Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ህግደፍ መን’ዮም” – ብኣበባ ተስፋጊዮርጊስ

November 4, 2019, 2019 ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ክቡራት ኣሕዋተይ፡ ኣሐተይ፡ ደቀይ፡ ደቂ ደቀይ፡ኣሕ ከመይ ትኾና ኣለኽን፡  ከመይ ትኾኑ ኣለኹም፡ ኣነ እግዚኣቢሄር ይመስገን ድሓን ኣሎኹ፡  እምበኣር ሎሚ  “ህግደፍ መንዮም” ዝብል ኣርእስቲ ሒዘ እንሆ ቀሪበ ኣሎኹ። ከም መእተዊ ግን

November 4, 2019, 2019

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ክቡራት ኣሕዋተይ፡ ኣሐተይ፡ ደቀይ፡ ደቂ ደቀይ፡ኣሕ

ከመይ ትኾና ኣለኽን፡  ከመይ ትኾኑ ኣለኹም፡ ኣነ እግዚኣቢሄር ይመስገን ድሓን ኣሎኹ፡  እምበኣር ሎሚ  “ህግደፍ መንዮም” ዝብል ኣርእስቲ ሒዘ እንሆ ቀሪበ ኣሎኹ። ከም መእተዊ ግን እዚ ዝስዕብ ክብል’የ።

ሃገርና ኤርትራ ንእሽቶን በዓልቲ ውሑድ ህዝቢ ኮይና: ብዙሓት ብሄራትን ቋንቋታትን ዘለዋ ሃገር እያ። ቃልስና መሪር ኮይኑ፡ ግን ኣነ ከም ዝመስለኒ ፡ኣብ መንጎ ብሄራታትና –  ብሄረ ቢለን፡ ዓፋር፡ ኩናማ ናራ፡ ትገረ ትግርኛ፡ ራሻይዳ፡ ሳሆ፡ ሕዳርብ – ናይ ሓድሕድ ምፍላጥን ምክብባርን፡ ሓባራኣብባርራውዊሕዊ ሃገራዊ ሓላፍነትን ፈጢሩ’ዩ። እዚ ኹሉ ዋጋ ተኺፊሉ: መሬትና ነጻ፡ ህዝብና ሓራ ወጺኡ፡ ራህዋን፡ ሰላምን ሰፉኑና መርኣያን: ተስፋን ኣፍሪቃ ክንከውን ዝሓሰብናዮ ግን፡ እንሆ ንድንቁርናን፡ ድኽነትን፡ ጃምላዊ ስደትን፡ ስሙ ዝለወጠ ዲቅ ዝበለ ባርነትን፡ ሞትን ክፉእ ኣማውታን፡ ሕፍረትን፡ ሕልፈትን ተቃሊዕና። ተቃሊዕና ጥራይ ዘይኮነ መብዛሕትና  ከም ንቡር  ወሲድናዮ።

እሞ ኣብቲ ህግደፍ መንዮም ዝብል ዋና ኣርእስተይ ክምለስ። መጀመርታ ህግደፍ ማለት ህዝባዊ ግንባር ሓረነት ኤርትራ ማለት ኣይኮነን። ህዝባዊ ግንባር ሓረነት ኤርትራ ስራሓ  ኣብ 1991 ተዛዚሙ። እቲ መንግስቲ ዝተባህለ እውን ግዝያዊ እዩ ነይሩ።  ህግደፍ ከም ሓደ ፓርቲ፡ ስሩዕ ኣኬባ ገይሩ ብነጻ ተኻቲዑ ውሳኔ ኣሕሊፉ ኣይፈልጥን።   ህግደፍ ዝባሃል ስም ዝሐዙ ሸፋቱ  – ሸፋቱስ ይሕብኡ’ኳ – ሓደ ሰብኣይ፡ ሰብን ዝመስል፡ ዋላ ሓንቲ’ኳ ናይ ሰብ ጽብቅቲ  ባህርያት ዘይብሉ፡ ጨካን ኣረሜኔን፡ ንሱ በብእዋኑ ዝመልመሎም፡ ንሳቶም ድማ ንኻልኦት መሳርሒ ዘዋፈሩ ከምኡ ናይ ሰብ ባህርያት ዘይብሎም፡ ህዝቢ ቀደም ዘለለዮም፡ ምስቲ ጠቅላላ ቁጽሪ ህዝቢ ከተነጻጻሮ ከለኻ ኣዝዮም ዉሕዳት ዝኾኑ እዮም።

