Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ላምፔዱሳ፡ ጸገምና ዝምድናና እምበር ዕላማና ኣይኮነን

ላምፔዱሳ፡ ጸገምና ዝምድናና እምበር ዕላማና ኣይኮነን ቀዳማይ ክፋል መራሕቲ ኣፍሪቃ ነቶም ብዕለት 3 ኣብ ላምፔዱሳ ዝሃለቑ ዜጋታትና ናይ ሓዘን መዓልቲ ኣዊጆም ኣለዉ። እቲ ህልቂት ክሳብ ክንደይ ዓቢ ምንባሩ ከኣ ሓደ መርኣያ ኢዩ። ከም ኤርትራውያን ነብስና ንክንፍትሽ ዝድርኽ

ላምፔዱሳ፡ ጸገምና ዝምድናና እምበር ዕላማና ኣይኮነን

ቀዳማይ ክፋል

መራሕቲ ኣፍሪቃ ነቶም ብዕለት 3 ኣብ ላምፔዱሳ ዝሃለቑ ዜጋታትና ናይ ሓዘን መዓልቲ ኣዊጆም ኣለዉ። እቲ ህልቂት ክሳብ ክንደይ ዓቢ ምንባሩ ከኣ ሓደ መርኣያ ኢዩ። ከም ኤርትራውያን ነብስና ንክንፍትሽ ዝድርኽ ዓቢ፡ ግን ከኣ መሪር፡ ምልክት ረኺብና ኣለና። ሬሳታት ናይዞም ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ላምፓዱሳ ዝሃለቑ አሕዋትና ናብ ልብናን ቀልብናን እንተዘይመሊሱና፡ ካልእ ደጊምና ነብስና ኪንምርምር ዝቕስበና ፍጻሜ ኪርከብ ዝከኣል ኣይኮነን። ኪህሉ እውን ኣይንምነን። ሎሚ ብሰንኪ’ዚ ንሃገርና ሓሊኹዋ ዘሎ ጋኔን ዝዘርኦ ክፋእ፡ ሓድነትና ኣብ ምልክት ሕቶ ስለዝወደቐ ሓቢርና ህጻናታ ካብ ጥፋኣት ባሕሪ  ከተድሕን እትኽእል ሃገር  ክንሃንጽ ኣይከኣልናን። እስከ ነቶም ባዕሎም ወይ ድማ ተደፊኦም ዝነቐሉ ዓበይቲ ገዲፍና፡  ነቶም ፍጹም ኣበሳ ዘይብሎም ኣብ ባሕሪ ዝሃለቑ 16 ህጻናት ንዘክር። እዞም ህጻናት እንታይ ዝኣበሱ፡ ኣብ ምንታይ ዝወዓሉ ኢዮም። ንሳቶም ድዮም’ከ  ሰባት ወይስ ንሕና – እስከ ሕልና ንመርምር!! ፍጻሜ ላምፔዱሳ  እምበኣር መንፍዓት ናይቲ ስርዓት ወይ ድማ ሕመቕ ናይቶም ግዳያት ዘይኮነ፡ ድኻምና ኢያ ዝያዳ ተጉልሕ። ናይዚ ቅዝፈት’ዚ ቀንድን ቀዳማይን ተሓታቲ፡ እቲ ብኢሳያስ ዝምራሕ ናይ ውሑዳት ጉጅለ እኳ እንተኾነ፡ ብቕጥታ ወይ ብተዛዋዋሪ ተሓባበርቲ ከይንኸውን ነነብስና ምፍታሽ ከድልየና ኢዩ።

ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ምኽንያት ዘይብሉ ቅዝፈት ካብ ዘጋጥም፡ ሓያሎ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። እቶም ኩሎም ቅድሚ ላምፔዱሳ ኣብ ኣጻምእ ሲናይ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ኣብ ምድረ-በዳ ሊብያ፡ ኣብ መዓስከራት ሱዳን፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን ብዘይ ዋና ዝጠፍኡ ዘለዉ መንእሰያትን ህጻናትን፡ ኣብ ሳንዱቕ ናይ ሬሳ ኣትዮም እንተንሪኦም እንታይ ኮን ምበልና፧ እንታይ ምስተሰማዓና! ላምፔዱሳ፡ ንስቕታናን ሓሶት ናይዚ ስርዓትን ብሓንሳብ ኢያ ሰይራቶ። እዞም ግዳያት እዚኣቶም እምበኣር ኣብ መንጎ መሓውሩ ዝተረኹመሸ ስርዓትን ሓድነቱ ዝነቐዐ ሕብረተሰብን ተቐርቂሮም ኢዮም ጠፊኦም።

ኣብ ዝሓለፈ 22 ዓመታት፡ ብፍላይ ድማ ኣብተን ናይ መወዳእታ 12 ዓመታት፡ ሃገር ብዕሊ ውልቀ-ምልካዊ ምሕደራ ምስ ኣወጀት፡ ሓድነትና ብርኡይ ተሃስዩ ጥራይ ዘይኮነ ማህሚኑ ኢዩ። ኣብ ኩሉ ክፋላት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ብተዛማዲ ተፈጢሩ ዝነበረ ሓድነትን ሃገር ናይ ምህናጽ ረስንን፡ ናይ ርሑቕ ትዝታ ኮይኑ ተሪፉ። ገለ ብጌጋ ገለ ድማ ካብ ገደብ-ኣልቦ ውልቃዊ ወይ ውድባዊ ስምዒት ዝተበገሱ፡ ንኽትሰምዖም ዝቐፉኻ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ‘ውን ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝፈታትኑ ወይ ተስፋ ዘቑርጹ ጽሑፋትን ናይ ፓልቶክ ቆይቅን ጸኒሖም ኢዮም። መብዛሕትኦም እዞም ከምዚ ዝኣመሰሉ ጽሑፋትን ናይ ፓል-ቶክ ቆይቅን ድማ ኣብ ክንዲ ነቲ ክፉእ ዝገብር፡ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት ኣተኩሮም ዝሃርሙ፡ ነቲ ዝቃወም ዘሎ ካብቲ ነቲ ስርዓት ብዝሕይል መንገዲ ዘጥቅዑ፡ ሓደ ሓደ ግዜ እውን ጸርፊ ዝሕውሱ ኢዮም ኔሮም። እዚ ከኣ ኣብ ብዙሓት ደለይቲ ሰናይ ስክፍታታት ስለዝፈጠረ፡  እቶም ክምዕዱን ክምህሩን ዝኽእሉ ሰባት፡ ካብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጽሑፋትን ቆይቅን ንምህዳም ተዓዘብቲ ከም ዝኾኑ ጌሩ ኢዩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ እቶም ደለይቲ ክፉእ ርሒብ ባይታ ስለዝረኸቡ ናብ ድላዮም ክገማጥሉና ኣይጸገሞምን። እንሆ ድማ ሕጂ እቲ “ናብ ሓድሽ ወለዶ ክሓልፍ ኣይክእልን ኢዩ” ንብሎ ዝነበርና ብትሕቲ ሃገራውነት ዝፍለጥ ሰንካም ሕማም፡ ዶብ ተሳኢንዎ፡ ሎሚ ኤርትራ ብከምዚ ዝኣመሰለ ሕማማት ዝተለበዐት ሃገር ከም ከምዝኾነት ትግለጽ ኣላ። ንባህሪ ናይቲ ስርዓት ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ እዞም ከምዚ ዝኣመሰለ ዘመተ ዘካይዱ ሰባት መብዛሕትኦም ምስቲ ስርዓት ዝደናገጹ፡ ወይ ድማ ገርሀኛታት ተቓወምቲ ኢዮም ኔሮም።

እቶም ብፍቕሪ ሃገር ነዲዶም፡ ኩሉ ዝውንንዎ ዘበለ፡ ትምህርቶምን ደቆምን ራሕሪሖም ንበረኻ ዝወጽኡ’ሞ፡ ነታ ንነዊሕ እዋን ሃንቀው ኢልና ዝተጸበናያ ናጽነት ክውንቲ ዝገበሩ ኣቦታትናን ኣዴታትናን፡ ኣያታትናን ኣሓትናን፡ እሕሕሕ ምባል ከሊእናዮም ክይንህሉ ዳግም ምፍታሽ ከድልየና ኢዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብቲ ክምዕድሉ ዝግበኦም ዕድመ ምስ በጽሑ፡ ኣብ ክንዲ መዓድቲ ተሰከምቲ ወሪዱና ዘሎ ኣደራዕ ክንገብሮም ከኣ ኣይግድን። ብርግጽ ወሪዱና ዘሎ ጸገም ብቐሊሉ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ንጸገም ጸገም እንተደረብካሉ ግን ፍጹም መፍትሒ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ጸገምና ዓቕልና ስለ ዘጽበበልና፡ ንኹሉ ክመርሕን መንገዲ ከርኢ ዝኽእልን ሰብ ኣብ ሓደ ቁራዕ ኣእቲኻ ምምካኑ፡  ነቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ጉዕዙይ ስርዓት ሓገዝ እምበር፡ ንህዝቢ ኤርትራ ቅንጣብ ጥቕሚ የብሉን።

ኣብዚ እዋን እዚ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ተረኽሙሹ ኢዩ፡ ግን እቲ ዝበዝሕ ባዕሉ ኢሳይያስ ብዝፈጠሮ እምበር ብናትና ድፍኢት ኣይኮነን። ኣብዚ እዋን እዚ ክፋእ ናይዚ ስርዓት እዚ ዘይፈልጥ ሰብ ኣሎ ኢልካ ምሕሳብ ወይ ምጭናቕ ግዜኡ ዝሓለፎ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ዘይፈልጥ ሰብ የለን። እንተሎ ‘ውን ደጋጊሙ፡ ስእሊ እቶም ኣብ ላምፔዱሳ ዝተዘርገሑ ሬሳታት ኤርትራውያን ኣሕዋቱ ክርኢ ጥራይ ምምሕጻን እምበር፡ ካልእ ካብኡ ዝዓቢ ክወሃብ ዝኽእል ምኽሪ የልቦን። ድሕሪ’ዚ ኣማኢት ሬሳታት ባሕርን፡ ካልኦት ኣሻሓት ቀባሪ ዘይረኸቡ ግዳያት ሲናይን፡ እዚ ስርዓት’ዚ ሕጂ፡ ካልእ ልቢ ሰዂዑ ንህዝቢ ኤርትራ ገነት ክፈጥረሉ ዝሓስብ ሰብ እንተልዩ የዋህ ጥራይ እዩ።

ሎሚ ብዛዕባና ንዛረብ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ለውጢ ክርኢ ሃረር ኢሉ ዝጽበ ዘሎ ህዝቢ ንሕሰብ። ሕጂ ድሕሪ እዚ ስርዓት’ዚ ኪንጥምት ኣሎና።  ሓደ ዝተረኽሞሸ ስርዓት መተካእታ ስለ ዘድልዮ ኣብ ጽባሕ ዕርበቱ እንታይ ኢና ኪንገብር ኢልና ንሕሰብ። ኣብ ክንዲ ኣብዚ ድሮ ዝተሮኹሞሸ ስርዓት ንዛረብ፡  ብዛዕባ እቲ ክንፈጥሮ እንደሊ ዘለና ድልዱል ስርዓት ምዝራብን ምምርማርን ከድልየና ኢዩ። ዝተሮኽሞሸ ስርዓት ማእለያ ዘይብሉ ጸገማት ገዲፉልካ ኢዩ ዝኸይድ። እዘን ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ካብ ውልቀ-መላኽቲ ዝተገላገላ ሃገራት ኣዕራብ ኣጋጢሙወን ዘሎ ጸገማት፡ እቶም ዝገዝእወን ዝነበሩ ውልቀ-መለኽቲ፡ ኣብቲ ነዊሕ ዘበነ ምልካዊ ግዝኣቶም ጠጂኦምዎ ዝጸንሑ ዝተተኮሰ እዩ። ሓደ ካብቲ ቀንዲ ፍልልያት ናይ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓትን ናይ ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ድማ እዚ ኢዩ። ዲሞክራስያዊ ስርዓት ነቲ “ጸገም” ናብ ደገ ኣውጺኡ ይፈትሕ። ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ግን ነቲ “ጸገም” ናብ ደምካ ኣእትዩ የመሽምሽ። ስለዚ ነዚ ኣብ ደምና ኣትዩ ዘሎ “ጸገማት”፡ ምስ ነነብስና ተማኺርና ክንፈትሖን ሃገር ካብ ጥፍኣት ከነድሕንን ላምፔዱሳ ህጹጽ ጻውዒት ተቕርበልና ኣላ።

ወገናውነት (ሕብሪ ቆርበት፡ ሃይማኖት፣ ኣውራጃ፣ ብሄር፣ ቀቢላ ወ.ዘ.ተ) ቀቢርካዮም ዝፍትሑ ኣይኮኑን። እዞም ፍልልያት እዚኣቶም ገሊኦም ባህርያውያን፡ ገሊኦም ድማ ከም ሰባት ብሓንሳብ ከንብሩና ይኽእሉ ኢዮም ኢልና ባዕልና ዝፈጠርናዮም ኢዮም። ከም ሰባት በዞም ጠባያት እዚኣቶም ክንልለ ከኣ ክፈጥረልና ዝኽእል ጸገም የለን። ብሰንኪ ብፍልልያትና ዝረብሑ ሰባት ምህላዎም ግን፡ እዞም ማሕበራዊ ፍልልያት እዚኣቶም ኣብ ክንዲ ጸጋ ስሚ ተቐይሮም ንሃገርና ከይሕምሱ ምስትብሃል የድልየና ኣሎ። እቲ ጸገም እቲ ነቲ ፍልልይ ኣብ ረብሕኡ ጥራይ ከውዕሎ ዝደሊ ሰብ እምበር እቲ ፍልልያትና ኣይኮነን።

ምስ ግለ-ሰባት ዘለና ውልቃዊ ዝምድናታት ክሳብ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ዘለዉ ዝምድናታት ምትዕርራይ  ኪግብረሉ የድሊ ኣሎ።  መብዛሕትኦም እቶም ንዝምድናና ይጎድኡ ኢዮም እንብሎም ዘለና ዘይጭበጡ “ጸገማት”፡ ኣብ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ዘለዎ ስርዓት ዝፍትሑ እምበር ሕጂ  ብቖይቁን ህልኽን ዝውገዱ ኣይኮኑን። ሽዑ ኢና ከኣ፡ “ምዕሩይ ውክልና የለን”፡ ኢልና ጸገምና ኣብ ደገ ኣውጺእና እንፈትሕ። ስለዚ ዝምድናታትና ኣበዩ ተጎዲኡ፧ ኣበይ’ከ መድሃኒት የድልዮ፧ ብኸመይን መዓስን ይፍትሑ፧ ዝብሉ ቀዳምነታት ካብ ሎሚ እንተዘይሰሪዕና ጽባሕ ናብ ዕርብርብ ዝመርሕ ሓደጋ ከይከውን ሎሚ ምሕሳብ የድልየና ኣሎ።

ይቕጽል…
ጸጋይ ገብረሂወት
tgbokru@yahoo.co.uk

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Selamawit October 30, 2013

    Btaemi xbuk zereba. kemzoaom zmeslu lebamat entezrkebus abey kon mbexahna. Entay emo kngebr kabtom xbuk txhfu endo etom hmak zxhfu bezihom. brawo tsegai!

  • luna October 30, 2013

    Thanks for the article which is timely and help us see beyond day-to-day happenings.

  • kilite mot October 30, 2013

    Tsegiley,nice article bro.

  • marsa October 30, 2013

    Tsegay
    Thankyou very much no body can say it better than this

  • mahmud saleh October 31, 2013

    “እቶም ክምዕዱን ክምህሩን ዝኽእሉ ሰባት፡ ካብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጽሑፋትን ቆይቅን ንምህዳም ተዓዘብቲ ከም ዝኾኑ ጌሩ ኢዩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ እቶም ደለይቲ ክፉእ ርሒብ ባይታ ስለዝረኸቡ ናብ ድላዮም ክገማጥሉና ኣይጸገሞምን።” Tsegay.
    Beautiful piece, I like your somber reflection. Tsegay, keep it on.There are many who have never felt comfortable with the way our country has been run, I’m one of them.But there is time when a person or people reaches a breaking point.Enough is enough. PFDJ’s been given ample time to change course, but it appears, it’s heading towards the cliff.The diaspora opposition could have done better, but you know,at least they are doing something. We better not refrain from voicing our concerns, but frame them in a way that could have additive role to the overall efforts. Youth,this is your time, mission and your future.You should chart your own course, if there are folks of we-know-it-all just bypass them.

  • Sam BB November 1, 2013

    Tsegay once again you wrote a very interesting article. Wise ideas and brilliant structure. Well done.

POST A COMMENT