Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህግደፍን ፈላላዪ ስልቱን!

ህግደፍን ፈላላዪ ስልቱን!                    ብገዛኢ ኪዳነ ጸላእቲ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈላለየ ተንኮላዊ ስልትታት ተጠቒሞም ንሓድነቱ ክፈታተንዎ ምጽናሖም ታሪኽ ይምህረና’ዩ። ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብ ውሽጢ ሕብረተስብ ኤርትራ ኣትዮም ንገሊኡ ብሽመት ንገሊኡን ገንዘብ እናዓደሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ነንሕድሕዱ ከም ዝፈራራሕን

ህግደፍን ፈላላዪ ስልቱን!

                   ብገዛኢ ኪዳነ

ጸላእቲ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈላለየ ተንኮላዊ ስልትታት ተጠቒሞም ንሓድነቱ ክፈታተንዎ ምጽናሖም ታሪኽ ይምህረና’ዩ። ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብ ውሽጢ ሕብረተስብ ኤርትራ ኣትዮም ንገሊኡ ብሽመት ንገሊኡን ገንዘብ እናዓደሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ነንሕድሕዱ ከም ዝፈራራሕን ዝጣለምን ገይሮም ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ዘይገበርዎ ርኹስ ተግባር ኣይነበረን። ኣብ ርእሲ እዚ ድሑር መስፍናዊ ባህልታት ብምትእትታው ንገሊኡ ጭዋ ንገልኡ ባርያ፡ ሓጓዳይ፡ ዋጣ፡ ካይላ፡ ቡዳ .. ወዘተ ብዝብል ስም ከም ስጋ ጉዚ ክጎዛዝይዎ ጸኒሖም ኢዮም። እዚ ዘግበሮም ምኽኒያት ድማ ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ጥራሕ ኢዩ። ምኽኒያቱ ኣብ ነንሕድሕዱ ዝተኣመማን ሕብረተሰብ እንተኾይኑ ከም ድላዮም ክገብሩ ከቶ ኣይኽእሉን። እቲ ሕብረተሰብ ንምጉዚዛዩ ዝያዳ ክጥዕሞም ዝገብሮዎ ዝነበሩ ሜላ ድማ ናይ ትምህርቲ ዕድል ምንፋግ ኢዩ። ምኽኒያቱ ህዝቢ እንተተማሂሩ እቲ ተንኮላዊ ሜላታቶም ክሰርሕ ኣይኽእልን። እዛ ተንኮል እዚኣ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ባዕዳውያን ገዛእቲ ተራእያ። ጃንዳ ህግደፍ እውን ካብዚ ተንኮላት እዚ ርኹስ ዝኾነ ትምህርቲ ኣትሪፉ ኣሎ። እነሆ ኸኣ ንህዝብና ድሑር ስምዓታት እናልዓለ ኣብ ኤርትራ ተሰሚዑን ተራእዩ ዘይፈልጥ ናይ ሃይማኖት ናይ ኣውራጃ ናይ ዓለት ካብኡ ብዝተሓተት ድማ ናይ ወረዳታትን ዓድን ፍልልይ ፈጢሩ ንህዝብና ኣብ ነንሕድሕዱ ቅሳነት ከሊኡዎ ይርከብ።

ጽልዋ ናይ’ዚ ድሕረታት’ዚ ድማ ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ ዘሎዎ ቦታት ተላቢዑ ይርከብ፡ ግደ ሓቂ ኣብ ህዝቢ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብተን ናይ ፖለቲካ ሓይልታት/ ውድባት/ ዝበሃላ እውን ኣትዩ ኣብ ነንሕድሕደን ኣብ ክንዲ ዝቀራረባ ክረሓሓቓ ንርእየን ኣሎና፡ በዚ ምኽኒያት ድማ ኣብ ክንዲ ጉዳይ ህዝበንን ሃገርን ቀዳምነት ዝሰርዓ  ትሕቲ ሃገርነት ዝኾነ ድሑር ስሚዒታት ጸሊይወን ኣብ ነንሕድሕደን ምትእምማን ዝበሃል ስኢነን ኣብ ምጥርጣራትን ኣብ ምትፍናን ኣትየን ይርከባ።

ምልካዊ ጃንዳ ህግደፍ ድማ ካብ ገዛእቲ ኤርትራ ዝወረሶ ርኹስ ፈላላዪ ሜላ ተጠቒሙ መንእሰይ ከይመሃር ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ወፍሪ ባርነት ጸሚዱ ዕድሜኡ ንከንቱ የብልዮ ኣሎ።