እዞም መናእሰይ ህግደፍ – Young PFDJ – ዝባሃሉ ድማ መብዛሕትኦም ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱ፡ ታሪኽ ኤርትራን ህዝባን ዘይፈልጡ “ከመይ ዝኣመሰለት ሃገርኩም ጸላኢ ይዳናደና ኣሎ፡ ሃገር ጽባሕ ናትኩም’ያ መንግስትኹም ዝበለኩም ግበሩ” ዝተባሃሉ፡ ዋና ባህሊ ኤርትራ ጓይላ ከም ዝኾነ ዝተማህሩ ሓያላት ክመስሉ “ሆ” ዝብሉ ዘፍርሑ ኣይኮኑን። ጽባሕ ዝምለሱ እዮም፡ ገለ ካብኣቶም’ውን እቲ ሓቂ እናበርሃሎም ከይዱ ፡ዓው ኢሎም ይዛረቡ ኣለው።

ካብኡ ዝተረፈ ዝበዝሔ ማእከላይ ቦታ ዝሓዘ እዩ። ርግጽ’ዩ ኣብ ክንዲ ማእከላይ ቦታ ምሓዝ፡ ብቃልዕ ምቅላስ ነቲ ስቃይ ህዝብና መሕጸሮ። ካብ ዘይኮነ ግን ህግደፍ ክንብሎም  ኣይግባእን። ንዓይ ከም ዝመስለኒ፡ እቶም  ኣብ በዓል ነጻነትን፡ ፈስቲቫላትን ዝካፈሉ ደቃቶም ምስ ደቂ ሃገሮም ከላልዩ ወዘተረፈ ዝኸዱ ንባዕሎም ግዳይ እቲ ስርዓት እዮም። ከም ሰቦም ዓዲ ንዘለዉ ስድርኦም ወርሓዊ ገንዘብ ዝሰዱ፡ ሬሳ ንዓዲ ኣንጢልጥጢሎም  ዝኸዱ፡ ኣሕዋትካ ከይቅተሉ ትንፋስ ኣድሕን ክብሃሉ ከሎ፡ ተዓድዮም ተዓዳድዮም ዝልእኩ፡ ኣብ ዓዲ ሃብታማት ካብ ኢዶም ንኣፎም ዝኾኑ እዮም።   ናይ ሃገሮምን ህዝቦምን ሕሰም ኣብ ከብዶም ዘየለለይዎ ቁስሊ ኣለዎም። ድሓር ድማ፡ ኣብ እዋን ቃልሲ በብዓነይቱ መገድታት፡ ሓቢርና መኪትና ኢና። ኣሕዋት እኮ ኢና። ኣብ ቤተክርስትያናት፡ መሳጊዳትን፡ ኣብ ሓዘንን፡ መርዓን ብሓንሳእ ኣለና። ሃዲእካ ብጽሞና፡ ውዓል ሕደር ዘይብሉ፡ ጊዜ ግን ይቅድመና ኣሎ ኣብ ጎድኒ ዝተኻሕደ ውጹዕ ህዝቦም ደው ክብሉ፡ ኣብ ኤምባሲታት ዘለው ድማ፡ ነቲ ስርዓት ፎእ እንተበልዎ ክብረቶም ከም ዝኾነ፡ ኣብ ወጻኢ እዮም ዘለው ከም ሰቦም ሰሪሖም ክነብሩ ከም ዝኽእሉ ምትብብዖምን፡ ምድፍፍኦምን’ዩ። እዚ ድማ አኼባታት ጌርካ ንዑ ተመለሱ ምባል ዘይኮነስ ንትፈልጦ ወይ ብዝፈልጦ ጌርካ፡ ብሰላም ብሓልዮት ምቅራብ’ዩ። እወ ሕርቃን ስለ ዘሎ፡ ህድእ ኢልክ ብሓልዮት ክትቀርቦም ይኽብድ ይኸውን፡ ግን ከኣ ኩላትና ሓቢርና ስለ ዘይተሳእና ኣብ ዕንወትና ተራ ከም ዝነበረና እናዘከርና፡  ስለ ሃገራዊ ድሕነት፡ ስለ ጽቡቅ ዘይርኣየ መንእሰይ፡ ስለ መጻኢ ወለዶ፡ ርእስና ክንገትእ፡ ክነሕምቅ ኣለና። እዚ ስርዓት እዚ ተሐግሒጉ ክውጽእ ኣብ ምርግጋጽ ምስ ከደ፡ ኩሉ ሰዓባይ እዩ።  እንተኾነ ታሪኽ ከም ዝምስክሮ፡ ክሳብ መጨረሽታ ምስቲ ስርዓት ጠጠው ዝብሉ ኣይክስኣኑን እዮም።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር ነቲ “ይኣክል” ዝብል ምንቅስቃስ ገለ ሕልኽልኻቱ በዲሁ ኣብ ጽቡቅ መገዲ ዝጓዕዝ ዘሎ፡ ክቃላጠፍ ሸትኡ ወቂዑ ነቲ ስርዓት ኣብ ምእላይ ዓቢ ተራ ክጻወት ምእንቲ፡ እዚ ዝስዕብ ምግባር ዝሓሸ ኮይኑ እስምዓኒ፡

