Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ላም ፍርቂ ጐድና ኣይትሰብሕን

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ፖለቲካ ናይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፖለቲካ ቅልጡፍ ምቅይያር ክገብር’ዩ ጸኒሑ። ብፍላይ እቲ ምስ ኤርትራ ዝተኣሳሰር ሸነኻቱ ብናህሪ ክጐዓዝ ጸኒሑ። እቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ድማ ተበግሶ ቀጠር ንሽምግልና ኤርትራን ኢትዮጵያን እዩ። ሀ. ተራ ቀጠር፡ ቀጠር

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ፖለቲካ ናይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፖለቲካ ቅልጡፍ ምቅይያር ክገብር’ዩ ጸኒሑ። ብፍላይ እቲ ምስ ኤርትራ ዝተኣሳሰር ሸነኻቱ ብናህሪ ክጐዓዝ ጸኒሑ። እቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ድማ ተበግሶ ቀጠር ንሽምግልና ኤርትራን ኢትዮጵያን እዩ።

ሀ. ተራ ቀጠር፡ ቀጠር ኣብ ጕዳያት ሰላም ማእከላይ ምብራቕ ይኹን ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትግደስ ካብ ትጅምር ነዊሕ ግዜ ሓሊፉ ኣሎ። ዝኾነ ሃገር ኣብ ከባቢኡ ጽልዋኡ ክዝርግሕ ክደሊ ባህርያዊ እዩ። ስለዝኾነ፡ ቀጠር ንዘለዋ ባህርያዊ ሃብቲ ተጠቒማ ሻራ ከይሓዘት ክብሃል ይከኣል ኣብ ብርክት ዝበለ ጕዳያት ግጭት ከም ሸምጋሊት ክትሰርሕ ጸኒሓን ኣላን። ናይ ቀጠር ጽቡቕ፡ ንሽምግልናኣ ስም ክትረኽበሉ ወይ ክተወዓውዖ ዘይትደሊ ምዃና እዩ። ዝበዝሕ ግዜ ግን እቶም ሰብ ጕዳይ ብሰንኪ ዘለዎም ውሽጣዊ ጸገማት ነቲ ምውዕዋዕ ዘይደልዩዎ ስለ ዝኾኑ እዩ። ሓደ ካብዚኦም ጭፍራ ህግደፍ ናይ ኤርትራ እዩ።

ቀጠር ብብዙሕ መንገዲ እያ ኣብ ጕዳይ ኤርትራ ትዋሳእ። ኣብ ርእስቲ ጸጸኒሓ ንጭፍራ ህግደፍ እትህቦ ህግደፍ ክዛረበሉ ወይ ክነግረሉ ዘይደሊ ቍጠባዊ ደገፍ፡ ንህግደፍ ካብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዳግማይ እገዳ ንምድሓን ዝገበረቶ ጻዕሪ ነይሩ። እገዳ ሕቡራት መንግስታት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብመሰረቱ ምስ ጕዳይ ግብረ ሽበራን ደገፍ ንኣልሸባብን ዝተኣሳሰር ኮይኑ፡ እቲ ካብ ጌጋኡ ዘይመሃር ጭፍራ ከም ኣመሉ ምስ ጅቡቲ ናይ ዶብ ኵናት ስለ ዝጻሕተረ፡ እቲ ጕዳይ ንህግደፍ ካብ ሓዊ ናብ ረመጽ ኮይኑዎ። ስለ ዝኾነ ቀጠር ምስ ጅቡቲ ክትዓርቆ ፈቲና። ኢሳያስ ድማ ምስ ጅቡቲ ዝኾነ ጸገም የሎን፡ ውግእ ኣይተገብረን ኵሉ ናይ ኣመሪካ ሲኣይኤይ ፈጠራ እዩ ከም ዘይበለ፡ ነቲ ምስ ጅቡቲ ዝተበጽሐ ሰራዊት ካብ ዶብ ናይ ምስሓብን ምሩኻት ምልውዋጥን ዝብል ውዕል ፈሪሙሉ። በዓል ኣመል ኣመሉ ስለ ዘይገድፍ ግን እነሆ ክሳብ ሎሚ ንሓንቲ ዓንቀጽ ናይቲ ስምምዕ ክትግብሮ ኣይተራእየን። እቲ ቀንዲ ጸገም ድማ እቲ ኣቐዲሙ ከይሓሰበ ዘህተፍተፎ፡ “ናይ ኣመሪካ ሲኣይኤይ ዝሃንደሶ ነገር እንተ ዘይኮይኑ ምስ ጅቡቲ ውግእ ኣይተገብረን፡” ዝብል መግለጺኡ ነይሩ። ከም ሳዕቤን ከኣ ካልኣይ ዙር እገዳ ክስዕቦ ግድን ኮይኑ። እዚ ነቲ መሓዛ ኢሳያስ ዝኾነ ኣሚር ቀጠር ጽቡቕ ከም ዘይህቦ ከም ርዱእ ይሕለፍ።

