Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህግድፍ፡ ኣኽብሮትና ኣበርዒንዎ፥ ስልጣኑ ንህዝቢ የረክብ!

ህግድፍ፡ ኣኽብሮትና ኣበርዒንዎ፥ ስልጣኑ ንህዝቢ የረክብ! (ትርጉም ናይታ ብእንግሊዘኛ ብዕለት 10/23/13 ኣብ ኣስና ዝወጽኣት) ቅድሚ ክልተ ሰሙናት ኣቢሉ ሓንቲ To the unknown soul እትብል ቴማ ጽሒፈ ኔረ። እታ ቴማ ብሰንኪ እቲ ኣብ ደሴት ላምፐዱሳ ዘጋጠመ ህልቂት ኤርትራውያን

ህግድፍ፡ ኣኽብሮትና ኣበርዒንዎ፥ ስልጣኑ ንህዝቢ የረክብ!

(ትርጉም ናይታ ብእንግሊዘኛ ብዕለት 10/23/13 ኣብ ኣስና ዝወጽኣት)

ቅድሚ ክልተ ሰሙናት ኣቢሉ ሓንቲ To the unknown soul እትብል ቴማ ጽሒፈ ኔረ። እታ ቴማ ብሰንኪ እቲ ኣብ ደሴት ላምፐዱሳ ዘጋጠመ ህልቂት ኤርትራውያን ዝተሰመዓኒ ዘናውጽ ሓዘን ንምፍኳስ ጽሒፈያ። ኣነ ሓደ ካብቶም ኣብ 24/5/1991 ኣስመራ ከኣትዉ ዕድል ዝረኸቡ ቀዳሞት ተጋደልቲ ኔረ። ድኻም ናይቲ ዝቀነየ ውግኣት ገዲፍካ፤ ሓይልናን ፍናንናን ኣብ ጥርዚ በጺሑ ነበረ። ኣስመራ ብሓጎስ ካብ ትፍንጀር ሳዓታት ጌይራ ኔራ። ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዝጠንጠንዎ ንብረትን መዓስከራትን ከባቢ ኣስመራ ይነድድ ነበረ። ሕልፍ-ሕልፍ ኢሉ ዝስማዕ ቶኽስታት ገዲፍካ፥ብውዱብ ዝዋጋእ ጸላኢ ኣይነበረን። ዝጥቃዕ ዕርዲ እውን ኣይነበረን።ንነዊሕ ዓመታት ዝተጋደለ ኪዳነ ነታ ዘትክኻ ዝነበረ ሽጋራ ወዲኡ፤”እዚኣ ናይ መወዳእታ ቶኽሲ ክትከውን እትስፎ፤” ኢሉ ክልተ ጥይት ንሰማይ ፈንዩ። ናይ ዓወት ቶኽሲ ምዃኑ ኣሚቱለይ። ስእሊ እታ ክልተ ዓመት ጌራ ዝነበረት ጓሉ እናሰዓመ ኤርትራ ሓራ ንምውጻእ ዘኣተዎ መብጸዓ ከም ዝፈጸሞ ብሕሽዅታ ክነግራ ሰሚዐዮ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ጓሉ ነቲ ካብ ኤርትራ ንምውጻእ ዝግበር ሓደገኛ ጉዕዞ ብሰላም ከም ዝዛዘመቶ ሰሚዐ። ዕድመ ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ላምፐዱሳ ዝሃለቁ መንእሰያት ክንዲ ጓል ኪዳነ ምዃኑ እዩ።እቲ ህልቂት ኣህዛብ ዓለም ኣሰንቢዱ እዩ።ግብረ-መልሲ መንግስትና ኣዝዩ ዘሕፍርን ንመጠን እቲ ህልቂት ዝይዳረግን(ትሑት)ኔሩ። ሬሳታት ናይቶም ግዳያት ዓለም ስለዘናወጸ ‘ምበር፤እቲ መንግስትስ ብሱቅታ ከሕልፎ ምደለየ ኔሩ። ድኹምን ዘይተኣርነበን ይኹን ‘ምበር፤ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መወዳእታስ ሳዕቤን ኣብ ምቁጽጻር ዘድሃበ ሸበድበድ ከርኢ ተራእዩ። እቲ ዘሕዝን፤ እዚ እቲ ኪዳነ ዝተጸበዮ መጻኢ ኤርትራ ዘይምዃኑ እዩ። ነቶም ኤርትራ ሃገር ክትከውን ንእስነትና ዘብለና፤እዚ ኤርትራ ተሓልፎ ዘላ ግዜ(መድረኽ) ዘደስት ኣይኮነን። እዚ ዝያዳ ኣተሓሳሳቢ ዝገብሮ፡ እቲ ጠንቂ እዚ ዘተሓሳስብ ኵነታት ኮይኑ ዘሎ ህግድፍ ባዕልና ዝፈጠርናዮ ብምዃኑ እዩ- ጽንሕ ኢለ ክምለሶ እየ።

ዕድል ኤርትራ እዚ ክኸውን ኣይነበሮን። ኤርትራ ድሕሪ ብርቱዕ ሕርሲ ዝተወልደት’ኳ እንተኾነት ንምምዕባላ ዝሕግዝ ብሩህ መጻኢ ነይሩዋ። ምውላድ ኤርትራ ከቢድን ዝተሓላለኸን እዩ ኔሩ። ኤርትራ ኣብ ምምጻእ ዝተገብረ ቅልስ፤ ዛንታታት ተወፋይነትን መስዋእትን ዝመልኦ እዩ። ብዙሓት ምእንትኣ ዝወፈሩ ጀጋኑ(ተባዕትዮን ኣንስትዮን) ምውላዳ ክርእዩ ኣይበቅዑን።ኣብ ምውላዳ ዝነበር ፈንጠዝያን ደስደስን፤ዝሕደስ ዝነበር መብጸዓን ዝነበረ ብሩሕ ተስፋን ከስተማቕሩ ዕድል ኣይገበሩን። እግረ-መንገዲ ውዱቃት ዘይኮነስ ኣሰር ዕዉታት ዝመርሕዋ፤ዝጠፍኣ ዕድላታ ኣብ ሓጺር ግዜ ንምምዝጋብ ዝከናኸንዋ ኣለይትን ሓብሓብትን ነይሮማ። መጻኢኣ ኣዝዩ ብሩህ ኔሩ። ዓወታን ብልጽግነኣ ዝምነዩ፤ነብሰ-ምትእምማኖም ናብ ኣፍሪቃውያን ኣሕዋቶም ከስግሩ ዝህንጠዩ፤ ኤርትራ ክውንቲ ንምግባር ዘሕለፍዎ ዛንታታት ቃልሶምን መስዋእትታቶምን ብሓበን ንደቆም ከስግሩ ዝተቐረቡ ውፉያትን ብጉሳትን ኣለይቲ ኔሮማ። ድሕሪ ዕስራን ክልተን ዓመታት፤ነዞም ብቆራጽነትን ኒሕን ኤርትራ ዘምጸኡ ጀጋኑ፤ ሎሚ ዝኽርታቶም ዝፍትሹሉን ብዕግበት መስዋእቶምን ድኻሞምን ዝረውዩሉ ግዜ ክኸውን ነይሩዎ። ሓላፍነት(ስልጣን) ናብ ደቆም ብምትሕልላፉ ዕግበት ዝረኽቡሉን ዝተኣማመኑሉን ግዜ ክኸውን ኔሩዎ- ወለዶታት ኣእጃሞም ስለዘለዎም።

ኢዶም ኣይስኣኑ መራሕቲ ህግድፍ፤ እዚ ክኸውን ኣይከኣለን(ዝነበረ ዕቁር ጸጋታትሓሺሾሞ)። ኤርትራ መመሰሊ ሕመቅ ጌሮማ። ብገለ ግምታት፣ ቁጽሪ ናይቶም ሎሚ ካብ ናጻ ኤርትራ ዝፈልሱ ዘለው ዜጋታት ካብ ቁጽሪ እቶም ንናጽነታ ንበረኻታት ዝነፍጹ ዝነበሩ መንእሰያት ክበዝሕ ይኽእል። እዚ ክውንነት’ዚ ኣንጻር ናይቲ(ኣብ ግዜ ናጽነታ)ዝተጸበናዮ ‘ዩ። ዓበይቲ ዓወታት ክንምዝግብ እንደፍርን እንኽእልን ህዝቢ ኔርና። ብኣንጻር ናይቲ ዝሓለፍናዮ፤ ትጽቢታትና ካብ ክውንነት ዝረሓቐ ኣይነበረን። ኤርትራ በሰላ ኩናት ኣሕውያ ብ ቅልጡፍ ክትውንጨፍ ዘኽእላ ርቋሕታት ኔሮማ። ይኹን እምበር፡ ከቢድ ዋጋ ዘስዓበትልና ጌጋ ጌርና። ንሓለፍትና ኣሚንና። ናብ ብሩህ መጻእን ዕቤትን ክወስዱና ‘ዮም ኢልና። መራሕትና፣ ናብ ሓድሽ መዋእል፡ኣፍሪቃ ንፍርቂ ዘመን ደልያ ናብ ዘይረኸበቶ መድረኽ ክወስዱና ‘ዮም ኢልና- ኩሉ ብእምነት ወዲእናዮ። ብዘይካ እምነት እንትሓተተሉ ወይ እንጸባጸበሉ ቅጥዒ ኣይገበርናን። ሽዑ ክፍለጥ ዝነበሮ ነገር እንተሃልዩ፤ ዝበዝሑ መራሕቲ ሳውራታት ዴሞክራስያውያን ዘይምዃኖም ‘ዩ። ሕደት መራሕቲ ሰውራታታት ጥራይ’ዮም ንፉዓት መራሕቲ ሃገራቶም ክኾኑ ዝበቕዑ።

ኣብ 1994፤ ደሮና ኵናት ጌና ከይበነነ፤ እቲ ንኤርትራ ዝሓረረ ህዝባዊ ግንባር ናብ ህዝቢ ዝጭፍልቕ ህግድፍ ተቐዪሩ። ድምጺ ኣየስማዕናን። ዘይተደልየን ክውገድ ዝኽእል ዝነበረ ውግኣት ስዒቦም። ዓሽ ኢልናን ሳዕሲዕናን። ኣብ ፍቐዶ እንዳ ሻህታት ነቶም ነቲ ኲናት ዝመርሑ ዝነበሩ ጀነራላት ክንመስል ሓሳባዊ ካርታታት ውግእ ነማዕራርን ንካታዕን ኔርና- ውሑዳት ‘ዮም እዝስ ብሓቂ ዝተገደድናሉ ኵናት ድዩ ኢሎም ዝሓተቱ። ድሕሪ ‘ቲ ኵናት ንደሞክራስን ቁዋምነትን ዝሓተቱ ካብ ቅድሚ ዓይንና ተተመዝሒቖም ጠፍኡ። ሱቅ ምባልና ከይተርፍ፡ ዘዕግብ ምኽንያት ከየቕረቡን ከቅርቡ ከይሓተትናዮምን ሓለፍትናስ ሓቂ ክኾኑ ኣለዎም ኢልና ከም ኣመልና ቀጺልና። መንነትን እንታይነትን ናይቶም ንዓመታት ዝመርሑና ውፉያት ተጋደልቲ ኣብ ማስሜድያ መንግስቲ እንዳተመዝሓቐ “ ሕራይ ናትኩምስ ሰሚዕናዮ፣ ናታቶም ቃል ከ እንታይ እዩ፧” ኣይበልናን። ድሕርኡ’ውን ንሃገርና ንቁልቁለት ሰዲድዋ ዘሎ እገዳ ዘስዓባልና ዘመን ዕንደራ ስዒቡ። እዚ ‘ውን ክውገድ ዝኽእል ዝነበረ’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ነዚ መሪሕነት’ዚ ካብ ዝግበኦ ንላዕሊ ተጸሚምዎን ኣሐንቂቕዎን እዩ። ንፍሽለቱ ዕሽሽ ኢሉዎን ንዕንደራታቱ ይቕሬ ኢሉሉን እዩ። ንዓመታት፤ ሃንደስቱ ዘፍሸለን ዘገለፈን ናይ ካልኦትን ናይ ካልእ ዘመንን ተመክሮታት ኣብ ሃገርና ክፍትኑን ክፈሽሉሉን ናይ ገደብ ዘይብሉ ዕድል ሂብናዮም። ነዞም ፍሹላት መራሕቲ ‘ዚኦም እንከላከለሉን፤ ንውድቀታቶም እነመኽንየሉን ግዜ ኣብቂዑ እዩ። ብተወሳኺ፣ ሽግርና ብሃንደበት ዘበንን ወይ ከኣ ነዚ ዓፊኑና ዘሎ ከቢድ ግሜ ዝቀደልና ትእምርቲ ዘሎ ኣይመስልን።  ፍሹልን ኣዕናውን ፖሊሲታት ህግድፍ ብፍላይ ነቶም ክዕወት ብዙሕ ዘዋፈሩሉ መሕፈርን መዋረድን ምዃኑ እናበአሰ ይመጽእ ኣሎ። እዚ ድማ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ እዚ ፖሊሲታት እዚ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዘስዕቦ ዘሎ ገደብ ኣልቦ ብርሰት፤ ኣብ ልዕሊ ‘ቶም ንህግድፍ ከመኽንዩ ዝማወቱ ዝነበሩ’ውን ተገራጫዊ ስምዒታት የገንፍል ከም ዘሎ ርኡይ እና ኮነ ይመጽእ ኣሎ። ክሳብ መዓስ ‘ዩ ምጽማም፧ ኣውያት ደቅና መዓጹ ሕልናና ይኩሕኩሕ ኣሎ። ካብ ዝለመድናዮ መስመር(ውድብ)ብኣታሓሳስባ መታን ከይንፍሌ ስቅያት ህዝብና ሻላ ምርኣይ ሃገራዊ ከምዘይገብረና ስቅያት ናይዞም ራህዋ ክረክቡ ዝከርተትናሎም ደቅና የገድደልና ኣሎ። ልብና ብጓሂ ይናወጽ ኣሎ። ምጽማምና ብክቱር ተመጢጡስ ኣብ ምብንጣሱ እዩ። “ላም ሓዊ ወሊዳ፤ ከይትልሕሶ ነዲዳ ከይትገድፎ ወሊዳ፡” ይምስሉ ኣቦታት። ህግድፍ ውላድና ኮይኑ፤ ተካል ውላድ። ብዙሓት ኣብ መሳርዕ ህ.ግ. ዝነበርና፤ ሃገርና ትብደል ከምዘላ እናፈለጥና፤”እዚኦምስ ኣይጠልሙናን ይኾኑ፡ ኣከያይደኦም ይዕርዩ ይኾኑ” እንዳበልና ኣኺሉ ዝተርፍ ዕድላት ሂብናዮም። ንፉዓት ሃዳኖ ኣይነበርናን። ህግድፍ ውጽኢት ጻዕርን መስዋእትን ተጋዳላይ ‘ዩ ኔሩ። ንብዙሓት ካብቶም ዝሃነጽዎ ሸሚሙ ከይኣክል፤ ጻምኦምን ቅያታቶምን ሰሪቑ ከውደኽድኽ ካብ ዝከርም ነዊሕ ኮይኑ እዩ።” ህግድፍ፡ እዝስ ናይ ቀደም እንድዩ፤ ኣብ ስልጣን መታን ክትቅጽል፤ ካብቲ ተውርዶ ዘለኻ ዕንወት ዝመዝን ዘመዝገብካዮ ነገር እስኪ እንታይ ኣሎ፧” ኢልና ኣይተተሓሓዝናዮን። ስለ’ዚ፤ ኣነዊርካና ኢኻ፤ ይኣኽለካ ምባሉ ግዜኡ እዩ። ንሕና ኣይኮናን መስመር ንቕይር ዘለና፤ ህግድፍ እዩ ቀደም መስመርና ዝጠንጠነ።

ኣዕናዊ ፖሊሲታት ህግድፍ፤ገደብ እንተዘይተጌሩሉ ጥፍኣት ሃገርና ከስዕብ እዩ። ዕስራን ክልተን ዓመታት ቆልዓ ዓብዩ ሓዳሩ ክፈሊ ዘኽእሎ ግዜ እዩ። ሃገራት መሰረታዊ ዕቤታዊ ለውጢ ከርእያሉ ዘኽእለን ንውሓት ግዜ እዩ። (ገዲፈናና ተሓምቢበን እውን እየን)። ብኣንጻሩ፤ ሃገርና ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት ካብ ትምርሽ ነዊሕ ኮይኑ እዩ። ብፍላይ ኣብዚ እዋናት እዚ፤ ቁልቁል ኣፉ ሕምባቤኣ ፍጥነቱ ወሲኹ ኣሎ። መሳቱ ሶማልን ኮንጎን ክንከውን ኣይግበኣናን እዩ። ከመይ ኢልና ከ ኣብዚ ወዲቕና፧ ከመይ ኢሉ እዩ ከ ንምምጸኣ ኣደራዕ ዝተጻወረ ወለዶ፤ መዋእሉ ዝደመየላ ሃገር ክትውጻዕ እንከላ ብሱቕታ ዝዕዘብ፧ ንብዙሓት ከመራምር ዘኽእል ግድል ከይኮነ ኣይክተርፍን እዩ።