ቀዳማይ፡ ናይ ነዊሕ ዓመታት ብብዙሕ ነገራት ምፍልላይና ዘስዓቦ። ተሰኒዱ ከም ታሪኽ ክስገር ዝግብኦ ገና ብዝዕብኡ እናልዓልና ንዛረብን ንጽሕፈን ኣለና። ንዝተብሃለ ወይ ንዝተገብረ መልሲ ክንህብ፡ ኣብ ሶሻል ሚድያ “ሆ” ክንባሃሃል፡  ብኣክል ይኹን ብስልኪ ተራኺብና፡ ልክዕ ከም ሓዲሽ ንፈልጦ ዘለና፡ ብዛዕባቲ ውልቀ መላኽን  ካልእን ምዝራብ ከም ቁም ነገር፡ ከም ስራሕ ወሲድና ወርቃዊ ግዜና ነባኽን  ኣሎና። እዚ ሕጂ ጠጠው ከነብሎ ኣለና።

ካልኣይ፡ ምሁራት ኣጽቂጦም፡ ንሳቶም እንተዝትንስኡ ድኣ ከምዚ ምኣስ ምኾነ ንብል ኢና። ቀዳማይ ኩሉ ምሁር ኣይኮነን ኣጽቂጡ ዘሎ። ግዚኦምን ገንዘቦምን ዝውፍዩ ዘለው ውሑዳት ክንብሎም ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ ርእሲኡ  ድማ፡ ምሁር  ካብ ከም ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲትን፡ ካልኦትን ትምህርቱ ገዲፉ፡ ከምኡ’ውን ጽቡቅ ስርሑ ጠንጢኑ፡ ደቁ ኣዘኽቲሙ፡ ሓዳሩ ኣጸምዩ፡  ዘሊሉ ንሜዳ ኣትዩ ትምህርትን በቢዓይነቱ ስራሓታውትን፡ ሕክምናን፡ ኣታኣታትዩ።  ኣብ ኩናት ተሰዊኡ ብስልቲ ተቀንጺሉ’ዩ።  ከምኡ ድማ ምሁር ከፍ ዝበለ ናይ ትምህርቲ ዕድል ረኺቡ ዝተዓወተ ጥራይ ኣይኮነን፡ ከባቢኡን፡ ተመክርኡን፡ ዕድመን ዝማሃሮ ድማ  ዘዳዕድዔ፡ ምሁር’ዩ።

ሳልሳይ፡ መሳርዕ መንግስቲ ይኹን institution  ዝባሃል የብልናን ስለ ዝኾነ ድማ  ኣብቲ ርእሲ ካልእ ህጹጽ ዕማማት፡ ጽባሕ ዘይኮነስ ሕጂ በርገሳውያን ማሕበረት ከምኒ ማሕበር ተማህሮ፡ ሐኻይም፡ ኢንጂነራት፡ ነጋዶ፡ ሸቃሎ፡ ተጣበቅቲ መሰል ደቂ ሰባት፡ ወዘተረፈ እተን ተዳኺመን ዝጸንሓ ተንሲኤን ክብርትዓ፡ ዘይነብራ ድማ ክፍጠራ ናይ ግድን’ዩ። ማእለያ ዘይብሉ መንእሰይ፡ ትሑት ትምህርቲ ዘለዎ ኣብ መዓሰክራትን፡ ኣብ ፈቀዶ ዓድታት ኣይነበር ተካል ናብራ  ዘሕልፍ ዘሎን፡ ኣብ ልማኖ ዝኣተወን፡ ብስነ ኣእሙራዊ ቅልውላው PTSD ዝተጠቅዔ ዓዱ ክኣቱ’ዩ ። ሻቡ ስራሕ እንተዘይረኺቡ፡ ዓቢ ጸገም ክፍጠር’ዩ። ከተማታትና ፈራሪሰን፡ ሀገራሰባትና ባዲመን፡ ብዘይካ ሓድ ሓደ ጠረው ዝብሉ ኣረጋውያን እንተዝይኮይኑ ሰብ የብሉን፡ መሬትና ሓውሲ ምድረ በዳ ኮይኑ፡ ዝህነጽ ገዛውቲ ዝዕረ መንገዲ፡ ዝምዕብል ሕርሻ  ብህጹጹ ክጅመር ኣለዎ።  መንእሰይ እናሰርሔ ትምህርቲ እውን ከከም ዓቅሙ ክምሃር ይኽእል’ዩ። ኻብኡ ዝተረፈ ጠጠው መጠው እንተኾይኑ እቲ መንሽሮ ሓንቲ ሃገር ዝኾነ ብልሽውና ክኣቱ’ዩ። ጸሊም ደመና ካብ ሰማያትና ተቀንጢጡ፡ ብቅዋም፡ ብሕጊ ተቀይድና ሓዲሽ ህይወት ጀሚርና ከነብቅዕ፡ ብልሽውና ምስ ዝኣቱ ስሙ ዝለወጠ ካልእ መግዝእቲ’ዩ። ኩሉ – ማለት ሓደ ሰብ’ኳ ከይተረፈ –  ከከም ዓቅሙ ሰሪሑ፡ ሓሪሱ፡ ነጊዱ ዘይበልዓላ ዓዲ፡ ድሕሪ ሕጂ ክትህልወና የብልናን።  እሞ ምሁራትና ኣብዚ ዓቢ ተራ ኣለኩም እግዚኣብሄር ይሓግዝኩም።

ራብዓይ፡  ደቂ ኣንስትዮ ከም ቂሔ ጽልሚ፡ ኣለዋ መበሊ ዘይኮንክንስ፡ ኣብ ኣኺባታት ይኹን  ኣብ ኩሉ መዳያት ብብዝሒ ክትካፈላ ኣሎክን፡  ብረታዊ ቃልሲ ዝጀመረሉ ዕለት ንምኽባር ብ “ይኣክል ኣሰር ዓወተ”  ዝብል ጭርሖ ዝተሰነየ፡ ኣብ መስከረም ሓደ 2019 ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ካሊፎርንያ ዝተገብረ ብዓል፡  ደቂ ኣንስትዮ ኣኼበኛታት ዝበልዕዎ መግቢ ምስራሕን፡ ምዕዳልን ከይትሓጽራ፡ ነቲ ጠቅላላ ብዓል ኣብ መድርኸ ወጺኤን የላልይኦን ይኣልይኦን ነይረን። ደቂ ተባዕትዮ ባህ ኢልዎም ይርእዮም ነይረ፡ ብሓቂ ኩርዓት ዝተሰምዓም እውን ኣስተብሂለ።  ድሓር ድማ ኣብቲ  ሰብኣዊ መሰላት ምጥባቅ ዝካይድ በብዓይነቱ ንጥፈታት፡ ኣብተን ዓበይቲ ናይ  ስደተኛ ካምፖታት፡ ኣብ ከም በዓል ሲናይ ትንፋስ ኣድሕን ዝባሃለሉ ብብዝሒ ትረካባ ንስኻትክን ኢኽን። ሃገር ማለት’ኮ ኣብ ዘለዎ ኣልዩ ሰብ’ዩ።  ድሓር ድማ እግዚኣቢሄር ይመስገን፡ ሎሚ ሃገር ክትሃንጻ ትኽእላ መማሃራን ኢንጂነራት፡ ሐኻይም ጠበቃታት (Lawyers) ኤኮኖሚስትስ፡ ነጋዶ ወዘተረፈ ኣለኽናና።  30 ካብ ሚእቲ ተጋደልቲ ደቂ ኣንስትዮ እንተዘይኮና፡ ኣብ ከተማን ገጠርን እንተዘይዉፈያ፡ ኤርትራ ነጻ ኣይምወጸትን ዝብል እምነት ኣሎኒ።  ብሓቂ ተራን ቁምነገርን ደቂ ኣነስትዮ ኣሽምባይዶ ብሙሉኡ ብኸፊሉ እንተኾነ’ውን ኣይተነግረን።

ሓሙሻይ፡ ገሌና ኣብ ዓዲ ዘሎ እንተዘይተላዒሉ፡ ኣብ ደገ ዘሎ ብዙሕ ክገብር ኣይክእልን’ዩ ንብል ኢና። ሓደ ሰብ ሜሬት ወዲቁ ብበትሪ እናተቐጥቀጠ ሓፍ ኢሉ  ዘይጣማጠም ኣይትብሎን ኢኻ፡ ህዝብና ድማ -ከም ዘይሓልፍ ይቅጥቀጥ ጥራይ ዘይኮነ ይጠሚ ኣሎ፡ እቲ መተርክስ ጎሮሮ ማይ ውን ብኮንትሮ ባንዳ ኮይኑ። መድሎ እንተረኺቡ ምህዳም’ዩ።  ድሓር ድማ ህዝብና ኣብ ርእስቲ ሓርኮትኮት ብሃላይ ሙዃና ካብ ኣቦታትና እኖሓጎታትና ዝተወርሰ ስርዓተ ሕጊ ዘለዎ ኣናባብራ ዝፈልጥን፡ መግዛቲ ሕሱም ይኹን እምበር ካብ ከም ባዓል ጥልያን ዝኣመሰሉ ብዙሕ ዝተማህረን’ዩ። ንጃህራ ዘይኮነ ኣብ ኤኮኖሚ ምዕባለ ናይ ኢትዮጵያ ኤርትራዊ ዓቢ ተራ ተጻዊቱ’ዩ።  ሕጂ እውን ምስዚ ክንድዚ ስቃይ ብዙሕት ኣብ ሀገራት ኣፍሪቃ ከይዶም መንገድታትን፡ ህንጻታትን ዝሰርሑ ሕልና ዘለዎም ሰብ ዓብይቲ ትካላት ኣለውና ኣለዋና።  እወ፡ ብሓቂ ወዲቅና ኢና ግን፡ ከኣ ክብቲ ወዲቂ ዘይፈልጥ ወዲቁ ዝተንስኤ ይብርትዕ።