ለ. ህዝቢ ሃገራት ኣዕራብ ኣንጻር ውልቀመለኽቲ መራሕቱ ምዕዋቱ፡ ኢሳያስ ነቶም ጕጅም መባህልቱ ዝነበሩ ጋዳፊን ሑስኒ ሙባራክን ኣስኢኑዎ እዩ። ከም ሳዕቤን ድማ ፍርሕን ተነጽሎን ምድንጋርን ክሓድሮ ተራእዩ። ጋዜጣታት ኤርትራ ነቲ ምልዕዓላት ከም ዜና ንኣዋርሕ ከየልዓልኦ ድሕሪ ምጽናሕ ኵሉ ምስ ተወድአ ብመልክዕ ዓምድታት ትንታኔ ክህባ ፈቲነን። ኣበይ ኣለኻ ዘይበሉዎስ ኣብዚ ኣለኹ በለ እዩ’ቲ ነገር። ኣብ ከምዚ ኵነታት ኣብ ጥሪ ናይ ፍርቶ ምልዕዓል ምስ ተገብረ፡ ኣልጀዚራ ናይ ቀጠር ካብተን ነቲ ዜና ብቅድመ ግንባር ዘቃልሓኦን ከም ሓደ ውዱእ ዕልዋ መንግስቲ ዘቕረባኦን ናይ ዜና ማዕከናት ነይራ። ልክዕ ምስዚ ኵነታት’ዚ፡ ጭፍራ ህግደፍ በቲ ኵ`ነታት ኣዝዩ ስለ ዝተሰናበደ ንኣልጀዚራ ኣብ ምዕፋን ተጓዪዩ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ንኣሰና ይኹን ካልኦት ናይ ተቓወምቲ ህግደፍ ናይ ሬድዮ ፈነወታት ክዕፍን ክብል ብርክት ዝበላ ናይ ሃገራት ዓረብ ፈነወታት ዓፊኑ ከም ዝነበረ ክፍለጥ ይግብኦ። ብዝኾነ፡ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዝተራእየ ሓድሽ ናይ ፖለቲካ ምዝንባላትን ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሞት መለስ ዜናዊ ዝተፈጥረ ናይ መሪሕነት ለውጥን ተደሚሩ፡ መንግስቲ ቀጠር ሓድሽ ተበግሶ ብምውሳድ ምስ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ርክብ ጀሚሩ። ኣብ ሓጺር ግዜ ድማ ምስ ፕረሲደንት ሃይለማርያም ደሳለኝ ክልተ ሰለስተ ግዜ ክራኸብ ከሎ፡ ኢሳያስ ድማ ብኣሚር ቀጠር ፍልይቲ ኣይሮፕላን ተሰዲዳትሉ ብዘይ ሓደ መሰነይታ ንበይኑ፡ ክልተ ግዜ ብምስጢር ናብ ቀጠር ተመላሊሱ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ወኪል ቪኦኤ ንኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ቲ ርክባት ምስ ሓተተቶ ክዛረብ ከም ዘይደሊ ሓቢሩ። ኣብ ዓለም ምስጢር ዝብሃል ነገር ስለ ዘየሎ ግን እቲ ርክባት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ርክብ ንምፍጣርን ዝምድናአን ናብ ንቡር ንምምላስን ንምዃኑ ዘረባታት ክመልቝ ጀሚሩ። ገለ ካብቲ ዝተሰምዐ ነገራት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንወደብ ዓሰብ ብመንገዲ ቀጠር ክጥቀሙሉ ዝብል ነይሩ። እዚ ግን ክትዛረቦ’ምበር ክትትግብሮስ ቀሊል ብድሆ ኣይኮነን።

