Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝቢ ኤርትራ: ናይ ስርዓት ለውጢ ደኣምበር ናይ ምስሌነታት ለውጢ ኣይኮነን ዘደልዮ ዘሎ – 2ይ ክፋል

ዝሓለፈ ሰኑይ፣ ኣብቲ “ህዝቢ ኤርትራ ናይ ስርዓት ለውጢ እምበር ናይ ምስሌነታት ለውጢ ኣይኮነን ዘደልዮ ዘሎ” ብዝብል ኣርእስቲ ዘቕረብናዮ ናይ መእተዊ ትሕዝቶ 1ይ ክፋል፣ መሰረትን ተሳታፍነትን ህዝቢ ዘለዎ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ጎሲኻ፡ ኣብቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ባህግን

ዝሓለፈ ሰኑይ፣ ኣብቲ “ህዝቢ ኤርትራ ናይ ስርዓት ለውጢ እምበር ናይ ምስሌነታት ለውጢ ኣይኮነን ዘደልዮ ዘሎ” ብዝብል ኣርእስቲ ዘቕረብናዮ ናይ መእተዊ ትሕዝቶ 1ይ ክፋል፣ መሰረትን ተሳታፍነትን ህዝቢ ዘለዎ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ጎሲኻ፡ ኣብቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ባህግን ተስፋን ህዝቢ ኤርትራ ንቅዋማዊ ሕጋዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዝጠለሙ፣ ኣብ ወጻኢ ድማ ንመስርሕ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ጅሆ ሒዞም ዘማህመኑዎ መራሕቲ ተቓውሞ ዘተኵር ፈተነ ፋይዳ ከምዘይብሉ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ዘርብሕ ውሕስነት ዘለዎ ለውጢ ክረጋግጽ ከምዘይክእል ብምእንፋት፣ ንዝሓለፈ ተመክሮ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓትን ተቓወምቲ ውድባትን ብምድህሳስ፣ እንታይ ኣማራጺ ከምዘሎ ክንምልከት ምዃና ኣሚትና ኔርና። እንሆ እቲ መቐጸልታ።

ኣብ`ቲ ከም መእተዊ ዘቕረብናዮ ኣርእስቲ፣ ሃገርና ኤርትራ ናብ ዓዘቕቲ ውልቀምልካዊ ስርዓት ዝወደቐትሉ ቀንዲ ምኽንያት ካብ እዋን ቃልሲ ኣትሒዝካ ክሳብ ሕጂ፡ ህዝቢ ሰዓቢ እምበር ዋና፡ ተግባሪ እምበር ወሳኒ ስለዘይነበረ ምዃኑ ስለዝጠቐስና፣ ነቲ ናይ ርሑቕ ትማሊ ኣወንዚፍና፡ ናብዚ ናይ ቀረባ ትማሊ፣ ብፍላይ ናብ ተመክሮ ደምበ ተቓውሞ ከነተኵር።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዕጥቃዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ህይወት ልዕሊ 65 ሽሕ ጀጋኑ ደቂ ማህጸኑ ዝኸፈለ፡ መሬቱ ካብ መግዛእቲ ናጻ ንምውጻእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ማዕሪኡ ህዝባዊ ስልጣን ጨቢጡ ሓራ ህዝቢ ንክኸውን እዩ። ይኹን`ምበር ነቲ ቅዋማዊ ሕጋዊ መንግስቲ ብምትካል ክረጋገጽ ዝነበሮ ናይ ሓርነትን ስልጣን ምርካብን ዕድል ንምቚጻይ፣ በቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ካልእ ኲናት ተኣዊጁ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ቁስሉ ከይሓወየ ድርብ ዋጋ ክኸፍል ተገዲዱ። እቲ ሓርነት ክጓናጸፍ ዝተሰውአ ህዝቢ፡ ሓርነቱ ከጥፍእ `ውን ዳግመ መስዋእቲ ተሓቲቱ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቲ ካልኣይ ኲናት፡ ትግባረ ቅዋማዊ መንግስቲ ንምፍሻል፡ ንህዝቢ ባርያ ውልቀምልኪ ንምግባር፣ ብስም `ወራር ወያነ` ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተኣወጀ ናይ ዕንወትን ብርሰትን ውግእ እዩ ክብሃል ይከኣል።

እዚ ጠንቂ ዕንወት ሃገርን ምብትታን ህዝብን፡ በንጻሩ፣ ዕርዲ ውልቀምልካዊ ስርዓት ዝኾነ ናይ ዕንደራ ኲናት ዝሰዓበሉ ቀንዲ ምኽንያት፣ ህዝቢ ጉዳያቱ ናይ ምውሳን ስልጣን ስለዘይነበሮ እዩ። ኣብ 1998፣ ህዝቢ ኤርትራ ብድምጹ ዝወከሎ ናይ ብሓቂ ህዝባዊ ባይቶ እንተዝነበሮ፡ ኢሳይያስ ብኢደ-ወነኑ ኲናት ክኣጒድ፣ ኣይምደፈረን፣ ኣይምኸኣለን፡ ዋላ እንተጻሕተሮ `ውን ቃልቃል ኣቢሉ ክቕጽሎ ዕድል ኣይምተዋህቦን። ብሓጺሩ፣ ህዝባዊ ስርዓት እንተዝነበሮ ኣብ ትርጉም ዘይብሉ ኵናት ኣይምኣተወን። ኣብ ኵናት እንትዘይኣቱ ድማ ትግባረ ቅዋማዊ ስርዓት ኣይምበኾሮን። እዞም ክልተ ተርእዮታት መጣፍእን መማጽእትን እዮም። እምብኣርከስ፣ ሓደ ካብ ቀንዲ ጠንቅታት ውድቀት ኤርትራ፣ ህዝቢ ስልጣን ዘይምጭባጡ እዩ። ስለዚ ከኣ’ያ ኣሰና ካብ ዝተፈጥረትሉ ዕለት ኣትሒዛ፣ ማዕረ ማዕረ’ቲ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ንምጥጣዕ ዝተተሓሓዘቶ ጋዜጣዊ ዕላማ፣ ነዚ “ስልጣን ናይ ህዝቢ ክኸውን ኣለዎ” ዝብል ፖለቲካዊ መትከል ኣጽኒዓ ሒዛቶ እትርከብ። ብህዝቢ ዝውነን ስልጣን፣ ካብ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ኣይፈርሕን እዩ። ውልቀመላኺ ስርዓት ግን ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ኣብ ዘለዎ ሕረተሰብ ክሰርር ስለዘይክእል ንመስል ምግላጽ ሓሳባት ክጻብኦ ግድን ይኸውን።

ቀንዲ ጠንቂ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኤርትራ ህዝባዊ ስልጣን ዘይምህላዉ ካብ ኮነ፣ እቲ ከም ኣማራጺ መድረኽ ኣብ ናይሮቢ ዘሳሰዩሉ ደምበ ተቓውሞ ኸ ነዚ ኣብ ኤርትራ ቦዅሩ ዘሎ ህዝባዊ ስልጣን ከውሕስ ይኽእል ዶ፣ ዝብል ሕቶ ክምልሽ ዝግብኦ እዋናዊ ጉዳይ እዩ።

ኣብ ደምበ ተቓውሞ “ስልጣን ናብ ህዝቢ ምርካብ” ዝብል ኣምር መውጽኢ ኣፍ ‘ኳ እንተኾነ፣ ኣብ ግብሪ ክርአ ኸሎ ግን፣ ዘተኣማምን ውሕስነት የለን። እቶም ኣብ ባይታ ተቓውሞ ዝረኣዩ ጭቡጣት ፍጻሜታት ከምዝምስክሩዎ፡ እቲ ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሙዎ ጥልመት ካልኣይ ግዜ ክድገም ከምዝኽእል እዮም ዝእምቱ።

እዞም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ይኹኑ እቶም ካብ ርሑቕ ክሳብ ቀረባ እዋን ምስ’ቲ ስርዓት ዝጸንሑ ኣባላት መድረኽ፣ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ንእስነቶምን መጻኢ ዕድሎምን ዝሰውኡ ነባራት ተጋደልቲ ከም ምዃኖም መጠን፣ ነቲ ዘየሻሙ ሃገራዊ ኣበርክቶኦም ብሓፈሻ ካብ ምምጓስ ሓሊፍና፣ ዝቐደመ ጌጋታቶም ምጽብጻብ ቀዳማይ ዕላማ ናይዚ ዓንቀጽ’ዚ ኣይኮነን።

በቲ ንናጽነት ኤርትራ ዝገበሩዎ ኣበርክቶ ክምጎሱ ጥራይ ዘይኮነ ክብረት ዘለዎ ንቡር ህይወት ንኽመርሑ ሕብረተሰብ ኤርትራ ናይ ምጥዋሮም ሓላፍነት ከምዘለዎ ‘ውን ክዝንጋዕ ኣይግባእን። ካብኡ ሓሊፉ ግን፣ ግድምናኦም ካሕሳ ኣገልግሎቶም ኮይኑ ስልጣን ከም ሓለፋ ክወሃቦም የብሉን። ተመክሮ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ከምዘረጋገጾ፣ ሓደ ካብ ረቛሕቲ ፍሽለት ሃገርና ከምዚ ዝኣመሰለ ግጉይ ኣረኣእያ እዩ። ሃገር ህዝቢ ብዝወከሎም ብቕዓትን ተወፋይነት ንህዝባዊ ኣገልግሎትን ዘለዎም ሰብ ሞያን ልባማትን ብግቡእ እንተተመሓዲራ ‘ያ ብገስጋሳ ንዓኣቶም ክብረትን ሕልናዊ ዕግበትን እትመልሰሎም። እታ ሃገር ‘ውን ንህዝባ ኮይና ከም ደቂ ሰብን ከም ሓርበኛታትን ነገራዊ ድሌታቶም ብቐሊሉ ከተማልኣሎምን ክትጥውሮምን ትኽእል።

ኣብዚ ደሞክራስያዊ ለውጥን ምስግጋርን፣ ከምኡ ‘ውን ፖለቲካዊ መጻኢ ናይቲ ብጥልመትን ክሕደትን ውልቀመለኽቲ ዝሰክሐ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ደግሲ ናይዚ እንርእዮ ዘለና ኣዕናዊ ተመክሮ ሓራ ዝኾነሉ ኣማራጺ እንእምተሉ ግዜ እምብኣር፣ ነቲ ኩነታት ብጭቡጥ ንምርዳእ ሓገዝ ዘለዎም ዘይስገሩ ጉዳያት ምስ ዝህልዉ ንመብርሂ ዝኣከል ኣብነታት ክንጠቅስ ክንግደድ ኢና። ኪኖኡ ግን፣ ኩልና ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ፣ ገበን ዝፈጸመ እንተልዩ ኣብ ቅድሚ ሕግን ህዝብን ክንሕተት ቅሩብ ክንከውን ኣለዎ።

