Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ላምፐዱዛ ደስየት ቃንዛ

ላምፐዱዛ ደስየት ቃንዛ ላመፐዱዛ… ቃንዛ ኣደታትን ኣቦታትን ኤርትራ፡፡ ላመፐዱዛ ክብል ከሎኹ ክልተ ነገራት ይርኣያኒ 1- ካብ 300 ሚእቲ ንላዕሊ አርትራውያን ዝሃለቑላ ቦታ፡ 2- ነቲ ኢ ሰብኣዊ ባህርያት ናይቶም ንሕናን መንግስትናን ዝብሉ (ኤርትራውያን ድዮም ወይስ ኢሳያሳውያን) ኣብ

ላምፐዱዛ ደስየት ቃንዛ

ላመፐዱዛ… ቃንዛ ኣደታትን ኣቦታትን ኤርትራ፡፡ ላመፐዱዛ ክብል ከሎኹ ክልተ ነገራት ይርኣያኒ 1- ካብ 300 ሚእቲ ንላዕሊ አርትራውያን ዝሃለቑላ ቦታ፡ 2- ነቲ ኢ ሰብኣዊ ባህርያት ናይቶም ንሕናን መንግስትናን ዝብሉ (ኤርትራውያን ድዮም ወይስ ኢሳያሳውያን) ኣብ ከተማታት ኣውሮጳ ብፍላይ ክኣ ኣብ ጀርመን ዝነብሩ ሰባት ፡ ብጽሑፍ ንኽዛረበሉ ዝደፋፋኣትኒ ቦታ እያ፡፡

ቀዳም ስዓት 11 ናይ ንጉሆ ኣቢሉ ይኸውን ኣብ ገዛይ፡ ተለቪዥን ወሊዐ ብዛዕባ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ኣብ ኣፍደገ ላመፐዱዛ ዝተባህለት ደስየት ጥልያን፡ ንዘጋጠመ ህልቀት ኤርተራውያን እንዳርኣኹ ከለኹ፡ ተለፎን ጭር ትብል፡፡ ስም ዝደወለ ኣብቲ ተለፎን ስለ ዝተራእየ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ከተማታት ጀርመን ዝቕመጡ የሕዋተይ ስለ ዝነበረ፡ ሃየ ከመይ ቀኒኻ እብሎ፡፡ ጽቡቕ በለኒ፡፡ እንታይ ድኣ ድሃይካስ ደስ ኣይበለንን ይብለኒ ኣስዒቡ፡፡ ብወገነይ ክኣ፡ ኢሳያስን ንዕኡ ዝመስሉ ኢ ሰብኣውያን ሰባት ኣብ ኤርተራ ክሳብ ዘለዉ ከመይ ገይሩ ደስ ክብለኒ እብሎ፡፡ እሞ በል ንብዓል ነጎዳ ሓዊ ተኩሶ ድኣ ከይኮነና እምበር ኣብዚ ዘለዉ ንሕናን መንግስትናን ዝብሉስ ንጊሰን እትብሃል ከተማ ጀርመን ከይዶም ክስዕስዑ ይሸባሸቡ ኣለዉ ይብለኒ፡፡

እዋእ እንታይ ትብል ኣንታ !! እብሎ፡፡ ነቲ ሰርዓት ኢሳያስ ንድግፎ ኢና እንተበሉስ ናቶም ምርጫ እዩ፡፡ ግን ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ህልቀት ብሳዕሲዒት ክጻወትሉ ኣብ ምንታይ ዲና በጺሕና እብል፡፡ ምሕልፎ መንግስቲ ጥልያንን ህዝቡን፡ ናይ ሓደ ምዓልቲ ሓዘን ወሲኖም፡ ባንደራኦም ኣብ ፍርቂ ኣውሪዶም እንዳኣኽበርዎ፡ ከምኡውን ጳጳስ ካቶሊክ ዓለም ዘጸይፍ፡ ዘሕንኽ ወይ ክኣ ዘሕፍርዩ ብዝብል ቃላት ዝገለጾ፡ ዓለም ብምልኡ (ብዘይካ ስርዓት ኢሳያስ) ዝደንገጸሉ ዘስካሕክሕ ኩነታት እንዳሃለወስ፡ እዞም ሰባት (ሰባት ክብሎም የሸግረኒ) ዝበልካዮም ገና ረሳታት የሕዋቶም ወይ ደቆም ተኣርዩ ዘይተወድኤስ ጓይላን ሳዕሲዒትን ተራእይሦም ኢለ ተኸኽ በልኩ፡፡

ሓቅነቱ ኣሸጊሩኒ ደጋጊመ ክሓስብ ጀመርኩ፡ እቶም ብኣጸብዕ ዝቑጸሩ ኣብ ፈረንሳ ዘለዉ ንዕኦም ዝመስሉ እውን ይርኣዩኒ፡፡ ክሳብ ሕጂ ንስርዓት ኢሳያስ ናይ ምእማን መሰሎም ሕሉው እዩ ብዝብል እምነት ብዛዕብኦም ብጹሑፍ መልክዕ ክዛረብ ምርጫይ ኣይጸንሔን፡፡ ሕጂ ግን እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ተበለጽቲ፡ ጽባሕ ንጉሆ ሕግን መሰል ደቂ ሰብን ዘኽብር ስርዓት ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝመጸሉ ስዓት ብሕጊ ተሓተትቲ መታን ክኾኑ ብጽሑፍ ይቃልዑ ኣብ ምባል በጺሐ፡፡

ኣብ ፈረንሳ፡ ኣብ ፓሪስን ከባቢኣን ንዝቕመጡ ኤርተራውያን ተባሂሉ (ብስርዓት ኢሳያስ) ዝቖመ ማሕበረ ኮም ዝብሃል ምትእኽኻብ ኣሎ፡፡ እዚ ምትእኽኻብ እዚ ካብ 20 ክሳብ 30 ዝኮኑ ሰባት ይእከቡዎ፡፡ እዚ ቁጽሪ እዚ ኽኣ ንዓይን ንዓይ ዝመስሉ ሰባትን ቆጻጺርካ እዩ፡፡ እምበር እቶም ንስርዓት ኢሰያስ ምሳኻ ለማዕና ምሳኻ ጠፋእና ዝብሉስ ካብ ኣጻብዕ ኢድ ዘይሓልፍ ቁጽሪ እዩ ዘለዎም፡፡ ናይዚ ምስክርነት ክኣ፡ ነቲ ኣነ ኣብ ኣኸባኦም ተቓዉሞይ ዘቕርበሉ ሓደገኛ ዝኾነ ተግባራት ሰርዓት ኢሳያስ፡ ካብ ኣኼባ ምስ ወጻእና፡ የቐንየልና ሰመረ፡ እዚ ኩሉ ዝበልካዮ ንሕና ውን ምሳኻ ኣሎና፡፡ ሓሳብካ ሓሳብና እዩ ዝብሉኒ ብዙሓት እዮም፡፡

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ምትእኽኻብ (ማሕበረ ኮም) ክሳብ መፋርቕ ናይ 2012 ዓ.ም.ፈ. ብድሓን ዝኾኑ ብዙሕ ምስቲ ስርዓት ኢሳያስ ሞት ወይ ህየት ዘይብሉ ሰባት እዮም ዝመርሕዎ ነይሮም፡፡ ካብ ካልኣይ መፋርቕ ናይ 2012 ዓ.ም.ፈ. ግን ኣዳኺምኩማዶ ኣይነፋዕኩምንዶ ብምባል፡ ሓንቲ ካብ ኢሳያስ ንላዕሊ ኢሳያስ ዝኾነት ሰብ ተቛጻጺራቶ ትርከብ፡፡

እዛ ሰብ እዚኣ ኣብ ፈረንሳ ምስ ስድራቤታ ካብ ኢትዮጵያ፡ ዘመን ብድሓኑ፡ ብግዜ ሃይለስላሴ፡  ዝኣተወት ኮይና፡ ሓደ ክፋል ናይ ትምህርቲ ዕድሚኣ ኣብ ፈረነሳ እያ የሕሊፋቶ፡፡ ብኻሊእ ኣዘራርባ ዝበዝሕ ግዚኣ ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ዲሞክራስያዊ ሃዋህውን ሃገረ ፈረንሳ እንዳተመገበት፡ ከምኡ ውን ምኽባር መሰል ደቂ ሰብ ጥራይ ዘይኮነስ ምኽባር መሰል እንስሳ ውን ኣብ ዝነገሰሉ ሕብረተሰብ እንዳ ኣስተማቐረት እያ ዓብያ፡፡

እዚ ካብ ኮነ ናይ ኣተዓባብያኣ መግለጺኻ እንታይ ክትረክብ ድኣ ነዚ ዝገለጽካዮ ጨሪሱ ዝጋጨዎ ስርዓት ኢሳያስ መሪጻ ጥራይ ዘይኮነስ ልዕሊኡ ኮይና ከተገልግሎ ትፍትን ትብሉ ትኾኑ፡፡

እዛ ሕቶ እዚኣ ንዓይ እውን ንኽምልሳ ጸጊማትኒ ኣላ፡፡ ከመይ እዩ እዚ ነገር፡ መኽሰብ ደሞክራሲ ኣይትኣምነሉን እያ ከይብሃል፡ ኣብዚ እትነብረሉ ሃገር፡ ንመንግስቲ ፈረንሳ፡ ብመሰል ወዲ ሰብ ይኹን ብንዲሞክራሲ ዝምልከት ትካላቱ ነቐፈታ ከተቕርብ ክትሰምዓ ከሎኻ ትደናገር ኢኻ፡፡ እሞ ህዝቢ ኤርትራ ድኣ እንታይ በዲሉ ከምኡ ዕድል ንኽረክብ ዘይትማጎትሉ እንተበልካያ፡ ኣይፋልን ህዝቢ ኤርትራ ዲሞክራሲ ንኽኽእሎ ዘለዎ ዓቕሚ ቡቑዕ ኣይኮነን ትብል፡፡ ቁልቁል ዝኣፋ መልሲ እያ ትህብ፡፡

ገለ ካብቲ ክትጾሮ ዘሸግረካ ትሟጎተሉ ጉዳያት፡

  1. ኣብ ሲናይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን፡ ንዘጋጥም ኢ ሰብኣዊ ዝኾነ ተግባራት ናይ ፕሮፓጋነዳ መሳርሒ እዩ ብምባል ነቲ ተግባራት ትኽሕዶ፡፡ ክገርመኩም ኣደ ክንድዞም ኣብኡ ይኹን ኣብ ላመፐዱዛ ዝጠፍኡ መንእሰያት እያ፡፡ ከም ወላዲት መጠን እውን ድንጋጽ ከተሕድር ባህርያዊ እዩ ነይሩ፡፡
  2. ሌዮናረድ ቫንሰን (Leonard Vincent)* ዝተባህለ ፈረንሳዊ ጋዘጠኛ ነቶም ካብቲ ኢ ሰብኣዊ ስርዓት ኢሳያስ ክድሕኑ ክብሉ ዝወስድዎ ብሕልሚ ንኽትርእዮ ዘሸግረካ ናይ ሂወቶም ሓደጋታት ዝገልጽ መጽሓፍ (Les Erythréens ዘርእስታ) ምስ ጽሓፈ ግደፍ ኤርትራዊ ዜጋስ ፈረንሳውያን ዘንበቡዋ ከይተረፉ ንብዓት ሲዒሩና እዮም ዝበሉ፡፡ ነዛ መጽሓፍ ክጽሕፋ ከሎ፡ ኣብ ሱዳን፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዓዲ ጥልያን ኮታ ኣብ ኩሉ እቲ ድሓን ዝኾነ ሓበሬታ ክረኽበሉ እኽእልየ ዝበሎ ቦታ ብምኻድ ምስቶም እቲ ሽግራት ዘጋጠሞም ሰባት ብምርኻብ ዝጽሓፋ መጽሓፍ እያ፡፡ ብወገነይ ሰነድ ንመጻኢ ትውልዲ እያ ዝብል እምነት ኣሎኒ፡፡ ንኤርትራ ክኣቱ ንስርዓት ኢሳያስ ሓቲቱ፡ ተኸሊኡ እዩ፡፡ እዛ መጽሓፍ ተሓቲማ ምስተዘርግሐት እታ ዝበልኩኹም ሰብ ትሕዝቶ ናይዛ መጽሓፍ ሓሶትዩ ክትብል ተማጎተት፡፡ ንመማጎቲኣ ርትዒ እትብሎ ኽኣ፡ ኤርትራ ስለ ዘይፈልጣ ብዛዕባ ኤርትራ ክጽሕፍ ኣይክእልን እዩ ይብል፡፡ እዚ ዓይነት መጎተ እዚ ንወዲ ገርሂ ልባ ከደናግሮ ይኽእል እዩ፡፡ ምኽንያቱ ሓደ ጊዜ ጓለይ (ተመሀሃሪት ከላ ብ 2004) ንስርዓት ኢሳያስ ዝምልከት ኢ ሰብኣዊ ተግባራት ኣብ ሓደ ብቋንቋ ፈረንሳ ዝጽሓፎ ወብ ሳይት ምስ ጽሓፈት እዛ ዝብለኩም ሰብ ካብ ስድራኺ ሰሚዕኪ ኣብ ዘይትፈልጥዮ ጉዳይ ኣይትእተዊ ዝብል መልሲ ጺሒፋ ኣሰምቢዳታ፡፡
  3. ንኣባላት ማሕበረኮም ኣኪባ፡ ንልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ብጉዳይ መሰል ደቅሰብ ንኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ብሱዳንን ብኢትዮጵያን ኮይና ንኽትእክብ ዝተላእከት ዝቃወም ጽሑፍ ኣዳሊና ንኽንልእኽ ንዘራረብ በለቶም፡፡ ብኻልእ ኣበሃህላ ግፍዕታት ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ትኽሕዶ፡፡
  4. ሕጂውን ነዚ ኣብ ላምፐዱዛ ኣጋጢሙ ዘሎ ምዓት ካብቲ ናይ ሲናይ ኣረኣእያኣ ከም ዘይርሕቕ ግምት ኣሎኒ፡፡

ኣብዚሔልኩም ከይከውን ኣብዚ ደው ክብል፡፡ ብጣዕሚ ስለ ዝጉሃኹ እየምበር ተግባራት ናይዞም ካብ ንላዕሊ ኢሳያስ ዝኾኑ ሰባትስ ናይ ሎሚ መጀመርትኦም ኣይኮነን፡፡ ብወገነይ ንዝደለይዎ ስርዓት ክኣምኑ መሰሎም ሕሉው እዩ ካብ ዝብል እምነት ተበጊሰ ምስኦም ተራኺበ ንተግባራቶም ብወድዓዊ ጭብጥታት ንኽፍርስ ሽግር የብለይን፡፡ ኣብ ከምዚ ናይ ላምፐዱዛ ዝዓይነቱ ኩነታት ግን ምስ ሓደ ናይ ሓንጎል ጸገም ዘለዎ መራሒኦም ተጸጊዖም ኢ ሰብኣዊ ዝኾነ ተግባራት ምክያዶም ንኽርድኦ ሽግር ኮይኑኒ ኣሎ፡፡ ላምፐዱዛ ደስየት ቃንዛ፡፡

ወዳሓንኩም፡፡

*Leonard Vincent ሓላፊ ናይ ጋዘጠኛታት ብዘይ ዶብ (reporters without borders) ዝነበረ እዩ፡፡

 

ሰመረ ፍስሃየ ካብ ፈረነሳ፡፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT