Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝብታት ኤርትራ፡ ንጽገና ዝጸውር ሕቆ የብሎምን!!

ጽገና ወይ ምጽጋን ዝብል ቃል፡ ብተራ ትርጉሙ፡ ምዕራይ፣ ምምሕያሽ ወይ ምልግጋብ ማለት እዩ፡፡ ብመንጽር መሰረታዊ ባህርያት ስርዓታት፡ ትርጉሙ ክረአ እንከሎ፡ መሰረታዊ ፖሎቲካዊ ባህሪኡ ከይተለወጠ፡ ኣብ ገለ ዘኽፍኡ መዳያት ናይ መልክዕ ምቅይያር ወይ ምምሕያሽ ብምግባር፡ ቀጻልነቱ

ጽገና ወይ ምጽጋን ዝብል ቃል፡ ብተራ ትርጉሙ፡ ምዕራይ፣ ምምሕያሽ ወይ ምልግጋብ ማለት እዩ፡፡ ብመንጽር መሰረታዊ ባህርያት ስርዓታት፡ ትርጉሙ ክረአ እንከሎ፡ መሰረታዊ ፖሎቲካዊ ባህሪኡ ከይተለወጠ፡ ኣብ ገለ ዘኽፍኡ መዳያት ናይ መልክዕ ምቅይያር ወይ ምምሕያሽ ብምግባር፡ ቀጻልነቱ ምውሓስ ማለት እዩ። ጽገና፡ ኣብ ጨቆንቲ ፖሎቲካዊ ስርዓታት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርዱ ዓበይቲ ግፍዕታት፡ ነቶም ናይ ጭቆናን ግፍዕን ቀንዲ መንቀሊ ዝኾኑ ፖሊሲታት፣ መምርሒታትን ኣዋጃትን ከይተንከፍካ፡ ንውልቀ ሰባት ተሓተቲ ብምግባር፡ ካብ ዓይኒ ህዝቢ ኣልጊስካ፡ ኮሓሒልካ ክቕጽል ምግባር ማለት እዩ፤ ኣብ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓታት ዝግበር ጽገና ግን፡ መሰረታዊ ረብሓታት ህዝቢ ብዝበለጸ ንምጥንኻር ዓሊሙ ዝካየድ ምምሕያሽ እዩ።  ስለዚ ጽገናዊ ለውጢ፡ ኣብ ጨቆንቲ ስርዓታትን ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓታትን፡ ብትሕዝቶ ይኹን ብዕላማ ከምዝፈላለ ምግንዛብ የድሊ።

ኩሉ ከምዝግንዘቦ፡ ብንቕሓት ዘይተዓጠቐ ህዝቢ፡ ናይ ጽልኡን ሕራነኡን ቀንዲ ቱኽረት፡ ኣብ ቀንዲ ባህርያት ናይ’ቲ ኣረጊት ስርዓት ኣይኮነን ዘነጻጽር። ናብ’ቶም ኣተግበርቲ ዝኾኑ፡ በብዕለቱ ዝርእዮም ውልቀ-ሰባት እዩ ኣጻብዕቱ ዘወጣውጥ። እዚ ትሑት ደረጃ ንቕሓት’ዚ፡ ነቶም በቲ ስርዓት ቀንዲ ተረባሕቲ ዝኾኑ፡ ወሳኒ ናይ ስልጣን ቦታ ዝዓተሩ፡ ካብ ዓይኒ ህዝቢ ዝተኸወሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ፡ ጽኑዕ ዕርዲ ኮይኑ የገልግሎም። በብእዋኑ ነቶም ህዝቢ ዘምርሮምን ዝጸልኦምን ታሕተዎትን ማእከሎትን ሓለፍቲ ካብ ቦትኦም ብምልጋስ፡ ወይ ድማ፡ ህዝቢ ኣብ ዘይዕዘቦ ዝዓበየ ስልጣን ብምሃብ፡ ህልውና ፖሎቲካዊ ስርዓቶም ከውሕሱ ዝበለጸ ዕድል ይህቦም። በቲ ካልእ ሸነኽ፡ ህዝቢ ካብ’ቶም በብዕለቱ ምስኡ ዝውዕሉ ኣፈጸምቲ ኣካላት ሰጊሩ፡ ኣብ ልዕሊ መራሒ ሃገር ጽልኡ ናብ ዝለዓለ ጥርዚ በጺሑ፡ እምነቱ ኣብ ዝጽንቀቐሉ እዋን ድማ፡ ህልውናን ቀጻልነትን ናይ’ቲ ስርዓት ብመሰረቱ ከይተቐየረ እንከሎ፡ ንላዕለዎት መራሕቲ ሃገር፡ ብሓይሊ ይኹን ብዘተ ብምእላይ፡ ናይ መልክዕ  ለውጢ ብምግባር ዝፍጸም እዩ።