እቲ መጎተ ንጹር ንክኸውን ምእንቲ፣ እዞም ኣብ ገድሊ ዝነበርና ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ይኹን ጀብሃ ዝለመድናዮ ኣወዳድባ፣ ነቲ ናይ ሓርነታዊ ብረታዊ ቃልሲ ውድባዊ ቅርጺ ዝመሳሰል፣ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ (Top Down ) ዝዓይነቱ ኣሰራርዓ ስለዝኾነ፣ ሓቀኛ ህዝባዊ ተሳታፍነት ኣብ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ዘፍቅድ ኣይኮነን። ኣብዚ ሕቶ ናጽነት ሃገር ድሮ መዕለቢ ረኺቡ፣ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ከነንግስ እንከራኸረሉ ዘለና እዋን፣ ካብ ሓፋሽ ህዝቢ (Grassroots) ካብ ታሕቲ ተበጊሱ ናብ ላዕሊ ዝድይብ፣ (Bottom Up) ዝዓይነቱ ኣገባብ እዩ ሓቀኛ ዲሞክራስያዊ ተሳታፍነት ህዝቢ ከረጋግጽ ዝኽእል፣ ኣብ ሃገርና ንኻልኣይ ግዜ ምልካዊ ስርዓት ከይሰፍን ‘ውን ውሕስነት ዝህብ ዝብል እዩ መርገጺና። እዚ ምርጫ’ዚ ምስቲ ምርካብ ስልጣን ናብ ህዝቢ ዝብል ከም መሰረታዊ መትከል ካብ ፈለማ ዘልዓልናዮ ዕላማ ዝጠዓዓም ስለዝኾነ ድማ ኢና ንጸቕጠሉ ዘለና።

በንጻሩ እቲ ተቓወምቲ ውድባት ዘለዎም ኣውዳድባ፣ ሕጂ ድማ መድረኽ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ኣኪቦም ከም መሰጋገሪ ክኸውን ዝጠፋጥፍዎ ዘለዉ ውደባ ካብቲ ስርዓት ኢሳይያስ ስልጣን ዝገበተሉ ኣወዳድባ ዝፍለ ኣይኮነን። ጸገም ናይቲ ህሉው ውድባዊ ኣሰራርዓን ብልጫ ናይቲ ህዝባዊ ኣወዳድባን ብቐሊሉ መታን ክረኣየና እምበኣር፣ በቲ ዝጸንሐ ደምበ ተቓውሞ፣ ቀጺልና ድማ ናብ መድረኽ ሰጊርና ጭቡጥ ተመክሮና ክንግምግም።

  1. መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት

ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ጽሑፍና ዝጠቐስናዮ፣ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ሎሚ ንፈለማ ግዜ ብመድረኽ ኣይኮናን ተራኺበን። ኣብ ሱዳን ከለዋ፣ ሓያለ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ተኣኻኺበን ምሕዝነት ዝብል ጽላል መስሪተን እየን። እቲ ምትእኽኻብ ‘ቲ ስለዘይሰርሐ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብኻልእ ኪዳን ዝብሃል ጽላል ተተኪአናኦ። እዚ ‘ውን ፍረ ኣይተረኽቦን ጥራይ ዘይኮነ፣ ገለ ውድባት ‘ውን ካብኡ ተፈንጪለን። ኪዳን ንርእሱ ፋይዳ ስለዘይተረኽቦ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣዋሳ፣ ኣብ 2011 ኣባላት ኪዳን ዝነበራን ዘይነበራን ብዙሓት ውድባት ከምኡ ‘ውን ህዝባዊ ማሕበራት ዝተሳተፉዎ ጉባኤ ተኻይዱ፣ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝብሃል ባይቶ ቆይሙ። እዚ ‘ውን ኣሽንባይ ዶ ክሰርሕን ከፍርን ከም ባይቶ ጸኒዑ ደው ክብል ኳ ኣይከኣለን። እቲ ዝተወሰነሉ ናይ ክልተ ዓመት ዕድመ ብዓመት ሓሊፉ ክንሱ ‘ውን ካልኣይ ጉባኤ ኣየካየደን። እቶም ሽዑ ዝተመርጹ ኣቦ ወንበር ባይቶን ምኽትሉን ካላኦት ሓለፍትን ከኣ፣ ጉባኤ ከይተገብረ ‘’ተወጊዞም ዲዮም ዋላ ‘ስልጣን ለቒቖም’ ብኻልኦት ግዝያውያን ሓለፍቲ ተተኪኦም ኣለዉ።

እቲ ዝገርም፣ ምሕዝነት፣ ኪዳን፣ ባይቶ ዝብሃሉ ዝተፈላለዩ ጽላላት በብግዚኡ ክድኮኑ ከለዉ እተን ውድባት ኣይሓቃን እየን። ኩለን ኩድም ኩድም ኢለን ጎጆ ኮይነን ‘’የን ዝቕጽላ ዘለዋ። ድሕሪ ናጽነት ጥራይ 24 ዓመታት ሓሊፉ ኳ እንተሎ፣ ናብ ፍጹም ስምረት በጺሐን ብምውህሃድ ሓደ ምንቅስቓስ ከምዕብላ ኣይከኣላን። ንኣብነት፣ ኣብዚ ባይቶ ዝቖመሉ እዋን፣ እቲ ውድባት ዝሓቖፈ ኪዳን ከም ሓደ ጽላል፣ እቲ ንኪዳንን ካልኦት ውድባትን ዘጠቓልል ባይቶ ድማ ካልእ ጽላል ኣለዎ። ኪዳን ድርብ ህላወ ኣለዎ ማለት ‘ዩ። ወይ ከኣ እቲ ስግንጢርነት ብቐሊሉ መታን ክረኣየኩም፣ ሓደ ሰብ ክልተ ጽላል ገቲሩ ከምዘሎ ጌርኩም ተመልከቱዎ። እቲ ድርብ ህላወ ኣብ መወዳእታ ንባይቶ ኣልሚሱዎ፣ እቲ ኪዳን ንገዛእ ርእሱ ‘ውን ክስጉም ኣይከኣለን።

ነቶም ምሕዝነት፣ ኪዳን፣ ደሓር ከኣ ባይቶ ዝብሃሉ ብዙሓት ውድባት ዝሓቖፉ ጽላላት ደምበ ተቓወሞ ፍረ ኣልቦ ዝገበሮም ቀንዲ ምኽንያት ህዝቢ ከዕስሉ ዘይምኽኣሎም እዩ። ንህግደፍ ብዛዕባ ምውዳቖምን ዘይምውዳቖምን ‘ውን ኣይኮነን፣ እቲ ፍሽለት ዝብሃል ዘሎ። ኣብኡ ክበጽሑ ቅድም ህዝቢ ክሓቝፉን ከለዓዕሉን ነይሩዎም። ህዝቢ ክሓቝፉ ዘይከኣሉሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ፣ ኣድህቦኦም ናይ ስልጣን ቁርቍስን ምትዕብላልን ስለዝኾነ እዩ።

እተን ውድባት፣ እንተስ ብሃይማኖት፣ ብብሄር፣ ወይ ድማ ብናይ ጀብሃ ድሒሩ ድማ ናይ ሻዕብያ ፖለቲካዊ ድሕረ ባይታ ዝተጸልወ፣ ነናተን መንነት ስለዘለወን ሕድሕድ ምትእምማን የብለንን። ነፍሲ ወከፍ ውድብ ዕብለላኣን ውድባዊ ረብሓን ከተረጋግጽ እያ እትቆራቜስ። ኩሉ ግዜ፣ እቲ ስምረት ዝብል ጥዑም ኣምር፣ ናይ ህዝቢ ኣቓልቦ ንምስሓብ ተባሂሉ ዝጥቀስ ስማዊ ምትእኽኻብ ደኣምበር ሓቀኛ ስምረት ኣይኮነን። ቁጽሪ ኣባላትካ ብዘየገድስ፣ ኣብቲ ገዘፍቲ ኣስማት ነኺስካ፣ በዚ ዝተጠቕሰ ምትእምማን ዘይብሉ ናይ ምትሕልላው ህላወ ትልኽ እናበልካ፣ እንተ ብእዝጊሄር እንተ ባዕሉ ህግደፍ ምስ ወደቐ ከከም ዘዋህለልካዮ ዕብለላ፣ ስልጣን ንምምንጣል ምጽንታው እዩ እቲ ቀንዲ ኣቓልቦአን ገዚኡ ዘሎ ጉዳይ።

እቲ ብሕዳር 2011 ኣብ ኣዋሳ፣ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ‘ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ’ ተባሂሉ ዝተጸውዐ ዋዕላ፣ ጭቡጥ ኣብነት ናይዚ ቍርቍስ ስልጣንን ምትዕብላልን እዩ። እቲ ናይ ስልጣን ውድድር ገና እቲ ጉባኤ ከይፈለመ ብኣግኡ እዩ ጀሚሩ።

ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኣባላት ውድባት ኣብቲ ናይ ህዝቢ ወይ ህዝባዊ ማሕበራት ዝብሃል ኮታ ውክልና ምጭራቶም ከይኣክል፣ ኣሰናዳኢ ጉባኤ ዝነበረ ኮምሽን ኣብቲ ዝቐውም ባይቶ 60 ሚእታዊት ውክልና ህዝቢ፡ 40 ሚእታዊት ውክልና ውድባት ክብል ዘቐመጦ ውዕል፡ በቶም ገሊኦም ከም ህዝቢ ገሊኦም ድማ ከም ውድባት ተወኪሎም ነቲ ኣኼባ ዝዓብለሉዎ ውድባት፡ 60 ካብ ሚእቲ ወናብር ንዓኣቶም ከምዝግባእ፡ 40 ሚእታዊት ድማ ንህዝቢ ኢሎም ነቲ ኣዋጅ ገምጢሎም ስለዝሓንገዱ እቲ ጉባኤ ኣብ ምስሕሓብ ኣትዩ።

ከምቲ ወትሩ ኤርትራውያን እንብሎ፡ “ኣንታ ህግደፍ ከይሰምዓና ካብ ንፈሽል `ሲ ገለ ሒዝና ንውጻእ” ተባሂሉ፣ ሓምሳን ገለን ንውድባት፣ ኣርብዓን ገለን ንህዝቢ ተባሂሉ ብኽንደይ ውረድ ደይብ ምቅሊት ወናብር ንውድባትን ህዝብን ምስ ተሸነነ ‘ውን እቲ ጸገም ኣይተወደአን። ኣብ መንጎ እተን ውድባት ንገዛእ ርእሰን ብወናብር ካልእ ክርከር ተላዒሉ። እቲ ጉባኤ ተወዲኡ ህዝቢ ተፋንዩ ኸሎ፡ ገና ውድባት ብወናብር ምውጣጥ ቀጺለን። ኣጋጣሚ ኮይኑ እቲ ወናብር ደኣ ናይ ብሓቂ እግሪ ዘይነበሮ ኮይኑ ‘ምበር ክንደይ ወናብር ኣእጋሩ ተመንጢሉ ኣብ ኣጻብዕቲ ‘ተን ውድባት ምተራእየ ነይሩ። እዞም እግሪ ኣብ ዘይብሉ፡ ድኳ ዲዩ ኩርሲ ዘየፍለጠ ስልጣን ዘይነበሮ ወንበር፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንደቡብ ኣብ ዝርከብ ርሑቕ ከተማ ክንድ`ዚ ዝተጨቓጨቑ፡ ነቲ ዝርካቡ ናይ ህዝብን ማሕበራትን ብርኪ ዝመንዝዑ መራሕቲ ደኣ ‘ሞ፡ ነቲ ናይ ብሓቂ ወንበር ምስ ረኸቡዎ ንህዝቢ ዘረክቡዎ ዶ ይመስለኩም?