ጕዳይ ባድመ ኣብ መዕለቢኡ ከይበጽሐ ግን ዓሰብ ኢትዮጵያ ክጥቀሙሉ ኢሳያስ ከም ዘይፈቅድ ፍሉጥ’ዩ። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ፡ ንኢሳያስ ዘጕህዮ እቶም ብከንቱ ዝተሰውኡን ዝሰንከሉን ጭልቅዓት ኤርትራውያን ዘይኮነ፡ “ባድመ ወያኔ ሓዙዋ ማለት ጸሓይ ካልኣይ ግዜ ኣይትበርቕን እያ ማለት’ዩ፡” ዝብል ምስትውዓል ዝጐደሎ ጃህራ ተዛሪቡ ከብቅዕ ክኾነሉ ዘይምኽኣሉ እዩ። ስለዚ፡ እዚ ብውሽጢ ውሽጢ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ርክባት ውጽኢታዊ ክኸውን እንተ ኾይኑ መጀመርያ ጸሓይ ምብራቕ ክትኣቢ ኣለዋ። ካልእ ብርክት ዝበለ ቴክኒካዊ ምኽንያታት’ውን ኣሎ። ዓሰብ ኢትዮጵያ ክጥቀሙላ እንተ ኾይኖም፡ ቅድሚኡ ክግበር ዝግብኦ መሰረታዊ ነገራት ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ብምልካዊ ስርዓት ተዓፊኑ ዝነብር ሃገር፡ ዓሰብ ንበይና ተነጺላ ሓንቲ ደሞክራሲ ዝሰፈና፡ ኬላ ዘይብላ ናጻ ወደብ ክትከውን ግብራዊ ኣይኮነን። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ዓሰብ ናብ ሓንቲ ነብሳ ዝኸኣለት ሆንግኮንግ ነበር ክትቅየር የከኣልዶ? ዝብል ሕቶ ይለዓል። እዚ ነገር’ዚ ምስ ኣተሓሳስባ’ቲ ምዕቡል ፖለቲካ ዘይክተል ኢሳያስ ዝኸይድ ኣይኮነን። እዚ ክትግበር እንተ ኾይኑ መጀመርያ ኢሳያስ፡ ናይ ፖለቲካ እሱራትን ጋዜጠኛታትን ክፈትሕ፡ ኣዋም ክትግብር ምዃኑ ብወግዒ ክኣምን፡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ክመጽእ ምዃኑ ድማ ብወግዒ ክገልጽ ኣለዎ። ስለዚ፡ ከምቲ ላም ፍርቂ ጐድና ዘይትሰብሕ፡ ጭፍራ ህግደፍ መሰረታዊ ለውጢ ከየምጽአ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሽምግልና ዝኾነ ኣካል ክዕረቕ ወይ ዝምድናኡ ናብ ንቡር ክምለስ ኢልካ ምሕሳብ ካብ ዝብኢ ስጋ ክትረክብ ምጽባይ እዩ። ግዜ ንዅሉ ከግህዶ ስለ ዝኾነ ድማ ነቲ ምዕባለታት ብዓቕሊ ክንከታትሎ እንተ ኽኢልና፡ እቲ ናይ ሽምግልና ተበግሶ ናይ ፖለቲካ ጸወታ ምዃኑን ኢሳያስ ምስቲ ገጢሙዎ ዘሎ ተነጽሎን ቍጠባዊ ጸገማትን ንተበግሶ ቀጠር ሸለል ክብሎ ስለ ዘይከኣለን ምዃኑ ክገሃደልና እዩ። ግዜ ዓቢ መምህር ስለ ዝኾነ ብዓቕሊ ምጽባይ ይሓይሽ።  ሰላም ቅነ!

ዓወት ንህዝቢ!

