Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህየሳዊ ኣተሓሳስባ (critical thinking)

ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ ግዜ ነጻነት፡ ተጋደልቲ ኣብ ኣስመራ ኪኣትዉ ኸለዉ፡ ህዝቢ ነቲ ጎደና ብኽልተ ወገኑ ብምምዕራግ፡ ሰብኡት የጣቕዑ፡ ኣንስቲ ድማ እልል ይብላ ነበራ። ይኹንምበር፡ ገለ ሰባት ብድሕረና ኾይኖም "ሕጂ ትስሕቃ ኣሎኽን፡ ደሓር ግን ክትበኽያ ኢኽን" ብምባል

ኣማኑኤል ሳህለ

ኣብ ግዜ ነጻነት፡ ተጋደልቲ ኣብ ኣስመራ ኪኣትዉ ኸለዉ፡ ህዝቢ ነቲ ጎደና ብኽልተ ወገኑ ብምምዕራግ፡ ሰብኡት የጣቕዑ፡ ኣንስቲ ድማ እልል ይብላ ነበራ። ይኹንምበር፡ ገለ ሰባት ብድሕረና ኾይኖም “ሕጂ ትስሕቃ ኣሎኽን፡ ደሓር ግን ክትበኽያ ኢኽን” ብምባል ትንቢታዊ ምኽሪ ኪልግሱልና ከለዉ ይዝከረኒ። ጀብሃ ዝነበሩ እዮም ዝኾኑ ብምባል ግን ግዲ ኣይገበርናሎምን።

እንተኾነ፡ ብዙሕ ከይጸንሐ ኣብ ገለ ጽምብል፡ ኣብ ሓደ ጽቕጥቅጥን ምድፍፋእን ዝነበሮ ኣጋጣሚ፡ ካብ ገለ ህዉኻት ተጋደልቲ ኣብተን እልል ዝብላ ዝነበራ ኣዴታትን ኣብቶም ዘጣቕዑን ዝነበሩ ኣቦታትን ዘይተጸበዩዎ ናይ በትሪ መዝበጥቲ ተኻዪዱ። ካብዚ ረሓቑ ከም ማለት። ሰብኡትን ኣንስትን ግን ልቢ ብምዕባይ፡ “ክልተ ግዜ ዶ ክንዛረብ ኴንና” ብምባል ነቲ እተጓነፎም ውርደት ቆርጢሞምዎ ትም ምባል መረጹ። ደርሆስ ጻሕቲራ መሕረዲኣ ተውጽእ ዝብሉኹም ከምዚ እዩ።

እዚ ተርእዮዚ ናይቲ ዚመጽእ ኩነታት ምስልን ትእምርትን እዩ ነይሩ። ሰብ ደኣ ኣይተረደኦን ነይሩ እምበር፡ እቲ መሪሕነት ኣብቲ ህዝቢ ዝነበሮ ክቱር ንዕቀት ነቶም ኣብ ሜዳ ከለዉ ኪረኣዮም ወይ ኪስቈሮም ዘይከኣለ፡ ኣብ ግዜ ናጽነት ቅሩብ ኪበርሃሎም ክኢሉ እዩ። ግን ከኣ ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ፡ ክልተ ግዜዶ ክንዛረብ ኴናን ዚብል ኣተሓሳስባ፡ ነቲ ህዝቢ ትም ከም ዚብል ገይሩዎ። ክሳዕ ለይተሎሚውን እቲ ጉድ ዘይተሰቝሮ ኤርትራዊ ውሑድ ኣይኮነን።

ገለ ሰባት ብዛዕባዚ ወሪዱ ዘሎ መከራን ውርደትን ሕስራንን ኪጽሕፉ ወይ ኪዛረቡ ከለዉ፡ ነቲ መሪሕነት ኪጻረፉን ከስተማስሉን ግዜ ኣይወስደሎምን። ገሌና መርገም እዩ ዚብል ኣረኣእያ ነቃልሕ፡ ገሌና ዓገብ በሉልና ወይ ኣላቕሱና ብዘስምዕ ቃላት ነቲ ጽሑፋትና ንመልኦ። ናይ ሓድሓደ ዘረባን ጽሑፋትን ድማ ሓቢርና ንማህለል ዚብል ዘሎ እዩ ዚመስል። ግን መርገምን እህህታን ጸርፍን ዘለፋን መፍትሔ ኪኸውን ኣይክእልን። እዚ ዘሎ ስርዓት መርገም ደኣ መኣስ ውሒዱዎ፡ ኣይወሓዶን፡ ግን ነቲ መርገም ለሚዱዎ ግዲ ኾይኑ መመሊሱ ዝድንፍዕ ዘሎ እዩ ዝመስል። መርገም ስንቁ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ሰብ ከም ዘሎ ኣይንረስዕ።

