Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህጹጽ ጻዋዒት ንዓበይቲ ዜጋታት ንመንእሰያት ንምእላይን ምሕጋዝን

ኣብ’ዛ ካብ ተኸታታሊ ባዕዳዊ ዕብለላ ድሕሪ ነዊሕ ናጻ ዝወጽአት ሃገር: ንሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ጋኖት ዝኾኑ ኣብ 1993 ስልጣን ዓቲሮም::ንሳቶም ድሮ ግንቦት 24 1993 ንዝጀመረ ምህናጽ ሃገርን ተስፋ ብስርዓተ ማኪያቨሊ ኣዕነውዎ:: ኤርትራ ብርኡይ ክትመውት ትደሚ’ላ:: ድሮ እውን

ኣብ’ዛ ካብ ተኸታታሊ ባዕዳዊ ዕብለላ ድሕሪ ነዊሕ ናጻ ዝወጽአት ሃገር: ንሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ጋኖት ዝኾኑ ኣብ 1993 ስልጣን ዓቲሮም::ንሳቶም ድሮ ግንቦት 24 1993 ንዝጀመረ ምህናጽ ሃገርን ተስፋ ብስርዓተ ማኪያቨሊ ኣዕነውዎ:: ኤርትራ ብርኡይ ክትመውት ትደሚ’ላ:: ድሮ እውን ቆሲላ’ያ::

ብስንኪ ብርሰትን ጊላነትን ቀጻልነታን ህላዌኣን ዝተሓረመት ሃገር :ብዛዕባ’ቶም  ብዘይሕጋዊ ህግደፍን መራሒኡ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዝተጨውዩን ዝተመቁሑን ይትረፍ: ብዛዕባ መጻኢ መንእሰያታ እውን ክትርኢ ኣይትኽእልን’ያ:: መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ብፍርሂ’ምበር ብሕጊ ከምዘይነብሩን: ተገዲዶም ድማ በሽሓት ንሂወቶም ኣብ ሓደጋ ብምእታው ብሰንኮፍ ጃላቡ ማእከላይ ባሕሪን ብምስጋርን: ብመሬትን ኤውሮጳ ከምዝኣትው ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ደምዲሙ:: ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ ደሴታት ላምፐዱሳን ካልኦት ደቡብኤውሮጳን ገማግምን ዘጋጥሞም ኣይፈልጡን:. ኣብ’ተን እግረን ዘንበሩለን ሃገራት ብፖሊስን ሓለዋን ውርደትን ኣደራዕን የጋጥሞም:: እዚ ነቶም ኣብ ገማግም ከይበጽሑ ኣብ ባሕሪ ዝጠፍኡ ከይጸብጸብካ’ዩ::

እቶም በቲ ስርዓት ዝተዳህሉን ኣብ ትሕቲ ጀነራላትን መኮነናትን ሚኒስትሪ ምክልኻል ብገደብ ኣልቦ ኣገልግሎት ዝተቐየዱ-

ኣብ ኤርትራ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስ ዘመናዊ ጊላነት ዝመሳሰል’ዩ:: ብዘይ ሰብኣዊ ኩነታት: ብ450 ናቕፋ(42 ዶላር) ንወርሒ ይነብሩ:: ምስ ክብሪ ናብራን ዝቕባበ ባጤራ ናቕፋን በዚ ክነብሩ ኣይክእሉን’ዮም:: ምስ’ዚ ስቓይ ተወሲኽዎ ኩሎም ድሕሪ ስቓይ ብዝፍጠር ነውጺ ድሕረ ስቓይ ይጥቅዑ(post traumatic stress disorder):: ኣብ’ዚ ደረጃ’ዚ ርእሰ- ምትእምማን ከማዕብሉን ኣብ ዝነብሩሉ ቦታ ምሉኣት ዜጋታት ክኾኑን ስነ-ኣእምሮኣውን ማሕበራውን መምርሒ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ::እንተኾነ 23 ዓመት ጊላነት ነዞም መናሰያት ተስፋ ኣቑሪጹን: ንዝኾነ ዝሕግዞም ሰብ ኣብ ዘይምእማን ደረጃ ኣብጺሕዎም::እዚ ማለት ግን ኣብ ዝሓለፈ 60 ዓመት ንናጽነት ኣብ ዝተገብረ ተጋድሎ ኣነን መዛኑየን ካብ ከም’ዚ ዓይነይ ተሞክሮን ነውጽን ናጻ ኢና ንምባል ኣይኮነን::

