Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህጹጽ መጸዋዕታ ንደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን

ህጹጽ መጸዋዕታ ንደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሳምንታት ብዝተኸሰተ ኩነታት ሃገርናን ከባቢናን ዝተሻቐለ ህዝብና፡ናይ ክተት መጸዋዕታ ኣቕሪቡ ኣሎ።በዚ መሰረት ንዕለት 31 ነሓሰ(August 31)2018 ኣብ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ሰላማዊ ሰልፊ ድሕሪ ምክያድ ንጽባሒቱ ኩሉ አሪትራዊ ዝሳተፈሉ ኣኼባ ክካየድ

ህጹጽ መጸዋዕታ ንደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሳምንታት ብዝተኸሰተ ኩነታት ሃገርናን ከባቢናን ዝተሻቐለ ህዝብና፡ናይ ክተት መጸዋዕታ ኣቕሪቡ ኣሎ።በዚ መሰረት ንዕለት 31 ነሓሰ(August 31)2018 ኣብ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ሰላማዊ ሰልፊ ድሕሪ ምክያድ ንጽባሒቱ ኩሉ አሪትራዊ ዝሳተፈሉ ኣኼባ ክካየድ እዩ።ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ጠለብ ህዝብና፡”ንኩልና ዘጽልል ሓደ መሪሕነት የድልየና ኣሎ” ስለዝኾነ እቲ ዝድለ መሪሕነት ክምረጽ እዩ።ንሕና ነበርቲ ከተማ ኢንዲያናፖሊስን ከባቢኣን ከኣ ተኣኪብና ብዛዕባ’ዚ ኤርትራዊ ህዝባዊ ጉዳይ ክንመያየጥ ሕድሪ ስውኣትና ስለዘገድደና ንቀዳም ዕለት 11 ነሓሰ 2018 ኩላትና ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድመና ኤርትራውያን ተኣኪብና ክንመያየጥ ብትሕትና ንዕድም። ቦታ፡ ST. Michael Catholic Church 3354 W. 30th street Indianapolis, IN 46222 ሰዓት፡ 1:00 ድ.ቀ (1:00pm) ዘለኣለማዊ ክብሪ ንስውኣትና፡ ፍትሓዊትን ሰላማዊትን ብልጽግትን ኤርትራ ንምህናጽ ሕድሪ ኣለና፡

ጠላም ኢሳያስን ሰዓብቱን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ነቕርቦም፡

ክብርና ክምለስ ከም ቀደምና ሓቢርና ንቃለስ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT