Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም አብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ – نداء عاجل لجميع الارتريين في جميع أنحاء العالم

እቲ መስዋእትን ስንክልናን ብሉጻት ደቂ ሃገር ዝሓተተ ናጽነት ንህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝተጸበዮ ሰላምን ራህዋን አየጨበጦን ፡ ብኣንጻሩ እኳደኣ ኣብ እዋን ባዕዳውያን ገዛእቲ ከማን ርእዩዎ ዘይፈልጥ ዘስካሕክሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ተፈድዩ ይርከብ። አብዚ ዝሓለፈ 25 ዓመት

እቲ መስዋእትን ስንክልናን ብሉጻት ደቂ ሃገር ዝሓተተ ናጽነት ንህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝተጸበዮ ሰላምን ራህዋን አየጨበጦን ፡ ብኣንጻሩ እኳደኣ ኣብ እዋን ባዕዳውያን ገዛእቲ ከማን ርእዩዎ ዘይፈልጥ ዘስካሕክሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ተፈድዩ ይርከብ። አብዚ ዝሓለፈ 25 ዓመት ኣብ ትሕቲ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ፤ ሓዘንና ፡ ሞትና ፡ ስቓይና ፡ ማእሰርትና ፡ ስደትና ፡ መከራና ሳዕሪሩ ፤ ኩሉ ነገር ካብ ዝኸፍኤ ናብ ዝገደደ ይኸይድ ኣሎ ፤ እነሆ ክብርና ተቐንጢጡ ፡ መሰልና ተጋሂሱ ፡ንብዓት አደ ንውላዳ ኮይኑ ዘመኑ። ቁጠባዊ ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊን ሰብኣዊን መሰልና ኣብ ትሕቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ጅሆ ተታሒዙ። ሕድሪ ስዉኣት ተጠሊሙ : ወርቃዊ ዕድል መንእሰያትና ባኺኑ ፡ ገጠራት ኤርትራ ባዲሙ ፡ ወላዲት ወላድ መኻን ኮይና ፡ ቤተሰባት ጸኒተን:: ጭካነ ስርዓት ህግደፍ ቃልዕ ወጺኡ እነሆ ቅንጸላ መንእሰያትና ካብ በረኻ ናብ ከተማ ኣስመራ ኣትዩ ደም ንጹሃት መንእሰያት ኣብ ቅድሚ አዴታቶም ኣብ ጎደና ኣስመራ ክፈስስ ተራእዩ። መከራን ስቓይን ህዝብና ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ሳሕቲ ዝኽሰቱ ተርእዮታት ኮይኑ ‘ሎ።

ነዚ ኩሉ ኢሰብኣዊ ፍጻሜ ኣብ ኣስመራሳህራማእከላይ ባሕሪ እንዳሰማዕና ስቕ ክንብል ሕልናና ኣየፍቅደልናን፣ ታሪኽውን ክሓተናዩ። “ኣነ እንተዘይተበጊሰ መን’ዩ ክብገስ? ጉዳይ ሃገረይ ኣነ እንተዘይጌረዮ መንዩ ዝገብሮ? ሎሚ እንተዘይጌረዮ እሞ ማዓስ ክዓሞ?” ኢልና ነብስና ንሕተት  ከምቀደምና።

እዋናዊ ተመክሮና ኣይ ፍሽለት ጥራይ ኣይኮነን። በቲ ሓደ ወገን፣  መስርሕን ውጽኢትን መርመራ ናይታ ገበናት  ኢሰብኣዊ ስርዓት ህግደፍ ንምጽራይ ትሰርሕን ትቕጽልን ዘላ መርማሪት ኮምሽን ብምድጋፍ ኣብ ኣፍደገ ቤት/ጽ ሕቡራት ሃገራት አብ ጀኔቭን ኒውዮርክን ካልኦት ከባቢታትን፣ ደላይ ፍትሒ ዝገደፈ ገዲፉ ኣሽሓት ማይላት ተጓዒዙ ብኣሻሓት ብምስላፍ  ኣብ ክንዲ እቲ ውጹዕ ህዝቡ፣   ብዓውታ “ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ” ክብል ነጎድጓዳዊ ድምጹ ከስምዕ ምስረኤኻን ምስ ሰማዕካን “ኣንታ እዚ ህዝቢ ዘበግሶን ዝውድቦን እዩ ስኢኑ እምበር ታሪኽ ናይ ምስራሕ ኣመሉ ‘ባ ኣይመተን” ዘየብል ኣይኮነን።