ከምቲ ዝተጠቅሰ ሃገርና ካብ ዕለት ልደታ ጀሚራ መመርመሪት ጽሉእን ውዱቅን ፖሊሲታት ክትከውን ጸኒሓ። እነድሕና ሕጂ እውን እቶም ትማሊ ዘምጻእናያ ኢና። እዚ ድማ ብመትከል ደረጃ ይጅምር። እቲ ናብ ብልጽግናን ዕብየትን ክመርሓና ዝሓደግናዮ ህግድፍ ጠሊሙና። ዝበልና እንተ በልና ልቢ ክገብር ኣይከኣለን። ዘውረዶን ዘውርዶ ዘሎን ብርሰት ሃገር ተዓጻጺፉ።ክጥረዝ ኣለዎ። ወላ ብመትከል ደረጃ ምርጫና እንተ ኣነጺርና ንዓና ዕርፍቲ እዩ፤ ንሃገርና ድማ ዓቢ ህያብን ኣበርክቶን እዩ።(ንዓብን ንሓልፍን ኣለና። ሎሚ፡ዋኒን ምምሕዳር ሲቪላዊ ሕ/ሰብ ብስሩዕ ኣገባብ ናብ ደቅና ተሰጋጊሩ፤ “ድጊም ሞት ከም ኣዳም እንብለሉ ክኸውን ይግበኦ ኔሩ።)

