Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

UPDATE: ህጹጽ መጸዋዕታ ንተኸታተልቲ ድምጺ ኣሰና/ Emergency Fund for Voice of Assenna – So far, $6100, £ 4,106.11, €350 Donated – THANK YOU!!

እታ ብገንዘባዊ ደገፍ ህዝቢ ተበጊሳ ንሓያለ ዓመታት ብዘይ ብኩራት ቀጻልነታ ዘረጋገጸት ነጻ ድምጺ ኣሰና ምስ ምውሳኽ ናይቲ ን24 ሰዓታት ኣብ መዓልቲ 7 መዓልቲ ኣብ ሰሙን ዝሰፍሐ ናብ ኤርትራን ከባቢኣን ዝፍኖ ናይ ሳተላይት መደባታ ተሰማዕነታ ኣዝዩ

እታ ብገንዘባዊ ደገፍ ህዝቢ ተበጊሳ ንሓያለ ዓመታት ብዘይ ብኩራት ቀጻልነታ ዘረጋገጸት ነጻ ድምጺ ኣሰና ምስ ምውሳኽ ናይቲ ን24 ሰዓታት ኣብ መዓልቲ 7 መዓልቲ ኣብ ሰሙን ዝሰፍሐ ናብ ኤርትራን ከባቢኣን ዝፍኖ ናይ ሳተላይት መደባታ ተሰማዕነታ ኣዝዩ ክብ ኢሉ፣ እቲ ኣብ ምስማዕ ጥራይ ተሓጺሩ ዝነበረ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነበር ውጹዕ ህዝብና ተሳታፍነቱ ክብ እናበለ ይኸይድ ኣሎ። ብዝሒ ተኸታታሊ ኣሰና ዓቢ ‘ኳ እንተኾነ ፣ እቶም ህርኩት ገንዘባዊ ኣበርክቶ እናገበሩ ንኣሰና ከሳልዩዋ ዝጸንሑ ውፉያት ደገፍታ ግን ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። ነቲ ከቢድ ጾር እዞም ውሑዳት ህርኩታት ጥራይ ክሽከሙዎ፣ እዚ ኣሰና በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ተሰማዕነት ‘ውን በዚ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ወይ ከኣ ‘Pay As You Go’ ዝዓይነቱ ኣካይዳ ቀጻልነቱ ክረጋገጽ ስለዘይከኣል ግን፣ ብዙሓት ውፉያት ደገፍቲ፣ ውሑድ ገንዘብ እናበርከቱ፣ ከይተገዳድዑ ዝዋስኡሉ ሜላ ንምትእትታው ሓደ ህዝባዊ ፕሮጀክት ኣብ ምድላው ትርከብ ኣላ። እቲ መደብ፣ ከምቲ ኣብ ካሊፎርንያ ከምኡ ‘ውን ኣብ ላስቬጋስ ዝርከቡ ብወለንታ ዝተኣኻኸቡ ግዱሳት ብንኡስ ቁጽሪ ጉጅለ መስሪቶም ወርሓዊ ስሩዕ ገንዘብ ብምውፋይ ቀጻልነት ዘለዎ ኣበርክቶ ምግባር ጀሚሮሞ ኣብ ዘለዉ ኣገባብ ዝመርኮሰ ኮይኑ፣ ኣድማሳዊ ንምግባሩ ዝዓለመ እዩ። ብዘይካ ‘ቶም ከም ብዓል ኣን ጆርጅ ካብ ኣመሪካ፣ ኣቶ ተስፋማርያም ወለደጊዮርጊስ ካብ ነርወይ፣ ነብሲሄር ጀነራል መንቆርዮስ ከምኡ ‘ውን ፍዮሪና ካብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣመሰሉ ዝርከቡዎም ብዙሓት ውፉያት ውልቀሰባት፣ ኣብ ዓዲ ጥልያን ብፍላይ ከተማ ሚላኖ፣ ኣብ ነርወይ፣ ቦስተን፣ ከምኡ ‘ውን ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከቡ ግዱሳት ኣዕሩኽ ኣሰና ዳርጋ ስሩዕ ብዝኾነ መንገዲ ክምስገን ዝግብኦ እዋናዊ ደገፍ እናገበሩ ከሰጋግሩና ከምዝጸንሑ ‘ውን ይዝከር። እቲ መደብ ተዘርጊሑ ግብራዊ ክሳብ ዝኸውን ግዜ ስለዝሓትት፣ መደባትና መታን ከይዕንቀፍ እምብኣር፣ ነዘን ካብዛ ጽባሕ ወርሒ ነሓሰ ኣትሒዘን ኣብ ቀድሜና ዘለዋ ሒደት ኣዋርሕ ዘሰጋገር ህጹጽ ገንዘባዊ ደገፍ ክትገብሩልና ብትሕትና ንጽውዕ። ድምጽኹም ድምጽና፣ ድምጺ ውጹዓት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣፍ ህግደፍ ዓቢሱ፣ እግሪ ተኺሉ ግብሪ ከብቍል ተቓሪቡ ‘ሎ ‘ሞ፣ ከምቲ ወትሩ እንብለኩም፣ መርፍእ ኣለና፣ ፈትሊ ኩኑና! ነቶም ክሳብ ለይቲ ሎሚ ከይተሓለሉ ንድምጺ ኣሰና ብምስላይ ድምጺ ዕቡሳት ከተስምዕ ዘኽኣሉዋ፣ እዚ ኹሉ ዓመታት ስሞም በብእዋኑ ዝተሰምዐን ዘይተሰምዐን ውፉያት ደገፍቲ ኣሰና ኸኣ ደጊምና ብስም ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ነመስግኖም። ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ ! ኣሰና ፋውንዴሽን 29 ሓምለ 2014