ምናልባት ምድንጋር ከይፈጥረልኩም ውድባት ክንብል ከለና እቲ ናይ ቀደም ህዝባዊ ግንባር ወይ ተጋድሎ ሓርነት ከይዝከረኩም። ገሊኦም “ውድባት” ኢና ዝብሉ ኣብቲ ጉባኤ 3-4 ሰብ ዘሳተፉ እንተደኣ ነይሮም፣ እቲ ውድብ ብምሉኡ ኣብቲ ጉባኤ ተሳቲፉ ነይሩ ማለት እዩ።

እቲ ግብራዊ መስርሕ ደሓር ዘረጋግጾ ነገር እንተሃልዩ፣ ኣብቲ ናይ ኣዋሳ ጉባኤ ህዝቢ ብሓቂ ተሳቲፉ ኣካል ናይቲ ምንቅስቓስ ንክኸውን ዘይኮነስ፣ ሓፋሽ ውድባቶም ኮይኑ መልክዕ ንኽህቦም፣ “ህዝቢ ተሳቲፉዎ ነይሩ” ተባሂሉ ቁሩብ ሕጋውነት (Legitmacy) ንክረክብ ‘ሞ ናይ ህዝቢ ደገፍ ንምምእራር ዝገበሩዎ እዩ። ደሓር ቅድድም ወንበር ምስተጀመረ ግን ነቲ ናይ ፕሮፖጋንዳ ኣጀንዳ ‘ውን ዝዝከሮ ኣይነበረን። እዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ እዋኑ ‘ውን ብዝርዝር ትዕዝብትና ኣቀሚጥናሉ ዝነበርና እዩ።

ኣብዚ ሓደ ክርሳዕ ዘይብሉ ጉዳይ፣ ህዝቢ ዘየዕሰላሉ ምኽንያት፡ ኣብ ውድድር ስልጣን ዘድህባ ምዃነን ጥራይ ኣይኮነን። ወይ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ሶሊኸን ናይ ለውጢ ፈተነታት ዘይምግባረን ጥራይ ‘ውን ኣይኮነን። ዋላ ኣብቲ ሰፊረናሉ ዘለዋ ሃገራት ወጻኢ ባዕሉ ዝዕድመን ዕማማት እናሃለወ፣ ኣበርክቶአን ድኹም ምዃኑ እዩ።

ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምሕብሓብ፡ ነቶም ኣብ ሱዳን፡ ሲናይን ሰሃራን ግዳያት ጭውያን ህልቂትን ዝኾኑ ኣሽሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ምሕላይን ምድሓንን፡ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ጸቕጢ ንምፍጣር ዝገብሮ ዝተፈላለየ ሜላታት ኣብ ምፍሻልን ምእላዩን፣ ነቲ ስርዓት ብሓፈሻ ኣብ ምቅላዕ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓለም ኣቓልቦ ከምዝረክብ ኣብ ምግባር ኮነ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ምውዳብ፣ ካብተን ውድባት ንላዕሊ ዘድምዑ ሲቪካውያን ማሕበራትን፡ ግዱሳት ጉጅለታትን ውልቀሰባትን ደኣምበር መራሕቲ ውድባት ከምዘይኮኑ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። ነዚ ኣብ እግሮም ሕልኽልኽ እናበለ ዕየዩኒ ክብሎም ዝጸንሐ ዕማማት ወስ ዘይበሉዎ፣ ኣብቲ ህዝቢ ዝወደቦ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፍታት ‘ኳ መብዛሕትኦም ብኣካል ዘይርከቡ ሰባት ደኣ `ሞ ከመይ ኢሎም እዮም መሰጋገርቲ ህዝብን ሃገርን ክኾኑ ትጽቢት ዝግበረሎም? እዚ ኣብ ዕዮ ዳሕረዎት፣ ኣብ ዕድመ ቀዳሞት ምዃኖም ከኣ `ዩ ምስ ምስሌነታት ዘመሳስሎም።

ብኣጠቓላሊ፣ ምሕዝነት፡ ኪዳን፡ ደሓር ከኣ ባይቶ፡ ስምረት ወይ ሓባራዊ መኣዲ ቃልሲ ኣብ ምዕዋት ትማሊ ውጽኢት ዘይረኸበሉ፣ ሕጂ ‘ውን እዚ ብመድረኽ ይሳለጥ ኣሎ ዝብሃል መስርሕ ተስፋ ዘይህበሉ ምኽንያት እምብኣር፣ እቶም መራሕቲ ውድባት ይኹኑ መድረኽ፣ ጉጅለኣዊ ረብሓ (Group Interest) ስለዝቐድሙ እዩ። ሓድሽ ማጂክ ተረኺቡ እንተድኣ ኮይኑ ደኣ ንህዝቢ ይንገሩዎ እምበር፣ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝተመልከትናዩ፣ ብናይ ኤርትራውያን ዓቕሚ ስለዝተገብረ፣ ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ስለዝተኣከብና ዝብሉዎ ዘረባስ እቲ ኣጋጣሚ ስሑው ከምዝነበረ እዩ ዘመልክት።

  1. መድረኽ

ናብቲ “ኣሳላጢ ስምረት ኮይነ ደኣ ይንቀሳቀስ ኣለኹ `ምበር ናይ ፖለቲካ ውድብ ኣይኮንኩን” ዝብል ዘሎ መድረኽ እንተተመለስና ‘ውን፣ ነቲ ህዝባዊ ግንባር ካብ ሜዳ ሒዙዎ ዝኣተወ፣ እቲ ስርዓት መሳርሒ ምልኪ ክኾኖ ኣብ ኤርትራ ከም ያታ ዓትዒቱ ሒዙዎ ዘሎ፣ ሕሉፍ ምስጢራውነትን ዘይግሉጽነትን፣ ናይ ምንጻልን ምውጋንን ዝንባለ፣ ዘይተጻዋርነትን ትዕቢትን ዝኣመሰሉ ኣሉታዊ ፖለቲካዊ ባህሊ ሓራ ከምዘይኮኑ ኢና እንርዳእ።

ብዛዕባ’ዚ ዘይበለየ ኣሉታዊ ፖለቲካዊ ባህሊ ‘ዚ፣ ንሰማዕቲ ድሕረ-ባይታ ክኸውን ምእንቲ ካብዚ መደብ’ዚ ኣቐዲምና፣ ነቲ ናይ ዳርጋ 2 ዓመታት መልእኽቲ ኣብ’ቲ ናይ ትማሊ ሰኑይ 14 ታሕሳስ መደብ ራድዮ ኣሰና “መድረኽ፡ ተኽ-ብተኽ ዶ ብሕሹኽሹኽ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝፈነናዮ መደብ ብዝርዝር ተገሊጹ ስለዘሎ ኣብዚ ብሰፊሑ ምድጋሙ ኣድላዪ ኣይኮነን።

ይኹን’ምበር፣ እዞም ምኩራትን ምሁራትን ኣባላት ህዝባዊ ግንባር፡ እቲ ኣብ ግዜ ዕጥቃዊ ሓርነታዊ ቃልስና ኣብ ውሽጢ ውድብ ካልእ ምስጢራዊ ሰልፊ ብምጽፋይ ኢሳይያስን ስዓብቱን ዝኾስኮሱዎ ዘይዲሞክራስያዊ ልምዲ ኣብ ሃገርና ምልካዊ ምሕደራ ኣብ ምንጋስ ንዝጸንሖም ተራ ካብ ማንም ንላዕሊ ዝፈልጡ ክንሶም፡ ኣብዚ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ የዘውትሩዎም ምህላዎም ገና ካብቲ ፖለቲካዊ ባህሊ`ቲ ሓራ ከምዘይወጽኡ ዘረጋግጽ ምዃኑ ክስመረሉ ዘለዎ ሓቂ እዩ።

ቅርጺ ጉጅሊኦም፡ ኣባላቶም፡ ምንጪ ምወላኦምን ርክባቶምን ንጹር ዘይምዃኑ ንገዛእ ርእሱ ነዚ ባህሊ ‘ዚ ከዕቍብ ተባሂሉ ዝተዋደደ እዩ። ከምቲ ኣብ ኣጋ ምጅማሮም ኣብ ብራስለስ ሕጂ ‘ውን ኣብ ናይሮቢ ዘካየዱዎም ምስጢራውያን ኣኼባታት ዝገበሩዎ፣ እቲ ከሰላስሉዎ ዝደልዩ ዕማም፣ ልክዕ ከምቲ ድሒሩ ሰብ ፈሊጡዎ ዘሎ ግሁድ ወድብ – ሕቡእ ሰልፊ፣ ክፉት ጉባኤ ውድብ – ምስጢራዊ ጉባኤ ኣባላት ሰልፊ፣ ናይ ሓሶት መራሕቲ – ናይ ብሓቂ መራሕቲ ተባሂሉ ዝኸይድ ዝነበረ ናይ ሜዳ ድርብ ፖለቲካዊ መስርሕ፣ እዚ ናይ መድረኽ ኣኼባታት ‘ውን ብኣጀንዳ ሕቡእን ክፉትን፣ ብተሳተፍቲ ተዓዘብትን ወሰንትን ተባሂሉ ዝርአ ክልተ ክንፍታት ዘለዎ እዩ። ኣኼባታት መድረኽ እምብኣር፡ ከምቲ ሕብእቲ ሰልፊ ህዝባዊ ግንባር እትገብሮ ዝነበረት ነቲ ብምስጢር ዝተወደአ ኣጀንዳታት መልክዕ ንምትሓዝ ዝካየድ እዩ።

ነቲ ኣብቶም ዝጸንሑ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ብኣብነት ዝረኣናዮ “ለውጢ ብዝመጸ ይምጻእ፣ ስልጣን ንዓና እዩ ዝግባእ፡ ሪጋና እዩ” ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ ኮነ፡ እቲ ካብ ህዝባዊ ግንባር ዝተወርሰ ግልጽናን ተሓታትነትን ዘይብሉ ፖለቲካዊ ባህልታት ተደሚሩ ዘምጽኦ ፋይዳ እምብኣር የልቦን። ኣብ ፖለቲካ፣ ከም ናይ ቁጽሪ ክልተ ኣሉታ ነንሕድሕዶም ኣራቢሕካ ኣውንታ ኣይርከብን እዩ።

እዚ ካብ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ናይተን ኣንጻር መግዛእቲ ዝቃለሳ ዝነበራ ዕጥቃዊ ውድባት ዝምንጩ ዘይምትእምማን ዝመለለይኡ፣ ዕብለላን ስልጣንን ዝቋመት ጽልዋታት እምብኣር ህዝባዊ ስልጣን ከውሕስ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ከረጋግጽ ኣይክእልን እዩ።

ህዝባዊ ድኽመታት

ካልእ ነዞም ናይ ሓርነታዊ ቃልሲ መራሕቲ ነበር፣ ዋላ ድሕሪ ርብዒ ዘበን ናጽነት ናብ ስልጣን ከቋምቱ ዘወናውኖም ጉዳይ፣ ህዝብና፣ ‘ኣርካናት’ እናበለ ዘይትክኡ ኣምሲሉ ብምግላጽ ብዘይክርክር ናይ ስልጣን ጉንዖ ክምጡዎም ዝደናደን ድኻም ዘዘውትር ምዃኑ እዩ። ሰብኡትን ኣስንትን ኤርትራ እቶም ኣብ ኣርብዓታትን ሓምሳታትን ዝተፈጥሩ፣ ኣብ ሱሳታትን ሰብዓታትን ዝተጋደሉ ጥራይ እዮም ዝብል መረዳእታ ካብ ኣእምሮና እንተዘየውጺእናዮ ሃገር ተዘሚታ ማለት እዩ። መተካእታን ቀጻልነትን ዘይብላ ሃገር ሃገር ክትብሃል ኣይትኽእልን እያ። ሓይሊ ምሕሳብ ኣእምሮ እናተጸንቀቐ ከምዝኸይድ፣ ብፍላይ እንተዘይተቒምካሉ ከኣ ከምዝድስክል ክንዝክር፣ ነፍሲ ወከፍ ወለዶ ደረት ግዜ ከምዘለዎ ክንግንዘቦ ይግባእ።

እዚ ኹሉ ኢሳይያስ ሰዓብቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሙዎ ክሕደት፡ ዓመጽን ዕንወትን ኣብ ግምት ብምእታው እንተኣስተንቲንካዮ፣ ርክብ ህዝቢ ኤርትራን ህዝባዊ ግንባርን ናይ ሓደ ዓማጽን ጨካንን ሰብኣይን ዝምድና ምስ ሓንቲ ዋላ እናተገፍዐትን እናተዓመጸትን ሓዳር ደልያ ናብ ሰብኣያ ነበር ነናሻዕ እትመላለስ ዘይትቐብጽ ፍትሕቲ ሰበይቲ እዩ ዝመስል። “ከምቲ ዝኣከብኩኺ ክፍንጥሓኪ እየ” ካብ ዝብላ ከም ኢሳይያስ ዝኣመሰለ ጨካን ሰብኣይ ሓዳር እትጽበ፡ ዘይትቐብጽ ሰበይቲ ግን፡ ህይወታ ዝቐበጸት ክትከውን ኣለዋ። ኢሳይያስ ካብቲ ዒደር መልሓሱ ሓሊፉ ተጻባኢ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ንምርኣይ ብኣፉ ዘይበሎ ብኢዱ ዘይገበሮ እንታይ ኣሎ? እቲ ትብዓቱን ቆራጽነቱን ዝውረየሉ ዝነበረ ህዝቢ ብሰንኪ ኢሳይያስ ክልተ ሻዕ ተራእዩ፣ እንተኾነ ካልእ መንገዲ ክርኢ ኣይከኣለን። ዋላ እንተጸልኦ ከምታ ፍትሕቲ ሰበይቲ ኮይኑ ኣይቀበጾን። ነዚ ነግፈረግ`ዚ ኸኣ እንሆ ተጣዒስካ ዘይወጽእ ከቢድ ዋጋ ይኸፍለሉ፡ ንመጻእቲ ወለዶ ‘ውን ከቢድ ዕዳ ይገድፍ ኣሎ።

ምስዚ ተኣሳሲሩ ዝርአ `ውን፡ ልክዕ ከምቲ ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ኣብ ውሽጢ፡ ሃገር ብሰንኮም እናጠፍአት ከላ፡ “ንሕና እንተዘይሃሊና ሃገር ኣይክትህሉን ኢያ” እናበሉ ዝጀሃሩዎ፡ እዞም ኣብ ስደት ዘለዉ ገለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር `ውን፣ ነቲ ኣጉል እምነት ዘሕደረሎም ሰንኮፍ ስምዒታት ህዝቢ መዝሚዞም “ንሕና ኢድና እንተዘይሓዊስናሉ ለውጢ ክመጽእ ኣይክእልን እዩ” እናበሉ ነቲ ናይ ትማሊ መዝነቶም ዳግማይ ክጥቀሙሉ ክፍትኑ ይረኣዩ።

ሓደ ሓደ ካብቶም ሰንኮፍ ኣበሃህላታት ህዝቢ ክንጠቅስ፣

  1. ፍሩያት (ኣርካናት) እዮም ኣይትተንክፉዎም ዝብል እዩ።

ከምዚ ዝጠተቕሰ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ስርዓት ዝነበሩ ሓለፍቲ ንተመክሮኦም ብክፉት ልብን ቅንዕናን እንተሰሪሖምሉ ነቲ ናይ ለውጢ መስርሕ ዓቢ ጸጋ እዩ። እንተኾነ ናብ ትዕቢትን ንዕቀት ህዝብን ከምርሕ የብሉን።

ንኣብነት፡ ምስዞም ስዒብና ከም ኣብነት እንጠቕሶም ላዕለዎት ሓለፍትን ካድራትን ህዝባዊ ግንባር ነበር ኣነጻጺርካ ክርአ ኸሎ፡ እቲ ዓቢ መዝነት ዘይነበሮ፡ ኣፍልጦኡ ‘ውን ድሩት ዝነበረ፣ ኣብ ሓጺር እዋን ኣሰር ዘለዎ ሃገራዊ ኣበርክቶ ዝገበረ ነፍሲሄር ዶር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ካብቶም ኩሎም ምስ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ “ፍሩያት” ሰባት ፍሉይ ኣኽብሮትን ፍቕርን ዝረኸበሉ ምኽንያት፡ ምስ ህዝቡ ተራኺቡ ብኽፉት ልብን ምቕሉልነትን እሂን ምሂን ክብሃሃል ኣብ ተግባር ስለዝተራእየ እዩ። እምበር ቅድሚ ኩሎም ነቲ ስርዓት ስለዝኾነኖ ኣይኮነን ኣብ ልቢ ህዝቢ ኣትዩ።

ኣነ ከም ውልቀሰብ፣ ብመንጽር ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ንጠማቲ ዓይነይ ፍሩያት ኮይኖም ዝረኣዩዎ ተጋደልቲ እምብኣር፡ እቲ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመታት ናጽነት፣ እቶም 20 ዘይመልኡ ደርዘን መሳቶይ፣ ኣዋልድን ኣወዳትን ኣብ ጽዕጹዕ ውግእ ዓዲ- ራቕባ ካብ ዝተሰውኡሉ ቦታ ከየርሓቐ ካብ ምውህሃድ ትምህርታዊ ወፍሪ ድሕሪ መስመር ጸላኢ ኣዛዚ ሰራዊት ክኸውን ናብ ሳሕል ኣብ ዝተጸውዓሉ እዋን ምስ ኣማኢት ብጾተይ ኣብ ዘካየደልና መፋነዊ ኣኼባ ደው ኢልና ክንዝክሮም ድሕሪ ምዕዳም “ኣብ መትከልኩም ጽንዑ” ክብል ንዝሃብነና ኣዕጽምትኻ ተዘዝ ዘብል ሕድሪ፣ ድሕሪ ናጽነት ባዕሉ ኣብነት መትከላዊ ጽንዓት ኮይኑ ዝተግበረ፣ ገንሸል ቅንዕናኡን ጽንዓቱን ኮይኑ ን7 ዓመት ተሓይሩ ድሕሪ ምውጽኡ ‘ውን፣ ኣብ ሕምብርቲ ዓዱ ቅድሚ ኹሉ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስን ቀይደ-በተኽነቱን ብትብዓት ዓው ኢሉ ተቓዊሙ ኣብ ሸላ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ዳግማይ ተመቝሑ ማዕረ ዕድመ ናጽነት ዋጋ ዝኸፍል ዘሎ ጅግና ተጋዳላይ ቢተወደድ ኣብርሃ፣ ከምኡ `ውን እቲ ኣብ ማእከል ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ህግደፍ፡ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኤርትራ ናጽነት ከምዘይብሉ፣ እቲ ውልቀመላኺ ከምድላዩ ኢዱ ከምዘእትወሉ ገጽንገጽ ሓቂ ምስ መስከረ፣ ንኽንደይ ዓመታት ደስኪሉ ዝነበር ዘሎ ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኤርትራ ነበር ተጋዳላይ ጠዓመ በየነ እዮም።

ላዕለዋይ ሓላፊ ህዝባዊ ግንባር፡ ሚኒስተር ምክልኻል፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣካል ጉጅለ 15 ዝነበረ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ካብ ማእሰርቲ ድሒኑ ድሕሪ 2001 ኣብ ወጻኢ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፣ ነዚ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ ጠርኒፉ ሓያል ተቓውሞ ክመርሕ ብዙሕ ሰብ ተጸብዩዎ ‘ኳ እንተነበረ፣ እቲ ናይ ብዙሓት ተስፋ ቀልጢፉ ከምዝቐሃመ ብዙሕ ሰብ ዝፈልጦ እዩ። ነቲ በዝን በትን ዝስማዕ ጥርጠራታት ንጎኒ ገዲፈ፡ ምስዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ኣሉታዊ ባህሊ ህዝባዊ ግንባር ዝተኣሳሰር ናይ ቀረባ ትዕዝብተይ ግን ክገልጽ።

ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ኣቦ ወንበር ናይቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ዝብሃል ዝበዝሑ ህዝባዊ ግንባር ነበር ዝኣባላቱ ውድብ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ኣብታ ንሳቶም ዘካይዱዋ ዝነበሩ “ድምጺ ሓርነት” እትብሃል ራድዮ “ከመይ ቀኒኺ ሃገረይ” ዝብል ኣርእስቲ ሰሙናዊ እናጸሓፍኩ ኣብ ዝተሓጋገዘሉ ዝነበርኩ 2004 ዓመተምህረት፡ ንሳቶም “መን `ዩ ኩስቶ” ብዝብል ኣርእስቲ ነቶም ኣብ ማሕዩር ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ዒራዒሮ ተዳጕኖም ዝነበሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሓደ ብሓደ ይዝክሩዎም ኣብ ዝነበሩ እዋን፡ ኣነ ነቲ ካብ ዓመተ ናጽነት ካብ ዝእሰር ተዘኪሩ ዘይፈልጥ ተጋዳላይ ቢተወደድ ብተመሳሳሊ መንገዲ ጽሒፈ ኣብ ድምጺ ሓርነት ከምዝቃላሕ ድሕሪ ምግባረይ፡ ሕጉስ ከምዘይነበረ ብማዕዶ ምስ ሰማዕኩ ከይገረመኒ ኣይተረፈን።

መቸም፡ ቅድሚ ማእሰርቲ ቢተወደድ ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኩላ መዘንኡን ልዕሊኡን ሓላፊ ህዝባዊ ግንባር ስለዘጽቀጠት ንበይኑ ዝሕመየሉ ጉዳይ ኣይኮነን። እንተኾነ፡ ኣብቲ ንሱ ዝተኣሰረሉ እዋናት መስፍን ሓጎስ ኣብ ከባቢ ዓሰብ ምንባሩን፡ ሓሓሊፉ ምስ ናይ ቢተው ታሪኽ ማእሰርቲ ስሙ ስለዝለዓልን ሕርኽርኽ ዝበለኒ ተርእዮ እዩ።

ካልእ ብቐጥታ ዝግጠመኒ ጉዳይ፡ ኣብቲ እዋናት ‘ቲ ንምንቅስቓስ ብዓል ጴጥሮስ ሰለሙንን ማእሰርቶምን ዝምልከት ካብ ሓደ ኣበርካቲ ዝተላእከ ጽሑፍ ብድምጺ ሓርነት ከምዝርጋሕ ኣብ ዝገበርኩሉ ኣጋጣሚ፡ በቐንዱ ክፍኖ ከምዘይነበሮ ዘመልክት ሕርቃን ዝተሓወሶ ናይ ኢመይል መልእኽቲ ምስ ረኸብኩ `ውን ግር ኢሉኒ። ንሱ ሓደ ካብ ዝሃበኒ ምኽንያት ምስ ድሕነቶም ዝተኣሳሰረ ምንባሩ ይዝከረኒ፡ ይኹን እምበር እቲ ብራድዮ ዝዘርጋሕናዮ ሓበሬታ ምስቲ ዳን ኮኔል ቅድሚ ምእሳሮም ዘዘራረቦም እሞ ድሮ ብመጽሓፍ ዘርጊሑዎ ዝነበረ ትሕዝቶ ክዳረግ ከሎ ክብደት ስለዘይነበሮ ስኽፍታኡ ኣይተዋሕጠለይን።

ብዘይካ`ዚ ኣብ’ዚ ዳሕረዋይ ዓመታት፡ ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ኣባላት ጉጅለ 15 ምኽንያት ብምግባር ከም ናይ ዝኽሪ መዓልቶም ኣብ ዝለመድናያ ኣጋጣሚ 18 መስከረም፡ ኣባል ናይቶም ምቑሓት ከምዝነበረ መጠን ኣብ ራድዮ ኣሰና ኣብ ክንዲ ‘ቶም ድምጾም ዝተዓብሰ ግዳያት ከዘራርቦ ብቴለፎን ደዊለ ምስ ተወከስኩዎ ፍቓደኛ ኮይኑ ዘይምርካቡ `ውን ኣተሓሳሲቡኒ።

ነዚ ኣብነታት `ዚ ከም መርኣያ ናይቲ ገና ዘይሃሰሰ፡ ክብ ኢልና ዝጠቐስናዮ፡ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ናይ ዓቃባውነት ኣሉታዊ ባህሊ ብምዃኑ እየ ዝጠቕሶ ዘለኹ። ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ካብ 60ታት ኣትሒዙ ምስ ኢሳይያስ ዝፋለጥ ክሳብ እዋን ነጻነትን ድሕሪኡን ኣብ ከባቢኡ ዝጸንሐ፡ ድሕሪ ኢሳይያስ ሓደ ካብቶም ውሑዳት ዝለዓለ ተሰማዕነት ዝነበሮም ሓላፍቲ ህዝባዊ ግንባር ከም ምዃኑ መጠን፡ ነጻ ኮይኑ ብዛዕባ `ቲ ንሃገርና ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ውድቀት ዘብጽሓ ውልቀመላኽነት ኢሳይያስ ንህዝቢ ኤርትራ እንተዝገልጸሉ ነይሩ፡ ዕላል ናይቶም ንህዝባዊ ግንባር ድሕሪኡ ጀሚሮም ቅድሚኡ ዝገደፉዎ ተጋደልቲ ነበር ተስፋይ ተምነዎን የማነ ተኽለገርግሽን ብዙሕ ዘቕለበሉ ሰብ ኣይምተረኽበን። ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ክንድ ‘ዚ ዝዕበሰሉ ምኽንያት ብዙሓት ዝሓቱሉ ጉዳይ ኳ እንተኾነ ዛጊት ብቑዕ መልሲ ኣይረኸበን።

ብደረጃ ዓለም ዓቢ ሽም ኣብ ዘለዎ ዩኒቨርሲቲ ዝተማህረ፡ ሓደ ካብቶም ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ዝጸገቡ ውሑዳት ገዳይም ተጋደልትን ሓለፍትን ዝነበረ ተጋዳላይ ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ኢሳይያስ ኣብ ሓደ ሓደ ኣጋጣሚ “ብድሕረይ ዓጋመ ከም እትብሉኒ ይፈልጥ እየ፡ ክንረአአ ኢና፡ ነዛ ባዕለይ ዘምጻእኩዋ ሃገር ከጥፍኣ እየ” ኢሉ ከምዝተዛረበ፡ ኢሳይያስ ፈኸርኡ ምስ ኣፋረቖ ኣብታ ብ 2014 ዝዘርግሓ መጽሓፉ ምጥቃሱ፡ ንህዝቢ ኤርትራ እንታይ ትርጉም ኣለዎ? ካብቲ ምስጢር ምዕቋሩ ዝኸፍአ ድማ፡ እዚ ዝጠቐስናዮ ደረጃ ትምህርትን ተመክሮን ዘለዎ ተጋዳላይ፡ ነዚ ጽዩፍ ዘረባ`ዚ ሰሚዑ፡ ሓንቲ መዓልቲ ምሕዳር ኳ ንጋዳ፡ ንሓያለ ዓመታት ኣብቲ ስርዓት ኣገልግሎት ምቕጻሉ ኸ ምስ ምንታይ ይጽብጸብ? ነቲ ዝተረፈ ፍርቂ ንምድሓን ጸኒሑ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣውንታዊ ኳ እንተኾነ፡ ኣብቲ ምስግጋር ኣውንታውን እሙንን ተራ ንምጽዋት ግን ናይ ህዝቢ ሕቶታት ብጋህዲ ምምላስ የድሊ።

ዶር ኣሰፋው ሓደ ካብቶም ቀዲሞም ነቲ ስርዓት ዝኾነኑዎን ዝተቓወሙዎን ውሑዳት ፍሉጣት ኣባላት ህዝባዊ ግንባር `ኳ እንተኾነ፡ ኣብዚ ኩሉ ዓመታት ነቲ ክብ ኢልና ዝጠቐስናዮ፡ ዘይግሉጽነት፡ ህልኽን ምንጻልን ዝኣመሰለ ናይ ህዝባዊ ግንባር ልማድ ገና ኣይረሰዖን። ሰባት ስሒብካ ሕሹኽሹኽ እናበልካ፡ ነቲ ስርዓት ብግልጺ ካብ ዝቃወሙ ገና ምስቲ ስርዓት ምፍትሖም ብወግዒ ንህዝቢ ዘየነጸሩ ሓለፍቲ እናሓረኻ ከም ናይ ኢሳይያስ ብዝመሳሰል ኣገባብ ንሰባት ከም ጠላዕ ናይ ምርኣይ ህልኸኛ ኣሰራርሓ ካብ ምዝውታር ኣይደሓነን።

ሚልዮናት ገንዘብ ሰሪቑ ከምዘምለጠ ዝዝረበሉ ዝነበረ ኣቦ ወንበር ሃገራዊ ማሕበር ተማሃሮን መንእሰያትን ነበር ሙሕየዲን ሸንገብ፣ እቲ ጉዳይ ልሙድ ጸለመ ህግደፍ ዲዩ ዋላስ ሓቅነት ዘለዎ ክሲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ሓቅን ሓሶትን ፈላልዩ፣ ካብ’ቲ ምልካዊ ስርዓት ስለ መትከል ዲዩ ዋላ ካብቲ ናይ ገንዘብ ሕቶ ንምህዳም ኣምሊጡ ከየነጸረ፣ እታ በቲ ንሱ ዝመርሖ ዝነበረ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን እትካየድ ዝነበረት፣ ኩለን ጋዜጣታት ብሕቲ ኣብ ዝተዓጸዋሉ እዋን ንጉጅለ 15 ብኽድዓትን መጋበርያነት ወያነን ከሲሳ ዝፈረደት፣ ዓሊ ዓብዱን ብጾቱን ነቶም ግዳያት ኣብ ምውንጃል ብብርዒ ስም ተኸዊሎም ብጥፍጣፎም ኣፎም ዝሃቦም ይጽሕፉላ ከምዝነበሩ ዝንገረላ ጋዜጣ ጥርግታ እጃሙ እንታይ ከምዝነበረ ከየጻረየ፣ 10 ዓመታት ካብ ዝተሓብኣሉ ጉድጓድ ወጺኡ ብዛዕባ ኣዋቕዓ ዕላማ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሓለዋ-ቀጽል መኸተ ውልቀ-ምልኪ ንዓመታት ንዝተረባረቡ ብዘይሕንከት ብራድዮ ስለ ዝመድረሎም፣ ፍሩይ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

ሃገርና ኤርትራ፣ ድሕሪ `ዚ ንኣስታት 25 ዓመታት ዝረኣየቶ ዕንወትን ብርሰትን፡ ነዞም ብደረጃ ሓላፍነት ነቲ ስርዓት ዘገልገሉዎ፣ እቲ ስርዓት ናብ ምልኪ ንዝኸደሉ መንገድታት ስለያዊ ምስጢራዊ ሰልፊ ገና ከም ቅኑዕ ዝኣምኑሉ፣ ኢሳይያስ ድሕሪ ናጽነት ኢዩ መላኺ ኮይኑ እናበሉ ፍርቂ ነብሱን ፍርቂ ታሪኹን ከንጽሁዎ ዝፍትኑ፣ ገሊኦም ፈጺሞም ልቦም ዘይቀልዑ ገሊኦም ድማ ፍርቀፍርቂ ዘስተንፍሱ ሓለፍቲ ነበር፡ “ፍሩያት እዮም ኣይትተንክፉዎም፣ ቀይሕ መንጸፍ ጥራይ ዘርግሑሎም” ዝዓይነቱ ምጒብዕባዕ ዝተሓወሶ ጻውዒት ብገለ ገለ ሰባት ክትሰምዕ ከለኻ፡ ነቲ ናይ ኢሳይያስ “ብዘይካ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ኤርትራ ፖለቲካ ክህሉ ኣይክእልን እዩ” ክብል ዝደርጎሖ ኣዘራርባ ይርዕሙዎ ከይህልዉ ዘሰክፍ እዩ። እንተኾነ፣ ካብ መንግስቲ ናብ ተቓውሞ፣ ወይ ከኣ ዓዲ ምቕያር ዘይኮነስ ኣተሓሳስባ ምቕያር እዩ መምዘኒ ናይቶም ሰባት ክኸውን ዘለዎ። ኣንቱም ሰባት እዞም ሰባት ሓይሊ-ሓሳባቶም በኒኑ፣ ዳይናሚዝም ኣጥፊኦም እዮም፣ ህዝባዊ ግንባር ድማ ኣብ “ሞኖፖዝ” ኣትዩ እዩ፣ ከፍሪ ኣይክእልን እዩ። ኣሕዋት፣ ናይ ብሓቂ ፍሩያት ንምርኣይ ዓይንኹም ቋሕ ሰም ምባል ወይ ከኣ እኵያለ ምቕያር ከድልየኩም እዩ።

  1. ኩሉ ይጽንሓልና፡ ንግደፎም፡ ደሓር ብሕጊ ንሓቶም

ካልእ ገለ ሰባት ዝብሉዎ ሰንኮፍ ኣዘራርባ፡ ንግዚኡ `ሞ ኩሉ ይጽንሓልና፡ ደሓር ብሕጊ ንሓቶም ዝብል እዩ።

መጀመርያ፡ ብገበን ዝኸሰሶም ሰብ የልቦን።  ብዙሕ ሰብ ከም ኣካል ናይቲ ሃገር ዘዕኑ ዘሎ ስርዓት ነበር ኣቀራርባኦም ስለዘየዕገቦ ካብቲ ኣሉታዊ ፖለቲካዊ ባህሊ ሓራ ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ምትእምማን ከሕድር ምእንቲ፣ ዳግማይ ጥልመት ከይገጥሞ ካብ ዘለዎ ስግኣት ተበጊሱ እዩ ሕቶታት ዘልዕል ዘሎ። ነዚ ኸኣ ክፉትን ምሉእን መልሲ እዩ እቲ ቅኑዕ መልሱ። ብግልጺ ምስ ህዝቦም ክዘራረቡ ኣብ ክንዲ ምትብባዕ ኣብ ክንድኦም ምክልኻል ግን፣ ነብስኻን ህዝብኻን ኣሕሊፍካ ምሃብ እዩ።

ንኣብነት፣ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ያኢ ጥዑይን ሕሙምን ጎኒ ከምዘለዎ፡ ብራድዮ፣ ፍርቂ ጎኑ መንግስቲ ኤርትራ፡ ፍርቂ ጎኑ ድማ ስርዓት ኣስመራ ሓንሳብ ከኣ ህግደፍ ተባሂሉ ክጽዋዕ ከሎ ንሰማዕቲ “እንታይ ጉዱ” ዘየብል ኣይኮነን። ንኢሳይያስ እናኾነኑ ንኻላኦት ጀነራላትን ሚኒስተራትን ከቀባጥሩሎም ዝሰምዕ ሰብ፡ እምበርዶ ነዛ ጉዳይ ለውጢ ንሃጸይ ኢሳይያስ ብሓደ ካልእ ምስሌኔ ቀይርካ ኣይብሱል ኣይጥረ ምግባራ ኣይኮነን ዋኒኖም ኢሉ ክጠራጥሮ ባህርያዊ እዩ። ኣብ ኤርትራ መጀምርያ መንግስቲ ዝብሃል የለን፣ ሓደ ውልቀመላኺ ስርዓት እዩ ዘሎ። እቲ ሰልፊ ህግደፍ፣ መንግስቲ ኤርትራ ዝብሃል ኣዘራርባ ከምቲ ክብ ኢልና ዝጠቐስናዮ ኣብ ሜዳ ዝተለምደ ክልተ ክንፍኣዊ ኣሰራርሓ ‘ዩ። ዕዮ ገዛኻ ንገሊኡ ብሰልፊ ንገሊኡ ብመንግስቲ ትሰርሖ፣ ኣብ መወዳእትኡ ግን ተጠቃሚ ናይቲ ውጽኢት እቲ ብኢሳይያስ ዝውነን ምልካዊ ስርዓት እዩ።

ብቐንዱ ግን፡ ንግዚኡ ዝደለኻዮ ነገር ንኽፍጸመልካ መሸፈኒ ዝብሃል እንተዘይኮይኑ፡ ባዕሎም ሕጊ ክነድፉ እንድሕር ነጻ ገዲፍካዮም በየናይ ሕጊ ኢኻ ክትሓቶም? ንኢሳይያስ `ውን `ኮ ኣብ ሜዳ፡ “ደሓን ናጽነት ጥራይ `ሞ ትምጻእ፣ ሽዑ ነርክበሉ” ዝብሉዎ ነይሮም እዮም። ሳላ ብሕታዊ ዋንነት ስልጣኑ ግን፣ ንሱ ኣረኻኺቡሎም፡ ሕጂ ኣሰሮም ዘይተረኽበ ብዙሓት እዮም።

ስለዚ እቶም “ኣይትዛረቡ፡ ኣይትሕተቱ፡ ኣይትጠራጠሩ” እናበልኩም እትቝጥዑ ዘለኹም ገለ ኣሕዋት፣ ኣእምሮ ካልኦት ክትዓጽዉ ኣፍ ካልኦት ክትዓብሱ ካብ ትፍትኑ፡ ነታ ኣምባጉምባሕ ዛግራ ክትብሉዋ እንተደሊኹም መሰልኩም እዩ። ርእስና ክንትርኣሶ ዘይኮነ ክንሓስበሉ ኢና ካብ ኣቦይ-እዝጊ ተዋሂብናዮ። ንሕና ርእስና ከነደንቊር፣ ኣፍና ክንዓብስ ፍቓደኛታት እንተንኸውን ደኣ ብቐደሙ ካብ ኢሳይያስ እንታይ ኣርሒቑና። ባህጊ ስምረትን ሓድነትን ናይ ኩልና እዩ። ስምረትን ሓድነትን ግን፣ ንይምሰል፣ ንምትላል ዘይኮነ፣ ዕምቆትን ቀጻልነትን ብዘለዎ ሓቀኛ መንገዲ ክመጽእ ኣለዎ። እቲ ዘተኣማምን ስምረት ከኣ፣ ብተሳታፍነት ሰፊሕ ህዝቢ ደኣምበር ብናይ ውሑዳት ስልጣን ዘቋምቱ ምስሌነታትን ስልጣን እጀታና ‘ዩ ዝብል ናይ ውርሻ ስምዒት ዘለዎም ውልቀሰባትን ዝመጽእ ኣይኮነን። ስልጣን ናብ ህዝቢ ምርካብ ቀንዲ ዕላማኡ ዝኾነ መስርሕ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ብናይ ህዝቢ ተሳታፍነት ጥራይ እዩ ውሕስነትን ነባርነትን ብዘለዎ ዘተኣማምን መንገዲ ክፍጸም ዝከኣል።

  1. ምርሳዕ

ሓደ ኻልእ ንሕብረተሰብና ብቐጻሊ ዘሳቕዮ ዘሎ ጸገም ሕማም ምርሳዕ እዩ። ነቲ ዝበደለ ይኹን ነቲ ዘገልገለ ቀልጢፍካ ምርሳዕ ዳርጋ ዝተለምደ ኮይኑ ‘ሎ። ነቲ ዝበደለካ ብቐሊሉ ምርሳዕ እንተተለሚድካ፣ ካልኣይ ግዜ ክብድለካ ዕድል ትህቦ ኣለኻ ማለት ‘ዩ። ነቲ ዘገልገለካ ብቐሊሉ እንተረሲዕካዮ ድማ ንሱ ‘ውን ቀልጢፉ ከምዝርስዓካ፣ እንታይ ገደሰኒ ከምዝብል ኢኻ እትገብሮ። ክልተ ክሳራ እዩ።

ንኣብነት፣ “ደሓን ደሓን፣ ኩሉ ንረስዓዮ፣ ከሰጋግሩና እዮም” ዝብሉዎ ዘረባ በጨቕ ክብል ይስማዕ። ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ‘ውን ‘ኮ ትማሊ፣ “ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ” ኢሎም ‘ዮም፣ ሃገር ብቐዋሚነት ገቢቶም “ስልጣን ወይ ሞት” ናብ ምባል ደረጃ በጺሖም ዘለዉ። እዞም “ደሓን የሰጋግሩና” ዝብሃሉ ዘለዉ ከምቲ ኢሳይያስ ነቲ መሳገሪ ናብ ቅዋማዊ መንግስቲ ዝተሓስበ ቅዋም “ሞይቱ ‘ዩ” ዝበለና፣ ነቲ ድልድል ንበይኖም ምስ ተሳገሩሉ፣ ሓፋሽ ከይሰገረ እንተፍረሱዎ ኸ መን እዩ “ዋሕሰ ‘ግብእ” ኢሉ ዝግዝቶም። ኢሳይያስ “ቅዋም ትንፋስ የብሉን” ኢሉ ንህዝቢ ኤርትር ቁማር ምስ በሎ፣ “እዋእ ሞይቱ እምብኣር” ካብ ምባል ሓሊፉ፣ ዝመከቶን ዝገዘቶን ኣሎ ዲዩ? እዚ “ዝነገሰ ንጉስና ዝበረቐ ጸሓይና” ዝዓይነቱ ናይ “ይኾነለይ ደኾን” ኣካይዳ ክተርፍ፣ ሕሉፍ ተመክሮ ተገምጊሙ፣ ዝተጸንዐ፣ ብዘተን ክትዕን ዝበሰለ፣ ዝተነፍየ፣ ርጉጽን ዘተኣማምንን መስርሕ እዩ ክሰላሰል ዘለዎ። ብዛዕባ ሃገርን ህዝብን እምበር ብዛዕባ ናይ ሓደ ውልቀ ሰብ ድኳን ኣይኮናን ንዛረብ ዘለና። ዝወረደካ በደል ከይተነግፈ ወጽዓኻ ምርሳዕ፣ ግርህናን ምዝንጋዕን ፈጺሙ ክርሳዕ ኣለዎ። ብተሳታፍነት ህዝቢ ዝተወከሉ እሙናት መሰጋገርቲ ጥራይ እዮም ከኣ ‘ዮም ንህዝቢ ከሰጋገሩዎ ዝኽእሉ።

  1. ተጸባይነት

ካልእ እቲ ንዕድል ህዝቢ ንጭውያን በለጽን ዘቃልዕ ድኻም፣ ብወገን ህዝቢ ዝርአ ኣብ ክንዲ ተሳታፊ ተጸባዪ ለውጢ ናይ ምዃን ዝንባለ እዩ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ፣ ከምቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተራእየ “ደሓን ባዕሎም ይግበሩዎ” ዝብሃል ህዝባዊ ተሳታፍነት ዝበኾሮ፣ ሃጓፍ ዝፈጥር ተጸባይነት፣ ነዞም እንጠቕሶም ዘለና ተጸናጸንቲ ስልጣን፡ “ህዝቢ ሰልችዩዎ ስለዘሎ፡ ወዮ ጌርኩሞ ክብለና እዩ” ዝብል ናይ ምሽዳን ስምዒት ፈጢሩ ዘጋጊ ኣሉታዊ ተርእዮ እዩ። ኣብዚ እዋን ‘ዚ፣ ዋላ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ‘ውን “ተቓወምቲ ደንጕዮምና”፣ ብደገ ድማ፣ “እንታ ነዚ ሰብኣይ ገለ ዘይገብሩዎ” እናበልካ ምጽብባይ ንገዛእ ርእሱ ምስዚ ጉዳይካ ንኻልኦት ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ተርእዮ ዝተሓሓዝ እዩ። ስለዚ፣ ዝዘራእካዮ ከምእትዓጽድ ተገንዚብና፣ “ይርሓሰና” ካብ ምባል ተቖጢብና፣ ከም ውልቀሰብ ይኹን ጉጅለ፣ ብውሽጢ ይኹን ብግዳም ካልኦት ክገብሩልና ኢድና ኣጣሚርና ካብ ምጽባይ፣ ኣብቲ ንሕና ክንገብሮ ዘለና እጃም ብምትኳር ዓዓቕምና እንተደኣ ጌርና ጥራይ ኢና ኣድማዕን ስሉጥን ለውጢ ከነረጋጋግጽ እንኽእል።

ስለዚ፣ መስርሕ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኤርትራ፣ ብምስጢር ዘይኮነ ብግህዶ፣ ኣብ ውሽጠ ዘይኮነ ኣብ ቅርዓት ኣብ ባይቶ፣ ህዝባዊ ውክልና ብዘይብሎም ውልቀሰባት ዘይኮነ ብተሳታፍነት ሰፊሕ ህዝቢ፣ ግልጽናን ተሓታትነትን ብዘለዎ ርኡይን ቅሉዕን መንገዲ ጥራይ እዩ ክፍጸም ዘለዎ። እዚ እዩ እቲ ሓቀኛ ተሳታፍነት ህዝቢ፣ ህዝባዊ ዋንነት ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ከረጋግጽ ዝኽእል ኣገባብ።

እቲ ኣማራጺ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ብሰፊሕ ህዝባዊ ተሳታፍነት እዩ

ከምዚ ዝዓይነቱ ፖለቲካዊ መስርሕ ንምጥጣሕ ካብ ሓፋሽ ህዝቢ (Grassroots) ካብ ታሕቲ ተበጊሱ ናብ ላዕሊ ዝድይብ፣ (Bottom Up) ዝዓይነቱ ኣገባብ ኣወዳድባ ክምዕብል ኣለዎ። እዚ ኣወዳድባ’ዚ ድሮ ኣብ ገለ ከተማታት ኣመሪካን ኤውሮጳን ብኣፈናዊ መልክዕ ተበጋጊሱ ኳ እንተሎ፣ ገለ መራሕቲ ውድባትን ልኡኻቶምን ከም ስግኣት ብምርኣይ ስለ ዝተዓናቐፉዎ፣ ብዓቢኡ ግን ስኖም ነኺሶም ዘነጣጥፉዎ ደረኽቲ ስለዘይረኸበ ናህሪ ኣየርኣየን።

ከምቲ ዶር ኣርኣያ ደበሳይ፣ ጉጅለ ድምጽና፣ ዶር ተወልደ ወዲ ቫካሮ ብተደጋጋሚ ዝገለጹዎ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ወጻኢ፣ እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ኣወዳድባ ዘይከኣለሉ ምኽንያት ዋላ ሓደ የልቦን። ከምቲ ዝተጠቕሰ፣ ድሮ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ሓያለ ከተማታት፣ ኣብ ኤውሮጳ ‘ውን ብመጠኑ ተበጋጊሱ ‘ሎ። መሰረት ህዝባዊ ተሳታፍነት ዘለዎ ዲሞክራስያዊ ህንጸት ከነበጋግስ እንተደኣ ኴንና፣ ጻዕርናን ጸጋታትናን ኣብዚ ዕማም ‘ዚ እዩ ክፈስስ ዘለዎ።

በዚ መሰረት፣ በብሃገሩ ብድምጺ ህዝቢ ዝተሓረዩ ወከልቲ፣ ብደረጃ ዓለም ሰፊሕ ሃገራዊ ዋዕላ ኤርትራውያን የካይዱ። ባይቶ ብድምጺ ይምረጽ። እቲ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ ባይቶ ድማ፣ ብህዝቢ እናተናበዩ ምሉእ ግዜኦም ኣብዚ ሃገራዊ ጉዳይ ለውጢ ዝንቀሳቀሱ ፈጻሚ ሽማግለ ይመርጽ። ኣብ መወዳእታ ሓደ ድምጺ ዘለዎ ስሙር ደምበ ተቓወሞ ይህሉ ማለት እዩ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ውክልና ዘለዎ ኣካል እዩ ምሉእ ህዝባዊ ደገፍ ረኺቡ፣ ኣብ ኣፍደገ ምስግጋር ከብጽሕ ዝኽእል ዘተኣማምን ህዝባዊ ምንቅስቓስ ክመርሕ ዝኽእል። እቶም ዝተመርጹ ውልቀሰባት ከም ትጽቢት ናይ ህዝቢ እንተዘየስሊጦም፣ ባይቶ ብድምጺ ክትክኦም ሓላፍነት ኣለዎ። ባይቶ እንተዘይነፊዑ ድማ፣ እቲ ዝተወደበ ህዝቢ ብጉባኤ ክቕይሮ ይኽእል።

ኣባላት ይኹኑ መራሕቲ ውድባት ወይ ማሕበራት፣ ኣካል ናይቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኮይኖም፣ ከም ውድብ ዘይኮነ ከም ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ዜጋ ተሳቲፎም ከከም ብቕዓቶምን መንፍዓቶም ከም ሰቦም ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት መሪሕነትን ፈጻሚ ኣካልን ክምረጹ ይኽእሉ።

እዚ ህዝባዊ ኣወዳድባ’ዚ፣ ካብቲ ብመንገዲ ውድባት ዝካየድ መስርሕ ዘለዎ ብልጫ፣

1ይ – ንሰፊሕ ተሳታፍነት ህዝቢ ዕድል ይኸፍት፣

2ይ – ቃልሲ ህዝባዊ ዋንነት ከምዝህልዎ ይገብር፣

3ይ – ጉጅለኣዊ ዕብለላን ናይ ስልጣን ውድድርን የወግድ

4ይ – ውድባዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ብሄራዊ፣ ኣዋራጃዊ ፍልልያት የቃልል

5ይ – ግሉጽነትን ተሓታትነትን ‘ውን ኣለዎ

እቲ ፈጻሚ ሽማግለ፣ ከከም ኣድላይነቱ ብዝበጽሖ ሓባራዊ ውሳኔ መሰረት ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ መጽናዕትን ምርምርን ትካላት ኣቝሙ ወይ ከኣ ህሉዋት ናይ መጽናዕቲ ትካላት እናተጠቕመ ተልእኾኡ ኣብ ምፍጻም ዘገድሱዎ መጽናዕታት ከሰላስል ይኽእል፣ ዕማማቱ ንህዝቢ ኣብ ምፍላጥን ጎስጓሳት ኣብ ምክያድ ‘ውን ብተመሳሳሊ ባዕሉ ካብ ዘቖሞ ማእከል ዜናን ሓበሬታን ወይ ድማ ካብ ህሉዋት ማዕከናት ዜና ኣገልግሎት ክረክብ ይኽእል።

ለውጢ ምስ ተረጋገጸ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ብተመሳሳሊ፣ በብዓዱ፣ ወረድኡ፣ ኣውራጅኡ ወከልቱ መሪጹ፣ ምስቲ ኣብ ደገ ድሮ እግሪ ተኺሉ ዝጸንሐ ባይቶ ተሓባቢሩ ሃገራዊ ባይቶ ብምትካል፣ መሰጋገሪ መድረኽ ይመርሕ፣ ብተሳታፍነት ሰልፍታትን ህዝባዊ ምርጫን ድማ ንቡር ቅዋማዊ ሕጋዊ መንግስቲ ይተክል።

ምርቃቕ ናይቲ ፖለቲካዊ መስርሕ ኮነ ኣፈጻጽማኡ ንገዛእ ርእሱ ብተሳታፍነት ናይቲ በብኸባቢኡ ዝተወደበ ህዝብን ዝወከሎ ባይቶኡን ክውሰን ዝግብኦ ‘ኳ እንተኾነ፣ ብኣፈናዊ መልክዑ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕማማትን ደረጃ ኣፈጻጽማን ክህልዎ ይኽእል፣

  1. ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብዘይፍልልይ፣ ማለት ነጻ ውልቀሰባት፣ ኣባላት ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ከም ዜጋታት በብኸተማኡ ይውደቡ።
  1. እቲ በብኸተምኡ ዝተወደበ ህዝቢ ዝመረጾም ወከልቲ ሰፊሕ ሃገራዊ ዋዕላ ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ብምክያድ ባይቶ (ሓጋጊ ኣካል) የቖሙ።
  1. ባይቶ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ፣ ፈጻሚ ኣካል ይመርጽ፣
  1. እቲ ምሉእ ግዜኡ ኣብቲ ሃገራዊ ዕማም ተኸቲቱ ዝነጥፍ ፈጻሚ ኣካል፣ ነቲ ባይቶ ዝሃቦ ተልእኾ ምቅልጣፍ ለውጢ ኣብ ግብሪ የውዕል
  1. ለውጢ ኣብ ዝተረጋገጸሉ እዋን፣ እቲ ኣብ ንጡፍ ዕማም ለውጢ ክሳተፍ ዝጸንሐ ፈጻሚ ኣካል ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከብ ህዝቢ በብዓዱ፣ ከተማኡን ኣውራጅኡን ወከልቱ መሪጹ ባይቶ ከቕውም ይተሓባበር።
  1. ወከልቲ ባይቶ ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ (ፈጻሚት ሽማግለ) ምስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝቖመ ሓድሽ ሃገራዊ ባይቶ ዝመረጾ ፈጻሚ ሽማግለ፣ ፈጻሚ ኣካል መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ የቝሙ።
  1. እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ላዕለዋይ ባይቶ ኮነ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ታሕተዋይ ባይቶ ተኻቲኦምን ዘትዮምን ብዘጽደቑዎ ውጥን ምስግጋርን ናይ ግዜ ሰሌዳን መሰረት፣ ፈጻሚ መሰጋገሪ ኣካል መስርሕ ምስግጋር ናብ ቅዋማዊ ሕጋዊ ስርዓት ይመርሕ። (ምንዳፍ ወይ ምሕዳስ ቅዋም፣ ሕጊ ምቛም ሰልፍታት፣ ቅጥዕታት ምርጫን ኮምሽን ምርጫን የዋድድ)። በዚ ድማ፣ ምስግጋር ናብ ቅዋማዊ መንግስቲ ይፍጸም።
  1. ኣብ ውሽጢ ሃገር ብህዝባዊ ምርጫ ሕጋዊ ስርዓት ምስ ቆመ፣ እቲ ኣብ ወጻኢ ተወዲቡ ኣብ ለውጥን ምስግጋርን ዝተሓባበረ ህዝባዊ ውደባን ባይቶኡን፣ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ሓድሽ መንግስቲ ኣብ ምድልዳል ኣብዞም ዝስዕቡ መዳያትን ክተሓባበር ይኽእል፣

ሀ. መሪሕ ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ኮይኑ፣ ብ ፖለቲካዊ መዳይ ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ኣብ ማሕበራውን ባህላውን መዳያት ብምንጣፍ ኤርትራዊ ስደተኛ፣ ምስ ሃገሩ ዘለዎ ጥቡቕ ዝምድናን ርከብን ቀጻልነት ከምዝህልዎ፣ ኣበርክቶኡ ውዱብን ኣድማዕን ከምዝኸውን ይገብር

ለ. ካብ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጸብጻባት ወጻኢ፣ ህዝቢ ተኣኪቡ ኣብ ፖለቲካዊ ኣንፈትን ምዕባለን ኤርትራ በብደረጅኡ ብምዝታይ፣ እቲ ዝተረኽበ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ከይባኽንን ኣንፈቱ ከይስሕትን ይከታተል፣ ገስጋስ ከምዝተባባዕ፣ ድኽመታት ከምዝእረም ይገብር፣

ሐ. መንግስታት ዓለም፣ ንኤርትራ፣ ብዲፕሎማሲ፣ ፖለቲካውን ቁጠባውን መዳያት ክተሓባበሩዎ ሎቢ ይገብር፣ የእምን።

መ. ኣህጉራውያን ማእከናት ዜና ንኤርትራ ኣቓልቦ ብምሃብ ምስ ህዝቢ ዓለም ከላልያኣ ጻዕርታት ብምግባር፣ ኣውፈርትን በጻሕትን ኣብ ምስሓብ ግዲኡ ክጻወት ይኽእል።

ስለዚ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ምእንቲ ለውጢ ተባሂሉ ዝውደብ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፣ ድሕሪ ምዕዋት ለውጢ፣ ብኣንጻር ናይቲ ህዝባዊ ግንባር ነቶም ምእንቲ ናጽነት ሃገራዊ ግቡኦም ዝፈጸሙ ሓፋሽ ውድባት፣ “ፋሕ በሉ፣ ነገር ተወዲኡ ኢዩ” ብምባል ዝበተኖም፣ ቀጻልነት ሃገራዊ ኣበርክቶኦም ይረጋገጽ ማለት እዩ።

ከምዚ ብምንጽጻር ኣስፊሕና ዝገለጽናዮ እምብኣር፣ መስርሕ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኤርትራ ባዕሎም ነብሶም ብዝሓረዩ ወልቀሰባት ዘይኮነ፣ ብሰፊሕ ተሳታፍነት ህዝቢ ጥራይ እዩ ክረጋገጽ ዝኽእል። ምሁራትን ምኩራትን ውልቀሰባት ኣገደስቲ ኳ እንተኾኑ ኣካል ናይቲ ሰፊሕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኮይኖም እዮም ዘድምዑ። ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ውሑዳት ውልቀሰባት ክዝውሩዎ ስቴርሶ ኣሕሊፍካ ምሃብ ግን፣ ከምቲ ኣብ ዚምባብወ ዝተራእየ፣ ነቲ መራሒ ተቓውሞ ዝነበረ ሸንገራይ ውሻል ናይቲ ክጉርበስ ዝውዕል ሮበርት ሙጋበ ጌርካ፣ ሃገር መስበርታ ከይጸገነ ብጀሶ ተኣሲራ ክትነብር ምፍራድ፣ ወይ ከኣ ከምቲ ናይ ግብጺ፣ ንፕረዚደንት ሙባረክ ብጀነራሉ ኣል ሲሲ ቀይርካ፣ ነቲ ብኣፍደገ ዝወጽአ ምልኪ ብሕጓ ምምላስ ናብ ዝዓይነቱ ዘይርጡብ ለውጢ፣ ንሓደጋ ዘቃልዕ እዩ።