በቲ ይኹን በቲ፡ ኣብ ሓደ ፖሎቲካዊ ስርዓት ዝግበር ጽገናዊ ለውጢ፡ ኣብ ልዕሊ ውልቀ ሓለፍትን ሓደ ሓደ ነቲ ኣረጊት ስርዓት ዘመላኽዑዎን ናይ ህዝቢ ጊዝያዊ ቀልቢ ዝስሕቡ ዘይመሰረታዊ ናይ ፖሊሲን መምርሕን ምምሓይሽ ብምግባር፡ ቁጠዐን ምልዕዓልን ህዝቢ ንምዝሕሓል ዝጠቅም እዩ። ጸገንቲ ሓይልታት፡ ብሰፊሕን ንቑሕ ተሳትፎ ህዝብታትን ፖሎቲካዊ ሓይልታትን ሃገራዊ ቅዋም ኣየጽድቑን፤ ፖሎቲካዊ ስልጣን፡ ብድምጺ ህዝቢ ጥራሕ ክውሰን ዝቕበሉ ኣይኮኑን፤ ንዘላቕን ዘተኣማምንን ሰላም ኣይሰርሑን፤ ናይ ብሄራት መሰልን ማዕርነትን ክምልሱ ብቕዓት የብሎምን፤ ናይ ሓረስታይ ናይ መሬት ሕቶን ምዕሩይ ተጠቃምነትን ኣየረጋግጹን፤ ንሓቀኛ ፍትሕን ርትዕን ደው ኣይብሉን፤ ኮታስ ኣብ ልዕሊ ኣረጊት ፖሎቲካዊ ስርዓት ሱር ነቀል ዝኾነ ለውጢ ንምምዝጋብ ባህርያቶም ብፍጹም ኣይፈቕዶን ምባል ይከኣል። ውዒሎም ሓዲሮም ድማ፡ ምስ ህዝቢ ናብ ዘይተዓረቕ ጎንጺ ምእታዎም ዘይተርፍ ይኸውን።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ፡ ብኣብነት ንምጥንኻሩ፡ ዝስዕብ ናይ ቀረባ ሕሉፍ ሓባራዊ ተሞኩሮና ምዝካር ይጠቅም’ዩ። ካብ መጀመርታ 70’ታት ጀሚሩ፡ ዘውዳዊ ኣገዛዝኣ ሃጸይ ሃይለስላሴ ኢትዮጵያ፡ ብውሽጡ እናቖንቆነ፡ መነባብሮ ህዝቢ እናኸፍአ ምስ ከደ፡  ነጻነታዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ ሓዊስካ፡ ገባራይ፣ ተማሃራይ፣ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛን ሸቃላይን ኢትዮጵያ፡ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ኣንጻር ንጉሳዊ ኣገዛዝኣ ተላዓዓሉ። ሃጸይ ሃይለስላሴ፡ ኣብ ካቢነኦም ናይ ውልቀ ሰባት ለውጢ ብምግባር ናይ ህዝቢ ቁጠዐ ከዘሓሕሉ ፈተኑ። እንተኾነ ግን፡ ሕቶ ህዝብታት ኢትዮጵያን፡ ነጻነታዊ ተጋድሎናን፡ ትንፋስ ክህቦም ኣይከኣለን። በቲ ካልእ ገጽ ግን፡ ነዚ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዝተወለዐ ምልዕዓል፡ ብብቕዓት መሪሑ፡ ንንጉሳዊ ኣገዛዝኣ ሃጸይ ሃይለስላሴ ካብ ሱሩ ዝምሑን፡ ስልጣን ንህዝቢ ከረክብ ዝኽእል ቅኑዕን ዱልዱልን መሪሕ ውድብ ኣይተመስረተን። መስርሕ ነጻነታዊ ተጋድሎና’ውን፡ ነዚ ኣዝዩ ብሱል ዝኾነ ወድዓዊ ኩነታት ብብቕዓት ኣብ ረብሓ ህዝብና ከውዕል ዝኽእል ብቑዕ መሪሕ ውድብ ኣይረኸበን።

ኣብ ልዕሊ ዘውዳዊ ኣገዛዝኣ ሃይለስላሴ ዝዓመጸ ህዝቢ፡ ሰኣን ብቑዕ መሪሕ ውድብ ኣብ ዕንይንይ ኣብ ዝወደቐሉ እዋን፡ ነዚ ዕድል’ዚ ክጥቀመሉ ዝበቕዐ፡ ብሽም ግዝያዊ ወታደራዊ ደርግ ዝተወደበ፡ ናይ ማእከሎትን ታሕተዎትን ወታሃደራዊ ሰበ ስልጣናት ምትእኽኻብ ነበረ። እዚ ምትእኽካብ’ዚ ንተበለጽቲ ሙሁራት(ከም በዓል መኤሶን) ኣብ ጎድኑ ኣሰሊፉ፡ ኣዝዮም ገስገስቲ ዝመስሉ ጭርሖታት እናቃልሐ፡ ንሃጸይ ሃይለስላሴን ሚኒስተራቶምን ኣብ ቀይዲ ብምውዓል፡ ብሽም ጊዝያዊ ወታሃደራዊ ደርግ፡ ፖሎቲካዊ ስልጣን ተቖጻጸረ። ንህዝቢ ብሓፈሻ፡ ናይ ገጠር ሓረስታይ ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ጎድኑ ንምስላፍ “መሬት ንሓራሲኡ” ዝብል እዋናዊ ጭርሖ ኣቃልሐ። እዚ ጭርሖ’ዚ ነቲ ብመሳፍንቲ ኣምሓሩ ልሙዕ መሬቱ ተመንዚዑ፡ ኣገልጋሊ ክኸውን ተፈሪዱ ዝነበረ ናይ ደቡብን ኦሮሞን ሓረስታይ፡ ንግዝይኡ ኣብ ጎድኒ ወታደራዊ ደርግ ክስለፍ ገበሮ። ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ፡ ብሓደ ወገን ናይ ኢትዮጵያ ሶሻሊዝም እናጨርሐ ኣብ ጎድኒ ሶቬት ሕብረት ክስለፍ እንከሎ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ”ኢትዮጵያ ትቕደም” ዝብል ትምክሕተኛ ጭርሖ እናቃልሐ፡ ናይ ህዝቢ መሰረታዊ ሕቶታት ዲሞክራስን ናይ ህዝባዊ ስልጣን ሕቶን ብሓይሊ ንምዕፋን፡ መሰል ምዝራብ፣ ምጽሓፍ፣ ምውዳብን ሰላማዊ ሰልፊ ምክያድን፡ ብኣዋጅ ኣብ ምእጋድ ጥራሕ ኣይተወሰነን፡፡ ”ብውሽጡ ዝሓሰበን ዘተሓሳሰበን‘ውን ዘይምሕር ስጉምቲ ከምዝውሰደሉ ከቢድ መጠንቀቕታ ኣመሓላለፈ።  ኣብ ሓጺር እዋን፡ ንዝተፈጠረ ናይ ስልጣን ባዶነት ተበሊጹ፡ ብናይ ህዝቢ ጭርሖታት ተጎልቢቡ ፖሎቲካዊ ስልጣን ንበይኑ ዝበሓተ ፋሽስታዊ ጉጅለ ደርጊ፡ ንሕቶ ህዝብታት ኢትዮጵያ ብዘይምሕር ንምድቋስ፡ ንከተማታት ብደም ከዕለቕልቐን ጊዜ ኣይወሰደሉን።

ብመንግስቱ ሃይለማርያም ዝተመርሐ ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ፡ “ኣብ ምብራቕ ዝተረኸበ ዓወት ኣብ ሰሜን ክድገም እዩ’‘ ዝብል ፋሽስታዊ ጭርሖ ተሓንጊጡ፡ ንተሓኤ-ጀብሃን ህግሓኤን ንምድምሳስ፡ ብሶቭየት ሕብረት ዝተደገፈ ሰፊሕ ወታደራዊ ወፍሪ ኣካየደ። ሰውራና፡ ብፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ዝተፈነዉሉ ሰፋሕቲ ወታሃደራዊ ወራራት፡ ከቢድ ዋጋ ዘኽፈሉዎ’ኳ እንተኾኑ፡ ሳላ ጽኑዕ ፍቕሪ ሃገር፣  ጽንዓትን ተወፋይነትን ህዝብታት ኤርትራን ተቓለስቲ ደቁን፡ ኣብ መወዳእታ ኣላሽ ኢሉ፡ ሃገራዊ ነጻነትና ጋህዲ ኮነ። ህዝብታት ኢትዮጵያ ድማ፡ ብመሪሕነት ኢህወደግ  ንፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ደምሰሱዎ።