Donor Name Extra Description  Amount
 1  Anonymous Abu Dhabi  $3000
 2  Anonymous/’Biteweded Abraha’  London  £300
 3  Gere Tesfa  TX, USA  £115.33
 4  Teklehiamanot haile  Italy  £40
 5  Alem Tekle  Sweden  £30
 6 Komidere in Smerr room  £50
 7  Samson Berhane  £100
 8  Bay Area/Assenna Group  USA CA/for August  $100
 9 Ertreawit  MN, USA  £50
 10  Tsega Welday & Semere  London, Uk  £100
 11 Anonymous €50
 12  BEREKET YOHANNES  CA, USA  £50
 14  Beaye Mehari  £50
 15  Anonymous  CA, USA  £50
 16  Tesfayohannes Berhe  stuttgart, Germany  £100
 17  Jacob Tesfamariam & Anonymous  London, UK  £300
 18  Mulgeta Tesfai  Switzerland  £15
 19  DANIEL FANTAY  CA, USA  £50
 20  Esaias Tedla  London, UK  £40
 21  Mebrahtu  Araya  CA, USA  £60
 22  Dan Connell  MA, USA  £20
 23  Anonymous  Abu Dhabi, Dubai  $3000
 24  Maekele Frezgy  CA, USA  £10
 25  Samson Berhane  £100
 26  Daniel Semere  Monthly  £10
 27  Friends of Assenna  Las Vegas/ Monthly  £120
 28  Teweldebirhan Welde  £389.41
 29  Zegai Weldeyesus  £39.80
 30  Beyene Kiflom  £19.27
 31  Tesfom Abrhale  £50
 32 Kubrom  USA  £60
 33 Hisna Said  Georgia, USA  £100
 34  Tesfu Mebrahtu  Ireland  £40
 35  Mengsteab gebretensai  USA  £100
 36  Fesahaye Menghistab  London, Uk  £100
 37  Semere Abai  Las Vegas, USA  £150
 38  Berhane G/selassie  Ohio, USA  £60
 39  Berih Awala  Ohio, USA  £60
 40  Filmon Petros  USA  £30
 41  Saleh Osman  Canada  £100
 42  Binyam Beyene  £20
 43  Gherense Neguse  £50
 44  Yemane Ammar  £50
 45  Genet Original  USA  £130
 46  Kubrom  USA  £60
 47  Friends of Assenna  Las Vegas/Monthly  £140
 48  Delay Fthi Hgdef  Norway  £50
 49  Solomon Seyoum  Belgium  300
 50  Petros Baatai  London  £50
 51  Paulos Abraham  £58.30
 52  Zekarian Tesfaledet  £39
 53  Bereket Kahsai  £100
 54  Anonymous  Ref 001142  £150
 55  Anonymous  Camden 3 X £50  £150

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
67 COMMENTS
  • metkel July 31, 2014

    Kkkk……..wey gud etom goytotka weyane yihabuka. Esika felalayi himak nay hizbi hasew enda belka himak weren tinbitin tewri seb entay hagez adlika.