እስጢፋኖስ ተሞልሶ

ኖርወይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • stefanos Menghesteabe June 15, 2013

    እቲ ግዜ መምህር’ዩ ንዝብል ልክዕ ኣብ ቦትኡ እዩ፡ እዚ መራሒ ህ.ግ.ደ.ፍ ግን ወላ እኳ ክመዉት እሳሓግ ኣሎ እንተበልና፡ ሕሳብና ክንገብር ኣለና፡
    ክም ኣብ ኣፍ ሞት ከሎ ዉጉእ ወተሃደር ጸላኢ ጅግና ዝልክም፡ ገለ ከይለከመን ከየባላሸወን ክኸይድ ግዜ ዘይምሃቡ ደቒ ኤረይ።
    እቲ ሓሳባትካን ጽቡቅ ናይ ትግሪኛ ኣዋዳድቓ ቓላትካን ግን ኣዚዩ ዝስሕብ ኢዩ ኢስቲፍ ።

  • sam June 15, 2013

    Thank you, very good information

  • samuel June 15, 2013

    ሰላም እስጢፋኖስ!
    ንዶር. ዶር ሃስቲንግስ ካሙዙ ባንዳ ትዝክሮ’ዶ? ወዲ 94 ዓመት ሽማግለ ምስ ኣኸለ እዩ፡ ኣባ-ጅጎ፡ በል ሕጅሽ ይኣኽለካ ኢሉ ዝወሰዶ። ነታ ዘዋዛውዛ ዝነበረት ጭራኡ ሃመማ ስስ ከብለላ ኣብ ዘይኽእለሉ ግዜ እዩ በጺሑ ነይሩ። ዳርጋ ትልኽ ዝብል ሬሳ እዩ ነይሩ። ግዜ ፈዳይ ሕነ ውጹዓት እያ። ዋላ ንሳቶም ብህይወቶም እንተ ዘይረኤዩዎ፡ ታሪኾም ኣብ ጋህዲ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ዳዕሮ፡ ከም’ቲ ቀዳሞት ዝገብሩዎ ዝነበሩ፡ ዝጽወየሉን ዝዝንተወሉን መዓልቲ ክመጽእ እዩ። ግዜ ነመሲስ (ንፍትሒ እትቋራቖስ ጥንታዊት ግሪኻዊት ጣኦት-ፍትሒ) እያ። ንሳ ኣብ እትመጸሉ ግዜ፡ እንተ ወሓደ፡ ኣብ ቁሸት ዓደ-‘ቦይ፡ ኣብ ቁሸት ዓዲ-‘ኖይ ክህሉን፡ ኣብ ካልእ እንተ ዘይተኻእለ፡ ኣብ’ዘን ቁሸታት ከይደ፡ ኣብ “መዓልቲ-ናጻነት” ብዛዕባ ዝዓነዋ ስድራ-ቤታት፡ ቁሸታት፡ ብዛዕባ ብጾት ውጉእት-ሓርነት ፡ ብዝዕባ’ቶም ሓመድ-ኣዳም ከይረኸቡ፡ ኣብ ዝንጭሮታት ዝወደቑ ኣሕዋት፡ ብዛዕባ ቃንዛና፡ ውሽጣዊ ስምዒትና ክዛረብ ትምኒት ኣሎኒ። መዓልቲ-ናጻነት፡ ንዓይ፡ መዓልቲ ውጉኣት-ሓርነትን መዓልቲ-ስዉኣትን እያ። እዛ መዓልቲ’ዚኣ፡ ንዝወደቑን ንዝሰንከሉ ብጾተይ ዝዝከረላ መዓልቲ እያ። ግዜ፡ ምስ’ቶም ንዓዶም ካብ መዓሙቕ ልቦም ዝናፍቓ/ቑ ኣሓትን እሕዋትን ክትሻረ ትምኒት ኣሎኒ። ምእንታን ኣብ ምድሪ ዓደ-‘ቦይን ዓዲ-‘ኖይን፡ ናጻነት፡ ሓርነትን ማዕርነትን ከሰተማቕር ምእንቲ። ካብ ኢድ ወዲ-ኣፎም ዘምለጠ ኩሎም ግን፡ ብሓቂ ናጻነት ኣለዎ ማለት ኣይኮነን። ሓዳር መስሪትካ፡ ስራሕ ሒዝካ፡ ሰሲንካ ተፋሪኻ፡ ከከም ዝዓጀበካ፡ ዓው ኢልካ ስለ ዝሓሰብካ፡ ብፍላይ ኣብ ስደት፡ ብናተይ ርእይቶ ምስ’ቲ ዝትምነዮ ዝነበርኩ ዓይነት ናጻነት ብግንባር ዝጋጮ እዩ። ነዚ ዝጠቐስኩዎ፡ ኣብ’ቲ ድኻ መደኽደኽ ምድሪ ዓደ-‘ቦይ፡ ቁሸት ዓዲ-‘ኖይ ከስተማቕሮ ትምኒት ኣሎኒ። ኣብ ዓደይ፡ ክቕመጥ ዘይምኽኣለይ ብነብሱ፡ እዚ ሓሳብ ባዕሉ፡ ተጨቍነ ኣሎኹ ኣብ ዝብል ስምዒት ዘእቱ እዩ። ዋላ’ቲ ኣነ ደጋፊ “ሻዕቢያ”፡ ወይ ከኣ፡ ደጋፊ-ኢሳያስ እየ ዝብል ባዕሉ ናጻነት የብሉን። ነዚ ኣዳዕዲዖም ይፈልጡዎ እዮም። ሓንቲ መዓልቲ፡ ዋላ ብጌጋ እውን እንተኾነት፡ ገለ ነገር ብሒም እንተደ ኢሎም፡ እንተወሓደ፡ ኣብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጭንቀት ይኣትዉ እዮም። ኤርትራውያን፡ ሕጂ ይኹን ድሕሪ ኢሳያስ፡ ብዙሓት ማሕለኻታት ይጽበያኦም አለዋ። ኢሳያስ፡ ዝጸምለወት ዓዲ ሓዲጉ ክሓልፍ ዝወሰነ’ዩ ዝመስል። ብጾቱን ደገፍቱን፡ ዝጸመዋ ቁሸታት እዮም ከውርሱ። ዝተደርበሸ ሕብረተ-ሰብ እዮም ብድሕሪኦም ክሓድጉ። እዚ ንሰማይ ኣንቃዕሪሩ ዝጭድር ሓስም እውን፡ ግዜ፡ ኣብ ግዜኣ ክትጸውዮ እያ። ባዕላ ክትጸውዮ፡ ከተዘንትዎ እያ። ዕድመን ጥዕናን ጥራሕ!
    ሰላም

