Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ህዝብና ጥራሕ ዘይኮነስ ጎረባብቲ ሃገራት እውን ጉዳይና ሕንቅል ሕንቅሊተይ ኮይንዎም ኣሎ” ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ

ሓባራዊ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለን ሰክረታርያን ባይቶ ካብ ዝጅመር ንደሓር ብዛዕባ ሃገራዊ ባይቶ ጽቡቕ ወረ ክነፍስ ኣይቀነየን። ምዃን እዚ ባይቶ’ዚ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ መዓስ’ከ ንቃልሲ ዘዐዉት ብስራት ኣስሚዑና ይፈልጥ ትብሉ ትኾኑ። ብዝኾነ እቲ ኣብ 2ይ ስሩዕ

ሓባራዊ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለን ሰክረታርያን ባይቶ ካብ ዝጅመር ንደሓር ብዛዕባ ሃገራዊ ባይቶ ጽቡቕ ወረ ክነፍስ ኣይቀነየን። ምዃን እዚ ባይቶ’ዚ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ መዓስ’ከ ንቃልሲ ዘዐዉት ብስራት ኣስሚዑና ይፈልጥ ትብሉ ትኾኑ። ብዝኾነ እቲ ኣብ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ዝተራእየን ብዙሕ ዘዛረበን ሽግር ሕጂ’ዉን ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ተደጊሙ ኣሎ። ነዚ መበገሲ ብምግባር ነቲ ካብ ስልጣኑ ተባሪሩ ዝተባህለ ዶክተር ዩሱፍ ሓበሬታ ክህበኒ ቃለ መሕትት ክገብረሉ እናሓሰብኩ ከለኹ ኣማኑኤል ኢያሱ ቀዲሙኒ። ነቲ ዶክተር ዩሱፍ ምስ ሬድዮ ኣሰና ዝገበሮ ቃለ መሕትት ተገዲሰ ምስ ሰማዕኩዎ ግን ክበርህ ዘለዎን ህዝቢ ክፈልጦ ዘለዎን  ጉዳያት ከም ዘሎ ተረዲኡኒ። ምኽንያቱ ዶክተር ዩሱፍ ኣብቲ ቃለ መሕትት እንተስ ልቢ ኣዕብዩ እንተስ ብኻልእ ምኽንያት ዝርዝር መብርሂ ኣይሃበን። ስለዚ ድማ ንምክትል ኣቦ መንበር ክረኽቦ ነይሩኒ። ምክትል ኣቦ መንበር ብጽሑፍ ንዝሰደድኩሉ ሕቶታት ብጽሑፍ መልሲ ሂቡኒ ኣሎ። ምክትል ኣቦ መንበር’ከ ኣብቲ ዝሃበኒ መልስታት ንኹሉ ዳሕዲሕዎ’ዶ ኣይዳሕድሖን ባዕልኹም ፍረድዎ። ኣይዳሕድሖን ትብሉ እንተዄንኩም ድማ ነቲ ኣብ መንጎ መስመራት (Between Lines) ዝንበብ መልእኽቱ ክተስተብህሉሉ እሓተኩም። ምሉእ ትሕዝቶኡ እነሆ። ሰናይ ንባብ!

ሕቶ፦ ካብ ዝጅመር ወርሒ ዝሓለፎ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ከምኡ’ዉን ሓባራዊ ኣኼባ ፈጻሚን ሰክረታርያን ባይቶ ይካየድ ኣሎ። እዚ ኣኼባ’ዚ ስለምንታይ ኢዩ ንኽንዲ’ዚ ዝኣክል መዓልታት ዝቕጽል ዘሎ? ኣመና ምንዉሑስ፣ ከምቲ ልሙድ ንሓድሕድኩም ትናቖቱ እምበር ትዝትዩ ከም ዘየለኹም ዘርኢ ኣይመስልን’ዶ?

ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣብ 12 መዓልቲ እዩ ተወዲኡ (1-12 ሓምለ)። እቲ ድሕሪኡ ክሳብ ዕለት 30 ዝቐጸለ ኣኼባ ድማ ምስ መሪሕነት ባይቶ ዝነበረ ናይ ሓባር ኣኼባ እዩ። ኣብቲ ናይ መጀመርታ 12 መዓልቲ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣብ ገምጋም ይኹን ኣብ መጻኢ መደባት ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ብጣዕሚ ልሙጽን ስሉጥን እዩ ኔሩ – ኩሉ ኣባል ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት እውን ሕጉስ ዝነበረ እዩ ዝመስል ኔሩ። ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ምስ መሪሕነት ባይቶ ዝተገብረ ሓባራዊ ኣኼባ ግን ወጥሪ ዝነበሮ ስለ ዝነበረ – ብወገነይ ብቑጠባ እዛረብ ከም ዘለኹ መዝግቡለይ ዝበልኩሉ ሰዓት ኔሩ።

ሕቶ፦ እዚ ኣኼባ’ዚ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ሽማግለ ካብ ስልጣኑ ከም ዝእለ ተገይሩ ከሎ’ዉን ይቕጽል ኣሎ። ኣቦ መንበር ዝወረደሉ ምኽንያትን ሕጋዉነቱን እንተትገልጸለይ?

ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ እዚ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ኣኼባታት መዓልታዊ ዕማማት ንምስላጥ ዝኸይድ ዘሎ እንተዘይኮይኑ እቲ ስሩዕ ኣኼባ ምስ ምኻድ ናይ መሪሕነት ባይቶ ዝተወደኤ እዩ። ብወገነይ ኣቦ መንበር ካብ ሓላፍነቱ ዝወረደሉ ሕጋዊ ምኽንያት ኣሎ ኣይብልን ኢየ። ስለዚ ከኣ እየ እዚ ትኣትዉዎ ዘለኹም ጉዳይ ንዓና ንፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ግደፉልና። ኣብ ናትና ገምጋም መሰረት ዝገበረ ፍርዲ ኽኾነልኩም ከሎ እውን እዩ ንዓኹም ዝሕሸኩም ኢለዮም ኔረ እየ። ጸጋይን ፍረወይንን ግን ሒዝናዮ ዝመጻእና መደብ እዩ ኢሎም እዮም ቀጺሎም።

ሕቶ፦ ዶክተር ዩሱፍ ከም ዝኾነ ሰብ ኣብ ክሊ ናቱ ዓቕሚ ዝግለጹ ድኽመታት ክህልዉዎ ከም ዝኽእሉ ከም ዉሁብ ዝዉሰድ ኮይኑ ምሉእ ግዜኡ ወፍዩ ክመርሕ ምጽንሑ ጥራይ ክብሪ ዘዉህቦ ምዃኑ ዝዛረቡ ወገናት ኣለዉ። ነዚ ምሉእ ግዜኡ ወፍዩ ዝሰርሕ ዝነበረ ሰብ ምሉእ ግዜኡ ኣብ ደገ ዘሕለፈ ሰክረታርያ ባይቶ ብዘይ ኣገባብ ኣዉሪደካ ኣለኹ ክብሎ ከኣ ቅኑዕ ኣይኮነን በሃልቲ ኣለዉ። ምስ’ዚ ርእይቶ’ዚ ትሰማማዕ ዲኻ?

ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ዶክተር ዩሱፍ ዉልቃዊ ጉዳያቱ ገዲፉ ምሉእ ግዜኡ ንቃልሲ ዘወፈየ ምዃኑን  በቲ ዓቕሙ ዘፍቅደሉ ከኣ ደኺመ ከይበለ ክሰርሕ ከምዝጸንሔ ኣብቲ ኣኼባ ዝመስከርኩዎ ነገር እዩ። ብርግጽ ድኽመታት ኣይነበረን ኣይበሃልን እዚ ግን ናይ ሕጂ መዛረቢና ኣይኮነን። ምሉእ ግዜኡ ዘይህብ ንምሉእ ግዜኡ ዝህብ ካብ ሓላፍነት ከውርዶ የብሉን ዝብል ሕግን ዓንቀጽን እውን ስለ ዘይብልና ኣብኡ ምዝራብ ኣየድልን። ናይ ሞራል ሕቶ እንተኾይኑ ካልእ ጉዳይ ኢዩ። በቲ ዝረኣኽዎ ኣገባብ እንተኾይኑ ድማ ካብ መሪሕነት ባይቶ ናይ ሞራል ሕቶ ክፍትሓለይ ኣይጽበን እየ። እንተ ሕቶ ሕጋውነት ግን ኣቐዲመ መሊሰዮ ኣለኹ።

ሕቶ፦ ሰክረታርያ ባይቶ ንኣቦ መንበር ከዉርዶ ዝወሰነሉ ምኽንያት ኣባላት ናይቲ ሰክረታርያ ንኣኼባ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኣተዉሉ እዋን ብኣቦ መንበር ግቡእ ኣቀባብላ ስለዘይተገብረሎምን ነዚ ድማ ምስ ክብሮም ስለዘተሓሓዝዎን ኢዩ ዝብሉ ኣለዉ። እስከ ነዚ ሓበሬታ’ዚ ሓቂ ወይ ሓሶት ኢልካ ኣረጋግጸለይ?

ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ሰክረታርያ ባይቶ ግቡእ ኣቀባብላ ወይ ዝተጸበይዎ ዓይነት ኣቀባብላ ስለዘይተገብረሎም ዝተሰመዖም ቅሬታ ገሊጾም እዮም። ከምኡ ምባሎም እቲ ገሊኡ ሓቅነት ኣለዎ። ኩሉ ጋሻ ካብ ዝጋየሾ ወዲ ዓዲ ሓገዝ እንተተጸበየ ነውሪ ኣይኮነን። እንተዘይረኺቡ ድማ እሞ እቲ ወዲ ዓዲ ናይ ቀረብኡ እንተኾይኑ ‘ኣንታ ንምታይ ደኣ ዘይተቐበልካኒ’ ወይ ‘ከምዚ እምበር ደልየ ኣለኹ’ ክብል እውን ኣብ ቦትኡ እዩ። ኩሉ ኣይተገብረን – ብኽልቲኡ ሸነኽ ልብታት ርሒቑ ዝጸሔ እመስለኒ።

ሕቶ፦ ዶክተር ዩሱፍ ብርሃኑ ምስ ሬድዮ ኣሰና ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፣ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ተጀሚሩ ክሳብ ዝዉዳእ ንናይ መሪሕነት ለዉጢ ዝምልከት ሕቶ ከም ዘይተላዕለን እቲ ኣኼባ ከምኡ ዓይነት ኣጀንዳ ሒዙ ከም ዘይተበገሰን ድሕሪ ምግላጽ ኣቦ መንበር ናይ ምቕያር መደብ እንተነይሩ ኣብ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ እምበር ምስ ሰክረታርያ ባይቶ ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ክኸዉን ከም ዘይነበሮ ኢዩ ገሊጹ። ስለዚ ዶክተር ዩሱፍ ቃል ብቃሉ እኳ እንተዘይኮነ ብተዘዋዋሪ መገዲ እቲ ንዕኡ ዘዉርዶን ዘየዉርዶን ኣካል ፈጻሚ ሽማግለ ከም ዝኾነ ብምግላጽ ሕጂ’ዉን ንነብሱ ከም ኣቦ መንበር ፈጻሚ ሽማግለ ከም ዝፈልጣ ኢዩ ሓቢሩ ዘሎ። ኣብ ጉባኤ ኣዋሳ ዝተሳተፉ ወገናት ግን ከምዚ ይብሉ፦

“ንኣቦ መንበር ፈጻሚ ሽማግለ ዝሾምዎ ኣባላት ባይቶ እምበር ሰክረታርያ ባይቶ ወይ ፈጻሚ ሽማግለ ኣይኮኑን። ስለዚ ዶክተር ዩሱፍ ክወርድ እንተኾይነ ናይ ምዉራደይ ሕቶ ኣብ ፈጻሚ ሽማግለ ኢዩ ክለዓል ነይርዎ ምባሉ ንሱ ባዕሉ እዉን መን ከም ዝሾሞ ኣይፈልጥን ኢዩ”

ነዚ ጉዳይ’ዚ መነጸርካለይ’ዶ?

ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ክጅምር ከሎ ብዶክተር ዩሱፍ ዝቐረበ ኣጀንዳ ናይ ፈጻሚ ቤ/ጽሕፈት ምቅይያር ዝብል ነጥቢ ኣይነበሮን። ግን ድማ እቲ ገዛ ርእይትኡ ክህብ ምስ ተሓተተ እቲ ምቅይያር ዝብል ኣርእስቲ ኣብቲ ኣጀንዳ ይሃልወልና ዝብል ብሓደ ብጻይ ቀሪቡ ቅቡል ኮይኑ ሰፊሩ ኔሩ እዩ። ግን ብዛዕባ’ዚ ከይተዛራረብና ኢና ኣብ ናይ ሓባር ኣኼባ ምስ መሪሕነት ባይቶ ዝኣተና። ኣገባብ ኣመራርጻ ብዝምልከት ጉባኤ ኣዋሳ ይኹን እቲ ኣብኡ ዝተመርጸ ባይቶ ብድሕሪኡ’ውን እቲ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ብዙሕ ክጻረ ዝግበኦ ከየጻረየ እዩ ሓሊፉ። ኣብ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ክጻረ ይኸውን ኢልና ተጸቢና ኔርና ግን ኩሉ እቲ ግዜ ንውድብ ኩናማ ነባርር’ዶ ኣይነባርር ኣብ ዝብል ጉዳይ መሬት ዓሪቡና። እቲ ዝፍለጥ ግን እቲ መሪሕነት ብስምምዕ ምስ ቆመ ስም ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣብ ባይቶ ቀሪቡ ዝተረጋገጸሉ እዩ ኔሩ። ነዚ ከም ሕጋውነት ምልባስ ንቖጽሮ ኣሎና። ገሊኡ ከኣ ከም ተራ ብስራት እዩ ኔሩ ኢሉ ዝገልጾ ኣሎ። እቲ ሽግር ኣብ ሰነዳትና ብብሩህ ክቕመጥ ኔርዎ – ኣይተቐመጠን። እቲ ቀንዲ ከዛርብ ዝግበኦ ግን ንጥፈታት ናይ ኩሎም ኣባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣብ ውሽጢ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ክግምገም ከሎ እዩ ወድዓውን ዝያዳ ጥቓ ሓቂ ዝቐርብን። ሰክረታርያ ባይቶ ካብ ገምጋም ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ተበጊሱ ገለ እንተዝብል መመልካዓሉ ኔሩ። ካብ ኣባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ግን እንተ ብውልቂ እንተ ብጉጅለ ዝኾነ ሓበሬታ ብዛዕባ ዶክተር ዩሱፍ የብሎምን ዝብል እምነት የብለይን።

