Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህጹጽ መተሓሳሰቢ ኣብ ከተማ ኣስመራ፣ ብሓፈሻ ኸኣ ኣብ መላእ ኤርትራ ንእትርከብ ህዝብን ሓይልታት ምክልኻልን ኤርትራ (ሎሚ ብሳተላይት ራድዮ ኣሰና ናብ ኤርትራ ዝተፈነወ መተሓሳሰቢ)

እዋናዊ መተሓሳሰቢ ኣብ ከተማ ኣስመራ፣ ብሓፈሻ ኸኣ ኣብ መላእ ኤርትራ ንእትርከብ ህዝብን ሓይልታት ምክልኻልን ኤርትራ ኣብ'ዚ ቕንያት 'ዚ ዋና ከተማና ኣስመራ ኣብ ኣዝዩ ክብ ዝበል ወጥሪ ትርከብ ኣላ። እሙናት ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ከም ዝሓበሩዎ፣ ቀንዲ ምኽንያት

እዋናዊ መተሓሳሰቢ ኣብ ከተማ ኣስመራ፣ ብሓፈሻ ኸኣ ኣብ መላእ ኤርትራ ንእትርከብ ህዝብን ሓይልታት ምክልኻልን ኤርትራ

ኣብ’ዚ ቕንያት ‘ዚ ዋና ከተማና ኣስመራ ኣብ ኣዝዩ ክብ ዝበል ወጥሪ ትርከብ ኣላ። እሙናት ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ከም ዝሓበሩዎ፣ ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ሓዱሽ ተኣፋፊ ኩነታት፣ ኣብዚ ሳልስቲ ክሳብ 10 ሽሕ ዝበጽሕ ስራዊት ደምሒት ንኣስመራ ከቢቡዋ ምህላዉ እዩ።

እቲ ብኣብያ ዕቑር ሰራዊትን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ተጨኒቑ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ እቶም ዝመልመሎም ዕጡቓት ደምሒት ከይልለዩ ምእንቲ  ጸልማት ከደኖ (ብለይቲ) ኣዋፊሩ፣ ህዝቢ ብምዝንጋዕ ሰፊሕን ጽዑቕን ግፋ ከካይድ ምዃኑ ብጭቡጥ ተፈሊጡ ‘ሎ።

ስለ’ዚ፣ ህዝቢ ከተማ ኣስመራ፣ ነቲ ካብ ህዝቢ ኤርትራ እምነት ስኢኑ ምስ ዕሱባት ሰራዊት ደምሒት ውዲት ብምእላም ክፍጽሞ ወጢኑዎ ዘሎ ናይ ተስፋ ምቝራጽ ወፍሪ ንምፍሻል ዕቱብ ጥንቃቐ ክገብርን ነንድሕዱ ክተሓላሎን መተሓሳሰቢ ነመሓላልፍ።

ኣብ ካልኦት ከተማታት ኤርትራ ዝርከብ ህዝቢ ‘ውን፣ ሎሚ ናብ ጎረበትካ ጽባሕ ንዓኻ ምዃኑ ተገንዚቡ፣ ተመሳሳሊ ጥንቃቐ ብምዝውታር፣ ነቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ክፍጸም ተወጢኑ ዘሎ ውዲት ብኣግኡ ሓቢሩ ክቃወም ከምዘለዎ ነዘኻኽር።

ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ድማ እቲ ዶብ ሃገር ጥራይ ዘይኮነ ልኡላውነት ህዝቢ ኤርትራ ንምሕላው ‘ውን ግዴታ ዘለዎ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፣ ንህዝቡ ካብዚ ብስርዓት ኢስይያስ ምስ ዕሱባት ደምሒት ብምሽራኽ ኣጻዊዱሉ ዘሎ ናይ ውርደትን ሕሰርትን ውዲት ንኽብረት ህዝቡ ክከላኸለሉ ግዴታ ከምዘለዎ ክግንዘብ ይግባእ።

ኣብዚ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ ውድቀት በጺሑ፣ ብደምሒት እናተሓለወ መዓልቱ ዝጽብጽበሉ ዘሎ እዋን፣ ማዕጾ ጎረቤት ብሰራዊት ደምሒት እናተዃሕኵሐ ከምዘይሰምዐ ኣብ ዓራቱ ዘጽቅጥ ኤርትራዊ ዜጋ ክህሉ የብሉን። ይኣክል ምግድዳዕ ሓቢርካ ምናዕ።

ምልኪ ይፈረስ ሕጊ ይንገስ

24 ጥቅምቲ 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
38 COMMENTS
  • Hagherawi October 24, 2014

    “ማዕጾ ጎረቤት ብሰራዊት ደምሒት እናተዃሕኵሐ ከምዘይሰምዐ ኣብ ዓራቱ ዘጽቅጥ ኤርትራዊ ዜጋ ክህሉ የብሉን። ይኣክል ምግድዳዕ ሓቢርካ ምናዕ።”

    If you don’t wake up to the cries of your neighbor, when they come for you, nobody will be there to help you.
    Remember: Unity is power.