ክቡር ህዝቢ ሃየ እምባኣር ዓቢ ተስፋ ረኺብና ኣሎና።  ኣብ ኢድና እዩ ዘሎ፡ ን “ይኣክልና” ነቃላጥፎ።  እሞ ዘረባይ ብጸሎት ኣብዚኢ ክዓጹ’የ። ክብርን ምስጋናን ንዘለኣለም ንዕሉ፡ ንኹሉ ዝእኽል ኣምላኽ ይኹኖ። ኣሜን።

ኣበባ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • Hdrisuehalalmarie November 7, 2019

    Hi Abeba,

    When you started with a question who HGDF is, I did not expect you to come up with a worn out cliche, “Shefatu”. I am disappointed, to say the least. Do you think such ambiguous term will help the immature and naive YPFDJ or any other brainwashed victim Eritreans , of whom you lamented so much, unshackle themselves from the delusion of serving their country? No.!! Only when we tell them the Truth supported with unimpeachable evidences, of which there are abundant, that Isaias afewerk and his cabals are impostors/kedaat , can they be resurrected. Let us drop off our garb of political hypocrisy and affix permanently and use it everyday in our social media communicationsites the correct term …….impostors/kadaat,….. on Isaias afewerk and his cabals. Needless to say, lack of clear definition of the enemy,has been one of our huge stumbling blocks, which he has been exploiting to the detriment of our people and country.

  • Gezae November 9, 2019

    1. OUR DAUGHTERS AND SISTERS ARE BUILDING THEIR WOUNDED COUNTRY BESIDE THEIR BROTHERS. THEY ARE NOT WAITING ADVISE FROM YOU.
    2. YOU DO NOT HAVE INTELLIGENCE TO DEMONSTRATE PFDJ/PIA THE ERITREAN GOVERNMENT IS VERY KEEN ENOUGH TO THE CONTEMPORARY or UNDER CONSIDERATION SITUATION SO PLEASE, DEAR SISTER IT IS MUCH BETTER YOU & YOUR WOYANE PUPPET BROTHER TO STOP LECTURING HERE & THERE ABOUT ERITREA.

    • k.tewolde November 11, 2019

      Gezae,wouldn’t this be time for you to reflect about your life and prepare to meet all those souls you left behind,make peace with yourself and those around you and call upon the almighty Lord to bring healing to this battered and wounded nation instead of worshiping and defending a mortal flailing man and his killing machine with parts of his body already in his grave.Remember,before God,he ain’t gonna defend you,you are on your own,he will throw you under the bus like he did so many of your kind.make a U turn while there is time.Sincerely caring.

    • tewelde Gebremariam November 11, 2019

      Gezae,

      How long do you have to lie for your belly? I just ask knowing full well that you cannot do otherwise because you are beyond redemption just like your master, the impostor and Genocidal isaias afewerk. You guys will go all the way to death like Adolf Hitler. You have no alternative.

      • Gezae November 16, 2019

        THERE IS A QUOTATION THAT SAYS ” ONCE YOU GET STARTED DOING NOTHING IT HARD TO QUIT. LIKEWISE YOU ARE!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!
        In order to feel valuable, you are supposed to commit your best efforts for the public good, not to be fighting against each other..I’m not taking a moral stand here. As a politician certainly I’m far from being all ways perfect. Any how rather than using your emotions and intellect to do what’s best, You focus on proving others wrong — those who think differently become your enemies. So that you are emotionally incompetent — that’s why you judge afar and love to hate others.

  • Dawit November 10, 2019

    New Eritrean Film
    .. Terarro
    AB. Cinema.
    Meqele.

  • ajib musa November 15, 2019

    ሰላምዶ

  • ajib musa November 15, 2019

    ከመይ