ነቲ መሪሕነት ክትጸርፎን ክትኵንኖን እንተ ወዓልካን እንተ ሓደርካን፡ ነቲ መራሒ ክትዘልፎን ከተነኣእሶን እንተ ኸረምካን፡ ስምዒት ናይ ሰብ ካብ ምልዕዓል ሓሊፍካ እተፍርዮ ቁምነገር የልቦን። ስምዒት ሰብ ድማ ከከም ኩነታቱ ይድይብን ይወርድን ብምዃኑ፡ ኣብቲ መሰረታዊ ፍታሕ ንምርካብ ዚካየድ ስነልቦናውን ፖለቲካውን መኸተ ወይ ቃልሲ ምንም ኣበርክቶ የብሉን። ብስምዒት ዚፍታሕ ነገር የልቦን። ፍታሕ ንምርካብስ ንድሕሪት ተመሊስካ ምምርማር እንተ ዘይኮይኑ ካልእ ብልሃት ኣይርከቦን።

ንኹሉ ነገር መበገስን መንቀልን ኣለዎ። ካብ ባዶ ዚለዓል ነገር የልቦን። ኩሉ ፍጻመታትን ተርእዮታትን፡ ብድሕሪኡ ኮይኑ ዘበግሶ ደፋኢ ሓይሊ ኣለዎ። ምናልባት ኣብ ካልእ ዩኒቨርስ ካብ ባዶ ዚለዓሉ ነገራት ይህልዉ ይኾኑ። ንሕና ግን ኣብዛ ዓለምዚኣ ኢና እንነብር ዘሎና።

ኣብ ኣኽራናት ዝመልኦ ኣጻምእ ቦታ ክትዛወር ከሎኻ፡ ምድሪ ኪጽልምት ምስ ቀረበ፡ ካብ ገለ ጎቦታት ኣእማን እናንከራረወ ኪወርድ ትርኢ። እዚ ተርእዮዚ መደራግሕ እዩ ዚብሃል። ብዙሓት ሰባት ነዚ ካብ ባዶ እተላዕለ ዝመስል ፍጻመ ንምግላጽ ይሽገሩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እተፈላለየ መልስታት ኪወሃብ ከሎ ይዝከረኒ። ገሌና ኣህባይ እየን ዝኾና ነቲ ኣእማን ደፊአንኦ ኢልና። ግን ኣብቲ ቦታ ኣህባይ ኣይነበራን። ገሌና ድማ ሸይጣውንቲ ወይ ዓምደረቦ ከይከውን ኢልና። ገለውን ደቅሕድርትና እየን ዝኾና ዚብል ሓሳብ ኣቕሪቦም።

ግን እቲ ልክዕ መልሲ ካብ ሓደ ምሁር ሰብ ኢና ረኺብናዮ። ንሱ ድማ ከምዚ ዚብል እዩ። ቀትሪ ምሉእ እቲ ኣእማን ብምቖት ተነፊሑ ምስ ወዓለ፡ መሬት ኪዝሕል ከሎ ብመጠኑ ኪጭበጥ ይጅምር። ኣብ ምዝርጋሕን ምጭባጥን ኩነት፡ ናይ ምንቅስቓስ መስርሕ ኣሎ። ስለዚ እቲ ኣብቲ ጎቦ፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ተቐሚጡ ዝነበረ ደናጉላ፡ ብናይ ምንፋሕን ብናይ ምጭባጥን ሓይሊ ክንቀሳቐስ ምስ ጀመረ፡ ብግራቪቲ ተሓጊዙ ንታሕቲ ከንኮራሩ ይጅምር። በዝን ክንድዝን ከኣ መደራግሕ ይፍጠር ማለት እዩ።

ኣህባይ ኪኾናውን ይኽእላ፡ ግን ንሳተንውን ከም መበገሲ ኢና ክንወስደን ዘሎንና። ስለምንታይ ደፊአንኦ ንዚብል ሕቶውን፡ ምናልባት ኵዕንቲ ወይ ሓሳኹ ኪፍሕራ ደልየን ይኾና። ካብዚ ሓሊፍካ ማሪታዊ ወይ ሕልማዊ መልሲ ምሃብ ግን ናብቲ ሓቂ ኪወስደካ ኣይክእልን። እዚ ኣብነትዚ ዘምጻእኩዎ፡ ንኹሉ ነገር መበገሲ ከም ዘለዎ ንምግላጽ እዩ።

