Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህግደፍ ህጹጽ ናይ ቅልውላው ፍሉይ ምስጢራዊ ኣኼባታት የካይድ ኣሎ

ብቀዳማይ ጸሓፊ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ሳልሕ ዓብደላን (ጁኑቢ) ኣብራሃምን ዝምራሕ ምስጢራዊ ኣኼባ ዋህዮ ምስ ቁንጣሮ ሕልና ዘይብሎም ብሕርያ ዝጸውዕዎም ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ተቐማጦ ከተማ ሸፊልድ ሎሚ ሰኑይ ካብ ሰዓት 19፡00 ምሸት ጀሚሩ ክካየድ

ብቀዳማይ ጸሓፊ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ሳልሕ ዓብደላን (ጁኑቢ) ኣብራሃምን ዝምራሕ ምስጢራዊ ኣኼባ ዋህዮ ምስ ቁንጣሮ ሕልና ዘይብሎም ብሕርያ ዝጸውዕዎም ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ተቐማጦ ከተማ ሸፊልድ ሎሚ ሰኑይ ካብ ሰዓት 19፡00 ምሸት ጀሚሩ ክካየድ ኣምስዩ። ንምግላጽ ገለ ካብኣቶም:- በረኸት (ታክሲ): ዳኒኤል (ታክሲ): ዓቢ ቈልዓን ካልኦትን ይርከብዎም።

ከም ዝፍለጥ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ብዚተፈላለየ ባዕላውን ወደዓውን ምኽንያታት ነገራት ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ኩነታት ካብ ቁጹጽሩ ይወጽእ ከም ዘሎ ብምግንዛብ ናይ ዓቕሊ ጽበት ስጉምታት ይወስድ ኣሎ። እዚ ነገር ብዝያዳ ከተሓሳስቦ ዝጀመረ፤ ኣብ ቅንያት ጽንብል መበል 27 ዓመት ናጽነት ንዝተራእየ ልኡምነት ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ስደት ዝርከቡ ደገፍቱን ተነጽሎ የስዕበሉ ስለዘሎ እዩ።

ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ክብል ድማ ነዚ ናይ ሎሚ ምሸት ሓዊሱ ብተደጋጋሚ ፍሉይ ህጹጽ ሚስጢራዊ ኣኼባታት ንዋህዮታቱ ከም ዘካይደሎም ዘሎ ንከታተሎ ኣለና፡፡

ኣጀንዳታት ኣኼባ፡- .ገምጋም ውዳቤታትን ስርርዕን ህግደፍ፣ ሃማደኤ፣ ማሕበር ምትሕግጋዝ (ማሕበረ ኮም)፣ መንእሰያት ህግደፍ ካብቲ ዘገርም ግን እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ኣሕሲሩን ኣዋሪዱን ክገዝእ ዝጸንሐን ዘሎን ስርዓት ህግደፍ፣ ነዞም ቁንጣሮ ተንበርከኽትን ዕዉራት ተማእዘዝትን ዋህዮታቱን ደገፍቱን ንዘለዎም ድሕረታት መዝሚዙ ኣብ ነንሕድሕዶም ኣተፋኒኑን ኣቀሓሒሩን ጥራይ ከይኣክል ሕጂ ዓራቓይን ገሳጻይን መሲሉ ናይ ኣፍ-ኣርክቡ ተራ ይዋሳእ ከም ዘሎ ጋህዲ ኮይኑ ኣሎ።

መዋጽኢ ይኾነኒ ኢዩ ዝበሎም – ንግዚኡ መዐደጊ ግዜ ዝኾኖ 2 ናይ ሓጺር-እዋን ተተግበርቲ መደባት ከም ትእዛዝ መልክዕ ኣማሓላሊፎምሎም ይርከብ፣-

1/ ን20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ዝምልከት ካብ ሕጂ ዘድሊ ሰፊሕ ምድላውት ክግበር። ንምወላ ዝምልከት ኤምባሲ ህግደፍ ብቀዳምነት ተሓታታቲ ኮይኑ ምስ ኩለን ስርርዓትን ውደባታት ህግደፍን ተዋሃሂዱ ሰፊሕ ንጡፍ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ስደት ንምርግጋጽ።

2/ ሻሙናይ ፈስቲቫል መንእሰያት ኤርትራ ” መንእሰይ፣ ጸዓት ዘላቒ ዕብየት” ብዝብል ቴማ፡ ካብ 13 ክሳብ15 ሓምለ ኣብ ሳዋ ክካየድ ተወጢኑ ንዘሎ መደብ ዝኸውን ፋይናንሳዊ ሓገዝ ምእካብን ዝሳተፉ ወከልቲ ምርቋሕን።

ምቅላዕ ካብ ከተማ ሸፊልድ: ብሪጣንያ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • RAHWA June 7, 2018

    Whoever supports the old lunatic dictator should know that he/she is comlplicit to MURDER /TORTURE /HUMAN TRAFFICING !

POST A COMMENT