  • helen October 24, 2014

    Assenna it is good you posted about the latest development in Eritrea but you should also warn the population inside about the 10000 dimhert using your radio. I dont think the average people has access to internet to read your txt.

  • Harnet October 24, 2014

    My Dearest Asmarinos,

    God is with you! BE STRONG!

    “Be strong and courageous, be not afraid nor dismayed for the king of PFDJ, nor for all the multitude (Demihit) that is with Isaias: for there be more with us than with him” 2 Chronicles 32:7

    May the angles of GOD surround you and protect you. May the destroyer be destroyed.

    Harnet

  • Eritrawi October 24, 2014

    This is a” Wake up Call “to all Eritreans inside and outside. Our beloved mother Land, the Land of Heroes and Brave, and most of all, our beloved people are in dangerous situations. Last warning to all DMHT fighters. Keep your nose and hands “SAFE” from our beloved Eritrean Populations. Remember to remember, at end of the day, you will pay serious consequences.

  • solomoneritrean October 24, 2014

    i confirm you even from the demhit ,there are soldiers who do not like eseyas for eseyas is about to die whatt can he benefit them.

  • solomoneritrean October 24, 2014

    God will do miracle to save the people!!we Eritreans also trust on God,not only Americans

  • habtegiorgis October 24, 2014

    ኣሰና ሓድነትን ጥምረትን ምስጢር ዓወትና ዝለዝኮነ ድፍእሉ ዝገርመኒ ስለምንታይ ኢኩም ከም ናይ በዓል ታደሰ ከፋፋሊ ጽሑፋት ተኣንግዱ?ካብ ናይ ህግደፍ ኣጀንዳ ናይ ታደሰ ብምንታይ የፍለ? ብፍላይ ኣብዚ ተኣፋፊ እዋናት ክምዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ እዋናት በውራጃታት ክንቆራቖስ ኣድላዪ ድዩ?

  • Debasse October 24, 2014

    We need to stand together. This critical time. Your father and grandfather aee at risk. Save them. They are crying for help.

  • yohannes October 24, 2014

    why know Demhit and why Tigrians, why Esyas is a Tigrian who fight for the independence of Eritrea.
    Is Eritrean independence is the will of Tigrians , I don’t understand these organization called Demhit.
    I start to confuse myself , why all these tigrian soldiers in Eritrea or Eritrea have never been free by Eritreans but by tigrians . why these in this time , Essays is not good with Tigrians , who are these Tigrians faithful to Essays and want to go against the will of Eritreans for me is a sheen as usual by Eritreans.
    I don’t understand what is happening in these country.
    God Help Eritreans because they are confused people they don’t know what they want

  • Mesinas October 24, 2014

    ጃንዳ ምልኪ ኣስመራ፡ እከይ ተግባራት ካብ ምእላምን ንኣኡ ካብ ምምሕዳርን ወትሩ ኣዕሪፉ ከምዘይፈልጥ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ። ኣቐዲሙ ጉጅለ ምልኪ፡ ኣብ ኣስመራ ንህዝቢ ብቋንቋ ዘይርዳድኡዎ ወተሃደራት ኣምጺኡ፡ ብበትሪ ከም ዝተሳሃሉዎ ንዝንግዖ ኣይመስለንን! ንሳቶም ምስ ነቕሑን ከም ሰብ ክሓስቡ ምስ ጀመሩን ከኣ ኣብ ገጠራት ኤርትራ ተወሊዶም ዝዓበዩ’ሞ ካብኣቶም ከኣ ነቶም ንሰብ ከም ኣሓ ብበትሪ ዝኹብኩቡን ዝድክሩን ጓሶት ኣለልዩን መሪጹን ብምምጻእ፡ ኣብ ፖሊስን ወተሃደራት ከተማን ብምውፋር፡ ንህዝቢ ኣስመራ ዳግም ከም ዝደሃኾ ናይ ትማሊ ተዘክሮ’ዩ። ሎሚውን ኩሉ ኣባል ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ምስቲ ብመቓርዕ (ብሓለንጊ) ሕሰም ዝግረፍ ዘሎ ህዝቡ ክዳናገጽ ስለ ዝጀመረ፡ ነቶም ሓልዮትን ፍቕርን’ቲ ህላወኦም ኣውሒሱ ዝቕልቦም ዘሎ ጃንዳ ምልኪ’ምበር ብዛዕባ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ቅንጣብ ሰሃሮ (ሓልዮት) ዘይብሎም ኣባላት ደምሕት ኣዋፊሩ፡ ከም ዓሳ ክገፎን ክገፍዖን ምድላዉ ዘገርም ኣይኮነን።

1 2 3

POST A COMMENT