Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህ.ግ.ደ.ፋውያን ንምዃኑ ኸ ሰብ ዲኹም?

ህ.ግ.ደ.ፋውያን ንምዃኑ ኸ ሰብ ዲኹም? ብወልደየሱስ ዓንደማርያም ኩሉ ግዜ ኣብ ፈቐድኡ መናድቕ ጎደናታት ሳንፍራንሲኮ ዝርእዮ፡ ታሪኻዊ ሙራል ካህን ኤል ሳልቫዶር ዝነበረ ኣሎ። ሓደ ካብቶም ሙራል ፋዘር ኦስካር ሪሞሮ፡ ጎረቤቱ ንሓውና ኣቶ ጸጋይ ኣሰፋው (ወዲ ብላታ) ፍትሓት ዝግበረሉ

ህ.ግ.ደ.ፋውያን ንምዃኑ ኸ ሰብ ዲኹም?

ብወልደየሱስ ዓንደማርያም

ኩሉ ግዜ ኣብ ፈቐድኡ መናድቕ ጎደናታት ሳንፍራንሲኮ ዝርእዮ፡ ታሪኻዊ ሙራል ካህን ኤል ሳልቫዶር ዝነበረ ኣሎ። ሓደ ካብቶም ሙራል ፋዘር ኦስካር ሪሞሮ፡ ጎረቤቱ ንሓውና ኣቶ ጸጋይ ኣሰፋው (ወዲ ብላታ) ፍትሓት ዝግበረሉ ዝነበረ ቦታ ተቐቢኡ ይርአ። መዓልቱ ትማሊ ቀዳም ኮይኑ ኣብ ፍትሓት ኣቶ ጸጋይ ከርክብ፡ ብኡ ክሓልፍ ኣንከለኹ፡ ነቲ ሙራል እንዳረኣኹ፡ “ፋዘር ኦስካር ሪመሮ!!” እየ ዝበልኩ። ዓቕሊ ጽበት ዘንቀሎ እዩ። “እዚ ህዝቢ እዚ ምስማዕ ኣብዩ ኣሎ። ካብ መቓብርካ ተንሲእካ ኣስምዓዮ። ገለ በሎ።” ክብሎ ከሎኹ እዚ ካህንና ነዞም ኣብ ባሕሪ ዝጠፍኡ ይዛረባሎም ዶኾን ይኸውን ኣይዛረበሎምን ዝብል ማንታ ሓሳባት፡ ኣብ ኣእምሮይ ተንጠልጢሉ እንዳ ኣህተፍትፈኒ ናብቲ ቤት ፍትሓት ይጉዓዝ ስለዝነበርኩ እየ።

ርኡይ ኣስካሕካሒ ኩነታት ህዝቢ፡ ኣብ ናይ ሞራልን ሰብኣውነትን ሕቶ ወዲቑ ንነብስኻ ፍረድ ምስ ኮነ፡ እቲ ስፍራ እምነት እውን ድምጹ ኣስሚዑ፡ ንህዝቡ ክዘሪ እዝጊኣብሔር ዝሃቦ ሓላፍነት እዩ። ፋዘር ሪሞሮ ነዚ ሞራላዊ ሕቶ እዚ ሂወቱ ብምሃብ፡ ኣብ ሃገሩ ኤል ሳልቫዶርን ምሉእ ዓለምን ኣብነት ፍትሒ ኾይኑ ዝሓለፈ እዩ። ፋዘር ሪሞሮ ኣብ ውሽጢ ዓዱ እሞ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ጠበንጃ ኾይኑ ዝገበሮ፡ ቀሺ ግርማይ ኸ ኣብ ሃገር ስደት ኾይኑ ይገብሮ ዶ ኾን ይኸውን? ንነብሱ ክፈርድ እንታይ ዘፍርሖ ኣለዎ።

ናይ ርሑቕ ዓዲ ጅግንነት ከየማዕደኹ፡ ጀጋኑ ደቂ ዓደይ ከ ዘይጠቅስ። ከም ፋዘር ሪሜሮ ማዕሪኡ ዝዳረግ እውን፡ ኣብ ትሕቲ ብረት ኾይኖም ንሽፍትነት ደው በል ዝበሉ ተሓይሮም ዘለዉ ጅግና ኣቡንና ኣለዉ። ከምኡ እውን እዚ ንኸይመጽእ ብምቅዋም ኣብ ትሕቲ ጎዳጒዲ ዝሓቁ ዘለዉ ኣሽሓት ዜጋታት ይዝክሮም ዶ ኾን ይኸውን? እቲ ንብዓት ኣዴታት ይርኣዮ ዶ ኾን ይኸውን? እቲ ድምጺ ህጻውንቲ ይስምዖ ዶ ኾን ይኸውን። እወ!! ከመይ ድኣ፡ ቀሺ ግርማይ ኣምላኽ ልብን ኣእምሮን ሕልናን ዝዓደሎ ሰብ እንድዩ። እዚ ኤርትራዊ ዜጋ እዚ፡ ሰብኣውነቱ ሓኺኹ ንኢሳያስ እንካ ንሓላልካ ትኹንካ ዝበሎ፡ ጥሪት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣይኮነን።