ዝኸበርኩም ሰብ ሕልና ደለይቲ ፍትሒ፡ ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ወድዓዊ ክውንነት ብምብጋስ ፡ ንሕና ቃንዛ ህዝብና ዝተሰማዓና ቁስሊ እዛ ሃገር ዘቐንዘወና ካብ ዝተፈላለየ ድሕረባይታ ዝመጻናን ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላተ-ዓለም እንነብርን ብውልቂ ይኹን ብእኩብ ደገፍቲ ናይ’ቲ  – ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝኣመተ ናይ ሓፋሽ ምንቅስቓስ (grass-root movement) ዝኾና ተቓለስቲ ኢና።  “ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ “ ወይ Global Initiative To Empower Eritrean Grassroots’ Movement (GIEEGM)” ተባሂሉ ዘሎ ግዝያዊ ናይ ስራሕ ስምና ከምዘነጽሮ ፡ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝኣመተ ምንቅስቃስ (grass-root movement) ምስ ኩለን ፖለቲካውያንን ዘይፖለቲካውያንን ማሕበራት ብሓባር ብምስራሕን ንኹሎም ኤርትራውያን ብዘይ ኣፈላላይ  ብምስታፍን፣ ምልኪ ብምልጋስ ዲሞክራስያዊ ምስግጋር ከረጋግጽ ዝኽእል  – ዝሰለጠን ኣሳታፍን ቀጻልነት ዘለዎን መንገዲ እዩ ዝብል እምነት ኣሎና።

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት አዋርሕ ሰሙናዊ ብመራኸቢ ቴክኖሎጂ ተጠቒምና ክንላዘብን ክንመኻኸርን ድሕሪ ምጽናሕ ከም ኣሳለጥቲ ኴይንና ኣብ ቀረባ እዋን ንኹሎም አብ ስደት ዘለዉ ኤርትራውያን “ካብ ታሕቲ ንላዕሊ” ዝመሰረቱ ብናይ ሓፋሽ ህዝቢ ተሳትፎ ፡ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ንኽመርጽ ዝጽውዕ ሰነድ ንምቕራብ ከኣ ‘ዩናይ ቀረባ ምደብና ። ስለዚ “ካብ ህዝቢ ንህዝቢ” ክኸውን መታን ነዚ እነዳልዎ ዘሎና ሰነድ ሓፋሽ ህዝቢ ክሳተፎ ስለዘለዎ ኩልኹም ደለይቲ ፍትሒ ነቲ አብ ቀረባ እዋን እንልእከልኩም ሰነድ አንቢብኩም ክታምኩም ከተንብሩሉ ብትሕትና ንጽውዕ።

እቶም ብዝተፈላለየ ርዱእ ምኽንያት ክታምኩም ከተንብሩ ዘይትኸሉ ከኣ ጠለብኩም ተረዲእና አስማትኩም ዓቂብና ኩሉ እትገብሩልና ደገፋት ብስቱር ክንሕዞ ምዃንና ቃል ንኣትወልኩም። እቲ ብህዝቢ ዝቐውም ዓለምለኻዊ መሪሕነት ምስ ፖለቲካውያን ውድባትን ካልኦት ጥርናፈታትን ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ባይታ ምፍጣርን ውድቀትን ስዕረትን  ናይቲ ንህዝብና ዘሳቒ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ምቅልጣፍን ደኣ እምበር፣ ንውድባት ወይ ካለኦት ጉጅለታት ናይ ምትካእ ዕላማ የብሉን። ተበግሶና ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን፣ ኣብ መጻኢ ስልጣን ናይ ምሓዝ ሕልሚ’ውን የብልናን። ዕላማና  ካብ ምስላጥን ምቛምን ሕጋዊ ቅቡልነትን መዝነትን ዘለዎ ኣህጉራዊ መሪሕነት ኤርትራ ዝሓልፍ ኣይኮነን።

እቶም ክታምኩም ብምንባር ይኹን ብኻልእ ሸነኽ ክትተሓባበሩ ፍቓደኛታት ዝኾንኩም እቲ ክንዝርግሖ ንቀራረበሉ ዘሎና ሰነድ ቅድሚ ምፍናውና ከተንብቡዎን ናይ ምምሕያሽ ርእይቶኹም ንኽትህቡና ክንልእኸልኩም መታን በዚ ዝስዕብ ኢመይል ክትረኽቡና ብትሕትና ንጽውዕ። ዝኾነ ሕቶ እንተሃልዩኩም ወይ መብርሂ እንድሕር ኣድዩኩም’ውን በዚ ዝስዕብ ኢመይል ክትውከሱና ብትሕትና ንሓትት።

gieegm@googlegroups.com

 

ዝርዝር ኣስማት ኣባላት ሓይሊ ዕማም

ስም ከተማ ሃገር ኢ-መይል
ኣሕመድ ብርሃኑ ዋሽንግቶን ሲያትል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ  berhanuamen@yahoo.com
ኣማኑኤል ኢያሱ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ aseye.asena@gmail.com
ፕሮፈሰር ኣርኣያ ደበሳይ ንውኣርክ፣ ደላዌር ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ Araya124@gmail.com
ኢራሂም መሓመድ ኣምስተርዳም ነዘርላንድስ ibrahimms100@gmail.com
ዶ/ር ሰለሙን ገብረዝጊ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ solomongg2@yahoo.com
ተኽኣ ዮሃንስ ኒውዮርክ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ teka.yohannes@yahoo.com

 

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!!

نداء عاجل لجميع الارتريين في جميع أنحاء العالم
أيها الإخوة والأخوات،

نحن نكتب لكم  أن تكونو  طليعة دعوة لجميع الارتريين في المهجر للانضمام الى الحركة  الشعبية  التي تهدف لانتخاب القيادة العالمية الإريترية .

قد تحقق استقلال بلدنا بعد التكلفة الضخمة لمئات الآلاف من أبنائه وبناته. ولكن، لم يؤد إلى حياة أفضل للارتريين. بل على العكس تماما، كان الوضع أسوأ بكثير من أي وقت مضى.  في السنوات الأخيرة، التجربة الاريترية كانت واحدة من أسوأ في تاريخ العالم.

و لهذا من الضروري توحيد الاريتريين في المهجر لإنقاذ شعبنا وبلادنا. ومن المشجع أن هناك بالفعل ارتريين في أجزاء كثيرة من العالم الذي يتم تنظيمها أو يجري تنظيمها على المستوى الشعبي لإنقاذ شعبهم. من أجل أن تكون أكثر فعالية  يجب تنسيق هذه الجهود وتعزيزها من قبل القيادة العالمية المنتخبة ديمقراطيا. القيادة العالمية المنتخبة ديمقراطيا  ستنسق  وتوجيه الأنشطة على المستوى الشعبي. ونحن نعتقد أن عدم وجود مثل هذه الهيئة العالمية كان الحلقة الأضعف للمعارضة الإريترية. نحن بحاجة إلى إنشاء هذه الحلقة المفقودة الحيوي. وليس المقصود من هذه الهيئة العالمية لتحل محل أو إضعاف عمل الجماعات أو المنظمات السياسية. بل لإنشاء ارتباط بينهما وتنسيق وصياغة أنشطتهم لتحقيق نتائج ملموسة لإزالة النظام الدكتاتوري وتحقيق التغيير الديمقراطي لشعبنا.

هدفنا الرئيسي هو توحيد جميع الارتريين في نضالنا الديمقراطي من أجل التغيير.  و مهمة تشكيل القيادة العالمية هي مسؤولية جميع الإريترية الذين هم على استعداد وقادرة على المساهمة في نجاح المهمة. هذا هو الغرض من دعوتنا المفتوحة لجميع الارتريين. فإن الأفراد الذين تظهر أدناه أسماء بمثابة قوة مهمة مؤقتة لدعوة الإخوة والأخوات الإريترية لدعم “نداء عاجل إلى جميع الاريتريين في جميع أنحاء العالم.”

نحن نعتقد اعتقادا راسخا ان هذا هو أنجع السبل لتسهيل عملية توحيد الارتريين حتى نتمكن من انتخاب جماعي للقيادة  العالمية الشرعية. وسيكون دور القيادة العالمية يتمثل في إعداد الأساس لنقل إريتريا لتكون دولة ديمقراطية، وستبذل جهد كبير لإشراك جميع المنظمات المدنية الإرترية والجماعات، والأحزاب السياسية، والجماعات الإثنية واللغة والدينية، كلا الجنسين، والشباب، وغيرها.  ونحن نفهم أن التغيير سيأتي من داخل البلد، ونحن نعتقد ان تلك العناصر التغيير داخل البلد سيكون أكثر شجع  إذا كان كل الارتريين المحبة لعدالة بما في ذلك المنظمات المعارضة في الشتات هي موحدة والعمل معا.

ونعتقد أن هذه الدعوة تدعو وتشجع جميع الأجزاء المكونة لمجتمعنا في المهجر.  وسوف تكون أكثر نجاحا إذا جميع  الارتريين في القارات الخمس نتكاتف لتوحيد طاقاتنا وجهودنا ونعتمد هذه الدعوة، ونصبح الموقعين على النداء.

وأولئك الذين لديهم أسباب وجيهة لعدم تقديم أسمائهم ، لديهم دور يلعبه في تحقيق نجاح الحركة الشعبية في مجموعة متنوعة من الطرق التي سيتم وصفها في رسالة الدعوة.

ونحن نطلب أولئك الذين هم على استعداد ليكون الموقعين على الرسالة في الاتصال بنا باستخدام عنوان البريد الإلكتروني هذا gieegm@googlegroups.com. إذا كان لديكم أي أسئلة أو إذا كنت تحتاج إلى توضيح، لا تترددوا في الاتصال بنا.

هؤلاء على استعداد ليكونو الموقعين –  سيكون لديهم الفرصة لقراءة واقتراح التحسينات قبل صدور  الدعوة للجمهور.

من نحن؟

نحن الموقعين أدناه،  مجموعة متنوعة من الناشطين الاريتري من جميع مناحى الحياة مع خلفيات مختلفة تقع في أجزاء مختلفة من العالم. نحن نتكون أساسا من مختلف المجموعات الذين كانوا كمجموعة أو كأفراد، أنصار نهج من أسفل إلى أعلى ونشطاء من الحركة الشعبية. كما يشير اسمنا “المبادرة العالمية لتمكين الحركة الشعبية الإرترية” (GIEEGM) “، ونتخذ هذه المبادرة لتمهيد الطريق أمام كل الإريتري للمشاركة في إحداث تغييرات إيجابية في بلدنا. ما جمعتنا  نحن على اقتناع   – بأن الحركة الشعبية من أسفل إلى أعلى  -هي الأكثر فعالية وديمقراطية إلى توحيد جميع الارتريين في إنهاء مشاكل بلدنا. نحن لسنا منظمة سياسية، وليس الدافع وراء مبادرة  و نحن لا نرغب في تولي دور القيادة . كل ما نقوم به هو لتسهيل انتخاب القيادات العالمية من خلال إشراك الارتريين في الشتات على المستوى الشعبي.

فرقة العمل في ترتيب هجائي:

عنوان بلد مدينة اسم
 berhanuamen@yahoo.com الولايات المتحدة سياتل، واشنطن السيد أحمد برهانو
aseye.asena@gmail.com المملكة المتحدة لندن السيد أمانويل اياسو
araya124@gmail.com الولايات المتحدة نيوارك ديلاوير بروفسور ارايا دبساي
ibrahimms100@gmail.com هولندا أمستردام السيد إبراهيم محمد
solomongg2@yahoo.com المملكة المتحدة لندن الدكتور سلمون جبرجرجويس
teka.yohannes@yahoo.com الولايات المتحدة نيويورك السيدة تخاء يوهانس

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • Haile Simon April 20, 2016

    ንስኻትኩም ኣባላት ድምጽና ዲኹም ወይ ካልኦት? እቲ መልእኽትኹም ካብቲ ድምጽና ዝብልዎ ፍልልይ የብሉን`ሞ፡ ንስኻትኩም ድኹም ድምጽና ትበሃሉ ወይስ ካልኦት ኢኹም።
    ምስናይ ክብረት
    የቐንየለይ

    • AHMED SALEH !!! April 20, 2016

      Haile
      If you read the article of their call to join this grass root movement
      is not that sophisticated to understand how and when it started and way
      of its formation including individuals name involved .
      In fact all Deleyti Fithi members have common ideological beliefs to
      observe similarity in their written articles . All of them try to bring
      awareness on Eritrean public at critical moment of present Eritrea and
      we must appreciate their effort and give solidarity as we could .

  • zecarias tegezab April 20, 2016

    ድሕነት ህዝብን ሀገርን ከቃልስን ክቃለስን ዝኽእል እንተ ዝህሉ አብዚ ዘሎናዮ አይ ምወረድናን ስለዚ ድማ ንቅኑዕ ተበግሶ ዐይነይ አይሐስየሉን ስለዚ ሀየ ከም ማዕበል ባሕሪ ብሐንሳባ ንተስእ

  • Tesfamariam Weldegiorgis April 20, 2016

    ናይ ብሓቂ ጽቡቕ ሓሳብ እዩ ሓሲብኩሞ ዘለኹም፣

  • Desalegn April 20, 2016

    Date: 20/04/2016

    LET US RESPOND TO THE DISASTER OF ERITREA

    ALTHOUGH ERITREANS PERFORMED WELL, THEY DID NOT RESPOND WITH THE SAME LEVEL OF ACCURACY. IN REALITY ALL OF THE CASES WHERE ERITREANS WERE NOT ACCURATE IN RESPONDING, IT WAS BECAUSE OF THE LACK OF QUALITY OF THE THEORY/IDEA TO PRACTICAL TRANSLATION THAT IS PERFORMED INTERNALLY BY THE TRANSLATION ENGINE. LET US BREAK THIS HARARE BY WORKING TOGETHER.