ህጹጽ ጻዋዒት ንኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ

ኣብ እንነብረለን ሃገራት ብተዛማዲ ብሰላምን ውሑስ ሂወትን ንመርሕ ከምዘሎና ኩልና ንፈልጥ ኢና:: ሃገርና ግን ብሰንኪ ኢሳያስን ጉጅለኡን ትሳቐ’ላ:: እታ እነፍቅራን እንውድሳን ሃገርና ኣብ ቀራና ረጊጻ ኣላ:: መንእሰያትን ቆልዑን ህጹጽ ሓገዝ የድልዮም:: ዝሓለፈ ወርሒ ብመርማሪ ኮሚስዮን ሕ.ሃ. ኣብ ጀነቫ ዝቐረበ ጸብጻብ ንዓለም ኣርሚሙ’ዩ::ጸብጻብ መበል 29 ኣኼባ ባይቶ ሰባኣዊ መሰል ተወከስ:: ኣቦመንበር ኮሚሽን ንሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ሚስተር ማይክ ስሚዝ::

” ሓደ ምስክር ዝጠቐሶ: ኣዲኡ መውጻኢ ቪዛ ክትሓትት ናብ ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢኣ ብምኻድ ዝርዝር ሓበሬታ ስድራቤታ ሃበት:: እቲ ምስክር ካብ ሃገር ከምዝወጽአ ምስ ተፈልጠ ኣዲኡ ተኣሲራ”::

ካልእ ምስክር ዝሃቦ ቃል ” ኣብ ታዓሊም ወተሃደራዊ ሚሊሽያ ምስ ዘይትኸይድ ኩፖን ትኽልከል: ናብ ካልኦት ሃገራት ከይዶም ዝነግዱ ክወጽኡ ኣይክእሉን’ዮም:: ጸብጻብ ተዓለምቲ ኣብ ምምሕዳር ተታሒዙ’ይ:: እንተዘይፈጺምካ መውጽኢ ቪዛ ኣይውቃዓልካን’ዩ::”

”  መውጽኢ ቪዛ ክትሓትት ኣቲ ኩፖን የድልየካ:: ሓደ ሰብ ብዘይሕጊ ምስ ዝወጽእ ኩፖን ይስሓብ:: ብመሰረት ሃገራዊ ሕጊ እቲ ንኢመግረሽን ዝቆጻጸር ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ጸጥታ: ንዝኾነ ብዘይሕጊ ሃገር ክለቅቕ ዝተጠርጠረ ሰብ ክምርምር ስልጣን ኣለዎ:: ኣብ ኩሉ’ቲ ነቑጣታት መውጽኢ: ከም መዓርፎ ነፈርቲ: ወደብ ኣባላት ጸጥታ ኣለው::”

እቲ ኮሚሽን ብተወሳኺ መውጽኢ ቪዛ ተዋሂቦም ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ዝተኣስሩ ከምዘለው ጸብጻብ ረኺቡ::

”ምስ’ታ ኮሚሽን ዝተዛረበ ሓደ ግዳይ: ንረድዮ ወጋሕታ ሓበሬታ ብምትሕልላፍ ተኸሲሱ ክምእተኣስረ ድሕሪ 6 ወርሒ ማእሰርቲ ከምዝፈለጠ ገሊጹ:: ኣብቲ መርመራ ኩሎም እቶም ጋዜጠኛታት ምስ’ታ ኣብ ወጻኢ ዝመደበራ ራድዮ ወጋሕታ ምትእስሳር ከምዝነበሮም ምሂዞም ነጊሮምኒ:: ንሕና ድማ ንራድዮ ወጋሕታ ብምብርካት ተኸሲስና::”

” ብዘይሕጋዊ መጠንቀቕታ ሓደ ጋዜጠኛ ናይ ኢመይል ኣድራሻኡ ክኸፍት ከምእተኣዘዘ ገሊጹ::”

”ሓደ ምስክር ከይእሰር ክብል ክሃድም ከምእተገደደ ገሊጹ:: ምስ’ተን ናይ ኤርትራውያን መርበባት ሓበሬታ ኣብ ወጻኢ ከም ኣሰና: ዓዋተ ንተሓባበር ነበርና:: ብዛዕባ ኤርትራ ነተን መርበባት ነመሓላልፍ ነበርና:: መሓዙትና ንሰባት ቃለመጠይቕ ሂቦም( ኣብ ወጻኢ):: ምስ’ተን ኣብ ወጻኢ ዘለዋ መርበባት ሓበሬታ ኤርትራውያን ንተሓባበር ነበርና:: መፍትሒ ኣድራሻይ (password) ሓቲቶምኒ ሓንቲ ኣይረኸቡን:: ይደልዩኒ ከምዘለው ኣዕሩኽተይ ምስ ሓበሩኒ ኣምሊጠ:: ክወጽእ ወሲነ”::

