Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝቢ ኤርትራ ነፍስናን መሬትናን ምርኣይ ምግጋይ ኴንና፡ ሎሚ ዘይነደርናስ መዓስ?!!!

ብዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሰ.ኣ.) ጥቅምቲ (October) 1: 2016 እዚ ትርእዩዎ ባህሪያዊ  ስእሊ ምድሪ  መሬት ኤርትራ ኣይኮነን! ግዳይ ውዲት ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስን ባህሪያዊ ጸጋታት ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ግሒጡ ምስ ወድኤ፡ ብዘይ ሓላፍነት የዕኒዩ ዝሃድም ባዕዳዊ ኩባንያን ዘስዕቦ

ብዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሰ.ኣ.)

ጥቅምቲ (October) 1: 2016

እዚ ትርእዩዎ ባህሪያዊ  ስእሊ ምድሪ  መሬት ኤርትራ ኣይኮነን! ግዳይ ውዲት ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስን ባህሪያዊ ጸጋታት ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ግሒጡ ምስ ወድኤ፡ ብዘይ ሓላፍነት የዕኒዩ ዝሃድም ባዕዳዊ ኩባንያን ዘስዕቦ ናይ ዘሎ ዕንወት ስእሊ`ዩ።

eri_miningመሬት ኩሉ ኢያ!  ህዝባ ምስ ዝሕልዋን ዝከናኸናን፡ ወሃቢት ኩሉ ዓይነታት ጸጋኣ ኢያ፤ ኣይትጠልምን`ያ!   ኣደ ምድራዊ  ህይወት`ያ፤ ናብ መሬት ክሳብ ንምለስ፡ ኩሉ ንህይወትና ዘገልግለና ካብ መሬት ኢና እንደልዮ። መሬት ጸጋኣ ክትልግሰልካ ኸኣ ክንክን የድልያ። ጸጋ ዝናብን  ጥዑም ኣየርን  ዘኽእሉ ኣጋራብ ብኽብሪ  ክትከናኸኖም ይሓትት፤ ፈርያም ሃብቲ መሬት ከይብሕጐጕ በግራብን ሮማዲ ሳዕርን ኪዕቀብ ትገብሮ፡ ትዛልዮ።  ዋናኣ ምስ ሰኣነት፡ ከብዳ ምስ ተጓሕጐሐት ግን ካበይ ኣምጺኣ ክትልግስ!  እዚ ትርእዩዎ ምርኣይ ምግጋይ መሬት ክንደይ ጉድ ዝተራእየሉ፡ ክንደይ ኣበሳ ዝተፈጸመሉ ተካል መሬት`ዩ። ንረብሓ ዋናታት መሬት ኣብ ከብዱ ዝዓቘሮ ባህሪያዊ ጸጋ ወርቂ፡ ነቭሱን ዝተባህለ ናይ ካናዳ ካምፓኒ፡ ንኣካባቢያ ጥዕና  ኣብ ግምት ከየእተወ ብምፍሓር፡ 60% ናብ ጁባኡ፡ 40% ናብ ጁባ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ 0% ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ምዕባለ ሃገርን፡ በስገዳድ ወፍሪ ባርነት፡ ኣብ ዓለም ዘይተራእየን ብሕጊ ክብሪ ወድሰብ ዓገብ ዘይተባህለሉን ኣብ ልዕሊ ህዝብን መሬትን  ናይ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ መርኣያ ኢዩ። እዚ ትርእዩዎ ዘሎኹም ምርኣይ ምግጋይ ኮይኑ ዘሎ መሬት፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ንህዝቡ ዝዓቘሮ ባህሪያዊ ሃብቲ ወርቁ ተዘሚቱ፡ ንዘለዓለም ምስሉ ዝተደወነ፡ ዝከላኸለሉ ዝሰኣነ ዘኽታም  መሬትና ኢዩ።

ንመሬቱ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ዘይተኣደነ መስዋእቲ ከፊሉ ካብ ኢድ ባዕዲ ናጻ ዘውጽአ ህዝቢ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ትም ኢሉ ክዝመት፡ ካብዚ ንላዕሊ ዘነድር እንታይ ኩነታትን  መዓስን ኢዩ ክመጾ ዝጽበ?!  እቲ መሪር ሓቂ ግን፡ ኤርትራ ካብ ቃልሲ ንናጽነት ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ከበሳን ቆላታትን ኣግራባ ብዘይ ንሕስያ በሪሱን ገና`ውን ከምዚ ኣብ ላዕሊ ንርእዮ ይበርስ ብምህላዉ፡ ንምድራበዳነት ቃልዕ ኮይና ምህላዋ ዘስደምምን ዘሕዝንን ኢዩ።

ጸጋ ሃገርካ ብባዕዳውያን ኪዝመትን መሬትካ ኪበርስን ከሎ ልዑል ነድሪ ከስዕብን መዕገቲ ኪትገብረሉ ዝግባእን ይኹን`ምበር፡ ካብኡ ንላዕሊ ከነድረና ዝግብኦ ከም ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ሓደ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺን በጻብዕ ዝቝጸሩ ጃንዳታቱን ንጸንት እናሃለና ዘይመነድሪና ንዓለም ከይተረፈ ኣስደሚሙዎ ኣሎ። እንታይ`ዩ ጉድና!  ፍረ ናይ ብሓድነት ምቅላስ ናጽነት ምዃኑ ዝረኣየ ህዝቢ፡ ሎሚ ከመይ ኢሉ ኢዩ ብጫሌዳዊ  ፍልልያት ብፍቓዱ ተበታቲኑ ኪጸንት ዝፈቅድ?!

ባዕዳዊ መግዛእቲታት – ነታ ትንፋስ ምልኣት ህይወትን ማእለማ ዝተወሃሃደ ሕብረተሰብን ዝኾነት፣ መሰላትን ግቡኣትን ስድራ ቤታትን እንዳታትን ከም ማእዶ ጠሚራ ዝሓዘት፡ ብሰላም ትልለ ዓዲ ካብ ሱራ ኪምሕዉዋ ኣይፈተኑን። መግዛእቲ ኢትዮጵያ ከይተረፈ፡ ዓዲታት ምቅጻልን ብጃምላ ምቕታልን ይፍጽም እኳ እንተ ነበረ፡ ንሕብረተሰብ ባሕጒጉ ከጽንት ኣይፈተነን። ዘየናሕሲ ፖለቲካዊ መቕተልቲ እናፈጸመ፡ እሱራት ኪብጽሑ፣ ኣብ ቅድሚ ፍርዲ  ኪቐርቡ ዕድል ይህብ ኔሩ ኢዩ። ሎሚኸ? ንግሁድ ነገር እንታይ ምዝርዛር የድልዮ!

ህዝቢ ኤርትራ መኣዝንና ስሒትና ኣብ ግጉይ መንገዲ ካብ ንጓዓዝ ብውሑዱ ልዕሊ ርብዒ ዘመን ሓሊፉና ኣሎ። ከም ህዝቢ ክልተ ናይ ጥፍኣትና ጠንቂ ንዝኾኑ ዝፈጸምናዮም ጉድለታት ንዘክር፡-

  1. ብፍቓድና ሕጋውን ባህሪያውን ስልጣን ህዝቢ ንውልቀመላኺ ሽፍታ ኣረኪብና ንፋሺስታዊ ስርዓት ኪስዕርር ጥጡሕሕሕሕሕ ሕ    ሕ ባይታ ፈጢርና ናይ ጥፍኣትናን ዕንወት ሃገርናን ጠንኪ ኴንና ምህላውና፡፤
  2. ንኺፍጠር ዕድል ዝሃብናዮ ፋሺስታዊ ስርዓት ብስሙር ህዝባዊ ድምጽን ሓይልን ኣልጊስና፡ ግዝኣተ ሕጊ ተኺልና ፍትሒ ዘውሕስ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ከይንተክል፡ ብውድበይ ውድብካ፣ ወገነይ ወገንካ፣ ሃይማኖተይ ሃይማኖትካ ወ.ዘ.ተ. – ኣብ ትርጉም ኣልቦን ሓደገይናን ጫሌዳዊ ዓዘቕቲ ምፍልላይ ጥሒልናን፣ ናይ እንታይ ገዲሱኒ ገበን ምፍጻምናን (Indifference is the greatest crime)  ንጸሊም ደመና ዕንወት ሃገርን ስቓይ ህዝብን ኪናዋሕ  ባዕልና ጠንቂ ንኸውን ምህላውና ኢዩ። እዚ ዝተጠቕሰ ክልቲኡ ዓበይቲ ጕድለታት ኢድ ባዕዲ ዘይብሉ ባዕልና ንሕተተሉ መልመስቲ ኢዩ። ድሕሪ`ቲ ንምሉእ ዓለም ዘገረመ ጽንዓትን ዓወትን ምዃኑ ከኣ ንምሉእ ዓለም ዳግም የገርም ኣሎ።

ነዚ መሪር ሓቂ፡ ንሓዋሩ ፍጹም ከይጸልመተ  ኪስቆረናን ክንበራበረሉን ይግብኣና። ካብ ጊዜ ቃልሲ ጀሚሩ ትርጉም ብረሃጽካ ምንባር ዘይፈልጥ ውልቀመላኺ፡ ብዘይ ንሕስያ ካብ ህዝቢ እናሸምጠጠን እናመንዘዐን ዓዲ ዝኣተወ፡ ናይ ተዅላ ባህሪኡ ኪቕርን ሓላዪ ህዝቢ ኪኸውንን ተጸቢናዮ። እንተ ኾነ – ወዲ ድሙ ነይገድፍ ግብረ እሙ – ከም ዝበሃል፡ ንሽፍታዊ ባህሪኡ ናብ ፋሺስትነት ብምዕዛዝ፡ ንግድን ሸቐጥን ማሕረስን ሽቕለትን ከልኪሉ፣ ንኣፍራዪ ጕልበትን መሃዚ ኣእምሮን መንእሰይ ብወፍሪ ባርነት ኣደንዚዙ፣ ናይ ትምህርትን ምዕባለን ምጽልማት ኣዊጁ፣ ኣብ ርእሲ`ቲ ብወለንትኡ ዝኣወጆ ተኻታታሊ ኣጽናቲ ኲናታት፡ ብዘይ ክስን ግቡእ ፍርድን ሰባት ምእሳርን ምጽናትን ዕለታዊ ህይወት ምግባሩ፣ ብኣልማማ ሃገር ብዘይ ፍቓድ ወረቐት ህዝባ ዘይንቀሳቐሰላ  ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ኮይና ኣላ። ከም ህዝቢ፡ ኣብ ዝሃለና ንሃሉ፡ ኣብዚ ህሞት`ዚ  ዘይነደርናን ምእንቲ ፍትሒ ብሓባር ቅልጽምና ዘየልዓልናን መዓስ ኢና ንህላዌና ክንበረበር?!!!

መሬት ፍጹም ከይጸልመተ፡   ብሓባር ብዕትበት ዘቲና መፍትሒ ክንረኽበሉ ሕቶ ቀጻልነት ከም ህዝብን ሃገርን ምህላውና ወይ ዘይምህላውና ኢዩ። ንዘይምህላዉ ዝመረጸ ህዝቢ ዓለም ቅድሚ ሕጂ ኣይተራእየን፤ ቀዳሞት ኤርትራውያን ኴንና ከይንረከብ ኣቲናዮ ዘለና ሃገራዊ ኣፈርክቡ  ክንበራበረሉ ዝግብኣና ህሞት ምዃኑ ዘከራኽር ኣይኮነን። እቲ ብዓለማዊ ተበግሶ ዝካየድ ዘሎ ህጹጽ ጻውዒት ህዝባዊ ምንቅስቓስ – ካብ ባይታ ክብገስ ዝግብኦ ናይ ህዝብን፡ ንህዝብን፡ ንህዝብን ሓባራዊ ቃልሲ መተካእታ ዘይብሉ ፍታሕ ሽግር ሃገር ምዃኑ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ዜጋ ዛጊት ተገንዚቡዎ ዘሎ ጉዳይ ኢዩ። እቲ ተሪፉ ዘሎ ዕማም ኣብ ግብሪ ምትርጓሙ ኢዩ።  እቲ ምንታይ፡ ትዝርብ ውዒልካ እንተ ሓደርካ፡  ኣብ መወዳእትኡ፡ እቲ ወሳኒ ግብርን ውጽኢትን ጥራይ ኢዩ። እዛ ሓላፍነት እዚኣ ኣፍጢጣ ካብ ትጥምተና ርብዒ ዘመን ሓሊፉና ኣሎሞ፡ ንዕዙዝ ጉዳይና ከም ዘይናትና ምርኣይ ይኣክል ንበሎ።

“እምነት ብዘይ ግብሪ፡ ጸሎት ብዘይ ፍቕሪ ኣይፈቱን ረቢ/ፈጣሪ።

ከምቲ “ሓዊ ኣተወካ እንተ በልዎስ ደሓን ሳዕሪ ተኸዲነ`ለኹ“ ዝበለ ኣይንኹን።

“ኣሕዋት ምስ ዚሰምሩ፡ እንታይ ዘይገብሩ፣

“ኣሕዋት ምስ ዚጻልኡ፡ እንታይ ዘየጥፍኡ።“ 

ዝብል ልቦና ቀዳሞት ዘኪርና፡  ካብ ታሪኽናን እዋናዊ  ኩነታት ሃገርናን ተማሂርና፡ ንድሕነትና ንጠቐመሉ።

ፍትሒ ኪነግስ፡ ምልኪ ነልግስ!

ራህዋን ሰላምን ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!!

ቅዱስ ግብራዊ ዝኽሪ ንሰማእታት ሃገር!!!

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • k.tewolde October 5, 2016

    Delivering sane advice to otherwise insane and incoherent world we live in.Thanks Ogbai. We just living a lie,a compulsory subject that was thought in the schools of HGDEF for decades and they perfected it to the tee that the students will try to convince you that Eritrea is poised to test launch an ICBM.The dictator promised them so many things that he failed to deliver,he duped them,he bamboozled them to the point of delirium,he fixed them the he way he wanted to the point if you ask them a question they will answer it the same way word for word like a papagallo. That is what happens when you idolize a human being. Time to go back to basics like our forefathers,worship the one who promises a day and delivers a good day,worship the one who promises a starry night and delivers a dazzling,serene and restful night……worship Lord the highest,He will never let you down.He delivers what he promises.Lets go back to him he will show us the way,he is been doing it all along,we just didn’t pay attention to him.Ogbai thanks again.

  • AHMED SALEH !!! October 5, 2016

    True , after our people surrendered their faith , respectful tradition and humble attitude was the beginning
    of darkness . We are in dire need for soul searching . To find joy and light requires our desire to do GOD’s
    will regardless others interpret it or accept it . above all we should shine to be true for ourselves .
    Allah – Eghziabher is merciful if we ask for forgiveness to regain courage and strength in our life . . .
    Thank you Ato Okbay for your brotherly spiritual advice .to say” IMNET BIZEY GHBRI XELOT BIZEY FIKRI AYFETUN REBI/ FETARI “.. Indeed it is inspirational words with meaningful message .

  • k.tewolde October 5, 2016

    This picture that you see above used to be the land that we roamed,ate bojboj,mingled with our people,built ma’askerat for rest and regrouping,fought battles and buried our fallen,now,they are not only robbing us in broad daylight,they are exhuming our dead with their excavators and contaminating our soil and drinking water with mercury.Just a recollection,a distant memory,cry my beloved land cry,missing you like crazy.

  • DESALEGN October 6, 2016

    ህዝቢ ኤርትራ ወሪድዎ ዘሎ ሽግርን ጸበባን ጥራሕ ዘይኮነ ሰረትና ፍጹም ኣብ ዝበርሰሉ ዘሎን ደረጃ ጥፍኣትን ክንበጽሕ ዝኻኣልና ብቐንዱ ህዝቢ ብገዛእ ኢዱ ዘሳወሮ ወይ ዝፈጠሮም ጸገማት ስጋብ ዝኾኑ ሕጂዉን እቲ እንኮ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል ህዝቢ ምኻኑ ኣሚና ሓድነት ፈጢርና ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገማት በቲ ዝድለ ኣገባብ ምስ እንገጥሞ ክንስዕሮ ምኻና ዘጠራጥር ነገር የለን እዩ። ተበዲንና ክንስና ርእስና ነድንነሉ ወይ ንምብርከኸሉ ዝኾነ ዓይነት ምኽንያት ኣይክህሉን እዩ። ኣብ ዝሕጂ እዋን መብዛሕትና ኤርትራዊያን ሰብ ከሙኻና መጠን ኣብ ክንዲ ከም ወዲ ሰብ ንሰርሕ ናብ ሰብ መሰል ተንቀሳቓሲ ባንቡላ ወይ ናብ በድን ዝኾነ ነገር ተቐይርና ከምዘለና ምስትውዓል ይግበኣና ጥራሕ ዘይኮነ ንዘለና ናይ ሞራል ድኽመታትና ኣሪምና ከም ወዲ ሰብ ዝሰርሖም ስራሓት እንተሰራሕናን ንሓፋሽ ህዝብና ካብዚ ወዲቕዎ ዘሎ ሓደጋ ክነውጽኦ ኤርትራዊያን ዓቲብና ንሰርሓሉ ጊዜ ሕጂ እዩ።

    ኣቶ ዑቕባይ ገብረመድህን ንኣቕሪብካዮ ዘለኻ ስነጽሑፍን ትሕዝትኡን ንዝበዝሐ ህብረተሰብና በቲ ዝርደኦ ቓንቋ ምቕራብካ ከመስግነካ ይደሊ። ንትሕዝቶ ጽሑፍካ ዝምልከት ኣብ ሓቂ ዝተሞርኮሰ ብምኻኑ ከኣ ፍሉይነት ዘለዎን ገልጽን ኮይኑ ረኺበዮ ኣለኹ።

    የቐንየልና ዑቅባይ!

POST A COMMENT