    “LET US RESPOND TO THE DISASTER OF ERITREA APPROPRIATELY”

    [BY]

    “TRANSLATING OUR THEORY/IDEA TO PRACTICAL”

    Desalegn Berhe
    Coventry, United Kingdom
    email: des.tel@yahoo.com

  • Desalegn April 20, 2016

    Hello!!!

    “ERITREAN SILENCE IS ALREADY BURSTED OUT”

    Engineer – Desalegn Berhe
    Email: des.tel@yahoo.com

  • Semur Ghenbar April 20, 2016

    ክቡራት የሕዋት GIEEEM ፤

    አቐዲማ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ብ -GROOS MOVEMENT ” ሕዝባዊ ማዕበል ” ትፍለጥ ተመስሪታ ጽቡቕ ምንቕስቓስ እናአርአየት ኾላ ምስአ ተሐዊስኹም ቅድም ሕዝቢ በብከተምኡ ወዲብኹም ካብ ሕዝቢ ዝተመረጹ ተወከልቲ ነቲ ናይ ሕዝቢ ህርመት ልቢ መልእኽቲ ዘመሐላልፉ ጌርኹም ስልጣን ብዘይጥርጥር ናይ ሕዝቢ ምኻኑን ዝረጋገጸሉ አሰራርሐዶ አይምሐሸን? እስኺ አረድኡና።

  • sara April 21, 2016

    Good idea. Add professor bereket habtesslasi. Prof Gain, more female needed…Dr Sara manchester

  • Sesen April 21, 2016

    Did you say
    “. . . ንውድባት ወይ ካለኦት ጉጅለታት ናይ ምትካእ ዕላማ የብሉን። ተበግሶና ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን፣ ኣብ መጻኢ ስልጣን ናይ ምሓዝ ሕልሚ’ውን የብልናን። ዕላማና ካብ ምስላጥን ምቛምን ሕጋዊ ቅቡልነትን መዝነትን ዘለዎ ኣህጉራዊ መሪሕነት ኤርትራ ዝሓልፍ ኣይኮነን።”

    ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ። እንድሕር ወዲብኩም መሪሕነት እንተኮይንኩም ከመይ ከመይ ደኣ እዩ ጉጅለ ክንትክእ ኣይኮንናን ውድብ ኣይኮንናን ዝብሃል። ወዮ ህዝቢ ኣብ ሓደ ተወዲቡን ብሓደ ተመሪሑን’ሲ . . . ከምኡዶ ኣይኮነን ዝድለ ዘሎ። እቲ ሕቶ ዘሎ ናይ መዕንጣ ጉዳይ እዩ። እቲ ምምራሕ ዝብሃል ዘሎ ሕጂ’ውን ኣብ ኣውሮጳን ኣሜሪካን ኮይንካ እንተኾይኑ ደኺምኩም ኣይተዳኹሙና። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣቲና ብውሑዱ ድማ ኣብተን መዳውብታ ዘለዋ ሃገራት ብምኻድ እንተኾይኑ ግን ይብዛሕ ይውሓድ ህዝቢ ክኽሰብ ይከኣል እዩ።

    ወድሓንኩም

  • hanetse kahsay April 21, 2016

    ብጣዕሚ ጽቡቕ ተበግሶ ብጾት ህዝቢ ኩሉ ንለውጢ ተበጊሱ ከምዘሎ ኩሉ ዝርዳኦ እዩ እዛ ንስኹም ተበጊስኩምላ ዘለኹም ድማ ብጣዕሚ ኣገዳሲት መንገዲ ናብ ተግባር እዩ እሞ ኩሉ ደላይ ለውጥን ፍትሕን ኣብ ጎድንኹም ከም ዘሎ ኣይትጠራጠሩ ኣብ ጎድንኹም ኣሎና
    በዞም ገለ ገለ ጸረ ለውጢ ዝጽሕፍዎ ዋላ ንእሽቶይ ክትሰጋኡ የብልኩምን

  • A H April 21, 2016

    I am ready to work with you and I beleive this is the only way to empower our youngsters: to lead us to victory. Time is passing us by,while we computing with each other for power, though power can not be grasped when your people are defenseless. Destroy the enemy united then to compute for power.
    Get on with it and take us with you, thank you very much.

POST A COMMENT