ሕቶ፦ ኣብ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ፣ ህንጻ ሕጊ ተጣሒሱ ኣባልነት ደምሓኩኤ ክድስክል ከሎ ዶክተር ዩሱፍ ሓደ ካብቶም ነቲ ዉሳነ ዝደገፉ ኢዩ ነይሩ። ሕጂ ድማ ሰክረታርያ ባይቶ ሕጊ ህንጻ ጥሒሱ ካብ ስልጣኑ ከም ዝኣለዮ ይዛረብ ምህላዉ ኣብ ትዕዝብቲ ሰባት ዝወድቕ ዘሎ ይመስል። ኣብዚ ዘለካ ርእይቶ እንታይ ኢዩ?

ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ኣብ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ፡ ናይ ሕጊ ምሁራት ንደምሓኩኤ ዘባርር ወይ ዘደስክል ሕጊ የብልናን እናበሉ ኣቦ መንበር ባይቶ ኣነ ብሓላፍነተይ ንደምሓኩኤ ንዓመት ኣደስኪለ ኣለኹ ንዓይ ትድግፉ ኢድኩም ኣልዕሉ ምስ በለ ዶክተር ዩሱፍ ቀንዲ ደጋፊኡ ኔሩ። ሕጂ ድማ ንተመሳሳሊ ተግባር ቀንዲ ተቓዋሚ ይኸውን ምህላዉ ይረኤ ኣሎ። ከምኡ ስለ ዝረኣኹ ኣብ ሕግን ኣገባብን ብዝምልከት ጥብቅናኻ ቀጻልነት የብሉን ኢለ ነቒፈዮ ኔረ እየ። ካልእ ሳልሰይቲ እውን ኔራ። ንኻልእ ግዜ ክትኮነልና።

ሕቶ፦ ምስ ምዉጻእ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ካብ ኪዳን ተተሓሒዙ ስልጣን ኣቦ መንበር ፈጻሚ ሽማግለ ኣከራኻሪ ኮይኑ ኢዩ ጸኒሑ። ድሕሪ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ፣ ሓይልታት ኪዳን ዶክተር ዩሱፍ ሒዝዎ ዝጸንሐ መንበር ናይ ኪዳን መንበር ከም ዝነበረ ብምግላጽ ዉድቡ ካብ ኪዳን ስለዝወጸት ንሱ ኣብቲ ቦታ ዝቕጽለሉ ምኽንያት የለን ይብሉ ከም ዝነበሩ ይፍለጥ ኢዩ። ደሓር ግን ሰክረታርያ ባይቶ ባዕሉ “ፈጻሚ ሽማግለ ከም ዘለዎ ይጽናሕ” ክብል ወሲኑ ነይሩ። ሕጂ ድማ ተመሊሱ ንዉሳነኡ ብምፍራስ ንኣቦ መንበር ካብ ስልጣኑ ኣልዩዎ ኣሎ። እዚ ምስቲ ቀዳማይ ዉሳነ ኣይራጸምን’ዶ? ብመሰረቱ’ኸ ሓባራዊ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለን ሰክረታርያ ባይቶን ንኽካየድ ዝደረኸ ምኽንያት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንምምዛዝ ክነሱ ስለምንታይ ካብ ኣጀንዳ ወጻኢ እዚ ስጉምቲ’ዚ ዝተወስደ ይመስለካ?

ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ እዚ ሕጂ ብሰክረታርያ ባይቶ ጸጋይን ፍረወይንን ዝተወስደ ስጉምቲ ምስቲ ኣብ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ዝተወሰነን ንጠለብ 13 ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ውዱቕ ዝገበረን መርገጾም ኣዝዩ ዝጓነጽ እዩ። ናይ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ናይ ሰክረታርያ ባይቶን ናይ ሓባር ኣኼባ ከኣ ንምቛም ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጥራሕ ምዃኑ እዩ እቲ ዝነበረ እውጅ መደብ። ካብዚ ወጻኢ እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ግን መሪሕነት ባይቶ ሒዝናዮ ዝመጻእና መደብ እዩ ስለዝበሉ መደባቶም እዮም ኣዓዊቶም። ኣብቲ ኣኼባ ካብ ገለ ሸነኻት ናይ ደገፍ ርእይቶታት ምስ ሰማዕኩ ድማ ለከ መሪሕነት ባይቶስ ገለ ሕቖ ምስ ረኸቡ እዮም እዚ ጉዳይ ደፊሮም ኣትዮሞ ኣብ ምባል በጺሔ።

ሕቶ፦ እዚ ኩሉ ኣብ መንጎ ሓይልታት ተቓዉሞ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምትእምማን ከይተፈወሰ እንከሎ እዛ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅልዉላዉ ቆይማ ዘላ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዕዉት ጉባኤ ክትመርሕ ትኽእል ኢያ ዝብል እምነት ኣለካ’ዶ?

ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ቅልውላው ብመንፍዓትና ክሓጽር ብሕመቕና ክነውሕ ይኽእል እምበር ዘልኣለማዊ ቅልውላው የለን። ሕጂ’ውን ነዚ ቅልውላው ፈቲሕና ኣብ ንቡር ቦታና ክንምለስ ኣብ ኢድና ኢዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ገለ ሕድገታት እናገበርና ክንረዳዳእን ክንወሓሓጥን እንተዘይክኢልና ተዋሒጥና ክንተርፍ ምዃንና ክንፈልጥ ከድሊ እዩ። ህዝብና ጥራሕ ዘይኮነስ ጎረባብቲ ሃገራት እውን ከይተረፈ ጉዳይና ሕንቅል ሕንቅሊተይ ኮይንዎም ኣሎ። ሓደ ነገር ግን ንጹር ክኽውን ኣለዎ!! ብዙሓት ወገናት ዕዉት ጉባኤ ከምዝኸውን ዘይንተኣማመን እንተዄንና ኣብ ጉባኤ ዘእቱ የብልናን ዝብል ጽኑዕ መርገጽ ኣለዎም። ስለዚ ክንቃሸሽን ክንተሓናኾልን ኢልና ጉባኤ ኣይንኣቱን።

ሕቶ፦ ዶክተር ዩሱፍ ናብ ኣባላት ባይቶ ዘዋሪ መልእኽቲ ብምስዳድ ኣኼባ ባይቶ ክጽዉዕ መደብ ከም ዘለዎ ይንገር ኣሎ። መንግስቲ ኢትዮጵያ እዉን በቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተወስደ ስጉምቲ ሕጉስ ኣይኮነን ይበሃል ኢዩ። ብዛዕባ’ዚ’ኸ ንህዝቢ እንታይ ሓበሬታ ምሃብካዮ?

ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ትሕዝቶ ዘዋሪ መልእኽቲ ናይ ዶክተር ዩሱፍ ከምቲ ዝገለጽካዮ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን በቲ በብእዋኑ ኣብ ውሽጥና ዝረኤ ሓፍ ዞቕ ሕጉሳት ኣይኮኑን። መንከ’ሎ ሕጉስ?

ሕቶ፦ ብዘለኒ ሓበሬታ መሰረት ሓደ ካብቲ ዝጸንሓኩም ጸገም ስርዒታዊ ግንዛበ ናይቲ ባይቶ ሓደ ዘይምንባሩ እዩ። ገሊኡ ነቲ ባይቶ ከም ፓርላማ ይርእዮ። ኣብ ስልጣን እንተመጺኻ ከኣ እቲ ዝለዓለ ስልጣን ናይ ባይቶ እዩ ካብ ዝብል ግንዛበ ብምብጋስ ሰክረታርያ ባይቶ ንመዓልታዊ ንጥፈታት ክቆጻጸርን ንፈጻሚ ሽማግለ መምርሒ ስራሕ ክህብን ኣለዎ ዝብል ካልእ ግንዛበ ነይሩ። ብኻልእ ወገን ድማ እቲ ባይቶ ኣብታ ዝእከበላ እዋን ጸብጻብ ፈጻሚ ይቕበል፣ ሕግታትን መምርሒን ከኣ የዉጽእ እምበር ካብኡ ንንየዉ ኣብ መንጎ ክልተ ኣኼባታት ዝለዓለ ስልጣን ናይ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚት እዩ ዝብል ብዙሕ ዋጢጥ ዝነበሮ ጉዳይ እዉን ነይሩ። ሕጂ’ኸ እዚ ጉዳይ’ዚ ነጺሩ’ዶ ወይስ ከምኡ ኢሉ የሰሓሕበኩም ኣሎ?

ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ እቲ ኣብ መንጎ ክልተ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ መሪሕነት ባይቶ እዩ ዝብል ተሰሚሩሉ ሓሊፉ ኣሎ። ኣብ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ድሕሪ ጉዳይ ኩናማ መብዛሕትኡ ኣባል ካብ ኣኼባ ክቦኩር ከሎ ኡይ እናበልና ተሳዒርናሉ ዝሓለፈ ውሳኔ እዩ። ሕጂ ኣይቅየርን። በዚ ዝሓመመ ግን ውሑድ ኣይኮነን።

ሕቶ፦ ሰክረታርያ ባይቶ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ሽማግለ ካብ ስልጣኑ ክእለ ንዝወሰዶ ዉሳነ ከም ዝተቓወምካዮ ሓበሬታ ኣለኒ። ብመሰረት ሕገ-ህንጻ ሃገራዊ ባይቶ ድማ ንስኻ ኢኻ ንኣቦ መንበር ክትትክኦ ዘለካ። ነቲ ዉሳነ እናተቓወምካዮ ከለኻ ናይ ኣቦ መንበርነት ቦታ እንተተኪእካዮ ድማ ንዘይተቐበልካዮ ዉሳነ ኢኻ ክተተግብር ማለት ኢዩ። ስለዚ ናትካ ዉሳነ እንታይ ኢዩ? ክትቅበሎ ዲኻ ክትነጽጎ?

ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ኣነ ምክትል ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኔረ ሕጂ ከኣ ምክትል ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኣለኹ። ኣብ ቦታይ ዝኾነ ምቅይያር ኣይተገብረን። ቅድም እውን ኣብ ዘይህላወ ናይ ኣቦ መንበር ቦትኡ ተኪኤ ክሰርሕ ጸኒሔ እየ። እዚ ዝተወስደ ስጉምቲ ክሳብ ክንደይ ጣጣ ከምዘለዎ ስለ ዝፈልጥ ግን ኣቦ መንበር ኩን እንተዝብሉኒ መልሰይ እንታይ ክኽውን ከምዝኽእል ኣቐዲሞም ገሚቶም ኔሮም እዮም።  ስለዚ ቦታይ ብዝምልከት ዝቕበሎን ዝቃወሞን ነገር የብለይን። ኣነ ኣብቲ ዝጸናሕኩዎ እየ ዘለኹ።

ሕቶ፦ ምክትል ኣቦ መንበር ፈጻሚ ሽማግለ ከም ምዃንካ መጠን ንቦታ ኣቦ መንበር ተኪእካ ንፈጻሚ ሽማግለ ክሳብ ጉባኤ ከተሰጋግሮ ትሕተት ከም ዘለኻ ሓበሬታ ኣሎ። እቲ ነዚ ሕቶ’ዚ ዘቕርብ ዘሎ ኣካል ድማ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ቅርጺ ዘይነበረ ዝተሓጋገዘካ ሽማግለ ኣቚሙ ኣሎ። ዶክተር ዩሱፍ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ዘይነበረ ተሓጋጋዚ ሽማግለ ሕጂ ንዓኻ ይግበረልካ ምህላዉ ካብ ዶክተር ዩሱፍ ዝወሓደ ዓቕሚ ኣለካ ዘስምዕ መልእኽቲ ዘለዎ ይመስል’ሞ ንምስረታ እዚ ሽማግለ እዚ ተቐቢልካዮ’ዶ? ደሓር ከኣ እቲ ንኣቦ መንበር ክዉርድ ስልጣን ኣለኒ ኢሉ ንኣቦ መንበር ዘባረረ ኣካል ኢዩ ነዚ ሽማግለ ኣቚምዎ ዘሎ። ስለዚ ንስኻ ንቦታ ኣቦ መንበር እንተ ደኣ ተኪእካዮ እዚ ኣካል’ዚ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዶክተር ዩሱፍ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣብ ልዕሌኻ እዉን ኣብ ዝኾነ ግዜ ከም ዘይወስዶ እንታይ መረጋገጺ ኣለካ?

ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ኣብ ህላወ ናይ ዶክተር ዩሱፍ ኣነ ይተሓጋገዞ ኔረ። ምክትል ኣቦ መንበር እቲ ሃጓፍ ክመልእ ከሎ ግን ዝተሓጋገዞ የለን። ነዚ ተባሂሉ እዩ ሓገዝ ኣብ ዘድልየኒ እዋን ክተሓጋገዙ ዝኽእሉ ብጾት ከም ኮሚተ ዘቖሙ። ናይ ምምራሕ ዓቕምታተይን ብቕዓተይን ንካልኦት እንተሓተትካ ይሓይሽ። እንተ’ቲ ዝቖመ ተሓጋጋዚ ሽማግለ ሕገ-ህንጻዊ ኣይኮነን ዝብል ግን፡ ሰክረታርያ ባይቶ ከምኡ ንኸይገብሩ እንታይ ይጽግሞም?። ሎሚ ጥራሕ ድዩ ሕገ-ህንጻ ተጣሒሱ? ሓደ ካብቶም ኣባላት ናይታ ኮሚተ ድሮ ስሒቡ ከምዘሎ ብዕሊ ኣፍሊጡ ኣሎ። መሪሕነት ባይቶ ኣብ ዝኾነ እዋን ኣብ ልዕለይ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ንኸይወስድ ዝኽልክሎ ነገር የለን። ብቴለፎን እንተኣውረዱኒ እውን ኣይገርመንን እዩ።  ሃገራዊ ባይቶ ካብ ዝትከል ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ካባይ ንላዕሊ ዝኸፈለ የለን ዝብል እምነት ኣለኒ። ምጻእ ምርሓዮ ምስ ተባሃልኩ ስረሔይ ገዲፈ ስድራይ ገዲፈ ምሉእ ግዜይ ሂበ እቃለስ ኣለኹ። እዚ ኩሉ እናኸፈልኩ ኣብ ሕሱር ምትህልላኽን ጽልእን ቅርሕንትን ኣትየ ዝሰርሖ የብለይን። እቲ ዝኸፍሎ ዘለኹ መስዋእቲ ልዕሊ እዚ ድሑር ቁሩቁሳት እየ ዝትምኖ። ሕግን ስርዓትን ብዘፍቅደለይ መጠን ግን ንዝረኣኽዎ ጌጋ ዓይነይ ዓሚተ ክሓልፎ ሕልናይ ኣየፍቅደለይን።

ሕቶ፦ ነቲ ናይ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ሽማግለ ቦታ ከም ሕዙእ ናይ ኣስላም ቦታ ገይሮም ዝርእዩዎ ኣባላት ባይቶ ኣለዉ። እዞም ኣባላት እዚኣቶም ድማ ንስኻ ነቲ ቦታ ክትትክኦ ሕገ ህንጻ ከም ዘፍቅደልካ ስለዝፈልጡ ብኣግኡ ንዉረር ኣለና ዝብል ስግኣቶም ከንጸባርቑ ይስምዑ ኣለዉ። ነቶም ከምኡ ዝብሉ ኣባላት መልስኻ እንታይ ኢዩ?

ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ሕጂ’ውን ክደግሞ!! ኣነ ምክትል ኣቦ መንበር ኔረ ሕጂውን ምክትል ኣቦ መንበር እየ ዘለኹ። ናይ ዝኾነ ቦታ ኣይወሰድኩን። ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኮይነ ኔረ እንተዝኸውን እውን ኣብ ሕገ-ህንጻና ንኣስላም ወይ ንክርስትያን ዝተሓዝኤ ቦታ የለን። ብጽበት ዝተላዕጠጡ ግን ብሃይማኖትን ብኣውራጃን እንተተዛረቡ ዝገርም ኣይከውንን። እቲ ጽቡቕ ግን እቶም ኣስላም መሳርሕተይ ካብቶም ከምኦም እስላም ኣሕዋትና ንላዕሊ ዝኣምኑኒ ምዃኖም እዩ።

ሕቶ፦ እቲ ንባይቶ ዝመርሕ ዘሎ ርእሲ፡ ናይ ኪዳን ርእሲ ከም ዝኾነ ኢዩ ዝንገር። ኪዳን ንባይቶ ከም ድላዩ ገይሩ ዝጻወተሉ ዘሎ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኪዳን ዝሓሸ ፋይናንሳዊ ጉልበት ሂቡ ስለዘሻደኖ ኢዩ ዝብሉ ኣለዉ። ባጀት ኪዳን ሰለስተ ዕጽፊ ባጀት ሃገራዊ ባይቶ ምዃኑ ይዝረብ ኢዩ። ብተወሳኺ ኣብ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ልዕሊ ደምሓኩኤ ዘይሕጋዊ ስጉምቲ ንኽዉሰድ ጸቕጢ ዝገበሩ፣ ሕጂ’ዉን ኣቦ መንበር ፈጻሚት ንኽእለ ወሳኒ ተራ ዝተጻወቱ ናይ ኪዳን ሓይልታት ከም ዝኾኑ ይግለጽ ኢዩ። ኣብዚ እንታይ ሓበሬታ ምሃብካኒ?

ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ እዚኦምን ከምዚኦምን ዝኣመሰሉ ካልኦት ኣገደስቲ ነገራትን ብዕምቆት መታን ክንዘራረበሎምን መፍትሒ ከነናድየሎምን ቀጻሊ ሰሚናራት ክንገብር መዲብና ኣለና። ተስፋ እገብር ኣብቲ ሰሚናራት መልሲ ክትረኽበሉ።

ሕቶ፦ ሃገራዊ ባይቶ ንህላወ ስ.ኤ.መ.ድ.ሃ ከም ዝቕበል ኢዩ ዝገልጽ። ኣብዚ ንልዕሊ ወርሒ እተካይድዎ ዘለኹም ኣኼባ ግን፣ ገለ ዉድባት “ስምረት ንኪዳን ንምፍራስ ዝተመስረተ ማሕበር ኢዩ” ዝብል ምጉት ኣልዒለን ከም ዝተዛረባ ዝሞለቐ ሓበሬታ ኣሎ። እንድሕር ደኣ ሃገራዊ ባይቶ ብመትከልን ግብሪን ንህላወ ስምረት ዝቕበል ኮይኑ ብኸመይ ደኣ እዘን ዉድባት ካብ ጥርናፈ ወጻኢ ነዚ ርእይቶ’ዚ የኮማስዓ ኣለዋ? ብፍላይ ድማ እዚ ሓበሬታ’ዚ ሓድሽ ብዘይምዃኑ ካብዚ ተበጊሶም ስኤመድሃ ምስ ሃገራዊ ባይቶ ብሓባር ክሰርሕ እምበር ሃንደራእ ኢሉ ኣባል ባይቶ ክኸዉን ዘይምድላዩ ቅኑዕ ኢዩ ዝብሉ ኣለዉ። መልስኻ እንታይ ኢዩ?

ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ፦ ኣብ ኩሉ ርእይቶታትን ተርእዮታትን ኩልና ውድባት ሓደ ዓይነት ርእይቶ ክህልወና ኣይትጸበ። ዝኾነ ውደባ ንዓኻ ዝመስል እንተኾይኑ ክትድግፎ ንዓኻ ዘይመስል እንተኾይኑ ድማ ክትቃወሞ ዝጸንሔ ዝነደየ ፖለቲካዊ ዝምባሌ እዩ። ንስምረት መንእሰያት ብዙሕ ሕሱር መግለጺታት ክወሃቦም ጸኒሑ እዩ። ንዓና ዘገድሰና ግን ስምረት መንእሰያት ንቻርተር ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ ዝተቐበለ ምዃኑ እዩ። እቶም መንእሰያት ከይቅድምዎም ወይ ከይዕብልልዎም ዝፈርሑ ኣካላት ግን ከይተቐደሙን ከይተዓብለሉን ኣይተርፉን እዮም። ስምረት መንእሰያት ድማ እዚ ፈሪሑ ካብ ሃገራዊ ባይቶ ክርሕቕ ኣይግባእን። ንሃገራዊ ባይቶ ከም ኣገዳሲ ናይ ቃልሲ መድረኽ ወሲዱ ብዕቱብነት ክቃለስ እዩ ዝግባእ።

ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ ስለ’ቲ ዝሃብካኒ ሓበሬታ ብስም ዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ የመስግነካ። የቐንየለይ!

ኣማኑኤል ማህደረ

(iamamanuel@yahoo.com)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
26 COMMENTS
  • Truly Truly i say to you August 8, 2013

    Dear compatriots, reading the altitude and motive of our oppositions the reason why they are all time dividing and failing to express its secret, instead my own word because Almighty God´s word far better clearly verifies for you, please allow me to share you this wisdom, so that we all of us learn from the massage and after to will enable us adjust ourselves with a lesson.
    Holly Apostle Paul honestly without corrupted the God´s massage when was announcing, as well some wicked and false preachers instead transmitting the true God´s massage and purpose, for their own agenda to glorifying themselves by siding to certain religion personal and groups because started division like it is seen in our oppositions nowadays, Holly Apostle Paul by the situation because was frustrated in the following form was he declared their corrupted wicked mind and purpose so please try to understand the next massage in contrast with our politics.

  • Truly Truly i say to you August 8, 2013

    Please try to understand this Holly Apostle Paulos´s massage in contrast with our politic.

    “As a matter of fact, my brothers, I could not talk to you as i talk to people who have the spirit; I had to talk to you as though you belonged to this world, as children in truth faith. I had to feed you milk, not solid food, because you were not ready for it, because you still live as the people of this world live. When there is jealousy among you and you quarrel with one another, doesn´t this prove that you belongs to this world, living by its standards? When one of you says, “i follow Paul”( Means if we turn it in our political issue i will not follow Dr. Birhanu Yusuf) and another,” I follow Apollos” ( Sombbody Tsegay or Yohannes Asmelash, if Party Jebha or Shabiya) – aren´t you acting the worldly people? ( means for own pride to have power.)
    After all who is Apollos? And who is Paulos? We are simply God´s servants, by whom you were led to believe. Each one of us does the work which the Lord gave him to do: I planted the seed, Apollos watered the plant, but it was God who made the plant grow. The one who plants and the one who waters really do not matter. It is God who matters, because he makes the plant grow. There is no difference between the man who plants and the man who waters; God will reward each one according to the work he has done. …(1st Corinthians 3; 1-8)

  • Jani March 7, 2015

    All of you give us a break.

    Stop poking at eachother like kids and think about the reality of Eritrean future.

    Comeback when you are ready to fight for the people of Eritrea as a unit not as dimantled entity of morons.

    Shame on you ! Arogants who only think about their own fame.

  • Berhe Tensea April 17, 2016

    You are right, our sad condition is a puzzle to most nations of the world let alone the neighbouring countries, who are flooded with endless refugees.
    At this time women, children, the disabled with wheel chairs are crossing the border.
    The Eritrean army that is composed of mostly the poorly fed, trained, hungry is abandoning his and her units and joining running away to the East and West.

    The only solution is to get rid the worst enemy of the people that is the Anchuwa of Nakfa and his parrots only.

POST A COMMENT