ሎሚ ኣብ ዘበነ ህግደፍ ሕጸን መርዓን ውላድን ዝበሃል የለን። ከምቲ ንቡር ሕ.ሰብ ኤርትራ መተካእታኡ ከይፈሪ ኮነ ኢሉ የጽንቶ ኣሎ። ዝተማህሩን ይፈልጡ ኢዮም ዝበሃሉን ኣብ ዘይፍሉጥ ቦታት ተኣሲሮም ኣደዳ ሞትን ሕማምን ኮይኖም ኣሎዉ። ኤርትራውያን ወለዲ ከም’ዛ ዘይወለዱ ገጽ ውላዶም ንምርኣይ ሓሪሙዎም ምስ ገበታ ጓሂኦም ዓለም ይሓልፉዋ ኣሎዉ። ኤርትራዊ መንእሰይ ድማ ኣብ ሃገሩ ምንባር ስኢኑ፡ ዝተፈጥረላ መሬት ረመጽ ኮይናቶ ናብ ፈቖዶ ሃገረ ስደት ይበታተን ኣሎ። ገሊኡ እውን ኣብ መንገዲ ስደት ብጥይት ዓሳክር ህግደፍ ተመልዒሱ ንቡር ቀብሪ ስእኑ ኣብ በረኻ ይድርበ ኣሎ። ገሊኡ’ውን ኣብ መንገዲ ስደት ሕማቕ ዕድል ኣጋጢሙዎ ብጽምኢ ማይ ኣብ ርሱን ሑጻ ምድረ በዳ ተቐቢሩ ይተርፍ ኣሎ። ካብ ሃገር ስደት ናብ ካሊእ ሃገር ስደት ኣብ ዘምርሓሉ ጊዜ ዕድሉ ከፊኡ መፍቶት ዓሳታት ባሕሪ ዝኾነ ኤርትራዊ መንእሰይ ብዙሕ ኢዩ።

ሎሚ ከኣ ዝገደደ  መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ጉዕዞ ናይ ስደቱ ምስ ሰበ ስልጣን ጃንዳ ህግደፍ ዝተኣሳሰሩ ነጋዶ ኣካላት ደቂ ሰብ ዝኾኑ ራሻይዳን ተሓባበርቶምን፡ ኣብ በረኻታት ሲናይ ኮላሊቱ ተበርቢሩ ናብ ዕዳጋ ወሪዱ። እዚ ነቲ ብኤርትራን ህዝባን ዝሓስብ ሰብ ኣዚዩ ዘሕዝን ኢዩ። ስለዚ ካብዚ ዝኸፍእ ስለ ዘየለ ኤርትራዊ ኣብ ዝሃለወ ሃልዩ ካብዚ ጸልማት ህይወት’ዚ  ህዝቡ ንምድሓን ዘሎዎ ዓቕሚ ጸንቂቑ ኣንጻር ተንኮለኛ ስልቲ ምልካዊ ጃንዳ ህግደፍ ድግዲጊት ዓጢቑ ክቃለስ ይግባእ።

ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ናይ ህግደፍ ባህጊ የብሉን። ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን ብዕላማ ክልተ ተጻረርቲ ኣካላት ኢዮም። ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ሰላም ኢዩ። ባህጊ ህግደፍ ግን ዕግርግር ጽልኢ ምፍልላይ ኢዩ። ስለዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ህግደፍ ዝተባህለ ምልካዊ ጃንዳ ካብ ዝፈትዋ ሃገሩ ሱር መሰርቱ ሓግሕጉ ብምስጓግ ኣብ ሃገሩ ፍትሒ ዝማእከሉ ሕግን ስርዓትን ኣንጊሱ ኤርትራዊ ብዘይ ፍርሒ ዝነብረላ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንምፍጣር ኢዩ ዝደሊ። ምኽኒያቱ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዘን ዝሓለፋ 22 ዓመት ናይ ነጻነት ዓመታት ኣብ ዘመነ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዘይተራእየ ግፍዕን መከራን ኢዩ ረኺቡ። ብሓቂ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዘን 22 ዓመታት ወሊዱ ከም ዘይወለደ፡ ውላዱ ካብ ሕቑፉ ገፊፎም ወላድ መኻን ገይሮሙዎ ኢዮም። ሃብቱ፡ ጉልበቱ፡ ጥሪቱ፡ ንብረቱ በሪሱ ኢዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ብዓሳክር ህግደፍ ተገፊፉ ዝተወስደ ውላዱ፡ ውላደይ ኣበይ ኣሎ ኢሉ ክሓትት ኣይፍቀደሉን። ዝተኣስረ ኣቦ ዝተኣስረት ወላዲት ዝተኣስረ ውላድ ሃለዋቶም ክፈልጡን ክርዩን ኣይፍቀድን።ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ዝበለ ግፍዕን መከራን ፍጹም ኣጋጢሙዎ ኣይፈልጥን። እቲ ሕሱም መግዛእቲ ተባሂሉ ዝጥቀስ መግዛእቲ ቱርኪ እውን ከምዚ ናይ ዘመን ህግደፍ ግፍዕን መከራን ኣይገበረን።

