Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝብና ኣብ ባሕሪ ይጥሕል: ሕግደፋዊ ተሓጒሱ ይዘልል

  ህዝብና ኣብ ባሕሪ ይጥሕል ሕግደፋዊ ተሓጒሱ ይዘልል Tesfamariame W/giorgis 17/08/2014 Oslo Norway ህግደፋውያን ተማዒዶም ዘይሰምዑ መርከብ ኣብ ባሕሪ ጥሒላ ተሰምዑ ንሓዘን ናብ ደስታ ቀይሮም ዝስዕስዑ ዎኖም ዝልዓሎም ህዝቦም እናጠፍኡ   ህግደፍ ተንኮለኛ ኣርዮስ ተካል ግብሪ ኣብ ክልተ ደምበ ገሚዑና ኣትዩናቁሪ ሓደ ወገን ተባዕ ብህዝቡ ተስቆርቋሪ ትሓደ ወገን

 

ህዝብና ኣብ ባሕሪ ይጥሕል

ሕግደፋዊ ተሓጒሱ ይዘልል

Tesfamariame W/giorgis

17/08/2014 Oslo Norway

ህግደፋውያን ተማዒዶም ዘይሰምዑ

መርከብ ኣብ ባሕሪ ጥሒላ ተሰምዑ

ንሓዘን ናብ ደስታ ቀይሮም ዝስዕስዑ

ዎኖም ዝልዓሎም ህዝቦም እናጠፍኡ

 

ህግደፍ ተንኮለኛ ኣርዮስ ተካል ግብሪ

ኣብ ክልተ ደምበ ገሚዑና ኣትዩናቁሪ

ሓደ ወገን ተባዕ ብህዝቡ ተስቆርቋሪ

ትሓደ ወገን ድማ ፈሽኳል መቀባጠሪ

 

ኣቲ ወርቂ ሕልማ ደረቕ ኣቻዮ ማህጸና

ድህልቲ ውቃቤ ጋኒን ህግደፍ ዝተጻዕና

ፋሉል ፍጥረት ሰነፍ ጨካን ኣልቦ ሕልና

ነውራም ፍጥረት ዝሸፈተት ካብ ባህልና

 

ውርዝይና ዝመስላ ብሽልማት ብወርቂ

ክዳና እንተ ኣጻዕደወት ብጨርቀመርቂ

ረሲዓቶ ንዝወርዶ ዘሎ ንህዝብና ጭንቂ

ፈጣሪ ኪሒዳ ትሰግድ ኣላ ናብ ወደፎርቂ

 

ኣለው ብዙሓት ዝተጎንፉ ዝተጎንፋ ጉጅለ

ህግደፍ ዝሸረጦ ዝሰንበደ ብማዕዶ ዝልለ

ነብሱ ዘይውንና ድኹም ባዕሉ ዝተዳህለ

ከም በጊዕ ተኣሲሩ ናብ ዝወጠጥዎ ዝእለ

 

ሬሳ ኣሕዋቱ ተጸፍጺፉ እናረአ ዘይድንግጽ

ክንዲ ሓዚኑ ዘስተንትን ተገልቢጡ ዘላግጽ

ንባዕሉ ዕብዳን ዝጽውዕ ሓንጎሉ ዘናውጽ

ካብ ህግደፋውስ ኣማዕድዩ ዝርኢ ይበልጽ

 

ኢዱን እግሩን ኣኪቡ መዓልቱ ዝጽበ ዘሎ

ክሳብ ዝህቅን ግዜኡን ኩነታቱን ይሕሉሎ

ዋላኳ ተራሓቐ ተተሰከፈ ንጽባሕ ምሳናሎ

ሰዓት ቂምቂም ትብላላ ጥርናፈ ይመጽኣሎ

 

ግዜ ትጽውዓናላ ክንቃለስ ክንዛተ ብሓባር

ዓድኻ ከይተቐብጸት ከላ ዕጠቕ ወድ ሃገር

ከይከውን ናብራና ንዘለኣለም ጠምበርበር

ካብ ኩሉ መንእሰይ ኣብ ስደት ቀይትቅበር

 