ናብቲ ጉዳይና ንምምላስ፡ ስለምንታይ እዩ እቲ ኣብ ሃገርና ኣብ ስልጣን ዘሎ መሪሕነትን እቲ ናይ ባህርያቱ ነጸብራቕ ኮይኑ ዘሎ መራሒን ናይ ዕንወት መገዲ ሒዞም ዝጎዓዙ ዘለዉ? ኣብ ኤርትራ ናጽነት ከምጽእ ዚኽእል እተፈልየ ራኢን ኣመራርሓን ኣቃውማን ዝውንን ሰልፊ ስለምንታይ ኪፍጠር ዘይከኣለ? ወይስ እቲ ታሪኻውን ፖለቲካውን ማሕበራውን ቁጠባውን ኣቃውማ ህዝብና ንኸምዚ ዓይነት መሪሕነት ጥራይ ድዩ ከፍቅድ ዝኽእል ዝነበረ? ብሓጺሩ፡ እዚ ኣብ ዓለም ፍሉይ ዝኾነ ኣምባገነናውን ፋሉላውን ኣብ ህዝቢ ክብረት ዘይብሉን መሪሕነት፡ ከመይ ኢሉ እዩ ኣብ ስልጣን ክመጽእ ዝኸኣለ? ከመይ ኢሉ እዩኸ ነቲ ናይ ህዝብና ባህላውን ስነልቦናውን ማሕበራውን መርበብ ፈንጢሱ ንላዕሊ ኪድይብ ዝኸኣለ? ድሕሪ ሕጂኸ፡ ኤርትራ ንኸምዚ ዓይነት መሪሕነት እተስተናግድ ሃገር ኮይና ክትቅጽል ድያ?

ነዚ ሕቶታትዚ ዘምጻእኩዎ፡ ደምዳሚ መልሲ ክረክብ ደልየ ዘይኮነስ፡ ናይቲ በቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ኩነታት ዘስቆርቍር ኤርትራዊ ኣእምሮ ብስምዒታዊ ዘይኮነስ ብህየሳዊ መገዲ ኪሓስብ ከም ዘለዎ ንምሕባር እዩ። ርግጽዩ ብዙሓት ምሁራን ኤርትራውያን ነቲ ጉዳይዚ ነቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሕቶታት ምርኩስ ብምግባር፡ ሰነዳት ብምፍታሽን ብምምርማርን፡ ሃናጺ ጽሑፋት ኣቕሪቦም እዮም። ከምዚ ዝበለ ትንተና ጥራይ ከኣዩ ነቲ ሕማም ኣለልዩ ኪኣልዮ ዚፍትን።

እዞም ሕጂ ኣብ መሪሕነት ዘለዉ ሰባት ወይ ከኣ እቲ መሪሕነት ብሓፈሻ፡ ኪጅምር ከሎ እቲ ቀንዲ ዕላማኡ እንታይ እዩ ነይሩ ንዚብል ሕቶ ፍጹም ዝኾነ መልሲ ኪርከቦ ኣይክእልን። ምትላልን ምድንጋርን ኣብ ዝመልኦ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ፡ ናብቲ ምንጪ ጸገማት ዚመርሕ ምርመራ ምክያድ ኣዚዩ ኣሸጋሪ እዩ። ኣብቲ ታሪኽ መሪሕነት ብዙሕ ሕልኽላኻት ኣሎ፡ ብዙሕ ምስጢራት ኣሎ። ግን ሓደ እዋንሲ እቲ ሓቂ ይግለጽ ይኸውን።

ገለ ኣዋርሕ ይገብር፡ ዮሴፍ ገብረሂወት ዝጸሓፎ ንታሪኽ ኣመጻጽኣን ዕላማን ሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ ዚምልከት ዘቕረቦ ጽሑፍ ኣብ ኢንተርነት ኣንቢበ ነይረ። መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ነቲ ጽሑፍ ወቒሱዎ፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከም ዝኾነ ንምሕባርውን ርእይቶታቱ ሂቡ። ኣነውን ብወገነይ ነቲ ትንተና ብምሉኡ ክቕበሎ ኣይከኣልኩን። ግን ኣይጸላእኩዎን ከኣ። ዘይመጽልእየይ ምኽንያት ከኣ፡ ዮሴፍ ገብረሂወት ኣብቲ ኩሉ ሰብ ኪረግጾ ዝፈርህ ናይ ምሕሳብ መሬት ወይ ባይታ እዩ ኪጎዓዝ ፈቲኑ። ነቲ ‘ነውሪ’ ወይ ‘ንየው በሎ’ ዚብሃለሉ ናይ ምሕሳብ ማዕጾ እዩ ከፊቱዎ። ግን ከኣ ኣብ ምርምር፡ ነውሪ ወይ ብቛንቋ እንግሊዝ ታቡ ዚብሃል ነገር ኪህሉ ኣይግባእን።