እቲ ብዘይ ሕግን ስርዓትን ይፈርድ ኣሎኹ ኢሉ ዝእንተር ፍሉይ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ዝበሃል ትካል ናይ ጃንዳ ህግደፍ ይግባይ ኮነ ጠበቓ ዘይፈቅድ  ውሽጣዊ ነጻነት ዝበሃል ዘይብሉ ብትእዛዝ መራሕቲ ህግደፍ ጥራሕ ዝሰርሕ ዝምርሓሉ ህግን ዝውከሰሉ ዓንቀጽን ዘይብሉ ፍትሕን መሰልን ዘይርደኦ ናይ ሸፋቱ ችሎት ኢዩ። እቶም ደያኑ ኢና ኢሎም ኣብ’ዚ ዝተጠቅሰ ናይ ሸፋቱ ችሎት ዝውዕሉ ኣጓብዝ ከኣ ጽባሕ ንጉሆ ብታሪኽ ዝመሓሩ ኣይኮኑን። ናይዞም ኩሎም ዝተኣስሩን፡ ዝተገፍዑን ዜጋታትና ተሓተቲ ኢዮም።

ኣብዚ ከይተጠቅሰ ክሕለፍ ዘይግበኦ ጉዳይ ግን ኣሎ፡ ብዛዕባ እዚ ኣሰራርሓ ሕግን ስርዓትን ኣብ እንዳ ህግደፍ ብዝምልከት ገለ ንጹሃት ሃገራውያን ናይ ሕጊ ኣፍልጦን ንጽህናን ዘሎዎም ኣካላት ህዝንብና ኣብ ኤርትራ ሕግን ስርዓትን ከይነግስ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣብ ስራሓና ጣልቃ እናኣተዉ ምስራሕ ከሊኦምና ብምባል እቲ ሓቂ ብንጹር ንህዝቢ ሓቢሮም ኢዮም። እዚ መርገጽ እዚ ስለዝወስዱ ብጃንዳ ህግደፍ ገሊኦም ተኣሲሮም ገሊኦም ድማ ደስኪሎም ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ሃገር ከይወጹ ተሓይሮም ኣሎዉ።

እቲ ዝገርም ከኣ ገለ ናይ ዱክትርናዶ ናይ ፕሮፈሶርነት መዓርግ ኣሎና ዝብሉ ውሑዳት ሰባት ናይ ሃገርን ህዝብን ምብራስ ከይዓጀቦም፡ ብውልቃዊ ረብሓ ምስ ጃንዳ ህግደፍ ተኣሳሲሮም ኣጀንዳ ናይ ህግደፍ ክዉን ንምግባር ኣብ ፈቖዶ ሃገራት ከይዶም ዝሰብኩ ተበለጽቲ ምህላዎም ኢዩ። እዚኦም እናረኣዩ ዝዓወሩ፡ እናሰምዑ ዝጸመሙ ቅድሚ ህዝብን ሃገርን ነብሶም ዝሰርዑ ተበለጽትን ፈራሓትን ስለዝኾኑ ጽባሕ ንጉሆ ብታሪኽ ማዕረ ጃንዳ ህግደፍ ተሓተቲ ኢዮም።