ህዝቢ በብደረጃኡ ንሓያለ ዓመታት ምስ ምልኪ ኣብ ምርብራብ፣ ኣብ ሓለዋ ቀጽል ተጸሚዱ ዝጸንሐ ‘ኮ ዲክታተር ከቃልዕ ጥራይ ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ኣንፈት ናይቲ ዝመጽእ ለውጢ ውሑስን ዘተኣማምንን ክገብር ሓላፍነትን ግዴታን ‘ውን ኣለዎ። ነቲ ህዝቢ ሕጂ “ንስኹም ሓለውቲ ንሕና ኸኣ መሳገርቲ” ክትብሉዎስ ኣይግድን ‘ዩ ዝብሃል። ንዓፈፋ ዒሳያስ ኢሳይያስ ኣሊኻ ብኻልእ ገጽ ምትካእ እንተደኣ ኮይኑ መለሳኡ እንታይ እዩ? ኣይትጋገዩ፣ እቲ ሓለዋ-ቀጽል ክቕጽል እዩ፣ ደጊም ሲ እቲ ብጥልመትን ክድዓትን ዝሰክሐ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ብ “ኮን ደኾን” ዘይኮነ በቲ ውሑስን ርጉጽን መንገዲ እዩ ክምርሽ ዝግባእ። እቲ መንገዲ ኸኣ፣ ሰፊሕ ተሳታፍነት ህዝቢ ዘውሕስ፣ ህዝባዊ ምንቅስቓስ እዩ። ንመራሕቲ ውድባት ትኬት ከፊልካ ኣብ ጣውላ ኣኪብካ ካብ ምዝርራብ፣ እዚ ህዝቢ ናይ ምውዳብን ምጥርናፍን ስራህ  ዝያዳ ጻዕሪ ዝሓትት በዳሂ ዕማም ምዃኑ ዘይሰሓት ኳ እንተኾነ፣ “መንገዲ ጥዕና ዓመት ኪዶ” ከም ዝብሃል፣ ክብደቱ ብዘየገድስ ነቲ ውሕስነትን ቀጻልነትን ዘለዎ መንገዲ ኢና ክንተሓሓዞ፣ ብመትከል ደው ክንብለሉ፣ ጸጋናን ተመክሮናን ከነፍጽሰሉ ዝግባእ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ኣማኑኤል ኢያሱ

11 ታሕሳስ, 2015

 

 

ክቡራት ሰማዕትና፣ ሃገራዊ ለውጢ ብህዝቢ ናይ ሓንቲ ሃገር ዝፍጸም ‘ኳ እንተዘይኮነ፣ ጂኦ-ፖለቲካዊ ጽልዋታት ‘ውን ከምዘለዎ ዝከሓድ ኣይኮነን። እዚ ዞባውን ኣህጉራውን ጽልዋታት ምስ መስርሕ ለውጢ ሃገርና ዘለዎ ዝምድና እንታይ ምዃኑ ከም ኣካል ናይዚ ኣርእስቲ ኣዳሊናዮ ዘለና ትሕዝቶ ኸኣ ኣብ ዝመጽእ መደብና ከነቕርበልኩም ኢና።

ሰናይ ምሸት ይግበረልኩም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
37 COMMENTS
  • kebary December 19, 2015

    bezi abahahla ezi amaniel eti abhagerawi agelglot ztseneh abal mengsti keman aymlketon eyu slezi neritrea ktsabekla zelewom ab agelglot zeytesatefun ab mengstawi srah zeyserhun ntsuhat zegatat tsiray eyom klrnu zelewom tsibuk hasab ele yetergmo .N DR.Bereket Nhzbi kmhr elka akribkayo nerka Nnebska Entay Temahirka khateka yfetu kubur haw ane kab Dr Bereket ztemaharkwo wala Ntselaeu ayzentselen KULUSEB KWASAE KEMZELEWO EMBER bhmak reayo aybelekan

  • Memhr December 19, 2015

    ኣገናዕ ራድዮ ኣሰና፤

    ኣብ ፖለቲካ ተቓውሞ ኤርትራ፣ ብዕምቆታ ቅንዕናኣን ሓቅነታን፣ ነዛ ናይ ሎሚ ፈነወ ራድዮ “ህዝቢ ኤርትራ: ናይ ስርዓት ለውጢ ደኣምበር ናይ ምስሌነታት ለውጢ ኣይኮነን ዘደልዮ ዘሎ – 2ይ ክፋል” ዝወዳደር ፍጹም የለን። ኩሉ ብዛዕባ ኤርትራ ዝግደስ ሰብ፣ ብፍላይ መንእሰያት፣ ብኣንክሮ ክሰምዕዋ ይግባእ::

    እወ: “ህዝቢ ኤርትራ: ናይ ስርዓት ለውጢ ደኣምበር ናይ ምስሌነታት ለውጢ ኣይኮነን ዘደልዮ ዘሎ – 2ይ ክፋል”

    የቐንየልና፣

  • kebary December 19, 2015

    Memhr eti nay srat lewtsi zbhal zelo Netom am dro ms hgdf zelewu ente zkewn ok hji gn Dro netom kem sebom N hgdef gedifom kemsebom hgerawi gubeom keberktu znkesakesu Ertrawian abesa Nayhgdef alekum elka mwngal eyu sleze eti abehahla bwegeney kubul aykonen slezi hasebka kthb ember haqi chele zereba seabwo mbal seb natu megletsi alewo Ntsebe emo abkoment degeftdo nekeftu ybezhu nrio nezi tsihuf

    • aman December 20, 2015

      niqalsi enkifat zkonu zelewu sebat kab meaz eyom hagwrawi gubeom ztebhale iseyasawi gubeom tetbl aymhashekan

  • Desey December 20, 2015

    ዝከበርካ ኣማኑኤል
    ብዛዕባ ኣብ ናይሮቢ ዝተገብረ ርክብ ብዙH መዲርካ፣ ተራኪብካ ኢሂን ምሂን ምባል እንታይ ነዉሪ ስለዘለዎ ኢዩ። እዚ ስለስተሰኣነ እንዲና ፋሕ ፋሕ ኢልና ዘሎና። ዕድል ንሃቦም፣ ይስርሑ፣ ግዜ ክመርሓና ኢዩ። ከም ዝርድኣኒ ዉልቃዊ ርክብን ፖለቲካዊ ዕላማን ትሓዋዉሶ ዘሎካ ኾይኑ ይስምዓኒ። ስለዚ ዳግመ ግምት ክትገብረሉ እምሕጸናካ።

  • ተወልደመድኅን December 20, 2015

    ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ክንድ ‘ዚ ዝዕበሰሉ ምኽንያት ብዙሓት ዝሓቱሉ ጉዳይ ኳ እንተኾነ ዛጊት ብቑዕ መልሲ ኣይረኸበን። ………….ንሱ ዝህቦ ምላሽ ግዜኡ ምስ ኣከለ’የ ዝዛረበሉ ኢዩ ዝብል።እዚ ቃልዚ ኢሳያስ’ውን ትርር ንዝበለ ሕቶ ግዜኡ ምስ ኣከለ’የ ዝዛረበሉ ኢሉ’ዩ ዝምልሽ።ን ኣብነት ኣብ ስዕረት ኩናት ባድመ ዝሕተትሉ ሰባት ኣለው፡ግዝ ኡ ምስ ኣከለ እከለን እከለን ክብሎም’የ ኢሉ ኔሩ።ክሳብ ሎሚ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ዝገንጸሎ ፋይል ጀነራላት የለን።ኣብዚ ቅሩብ ግዜ ኣብ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ቅልቅል ዝበለ ኣብርሃ ወልደሚካኤል ብዛዕባ መሬት ክዛረብ ከሎ ሎሚ ግዜኡ ኣኺሉ ኢሉ ነቲ 25 ዓመት ምላሽ ሲኢኑ ዝነበር ጉዳይ መሬት ኣልዒሉ ተዛሪቡ።ስለዚ ኣብ ህግ ዝጸንሑ ኩሎም ነተን ቃላት ኢሳያስ ነተን ኢሳይስ ክሳብ ሎሚ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ንህዝቢ ኤርትራ ኮለለ ዘበለለን ቃላት ይዛረቡ፡ነቲ ስራሕ’ቲ ኢዮም ከኣ ዝፈልጡ።ስለዚ መስፍን ብዛዕባ ዝፈልጦ ጉዳይ ክዛረብ ዘይከኣል’ዩ።ንሱ ጽቡቕ ግዜ ኢዩ ዝጽበ።መኣስ ንዝብል ሕቶ ግን እንድዒ።ብናተይ ኣረኣእያ መስፍን ከምቲ ካብ ፈለማ ምስ ውሑድ ቁጽሪ ጀሚሩ ናብዝበዝሐ ህግ ተሰጋጊሩ ቀጺሉ ኣብ ናጽነት ምብጻሑ ወዲ ኣዳም ክሰርሖ ዘይክእል ዝሰርሀ ተኣምራታዊ ሰብ ገይሩ ስለዝግምቶ፡ሕጂ’ውን 120 ዓመት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝጸንሕ’ዩ ዝመስሎ።

  • Hagherawi December 20, 2015

    “ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ክንድ ‘ዚ ዝዕበሰሉ ምኽንያት ብዙሓት ዝሓቱሉ ጉዳይ ኳ እንተኾነ ዛጊት ብቑዕ መልሲ ኣይረኸበን። ”

    Mesfun Hagos does need to explain to anybody what he was doing, because he can’t even do that, people now have enough information about dark side of the organization he and Iseyas run like mafia while Eritreans fought the enemy with exceptional heroism to free their country. The man is like a Nazi officer who looked after a death camp, and as such he has good reason to keep his mouth shut all the time. What do you want him to tell people ? that hundreds of young people who joined EPLF were summarily executed in Halewa Sewra because they wanted Iseyas to be accountable ?

  • Berhe Tenesea December 20, 2015

    you are completely right again. What is needed is a radical and drastic change. Issu Dictator and likes must be discarded for good.

  • Abate December 20, 2015

    Who killed the genius university students in the name of menkae? Who gave those democrats of challenged the leadership the name “menkae”? It is the firmer peasant bandit “Mesfin Hagos”
    I hope this explains the reason why…..

  • Amanu December 20, 2015

    Amanuel
    You are confused and you are confusing Inocent Eritreans. You can put your agenda whatever way you wish to put it. The issue is you have point of difference with the people you are exposing your views against them. I am not saying you do not have the right what you are doing, but you will be responsible for the issues that you are reasing. The Eritrean people have prime issue to fight the regiem in Eritrea, you are diverting this issue. Keep your evidence when we will have the court of justice then you will have the right to present your case, this also aplay to others yo defend and challenge your issues.

    • Genet-orginal December 22, 2015

      Amanu
      Amanuel’s issue is the Eritrean issue. You comment seems to be an attempt to intimidate. Why are you speaking for those people? aren’t they leader? why do they need you to defend them? or are they too big to speak to the Eritrean people and make their case? Because they are talking to you, don’t take it they are talking to the Eritrean people. The Eritrean people are sick and tired of the culture of intimidation and arrogance. Amanuel speaks for the Eritrean people. Amanuel is the true EPLF and Eritrean son.
      God bless our brother Amanuel.
      God bless our people and nation.

  • Honey December 20, 2015

    If we are championing democracy then we should not waste our time discussing un important isue. We should do what each one can. I personally believe strongly that apart from their contribution to the straggle for independence all of them are the same, they are obstacles to anything that is democratic. That is the culture they were brought up in sahil. Why can not we forget about them and organize our self. Let them do whatever they are trying to do. The people is fed up with them, we are not the sheep of yesterday. Amaniel seems to be too much obsessed with them. Let’s forget them and move on.

1 2 3 4

POST A COMMENT