Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝባዊ ማዕበል ንድሕነት ሃገር – እታ ጥበብ ረኺባታ

እዚ ኹሉ ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ኣብቲ ናይ ምሉእ ሃገራት ዓለም ፖለቲካ ዝኽወሰሉ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ከምዚ ኢሉ ብሓባር ክስለፍን ክእከብን ምብቅዑ ዓቢ ዓወትን ጸጋን እዩ። ሓይልታት ለውጢ ካብ ኩሉ ኩርንዓት ኣሜሪካን ካናዳን መጺኦም፡

እዚ ኹሉ ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ኣብቲ ናይ ምሉእ ሃገራት ዓለም ፖለቲካ ዝኽወሰሉ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ከምዚ ኢሉ ብሓባር ክስለፍን ክእከብን ምብቅዑ ዓቢ ዓወትን ጸጋን እዩ። ሓይልታት ለውጢ ካብ ኩሉ ኩርንዓት ኣሜሪካን ካናዳን መጺኦም፡ ብኣካል ዝራኸብሉን ዝላለይሉን ሃዋሁው ብምፍጣሩ ከኣ፡ ሓዲሽ ምዕራፍ ቃልሲ ይኸፍት ኣሎ። ኣብዚ ሃዋሁው እዚ፡ እቲ ሓልዮት ህዝቡን ሃገሩን ዘበገሶ ኤርትራዊ መንፈስን ሓቦን ኒሕን፡ ከም ዝድህሰስን ዝሽተትን ውድዕ ዓቕሓ ኾይኑ፡ ካብ ሓደ ዜጋ ናብ ካልእ ብኣካል ክንቀሳቐስን ክመሓላለፍን ክተሓቛቖፍን ተራእዩ። ኣብዚ ምንቅስቓስ እዚ ሕድ-ሕዱ እንዳተጻለለወ ዝፈጠሮ ምዉቕ ሕውነትን ፍቕርን ስኒትን ክርኢ እንከሎኹ፡ ነቲ ኹሉ ፍልልያትና ዘረሳዕካ ሓያል ማዕበል ድሓን እቶ፡ በየን መጻእካና ክብል እየ ዝቐነኹ። ነዚ ንጥፈት እዚ፡ ነፍሲ-ወከፍ ደላይ ፍትሒ ካብ ዝተሰምዖ ዋንንነት ተበጊሱ፡ ከይባላሸዎ ሓልዮትን ምትሕብባርን ኣብ ርእሲ ምርኣዩ፡ ካብቲ ዝገብሮ ዝነበረ ተወፋይነት ንላዕሊ ከኣ ንመጻኢ ዝያዳ ከተግብር ቅሩብ ከምዝኾነ ዘረድእ፡ እዚ ቅዱስን ኣድማዕን ስራሕ እዚ “ከቛርጽ የብሉን!! ክቕጽል ኣለዎ!!” እንዳተብሃሃለ ብዓውታ ቃል ክትኣታቶ ይስማዕ ብምንባሩ  እዩ።

ደላይ ፍትሒ ብጽምዲ ይኹን ብእኩብ ተራኺቡ ዘዕልሎ ዕላላትን ዝዛረቦ ዝነበረ ዘረባታትን እንተዝውህለል፡ ብጀካ ኣብቲ ዝፈጸሞ ሓባራዊ ስራሕን ዝወዓሎ ውዕለትን ኣድማዕነቱን ውጺኢቱን፡ ብጀካ ኣብቲ ኣብ ስራሕ እንታይ ጎደለ ዝብል ኣራሚ ስክፍታኡን ሓልዮቱን፡ ብጀካ ኣብቲ ንዝመጽእ ከ እንታይን መዓስን ከመይን ክንገብር ኣሎና ዝብል ኣብ ኣእምሮኡ ዝቐርጾምን ዝቕይሶምን ናይ ስራሕ መደባትን ወፈራታትን፡ ኣትኪሉ ርእይቶኡን ሓሳባቱን ክቃባበል፡ ካልእ ክዕልል ዘይተስምዓሉ ሃዋሁው እዩ። ስለዚ፡ ነቶም ዓንቀፍቲ ፍልልያት ኣብ ቃልስና ዝፈጥርዎም ተራጸምቲ ዝምባሌታት፡ ዘፋኹሰልና ወይ ከኣ ዘረስዓና ፈውሲ፡ ባህሊ ስራሕ ምውሓጥ ከም ዝኾነ መድሃኒቱ ብዓይንና መስኪርናዮ። ህዝባዊ ማዕበል ሓዲሽ ተርእዮ ፈጢራትልና ኣላ። እታ ጥበብ ረኺባታ። ስሙር ቃልሲ!! ሓባራዊ ስራሕ።

ስለዝኾነ ድማ እዚ ሰላማዊ ሰልፍን ኮንፈረንስ እዚ፡ ምሉእ ጉልበትናን ገንዘብናን ግዜናን ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢና ከነቕንዕ ዘብቅዓና ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ዘሰማምዓና ከመይ ጌርና ክንሰርሕን ከነድምዕን ከም እንኽእል፡ ከመይ ዝኣመሰለ ውጽኢት ከኣ ከነፍሪ ከምእንኽእል፡ ብግብሪ ዘርኣየናን ዝመሃረናን ንጥፈት እዩ። እዚ ማዓበል እዚ ኣብ ስራሕ ኣእትዩ፡ ነቶም ኩሎም ተኺልናዮም ዝነበርና ሓጹራት በብሓደ እንዳመሓወ ክገፈልና ይጅምር ስለዘሎ ከኣ ከነስፍሖን ከነማዕብሎን ኣሎና እብል።       

እወ! እቲ ክንሰርሓሉን ከነድምዓሉን ክንዕወተሉን እንኽእል ግዜ ሓሺሽናዮ ኢና። እቲ ኹሉ ንመግዛእቲ ሸፋቱ ከነውድቐሉ ዘኽእለና፡ በብመድረኹ እንዳተቐልቀለ ዘጣዓዕመልና ዝነበረ ዕድላት እንዳረኣናዮ ኣሕሊፍናዮ። ኣብዚ መድረኽ እዚ፡ ግዜ፡ ማለት ነፍሲ-ወከፍ ሰዓት ነፍሲ-ወከፍ መዓልትን ዓመትን፡ ናይ መጨረሽታ ዕላማን ድሌትን ኢሳያስ ክውን ንኽትገብር እትቃራረበሉ ዘላ እዋን እያ ኾይና ዘላ። ከምዚ ዘሎናዮ ኣተሃላልዋ ኸኣ፡ ግዜ ኣንጻርና እያ ትዘሪ ዘላ። እንተኾነ ግና እዚ ዘቕረብክዎ ኩነታት፡ ተስፋ ዘቑርጽ ዓቕሊ ጽበት ዘይኮነስ ምልክት ለውጢ እዩ።

ምኽንያቱ፡ ግዜ ምስ ተጸንቀቐ፡ ኩሉ ዕድላት ምስ ተዓጽወ፡ ፖለቲካዊ ሕቶ ህዝቢ ሕቶ ዲሞክራስን መሰልን ምዃኑ ተሪፉ፡ ኣብ ናይ መንብሮን ሕቶ ድሕነት ህዝብን ምስ ተሸመመ፡ ዝፈጥሮ ኩነታት ኣሎ። ንሱ ኸኣ መዋጽኦ ንኽርከቦ፡ ምብልሓትን ምህዞን ክፈጥር ታሪኽ ደቂ-ሰባት ዝምስክሮ እዩ። ታሪኽ ናይ ብረታዊ ቃልስና እዩ እውን። ንኣብነት ሽሕኳ እቲ ፖለቲካዊ ታሪኹ ገስረጥ እነተኾነ፡ ኣብቲ ወትሃደራዊ ታሪኽ ህዝባዊ ሓይልታት እንተተመልከትና ንኾርዓሉ ሸነኽ ኣለዎ። ህዝባዊ ሓይልታት ንጸላኢ ብብረቱ ብጥይቱ ዝብል ኣጋባብ ቃልሲ ዘልዓሎን ዘተግበሮን፡ ብኹሉ ምስ ተቐርቀረ ዕጥቅን ስንቅን ምስ ሰኣነ፡ ነቲ ከም ማይ ዝውሕዝ ዝነበረ ቑጽሪ መንእሰይ ንኸዕጥቕ መሬት ምስ ጸበበቶ፡ ዝፈጠሮ ምህዞን ምብልሓትን ተወፋይነትን እዩ። እቲ ርእስኻ ባዕልኻ ምኽኣል ዝብል ጥበብ ተደሚርዎ ኸኣ፡ ተኣምራታዊ ዝኾነ ወትሃደራዊ ሓይሊ ፈጢሩ። በቲ ቀልዓለም ዘይነበሮ ተኻፋልነት ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ተሰንዩ ኸእ፡ እዚ ነብዕሎ ዘሎና ሃገራዊ ነጻነት ተረጋጊጹ።

እወ! ሎሚ እቲ ናይ ርዳእ! ርዳእ! ግዜ ኣብ ምጽንቃቑ፡ ሕቶ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ናይ ምህላውን ምንባርን ሕቶ ተሸሚሙ ፍታሕ ንኽረክብ ንነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ይውከስ ኣሎ። ንኣብነት፡ ንተቓዉሞ ደምበ፡ “እንታይ ገይሩ? እንታይ ከ ይገብር ኣሎ? ኣበይ ኣሎ?” እንዳተባህለ ከይነቐፍካ ምሕላፍ ከም ፖለቲካዊ ባህሊ ሰሪቱ ዝነበረ ኣተሓሳስባ፡ እንዳኣረገ ኸይዱ። ብግምጣሉ ናትካ ግበር? ተቓዋምቲ ውድባት ይዕበ ይንኣስ ስርሐን ይሰርሓ ኣለዋ። ንስኻ ኸ፡ ከም ኤርትራዊ ዜጋ መጠን ህዝብኻ ንኸተድሕን፡ እንታይ ጌርካ? እንታይ ከ ትገብር ኣሎኻ? ዝብል ሕቶ ብዓውታ ይስማዕ።

ከምኡ እውን እዚ ሽፍታ እዚ ከምዚ ኢሉ ክሳብ ዝግብል መራሕትን ተጋደልትን ህዝባዊ ግንባር እንታይ ይገብሩ ነይሮም ዝብል ወቐሳ፡ ንኽንደይ ዓመታት ተደጋጊሙ ማራኡ ኣጥፊኡ። ነዚ ወቐሳ እዚ ኣውን፡ ተመሳሳሊ ሕቶ ክቐርቦ ጀሚሩ ኣሎ። ንሱ ኸኣ፡ ንሳቶምሲ ደይ ከምዛ ዝሓለፍካያን ሕጂ ዘለኻያን እዮም ነይሮም። ኢሳያስ ካብ ቀደም ዝገብሮ ዝነበረ፡ ሕጂ ዝገብሮ ዘሎ እንዶ ኣይገድድን። ንስኻ ኸ፡ ሕጂ ንህዝብኻ ከተድሕን እንታይ ትገብር ኣሎኻ? ብዝብል እዋናዊ ሕቶ ተቐይሩ ኣሎ። እዚ ኹሉ ሕቶታት እዚ ንሕልናን ተወፋይነትን ሓልዮትን ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ዝቕስቅስ እዩ። እዚ ኹሉ ሕቶታት እዚ ካብ ናይ ታሪኽን ዝሓለፈ ዛንታታትን እሱራት ኮይና ምቑዛምን ምኒን ምባልን ወጺእና፡ ኣብ ናይ ሎምን ሕጅን ዘሎና ሽግራት ንምፍታሕ፡ ኣብ ዘሎ ርጉጽ ኩነታት ኣትኪልና ንቕድሚት እንዳረኣና ፍታሕ ነናዲ ዝብል እዩ። እዚ ኹሉ በዳሂ ሕቶታት እዚ ኸኣ፡ መዋጽኦ ክንምህዝ ጥበብ ከነናዲ፡ ንኣተሓሳስባናን ኣጋባብ ቃልስናን ክንቅይር ዘገድድ ምልክት ለውጢ እዩ። ህዝባዊ ማዕበል ንድሕነት ሃገር ኣብ ዝተጸንቀቐ ግዜን ዝተዓጽወ ዕድላትን ዝፍጠር ዘሎ ምብልሓትን ምህዞን  እዩ። እዚ ማዕበል እዚ ነታ ጥበብ ነታ መዋጽኦ ረኺብዋ ኣሎ። ደው ክብል ድማ ኣይኮነን።