  • belay nega June 15, 2013

    Stefanos

    Every time I read your article you sound like a self appointed doctor, with a wrong prescription.What does it cost you to tell our people that the main problem we suffering from is Ethiopian conspiracy?
    If you are doing it on purpose may God bless your heart,but if doing it from a genuine mistake here is what Ethiopians say in private:

    As the saying goes “IF BOTH OF YOU ARE IDENTICAL, ONE OF YOU IS UNNECESSARY” we have the might to survive.
    So the right prescription should be either to accept and live with the virus,or to prove them wrong.

    • MightyEmbasoyra June 16, 2013

      Ato Belay,
      First, I would like to start with saying that your are very respectful commentator.
      As you already have noticed, our ideology doesn’t have the same slope but still we stick to the subject.
      As you can see, I am on the side of Stefanos’s side, when it comes to the ground.
      I suspect Ethiopia wants weaker Eritrea, even though they claim that they are on the Eritrean people’s side. Nevertheless, that is irrelevant – relatively speaking.
      Our issue is with our “supposedly” government. What is it doing to the country? As you fully understand (I believe you do on this), we are falling behind in :
      1) Economically – I am sure you on this – a person with the highest profession can’t even support his family. Sad but true.
      2) Technology – the slowest internet in the globe, merly with any new tech development – in the whole country.
      3) Human rights – I don’t wish you to go to Eritrea and somehow get arrested, for nonsense reason – could be that you were drinking in the same bar with one of those ignorant colonels. Really.
      4) Education – closed the one and only one one “recognised: university. Please don’t be fooled by the so called XIT (X = variable). I am so sad when some people compare our XIT compare to a fine university MIT. Are you freaking kidding me. MIT?
      5) Agriculture – can’t feed its people
      6) Medicine – I don’t wish you to go to Eritrea and get sick (since you live abroad)
      7) Trade – no rich person is left alone
      Let’s not excuse with the no peace no war excuse. Let me hear your reasonable reason.
      Always with respect.