Sophia_Gidewon

መሳርሒ ሓሶታት ህግደፍ

 እዚ ጥራሕ እውን ኣይኮነን ገለ ኤርትራውያን ብጉርሒ ዲዩ ብገርሂ ብዘይግድስ፡ ንተቓወምቲ ሓይልታት ከነኣእሱ ዝውዕሉ እውን ኣሎዉ፡ ኣብዚ ግን ቕድሚ ንሓይልታት ኤርትራ ምንእኣስ ኣነኸ እንታይ ገይረ ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም ናብ ነብሶም ገልቢጦ እንተዝሓቱ ምበለጸ። እዚ’ ክንዳኻ ዘይኾናስ ብኣኻ ይውዕላ’ ዝብል ምስላ ወለድና የዘኻክርካ። ኣነ ከም ዝመስለኒ ምንጪ ናይዚ ኣበሃህላ እዚ ካብ ጃንዳ ህግደፍ ጥራሕ ኢዩ ኪኸውን ዝክእል። እንተኾነ ገለ ደለይቲ ለውጢ እውን እቲ ኣበሃህላ ካበይ ኢዩ ምንጩ ከይተረድኡ ንኣባሃህላ ህግደፍ ዝደግሙ ኣሎዉ። ግደ ሓቂ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ዓቕመን ዝፈቕዶ ስራሕ ይሰርሓ ኣሎዋ። ዓቕመን ዝያዳ ንኽሕይል ግን ካብ እንታይ ይሰርሓ ኣሎዋ እናበልካ ደርፊ ህግደፍ ካብ ምድጋም ዝያዳ ንኽሕይላ ምሕጋዘን ይበልጽ።

ኣብ ርሑቕ ሃገረ ስደት ሰፊርካ ኣይረብሓን ኣይሰርሓን ምባል ግን ምሕጋዝ ዘይኮነ ንምድኻም ዝዕድም ኣበሃህላ ኢዩ። ኣብ ምድኻም ሓይልታት ኤርትራ ረብሓ ዘሎዎ ድማ እቲ እንኮ ጸላኢ ህዝብና ዝኾነ ጃንዳ ህግደፍ ጥራሕ ኢዩ። ስለዝኾነ ሰባት ጃንዳ ህግደፍ ኮነ ኢሉ ዝዘርዎ ወረታት ካብ ምድጋም ክቑጠቡ ይግባእ። ግደ ሓቂ ብፍላይ ሰራዊት ዘሎወን ሓይልታት ኣይሰርሓን ዘይኮነስ ብዓቕመን ይሰርሓ ኢየን፡ መስዋእቲ’ውን ይኸፍላ ኢየን። ነዚ ጻዕሪ እዚ፡ ነዚ መስዋእቲ እዚ ኣብ ርሑቕ ዓዲ ስደት ኮንካ ምንእኣስ ግን ጸላኢ ለውጢ እምበር፡ ደላዪ ለውጢ ዝገብሮን ዝብሎን ኣይኮነን። ምኽኒያቱ ብረቱ ዓጢቑ ኣብ ግድመ ግንባር ምስ ስለያ ህግደፍ ዝዋደቕ ዘሎ መንእሰይ ኹሉ ዓይነት ደገፍ ኢዩ ዘድልዮ። ደገፍ ኩሉ ዓይነት ደገፍ! እቲ ነቲ መንእሰይ ጠርኒፉ ዘቃልስ ዘሎ ውድባት ናይ ሞራልን ማተርያልን ደገፍ የድልዮ። እዚ ሓገዝ እዚ ድማ ካብቶም ደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ ኤርትራውያንን፡ ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራን ጥራሕ ኢዩ ዝርከብ።

Armed_youth

ኣብ ቅድመ ግንባር ኣንጻር ጃንዳ ህግደፍ ዓጢቑ ዘሎ መንእሰይ ምቁንጻብ ይኣክል !!

ስለ ዝኾነ ካብ ንሓይልታት ኤርትራ ምንእኣስ ምስ እትኣምነሉን እትዓግበሉን ውድብ ተሰሊፍካ እቲ ዝድለ ለውጢ ንኽቀላጠፍ ምሕጋዝ ኩሉ ኤርትራዊ ክገብሮ ዘሎዎ ግቡእ ኢዩ። እዚ ከይገበርካ ማእከላይ መርገጽ ሒዝካ ብህግደፍ ዝተቓነየ ተንኮለኛ ደርፊ ጃንዳ ህግድፍ ምድራፍ ግን ይትረፍ!!