ኮይኑ ኸኣ፡ ቀሺ ግርማይ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ደው ኢሉ ንስብከት ምስ ተቐረበ፡ ኩሉ ተራእይዎ ኣእምሮኡ ፈልሐ። ነርቭታት ርእሱ ብምልኦም ከቲቶም፡ ንምሉእ ሰውነቱ ሓዊ ኣጎድሉ። ኣውያት እቲ ውጹዕ ሰሚዑ ድማ ብትብዓት ኣቃልሐ። ዘራይ ውጹዕ ህዝቢ ኾይኑ፡ ኣብቲ ቤት እምነት ነቲ ድምጺ ደላይ ፍትሕን ለውጥን ኣንጎድጎዶ። እቲ ሕቶይ ተመሊሱ። ተዓወት!! ጸባ ስተ ድማ በልክዎ። ጸጥትኡን ክብሩን ሕሉው ዝኾነ ቤት እምነት ስለዝኾነ እምበር ካልእ እኳ ምገበርኩ። ንዘጀመረኒ ጦብላሕታ ደጊመ ድማ፡ ቀሺ ግርማይ ኣብ ውሽጢ ነብሰይ ዝፈጠሮ ስምዒትን ሞራልን ንምርጓድ፡ ፋዘር ኦስካር ሪሞሮ! እየ ዝበልኩ።

“ሆሴ ማለት ድሕነት ማለት እዩ።” ብማለት ከኣ ዘረብኡ ጀመረ። “ነብይ ሆሴ ንህዝቢ እስራኤል ናብ ኣምላኽና ንመለስ እዩ ዝበሎም። ህዝቢ እስራኤል ኣብ ክልተ ተኸፊሎም እንደገና ድማ ብዓሌትን ብወገንን ተባላሊዖም ፋሕ ጭንግራሕ ኣትይዎም ፈቐዶ ዓለም ይጠፍእሉ ኣብ ዝነበረ ዘመን እዩ፡ ኣብ ኣምላኽና ንመለስ ዝበሎም። ንሕና ድማ ምስ ሕልናና ተራኺብና፡ ኣብ ኣምላኽና ንመለስ። ኣብዚ መዓልቲ እዚ ነዚ ንቡር ረኺቡ፡ ብኹሉ ተማዕሪጉ ዝሕዘነሉ ዘሎ ሓውና ጸጋይ ዝብከየሉ ኣይኮነን። ነቶም ብሓውን ብባሕርን ተበሊዕም ዝጠፍኡ ዜጋታት ኢና ክንበኽየሎምን ክንሓዝነሎምን ዝግብኣና።

“ነዚ ኣብ ምሉእ መራኸቢ ብዙሓት ዓለም ተዘርጊሑ ዘሎ ጥፍኣት ዘይሰምዐ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ዓለም ከም ዘየለ እዩ። ህዝብና ይበታተንን ይጠፍእን ኣሎ። ሃገርና ነበረ ከተብል እያ። ኣቱም ሰባት!! ኣብ ፈቐዶ ዓለም ፋሕ ብትን ኢልና ሃገር ነይራቶም ክንብሃል ኢና። ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ሃገሩን   መሬቱን ክነብር ኣይከኣለን። ካብዚ ንላዕሊ እንታይ እዩ ክመጸና። እንታይ ኢና ኾይና ዘሎና? ኣመና ብፍርሒ ዝተበልዐ ዜጋ፡ ፍርሒ ልዕሊ ኩሉ ዝፈተዋ ዜጋ፡ ኣምላኹ ረሲዑ ንፍርሒ እዩ ከም ጣኦት ዘምልኻ ዘሎ። ስልጣን ሃብትን ስስዐን ልዕሊ ኹሉ ዝፈተወ፡ ንስስዐ ዘምለኸ እዩ። ንነብሱ ኣመና ዝፈተዋ ንነብሱ ከም ጣኦት የምልኻ ኣሎ። ንሓውና ሓብትና ብጻይና ወገንና ህዝብና ሃገርና ክንፈቱ፡ ፍቕርን ሰላምን ክወርደና፡ ንህዝብና ክንዘርን ክንሕለቕን፡ ኣብ ኣምላኽና ንመለስ። ኣሕዋት ንጠፍእ ኣሎና። ህዝብኹም ተበታቲኑ፡ ህዝቢ ዘይብላ ሃገር እንታይ እያ ኽትኮነኩም? እንታይ ኢና ንገብር ዘሎና?…. ክዛረብ እየ፡ ደው ኣይተብሉኒ። ክዛረብ እየ!! ንጠፍእ ኣሎና ንበታተንን ንበርስን ኣሎና። እታ ትሰምዕ እዝኒ ትስማዕ…” ብማለት እቲ ትሕዝቶ ስብከቱ ብምልኡ ብዛዕባ ኩነታት ህዝብናን ወሪዱ ዘሎ መዓትን መስኪሩ ወድአ።