ሕጂ እውን እቲ ዝሓሸ፤ ህግድፍ ናብ ልቡ ተመሊሱ ሕቶታት ህዝቢ እንተዝምልስ እዩ። ዕቱብ ነብሰ-ነቐፌታን ነብሰ-ግምገማን ጌሩ መዋቕሩ ዘነቓንቅ ለውጢ ምትእትታው ዝሓትት እዩ። ይኹን እምበር ሓሞት ጌሩ ጌጋታቱ ክምርምርን ነብሱ ክቕይርን ዘይከውን እዩ። ባህሩ ኣይኮነን። ምስቶም ሰብ ውራይ ዝኾኑ ዜጋታት ክማኸርን ክላዘብን እውን ኣንነቱን ዕቡይነቱን ኣይሰዶን እዩ። ናይ ቅደም ታንዛንያዊ መራሒ ጀሊየስ ንየረረ ዝወሰዶ ስጉምቲ እውን ኣሎ።ንየረረ ማሕበርነታዊ ፖሊሲታት ኣብ ሃገሩ ከተኣታቱን ክትርጉምን ዓመታት ብዘይፍረ ሸንኮለል ድሕሪ ምባል ኢዱ ሂቡ። ንህዝቡ ይቕረ ድሕሪ ምባል ካብ ስልጣኑ ብኢደ ዋኒኑ ወሪዱ። ህግድፍ ከኣ፡ “ ይቅረታ፤ ሃገር ሓሚስናያ ኢና። ኣብ ስልጣን ክንጸንሕ ዘይገበርናዮ የለን። ንነዊሕ ኣብ ስልጣን ምጽናሕ ሓሓንሰብ የደንዝዝ እዩ፡” ብምባል ንህዝብና ነቲ ካብ ዝስወር ዓመታት ዝገበረ ቅዋም ከዳልይዎ እንተዝጽውዕ ንሃገርና ዝሓሸ ኣማራጺ ምኾነ። ህግድፍ ከምዘለዎ እናቀጸለ ገጽ ከጸባብቅ ጥራይ ዝጽውዑ እውን ኣለዉ፤ ውሑዳትን ድምጾም ከትሕቱ ዝደልዩን ኮይኖም እምበር። እዚ ግን ከምቲ ሃዳናይ ህድን ውዒሉ ምስ ደኸመ ናብ መዓስከር ዝምለስ እሞ ነቲ ካልኣዩ ናብ ሃድን እተን ተካላት እንስሳ ዝሰዶ ክምሰል ይኽእል። ሃዳኖስ ተቀያዪሮም። እንተ ብርሰት እተን እንስሳ ምቅጻሉ እዩ። ስለ እዚ ዕድመ ህግድፍ ዘናውሕ ‘ምበር ጸገምና ዝፈትሕ ኣይክከውንን እዩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ብዙሓት ግዱሳት ሃገራውያን ብዛዕባ ብልሽውና ህግድፍን ከውርዶ ዝጸንሐን ዘሎን ሰበብ ክሕብሩናን ከጠንቅቑናን ጸኒሖም። ነዞም ንዓመታት ክዋረዱ ዝጸንሑ ጀጋኑ ሃገራውያን “የቐንየልና” ምባል ውሒድዎም።  ክንወስዶ ዝግበኣና ውሳኔ፤ ውሑዳት ሕቶታት ብምምላስ ክቃለለልና ይኽእል እዩ። ገሌ ካብዘን ሕቶታት፡ በዚ ሃገርና ትኸዶ ዘላ ኣንፈትን ፍጥነትን ዕጉብ/ዕግብቲ ዲኻ/ኺ?፧ ከብዚ ዘላቶ ንላዕሊ ክትከውን ይግበኣ ኔሩ ኢልካ/ኪ ትሓስብ/ቢ ‘ዶ፧ ነዘን ሕቶታት ብኣሉታ እትምልሱ ሓላፍነት ዘይዕግበትኩም ህግድፍ ይሕመሎ። ስለዚ ምስ ህግድፍ ዘየተሓሳስበኩም እንታይ እዩ። ጉልባብኩም ቅልዑ። ሃገር ትጉዳእ ከም ዘላ ይስመዓና እንተኮይኑ መራሕትናን ፖሊሲታቶምን ንነቅፍ ኣለና ማለት እዩ። ዘበላሸውዎ ዝፈሸሉሉን ናብ እንዳማቶም ክድርብይዎ ከለዉ፤ካብኡ ንላዕሊ ስዕረት የለን ክንብሎም ኣለና። ብካልእ ኣዘራርባ፡ ወላ በቲ ዝብልዎ እንተወሰድናዮ፤ ዕንቅፋታት ኣሜሪካ ዘይምስዓር እኮ ፍሽለት እዩ። ሕግታት፡ ኣከያይዳን ወግዒ ዓለምን ዝርድኡ፤ንኣሜሪካ ኣቃሊዖም መሓዙት ዘብዝሑን ንዝፈሸሉሉ መደባት ስራሕ ኣደሓ-ጻዕዳ ዝእመኑሉን ግዙኣት ሕርያ ህዝቢ ዝኾኑ መራሕቲ ክንመርጽ ንኽእል ኢና።

ስለዚ፤ ካብ ሃገር ዝዓቢ ውድብ ስለዘየለ፡ምእንቲ ሃገር መስርዕ ምስባር ጌጋ ኣይኮነን። እንተ ወሓደ እቲ ክትዕን እንካን-ሃባን ሓይሊ ክድልብ ኣለዎ። ህድእ ኢልና ንዛተ። ኩሉ ንዕቤት ሃገርና እዩ። እንወስዶ መንግድታት ዝተፈላለየ ክኸውን ይኽእል እዩ። እንኸዶ ኣድራሻ ግን ሓደ እዩ- ኤርትራ።

ማሕሙድ ሳልሕ ሓምድ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • Habte October 24, 2013

    ለባም ዘረባ ሓሊብ ስተ ወድ ዓድ ከብድካ ትብረድ ህግያካ ህግያ ኣማን ወሓቕ ቱ’

    • belay nega October 24, 2013

      ኤርትራ ካብ እትፍጠር ጀሚሩ ስልጣን ብዘይ ሊብሬቶ እይ ክመሓላለፍ ክሪሙ
      እሞ እዞም ዋናታት ዝበሃሉ ዘለው ደአ በየናይ ሊብሬቶ ኢዮም ዋንነቶም ክረጋግጹ?
      just for curiosity.

  • belay nega October 24, 2013

    No [libretto],no ownership.

  • Dr Zoba-Debub October 25, 2013

    Simply brilliant article! We need more of you former liberation fighters to expose this brutal dictator and to lead our people to yet another victory and towards a real free and democratic society. Many of you former fighters live abroad but have been hiding for many unknown reasons. It is time that you come out of the shadows and lead the diaspora community that is often confused and lacking unity. You fought without saying you are “Hamasien, you are Akleguzay, you are Seraye etc…” as a united people. We need to recover that unity. It is not too late to forgive each other and save our country!

