Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ለውጢ ኣእምሮ

ምእንቲ ሰላምን፥ ዲሞክራስን፥  ማዕርነትን ህዝቢ ዝቃለስ ፥ ጉጅለ ይኹን ውልቀ ሰብ፡  ነዞም ኣምራት እዚኣቶም ናብ ካልኦት ንምምጻእ ቅድሚ ምብጋሱ ምስ ገዛእ ርእሱን ቀረብቱን ነቲ ናብራ ሰላምን ዲሞክራስን  ከምኡውን ማዕረነት ዝብላ ኣምራት ብሓሳብ /theory/  ጥራይ ዘይኮነስ

ምእንቲ ሰላምን፥ ዲሞክራስን፥  ማዕርነትን ህዝቢ ዝቃለስ ፥ ጉጅለ ይኹን ውልቀ ሰብ፡  ነዞም ኣምራት እዚኣቶም ናብ ካልኦት ንምምጻእ ቅድሚ ምብጋሱ ምስ ገዛእ ርእሱን ቀረብቱን ነቲ ናብራ ሰላምን ዲሞክራስን  ከምኡውን ማዕረነት ዝብላ ኣምራት ብሓሳብ /theory/  ጥራይ ዘይኮነስ ብተግባር ዝነብረሉ ምዃኑ ከረጋግጽ ይግበኦ። ምኽንያቱ  ኣብ ናብራ ካልኦት ለውጢ ከተምጽእ  ምሕላን ኣዝዩ ዝቐለለ  ሰናይ ሓሳብ እኳ እንተኾነ  ኣብ ተግባር ንምውዓሉ  ግን  ብቐዳምነት ኣብ ገዛ ርእስኻ ናይ ኣተሓሳስባ  ለውጢ ምትእትታው  ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ።  ሓደ ንገዛእ ርእሱ ዘይተለወጠ ኣብ ማዕርነት ኣብ ፍትሒ ኣብ ዲሞክራሲ ዘይኣምን፥ ንለውጢ  ኻልኦት ይቃለስ ኣሎኹ እንተበለ  ተኣማንነቱ ይጎድል’ዩ ጥራይ ዘይኮነ ለውጢ እንታይ ምዃኑ ኣብ ገዛእ ርእሱ ስለ ዘይተለማመዶ  ትርጉሙ እውን ስለዘይፈልጦ፥ እቲ ዝድለ  ለውጢ ናብ ህዝቢ  ክመጽእ ኣይክእልን ኢዩ።

ሓደ ህዝባዊ ቃልሲ ዕዉት ኮይኑ ክወጽእ ዝገብርዎ ረቓሒታት እንታይ’ዮም፧

ካብ ዝሐለፈ ኣማኢት  ዓመታት ጀሚሩ ኣብ ዓለምና  ዝተፈላለዩ ህዝባውያን ቃልስታት /ሰውራታት/ ተራእዮም ኢዮም፥ ገለ ካብኣቶም ብጽፈት ናብቲ ዝደለይዎ  ዓላማ  ክበጽሑ ከለዉ፥ መብዝሕቶኦም ግን ነዊሕ ከይከዱ ቀልጢፎም ይቘጸዩ። እቲ ምኽንያት ግን እንታይ ኢዩ?  ዝኾነ ኣንጻር ዓማጺ ዝለዓል ህዝባዊ ቃልሲ ከዐውትዎ ዝኽእሉ ሕቶታትን መልስታቶምን ኣዳላዩ ምስ ዝብገስ፥ እቲ ጉዕዞ፥ ዝነውሐ ይንዋሕ እቲ ዓቐበት፥ ዝተረረ ይትረር  ብዓወት ምዝዛዝሙ ዘይተርፍ  ሓቂ ኢዩ።

1ይ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ምግባር፣  ክልወጡ ንእትደልዮም ነገራት ክትልወጦም  ቅድሚ ምፍታንካ፥ ንባዕልኻ ምልዋጥካ ከተርጋግጽ ኣሎካ። ሓደ ሓደ ግዜ ንሰብ ጸላኢኡ ኣተሃሳስብኡ ኢዩ፡ ኣተሓሳስባና ኣንጻር እቲ እንደልዮ ሓይሩ ክንብረና ይኽእል’ዩ። ንኣብነት ንዓና ከም ህዝቢ ንምሉእ ዕድመና ኸይንምዕብል ዓጊቱ ሒዙና ዘሎ ማእሰርቲ፡  ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትና፥ ጎረባብትና ዘሎና ንዕቀት ብሓፈሻ መን ከም ኤርትራዊ ዝብል ኣጉል ርድኢት ኣብ ዓለም ካብቶም ዝደሓሩን  ርእሰ ተኣማንነት ዘጥፍኡን ህዝቢ ክንከውን ገይሩና ስለ ዘሎ ሓድሽ ናይ ኣተሓሳባ ለውጢ ምትእትታው ግድን ክኸውን’ዩ።  ኣብቲ ዝተለማመድካዮ ናይ ቀደም  ኣረጊት ባህሊ እንዳነበርካ  ሓድሽ ባህሊ ወይ ቅዲ ከተተኣታቱ እንተደኣ ፈቲንካ እቲ ሓድሽ ነገር ንዓኻ መጥፊእኻ ወይ ለካሚኻ ክኸውን  ይኽእል’ዩ።  ንኣብነት ብዛዕባ ኮምፒተርን ሓድሽ ቲክኖሎጅን ኣፍልጦ ዘይብልካ ክነስኻ ሓንቲ ዘመናዊት ወይ /computerized/ መኪና ገዚእካ ክትዝውር እንተደኣ ጀሚርካ እታ ዘመናዊት መኪና ንጥፍኣትካ ምኽንያት ክትከውን ትኽእል።  ቅድሚ ዘመናዊት መኪና ምግዛእካ ግን ንባዕልኻ ዘመናዊ ኮምፒተር ተዓሊምካ እንተ ጸኒሕካ ብኸመይ ነቲ ሓድሽ ተክኖሎጂ ክትገጥሞ ከም ዘሎካ ስለ ትፈልጥ ተዳሊኻ ኣሎኻ ማለት’ዩ። ብተመሳሳሊ ኣብ ፖለቲካዊ ህይወት ኤርትራ፡  ዘመናዊ፣  ምስ ግዜን ኩነታትን ዝኸይድ ሓርነትን ማዕርነትን መሰረቱ ዝገበረ ፖለቲካ ክንምስርት እንተኾንና፣ ብቐዳምነት ንገዛእ ርእስና ኣብ ሓርነት ማዕርነትን ዝኣምን  ስነ-ሓሳብ ከነማዕብል ኣሎና  ብዓቢኡ እውን ንሕና ንገዛእ ርእስና ሓራን ኣብ ማዕርነት ናይ ካልኦት ንኣምን ክንከውን ኣሎና። መብዛሕትኡ ልምዳዊ ባህልን ኣተዓባብያን ህዝቢ ኤርትራ ምጽውዋር፥  ማዕርነት፥ ሓርነት፥ ምርድዳእ፥  ዘይኣምን፥  ንኹሉ ብሓይሊ፥ ብዓመጽ ብዝረ  ክፈትሕ ዝደሊ ኣተዓባብያን ልምድን ኣሎና።  ንኣብነት ክልተ ሰባት እንተደኣ ተባኢሶም በዳሊ መን ምዃኑ ከይተፈለጠ ኣብ ክንዲ ምርድዳእ፥ ቤተሰብ ናይቲ ሓደ መጺኦም ዝረ የካይዱ ኣብ መንጎ እዚ እቲ ብዙሓት ዘረይቲ ዘለውዎ ከም ድላዩ ከስኮንድር ከሎ እቲ ብዙሓት ዘረይቲ ዘይብሉ ስድራ ቤት ድማ ተሃስዩ ወይ ተጸቒጡ ይነብር። ከምኡ’ውን ኣብ መብዛሕትኡ ሕብረተሰብና ጓል ኣንስተይቲ ናብ ዝደለይቶ ክትምርዖ ሓራ ኣይኮነትን፥  ሰባት ኣብ ዝደለይዎ ክኣምኑ ብህግደፍ ጥራይ ዘይኮነ ብስድራ ቤት እውን ሓራ ኣይኮኑን፥ ስለዚ ሓርነት የልቦን።  ኣብ መሰልን ማዕርነትን እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ኣብ ዝተፈላለያ ብሄራት ዝተፈላለየ ማዕርነታዊ መሰላት ይጎድል ኢዩ።  ኣብ ባህልን ልምድን ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ዘይምዕሩይ ጸቕጥታት ብምህላዉ ንባዕሉ እቲ ንሓርነት ይቃለስ ኣሎኹ ዝብል ኣባል እዚ ሕብረተሰብ እዚ ካብ ተጽዕኖን ጸቕጥን ናይዚ ድሑር ባህሊ ሕብረተስብና ሓራ ክኸውን ይግበኦ፣ ምኽንያቱ ንባዕሉ ሓራ ዘይኮነ ሰብ ንኻልኦት ሓርነት ክእውጅ ብቕዓት የብሉን። ሓርነት ዶብ የብሉን ንህዝብና ክንህቦ ዘሎና ሓርነት ከምቲ ንገዛእ ርእስና ክኾነልና እንምነዮ ሓርነት፣ ምሉእ ብኩለሄ ዝኾነ ሓርነት ከነምጽእ፣ ምእንት እዚ’ውን ክንቃለስን  ይግባእ። ናብዚ ደረጃ እዚ ወይ ናብዚ ንቕሓተ ሕልና እዚ ንምብጻሕ፣ ዝተዳለወ ልብን ክፉት ኣእምሮን ብምሓዝ ንኽንልወጥ ክንዳሎ ክንክእል  ኣሎና፣ ንነገራት በቲ ዝመስለና ዘይኮነስ በቲ ዝመስልዎ ክንርደኦም ክንጅምር ኣሎና፣ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ንምትእትታው ንነገራት ክንርእዮም ዘይኮነስ ክንርደኦም፥ ክንሰምዖም ዘይኮነስ ከነስተውዕሎም ክንጐስዮም ዘይኮነስ ክንመራመረሎም ይግባእ። እዚ ጥራይ’ዩ ናብ ፍልጠት ሓቅን ናብ ናይ ኣእምሮ ምልዋጥን ዘብጽሕ ብምሕዳስ ኣእምሮ ዝተለወጠ ሰብ ድማ፣ ሓቀኛ ለውጢ ናይ ሕብረተሰብ ከምጽእ ይኽእል።

2ይ ዓላማኻ ምፍላጥ፡ ዓላማ እንታይ ኢዩ? ዓላማ ብሓጺር መግለጺ ንሓደ ክትገብሮ ወይ ክትፍጽሞ እትደልዮ ነገር  ኣብ መፈጻምታኡ ምብጻሕ ኢዩ። ንሓደ ቃልሲ ክዕወት ዝገብሮ ዓላምኡ ኢዩ። ንኣብነት ሓደ ሓረስታይ ናብ ሓደ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ናይ ዕዳጋ ቦታ ክኸይድ እንተወሲኑ  ቅድም ቀዳድም  ናብቲ ዕዳጋ እንታይ ደልዩ ይኸይድ ከምዘሎ  ፈሊጡ ኢዩ ዝኸይድ፡ እዚ ማለት ከኣ ዓላማ መኸዲኡ ፈሊጡ ስለ ዘሎ ንምንታይ ኬድካ ምስ ዝበሃል ቅልጡፍ መልሲ ኣለዎ ማለትዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ  ሓደ ተቓላሳይ ናይ መቃለሲኡ ዓላማ  ብንጹር ዝፈልጥ ክኸውን ኣለዎ።  ዓላምኡ ዝፈልጥ ማለት ድማ ብንቕሓት ዝቃለስ ተቓላሳይ ኣጥሪና ኣሎና ማለት’ዩ። ብንቕሓት ዝቃለስ  ድማ በዓል መትከል ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ፥ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ዓላማ ክሳዕ ዘዐውቶ ካብ መትከሉ ኣይነቓነቕን።

ናብ ጉዳይና ክንምለስ ከሎና፥ ህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ኣንጻር ምልኪ ክቃለስ ካብ ዝጅምር  ብውሑዱ ኣስታት 20 ዓመታት  ኣቘጺሩ ኣሎ።  ብሰንክ’ቲ ኣጋጢምዎ ዘሎ ሕጽረት ንጹር ኣካይዳ ግን ክሳዕ ሕጂ  ነቲ ክሃርሞ ዝደሊ ዓላማ ንምውቃዕን ናብታ ናይ ዓወት መስመር ክረግጽን ኣይበቕዐን። ኹሉ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ዝሳተፍን ከም ኣባል ናይ ገለ ውድባትን ኮይኑ ዝቃለስ ዘሎ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ግን  ክሳዕ ክንደይ’ዩ ብዓላማ ንህግደፍ ክምክት ተበጊሱ ዘሎ ኢልካ ምሕታት ኣዝዩ እዋናዊ ሕቶ ከይኮነ ኣይተርፍን።  ኣብዚ ከነስምረሉ ዘሎና ሓሳብ ኣሎ፡ ኩሉ ለውጢ ዝደሊ ወይ ፍትሒ ዝደሊ ዓላማ ሒዙ ዝተበገሰ ንጡፍ ሰራዊት ማለት ኣይኮነን። እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ንለውጢ ንፍትሒ ዝደልየን እኳ እንተኾነ ሰብ ዓላማ ግን ኣዝዮም ውሑዳት ኢዮም ምናልባት እውን ካብ ክልተ ሰለስተ ዘይበዝሑ ክኾኑ ይኽእሉ። እምበኣር እዚኣቶም እቶም ሰብ ዓላማ ኢዮም፥  ናብቲ ክብጻሕ ዝድለ ለውጢ ከእትዉ ዝኽእሉ። እቲ ቀንዲ ዕዮ ናይቲ ስራሕ ናብቶም ዓላማ ዘለዎም ሰባት ዝግደፍ እንተኾይኑ ታራ ናይቲ ሓፋሽ ደልዪ ለውጢ እምበኣር ነቶም ብዓላማ ተበጊሶም ዝመርሑ ዘለዉ ተማእዚዝካ ። ንስርዓት ህግደፍ ንምውዳቕ ኣብ ዝግበር ምርብራብ እጃምካ ምብርካት ጥራይ ኢዩ። ዓወት ዝመጽእ ብኸምዚ ሕጂ ንርእዮ ዘሎና ጠምዛሕዛሕ ዝመልኦ ኣካይዳ ዘይኮነ ኣብ ትሕቲ ጥርኑፍ መሪሕነት  ዓሲልና ምስ እንቃለስ ጥራይ  ሕልምና ናብ ገሃድ ዝቕየር እንተዘይኮነ ኩሉ ሰብ መራሒ፥ ኩሉ ሰብ ኣቦ ወንበር፥ ኩሉ ሰብ ሓለቓ፥ ክኸውን ኣብዝደልየሉ፣ ግዝኣተ ሕጊ ኣብዘይብሉ ተኣዛዝነት ኣብ ዘይሰፈነሉ ሃዋህው፣ ሕንፍሽፍሽ፣ ምብትታን፡ ዘይምእዙዝነት ይበዝሕ እሞ እቲ ዝተተለመ መደባት ፈሺሉ ይተርፍ ዕድመ ቓልሲ ይነውሕ ኣብ ፍረ ኣልቦ ሸንኮለል ግዜ ይውዳእ። ንህዝቢ ኤርትራ ኣጋጢምዎ ዘሎ ኩነታት እዚ ይመስል፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ስምዒት እምበር ዓላማ ብዘይብሎም ሰባት ይምራሕን ይንቀሳቐስን ኣሎ፣  ናብቲ ዓላማ ኢሎም ዝሓዝዎ ከብጽሖም ዝኽእል መደብ ስለ ዘይሕንጽጹ  ንጹር ራእይ እውን ስለዘይብሎም ነቲ ቓልሲ ኣብ ሕዝ ግድፍ ግዜ ይጠፍእ ወይውን ናብቲ ሕንጹጽ መስመር ከብጽሑ ዓቕሚ ምስ ሰኣኑ ነቲ ቀንዲ ሓሳብ ገዲፎም ኣብ ጓል መገዲ ዝዀነ ሓሳባት ክካትዑ ግዜኦም የጥፍኡኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ክልተ ሰለስተ ተመቓቒሎም ይበታተኑ።

3ይ ንጹር ራእይ /ቭጅን/ምሓዝ፡ ንጹር ራእይ እንታይ ኢዩ፧ ንጹር ራእይ ክበሃል ከሎ ናብቲ ክትበጽሖ እትደሊ ዘሎኻ ብኣፍልጦ ምኻድ ማለት’ዩ። ሓደ ዶክቶር ክኸውንን ዝሓስብ ተመሃራይ ኣቐዲሙ ኣብ ውሽጡ ዘማዕብሎ ነገር ዶክቶር ናይ ምዃን ራእይ ኢዩ፣ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዝምዕብል ዘሎ  ራእይ ድማ ብኸመይ ኣብ መፈጸምታ ከብጽሖ ከምዘለዎ መደባት ይሕንጽጽ። ኣብ ህይወት ኩሉ ግዜ ብዓላማን ብራእይን ምስ እትጎዓዝ ጥራይ ኢኻ ኣብ ዓወት ትበጽሕ፣ ዓላማን ራእይን ዘይብሉ ሰብ ኣብ ሂወቱ ዕዉት ኣይኮነን።

ኩሉ ሰብ ብራእይ ዝንቀሳቐስ እኳ እንተኾነ፡ ኩሉ ሰብ ግን ኣብ ሓደ ነጥቢ ዘብጽሖ ራእይ ሒዙ ኣይጐዓዝን’ዩ፣ ራእይ ደቂሰባት ከምቲ ብዝሖም ይፈላለ፣ ሃገር ናይ ምድሓን ራእይ ዘለዎም ሰባት ከምቶም ካልኦት ሰብ ራእይ ስለዘይኮነ ነቲ ንጹር ራኢኦም፣ ብኸመይ ከምዝብጽሕዎ ምስ ከምኣቶም ዝኣመሰሉ ሰብ ራእይ እናተመኻከሩ ክኸድዎ ይግባእ፡ በዓል ራእይ ምስ ሰብ ራእይ እምበር ምስ ራእይ ዘይብሎም ዕንክሊላቶታት ግዜኡ ከጥፍእ እንተጀሚሩ ዝነበሮ ራእያት ክትጥፍእ ከምዝኽእል እውን ጥርጥር የልቦን። ዝተሓዋወሰ ህይወት ሰብ ራእይን ራእይ ዘይብሎምን ሰባት ንፖለቲካዊ ህይወት ኤርትራ ረሚስዎ ይርከብ። መብዛሕትኡ ሰብ  ንራእይን ስምዒትን ፈላልዩ ኣይፈልጦምን ኢዩ፡ ምኽንያቱ ስምዒት ራእይ፣ ራእይውን ስምዒት ስለ ዝመስል  ብመሰረቱ ግን ክልቲኦም ፈጺሞም ዘይመሳሰሉ ነናይ ገዛእ ርእሶም ባህርያት ዘለዎም ነገራት’ዮም።

ራእይ ሓደ ንጹር ዓላማ  ዘለዎ ኣብ ኣእምሮ ሰባት ዝውለድ፣ ኣብ ስምዒት ዘይገማዳሕ ነቲ ክበጽሖ ዘለዎ ሽቶ ንምህራም  ወይ ጭቡጥ ንገር ንምፍጣር ብመትከል ተቐይዱ ዝሰርሕ፡  ናይ ገዛእ ርእሱ ሕጊ ዘለዎ ጎደና ኢዩ። ስምዒት ግን ብኣንጻሩ ኣብ ሕጊ ዘይኣምን መትከል ዘይብሉ፥ እንተወዓየ ብማንካ እንተ ዘሓለ ብኢድካ ዝብል ብሂል ዝኽተል፥  ምስ ኩነታት ዝቀያየር ጠባያት ኣለዎ። ንኣብነት ሓደ ውዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ወይ እውን ብደለይቲ ፍትሒ ዝተዳለወ ሙዚቃዊ ምብርባር ክካየድ ከሎ ኩሉ ሰብ፡ ኣብ ስምዒት ኣትዩ  ጽባሕ ንህግደፍ ፈንቂልና ኣስመራ ክንኣቱ ኢና ዘስምዕ መደረታትን ተስፋታትን ክስማዕ ይቕኒ እሞ እቲ መድረኽ ግዜ እናወሰደ ምስ ከደ ነገራት ናብ ንቡር ተመሊሶም ዘይነበሩ ይመስሉ፡ እቲ ሆ ክብል ዝቐነየ ኸኣ ኣበይ ከምዘሎ ኣብ ዘይፍለጠሉ በዓቲ ይሕባእ።  ሓደ ሓደ ግዜ ሰባት ሰብ ራእይ መሲሎም ክረኣዩ ይኽእሉ ኢዮም ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ግን ኣንጻር እቲ ዝብልዎ ኮይኖም ክጸንሑ ይኽእሉ፥  ምኽንያቱ ንሳቶም ብስምዒት እምበር ብራእይን ብርድኢትን ስለዘይጐዓዙ ኣብቲ ዝበልዎ ጸኒዖም ክቕጽሉ ዓቕሚ ስለዝውሕዶም።

 

4ይ ብመትከል ምቅላስ፡ መትከል እንታይ’ዩ? መትከል ነቲ ክትበጽሖ እትደልዮ ዘሎኻ ዓላማ ብኸመይን ስለምንታይን ከም እትበጽሖ ዝሕብረካ ብሶላ ወይ ናይ ውሽጢ እምነት’ዩ። ሓደ ኣብ መትከሉ/እምነቱ/  ጸኒዑ ዝቃለስ ሰብ ክትቀትሎ እምበር ክትማርኾ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ምኽንያቱ እቲ ዝዋግኣካ ዘሎ እቲ ናይ ውሽጢ እምነቱ እምበር እቲ ደጋዊ ስጋኡ ብዘይ ምዃኑ፡ ንስግኡ ቕተሎ ኣይትቕተሎ  ብዘየገድስ ኣብ ዝኣመነሉ መትከል ጸኒዑ ክሳዕ ዝተዋገኤ ኣብ እምነቱ ብምስውኡ ዝያዳ የሐጉሶ እምበር ኣየጐህዮን።  ኣብ መብዛሕትኦም ደቂ ሰባት መትከል ሓያል ኢዩ ብሕጽር ዝበለ መትከል እምነት’ዩ መንፈሳዊ እምነት ጥራይ ዘይኮነ፥ ፖለቲካዊ ይኹን ባህላዊ እምነት ብዘየገድስ እምነት ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት ዝዓበየ ክፋል ኣለዎ።

ሓደ ናብ ዓወት ክበጽሕ ኣሎኒ ኢሉ ዝለዓል ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣብ ቅድሚኡ ንዘሎ መሰናኽላት ብድሆታትን ንምስዓርን ውሽጣዊ መትከል ክህልዎ ኣለዎ ንምንታይ ይዋጋእ ከምዘሎን፡  እቲ ውግእ ምስ ተወደኤ፥ ንሱ ይኹን ካልኦት ካብዚዝቃለሰሉ ዘሎ እንታይ ከምዝረብሑ ንጹር መልሲ ሒዙ ክቃለስ ይግባእ። ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ካብዞም ኣሽሓት ደለይቲ ፍትሒ፥ ኣዝዮም ውሑዳት ኢዮም ንምንታይን ንመንን ከም ዝቃለሱ ተረዲእዎም ዝቃለሱ ዘለዉ። ከይተረዳኣካ ምቅላስ ከኣ ጸላኢኻ መን ምዃኑን ኣበይ ከምዘሎን ከይፈለጥካ ጥይትካ ተኲስካ ከም ምውዳእ ኢዩ፣ ጸላኢኡኡ ከይሃረመ ጥይቱ ዝውድእ ከኣ ደሓር እንታይ ከጋጥሞ ከምዝኽእል ንኹላትና ርዱእ ይመስለኒ።

ሰለዚ እምበኣር ኩሉ ንፍትሒ ክቃለስ ዝደሊ ዘበለ ብመትከል ፣ ብስልቲ ኣብ ዝተወደነ ኣጋባብ  ቃልሲ ኣትይ እጃሙ ከበርክት እምበር ኣብ ፋሕ ዝበለ ደላዪ ፍትሒ ዝብል ስም ጥራይ ሒዙ ወርቃዊ ግዜኡን ወርቃዊ ግዜ ህዝቢ ኤርትራ ብከንቱ ከጥፍእ ኣይግባእን። ምድላይ ፍትሒ ንኹሉ ሰብ ዝተዋህበ ውሽጣዊ ሃረርታ ኢዩ፡ ዋላ እቲ ዓማጺ እውን ኣብ ልዕሊኡ ምስ በጽሐ ንፍትሒ ይደልያ ኢዩ ደላዪ ፍትሒ ማለት “ውድብ”  ማለት ኣይኮነን ሓይሊ ደልይቲ ፍትሒ ዝዕወት ኣብ ውሽጢ ሃገር ብወደብቲ ኣካላት ዘንቀሳቐስ  ንኹሉ ህዝቢ ዘንቀሳቕስ ሓይሊ ምስ ዝህሉ ጥራይ ኢዩ።  እዚ’ውን ኣብ ተጻዋርነት ዝኣምን ንምንቅስቓስ ህዝቢ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ዘፍቅድ ስርዓት ምስ ዝህሉ ጥራይ ኢዩ ዝትግበር፡ ኣብ ደገ ዀንካ  ደልዪ ፍትሒ ምዃን ግን ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ መከራ ከተድሕኖ ተኽእሎ የለን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ዝተዓወተ ህዝቢ ብደገን ውሽጥን ተወዲቡ እጃሙ ስለዘበርከተ እምበር ደላዪ ፍትሒ ኢየ ኢሉ ኣብ ኣፍ ደገ ኣህጉራዊ ኣብያተ ጽሕፈታት ስለዝዃሕኰሐ ከምዘይነበረ ኩላትና እንዝክሮ ናይ ቀረባ ታሪኽ ኢዩ።

5ይ ፍትሓዊ ምዃን፡ ፍትሓዊ እንታይ ማለት’ዩ፧ ፍትሓዊ ካብ ፍትሒ ዝብል ቃል ዝወጸ ኾይኑ ትርጉሙ ሚዛኑ ዝሓለወ ንኹሉ ዝግበኦ ፍታሕ ምምጻእ ማለት’ዩ። ፍትሒ ንዝተዓመጸ ዝግበኦ ክሕሳ ምሃብ ክኸውን ከሎ ንዓማጺ ድማ ዝግበኦ ፍርዲ ምሃብ ማለት’ዩ። ደላዪ ፍትሒ ፍትሓዊ፥ ምእንቲ ኹሉ ሰብ ንፍትሒ ዝቃለስ፥ ንዓማጽን ወንጀለኛን ከይተረፈ ናብ ሕጊ ምቕራብ  እምበር  ባዕሉ ሕነ ዝፈዲ ኮይኑ ክቐርብ ኣይግባእን ኢዩ።

ኣብ ዘበንና ንፍትሒ ንቃለስ ኣሎና እንዳበሉ ዋላ ኣብ ልዕሊ እቲ ንቃለሰልካ ኣሎና ዝብልዎ ህዝቢ ከይተረፈ ብዘይ ንሕስያ ገበናት እናፈጸሙ ዝቕጽሉ ስማውያን ደለይቲ ፍትሒ ስማውያን ዲሞክራስያውያን ሓይልታት ምህላዎም ፍሉጥ’ዩ። ስምካ ገብረ ማርያም ስለ ዝኾነ ጥራይ  “ባርያ ማርያም”  ኢኻ ማለት ኣይኮነን “ባርያ ማርያም” ንምዃን ስም ዘይኮነስ ተግባር’ዩ ዘድሊ። ከምኡውን ደልዪ ፍትሒ ንምዃን ስም ዘይኮነስ ብተግባር ንፍትሒ ምድላይካ  ከተረጋግጽ ይግባእ። ነዚ እተረጋግጸሉ መገድታት እውን

ሀ          ዋላ ነቶም ምስ ህግደፍ ወጊኖም ደው ኢሎም ዘለዉ የዋሃት ምስ ህግደፍ ደው መበሊኦም ምኽንያት መርሚርካ ናብ ልቦም ዝምለሱሉ መገዲ ምንዳይን ብኸመይ ናብ ረብሓኻ ክትቅይሮ ከምዘሎካ ምፍላጥን ደኣ እምበር ከምጸላእቲ ክትቈጽሮም ኣይግባእን ምኽንያቱ ሕጅን ኣብታ መጻኢት ኤርትራን ንስኻ ብዘይብአኦም ንሳቶም’ውን ብዘይ በኣኻ ስለ ዘይትነብሩ።

ለ          ደላዪ ፍትሒ ከም ምዃንካ መጠን ንዓማጺ ብዓይኒ ሕጊ እምበር ብዓይኒ ጽልኢ ወይ ቕርሕንቲ  ክትጥምቶ  የብልካን። ኣስተውዕል!!! ደላዪ ፍትሒ ንኽትከውን ዝተገደድካሉ ምኽንያት ፍትሕ ስለ ዝጐደለን ንፍትሒ ዝዕምጹ ባእታታት ስለዘለዉን ኢዩ፣ ንዓመጽ ብፍትሒ ንጽልኢ ድማ ብፍቕሪ እምበር ንዓመጽ ብዓመጽ ንጽልኢ’ውን ብጽልኢ ኣይትስዕሮምን ኢኻ።

ሐ         ደላዪ ፍትሒ ከም ምዃንካ መጠን፥ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ወጺኻ ምስ ስምካ ዘይከይድ ኣጸያፊ ዘረባታትን ሃጠውቀጠውን ክትዛረብ ክትውዕል ከሎኻ ደላዪ ፍትሒ ንምዃንካ ኣብ ጥርጥር ዘእቱ ተግባር ተካይድ ከምዘሎኻ ክትፈልጥ ይግባእ።

መ         ደላዪ ፍትሒ ሕነ ኣይፈድን ኢዩ ደላዪ ፍትሒ ንነገራት ናብ ፍትሒ ኢዩ ዘምጽኦም።

ኣብ መደምደምታ ንፍትሒ እንቃለስ  ዘበልና፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ፈይ ፈይ ዘበልኩዎ  ንእሽቶ ሓሳባት ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ንጥቀመሉ እንተደኣ ሃሊና ነብስና ንወከስ። ምድላይ ፍትሒ ንበይኑ እኹል ኣይኮነን፥ ንፍትሒ ብድሌት ዘይኮነ ብተግባር ተቓሊስና ንርከባ፥ ኣብ ዓለም ዝደለዩ ዘይኮነስ ዝተቓለሱ ኢዮም ዝዕወቱ። ህዝብናውን  ኣብ ታሪኽ ናይ 30 ዓመት ብረታዊ ቃልሱ፡ ስለ ዝደለየ ዘይኮነስ ስለዝተቓለሰ ኢዩ ተዓዊቱ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብታ ናይ መወዳእታ ደረጃ  ውድቀቱ  በጺሑሉ ኣብ ዘሎ ህሞት፥ ህዝቢ ኣብ ዙርያ ውድባቱ   ክዓስልን ጉድለታተን ብምምላእ ሓይልን ጸዓትን ኮይኑ ከንቀሳቕሰን ይግባእ።

ዋላ እኳ ስርዓት ህግደፍ ቈንቊኑ ኣብ ደረጃ ውድቀት እንተሃለወ፥ ደፊኡ ዘውድቖ ሓያል ማዕበል ተቓውሞ ደፊኡ እንተ ዘይኣውዲቕዎ ብቖንቋኑ ኣብ ዝባን ህዝቢ ዘለዎ ክነብር ስለ ዝኽእል፡  ሓያል ማዕበል ናይ ምፍጣር  ተኽእሎ ዘለዎ ደንበ ተቓውሞ ምፍጣር ግድነት ክኸውን ኢዩ።  ነዚ ደንበ ተቓውሞ’ዚ ከሐይሎ  ዝኽእል ድማ ተሳታፍነት ህዝቢ ኣብ ዙርያ እተን ውድባት ብምዃኑ፡  ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ፍትሒ ነጊሱ፡  ሰላም ዓንቢቡ ክርኢ ዝደሊ ዘበለ ኹሉ ኣብዘን ጸጋታት ህዝብና ዝኾና ውድባት ተወዲቡ ኣብ ስራሕ ክዋፈር ይግበኦ።

ኣምላኽ ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ!!

ጠዓመ በርሀ  ኣባል ኤስደለ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Kokhob Seam July 2, 2016

    ኣገዳስን መድረኻውን ምህሮ ሓዘል ጽሑፍ

  • sober solutions July 3, 2016

    ሓው ጠዓመ በርሀ,

    እዛ ፈውሲ (መድሃኒት)ዝኾነት ጽሑፍካ ብዙሕ ርእይቶ ዘይረኸበት ምክንያቱ ኣብ ክንዲ ናይ ሓሶት ንሕና ኤርትራውያን ቁጽሪ ሓደ ኢና ኣይንብርከኽ ኣይንጉምባሕ (ርኡይ ጻዕዳ ሓሶት)እቲ ከም ሕብረተሰብ ሽግርናን ጥዋይ ኣተሓሳስባናን ስለ ዝጽሓፍካ እዩ።እዚ ጽሑፍካ ነምሓሩን ተጋሩን ዝኸውን እምበር ንዓና ኤርትራውያን ስምዒትና ኣይጠልቦን እዩ።ቃልስና ይኹን ኣተሓሳስባና ኣብ ዝተማህዘ ስምዒትን ዝተቐብቀበ ሓቅሳ ጅግንነትን እምበር ከምዚ ናትካ ዝኣመሰለ ሓቀኛ ትንታነ ኣይትንክፈናን እዩ።ጌጋ ናይ ዓጋመ ወያነ ወይ ናይ ተንቤናይ ኢሳያስ እምበር ጌጋና ዘርእየና ኣይንፈቱን ኢና።ድሕሪ ሕጂ ንዓና ኤርትራውያን ዘይኮነ… ሓሳዊ ውዳሴ እንተዘይኮይኑ፣ጌጋና ኣርእዩ ናብ መፍትሒ ዝወስደና ርእይቶ ናባና ገጽካ ከይትስንዝር፣ኪድ ነቶም ነዚ ናትካ ተጠቒሞም፣ ካብ ሓደ ዩኒቨርሲቲ ናብ 33 ዘማዕበሉ፣ሓጽቢ ኣባይ ፈጢሮም ኤለትሪክ ንሱዳንን ኬንያን ርዋንዳን ዝሸጡ ዘለዉ ዓጋመ ዝኸውን ምኽሪ እዩ።

    • Teame Berhe July 4, 2016

      ደሓን ኣጆኻ ሓንቲ መዓልቲ ኣላ ክቡር ሓወይ!!

      • SOBER SOLUTIONS July 4, 2016

        Thanks brother Teame ..I hope so to.

  • haqiyesar July 5, 2016

    Educational article if we only learned from it, and we should.

POST A COMMENT