Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ” 6ይ ክፋል

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና "ህግደፍ" 6ይ ክፋል ሓበሬታ ምዕፋንን ዝንቡዕ ሓበሬታ ምዝርጋሕን ህዝብና ፖለቲካዊን ማሕበረ ቁጠባዊን መሰላቱ ጥራይ ዘይኮነ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰሉ'ዉን ተጋሂሱ እዩ። ገለ ኣብነታት ክጠቅስ፦ ሀ) ኩባንያ ዕደና ወርቂ ቢሻ ኣብ

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና “ህግደፍ” 6ይ ክፋል

ሓበሬታ ምዕፋንን ዝንቡዕ ሓበሬታ ምዝርጋሕን

ህዝብና ፖለቲካዊን ማሕበረ ቁጠባዊን መሰላቱ ጥራይ ዘይኮነ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰሉ’ዉን ተጋሂሱ እዩ። ገለ ኣብነታት ክጠቅስ፦

ሀ) ኩባንያ ዕደና ወርቂ ቢሻ ኣብ 2010 መፍረ ምስ ጀመረ፡ ሱር በተኻዊ ዕብየት ክመጽእ እዩ ዝብል ኣብ ሕልሚ ዘእቱ ወረታት እዩ ተነዚሑ እምበር ንህዝቢ ጽጹይ ሓበሬታ ኣይተዋህቦን። ህዝቢ ነቲ ዝርካቡ ሓበሬቲ ብደገ ደጊኡ እዩ ረኺብዎ። ሚኒስትሪ ዜና፡ “ወርቃዊ መትከላት ስለዘለና እምበር ወርቂ ስለዘለና ኣይኮናን ንንየት!” ዝብል ጣቋ ዘይብሉ ቃላት እናደርጉሐ እዩ ህዝቢ ከደዓዕስ ፈቲኑ። ኣብቲ እዋን እቲ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት “ህግደፍ” ኣቶ ሓጎስ ገብረህይወት (ክሻ) ኣብ ሳዋ ንተማሃሮ ሰሚናር እናሃበ እንከሎ እቶም ተማሃሮ “ካብዚ ዝበሃል ዘሎ ወርቂ እንታይ ኢና ክንጽበ? ዝብል ሕቶ ምስ ኣቕረቡሉ፡ ካብቲ ናይ ሚኒስትሪ ዜና ኣበሃህላ ብዘይፍለ ኣገባብ፡ “90% ኣታዊታት ናይዚ ወርቂ ኣብ ምክልኻል ሃገር፤ 10% ድማ ኣብ ልምዓት እዩ ክዉዕል” ብምባል እዩ መሊሱ። ሽዑ ግዜ ኣባል ኒዉስሩም ዝኾነት ጋዜጠኛ ፍረወይኒ ፍጹም ንሓላፊ ክፍሊ ዕደና (ኣብ ሚኒስትሪ ጸዓትን ማዕድንን) ኣቶ ኣለም ክብረኣብ ብዛዕባ ቢሻን ምዕባለታቱን ቃለ መሕትት ምስ ገበረትሉ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ቃለ መሕትት “ናብ ህዝቢ ተመሓላልፎ መልእኽቲ እንተለካ ዕድል ክህበካ” ምስ በለቶ፤ ኣቶ ኣለም ነቲ ዕድል ተጠቒሙ ነዚ ዝስዕብ ለበዋ ኣመሓላለፈ፦ “ህዝቢ ብዛዕባ ቢሻ ግቡእ ሓበሬታ ክወሃብ ስለዘይጸንሐ ዝተጋነነን ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ሓበሬታ ይሕዝ ኣሎ። ንኣብነት ጽሬት ወርቂ ቢሻ 27 ካራት እዩ እናተባህለ ክዕለል ንሰምዕ ኣለና። ዝለዓለ መዐቀኒ ጽሬት ወርቂ ግን 24 ካራት እዩ። ካብኡ ንላዕሊ የለን። ሕሉፍ ሓሊፉ ወርቅና ኣብ ዱባይ ይሽየጥ ኣሎ ተባሂሉ ይዉረ እዩ። ሓንቲ ዘመደይ’ኳ ሎሚ ቕነ ካብ ዱባይ ደዊላ እንቋዕ ሓጎሰና ወርቅና ኣብ ዱባይ ርኢናዮ ኢላትኒ። እቲ መፍረ ገና ሕጂ ይጅምር ስለዘሎ ኣብ ዱባይ ዝበጽሐ ወርቂ ቢሻ የለን። ስለዚ ህዝቢ ነቲ ምዕባለታት ብወድዓዊ ኣገባብ መታን ክከታተሎ ሓበሬታ ክወሃብ ኣለዎ። ንሕና ብወገንና ከኣ ዝተሓተትናዮ ክንምልስ ቅሩባት ምዃንና በዚ ኣጋጣሚ ክሕብር እፈቱ”። ኣቶ ኣለም ኣይተፈለጦን እምበር ኣንጻር እቲ “ህግደፍ” ባዕሉ ብታሕቲ ታሕቲ ዝፍንዎ ዝነበረ ዘይተጨበጠ ወረታት እዩ ዝዛረብ ነይሩ።