እቲ ቅዱስ ስፍራ ዝኾነ ቤት እምነት፡ ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ንሓውና ጸጋይ ፍትሓት ገይርሉ። ሓውናን ዓርክናን ኣቶ ጸጋይ መንግስተ-ሰማያት የዋርሶ። ብማዕሪኡ እውን ንጥፍኣት ህዝቡ ብመሪር ኣእውዩ። ቀሺ ግርማይ ዝተሰምዖ ሕርቃኑን ቁጥዓኡን እንዳገለጸ፡ ንጥፍኣት ህዝብና ዓገብ ክንብል ጸዊዑ። ንሕና ሳላኡ ተፋዂሱልና ይኸውን። እዚ ሕርቃን እዚ ዘይወጸሉ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ግና ኣሎ። ኤርራዊት ኣደ ሕጂ ዘይኮነትስ፡ እዚ ሽፍታ እዚ እግሩ ምስ ኣተወት፡ ሬስኣ ምርካብን ናይ ምሕዛን መሰላን ዝተገፈት ዜጋ እያ። ካብቶም ተዛዚሖም ዝተራእዩ ሬሳታትን ባሕሪ ዝበልዖምን፡ ዓለም ብዓለማ 142 ድሒኖም ትብል። ካብቶም ዝደሓኑ 141 ኤርትራውያን ከም ምዃኖም ከኣ ተረጋጊጹ ኣሎ። ኤርትራዊ ኣደ ድማ፡ በቲ ሽፍታዊ ስርዓት፡ ነቶም ደቃ ኣይደቅኽን እዮም ተባሂላ ትንገር። ንደቅኺ ከሓድዮም ትብሃል ኣላ።

ኣቲ ሰንሰለታዊ ሓዘን ኤርትራዊት ኣደ መወዳእታ ስኢኑ። ሓንቲ መዓልቲ ከይተደበሰ ድማ ይቕጽል ኣሎ። እዚ ንነዊሕ ዓመታት ከየቛረጸ ዝውሕዝ ዘሎ ንብዓት ኣዴታት፡ ኣብ ገጸን መንገዲ ዘይኮነስ ሩባታትን ኣፍላጋትን እዩ ፈጢሩ ዘሎ። ገጽ ኤርትራዊት ተደዊኑ፡ ኣደ ከመይ ትመስል ከምዝነበረት ንምልላይ ኣብ ዘይከኣለሉ ደረጃ በጺሑ። ካብቲ ኣካላዊ ሕሰም፡ እቲ ሕርቃነን ዘይርአ ድኣ ይምሰል እምበር፡ ተዓቢጡ ኣብ ልቢ ኣዴታት ክንዲ እምባ ዝኸውን ቁጥዓን ሕርቃን ጸይሩ ይጉዓዝ ከምዘሎ መን ይጠፍኦ። እዚ መስተንፈሲ ተሳኢንዎ ዘሎ ሕርቃን ዝወጸሉ መዓልቲ ግና ኣለዎ። እቲ እምባታት ሕርቃን እውን ክፈርስ እዩ።