ኩሉ’ቲ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ ስቓይ: ምስ’ቲ በቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ዝፍጸም ዘይተገልጸ ግፍዒ ንጣብ ማይ ኣብ ባሕሪ’ዩ:: ካብ’ቲ ኣካላዊ ስቅያት ንላዕሊ ግን እቲ ከም ሰብ ንምሕሳብን ንቡር ዜጋ ንኽትከውንን ዘኽእለካ ብቕዓት ንምስባር ዝግበር ስነኣእምሮኣዊን ሞራላውን መርመራ’ዩ::እቲ መርመራ ኣብ ቀጻሊ ራዕድን ነውጽን የንብሮም::

ህጹጽ ጻዋዒት ንኩሎም ክኢላታት ሕክምናን ስነኣኣምሮን

ድሕሪ ሰፊሕ ኩናት: ሰባት ካብ ነውጽን ምስኡ ዝተኣሳሰር ካልእ ምልክታት ምዝንባል ኣእምሮን ክፍወሱ ከምዘለዎም ኩላትና ክንግንዘብ ይግባእ::ንነውጺ ድሕረ ስቓይ ዝወሃብ መድሃኒት ብሓኪም ስነኣእምሮ ክእዘዝ ኣለዎ:: ክኢላታት ሕክምና ነቶም ብሓደ መድሃኒት ዘይሓሾም ብጭንቀት ድሕረ ስቓይ ዝተጠቕዑ ክልተ መድሃኒት ኣብ ሓደ እዋን ክእዝዙ ይኽእሉ’ዮም:: ካልኦት ቀጥታዊ ኣድማዕነት ዘይብሎም ግን ከኣ ሓገዝቲ መድሃኒት ንምቁጽጻር ነውጺ ድሕረ ስቓይ: እቶም መዐገስቲ ባህርያት(mood stabilizers)ኢዮም::

ንምንታይ ብዛዕባ’ዚ ተገዲሰ?

ኣነ ኣቦ ኢየ:: ኣብ መርከብ ንግዲ ድማ  ሓኪም ኢየ::ኣብ መንጎ ስቓይ ድሕሪ ነውጺን ንሰሙናት ኣዋርሕን ኣብ ባሕሪ ዝግበር ጉዕዞን ዘሎ ዝምድና ይርኣየኒ’ዩ:: ኣብ ዓሚቑ ባሕሪ ብዘንሳፍፋ መራኽብ ብምንባረይ: እቲ ጽንኩር ክውንነት ጽምዋ ዘስዕቦ: ባሕረኛታት ኣብ ወደባት ክበጽሑ ከለው ነቲ ስልጡን ዓለም ኣጋይሽ ኮይኖም ክቐርቡ ተዓዚበ::

እቲ ምንጽጻር ዘይምኽኑይ ይኸውን:: እንተኾነ መብዛሕትና ኣብ ወጻኢ ንነብር ኤርትራውያን ካብ ምልኪ ዝሃደምና: ብሓደ ወይ ካልእ ኣገባብ በቲ ነውጺ ተሞኩርና ከምእንኸውን ርግጸኛ ኢየ::

ኣብ መደምደምታ እቲ ክእለትና’ዩ ነዚ መንእሰያት ዝርከቡሉ ዘለው ጭንቀት ክፈትሕ ዝኽእል::

ደረጃ ትምህርቲ ኤርትራ ምስ ደረጃ ምዕቡላት ሃገራት ተነጻጺሩ ዘዕግብ ኣይኮነን:: እቲ ስርዓትን ጉጅለኡን ዘገድሶም ወተሃደራዊ ኣገልገልቲ ዝኾንዎ ትሑት ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም መንእሰያት ኢዩ:: ውልቃዊ ምዕባለ ሰባት ነቲ ስርዓት ኣይደልዮን’ዩ:: ኣብ ፕሮፕጋንዳ ግን ነቲ ደረጃ ትምህርቲ ዝበለጸ ብምባል ይንእድዎ:: ብተግባር ግን ኣይኮነን::

ህጹጽ ጻዋዒት ንኤርትራውያን ምሁራትን ሰብ ዕድልን

እቶም ዝተማህሩን ዕድለኛታትን ነዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓልፎ ዘሎ መከራ ኣብ ምፍታሕ መደብ ኣውጺኦም ብሓባር ዝሰርሑሉ ሕጂ’ዩ:: እቶም ቅድምን ድሕርን ናጽነት ዝለዓለ ትምህርቲ ዝቐሰሙን ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ብሉጻት ዝኾኑን ነታ ትጥሕል ዘላ መርከብ ከድሕኑ ሓላፍነት ክወስዱ ኣለዎም::እቶም ብዝለዓለ ዲግሪ ብብቕዓት ዝተመረቑ: ሃገሮም ኣብ’ዚ ኣንፈታ ዘየፍለጠ ህላዌኣ ኣብ ሓደጋ ዘለውሎ እዋን ትጽውዖም ኣላ:: ብፍላይ ድማ እቶም ዕድል ትምህርትን ውልቃዊ ዓወትን ከይረከቡ ሃገር ገዲፎም ዝጠፍኡ መንእሰያት ይደልይዎም ኣለው::

ዝኾነት ሃገር ካብ ከም’ዚ ንኤርትራ ኣጋጢምዋ ዘሎ ዕንወት ብዘይተሳትፎ ምሁራት ክትሰርር ኣይትኽእልን’ያ:: ነዚ መንእሰይ ወለዶ ስትራተጂ ምቕዳድን መምርሒ ምሃብን ሓላፍነት ምሁራትን ሰብ ጸጋን ዕድልን’ዩ:: ዋላካ ኩሉ ሓላፍነት እንተለዎ እቲ ጾር ግን ብቐንዱ ኣብ ዝባን እቶም ክመሃሩን ፍልጠት ክቐስሙን ዕድል ዝረኸቡ’ዩ::

ኣብ መደምደምታ ኣብ ትሕቲ ህግደፍን መራሒኡን ኣብ’ዘን 23 ዓመታት 2-3 ወለዶ ኣጥፊእና ከምዘሎና ኩላትና ንፈልጥ ኢና::

እንተደኣ ኩላትና ከም ክእለትና ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ዘይሰሪሕና ኩነታት ኣስጋኢ ከምዝኾነ ክንግንዘብ ኣሎና::

ኣብ’ዚ ተሃዋሲ ናይ ህላዌን ወይ ምንባር እዋን እቲ መንእሰይ ክሕገዝ/ ክትሕገዝ ይጠልብ ኣሎ::እንተደኣ ተሓጋጊዝና መንእሰይ ኣብ ሃገር ለውጢ ንምምጻኣ ሓላፍነት ከምዝወስድ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ 26 ሰነ ተስፋ ሂቡና’ዩ::

ንህዝቢ ዘድሕን ዲሞክራስያዊ ለውጢ ሕጂ’ዩ::

ክብሪ ንሰማእታት

ተ. ይትባረኽ

ትርጉም ዳኘው ኣስፍሃ

ኦስሎ ኖርወይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • ibrahim July 11, 2015

    Abon T.yetebarek edemen tienan rebi yehabkum
    Naybehki agedasi ashehat meneseyat zesakeylu zeleu abi hemam eyu
    nezi melalkum neay atehasasibeni mekhniyatu hade zemedey ab ageleglot enkelo zekoblele kabti ahaduo meziom leyti seat 12 dekisu enkelo zeteseewo mesbahrere ab wezae leyti leyti kegoyewo yereayo entay kemzegeber kenikwo kemo zeameselo buzehat kemzelewo felut eyu entey negber???
    thank you

  • T.Yitbarek July 11, 2015

    ምስጋናይ ይብጽሕካ ሕአው ዳኞው፤
    ግዚኻን ብር ዕኻን ተጠቒምካ ምትርጛምካ ከየመስገንኩኻ ክሓልፍ እይደልን።
    አብዚ እዋንዚ ካብ ቅድም ብዝያዳ ምትሕግጋዝ የድሊ ኣሎሞ’ የቐንየላይ

    ሓውኻ ተስፋዝጊ
    ሆላንድ

  • wedi fre July 12, 2015

    Dear T.Itbarek,

    Thank you for the excellent point you have mentioned.
    Trully, we have ignored the most important point while we are focussing on the main issue of the Dictatorship and inhumanity of the Shifta Regime of Iseyas.
    We have to address the problem of our youth in parallel with the issue of toppling the dictotarial regime of Iseyas.
    This is an issuee which cannot wait. The participation of each and every educated Eritrean is a must!!

  • Haile Tewolde July 14, 2015

    ዝኸበርካ ዳነው ዓርከይ
    እቲ ኣብ ሙቱርጋም ካብ እንግሊዘና ናብ ትግሪና ትገብሮ ዘለኻ ዘይሕለል ጻዕሪ፡ ክሳብ ክንደይ ኣድካሚ ሙኻኑ ስለ ዝርዳእ፡ ኣበርክትኡግን ዓብን ኣገዳስን ስለ ዝኾነ ብቐሊሉ ዝረአ ኣይኮነን ሞ፡ ሕጂውን ብዝያዳ ግዘኻን ጉልበትካን ከይበቐቕካ ኣጸቢቕካ ድፍኣሉ።

POST A COMMENT