Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝባዊ መጸዋዕታ ኣኼባ ኤርትራውያን ዋሽንግተን ዲሲ መሪላንድ ቪርጂንያን ከባቢኡን

ህዝባዊ መጸዋዕታ  ኣኼባ ኤርትራውያን ዋሽንግተን ዲሲ  መሪላንድ ቪርጂንያን ከባቢኡን ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ከፊሎም ሃገራዊ ነጻነቶምን ልዑላነቶምን ኣረጋጊጾም ከብቅዑ፣  ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ምልካዊ/ዲክታቶራዊ ስርዓት ተቖሪኖም፣ ኣብ ዘይናቶም ውግኣት ዳግም ክሃልቁን፣ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና

ህዝባዊ መጸዋዕታ 

ኣኼባ ኤርትራውያን

ዋሽንግተን ዲሲ  መሪላንድ ቪርጂንያን ከባቢኡን

ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ከፊሎም ሃገራዊ ነጻነቶምን ልዑላነቶምን ኣረጋጊጾም ከብቅዑ፣  ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ምልካዊ/ዲክታቶራዊ ስርዓት ተቖሪኖም፣ ኣብ ዘይናቶም ውግኣት ዳግም ክሃልቁን፣ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ከግልግሉን፣ ካብ ጨካን ማእሰርትን ባርነትን ክላቐቑ ናብ ስደት ከምርሑን ተገዲዶም። ሃገርና ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያት ሂወት  ተረሚሳ።

ድሕሪ 20 ዓመት ኣይሰላም ኣይውግእ፣ ኣብ ኢትዮጲያ  ብዝተኸስተ ለውጢ፣ ናብ  ሓድሽ ዘይፍሉጥ መድረኽ ትኣቱ’ላ።  እቲ ዝጸንሐ ኣይውግእ ኣይሰላም ናብ ምሉእ ሰላም ክሰጋገር ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ድሌት እኳ እንተኾነ፣  እቲ ብኢደ ወነኑ ንመላእ ሃገር ዝረመሰን ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ዝቐየረን ውልቀምልካዊ/ዲክታቶራዊ ስርዓት፣ ነቲ ኣብ ኢትዮጲያ ተፈጢሩ ዘሎ ለውጢ ብምምዝማዝ፣ ብኢደ-ወነኑ፣ ብዘይ ዝኾነ ትካላዊ ኤርትራዊ ወኸሳን ውሳኔን፣ ኣብ ዓበይቲ ነዊሕ ስምብራት ዘለዎም ምስጢራዊ ውዑላትን ስምምዓትን ይእቱን ይትግብርን ኣሎ።

ኣብዚ ንነጻነትን ልዑላውነትን ኤርትራን ዝፈታተን፣ ነቲ ሓርነቱን ሰላሙን ተንፊጉ ዘሎ ህዝብና ድማ ዳግም ናብ ስደትን ብርሰትን ዘሳጥሕ ህሞት፣ ኩሎም ደለይቲ ሓርነትን ፍትሕን ዜጋታት ኤርትራ፣ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፣ ንሃገሩን ክብሩን ነጻነቱን ክልዓል ዝጽውዕን፣ ንኹሉ ጸጋታቱ ኣስሚሩ ነዚ ፈታኒ መድረኽ ንኽገጥም ዝካየድ ህዝባዊ ናይ ዘተን ልዝብን ሰፊሕ ኣኼባ ተዳልዩ ኣሎ። ኣብዚ ኣኼባዚ ብክኢላታትን ምኩራትን  ዝቖመ ፓነል ኣብ እዞም ዝስዕቡ ፦

  1. ህልው ኩነታት ኤርትራን፣ ሓድሽ ውዑላት ኤርትራን ኢትዮጲያን፣
  2. ናይ እዚ ሓድሽ መድረኽ ብድሆታትን ዕድላትን ስግኣታትን፣
  3. ሓድነት ብምርግጋጽ ልዑላውነት ኤርትራ ንምዕቃብን፣ ፍትሕን ሓርነትን ህዝባ ንምርጋጋጽን ብጭቡጥ  እንታይ ንግበር?   ዝብሉ ኣርእስታት

ሰፊሕ መብርሂታት ብምቕራብ ምስ ተሳትፍቲ ኣኼባ ንጡፍ ምርድዳእን  ልዝብን  ክካየድ እዩ።  ንኤርትራን ህዝባን ኣጓኒፎም ዘለው ብድሆታት ንምግጣምን፣ ስግኣታትን ሓደጋታትን ንምውጋድን፣ ነቶም ዘለው  ዕዳላት ንረብሓ ሃገርና ህዝብናን ንምቕያር ኣብ ዝካየድ ልዝብ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም።

ዕለት፦ 8 ታሕሳስ 2018   ካብ  ሰዓት 2  –  7 ድ.ቀ

ቦታ፦  Bisdorf Bldg Room AA196, 5000 Dawe Ave, Alexandria, VA 22311

ኣሰናዳኢት ኣካልን

ቦርድ  ማ/ሰብ ኤርትራውያን ዋሽ. ዲሲ፣ መሪላንድ፣ ቪርጂንያን ከባቢኡን

Direction: From the South, Capital Beltway; Take I-395 North to Exit 4 (Seminary Road West) or Exit 5 (see Directions Below); Go west on Seminary Road for five traffic lights; Turn right on Dawes Avenue

From the North, Arlington and D.C; take I-395 South to Exit 5 (King Street West) or Exit 4 (see directions above); turn left on Dawes Avenue and continue in to the college. Park on B Lot only.

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT