Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ለውጢ ኣብ ክንዲ ንኸዶ ይመጽኣና ‘ሎ፣ ኢድ ዘርጊሕና ንቀበሎ

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝሓሰመን ዝጨከነን ኣባይ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይንሕስያ ዘውርዶ ዘሎ ጥፍኣት ይምስክረሉ። ስምብራት ዝሓለፉ ገዛእቲ ኤርትራ ኣብ ኣካላቱ ዝርአ እንተነይሩ፣ ስምብራት መግዛእቲ ህግደፍ ግን ካብ ኣካላቱ ሓሊፉ ኣብ

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝሓሰመን ዝጨከነን ኣባይ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይንሕስያ ዘውርዶ ዘሎ ጥፍኣት ይምስክረሉ። ስምብራት ዝሓለፉ ገዛእቲ ኤርትራ ኣብ ኣካላቱ ዝርአ እንተነይሩ፣ ስምብራት መግዛእቲ ህግደፍ ግን ካብ ኣካላቱ ሓሊፉ ኣብ ኣእምሮኡ በሰላ ይገድፈሉ ‘ሎ። ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ሕማም ኢቦላ ህዝቢ ይዘምት እንተልዩ፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ህግደፍ ህዝቢ ይነድፍ ኣሎ። ምዕራብ ኣፍሪቃውያን ብሰንኪ ሕማም ኢቦላ ነቲ ምትንኻፍ ምትሕቝቛፍን ዝመለለዪኡ ኮማዊ ማሕበራዊ ህይወት ብምስኣኖም ማዕረ’ቲ ሞት መቕጻዕቲ ክስምዖም ከሎ፣ ንሕና ኤርትራውያን ከኣ ብሰንኪ ውዲት ህግደፍ ነቲ ሕላገትና ዝነበረ ሕድሕድ ምትእምማን ኣጥፊእና ከም ጸላእቲ ንጣማመት ምህላውና ኣጊሙና’ሎ። ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ናይ ምብራቕን ምዕራብን ኣፍሪቃ ሕማማት እንኮ ፍልልይ እንተልዩ፣ ንሳቶም ነቲ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ዝጀመረ ቀዛፊ ሕማም ኢቦላ ክቃለሱዎ ከለዉ፣ ንሕና ነቲ ንሓያለ ዓመታት ክቐዝፈና ዝጸንሐ ሕማም ህግደፍ ተጻዊርናዮ ምጽናሕና እዩ። ኣብዚ እዋን ‘ዚ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብቓልስና ዘይኮነ እቲ በብእዋኑ እናተዋህለለ ኣብ ዝባኑ ተጨሪሑ ዘሎ ገበን ከቢዱዎ ኣብ ዝርዅመሸሉ ዘሎ እዋን ‘ከ ኤርትራውያን እቲ ስርዓት ናብ ዝጥዕሞ ገጹ ክወድቕ ስቕ ኢልና ዲና ክንዕዘቦ ዋላ ሓዱሽ ብምሓት ኣለና?

ኣብዚ መድረኽ ‘ዚ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ምስ ምርግጋጽ ናጽነት ኤርትራ ተጸጊዑ ካብ ተወፍይነት ተጋደልትን ህዝብን ኤርትራ ሰሪቑ ክሳብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ሞራላዊ ስልጣን (Moral Authority) ስኢኑዎ፣ ብህዝቢ ኤርትራ ተኻዒቡ፣ ህዝቢ ነቲ ዋላ ኣብ ልቡ ጽኪ በቝሉ እናረኣዮ ምቕባጽ ስኢኑዎ፣ “ልቢ ደኾን የዕቢ ይኸውን” እናበለ በብዓመቱ ክገብረሉ ዝጸንሐ ሕድገታት ኣቋሪጹ፣ “ኣንታ መዓስ እዩ ዝኸደልና” ክብል ጀሚሩ ከምዘሎ ርኡይ ኮይኑ ‘ሎ። ካብ ጸሎትን ምህለላን ሓሊፉ  ኣብ ኣድባርን ጎደናታትን ህዝቢ እምቢታኡ ከስምዕ ጀሚሩ ምህላዉ ኸኣ ተስፋ ዘስንቕ ምዕባለ እዩ።

እዚ ብድሆን እንቢታን ‘ዚ ጥልመት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብርኡይ ክኽሰተሉ ኣብ ዝጀመረሉ ግዜ ብኣግኡ እንተዝቐልቀል፣ ሃገር ካብ ምስ ተረዅመሸት ገና ከይለመሰት እንተዝኸውን፣ ካብ’ዚ ብቐጻሊ ዝወርዳ ዘሎ ህልቂትን ዕንወትን፣ ቅብጸትን ሞራላዊ ውድቀትን፣ ምብኻን ግዜን ጸጋታትን ምደሓነት ነይራ። ይኹንምበር፣ ሃገርና፣ ብሰንኪ ሕሉፍ ድኻምን ብቂ ተወፋይነትን ነቲ “ክምብል በለ እምበር ኣይተኻዕወን” ዝብሉዎ መዐቀኒ ስሕታን ዝኾነ ኣበሃህላ ኣብ ዘየደዓዕሶ ኣሻቓሊ ኩነታት ወሪዳ ኣብ ዘለወትሉ እዋን ኣብ መወዳእትኡ ህዝቢ “ይኣክል” ክብል ጀሚሩ ምህላዉ ‘ውን ጩራ ተስፋ ዝህብ ኣውንታዊ ተርእዮ እዩ።

ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ፣ ካብ ውሽጢ ኤርትራ፣ መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ” ዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሖም ህዝቢ ኤርትራ ኣሻቓሊ ሃለዋቱ ክፈልጥ ብጋህዲ ዘቕረቡዎ መዘኻኸሪ፣ ብዙሓት ተማሃሮን ስድራቤትን መበል 27 ዙርያ በብውልቆም ናብ ሳዋ ንኸይምለሱ ዘርኣዩዎ ኣብያ፣ ኣብ መንደፈራ ዓዲ ቐይሕ፣ ደቀምሓረን ኣስመራን ዝርከቡ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብኣስገዳድ ዘዕጠቖም፣ እንተተመሰለሉ ‘ህዝባዊ ሰራዊት’ ኢሉ ዝሸሞም ሲቭል ናብ ታዕሊም ክኸዱ ዘቕረበሎም ጻውዒት ምንጻጎም፣ ሎሚ ቕነ 6 ኣድባራት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን፣ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ተሓርዮም ናብ መሳርዕ ሃማኖታዊ ምሕደራ ብምስላዅ መሳርሒ ውልቀምልኪ ኮይኖም መራሕቲ ሃይማኖት ከናኽሱን ኣመንቲ ክፈላልዩን ቤተክርስትያን ከዳኽሙን ንዝጸንሑ መጋበርያ ብወግዒ ምውጋዞም፣ ተኸታቲሎም እዋናውያን ተባዓት ስጉምታት ክረኣዩ ምቕናዮም ጭቡጥ ኣብነት ናይዚ ሓዱሽ ምዕራፍ እዩ።

ሓደ ኣብ ኤርትራውያን ሓዲሩ ዝጸንሐ ጸረ ለውጢ ዝኾነ ኣሉታዊ ዝንባለ፣ ከም ውልቀሰብ ይኹን ከም ህዝቢ ዓቕምኻ ኣነኣኢስካ ንሓይሊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ኣጋኒንካ ምርኣይ ዝወለዶ ፍርሕን ራዕድን እዩ። ይኹን’ምበር፣ ዝኾነ ስርዓት፣ ብዝሒ ሰራዊቱን ዕጥቁን ታንክታቱን ነፈርቱን ብዘየገድስ፣ ካብ እምነትን ደገፍን ምርቓን ህዝቢ ወጻኢ ባዕሉ ዝውንኖ፣ ናተይ ዝብሎ ሓይሊ የብሉን። እንተሰሚሩን ድምጹ እንተውሃሂዱን፣ ካብ ህዝቢ ዝበዝሕ ሰራዊት፣ ካብ ህዝቢ ዝሕይል ስርዓት የልቦን።

እቲ ኢሳይያስን ጉጅሊኡን፣ ኣብ መዓልቲ ናጽነትን መዓልቲ ስውኣትን ኣሳእሎም ኣብ ልዕሊ ቅያታት ጀጋኑ ኤርትራውያን እናለጠፉ ታሪኽ ክሰርቁ ጠንቀምቀም ብምባል፣ ከይሓነኹ፣ ዋላ ነቲ ሰራሒ ታሪኽ ተዓዛባይ ናይቲ ባዕሉ ዝሰርሖ ታሪኽ ክሳብ ዝኾነሉ ደረጃ ከሀምሉዎ ዝከራኸሩ ‘ኳ እንተኾኑ፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ ሃረርታ ናጽንቱ ንምርዋይ ብደቁን ጉልበቱን ገንዘቡን ዘመዝገቦ ሃገራዊ ታሪኽ ምዃኑ ዝቕይሮ ፕሮፖጋንዳዊ ጥበብ የልቦን። ንሳቶም በንጻሩ፣ ኣብ ድነ ቅኑዕ ድሌት ናጽነትን ተወፋይነትን ህዝቢ ኤርትራ ተሓቢኦም ዓወቱ ብምጭዋይ ስልጣን ክብሕቱ ብዝገበሩዎ ጥልመትን ዘውረዱዎ ጥፍኣትን እዮም ክፍረዱ ዘለዎም።

ኣብዚ እዋን ‘ዚ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣንጻር ‘ዞም ከምዚ ዝኣመሰሉ እምቢታን ተቓውሞን ህዝቢ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ኢዱ ተታሒዙ ዘሎ ምኽንያት ጭካኒኡ ስለዝለስለሰን ስለዝለበመን ዘይኮነስ ስለዝደኸመ እዩ። ምስጢር ናይቲ ድኻም ከኣ፣ ህዝቢ ኣብቲ ዝርዓት ዝነበሮ እምነት ኣጥፊኡ ሓይሉ ስለዝሰሓበ ዝተኸስተ፣ ማዕረ ማዕሪኡ እቲ ዝኾነ ገበነኛ ዝጸዓን ድኹም ሕልና ኣብ ኣንጕኦም ስለዘሎ እዩ።

ኩላትና ኤርትራውያን ሓደ ክንክሕዶ ዘይግብኣና ብሩህ ሓቂ፣ ምንዋሕ ዕድመ ስልጣን ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ምሕጻር ዕድመ ኤርትራ ምዃኑ፣ ድሕነት ኤርትራ ምስ ምሕጻር ዕምሪ ናይዚ ምልካዊ ስርዓት ከምዝረጋገጽ እዩ። እዚ ብተደጋጋሚ ክስማዕ ዝጸንሐ ‘ከምዚ እንተኾንና ኸ፣ ከምቲ እንተተደገምና ኸ’ ዝዓይነቱ ምጥርጣራት ግሩሃት ንመጻኢ ካብ ምፍራሕ ዘዘውትሩዎ፣ ጎራሓት ከኣ ብሓልዮት ተኸዊሎም ግዝያዊ ረብሓኦም ክሕልዉ ዝጥቀሙሉ ኣበሃህላ እዩ። እቶም ናይ ህዝብን ሃገርን ሓቀኛ ሓልዮት ዘለዎም ዜጋታት ኣብዚ እዋን’ዚ ዘይኮናዮ ነገር ወይ ዘይወረደና መዓት እንታይ ኣሎ ኢሎም ኩነታት ሃገርን ህዝብን ክፍትሹ እንተፈቲኖም፣ ብመጻኢ ምብህራር ክሓድጎም እዩ። ኣብ ገዛእ ነብስና ከም ውልቀ ዜጋታት ዘለና ርእሰ ምትእምማን እንተተሓዲሱ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ከም ሃገር ዘለና እምነት እንተተመሊሱ፣ ካብዚ ስርዓት ‘ዚ ንላዕሊ ክንፈርሖ ዝግባእ ጸላኢ የልቦን።

እዚ ጠንቂ ምብትታን ህልቂትን ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ፣ ምእንቲ ስልጣኑ ሃገርን ህዝብን ንውድቀት ኣሕሊፉ ዝሃበ ስሱዕ ምልካዊ ስርዓት እምብኣር፣ ሰለይ ክብል ኣብ ክንዲ ነመርኵሶ ብህጹጽ ክንርዅምሾ፣ በጃ ኤርትራ ብህጹጽ ራዕ ኢሉ ክወድቕ ኣለዎ።  ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ንናጽነት ባዕሉ ዘምጽኣ፣ ሕጂ ‘ውን ድሕነት ሃገሩ ኣውሒሱ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ከዐውት፣ ቀጻለቱ ከረጋግጽ ምሉእ ሓይሊ ኣለዎ።

እዚ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ኣንፈት ለውጢ ናህሪ ወሲኹ ሃገርን ህዝብን ኣብ ምድሓን ክውዕል ከኣ፣ እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር እትርከቡ ዕንወት ሃገርን ጥፍኣት ህዝብን ዘሻቕለኩም ሃገራውያን፣ ብፍላይ ከኣ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ ነዚ ተስፋ ዝህብ ተባዕ ተበግሶታት ዕርዲ ካብ ምዃን ሓሊፍኩም ክትስዕቡዎን ብዝተፈላለየ ሜላታት ብምብርታዕ ናብ መኸተ ከተሰጋግሩዎን ረዚን ሓላፍነት ከምዘለኩም ክትዝክሩ ይግባእ።

እቶም ኣብ ወጻኢ እንርከብ ኤርትራውያን ከኣ፣ መህለኽቲ ዜናን ወረን ካብ ምዃን ሓሊፍና፣ ነዚ ንለውጢ ዝበጋገስ ዘሎ ህዝቢ ብኹሉ እንኽእሎ ሞያን ዓቕምን ሞራላዊ ደገፍን ፍናንን ክንህቦ ሃገራዊ ግዴታ ኣለና።

እቲ ኣብ መጋርያ ሓዊ ዘሎ ህዝብና ሓቦ ክብል ከሎ፣ ንሕና ‘ውን ብግዴና ግዜን ኣቓልቦን ገንዘብን መቒልና፣ ሰላማዊ ሰልፍታት ብምክያድ ሞራላዊ ደገፍ ክንህቦ፣ ተበግሶኡ ኣህጉራዊ ተሰማዕነት ክረክብ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ክንውስኸሉ፣ ልዕሊ ኹሉ ፈላላዪ ኣጀንዳታት እናመሃዝና ሰጋእ ካብ ምባሉ ተቖጢብና፣ ብስምረት ድምጽና ንብሩህ መጻኢ ኤርትራ ዘለና ድሌትን ቅሩብነትን ብግብሪ ኣረጋጊጽና ሞራል ከነዕጥቖ ግቡእናን ሓላፍነትናን እዩ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

16 ጥቅምቲ 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
25 COMMENTS
  • shishay gebrehans October 18, 2014

    ንኣማኒኤል ብዙሕ ኣድናቖት እና ገለጽኩ፡
    ዝበዝሕ ኣቶኩረይ ግና ነቲ simon G ዝበሃል ዘቕረቦ ዝርዝራት ዝቃወም እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝበልካዮ፡ምዃኑ በየናይ መጽናዕቲን በየናይ ግዜን ኢኻ ኣረጋጊጽካ፡ ምስክርነትካን መረጋገጺኻን ኣቕርብ እንተተባሂልካ መልሲ ዘለካ ኣይመስለንን። እቲ ህዝቢ ድኽመታት ኣለዎ ብልጫታት ድማ ኣለዎ፡ እቲ ድኽመታት ኣነን ንስኻን ኢና ንፍውሶ፡ ነቲ ንስኻ ዘርዚርካዮ ዘለኻ ድኽመታት ክንኣምነሉ እንተኾንና ግና በየናይ መጽናዕቲን ምስ ኣየናይ ህዝቢ ስለ ዘወዳደርካዮ!!? የቐንየለይ

    • Simon G. October 19, 2014

      ሽሻይ:
      ከም ሽምካ ሽሻይ ይሃብካ። ስለምንታይ፣ ዝሓተትካዮ ጽቡቕ ሕቶ ‘ዩ። ይቃወሞ ኢልካ ግን: ትሓትት ኢኻ ኔርካ።
      በየናይ መጽናዕቲዶ ኢልካ? ሓደ ሓደ ግዜ: ብግብሪ ትሪኦ ካብ መጽናዕቲ ዝተኻየደሉ ንላዕሊ ፍረ ዝህብ ኣሎ። ናትና ደኣ: ምሽዶ ኣብ ስደት ዘለና ሰባት: ሓሙሻይ ክፍሊ ዘሎ ተመሃራይ ከማን ይምልሾ (ዋላ ከም በዓል ጓል ደበሳይ ማለተይ ዩ)
      ሓደ ብሓደ ስክ ንረኣየን ተን ዝጸሓፍኩወን። ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ኣብዛ ንነብረላ ፕላኔት:
      1. ካብቶም ፈራሓት ፍጡር’ዩ —-> ሓደ ሰብኣይ ምስ ወሑዳት ሰዓብቱ ነዛ ሃገር ራዕዲ የእትዩላ። ዕጫና ወይ ቤት ማእሰርቲ ወይ ሞት፣ ወይ ስደት ኮይኑ። ኣይኮነን ድዩ?
      2. ካብቶም ድሑራት ፍጡር’ዩ —-> ሃገር ኣብ ከምዚ ዝበለ ደረጃ ወዲቓ ‘ንከላ ንሕና ኣብ ዘይረብሕ ፍልልይ ኣልዓኢልና ኮለል ንብል። ኣይገርመካን?
      3. ካብቶም ናይ ደናቑር ደንቆሮ ፍጡር’ዩ —-> በዚ ኣብ ስደት ብፍላይ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዘለና ንውሰዶ: ህግደፍ ዓዲ ጨፍሊቑ ኣብ ደልሃመት ሸሚሙዋ ከሎ: ሃገር ማዕቢላ: ለምለም! ወርቂ ብወርቂ ተሸሊማ ክንብል ንውዕል ውሑዳት ኣይኮናን። ካብተን ዘዕቆባና ሃገራት ከማን ክንምሃር ኣይከኣልናን። ከም ፈላጣት ድማ ኣፍልብና ነፊሕና ነህተፍትፍ።
      4. ካብቶም ኣብ ጥራይ መዓኮሩ ምኩሓት ፍጡር’ዩ —-> ከም ኤርትራዊ በሊሕ ‘ኳ የለን። ኣብ ሓሙሳታት ‘ኳ መወዳድርቲ ኣውሮጳውያን ኢና ኔርና: ወዘተረፈ እንዳበልና ጃህራ ብጃህራ! እቲ ንምከሓሉ ዘለና ፍርያት ጥላይን ምዃኑ ብፍላጥ ወይ ብዘይፍላጥ ንጎስዮ።
      5. ካብቶም በለጸኛታት ፍጡር’ዩ —-> ብ ክንደይ ጸገም ናብ ምዕራባውያን ሃገራት ምስ ኣተና: ንኢሳያስን ህግደፍን ኣኽፊእና ወረቐትና ምስ ሓዝና: ነቶም ከምዛ ናትና ዕድል ዘይረኸቡ የዕሩኽትና: ቤተ ሰብና: ወዘተረፈ. ርስዕ። ወረቐት ጣዕሳ መሊእና ኣብ ፈስቲቫላትን ዳንኬራን ህግደፍ ንድቕደቕ። ግርም!
      6. ካብቶም ንዓይ ይጥዓመኒ በሃሊ ፍጡር’ዩ —-> ቁጽሪ ሓሙሽተ ረአ።
      7. ካብቶም ብግመ ተሸፊኖም ኣብ ጽልግልግ ዝርከቡ ፍጡራት ሃደ’ዩ —-> ህዝቢ መትከሉ ስሒቱ ሎሚ ምስ ህግደፍ ጽባሕ ምስ ካልእ። ኣብ ክንዲ ናብ ህግደፍ ሓንጎሉ ዘቕንዕ: ጸላእትና ናብ ኣመሪካ ባ ዋላ ካልኦት እንዳምጻእካ ሾንኮለል ክትብል። መን ጸላኢ ኤርትራ ብግቡእ ንፈልጥ ኣይመስለንን። ተንፈልጥ፣ ብዝሒ ናይ ተቓወምቲ ውድባት ክንድዚ ዶ ምኾና?
      8. ካብቶም ብስነ ግብሪ ዝጠፈሹ ፍጡራት ሓደ’ዩ —-> መንግስት ኤርትራ ምንባር ከሊኡና ኢልና ንስደድ: ደሓር መንነትና ንግልብጥ። 2 ራሻይዳ ኣብ ቅድሚ 100 ኤርትራውያን ንየሕዋቶም እንዳተጋሰስውን: እንታይ የእትዩኒ ብምባል ስቕ ኢልካ ምዕዛብ። ምሕሳው፣ ምስራቕ፣ ምቕታል ዝውቱር እንዳኾነ ምምጽኡ። እቲ ጅግንነት ናይ ቀደም እንዳተደምሰሰ ምምጽኡ።

      ብሓፈሽኡ: ብትምክሕቲ ፍሉጣት ኴና ተሪፍና። ንኣብነት: ኣብ ካሊፎርኒያ ተሪእና; መንእሰያትና ካብ ትምህርቲ ዳርጋ ተነጺሎም ‘ዮም። ብሓደ ሓቢሮም; ዓቢ ነገራት ክሰርሑ ኣይትሪኦምን (ብጀካ ውሑዳት ገዲፍካ)። ካብቶም ካልኦት ስደተኛታት ከማን ክንምሃር ኣይከኣልናን። ብመስተ ግን ዝሓልፈና የለን። ኣየ መንፈዓት!
      ስለዚ፣ ሽሻይ; ናብ የማንን ጸጋምን ‘ሞ ጠምት: መጽናዕቲ ዘየድልዮ ከም ጸሓይ ግንቦት ቦጣዕጣዕ ኢሉ ክትሪኦ ኢኻ። ኣይመስለካን?

  • dan October 18, 2014

    ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ካብ ዓለም ነጺሉናን ኣደንቁርናን ከም ዝነበረ ገና ኣብታ ድሕርቲ ሃገር እትብሃል ሱዳን ምስ ኣተኩ እዩ ተረዲኡኒ እዚ ሽፍታ ስርዓት ኤርትራ ድሕሪ ምቁጽጻሩ ንህዝቢ ዝመሃሮ እንተልዩ ድንቁርና፣ትምክሕቲ፣ትዕቢት ጥራይ አዩ ።

    • ERITRAWIT October 18, 2014

      dan,
      100% spot on!!!!

  • Beremberas Melekino October 18, 2014

    The current Eritrean situational analysis by Amanuel Iyassu is indeed instructive and transformative. Our people should be united more than ever now to save the nation. Isayas’s agenda is to destroy the nation. His agenda is “Dihrey Saeri aytibkola” ziaynetu filsifina eyu zikitel zelo emo aynitehmel.Especially when he knows the time is nearer to his disadvantage, He can do many worse things. He wants to make the people of this nation to be destroyed. What he values is his power only. It is imperative dictators by their very nature think that they will be in power indefinitely, so let’s not give him the time that he does evil. There is not more better advise than what Amanuel Iyassu has given to us. Therefore, let’s turn all those developments he mentioned into our advantage. People of Eritrea should not fight for anything or spy on each other. Let’s not be instruments of the person who is rushing to his grave and I tell you the time of his downfall is ripe. Let’s use this golden opportunity and let’s add fuel to the latest developments of 2014. Higis hadia’la Indike 2015 yisegrado elkumo. Keylekakeme haye Savoya nibel. Nkedadem kisad mihaz aynihimek. I congratulate Amanuel Iyassu for your commitment to be the voice of the voiceless and speechless. God bless you.

  • ERITRAWIT October 18, 2014

    Amanule Brother voice for voice less God bless you.

  • Truly Truly i say to you October 18, 2014

    Ato shishay Geberhana, in which point because you disagree is that you are contradicting Simon G.(MightyEmbasoyra?) In my view view all 8 points MightyEmbasoyra described has truth. For this you do not need a research. It is glass clear! Eritreans wickedness is reality. Every sensible person with his sane can see and admit the ignorance. Of course there are few individuals exception like brother Amanuel Iyasu, Dawit mekonnen and alike. I know most of you as do not like to accept Dawit´s cleverness, but he exactly knows those destroying our nations are people with woyane agenda and all the evil regime supporters and those disturbing and causing division the oppositions not to unite as all are people with unity agenda. There is no cleverness above than acknowledging this fact.
    Ok! For me if ordinary citizens like me only were be domed that much i wouldn´t be surprised or disturbed by the matter, but what at most wonder me is almost all the nation so called intellectuals it is possible to say they are worse dummies and egoists. I even sometimes convince from any Eritrean intellectuals it seems me a six grade Tigrian citizen by far more thinks cleverer and has better IQ than Eritreans intellectuals. Sorry to say that. I hope this reproach it is not come from Woyanes, because of that i hope some of as that not much offended but relief, like i feel myself even it pains me.

  • aus 17 October 18, 2014

    The long awaited end of our terror is approaching , not because we did work for it but it destined so.Even if we failed to accept it, we will be forced to embrace and welcome it. It’s marching, jogging, and pointing to you and only to you brother. Asking “where is your brother” you denied, betrayed and ignored for so long…..

  • Beyene October 19, 2014

    You people you are really spending your time for nothing as I am Ethiopia as I wa born in Asmera I use to follow Eritrean Politics.Last week it was really very interesting news in which was covered by innercity press about visiting Ali Abdu to Australia by monitoring group and telling his great pottentiality to stabilise Eritrea and the resign of the monitor but I don’t. Know the secret why most of Eritean oppostion media like Assena.com etc… didn’t cover such a big news.
    Any way what I want to say thanka to the monitor who sacrifice for you Eritrean to mention your future leader.I agree with monitor for his best Idea.just work hard to work Ali to be your leader. He is really fantastic and a short cut for you solving the crisis.

POST A COMMENT