ለ) መንግስቲ ቐጠር ኣብ ደሴት ዳህላክ ዝሃንጾ ዘሎ በዓል ኣርባዕተ ኮኾብ ሪዞርት ስለምንታይ ዋላ ንሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኤሪ ቲቪ ዘይረአ? ሚኒስትሪ ዜና ሓንቲ ንእሽቶ ዲጋ ወይ መስተይት ከብቲ እትኸውን ራህያ ተጀሚራ ክሳብ ትዛዘም ኣርባዕተ ዜና ሰሪሑ ኣብ ሚድያ ዝፍኑ ትካል ክነሱ በዓል ኣርባዕተ ኮኾብ ሆቴል ኣብ ልዑላዊ ግዝኣትና እሞ ድማ ብምወላ ናይ ደገ መንግስቲ እናተሰርሐ እንከሎ ካብ ህዝቢ ክኽዉሎ መሪጹ።

ሐ) ኣብ ልዕሊ ኮሎኔል ስምኦን ገብረድንግል ፈተነ ቕትለት ምስ ተኻየደ “ነቲ ተግባር መን ፈጸሞ? ብኸመይ ተፈጸመ? ስለምንታይ ተፈጸመ?” ናይ ዝብሉ ሕቶታት መልሲ ንህዝቢ ከይተሓበረ ድሕሪ ምጽናሕ፤ ትሕዝቶኡ ንጹር ዘይኮነ ወግዓዊ መግለጺ ናይቲ ብዕለት 10 ጥቅምቲ 2007 ዘጋጠመ ፍጻመ፤ ብዕለት 23 ጥቅምቲ 2007 ከም ዝተዋህበ ዝዝከር እዩ። እቲ መግለጺ ኣብ ናይ ቃላት ሓሸዉየ ኣትዩ መንነት ናይቶም ገበነኛታት ከይሓበረ ብዱብዱቡ “መጸይቲ ደም ህዝቢ” ኢሉ ከም ዝገለጾም ኣይርሳዕን። ቀዳማይ ነገር ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ንህዝቢ ንምንጋር ስለምንታይ 10 መዓልታት ወሰደ? ካልኣይ ነገር እቲ ደንጉዩ ዝወጸ ሓተታ ስለምንታይ ንሕቶታት ህዝቢ ብንጹር ዝምልስ ክኸዉን ኣይተደልየን? ብሳልሳይ ደረጃ ኸኣ እቲ ሓተታ “ንዝያዳ መብርሂ ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ዝርዝር ሓበሬታ ክንህብ ኢና” ብዝብል መዕጸዊ ቃል ኣብ ጋዜጣ፡ ቴለቪዥንን ሬድዮን ቀሪቡ ከብቅዕ ስለምንታይ ዝርዝር ሓበሬታ ከይተዋህበ ተዓፊኑ። እቲ ጉዳይ ምስ ብልሽውና ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ኣብቲ ሓተታ ብንጹር ቃላት’ዩ ተቐሚጡ። መን‘ዮም ተዋሳእቲ ናይቲ ብልሽውና ዝብል ሕቶ ግን ኣይተመለሰን። ንምዃኑ ብብልሽውና ዝተቘማጥዑ ሰበስልጣን ኣብ ዝነገሱላ ሃገር መን ንመን’ዩ ብምምጻይ ደም ህዝቢ ዝኸሶ? እቲ ልዕሊ ኹሉ ዝገርም ግና እቲ ሓተታ “ኣብ ብልሽውና ምቁምጣዕ መብጽዓ ሰማእታት ምጥላም’ዩ” ዝብል ቃል ዝሓዘለ ምንባሩ ኢዩ። “ህግደፍ” መብጽዓ ሰማእታት ዝጠለመ ጠላም ስርዓት ክነሱ ካልእ መንነት ተላቢሱ ብዛዕባ ብልሽውና ክወራዘ ክትሰምዖ ከለኻ እዚስ እቲ ናይ ብሓቂ ዝፈልጦ “ህግደፍ” ድዩ ዘብል እዩ።……ብዝኾነ ብድሕሪ’ቲ ኩሉ ናይ ሚድያ ተዋስኦ፤ ዓሊ ዓብዱ ንደበሳይ ወልዱ ጸዊዑ ታሕተዎት ሓለፍቲ ኣብ ብልሽዉና ክቆማጥዑ ከለዉ እተርኢ ተኸታታሊት ፊልም ክደርስ ኣዘዞ። ደበሳይ’ዉን ዝተባህሎ ገበረ። “ማእረ” ዘርእስታ ፊልም ከኣ ደረሰ። መልእኽቲ ናይታ ፊልም ሽግር ኤርትራ ታሕተዎት ሓለፍቲ እምበር ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣይኮኑን ዘስምዕ ነበረ።