    • Asmeret August 6, 2014

      metkel I heard that people like you when they hear voice of assenna they pee on their pant kkk… So WE ERITREAN WE STAND WITH ASSENNA!

  • Berhana Michael July 31, 2014

    Keep up the good job Aman God bless you, and thank you

  • Ambelay July 31, 2014

    Dear Assenna in the past I did some contributions towards your Web site alongside with my colleagues with out any hesitation we like to do same as past but here is the hot debate among us right now, you claim you are said “your voice”broadcasting 24/7 we like to know if is Assenna foundation is open to all as the SBS AUSTRALIA radio broadcast services?or did all opposition have free(regardless their means of struggling) blessing from you?or you do only what your concise tell you? In short me and my colleagues want the Assenna medium to be free and accessible to all opposition groups whom want to see end of dictatorship in eritrea…..kindly waiting your respond.

    • Tesfay August 1, 2014

      GeRe zebel Aygerelka. Do you have to say you “contributed” (which I doubt you did by the way). You comment sound like you are one of the pfdj supporters.

  • hatnokum Rigbe July 31, 2014

    ወደይ ኣማንኤል ኣቦኻ ህብትዝጊ ሎሚ ንግሆ ተንሲኦም ነታ ብርኽቲ ጓለይ ንዕስከ ዛ ጓለይ ነቦኺ መሃንዘል ኣምጽእዮም ኢሎም ውራየይ ኢሎም ነቦኻ መሃንዘልን ነቦኻ ሳህለን ክሰምዑዎም ኣርፊዶምልካ። ኣነ ዴኻ ዞም ሰብኣይ እንታይ ኮን ብሕልሚ ተራእዩዎም ኮይኑ እዩ ኢለ ተረበጽኩ። ግዳ እፈልጦም እንድየ ዕላል መሓዙ እናሰምዑ ከመይ ኣቢለ ክሓቶም ሕርብት ይብለኒ። ድሓን ትእቶ መሓሪተ ኣቦ ድሓን ዲኻ ድኣ ሎሚ ዕላል ሳህለን መሃንዘልን ዲኻ ቆሪስካ ክትውዕል? ኢላ ሓተተቶም። እሶም ከኣ ትቕብል ቢሎም እዚ ድኣ ቁርሲ ጥራይ ኢልክዮ ምሕረት ጓለይ ንምሳሕን ንድራርን ኮይኑ ከየደቀሰ ዘሕድር ዶ ይኮንን ኢልክዮ በሉዋ። ኣንቱም ሰብኣይ እቲ ዘረባኹም ስ እንታይ ኢዩ ቁንቁኝኡ? ስንቂሳር! በልኩ ኣነ ዴኻ ከኣ መሊቑኒ እምበር ነቦኻ ህብትዝጊ ዶ ደፊረ ከምኡ ምበልኩዎም። ግዳ ኮነ ምሉቕ ኢሉኒስ በኩዎም ድኣ። ንሶም እሞ ተቖጢዖም ዝመለሱ ዶ መሲልካ። ኣይፋሉን። ርግበ ጓለቦይ ተኽለሰንበት ክብርቲ በዓልቲ ገዛይ ኢኽን ኣደ ደቀይ። አኽብረክን ከኣ የ። ሎሚ ሎሚ ግን ደቅኽን ክንዲ ሰብ ምስኮኑ በላዒት ክልተ ስጋ ምዃን ጀሚርክናለይ። ተታሓቢእኪ ክትቁዝሚ ጸኒሕኪ ሳህለን ማሃንዘልን ክትሰምዒ ኣብ ራድዮ ተሰሚርኪ ሓዳር ፈቲሕኪ እናዋዓልኪ፣ ድሓር ከኣ እዚ ብርሃን ዓይነይ ኣማንኤል ወደይ ዘይንሱ መን ኣሎ ክትብሊ እዝነይ እናጽመምክኒ ሎሚ ኣሰና ሓገዝ ትደሊ ኣላ ክብሃል ከሎ እንታይ ትብሊ? በሉኒ። ዋይ ኣነ ርግበ፣ ኣነ ድኣ በላዒት ክልተ ስጋ ዘይብሃል። ነቶም ደቀይ ሕሹኽ ዝብሎም ኣበይ ኮይንኩም ትሰምዑዎ ወዮ እዝንኹም ከኣ ጠሊምኩም ዶ ኣይኮነን። እምበር ኣነስ ዞም ኮርዒዳታት ደቀይ ኣጆኺ ባዕልና ኣለናሉ ኢሎምኒ ቀሲነ የ በልኩዎም። ሽዑ ኣቦኻ ህብትዝጊ ርእሶም እናነቕነቑ በትሮም እናዋጣወጡ፣ ንቑምነገር ድኣ ቅድሚት እንዲኺ በሉኒ ብርህ ኢሉዎም።

  • Dhab August 1, 2014

    Assenna thank you for being the voice of the voiceless. that is why we stand by you.

  • sultun hizbi August 1, 2014

    Metkel – shim yimerih tiwaf yebirih kemzibehal entay aleka abzi dimtsi witsuat tikelakel abta dimtsi hafashka hasawit nay milki abu kulkul afka tetekel. Metkel hasot

  • Alem August 1, 2014

    My Dear Assenna brothers and sisters we love for being your brothers keepers and we will definitely step up our contribution to push our struggle so we topple the tyrant and his criminal stooges and rebuild our country. For those of us here in the US it is a lot easier to send our contribution to California or Las Vegas or any where in the states so pls let us know where to send it to.

    Pls visit “GEESKA AFRICA ONLINE” they got hilarious news about Eritrea like “Eritrea is providing scholars postgraduate

    study in Asmara” and don’t hastate to post your views.

  • Ti August 1, 2014

    sultun hzbi well said.

  • ayhlelo August 2, 2014

    assena mafia kedemti nay agame antum tegaru

    • m August 4, 2014

      Ayhlelo? you are idiot undercover hgdef shame on you how can you support the kilerss hgdef

  • Messinas August 3, 2014

    መሶብ ፍትሒ!

    እዛ መሶብ ፍትሒ *ሊሰዩም ኣሰና *ኣስተምህሮታት ዚወሃበሉ ፍሉይ ኣዳራሽ
    እዛ ደብተር ኩሉ’ወ ገላጺት ሓሳብና
    እዛ ልሳን ውጹዓት እተድምጽ ቃልና
    እዛ ሜዳ ቃልሲ ሰውራ ሓርነትና
    ኣጽዋር ከይጎድላ ዋልታ መኸተና
    እጃምና ከነወፊ ከም ዓቕሚ ጁባና
    ሕድሪ ትብል ኣላ ናይ ቃልሲ ደጀንና!

    ሃየ በሉ ኣሕዋት ሻማ ሻማ ንበል
    ድምጽና ቀጻሊ ከንጎድጉድ ብማዕበል
    ሓደራ ውፉያት ሎሚ ሓቦ ንበል
    ምልኪ ተነቒሉ ፍትሒ ንኺትከል
    ልደት ሓርነትና ኣብ ፎርቶ ኪጽንበል
    ፎርሳ ደቂ ዓደይ ኢደይ ኢድካ ንበል!

    ኣይኮነን ንኣሰና ንድምጺ ውጹዓት
    ንድሕነት ህዝብና ካብ ሕሰም ካብ ጥፍኣት
    ንህግደፍ እኳኒ ነዚ ኣጽናቲ ስርዓት
    2% ዝኸፍሉ ጸወርቲ መንድዓት!

    ንሕና ግዳ ንሓርነት፡ ንመሰልን ፍትሕን
    ህዝብናን ሃገርናን ካብ ጥፍኣት ከነድሕን
    ቊሩብ ወስ ንምባል ኣብ ሰሙንን ወርሕን
    እንታይ ኣድሊዩና ዓዳምን መራሕን
    ጸሓይ ከየብረቕካ መሬት ኣይወግሕን
    ንኺድ ደኣ ኣሕዋተይ ናብ ግብርን ስራሕን!

    ሃየ’ወ ነበርክት ኣሕዋት አእጃምና
    ብሓባር ክንሓፍስ ምህርቲ ዓወትና
    ብዘይካ ውፉያት መን ኣሎዋ ኣሰና
    ፈተውቲ ነቕስን ጸላኢና ኣንቢዕና!

    ነዛ በላሕ መርፍእ ፈትሊ ንኽንኮና
    ትጽውዓና ኣላ ክትሰምዕ ድምጽና
    ኣጆኺ ንበላ ከምቲ ናይ ቀደምና
    ኣስመራ ክንኣቱ ምልክነት ጸሪግና
    መኸተን ዓወትን ብርሃን’ዩ ቅድሜና!

    ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!

    ሓውኹም መሲናስ 03-08-2014

    • Asmeret August 6, 2014

      Messinas love your poem keep the good work!

POST A COMMENT