  • Andinet October 25, 2013

    Why writing such long article to make a point which is already made? Higdef committed all crimes under the sun and this means dont waste your time to convince us higdef is bad. We know that since the inception of EPLF/ What we want to know is concrete strategy on how to get rid of higdef.

  • Dawit October 25, 2013

    Situation in Eritrea ‘desperately bleak,’ UN expert warns urging aid for fleeing refugees

    24 October 2013 – A United Nations expert today urged the international community to focus on the human rights situation in Eritrea which she said is extremely concerning with the most serious violations being committed and with up to 3,000 people flee every month, many of them unaccompanied children.

    “The current human rights picture is desperately bleak. People feel trapped in a long hopeless situation as they see no end to it to the point that they take the irreversible decision to flee, forcing them on the road to exile,” the UN Special Rapporteur on Eritrea, Sheila B. Keetharuth, told journalists in New York.

    Earlier today, she had briefed the UN General Assembly’s main social, humanitarian and cultural body (Third Committee), which hears directly from special rapporteurs and other human rights mechanisms.

    In her briefing to the Committee, the first since she took up the post on 1 November 2012, Ms. Keetharuth described an alarming situation on the ground pieced from interviews with Eritreans residing outside the country who have been victims of abuse, as well as with representatives in Djibouti and Ethiopia where Ms. Keetharuth was able to have official visits.

    She detailed cases of extrajudicial killing, enforced disappearance and incommunicado detention, arbitrary arrest and detention, torture, inhumane prison conditions, indefinite national service, and lack of freedom of expression and opinion, assembly, association, religious belief and movement.

    A full version of the report was submitted this past summer to the Geneva-based UN Human Rights Council, which appointed Ms. Keetharuth to examine and report back, in an unpaid capacity, on specific human rights themes.

    In particular, the Special Rapporteur highlighted the excessive militarization affecting the very fabric of Eritrean society and the family, with men and women conscripted for unlimited periods of time instead of the prior 18 months of service with the National Service.

    She told journalists about one teacher with whom she spoke who told her he wanted to put down the gun forced onto him, “I want to hold a pen in one hand and a book in the other.”

    Ms. Keetharuth also raised the issue of incommunicado detentions which “appears to be the norm and not the exception.”

    These and other human rights violations are “triggering a constant stream of refugees to neighbouring countries,” the independent expert said.

    According to the UN Refugee Agency (UNHCR), 305,723 people last year fled Eritrea, with between 2,000 and 3,000 leaving the country every month, among them a large number of children unaccompanied by parents or guardians.

    “All Eritreans should be able to claim and enjoy their human rights, be it civil and political or economic, social and cultural,” she said. “This will require innovative ideas to address those issues perceived by Eritrea as hostile and constructive engagement with Eritrea and neighbouring countries to improve the situation of human rights in the country.”

    The desperation of the people in Eritrea, despite a shoot-to-kill policy targeting those attempting to flee, is further apparent in the two successive boat tragedies off the coasts of Italy and Malta earlier in October, during which more than 350 refugees lost their lives, including many Eritreans, she said.

    She called on the international community to focus on the human rights situation in Eritrea and increase efforts to protect refugees.

    The Special Rapporteur also reiterated her call on the Eritrean Government to cooperate with her mandate which offers a “frank and open dialogue” on the theme of human rights.

  • MightyEmbasoyra October 25, 2013

    I am not sure if anyone realize this but iseays keep blaming america for every issues but if you check Haddas Eritrea, they bring the history of musicians and actors. What is the reason for that? Please don’t tell me that it is the govt but not the people lame excuse.

  • eritrean October 25, 2013

    The Eritrean public is very smart, and very patriotic given the right goals, and the right leaders. The goals so far have been shameful. Do you think Eritreans are going to wake up, if the change coming will lead us back to Ethiopia? Sorry, never!

  • rti October 26, 2013

    Dr Zoba-Debub,
    thank you, I second your opinion!

  • michael tedla October 26, 2013

    what the erirean people need is united front to get rid brutal dictator and pupets .lets give money for those that are to fight to overthrow him .

POST A COMMENT