ነዊሕን መሪርን ብረታዊ ተጋድሎና፡ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ምርብራብ፡ ብመሪሕነት ህግሓኤ እዩ መዐለቢ ዝረኸበ። እዚ ካብ ሜዳ ጀሚሩ ብልዕልነት ኢሳይያስ እናተመርሐን ውልቀ ዝና ኢሳይያስ ብሰፊሑ እናሰበኸ ዝመጸ  ህግሓኤ፡ ኣብ ዕድመ ቃልሱ ብዙሓት ዲሞክራስያውያንን ሓርበኛታትን ተጋደልቲ እናበልዐ ዝገበለ ውድብ እዩ፤ ምስ ህዝቢ ይኹን ኣብ ውሽጢ ውድብ፡ ፍጹም ጸረ ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓ እናማዕበለ ምምጽኡ ሕሉፍ ታሪኹ ምስክር እዩ። መሪሕነት ህግሓኤ፡ ‘‘ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ኣይጸውርዩ እዩ” ዝብል በሓቲ ጭርሖ ሒዙ’ዩ ኣስመራ ዝኣተወ፡፡ በዚ መርሆ’ዚ ሃገር ዝተቖጻጸረ ሓይሊ፡ ኣብ ጽባሕ ሓርነት፡ ብዙሕነት ናይ ሰልፍታት ዝፈቅድ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክተክል፡ ፖሎካዊ ባህሪኡ ብፍጹም ከምዘይቅበሎ ዘጠራጥር ኣይነበረን። ስለዝኾነ’ውን፡ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ጊዜ፡  ኣብ መዓልቲ ሰማእታት፡ 20 ሰነ 1991፡ መላኺ ኢሳይያስ፡ ”ካብ ሎሚ ንደሓር ብስም ውድባት ሓሸውየ ኣይፍቀድን እዩ፤ ብስም ውድባት ምጥቛስ ከም ከቢድ ገበን እዩ ዝቑጸር”… ወዘተ ክብል ብዕሊ ኣፍለጠ። ኣብ ልዕሊ፡ ሕቶ ሰላም፣ ዲሞክራሲ፣ ነጻ ምንቅስቓስ ፖሎቲካዊ ሰልፍታት፡ ኮታ ኣብ ልዕሊ መጻኢ ዕድል ህዝብታትና ቅሉዕ ኵናት ኣወጀ።

ገባሪ-ሓዳጊ ኢሳይያስ፡ ኣቦ-መንበር ህግሓኤ፡ ካብ ድሮ ነጻነት ጀሚሩ ንህዝብታትና ከም ወርቂ ዘብለጭልጩ መብጻዓታት ከምዝኣተወሎም ኩሉ ዝዝክሮ እዩ። ኣብ ድሮ ነጻነት 1990፡ ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምስ ድምጺ ሓፋሽ ኣብ ዘካየዶ ቃለ ምልልስ ምዝካር ጥራሕ ኣኻሊ እዩ። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንዝቐረበሉ ሕቶ ዝሃቦ መልሲ፡- ኤርትራ፡ እንቋቑሖ  ዘበርከተን  ሚልዮን ቅርሺ ዝሃበን፡  ማዕረ ዝነብሩላ፡  ማሕበራዊ ፍትሒ ዝሰፈና ሃገር ክትከውን እያ” ዝብል ነበረ፤ ብሓደ ወገን ዘይትግበሩ መብጻዓታት እናደርደረ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ተቓውሞ ህዝብና፣ ተጋደልቲ ህግሓኤን ፖሎቲካዊ ሓይልታትን ንምድቋስ፡ ሰፊሕ ዜናውን ወታደራውን ወፍርታት እናካየደ፡ ገባርን ሓዳግን ዝኾነሉ ፋሽስታዊ ስርዓት ተኸለ።  እነሆ ድማ ድሕሪ 20 ዓመታት፡ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ለኪሙ ክጠፍእ፡ ኣብ ቀልቀል ውድቀት ይርከብ። ብምዃኑ’ውን ሎሚ ኩነታት ህዝብታትናን ሃገርናን ህጹጽ ለውጢ ዝጠልቡሉ ኣዝዩ ተኣፋፊ ኩነታት ንርከብ።