ከምዚ ኢሉ ኣረሜናዊ ግፍዒ ኢሳያስ ክዘንበና ኣይክነብርን እዩ። ስርዓት ኢሳያስ ክድምሰስ እዩ። መሬት ኤርትራ ሽግራቱ ክጽሒ፡ እቲ መዓልቲ ከም ዝኣኸለ ዘርኢ ምልክታቱ እንሆ። ኤርትራዊት ኣደ ናይ ሓጎስ ንብዓት እትነብዓሉ፡ ምስላ ተለልዩ ንሳ እያ እልል ትብል ዘላ እትብሃለሉ፡ ሽማ ዝርቁሓሉን ዝኽብረሉን እዋን ክመጽእ እዩ። እዚ ካብቲ ዕቡጥ እምባታት ሕርቃን ዝውሕዝ ናይ ሓጎስ ንብዓት ኣዴታት፡ ንወከልቲ ጥፍኣትን ዓመጽን ዝኾንኩም ህ.ግ.ደ.ፋውያን ጸራሪጉ ከም ዘጥፈኣኩም፡ ወይለኹም ሕሰብሉ ጥራይ እየ ክብል ዝኽእል። እቲ ይቕረን ሰላምን ዝመንፈሱ ቅዱስ ስፍራታትን ቤት እምነታትን እውን፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ መዓልቲ ሓዘን እምበር መዓልቲ ጓይላን ዕብዳንን ስኽራንን ኣይኮነትን ይብለኩም ኣሎ። ኣብ ኩሉ ስፍራታት፡ ዓገብ!! ምስ ህዝብኹም ተዓረቑ ምስ ህዝብኩም ወግኑ፡ መንገዲ ሸይጣን ገዲፍኩም ናብ ኣምላኽኩም ተመለሱ ብማለት ይግስጸኩም። እንተኾነ ግና ሰብ ምዃንኩም ስለዝረሳዕኩሞ እቲ ጻዕሩ ከንቱ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ይጸንት፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ኣትላንታን ኣብ ጀርመንን ኣብ ርያድ ፈቐድኡ ስደት ሃገራትን ጓይላ ምትካል ተራእይኩም!! ሃገረ ጣልያን መዓልቲ ሓዘን ኣዊጃ ኣንዳሰማዕክኩም፡ ኤርትራዊ ክጠፍእ ክሃልቕ ትሕጎሱን ትዘሉን ትድብሉን ዘለኹም፡ ንምዃኑ ኤርትራውያን ዜጋታት ዲኹም? ንሱስ ይትረፍ፡ ንምዃኑ ኸ ሰብ ዲኹም? ከምዚ ካብ ኮነ፡ ንሓዋሩ እዚ ንብዓት ኣዴታት እዚ እሳተጎማራ ኣልዒሉ ንህ.ግ.ደ.ፋውያን ከይወድአ ከምዘይጠፍእ፡ ይኣኽለካ ተዓገት ተበልካዮ እውን መዕገቲ ከምዘይርከቦ ተረድኡ እብለኩም። እቲ ግዜ እውን ክንርእዮን ክንበጽሖን ኢና። ነዊሕ ኣይኮነን።

ወልደየሱስ ዓንደማርያም

ሳን ፍራንሲስኮ በይ-ኤርያ

10.06.13

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • Beruk October 7, 2013

    What reason do we Eritreans need to get united and save our people and country? Could there ever be a worse incident than this to help us understand the tragic situation of our country and people? Other civilized societies vehemently raise their voices on behalf of a single abused citizen. What has happened to our brothers and sisters is not an abuse. It is a tragic incident where our citizens have perished. Lets end another similar incident by targeting the main cause of the problem. Lets act before it is too late.

    Beruk

  • Genet October 8, 2013

    What is wrong with Eritrean? What is wrong with us?

    I am so upset and heart broken right now, I can’t even breath. Tragedy after tragedy the past 15 years have been absolutely the worst time of our lives. Eritrean mothers have been not only losing their young children, but also haven’t been able to bury them with dignity. No closure what so ever. Before the Sinai tragedy, before the Libya tragedy, before now, the Lampedusa tragedy, Our brothers and sisters have been shot dead by PFDJ’s operatives for years. Anyone, remember the PFDJ’s and the dictator’s policy? “Shot first and ask second” at any border. Then the Sinai case came along. Well, it seems that to the PFDJ system and the dictator, our brother and sisters are worth more to leave Eritrea alive than dead. This dictator is so out of control, on PFDJ’s TV, formerly known as EriTV, reports about the tragedy of Eritreans and others death as “Illegal immigrants”. PFDJ members and supporters in diaspora are pretending like noting happen. They are counting on our short-term memory. Yes, this is just one tragedy just like the others. So, They think; But what they don’t know is this is one too many tragedy. PFDJ members and the dictator are responsible for making Eritrea HELL ON EARTH for her own people. All Eritreans, this is the perfect time to really unite as one people. Our people have been under constant attack, out in the open for more than 15 years. Those young men and women who are now dead, are the children of Eritrean fathers who are still in the open-ended national service. Because of one man and his supporters, our country became HELL ON EARTH systematically. Could you live in any place that has no clean water, enough food, a job with pay, rule of law, right to move around in your own country? These questions are for Eritreans in diaspora who are still supporting this evil dictator. Those young men and women, what are they supposed to do? It is death, if they stay in Eritrea; So, they are dying to get away. Whose responsibility is it to rescue those brothers and sisters? Is having a house in Asmara worth Eritreans’ lives? Is investing for retirement with the criminal dictator worth the lives of Eritreans? Is going to Eritrea worth young Eritreans blood?

    It is time! It is way over due! All Eritreans in diaspora need to come to our senses. We need to rescue our people. What are we telling to the Eritrean children born in diaspora? What? Eritreans in Eritrea, they don’t matter? Their lives worth nothing? What do we want? Do we want diaspora Eritrean children to be ashamed of their origin?
    Genet

POST A COMMENT