክፋል

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና "ህግደፍ" 8ይ ክፋል  ጭዉያ ኣቓልቦ ህዝቢ ብጉልባብ “ግዳማዊ ተጻብኦ” ሓደ ካብ ቀንዲ ተልእኾታት ሚኒስትሪ ዜና፤ ኣቓልቦ ህዝቢ ንግዳም ከም ዝግዕዝ ምግባር እዩ። "ሕቘን ከብድን ኮይኑ ንዘሎ ህዝቢን ስርዓትን ምቅርራብ" ብዝብል ብሉይ

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ” 8ይ ክፋል

 ጭዉያ ኣቓልቦ ህዝቢ ብጉልባብ “ግዳማዊ ተጻብኦ”

ሓደ ካብ ቀንዲ ተልእኾታት ሚኒስትሪ ዜና፤ ኣቓልቦ ህዝቢ ንግዳም ከም ዝግዕዝ ምግባር እዩ። “ሕቘን ከብድን ኮይኑ ንዘሎ ህዝቢን ስርዓትን ምቅርራብ” ብዝብል ብሉይ ሜላ “ማሕበረሰብ ዓለም እናዘረየና’ሞ እንታይ ዘይገበርና!?” ዘስምዕ ቃና ዘለዎ ትሕዝቶታት ኣብ ኣየርን ሕትመትን ይዉዕል። ህዝቢ ኤርትራ፡ “ሲ.ኣይ.ኤ.ን ምምሕዳራት ኣሜሪካን” ብዝብሉ ቃላት ደንቊሩ ኣሎ። ስርዓት “ህግደፍ” ንኣሜሪካ ናይ መትከል ጸላኢት ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ገይሩ ብምቕራብ ጠንቂ ኩሉ ሽግራት ኤርትራ ሲ.ኣይ.ኤ.ን ኣሜሪካን ምዃኖም ክነግረና ይደሊ። ሲ.ኣይ.ኤ ንኤርትራ ናይ ምብታን መደብ እንተሃልይዎ ካብ ኢሳያስ ዝበልጽ መሳርሒ ክረክብ ኣይክእልን። ምኽንያቱ ኢሳያስ ነቲ ሃይለስላሰን ደርጊን ፈቲኖም ዘይከኣሉዎ ምብታን ህዝቢ ኤርትራ ንሱ መሊኽዎን ተዓዊቱሉን እዩ። ጸላኢና ኣብ ኣፍንጫና ዘሎ ኢሳያስ እምበር ኣብ ስግር ባሕሪ ዘሎ ላንግሊን ሲ.ኣይ.ኤ.ን ኣይኮኑን። እቲ ሓቂ እዚ ክነሱ ግን መራሒ ስርዓት ህግደፍ፡ ንነፍስ-ወከፍ ቃለ-መሕትት ዘካይደሉ ኣጋጣሚ ንምዕራባዊ ዓለም ብሓፈሻ ንኣሜሪካ ድማ ብፍላይ ንምዉንጃል ይጥቀመሉ።  ኣብ ውሽጢ ኤርትራ መልሲ ዘይረኸበ ማእለያ ዘይብሉ ሕቶታት እናሃለወ፡ ኣብ ክንዲ ውራይ ገዝኡ ዝገብር ብዛዕባ ህሉዉ ዞባዊን ዓለማዊን ኩነታት ዝንቡዕ ትንታነ ንምሃብ ጸደፍደፍ ይብል። ዕላማኡ ድማ ኣቓልቦ ህዝቢ ናብ ደገ ጨዊኻ ዕምሪ ስልጣን ምንዋሕ እዩ። ዉልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ዘተኮረ ሕቶታት ክምልስ ሕልናዊ ቅሩብነት የብሉን። ምኽንያቱ ኣብ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ሽግርን መከራን ንሱ ዝመርሖ ስርዓት ዝፈጠሮ (ሰብ-ሰርሖ) እምበር ባህርያዊ ሽግር ኣይኮነን።

(ዓመተ 2011 ተዛዚሙ 2012 ኣብ ምእታዉ ኢሳያስ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ምስ ቴሌቪዥን ኤርትራ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ዝቐረበትሉ ቀዳመይቲ ሕቶ ትዝክርዋ? ኣነዉን ንትሕዝቶ እታ ሕቶ እምበር ነታ ሕቶ ቃል ብቓ ኣይዝክራን። እንተረሲዕኩማ ግን ባዕለይ ንትሕዝቶኣ ከዘኻኽረኩም። እታ ሕቶ፦ ሕብረት ሶቭየት ፈሪሳ ዓለም ኣብ ትሕቲ ምልኪ ሓንቲ ርእሰ ሓያል ንኽትወድቕ ዝገበረ ምኽንያት እንታይ እዩ ነይሩብል ነበረ። እዚ ቃለ መሕትት እዚ ኣብ ፈነወ ቅድሚ ምዉዓሉ ፕረዚደንት ቃለ መሕትት ክገብር እዩእናተባህለ ብሚኒስትሪ ዜና ዝቃላሕ ዝነበረ መወዓዉዒ ኢሳያስ ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝቢን ሰራዊትን ዘተኮረ ሕቶታት ከም ዝምልስ ዝሕብር ነበረ። ብተደጋጋሚ ጥልመት ኢሳያስ ዘይቀበጸ ብዙሕ ህዝቢ በቲ ናይ ሚኒስትሪ ዜና መወዓዉዒ ሕቶታቱ ክምለሰሉ ብዙሕ ትጽቢት ኣንቢሩ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ጉዳይ ምፍራስ ሕብረት ሶቭየት ቀዳመይቲ ሕቶ ኮይና ክትቀርብ ዝተደልየሉ ምኽንያት ንህዝቢ ኣብ ዘይምልከቶ ኣጀንዳ ኣእቲኻ ከም ዝህዉትት ምግባር ነበረ። መቸም ሕብረት ሶቭየት ካብ ትፈርስ ልዕሊ 20 ዓመት ጌራ’ላ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሓቂ’ዚ ቅድሚ 20 ዓመት እዩ ዝፈልጦ። እሞኸ ደኣ እንታይ ሓድሽ ነገር ስለዝተፈጥረ እዩ ኢሳያስ ብዛዕባ ሶቭየት ክምድር ደልዩ!? እምበርህዝቢ ኤርትራ ጭቈና ኢሳያስ መሪርዎ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ርእይዎ ዘይፈልጥ ስደት እናተሰደ እንከሎ፣ ምፍራስ ሕብረት ሶቭየት ኣብዚ እዋን ኣጀንድኡ ድዩ?)

ኢሳያስ ብዛዕባ ምርጫ….ኣብነት ጭዉያ ኣቓልቦ

ንምርጫ ብዝምልከት፡ ዉልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣብ እዋን ቃለ-መሕትት፡ “ኣሜሪካ ካብ ንዓና ምርጫ ግበሩ እናበለት ተወጣውጠልና  ግዳ ነተን ከም ብዓል ቐጠርን ስዑድያን ዝኣመሰላ ብንጉሳዊ ቤተሰብ ዝመሓደራ መሓዙታ ምርጫ ግበራ ኢላ ዘይተገድደን?” ክብል ብተደጋጋሚ ይስማዕ። ግደ ሓቂ ንሕና ኤርትራዉያን ብዛዕባ ስዑዲያን ቐጠርን እንታይ ይምልከተና? ኣብ ኤርትራ ንምንታይ ምርጫ ኣይግበርን እንተድኣ ተባሂሉ ምርጫ ንኸይግበር ዝዕንቅጽ ዘሎ ምኽንያት ጥራይ እዩ ክሕበር ዘለዎ። ደሓር ከኣ ምርጫ ክንገብር ዘለና’ኮ ኣሜሪካ ስለዝበለትና ዘይኮነ ከም ህዝቢ ምርጫ ስለዘድልየና እዩ። ናይ ስዑድያ፡ ቐጠርን ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ኣብነታት ምምጻእ ኣይጠቕመናን። ካብኡ ዝተረፈ ግን  “ኣሜሪካ ስለምንታይ እያ ዘየድልየና ነገር ክንገብር ተገድደና ዘላ?” ኢልካ ምምዳር ጣቋ ዘለዎ ዘረባ ኣይኮነን። ኢሳያስ ንሕቶ ምርጫ ብቑዕ መልሲ ክህበሉ ስለዘይክእል፡ ብቑዕ መልሲ ናይ ምሃብ ክእለት ዘለዎ መራሒ’ዉን ስለዘይኮነ ነዚ ሕቶ’ዚ ብኸምዚ ኣገባብ ኣመሳሚሱ ክሓልፎ እዩ ዝደሊ።

ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ምርጫ ማለት ዕግርግርን ዝርገተ ሰላምን ከም ዝኾነ ገይሩ ይጉስጉስ። ክንዲ ምርጫ ንዝኣክል ደሞክራስያዊ መሰል ብኸምዚ ኣቈናጺቡ የቕርቦ። ነቲ ከመሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ መእመኒ ክኾኖ ድማ ኣብ ገለ ሃገራት ኣብ እዋን ምርጫ ንዝፍጠር ዕግርግር ከም ኣብነት እናምጽአ “ኣብ ሃገርና ምርጫ እንተተኻይዱ ከምዚ ትርእይዎ እዩ ከጋጥም” ዘስምዕ መደባት የቃልሕ። ሳንዱቕ ምርጫ ሳንዱቕ ሬሳ ከም ዘምጽእ ንህዝቢ ከእምን ሊፍ ይብል። ኣብ ናይ 2007 ምርጫ ኬንያ ንዝተፈጥረ ነዉጺን ምፍሳስ ደምን ኤሪ ቲቪ ብኸመይ ከም ዘቃልሓቶ ንዝክር ንኸዉን ኢና። ዘስተዉዕል ልቦና ንዘለዎ ሰብ ግን እዚ ማለት “ሕማቕኩም ኣይትጽልኡ ካብኡ ዝኸፍእ ከይመጸኩም” ማለት እዩ። ብኻልእ ወገን ከኣ ሕብረተሰብ ኤርትራ ይትረፍ ኣብዚ 21 ክፍለ ዘመን ኣብ 1940ታት እኳ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝነበርኦ ህዝቢ ክነሱ፡ ገና ንፖለቲካዊ ብዙሕነትን ምርጫን ዝጻወር ደረጃ ምዕባለ ዘይበጽሐ ህዝቢ እዩ እናተባህለ ብማዕከናት ዜና “ህግደፍ” ክዝለፍን ዘይምስሉ ክወሃቦን ምስማዕ ኣመና ዘሕዝን’ዶ ኣይኮነን!

(እንዳ ህግደፍኣብ እዋን ምርጫ ንዘጋጥም ዕግርግር እናሃደኑ ጥራይ ኣይኮኑን ብመስኮት ኤሪ ቲቪ ዘርእዩና። እንተኽኢሎም ኣብ ናይ ጎረባብቲ ሃገራት ምርጫ ህዉከት ንምፍጣር እዉን እዮም ከይደቀሱ ዝሓድሩ። ንኣብነት ኣብ 2010 ኢትዮጵያ ምርጫ ንምክያድ ትሸባሸብ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ማዕረ ዕረ እቲ ምርጫ ዝኸይድ ዓሌታዊ ፕሮፖጋንዳ ክንዛሕ ስለዝተደልየ ብመሰረት መምርሒ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ሓንቲ ናይ ጸሓፍቲ ኮሚተ ተመስረተት። ነታ ኮሚተ ብላዕሊ ኮይኖም ዝመርሕዋ ሓለፍቲ (መኩርያ ወልዱ፤ ሰለሙን በርሀ፤ ግርማይ በርሀ፤ ኢሳቕ መሓሪ) ድማ ተመደቡ። ነቲ ምርጫ ብኣካል ንምዝራግ ናብ ዉሽጢ ኢትዮጵያ ዝተላእኩ ዕጡቓት ተቃወምቲ ዉድባት ኢትዮጵያ ከም ዝነበሩዉን ብወረ ወረ ምስማዕና ኣይተረፈን። እቲ ፕሮፖጋንዳዊ ምድላዋት እናቐጸለ እንከሎ ሓደ ኣባል ናይታ ኮሚተ ጸሓፍቲሓደ ምሸት ኣብ ክለብ እንዳ ዜና ምስ መሳርሕቱ እናተዘናገዐ እንከሎ ሞሊቕዎ፡ ሰብኡት እንተኾይኖም ምርጫ እንዳማቶም ንምዝራግ ካብ ዝሰርሑ ግዳ ኣብዚ ዓዲ ምርጫ ይገበር ኢሎም ዘይማጎቱ!?” በለ። እታ ዘረባ ንጽባሒቱ ንግሆ ኣብ ዝኒ መኩርያ ወልዱ ምስ በጽሐት እቲ ከምኣ ዝበለ ኣባ ተጸዊዑ ካብታ ኮሚተ ከም ዝተባረረ ምስናይ መጠንቀቕትኡ ተሓበሮ። ዕድመ ንዓሊ ዓብዱ እንዳ ዜና ብልምዲ ቼልሲእናበልና ንጽዉዖም ሓሰዉቲ ከም ፍልሖ ዝበዝሑሉ ትካል እዩ። ኣፍካ ዝሃበካ ሃህ ኢልካ ምዝራብ ኣብ ሓደጋ የእትወካ)

*    *    *

እንዳ “ህግደፍ” ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝገብርዎ ህዝቢ ከይሓበሩ ኣብ ሶማል ስቱር ወተሃደራዊ ምትእትታዉ ድሕሪ ምግባሮም ኣብቲ ናይ ፍሽለት ዉራይ ዝተማረኹ ጋዜጠኛታቶም ብመስኮት ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ተቓሊዖም ነቲ ጉዳይ ዓለም ብዓለሙ ምስ ፈለጦ፤ ህዝቢ ኤርትራ ዜና ፍሽለቶም መታን ከይሰምዕ ነቶም ምሩኻት ብወግዒ ኽሒዶም ኣብ ዉሽጢ ሃገር ኣቓልቦ ህዝቢ ዝሰርቕ ሓድሽ ዉራይ ኣዳለዉ። እቲ ዉራይ ብሚኒስትሪ ዜናን ሚኒስትሪ ትምህርቲን ብዙሕ ተኣንጎት ተሸብሸብ ዝተባህለሉን ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ዝተቓንዐን ዋዕላ መምሃራን ነበረ። ሚኒስትሪ ዜና ነቲ ብደረጃ ሃገር ዝተወደበ ናይ ተዋስኦ ዋዕላ፤ ጋዜጠኛታት ብኮሚተ ወዲቡ ሓያል ጎስጓስን ናይ ሚድያ ሸፈነን ገበረሉ። እቲ ከም በዓል ሃማደኤ፤ ሃማመተኤ፤ ሃኮሰኤ ዝበሃላ ስማዉያም ማሕበራት ብስም መምሃራን ዝተመስረተ ስማዊ ማሕበር መምህራን እዉን ኣካል ናይቲ ተዋስኦ ኮይኑ ቀነየ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ዋና ጸሓፊ “ህግደፍ” ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድን ጀነራል ስብሓት ኤፍሬምን ናይ ክብሪ ዕዱማት ኮይኖም ብትሕዝቶ ዝደኸየን ብኣጉል ፍልስፍናታት ዝተቐናጀወን “መጽናታዊ ወረቓቕቲ” ብምቕራብ ነቶም ዋዕለኛታት ተወራዘዩሎም።

ዕላማ እቲ ዋዕላ ከምቲ ዝተባህለሉ ነቶም ተዘኪሮም ዘይፈልጡ መምሃራን ኤርትራ ክብሪ ሂብካ ብምትብባዕ ጽሬት ትምህርቲ ምርግጋጽ ኣይነበረን። ኣብ ሃገርና ደኣ’ሞ ክብሪ መምሃራን ምስ ሞተ እንድዩ ትምህርቲ ሞይቱ። ክብሪ ሞያ መምህርና ማዕረ ክንደይ ባይታ ዘቢጡ ከም ዘሎ ምክትል ኣካዳምያዊ ጉዳያት ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ኤርትራ ዶክተር ገብረብርሃን ኣብ 2009 ንተማሃሮ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ ሳዋ ኣኼባ እናካየደሎም ከሎ ብዘየወላዉል ቃላት ገሊጹሎም ኢዩ። ከምዚ ዝስዕብ ብምባል፦ “ንሎሚ ዓመት ተታሒዙ ብዘሎ ፍሉይ መደብ መሰረት፡ ካብቶም ሎሚ ዘበን ማትሪክ ትሓልፉ ንመብዛሕትኹም ናብ ኮሌጅ መምሃራን ክንምድበኩም ኢና። እቲ ምኽንያት ናይ ዓቕሚ ሰብ ሃጓፍ ዘጋጥመና ዘሎ ኣብ ሞያ መምህርና ስለዝኾነ እዩ።” ኣስዒቡ ከኣ ዶክተር ገብረብርሃን “ኩልኹም መምህር ምዃን ከም ዘይትፈትው ይርደኣኒ እዩ፡፡ ኣብዚ እዋን ሞያ መምህርና መውስቦ ዝኽልክል ሞያ ኮይኑ ከም ዘሎ ርዱእ እዩ” በለ። ነዚ ምስክርነት እዚ ዝህብ ዘሎ እቲ ስርዓት ባዕሉ ኣብ ስልጣን ኮፍ ዘበሎ በዓል ስልጣን ካብ ኮነ ብዛዕባ ኣብ ሃገርና ዝረአ ዘሎ ምንቁልቋል ክብሪ ምምህርና ተወሳኺ ጭብጢ ምቕራብ ዘድሊ ኣይመስለንን። ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ መምህር፤ ደቂ መምህር፤ ሰበይቲ መምህር፤ ከመይ ዓይነት ክብሪ ከም ዝነበሮም ንዝክሮ ኢና። ሕጂ ድማ ዕድመ ንስርዓት ህግደፍ ሞያ ምምህርና ኣብ ከምዚ ደረጃ ወዲቑ ይርከብ። እንዳ “ህግደፍ” ግን ንኸምስሉ ብስም ማሕበር መምህራን ዋዕላ ወዲቦም ንመምህራን ማእለያ ዘይብሉ ዘይትግበር መብጽዓታት ኣተዉሎም።

ትዕዝብቲ ሓደ መዓልቲ ኣብ ሆቴል ኣስመራ ፓላስ

እዋኑ ብምኽንያት ጽንብል መበል 20 ዓመት ናጽነት ንሓሙሽተ ተኸታታሊ ኣዋርሕ ብኹለን ሚኒስትሪታት ዝተኻየደ ናይ ተዋስኦ ሲምፖዝዩም ክዛዘም ዝቐረበሉ ቅንያት ነበረ። እቲ ሲምፖዝዩማት ብናይ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሲምፖዝዩም እዩ ተዛዚሙ። እቲ ኣብዚ ከስፍሮ ደልየ ዘለኹ ትዕዝብተይ ድማ ሲምፖዝዩም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብወግዒ ክኽፈት ከሎ ናይቲ ዕለት ሪፖርተር ኮይነ ዝረኣኽዎ እዩ። ኣብቲ ናይ መኽፈቲ ጽንብል ካብ ዝቐረቡ ትሕዝቶታት ሓደ፤ ናይ 20 ዓመት ጉዕዞ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝገልጽ ስእላዊ ኤግዚቪሽን ነበረ። ኩልና ተሳተፍቲ ነቲ ኣብ ዓበይቲ ፍሬማት ተሰቒሉ ዝነበረ ናይ ሰበስልጣን ኣሳእል እናተዘዋወርና ኣብ ዝተዓዘብናሉ፤ ኣሳእል ናይ ክልተ ኣጸቢቕና እንፈልጦም ነቲ ሚኒስትሪ ዝመርሑዎ ሰበስልጣን ደሊና ሰኣንና።

ሃይለ ወልደ’ንስአ /ድሩዕ/ ነዚ ሚኒስትሪ’ዚ መሪሕዎ’ዩ። ጴጥሮስ ሰለሙን’ዉን መሪሕዎ’ዩ። ኣሳእል ናይዞም ክልተ ሰበስልጣን ነበር ግን ንፈዉሲ ማሕላ’ኳ ኣይነበረን። ብኣንጻሩ ስእሊ የማነ ገብረኣብ በዚሑን ደሚቑን ይረአ ነበረ። ህዝቢ ኤርትራ ንየማነ ገብረኣብ ከም ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ እምበር ከም ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣይፈልጦን እዩ። ገለ ገርሀኛታት ተዓዘብቲ ነገራቱ ኣስደሚምዎም፡ “ጉዕዞ 20 ዓመት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝገልጽ ኤግዚቪሽን እዩ ኢሎም ኣቕሪቦምልና ከብቅዑ ስለምንታይ ደኣ’ሞ ሓደ ክልተ ኣሳእል ናይ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፡ ሓደ ክልተ ኣሳእል ናይ ዓሊ ሰይድ ዓብደላ ጥራይ ገይሮም ዝበዝሕ ኣሳእል የማነ ገብረብ ሰቒሎም የርእዩና ኣለዉ?” እናበሉ ጉሪምሪም በሉ።