ሃገርና ኤርትራን ህዝብታታን ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ወዲቖም ኣብ ዝርከቡሉ እዋን፡ ዝተፈላለዩ ጭርሖታት ዝተሓንገጡ፡ ውልቀ-ሰባት፣ ጉጅለታትን ፖሎቲካዊ ሓይልታትን ኤርትራ፡ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ይረኣዩ ምህላዎም ዘገርም ኣይኮነን። ብርግጽ እዞም ዝተፈላለዩ መልክዓት ዝሓዙ ምንቅስቓሳት፡ ህሉው ኩነታት ህዝብታትና ዝፈጠሮም’ኳ እንተኾኑ፡ ሓያልን ቅኑዕን መስመር ዝሓዘ ብቑዕ መሪሕ ውድብ ብዘይ-ምህላዉ፡ ኣረኣእያታቶም ክፈላለን ዓቕምታቶም ክበታተንን ምዃኑ ኣዝዩ የሰክፍ።

ከም’ቲ ኣብ ላዕሊ ክጥቀስ ዝጸንሐ፡ ህጹጽን ቀዳማይን ሕቶ ህዝብታትና፡ ህልውናኦምን ቀጻልነቶምን ምውሓስ እዩ።  ስድራታት ኤርትራ፡ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብቂዑ፡ ደቆም ሓቝፎም ከምህሩ፣ ከመርዑዉን ወለዶ ክትክኡን ይደልዩ፤ ምስ ሸምገሉ ክጥወሩ፣ ዝሞተ ብክብሪ ክቕበር ይደልዩ። ከም ህዝቢ ማሕበራዊ ዝምድናታቶም ክቡራት ባህልታቶምን ከይተበረዙ ክዕቀቡን ናብ መጻኢ ወለዶ ክሰጋገሩ  ይደልዩ። እዚ ድማ፡ ብዘይ ዘላቒ ሰላም ዝከኣል ኣይኮነን። ዘላቒ ሰላም ድማ፡ ንፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ ብምውጋድ ጥራሕ ዝረጋገጽ እዩ። ድሕሪ ውድቀት ፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ ድማ፡ ናይ ህዝብታትና ህልውናን ቀጻልነትን ዘተኣማምን ውሕስነት የድልዮ። ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላቶም ዝሕሉ፡ ፖሎቲካዊ ተሳትፎኦም ዘማዕብልን፡ ቁጠባዊ ተጠቓምነቶም ዘረጋግጽ፣ ብሄራዊ መሰሎምን ማዕርነቶምን ዘውሕስ፣ ናይ እምነት ነጻነቶም ዘኽብር፣ ብሰፊሕ ተሳትፎኦም ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም ክህልዎም ይደልዩ። ኣብ ክሊ ቅዋም ኮይኖም ብድምጾም ዝመርጹዎ፣ ዝቆጻጸሩዎን ዝቕይሩዎን እሙን ኣገልጋሊኦም ዝኾነ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ክተኽሉ ይደልዩ። እዚኦም ኩሎም ብሰንኪ ፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ ዝሰኣኑዎም መሰረታዊ ረብሓታት እዮም። ዘተኣማምን ህልውናንን ቀጻልነትን ህዝብታት ኤርትራ ዝወሓስ ድማ፡ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ መሰረታዊ ረብሓታት ክማልኡ እንተኽኢሎም ጥራሕ እዮም። ንስርዓት ህግደፍ ብምጽጋን ብፍጹም ኣይኮነን።

እዞም ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ንተኣፋፊ ኩነታት ሃገርና ምኽንያት ብምግባር ዝነጥፉ ዘለዉ ፖሎቲካዊ ሓይልታት፡ ናይ ህዝብታትና መሰረታዊ ጥቕምታት ኣብ ምጥባቕ፡ ድሕረ ባይትኦም ይኹን ናይ ሎሚ ንጥፈታቶም፡ ሕቶ ከልዕል ይረአ። ሓደ ሓደ ዝቀላቐሉ ዘለዉ ፖሎቲካዊ ምንቅስቓሳት፡ ኣብ ሕሉፍ እዋናት፡ ኣብ ትሕቲ ፋሽሽታዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ዝነበሩ፡ ክሳብ’ዚ ቀረባ እዋን ድማ፡ ኣብ ስደት ደሃዮም ዘይስማዕ ዝነበረ’ዩ፤ ፖሎቲካዊ ዕላማታቶም ከየነጸሩ ዝተኣኻኸቡ፡ ኣብ ሕሉፍ ሓርበኛውን ጅግንነታውን ተጋድሎ ህግሓኤ ተሓቢኦም፡ መሪር ቃንዛ ህዝብታትና ተበሊጾም፡ ንርእሰ ፋሽሽት ኢሳይያስ ብምትካእ፡ ህልውና ስርዓት ህግደፍ ንምውሓስ ዝጓየዩ ወገናት ንዕዘብ።