      • belay nega June 17, 2013

        Dear Mighty

        Thanks for being wise and tolerant as ever.No matter which way you approaching the issue, I can sense you are a genuine Eritrean,and whatever you saying is out of concern.
        As an Eritrean I feel the allergy going on in my country, and I scratch myself like any citizen.But what I differ with you is in the cause of the allergy, and unless we[Eritreans]find out it, we will keep on moving from bad to worst.
        In your comment you said that you are aware Ethiopians want to see weak Eritrea,you are right, and we are already there.But Ethiopians’ objective is to reverse what we think is irreversible by keeping the “NO WAR NO PEACE” principle.
        For your information Ethiopians do not consider any Eritrean as friend as far as he/she believes in [ERITRAWINET], they are totally against the issue.
        Are they right? No. Is it fair? No.But do not forget the world spoiled them too much,whatever they say is considered to be true,whatever they do is considered to be legitimate too.
        Therefore is high time to stop pointing fingers and tell the truth to our people.

        With respect as ever.

    • Stefanos Temolso June 16, 2013

      I thank you for Your comment. But I would like you to understand that what PFDJ is telling us about Ethiopian conspiracy would be enough. I think People should also know the other side of the story which PFDJ and its cohorts consider a taboo to talk about. As to being a self appointed doctor, I tell you that I am not; I am only expressing what I feel and this is no crime. I hope I have made myself Clear.

    • Stefanos Temolso June 16, 2013

      Belay, I thank you for Your comment. But I would like you to understand that what PFDJ is telling us about Ethiopian conspiracy would be enough. I think People should also know the other side of the story which PFDJ and its cohorts consider a taboo to talk about. As to being a self appointed doctor, I tell you that I am not; I am only expressing what I feel and this is no crime. I hope I have made myself Clear.

  • Eritrea super power June 16, 2013

    ኣይርስዖምንየ ነቶም ዝወደቑ
    ኣነ ንኽርህወኒ ካላሽን ዝዓጠቑ
    ሂወቶም ኣሕሊፎም ነጻነት ዘብረቑ
    ኤርትራና ሳልኦም ሽግራ ሃሊቑ
    ሓይሊ ኣምሓራ ብቦምቸ ተለቕሊቑ
    ሓይሊ ወያነ ድማ ብምስሪ ግብጺ ተደሺቑ
    ንኤርትራውያን መሬትና እንተ ዘይለቒቑ
    ናደው ንኽንደግሞ ቀሊል እዩ ጣጥኡ።

  • Eritrea super power June 16, 2013

    ኣይርስዖምንየ ነቶም ዝወደቑ
    ኣነ ንኽርህወኒ ካላሽን ዝዓጠቑ
    ሂወቶም ኣሕሊፎም ነጻነት ዘብረቑ
    ኤርትራና ሳልኦም ሽግራ ሃሊቑ
    ሓይሊ ኣምሓራ ብቦምቸ ተለቕሊቑ
    ሓይሊ ወያነ ድማ ብምስሪ ግብጺ ተደሺቑ
    ንኤርትራውያን መሬትና እንተ ዘይለቒቑ
    ናደው ንኽንደግሞ ቀሊል እዩ ጣጥኡ።

    thank you

  • Yemane Johar June 16, 2013

    @Stefanios, Your political analisis (though brief )is full of substance issues and thank you for helping me dwel into critical thinking on the current Ethio/Eritrea afffair!

  • adey June 17, 2013

    all your intentions are to get some reputation by condeming pfdj, but as i assume you are one of the expreinced father, I would like to remind you look things in 360 degrees if you are honest otherwise Ethiopia is our main main problem brother. Iseyas was living bcs of them , keeping the nation as state of emergency.