ሃገር ካባኻያ ትጽበ ዘላ መንእሰይ ስደተኛ

ኣብ ስደት ከይትምርት ከመያታትካ ከማና

ግደፎ ተጣዒሰ ምባል ጉያጉያ እናሓረድትና

ሕጊ ኣየፍቅድንዩ ኣብ ክልተ ክንህብ ኢድና

 

ካብ ዎኻሩ ህግደፍ ዝርከብሉ ኣዚኻ ርሓቕ

ካብ ጥዑያት ሰባት ከይንጽሉኻ ተጠንቀቕ

ብሓሶት ንጹሃት ስም ምጽላም ከይትሰንቕ

ሃገርካ ኣረሲዖም ከይምህሩኻ ከም ትስሕቕ

 

ማሃይም ህግደፍ ጓይላ ዳንከራን ሕልሞም

ካልእ ከይትሓስብ ብፈስቲቫል ኣመኽንዮም

ምስ ብዓል ስደት ዝመረጻ ሸራፋት ጎሃምም

ሬሳታት ኣቐሚጠን ዝስዕስዓ ዓያሹ መሃይም

 

ምስኣተን ከይሰርዑኻ ንድሕሪት ከይትጓተት

ዕድመአን ዘይፈልጣ ፎኮስቲ መሳቱ ቆሉዑት

ብሰንከን እዩ እዚ ኹሉ ዝወርደና ዘሎ መዓት

መናውሒ ስልጣኑ ዝዕንግላ ንጮኳኒ ስርዓት

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • m August 17, 2014

    now they dancing but soon very soon they will crying

  • Dan August 17, 2014

    I have no comments for this coward people

  • abdulkader August 18, 2014

    I would say at list the cows it give you milk they are warst than cows they dont know the meaining of the life they dont have self respect that is why they don care any way time will tell god help them my eritrean people they saferen in avery wher in the world becous of the mafia goverment.

  • ahmed saleh August 19, 2014

    Issayas succeeded to win the heart and
    mind of many people for years . At the
    end it became like some kind of die hard cult followers group . Many of them see their leader as lonely man with logic convictions surrounded by
    enemies . To fight the corrupted way
    of thinking in our society depends on
    reaching to young generation but for
    old

    • ahmed saleh August 19, 2014

      continue;
      old generation accept the reality of
      time expired spoiled mind set difficult to reset or reprogram .
      NIHNA NISU -NISU NIHNA kind of theory is prove of arrogance.

  • Mesinas August 22, 2014

    “ማሃይም ህግደፍ ጓይላ ዳንከራን ሕልሞም

    ካልእ ከይትሓስብ ብፈስቲቫል ኣመኽንዮም

    ምስ ብዓል ስደት ዝመረጻ ሸራፋት ጎሃምም

    ሬሳታት ኣቐሚጠን ዝስዕስዓ ዓያሹ መሃይም!

    ምስኣተን ከይሰርዑኻ ንድሕሪት ከይትጓተት

    ዕድመአን ዘይፈልጣ ፎኮስቲ መሳቱ ቆሉዑት

    ብሰንከን እዩ እዚ ኹሉ ዝወርደና ዘሎ መዓት

    መናውሒ ስልጣኑ ዝዕንግላ ንጮኳኒ ስርዓት።”

    ይበል ራዕታ ክቡር ሓው ተስፊት! ምጡንን ገላጽን! በርትዕ! ብርዕኻ መመሊስካ ሰሓሎ!

  • Daniel August 23, 2014

    RT News 23-8-2014
    A boat carrying 170 undocumented migrants from sub-Saharan Africa was feared lost at sea off the Libyan capital Tripoli, a local coast guard official told AFP on Friday. “We are looking for 170 African passengers on a wooden boat that has foundered off the Guarakouzi area” some 60 kilometers (35 miles) east of Tripoli, coast guard official Abdellatif Mohammed Ibrahim told the agency. Earlier, Itar-Tass reported that 16 passengers of the apparently overloaded boat were rescued and 15 more were found dead by the coastguard, while the total number of people on board the boat was about 200. The small vessel was supposedly heading for Italy.

POST A COMMENT