ካሊእ እውን ኣብዚ እዋን እዚ ጀብሃን ሻዕብያን ዝብል ጉዳይ ኮነ ኢሉ ጃንዳ ህግደፍ ዘተኣታትዎ ዘሎ ናይ መፈላለዪ ሜላ እምበር ፖለቲካ ጀብሃን ሻዕብያ ዝብል ታሪኽ ኮይኑ ኢዩ ሓሊፉ። ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ጀብሃን ሻዕብያን ግን ብዙሕ ክንመሃሮ ዝግበኣና ነገራት ኣሎ። ንናይ ጀብሃን ሻዕብያን ቃልሲ ምቁንጻብን ምንእኣስን ግን ጌጋ ኢዩ። ምኽኒያቱ ፈቲና ጸሊእና ታርኽ ጀብሃን ሻዕብያን ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ኣብዚ ውሽጢ ታርኽ ጀብሃን ሻዕብያን ከኣ ብዙሕ ጽቡቕን ሕማቕን ተረኽቦታት ኣሎዎ። ካብዚ ድማ ነዚ ዘሎናዮ መድረኽ ዝጠቅም ታሪኻዊ ተሞክሮ ክንረኽበሉ ንክእል ኢና። ስለዝኾነ ንተሞክሮታት ህዝባዊ ቃልስታትና ኣይነቆናጽብ፡ ካብ ተመክሮታት ቃልስና ግን ንመሃር።

በዚ ኣጋጣሚ ድማ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን ኣብ ነንሕድሕዶም ምክሳስን ምዝላፍን ገዲፎም፡ ዘሎ ዓቕሞም ጠርኒፎምን ኣዋሃሂዶምን ነዚ ንህዝብና ዝብትንን ሃገርና ዘብርስን ዘሎ እንኮ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ጃንዳ ህግደፍ ሱር መሰረቱ ነቒልካ ኣብ ቦታኡ ንኹሉ ኤርትራዊ ብማዕረ ዝሓቁፍ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል ተኸኣኢሉን ተሳኒዩን ክቃለስ ለበዋይ ኢዩ።

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ልዕሊ ኹሉ!!

                                   24 07 2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Samuel Girmay July 24, 2013

    ህዝቢ መዓስ ጠፊእዎ ኩሉኩም ሓደ ወጮ እንተገልበጥካዮ ወጮ ኮይንዎ ህዝበይ እዛ ደምክራሲ ትብል ተጠቂምኩም ግላዊ ናይ ስልጣን ናይ ደቂ ስሳታት ጥራይ ክትገብርዋ እንቶ መንእሰይ አርትራ ስም ትብል ከምተባህርሮ ገርኩምዎ፡፡ እንተ ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ሃይማኖት ሕጊ እንዳባ መበቆል እንዳ እጥፊኡ ወላዉን ኣብ ወጻኢ ሽበራ የካይድ ኣሎ፡፡ እቲ ዘገርም ድማ ትማል ትማል ህግደፍ ከውግዱ ጸኒሖም ብድሑር ዝንባለን ግላዊ ጠቕሚ ህዝቢ ዘርዕዱ ዘለዉ ኣባት ተሓአ ነበርን እዮም፡፡

  • Tse-A-Zega! July 24, 2013

    Is your objective is to tell us that those people in picture are Eritreans! Well I don’t believ thi! No eritrea will carry a gun aganist their brothers – but I know for sure that DEMHIT has more than 70,000 Figthers in Eritrea – the war will be between Tigreans and Tigreans I tjink the war need to be between Eritreans and tigreans! This is the solusion -= the demise of Tigrean in Ethiopia is to the benefit of Eritrea! The collapse of Tigreans is to the benefit of Eritrea! I hate HIGDEF but to side Weyane is a crime aganist Eritrea! If you have a gut Eliminate those few WEYTO HIGDEF! Not the majority Eritrea. Tigray is the enemy of Eritreans.

    • NEW HOPE ERITREA July 25, 2013

      TSE – A- ZEGA ,

      Are you saying those 34 tegadelti in the picture are not enough to march to Asmara ,why not ??? ,if one soldier could control 3000 villages ,it is possible.
      Do not under estimate the power of real Eritreans !!!!!!!

      Everybody insults our intelligence knowing that we might be super retarded.

  • Robot July 25, 2013

    Janda Junata…Mr Gezie this word was first by Isaias and why you call other like”Medada,tsre Gedli…..so on
    Leave the Eritrea the place of Eritrean politices I say frunkly we are so upset by you and your likes.
    I read you book”Gash” in Sweden and that is ok book.We heard this song over 30 yrs by you.We are tired Mr Bizy Kelealem!!
    Shabai var och ska vara for alltid.

Post a Reply to NEW HOPE ERITREA Cancel Reply