እዚ ህዝባዊ ማዕበል እዚ፡ ኣብ ዲሲ ንህ.ግ.ደ.ፍ. ካብ ኣጥቃዒ ናብ ተኻላኻሊ ደረጃ ከምዝወርድ ዝገበረ እዩ። ብሰንኪ እዚ ማዕበል እዚ፡ እቶም ኣብ ዲሲ ዝርከቡ ደገፍትን ተደናገጽትን ሽፍታዊ ስርዓት፡ ንጡፋት ኣዳኸርቲ ምዃን ገዲፎም፡ ብህ.ግ.ደ.ፍ ዝተገብረሎም ጻውዒት ራሕሪሖም፡ መማዕጽኦም ዓጽዮም ኣብ ገገዝኦም ብምውዓል፡ ኣብቲ ሰፈር ዝበዝሐ ተዓዛብን ኣማዕዳውን ህዝቢ ተጸንቢሮም ምርኣይና፡ ንህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ዲሲ ዘየዳግማ ጽፍዒት ከምዝተዋህቦ ዝምስክር እዩ። ጽባሕ ከኣ ምስቶም ተዓዘብቲ ተሓዊሾም ክመጹእና ክንርኢ ኢና። ብተወሳኺ፡ ነቲ ካብ ውድባውን ስልፋውን ሓልዮትን ክንክንን ወጺኡ፡ ኣብ ስራሕ ገጹ ንኽወፍር ጸጊምዎ ዘሎ ተቓዉሞ ደምበ፡ ነቲ ንድሕነት ህዝቢ ንምቕዳም ዓቐብ ኮይንዎ ዘሎ ኣጋባብ ቃልሲ፡ ፖለቲካዊ ደረት ትርኢቱ ኣብ ሃገራውን ህዝባውን ሕቶታት ኣቕኒዑ ኣጋባብ ቃልሱ ንኽቕይር፡ እዚ ህዝባዊ ማዕበል እዚ ከም ደራኺ ሓይሊ ኾይኑ ይሕግዞ ከምዘሎ፡ ክነግረሉ እደሊ። ኣቲ ተቓዉሞ ደምበ ድማ ሓንጎፋይ ኢሉ ተቐቢልዎ ኣሎ። እዚ እውን ምልክት ለውጢ እዩ።