መ) ብሰነ 2011 ኣብ ከባቢ ነብሮ (ደንካልያ) ኣብ ልዕሊ ሰብን ጥሪትን ከቢድ ዕንወት ዘኸተለ ነትጒ እሳተ ጎመራ ምስ ኣጋጠመ እቲ ንጽባሒቱ ብኻልእ ጉዳዩ ዝተኣከበ ስማዊ ካቢነ ሚኒስተራት ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ሓንቲ’ኳ ከይተዛረበ ኣኼባኡ ምዝዛሙ ከይኣክል ሚኒስትሪ ዜና ድማ እቲ ባህርያዊ ሓደጋ ንዘስዓቦ ዕንወት ኣቃሊሉ ብምርኣይ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ዝወረደ ክሳራ የለን ክብል ዜና ከም ዝሰርሓሉ ኩላትና እንዝክሮ እዩ። እዚ ዜና’ዚ እዉን ማዕከናት ዜና ዓለም ነቲ ጉዳይ ክዛረባሉ ምስ ጀመራ ዝተፈነወ እዩ። ምስዚ ብምትእስሳር ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ዘጋጠመ ሓደ ጉዳይ ከዕልለኩም። እቲ ዜና ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝግበር ብትግርኛ ምስ ተዳለወ ናብ ኩለን ቋንቋታት ተተርጒሙ ናብ ህዝቢ ንኽፍኖ ምስ ተገብረ ሓንቲ ቅዳሕ ናይቲ ዜና ኣብ ድምጺ ሓፋሽ ጨንፈር ዓፈር በጽሐት። ኣባላት ናይቲ ኣሃዱ ነቲ ዜና ምስ ኣንበቡዎ ገሊኦም “ኣማራጺ የብልናን ተርጒምና ንፈንዎ”፡ ገሊኦም ድማ “ኣይንፍንዎን” ብምባል ኣብ ክልተ ተኸፊሎም ተማናጨቱ። ብፍላይ መሓመድ እድሪስ ዝተባህለ ገዲም ኣባል ናይቲ ኣሃዱ፤ “እዚ ባህርያዊ ሓደጋ’ዚ ኣብ መሬት ደንከል ስለዘጋጠመ እቲ ዕንወት ንህዝቢ ዓፈር እዩ ወሪድዎ። ስለዚ ነዚ ‘ኣብ ህዝቢን ንብረትን ዝወረደ ዕንወት የለን’ ዝብል ዜና ናብ ቋንቋ ዓፈር ተርጒምና ብቋንቋ ዓፈር ንህዝቢ ዓፈር እንተነገርናዮ ንነብስና ኣብ ትዕዝብቲ ኣዉዲቕና ነቲ መንግስቲ’ዉን ኣብ ትዕዝብቲ ከነዉድቖ ኢና። ስለዚ ኣይንፈንዎ ስቕ ንበል” በለ። ሓላፊ ናይቲ ኣሃዱ (ኣቶ ሳልሕ) ሓደ ካብ ቀንዲ መሓዮታት ዓሊ ስለዝኾነ ትእዛዝ ዓሊ ዘየዕብር ነበረ’ሞ ተቓዉሞ ኣባላቱ እናበዝሖ ከሎ ነቲ ዜና ፈነዎ። ካብ ተወለድቲ እቲ ብሄር ዝኾኑ ሰማዕቲ ናይታ ሬድዮ ዝመጸ ግብረ መልሲ ድማ ልዕሊ እቲ መሓመድ እድሪስ ዝኣመቶን ንምሉእ ሚኒስትሪ ዜና ዘዛረበን ኮነ።

