Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝቢ ኤርትራ ጽንዓት ይሃብካ

ህዝቢ ኤርትራ ጽንዓት ይሃብካ ኣብ ዕድመና ኣብ ዓለም  ብዙሕ መቕዘፍቲታት ሪኢና ።ገለ ካብዚ መቕዘፍቲታት ካብ ተፈጥራዊ ኩነታት ዝተላዕለ ግን ከኣ ብዙሕ ሂወት ዝወሰደ ኢዩ። ንእባነት ከም ምንቅጥቃጥ መሬት፤ እሳተ-ጐመራ፤ ኣወሎ-ንፋስ ዝኣመሰሉ ተፈትሮ ዝፈጠሮም ጸረ-ህዝቢ ተረኽቦታት ኢዮም።

ህዝቢ ኤርትራ ጽንዓት ይሃብካ

ኣብ ዕድመና ኣብ ዓለም  ብዙሕ መቕዘፍቲታት ሪኢና ።ገለ ካብዚ መቕዘፍቲታት ካብ ተፈጥራዊ ኩነታት ዝተላዕለ ግን ከኣ ብዙሕ ሂወት ዝወሰደ ኢዩ። ንእባነት ከም ምንቅጥቃጥ መሬት፤ እሳተ-ጐመራ፤ ኣወሎ-ንፋስ ዝኣመሰሉ ተፈትሮ ዝፈጠሮም ጸረ-ህዝቢ ተረኽቦታት ኢዮም። ነዞም ሽግራት’ዚኣቶም መፍትሒ ብሓፈሽኡ  ጸሎት ኢዩ። ካብዚ ሓሊፉ ገለ ንፉዓት መንግሰታት ኣብ ቅደመ ኩነት ዝተመስረተ ምክልኻል ይገብሩ ኢዮም።

ሰብ ዝፈጠሮ ቀዝፈት’ከ? መንእሰያትና ኣብ ፎቖዶ ባሕርን ምድረበዳን ዝረግፉ ዘለው፡ ካብ ሰብ ዝፈጠሮ ሽግራት ንምህዳም ኢዩ። ካብ ጋህነም-እሳት ስርዓት ህግደፍ ንምህዳም ኢዩ። ካብቲ ሕሱም ጭቆና ንምህዳም ኢዩ። ካሊእ ምስጢራዊ  ትርጉም የብሉን። ማይ የለ፡ መበራህቲ የለ፡ ትምህርቲ የለ። ካብ ጥሜትን ማእሰርትን ንምህዳም ክብሉ ኢዮም ኣብ ሓደጋ ዝወድቁ ዘለው። ሎሚ ኣብ ዓሎም ኤርትራዊ ዘይኣተዋ ሃገር የላን ክበሃል ይከኣል። ኤርትራዊ ሂወት’ውን ሕስርቲ ኰይና። መንእሰያትና ኣብ ፎቖዶ ባሕርታትን ምድረበ-በዳታትን ይወድቁ ኣለው ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ዓለም ቅድሚ ሕጂ ተገይሩ ዘይፈልጥ፡ ውሽጣዊ ኣካላቶም ይሽየጥ ኣሎ። ደቀነስትዮ ኣሕዋትና ብበደዊን ኣዕራብ ይዕመጻ ኣለዋ። ኰታ ብሓጺሩ ኣብ ልዕሊ ወድሰብ ኣብ ዓለም ዘይተራኤ ውርደት፡ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ይረኽቦሎ። ኣብ ወጻኢ ዝቕዘፍ ዘሎ ሕብረተ-ሰብ ማለት ዓለም ዝሪኦ ዘሎ ገዲፍና ኣብ ውሽጢ ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ዝመውት ዘሎ ዘጋ ብዙሕ ኢዩ።

ዋእ! ኣቱም ሰባት ሎምስ እንብለውን’ኮ ጠፊኡና። ቀደም ኣቦታትና “ብዘበነ ገበል ዝሃበካ ተቐበል”ይብበሃል ነይሩ ይብሉና። እሞ ሎሚ’ኸ “ብዘበነ ኢሳያስ ዝሃበና ስቕ ኢልና ክንቅበል” ማለት ድዩ? መፍትሒኡ’ኸ እንታይ ኢዩ? ስርዓት ህግደፍ ከም ስርዓት መጠን ብሰብ ዝተሰርሐ ስርዓት ኢዩ። ብሰብ ኢዩ ከኣ ዝልወጥ። መፍትሒኡ ድማ ሓንትን እንኮን ቃልሲ ኢያ። ስርዓት ህግደፍ ካብ ስሩ ሚሒኻ ኣብ ክንድኡ ሓደ ዲሞክራስያውን ፍትሓውን ስርዓት ምትካል ጥራይ ኢዩ። ኣቱም ደግፍቲ ስርዓት ህግደፍ ኣይፋልኩም ኣይትታዓሸው፡ እዚ ስርዓተ’ዚ ንዓኻትኩም’ውን ይበልዓኩም ኢዩ ዘሎ። ኣይጠቕመኩምን፡ ናብ መንገዲ ህዝቢ ተመለሱ። ኣቱም ተቓወምቲ’ውን(ምሳይ ወሲካ) ከይወዓልኩም ከይሓደርኩም ዝጠፍእ ዘሎ ህዝቢ ከተድሕኑ ብሓደ ዓላማ ተጠርኒፍኩም ተቓለሱ።ተዘይኮነ ኣብ ፈቖዶኡ ዝቕዘፍ ዘሎ ህዝብና ብብኽያትን ሓዘንን ጥራይ ከነድሕኖ ኣይንኽእልን። ጽባሕ ንጎሆ እቲ ገበነኛጠራይ ዘይኮነስ ንሕናውን  ታሪኽ ክሓተና ኢዩ።ስርዓት ኢሳያስ ብዛዕባ ህዝቦም ሓልዮት ዘይብሎም መሃይም ጀነራላትን ኮረነላትን ሒዙ ኢዩ ህዝባና ዘወድኦ ዘሎ።

ኣብ መጨረሻ ክበሎ ዝደሊ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ወለዲ ጽንዓት የሃብኩም

ኣድሓኖም ፍትዊ

09-10-2013

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Pleroma Righteousness October 11, 2013

    THank You Adhin! Ab Wushti Hager Zelo Gulu Ziega Wushtawi Hrkanu Nedrun Kdurguh Ta’ankiru Eyu Zelo: Eta Nay Mejemerta Nai Teqawmo Gbrawit Sugumtti Bmen Kemtjmir AbWushtti Hager Tettemamet Eya Zela! Bflai Dma Ab Le’elli Serawitn Temaharon (High School)Btewesakhi Ab Kenddi Ketama Asmera Keren Mendeferan Dma Abi Frhat Allo! Bzkhone Hadde Neger Nzekir : AB TUNISIA LEWTTI NKHMETZ’E NAY HADE MEN’ESSEY SUGUMTTI EYA AKHILLA!

    Ab meweda’etta Ab Diaspora Zelekhum Ertrawyan Bejakhum Teberaberu! Kal’e Ytref Hadde Embassi Nay Sha’ebya (PFDJ) hAWI atruku’ulun …… Kal’e Ytref Nab Dgssat Guailla HGDEF(PFDJ) Iytkhidu! BEJAKHUM BEJAKHUM !

POST A COMMENT