እዚ ኹሉ ኣብ ኣሜሪካን ካንዳን እንርእዮ ዘሎና ምልክታት፡ ከመይ ጌርና ኣብ ነገራዊ ሓይሊ ንቕይሮ ኸኣ ናትና ተራ እዩ። እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ዝቐረበልና ኮንፈረንስ፡ እዛ ኮንፈረንስ እዚኣ ከፊታትልና ዘላ ጸባብ ጩራ፡ ምእንቲ ድሕነት ህዝብና፡ ንመንገዲ ለውጢ ጥበቡን ብልሓቱን እተርእየና ገፋሕ መስኮት ክንቅይራ ንኽእል ኢና ኢልና ድማ ንበገስ። ህዝቢ ኤርትራ ብትዕግስቱን ተጻውርነቱን ነዚ ስርዓት እዚ ኣመሽሚሽዎ እዩ። ኢሳያስ ኣብዚ ኩነታት እዚ ንኽድርበን ብሓንቲ እግሩ ጠልጠል ክብልን፡ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዋጋ ከፊሉሉ እዩ። ሕጂ ግና ትዕግስቱ ጸንቂቑ፡ ብግህዶ ብምቅዋም እቲ ለውጢ ካብ ውሽጢ ክብገስ ንርእዮ ኣሎና። ልክዕ እዩ እቲ ኣእምሮና ንኽባላሓት፡ ፍታሕ ንኸምጽእ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ ኣብ ኩሉ ኣኻእሎታት የእትወና ኣሎ። እዚ ስርዓት እዚ ካብ መሽመሸ ግና፡ እታ ብቐሊሉ ለውጢ ከተምጽእ እትኽእል ናይ መጨረሽታ ቅላዕ፡ ንዕኣ እተድልያ ጥበብ ወይ ብልሓት ሓንቲ እያ። ንሳ ድማ ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ናይ ግድን ክትፍጠር እያ።

ኣብ ምዕራብ ዓለም እንርከብ ዜጋታት ካብ ዘሎናዮ ርግጽነት ርሒቕና፡ ወይ ከኣ ካብ ዓቕምና ዘፍቅዶ ክውንነት ወጺእና እንሓስቦ ሓሳባትን እንዛረቦ ዘረባታትን ኣድማዒ ክኸውን ስለዘይክእል፡ እቲ ክንገብሮ እንኽእል ጥራይ እንተሓሰብና ክሰልጠና ይኽእል እዩ። ንሱ ድማ ጸላኢና ደድሕሬና እንዳኣርከበ ሰለዝሰዓበና፡ ኣብ ዘዘሎናዮ ስፍራ ኾይና ምቅላስ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ እዩ። ከምኡ ክንገብር እንከሎና ኸኣ መዐቀኒ ንጥፈትናን ተወፋይነትናን ሰለዝኸውን መንገዲ ቃልስና ክሕብረና ይኽእል። ምኽንያቱ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ወጻኢ ጨሪሽና ምስ ሰዓርናዮ፡ እቲ ውሽጣዊ ተቓዉሞ ሽዑ ንሽዑ ሓይሉ ክግንፍልን፡ እቲ ቃልስና ባዕሉ መሪሑ ንውሽጢ ሃገር ክኸተናን፡ ብሓደ ግዜ ክኸውን እዩ። ስለዚ ኣብዚ ንስዓሮ።

ለውጢ ብሓንቲ ኩርናዕ እያ እትጅምር። ባርዕ ሓዊ ብሓንቲ ቑልዒ። ኣበጋሲ ግና የድልያ። ኣሜሪካን ካናዳን ኣበገስቲ ንኹን። ደለይቲ ፍትሒ ተራኺብናን ተፋሊጥናን ኣሎና ስራሕ ክንጅምር ንሰማማዕ። እዚ መድረኽ እዚ ካብ ዝሓለፉ መድረኻት ቃልስና፡ እዚ ኮንፈረንስ እዚ ካብ ዝሓለፉ ኣኼባታትን ኮንፈረንሳትን ጉባኤታትን ዝፈልዮ ቁምነገር ከርኢ፡ ናብ ስራሕ ዘበግሶ ጥበብ ምስ ዝምህዝ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ፡ ኣብዚ ኮንፈረንስ እዚ ዝተኣከብና ደለይቲ ፍትሒ፡ ተጸበይቲ ለውጢ ዘይኮናስ ንጡፋት ተዋሳእትን ደረኽትን ፈጠርቲ ለውጥን ኮይና ክንቅጽል መድረኽ ይሓተና ኣሎ።

ነዚ ክዉን ክንገብር ከኣ፡ እዚ ኮንፈረንስ እዚ መላለይን መፈተንን ኮይኑ መሰረት ኣንጺፉልና ኣሎ። ሽማግለ ህዝባዊ ማዕበል ንድሕነት ሃገር ነዚ ንምድላው ተዓዊትኩም የዐዊትኩምና ኢኹም። እቲ ስራሕኩም ግና፡ ገና ኣይተወድአን። ኣብ ጎልጎል ትገድፉና ኣይብልን። እዚ ህዝባዊ ማዕበል ዝወለዶ ስሙር ቃልስን ሓባራዊ ስራሕን ክቕጽል ካብዚ ዘለዎ ደረጃ እውን ክምዕብል፡ ንኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ እንራኸበሉ ሩም ክትከፍቱልና እላቦ። ማዕረ 2000 ሽሙ ዘመዝገበ ደላይ ፍትሒ ኣብ ኢድኩም ኣሎ። ካብኡ ንላዕሊ ዝኾኑ ክመጹ ዘይከኣሉ ብጾት ከምዘለዉና እውን ንፈልጥ። ምርኻብ የድልየና ኣሎ። ምስ ተራኸብና እቲ ጥበብ ክምሃዝ፡ እቲ ፍታሕ ክመጸእ፡ እቲ ዝድለ ስራሕ ድማ ክፍጸም እዩ። ስለዚ ሽማግለ ህዝባዊ ማዕበል፡ ንጭቡጣት ግድላትና ጭቡጣት ፍትሓት ኣቕሪቡ ኣብ ግብራዊ ዕዮ ዝኸተና ሩም ክፈቱልና። ናብዛ ሃዋሁው እዚኣ ከተሳጋግሩና ከኣ ብትሕትና እምሕጸነኩም።

ወልደየሱስ ዓንደማርያም

ሳንፍራንሲስኮ በይ-ኤርያ

05.29.13.

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • habtom May 30, 2013

    I believe it was so good but to me it seems something is behind it. you guys stand for the country ingeneral and regionalism in particular.big problem for those people out of your awraja so there is no way you will hit your goal unless if you don’t flash your mind and change to hagerawnet instead of awrajenet, we are in 21 century guys. now you make it officially. it doesn’t take us to the right direction dear brothers. Unity is power…….> if i want work with i am sure you see me as a second class citizen. FIGHT FOR THE PEOPLE OF ERITREA AND COUNTRY.

    • Semhar May 31, 2013

      Who are our #1 enemies and who are our real friends?
      Our #1 enemies are the tyrant mad dog Isayas and his blind followers HGDEF,
      who took down our liberation flag and replaced it by their own flag.
      They took down our original historical provinces and replaced them by their own zobas.
      They dismantled Highi Indaba and replaced them by dictatorship.
      They took us to war against all our neighbors, Ethiopia, Yemen, Djibouti, Sudan etc.


      We must oppose this dictatorship and liberate our land and our people, just like we did against our colonizers.
      
1) Put down the tyrant Isayas’s flag and rise up our liberation flag! 

      
2) dismantle the dictator’s zobas and replace them by our original provinces!
      
3)
Liberate our land and our people! 

      4) Implement our constitution and Highi Indaba (the law of our land)! 

      5) We should never fight against our neighbor countries instead we should all unite and fight against the mad dog Isayas and his blind followers HIGDEF. 

      Death to the mad dog, the tyrant dictator and his followers! Together we will win!

  • ida May 30, 2013

    Keep up the good work. People are starting to get curious. We will win them all, one person at a time, one step at a time, one day at a time.

POST A COMMENT