ህዝብታት ኤርትራ፡ ቀንዲ ጽልኦምን መረረኦምን፡ ኣብ ልዕሊ ውልቀ-ሰባት መራሕቲ ህግደፍ ኣይኮነን፤ ክኸውን’ውን ኣይክእልን። እዞም በብደረጅኡ ኣብ ሓላፍነት ተኾዲጮም፡ ንህዝብታትና ደም ዘንብዑን ንሓደጋ ብርሰትን ምብትታንን ዘቃልዑ ዘለዉ ባእታታት፡ ካብ ሰማይ ብዝወረዶም መምርሒ ወይ ድማ ፊን ብዝበሎም ስለዝሰርሑ ብፍጹም ኣይኮኑን። ናይ ኩሎም ጸረ ህዝቢ ተግባራቶም ቀንዲ መበገሲ፡ ፖሊሲታት፣ ኣዋጃትን መምርሒታትን ፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ እዮም። ናይ ኩሎም ጸገማት ህዝብታትና ተሓታቲ፡ ፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ’ምበር፡ ውልቀ-ሰባት ንበይኖም ተነጺሎም ብውልቂ ዝሕተቱሉ ኣይኮኑን።  ስለዝኾነ’ውን፡ ኣብ ልዕሊ ውልቀ-ላዕለዎት መራሕቲ ብምንጽጻር፡ ንዐኦም ኣልጊስካ፡ ንስርዓት ህግደፍ ብምጽጋን ቀጻልነቱ ንምርግጋጽ ዝግበር ዘሎ ጉያ-ጉያ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና ካልእ ዝበኣሰ መልክዕ ጥፍኣት ዘስዕብ እዩ።

ሃገርና ኤርትራ፡ ድሕሪ ውድቀት ፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ብናይ ህዝብታትና ንቑሕ ተሳትፎን ወሳንነትን ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋምን ብድምጺ ህዝቢ ዝቖመ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ተመሪሓ ንቕድሚት ክትግስግስ’ምበር፡ ብጽገናዊ ለውጢ ካልእ መልክዕ ዝሓዘ ህግደፋዊ ስርዓት ጸይራ ፍሒት ክትብል ኣይትኽእልን። ውድብና ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ)፡ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ኣንጸላልዩዎም ካብ ዘሎ ናይ ብርሰትን ምብትታንን ሓደጋ ንምድሓን፡ ኣንጻር ፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ዝካየድ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ደገፉ እናረጋገጸ፡ ህዝብና ብሓፈሻ፡ መንእሰይ ወለዶና ድማ ብፍላይ፡ ናይ ሎሚ ኣራግጻኡ ኣጽኒዑ፡ ብሩህ መጻኢኡ ብርሑቕ እናማዕደወ፡ ቃልሱ ከሰላስል ይህልዎ ኢሉ ይኣምን።  ንካልኣይ ጊዜ፡  ካብ ማህጸኑ ብዝወጹ፡ ቆርበት በጊዕ ዝተኸድኑ ተዃሉ ክህመል የብሉን።

 

ዜናን ባህልን ቤት-ጽሕፈት፡

ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ)

ጥሪ 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Eyob January 7, 2014

    It’s well done, Good job ERDF(ሰደግኤ)

  • Sorobeti January 7, 2014

    On 20 June 1991, DIA announced his aggressive war against the rights of Eritrean people but do you to our excited emotion of independence, we failed to see the malice behind the announcement of DIA.

  • Efrem Mengisteb January 8, 2014

    Radical change for better future with absolute consensus of the people. Pfdj can’t be called from its grave. It is time for liberty and justice.
    Well done EDF.

  • belay nega January 9, 2014

    “ህዝብታት ኤርትራ፡ ንጽገና ዝጸውር ሕቆ የብሎምን!!”

    “ክንቡርክት ከይንቡርክት አብ ሩባ ንብጻሕ”

POST A COMMENT