ምምርማር እንተ ኾይኑ ከይፈራህካ፡ ይብሉኒ ከይበልካ ምምርማር እዩ፡ ወላውን ውጽኢቱ ዘሰምብድን ኣብ ልብኻ ራዕዲ ዘእቱን እንተ ኾነ። ሽዑ እቲ ዘንብብ ወይ ዚሰምዕ ሰብ ነቲ ዝቐረበ ሓሳባት ብስነመጎታዊ መገዲ ከፍርሶ ወይ ኪቃወሞ መሰል ኣለዎ።

ስለምንታይ ከምዚ ሓቲትካ፡ ስለምንታይ ከምዚ ሓሲብካ ኢልካ ምዝላፍን ምዝንጣልን ግን፡ ናይቲ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ኣዕናዊ ባህርይ ስለ ዝኾነ፡ ክንክተሎ ኣይግባእን።

ኣብ ኩሉ እንገብሮ ምርምር፡ ናይ ኣእምሮ ትብዓት ኪህልወና ይግባእ። ህየሳዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ፈራህን ጃጃውን ማሪታውን ኣእምሮ ቦታ የብሉን። ነቲ ሓቂ ንምርካብ፡ ኩሉ ናይ ኣተሓሳስባ መዓጹን መሳኹትን ኪኽፈት ይግባእ። ሽዑዩ እቲ ሓቂ ባዕሉ ዝገሃድ።

ብቐደሙስ ብሓሶትን ብምድንጋርን ደኣ ተሸፊኑ ነይሩ እምበር፡ እቲ ሓቂኮ ኣብ ቦታኡ እዩ ነይሩ!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
41 COMMENTS
  • rahwa May 24, 2015

    I was shocked to find Amanuel Sahle has yet risen to another level of shallowness. To begin with, I don’t know what made him change Nekefetawi atehasasba to hyesawi atehasasba, and what he intended to achieve by doing so. But I am assuming he forgot hyesawi atehasasba was “created” by the same group of people who “created” nekefetawi atehasasba, those elitists he was and still is part of. If he thought hyesawi atehasasba was going to set him apart from his clique he was gravely mistaken. He still is one of them. He may be at odds with them now not because of any fundamental differences in attitude or substance, but because he did not enjoy playing the clown among the elitists when in fact he was one of the real elitists at heart. It was always apparent how he despised and looked down on the Eritrean people. The point is Amanuel Sahle has never had anything original to say. Though I admit he was and still is good at stealing other people’s ideas as well as thoughts and putting them out as his own. As far as critical thinking is concerned, obviously for many it is very difficult to apply it when it comes to Amanuel Sahle whose name has always been way larger than his person or his substance. Assenna: you need to question everything under the sun. Practice critical thinking. It is not names but substance that should matter.

    • Bere May 24, 2015

      ዝኸበርኪ ራህዋ፣ ነዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ ጥቕሲ መምህረይ፣ ከም ማይ ጨሎት ዓድና ክልተ-ሸውዓተ እንተ ነቢብናያ፤
      ካብ ድፉን ልቦና፣ ካብ ቀስሚ ትሕተ መንነተቅልውላው ፈውሲ ትኾነና እያ።

      መምህር ይብል፤ “ምምርማር እንተ ኾይኑ ከይፈራህካ፡ ይብሉኒ ከይበልካ ምምርማር እዩ፡ ወላውን ውጽኢቱ ዘሰምብድን ኣብ ልብኻ ራዕዲ ዘእቱን እንተ ኾነ። ሽዑ እቲ ዘንብብ ወይ ዚሰምዕ ሰብ ነቲ ዝቐረበ ሓሳባት ብስነመጎታዊ መገዲ ከፍርሶ ወይ ኪቃወሞ መሰል ኣለዎ።
      ስለምንታይ ከምዚ ሓቲትካ፡ ስለምንታይ ከምዚ ሓሲብካ ኢልካ ምዝላፍን ምዝንጣልን ግን፡ ናይቲ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ኣዕናዊ ባህርይ ስለ ዝኾነ፡ ክንክተሎ ኣይግባእን።”

    • Kahnat May 27, 2015

      ሓፍትና ራህዋ ፡ ብጣዕሚ ተጋጊኺ። ጸሓፊ ናይ ግድን ኣይኮነን ናቱ ሓሳብ ጥራይ ከቕርብ። ሓሳባትውን ትልቃሕ ኢኻ። እቲ ክትልቃሕ ምኽኣልውን ርእሱ ዝኸኣለ ብሉጽ ነገር እዩ። ስለዚ ዝሓፍተይ ነዊሕ ከይከድኪ ጌጋኺ ተኣረምሉ። ካልእ ውልቃዊ ጸገም ተለኪ ግን ኣብ በይንኺ ግበርዮ!

Post a Reply to Kahnat Cancel Reply