በቲ ናይ ስእሊ ኤግዚቪሽን ክሓልፍ ዝተደልየ መልእኽቲ ነይሩ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ናይ ብሕቲ ንብረት የማነ ገብረኣብ ከም ዝኾነት! ፖለቲካዊ መሃንድስ ናይ’ዛ ትካል እዚኣ ንሱ ከም ዝኾነ! ዘይወግዓዊ ሚኒስተራ እዉን ንሱ ምዃኑ! እቶም ካልኦት ባምቡላታት ከም ዝኾኑ!

የማነ ገብረኣብ፤ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፤ ኣምባሳደራት ናይ ምሻም ስልጣን’ኳ እንተዘይብሉ ዝሽየሙ ኣምባሳደራት ናይ ምርቋሕ ወይ ምሕጻይ ስልጣን ከምዘለዎ ግን ንፈልጥ ኢና። ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ባምቡላ ምዃኑ ዘተሓትት ኣይኮነን። የማነ ገብረኣብ ኣብቲ ሚኒስትሪ ዝጻወቶ ተራ ብዘይቀጥታዊ መንገዲ ወግዓውነት ክለብስ ስለዝተደልየ ግን ኣብ’ቲ ኤግዚቪሽን ኣሳእሉ ብብዝሒ ከም ዝረአ ተገብረ።

ኣብቲ እዋን ነቲ ኤግዚቪሽን ርእየ ካብቲ ኣዳራሽ እናወጻእኩ ከለኹ ኣብቲ ኣፍደገ ኣጋጣሚ ንሓደ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ መማህርተይ ዝነበረ ኣባል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ረኸብኩዎ’ሞ ተጣፊእና ስለዝነበርና ተሓቛቚፍና እናተሰዓዓምና ከለና ኣብ ጉንዲ እዝኑ ለጊበ “ጉዳም ኤግዚቪሽን ርኢና!” ኢለ ሕሹኽ በልክዎ። ካብ ፍሽኽታ ዝሓልፍ ግብረ መልሲ ግን ኣይሃበንን። እቲ ወዲ ኣባል ኣሰናዳኢት ኮሚተ ናይቲ ኤግዚቪሽን ነበረ።

ብዘይካ’ቲ ኣብ ላዕሊ ዘስፈርኩዎ ትዕዝብተይ፤ ዝያዳ ኹሉ ዝገረመኒ ሓደ ካልእ ትዕዝብቲ ነበረ። ኣብቲ ናይ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ዝተሳተፈ ታእዛዝ ኣብርሃ (ዕንዱኩር) ዝተባህለ ሓደ ካብ ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ዜና፤ ንኣምባሳደር ሃና ስምኦን ብኢዱ ምልክት ገይሩ ጸዉዓ’ሞ ካብ መንጎ እቲ እኩብ ሰብ ፍልይ ኣቢሉ “እንታይ እየ ዝርኢ ዘለኹ” ብዘስምዕ ናይ ምልክት ቋንቋ ተወከሳ። ኣምባሳደር ሃና ኣጻብዕታ ናብ ኣፋ ኣልጊባ ንሳ’ዉን ብምልክት ስቕ ክብል ሓበረቶ። በቲ ድፍረቶም ኣብ ክንድኦም ስለዝፈራሕኩሎም ነቲ ብምልክት ዝገበርዎ ሓጺር ዝርርብ ብዘይካይ ዘስተብሃለሉ ካልእ ሰብ ከይህሉ የማነ ጸጋመይ ቁሊሕ ምሊሕ በልኩ። ኣነ ጥራይ ከም ዝረኣኹዎም ግን ርግጸኛ ክኸዉን ኣይከኣልኩን። . . . . . . . ዝኾነ ኾይኑ ኣምባሳደር ሃና ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ፈረንሳ ዝነበረት ኮይና ሕጂ ግን ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሓላፊት ጉዳይ ዲያስፖራ ኮይና ትሰርሕ ዘላ እያ፡፡ እቲ ንዓዓ ኣብ ማእከል እቲ እኩብ ህዝቢ ብምልክት ዘዛረባ ሰብ ከኣ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ሓላፊ ጨንፈር ስእሊ ኢዩ።

ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ናይ ቀረባ ሓለፍተይ ዝነበሩ ሰባት ብዙሕ እዋን፤ “ኢሳያስ’ኮ ብርእሲ የማነ ገብረኣብ እዩ ነዛ ሃገር ዘመሓድራ ዘሎ!” እናበሉ ንየማነ ክንእድዎ እሰምዕ ነበርኩ። ነቲ ኣበሃህላኦም ብዉሽጠይ ክትንትኖ ከለኹ፡ የማነ ርእሲ ይሃልዎ ኣይሃልዎ፤ እታ ናቱ ርእሲ መንበር ሓደ ዉልቀ ሰብ ንምሕላዉ እተገልግል ርእሲ’ዶ ኣይኮነትን!? ህዝቢ ኤርትራ ካብ ርእሲ የማነ እንታይ ክጥቀም ኢና’ሞ ርኢና!?” ደሓር ከኣ ኢሳያስ ርእሲ የማነ ተጠቒሙ እዩ ሃገር ዘመሓደር ዘሎ ክንብል ከለና እምበር’ከ ናይ ብሓቂ ኤርትራ ትመሓደር ኣላ ኢልና ንሓስብ ኣለና ማለት ድዩ?…ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ኣእምሮይ ይመላለሱ ነበሩ።

ታሽዓይ ክፋል ይቕጽል…

ኣማኑኤል ማህደረ

(iamamanuel@yahoo.com)

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • Asmerom February 19, 2013

    what a wonderful story ! keep it up
    .you are star

    • Selam February 19, 2013

      Hi Asmerom,
      Really?

    • Selam February 19, 2013

      Selam Asmerom,
      the tile of his article is open letter to president iasyas.
      do you think that isayas will read them?
      Sesenayu

  • Haile Michael February 20, 2013

    ኣዝየ እየ ዘድንቐካ። ኣብ ኩሉ ዝቕረብካዮ ጹሑፋትካ ዝኾነ ይኹን ምግናን ኣይረኣኹሉን። እዚ ኹሉ ጽሑፋትካ ብዝኾነ መንገዲ ነቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮይኖም ከንብቡዎ ዕድል ዘይረኸቡ ዝበጽሓሉ መንገዲ እንተዝርከብ ከመይ ጽቡቕ ነይሩ።
    ብፍላይ እቶም ሓጋዚ ሲኢኑምበር ወዲ ኣፈውርቂ ሓቀኛ እዩ፡ ዝብሉ የዋሃት ኩሉ ጽሑፋትካ ክሪኡዎ ምደለኹ። እንተ ንዓኻ ድማ ኣጆኻ በርትዕ ይብለካ። ኣምላኽ ምሉእ ጥዕና ይሃብካ።

  • arada December 17, 2014

    እንዳ “ህግደፍ” ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝገብርዎ ህዝቢ ከይሓበሩ ኣብ ሶማል ስቱር ወተሃደራዊ ምትእትታዉ ድሕሪ ምግባሮም ኣብቲ ናይ ፍሽለት ዉራይ ዝተማረኹ ጋዜጠኛታቶም ብመስኮት ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ተቓሊዖም ነቲ ጉዳይ ዓለም ብዓለሙ ምስ ፈለጦ፤ ህዝቢ ኤርትራ ዜና ፍሽለቶም መታን ከይሰምዕ ነቶም ምሩኻት ብወግዒ ኽሒዶም ኣብ ዉሽጢ ሃገር ኣቓልቦ ህዝቢ ዝሰርቕ ሓድሽ ዉራይ ኣዳለዉ።

    Haswe ika ezum sabt kathzo kalo ab Kenya nerna rina ba eynan eritriea mas eya wathdrwe matato zagbr…ala janda waynie kab waynie da ba mantya kanflykom nakom rina ina nati ebud deyblous issieyas nadgefo wala hamaq yakum issieyas kabkom yahyash

Post a Reply to Asmerom Cancel Reply