Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህጹጽ ህዝባዊ መጸዋዕታ (ኣኼባ) ንኤርትራውያን ተቐማጦ እንድያናፖሊስን ከባቢኣን

ህጹጽ ህዝባዊ መጸዋዕታ (ኣኼባ) ንኤርትራውያን ተቐማጦ እንድያናፖሊስን ከባቢኣን   ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዘጋጠመ ጅምላዊ ህልቂት ኤርትራውያን መንእሰያት ምኽንያት ብምግባር ንሰንበት ዕለት 10/13/2013 ህዝባዊ ኣኼባ ንምግባር ብኣኽብሮት ንጽውዕ። ዕላማ ናይ'ቲ ኣኼባ ከኣ፡ ሕልናና ዘፍቅዶ ሓገዝ ንስድራ-ቤት መወቲ መጸናንዒ ደበስ ንምውጻእን

ህጹጽ ህዝባዊ መጸዋዕታ (ኣኼባ)

ንኤርትራውያን ተቐማጦ እንድያናፖሊስን ከባቢኣን

 

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዘጋጠመ ጅምላዊ ህልቂት ኤርትራውያን መንእሰያት ምኽንያት ብምግባር ንሰንበት ዕለት 10/13/2013 ህዝባዊ ኣኼባ ንምግባር ብኣኽብሮት ንጽውዕ። ዕላማ ናይ’ቲ ኣኼባ ከኣ፡

  1. ሕልናና ዘፍቅዶ ሓገዝ ንስድራ-ቤት መወቲ መጸናንዒ ደበስ ንምውጻእን ናብ ሓዘንተኛታት ዝበጽሓሉ ዝከኣለሉ መንገድን ኣገባብን ንምልዛብ።

 

  1. ኣስከሬን ናይ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ሃገሮም ብግቡእ ክቕበሩ ብወገን ህዝቢ ክገብሮ ዝኽእል መተሓሳሰብን ተጽዕኖን ንምዝርራብ።

 

  1. ነዚ ቀጻሊ መቕዘፍቲ ናይ ኤርትራውያን መንእሰያት ብወገን ህዝቢ ተቐማጦ እንድያናፖሊስን ከባቢኣን መሰረታዊ ፍታሕ እንታይ ከምዝሓይሽ ንምልዛብ ይኸውን።

ክቡራትን ክቡራንን ተቐመጥቲ እንድያናፖሊስን ከባቢኣን፡

በዚ ዘጋጠመ ሓደጋን ህልቂትን ሕልንኡ ዘይተተንከፈ/ት ኤርትራዊ/ት ዘሎ ኮይኑ ኣይስመዓናን። እቲ ምድንጋጽ ኣብ ቦትኡ ኮይኑ እቲ ዝይዳ ኣድማዒ ስራሕ ብወገና ንሓዘንተኛታት ወለዲ ንመጸናንዕን ንሞራልን ዝሕግዝ ገንዘብ ይውሓድ ይብዛሕ ሓገዝ ምግባር ሓላፍነታዊ ግቡእና ይኸውን። ስለዚ፡ ፖለቲካዊ ዝንባሌ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ብዘየገድስ ኣብ’ዚ ሰናይ ተግባር እዚ፡ ንክትሳተፉ ብትሕትና ንምሕጸን።

ኣኼባ ዝግበረሉ ቦታ  – 55 South State Avenue Indianapolis IN. 46201

ዕለት – ሰንበት 10/13/2013

ሰዓት – ካብ ሰዓት 4፡00 ክሳብ ሰዓት 7፡00 ድሕሪ ቀትሪ

 

ንዝያዳ ሓበሬታ 317/332-1584 ወይ 317/937-8317

deleyti.fithi@gmail.com

 

ብድሓን ምጹ!

ማሕበር ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን

ኣብ እንድያናፖሊስን ከባቢኣን

10/19/2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Teklit Guzay October 10, 2013

    Nibeges

  • eritrean October 10, 2013

    Good job Indianapolis!

  • Semhar October 10, 2013

    The mad dog Isayas is responsible for all these crime we should focus on him!
    Our target should be the killer ድያብሎስ! Isayas and his son!

    As long as ድያብሎስ! Isayas and his son are in Eritrea misery and death will continue.
    As long as we raise Isayas’s ugly flag, sorrow and loss of life will continue.
    The only solution is to get rid of crazy mad dog ድያብሎስ! Isayas wedi Medhin Berad, and his son just like the Libyans did to Gadafi, his sons and his followers.
    Eritreans should unite, raise our liberation flag, the flag of our forefathers, the flag of our martyrs and get rid the tyrant mad dog ድያብሎስ Isayas, his son and his blind followers the HIGDEF.

  • Genet October 13, 2013

    Indianapolis, The Eritrean people thank you. You are doing the right thing.

POST A COMMENT