ሰ) ኣብ መንጎ ጂቡቲን ኤርትራን ብሰነ 2008 ዶባዊ ምስሕሓብ ተፈጢሩ ህይወት ዓሰርተታት ወተሃደራት ካብ ክልቲኡ ወገን ንኸንቱ ጠፊኦም ክነሶም “ግጭት ኣይነበረን” ዝብል መግለጺ ኣብ ርእሲ ምዝርግሑ እቲ ግጭት ብመንጎኝነት ቐጠር ከም ዝተፈትሐን ኣብቲ ዘሰሓሕብ ከባቢ ወተሃደራት ቐጠር ከም ዝኣተዉን ንህዝቢ ብማዕከናት ዜና ከይተነግሮ ሓሊፉ። ‘ህግደፍ’ ኣብ ዶብ ኤርትራን ጂቡቱን ካብ ዕርድታት ናይቲ ክልተ ዓመት ኲናት ዝተኻየደሉ ግንባር ቡሬ ዝጸንዕ ዕርዲ ሃኒጹ፤ ንዳግማይ ኲናት ምስ ጂቡቲ ሰራዊቱ ኣኽቲቱ እንከሎ “ምስ ጂቡቲ ኲናት ኣይነበረን ብሕጂ’ዉን ኣይህሉን” ምባሉ ህዝቢ ከይተዓዘቦ ኣይተረፈን። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብ ዉሽጢ ልኡላዊ ግዝኣቱ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ረጽሚን ኣፈታትሓኡን ብኻልኦት ማዕከናት ዜና ዓለም እዩ ሰሚዕዎ።

ረ) ብጥሪ 2011 ህዝብታት ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ኣንጻር ጨቆንቲ መራሕቶም ንዘልዓልዎ ናዕቢ ከም ኣንጻር እቶም ንኣሜሪካ ኢድ እናነስኡ ልኡላዉነት ሃገሮም ኣሕሊፎም ዝሃቡ ስርዓታት ዝተበገሰ ህዝባዊ ምልዕዓል ብምምሳል ዝንቡዕ ሓበሬታ ንህዝቢ ከም ዝተዋህበ ርኢናን ሰሚዕናን ኢና። እዚ’ዉን ድሕሪ ብዙሕ ስቕታ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ብዝቘመት ኮሚተ ይካየድ ከም ዝነበረ ዝፍለጥ ኢዩ።

ኣስፊሕካ ናይ ምሕሳብ ዝንባለ ዝቐትል መጻወድያ ኣእምሮ

ገለ ካብቶም ሚ/ዜና ኣብ ጎስጓሳቱ ዘዘዉትሮም ሜላታት ስርጸት ትምክሕቲ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦

ሀ) “ሃገራት ኣፍሪቃ ብትኳቦ እየን ናጽነተን ረኺበን፡ ንሕና ግን ብስሬና ኢና ናጽነትና ኣምጺእና” እናበልካ ንህዝቢ ኣብ ናይ ምዉድዳር ስነ ኣእምሮ ብምእታዉ ትምክሕታዊ ኣተሓሳስባ ምኹስዃስ ሓደ ካብ ቀንዲ ዕማማት ሚኒስትሪ ዜና ኢዩ። ብርግጽ ናጽነትና ብቓልሲን መስዋእቲን ዝመጸ እምበር ብወርቃዊ ብያቲ ዝተለገሰ ኣይኮነን። ግን ከኣ ካልኦት ህዝብታት ኣፍሪቃ’ዉን ናጽነቶም ብቓልሲን መስዋእትን እዮም ኣረጋጊጾሞ። ይብዛሕ ይዉሓድ ከይተቓለስካን መስዋእቲ ከይከፈልካን ዝመጽእ ናጽነት የለን።

ለ) “ህዝቢ ኤርትራ ዘይከም ካልኦት ህዝብታት ኣፍሪቃ ብሉጽ ማሕበራዊ ክብርታትን ስልጡን ባህሊን ዝዉንን ጭዋ ህዝቢ እዩ!” እናተባህለ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ፍሉይ ፍጥረት ጌርካ ንምቕራብ ብሚኒስትሪ ዜና ብተደጋጋሚ ዝቃላሕ ፕሮፖጋንዳ ንህዝቢ ኣብ መዓሙቕ ሕማም ዑረት ሕልና ኣጥሒሉ ናይ ተቓዉሞ ዝንባለ ዝቐትል ሓያል ፖለቲካዊ መጻወድያ ምዃኑ ፈሊጥና ኣብዚ መጻወድያ’ዚ ንዘይምእታዉ እንቃለስ ክንደይ ኮን ንኸዉን!?

ሐ) ስርዓት “ህግደፍ” ንተቓወምቲ ዉድባት ካብ ህዝቢ ንምንጻል ብናይ ቃላት ጸወታ ዝጥቀመሉ ጎስጓስ “ኤርትራ ተቓወምቲ የብላን” ዝብል እዩ። እቲ ልክዕ ኣበሃህላ “ንሕና ተቓወምቲ የብልናን” ኢዩ ክኸዉን ነይርዎ። ብርግጽ ኤርትራ ተቃወምቲ የብላን። ምኽንያቱ ተቓወምቲ ዉድባት ተቓወምቲ ስርዓት “ህግደፍ” እምበር ተቓወምቲ ኤርትራ ኣይኮናን። ኤርትራ ናይ ኩላትና እያ፤ ናይቶም ንህግደፍ ንቃወምን ንድግፍን።

መ) “እዞም ዝስደዱ ዘለው መንእሰያት ኣይናትናን‘ዮም። ሓተላ! ግለት! እዮም” እናተባህለ ብልሳን ኢሳያስ ዝተዘርበ ቃል ኩሉ ህዝቢ ብሓንሳብ ዘድምጾ ቃል መታን ክኸዉን ብሚኒስትሪ ዜና ከም ሕሱም ክወዓዋዕ ኣይሰማዕናን ዲና!? ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ከተማ ብራሰልስ (ቤልጅዩም) ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፤ ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም “ኣብ ኢትዮጵያ ስደተኛታት የብልናን” ብምባል ነዞም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ዘለዉ ኣስታት 76 000 ኤርትራዉያን ስደተኛታት ከም ዝኸሓዶም ዝርሳዕ ኣይኮነን። ኣብቲ እዋን እቲ እቶም ስደተኛታት “ኣለና” ኢሎም ብሰላማዊ ሰልፊ ድምጾም ከስምዑ ተገዲዶም እዮም።

ሰ) “ኤርትራ ኣብ ዘይርጉእ ዞባ እትርከብ ደሴት ሰላም እያ። ኣብ ዝጠመየ ዞባ ጥሜትን ዓጸቦን ዘይረኣየላ ሃገር እያ!” እናበልካ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣሽካዕላል ዘረባ ምዝራብ ካብቲ “ንህዝቢ ብትምክሕቲ ላዕጢጥካ ዉሽጣዊ ስግኣት ምዉጋድ!” ዝብል ዕላማ “ህግደፍ” ተፈልዩ ዝረአ ኣይኮነን።

ረ) “ንሕና ዘይከም ካልኦት መንግስታት ኣፍሪቃ ኣብ ሓራ ፖለቲካዊ መስመር እንምርሽ መንግስቲ ኢና!” እናተባህለ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝግበር ምምጽዳቕ፤ ንፖለቲካዊ ኣመንዝራነት እንዳ “ህግደፍ” ንምሕባእ ዝበሃል ምስሉይ ኣበሃህላ ምዃኑ ብንግሆኡ ዝተፈልጠ እዩ።

ሻዉዓይ ክፋል ይቕጽል….

ኣማኑኤል ማህደረ
(iamamanuel@yahoo.com)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • adas February 13, 2013

    appriciate aman for his very informative deep facts that can’t be denied so, …… the so called supporters plz read carefully and at least try to reconsider your stands

POST A COMMENT