Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ መረታ ቐይሕ ኣብ ዝባን ድብታ ካብ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ክሃድሙ ዝፈተኑ ግዳያት፣ ስርዓት ህግደፍ ብጥይት ተሳሂሉዎም።

ህዝቢ መረታ ቐይሕ፣ ካብ መዕቆቢ ተጋደልቲ ናብ ቤትማእሰርቲ ከመይ ኣለኹም  ኩላህኩም መደብ ኣሰና። ኣነ ብእተማሓላልፍዎ ዜና ይኹን ሓበሬታ ብኹሎም መደባትኩም ዕጉብ እየ። ኣብ ስራሕኩም ይኹን መደባትኩም ዓወት ይምነየልኩም። እዛ ዜና ዝሰደልኩም ዘለኹ ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ናይ

ህዝቢ መረታ ቐይሕ፣ ካብ መዕቆቢ ተጋደልቲ ናብ ቤትማእሰርቲ
ከመይ ኣለኹም  ኩላህኩም መደብ ኣሰና። ኣነ ብእተማሓላልፍዎ ዜና ይኹን ሓበሬታ ብኹሎም መደባትኩም ዕጉብ እየ። ኣብ ስራሕኩም ይኹን መደባትኩም ዓወት ይምነየልኩም። እዛ ዜና ዝሰደልኩም ዘለኹ ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ናይ ዓይኒ ምስክር ዝረኸብኩዋ እያ ‘ሞ ከተቃልሕዎ ንህዝቦም ክትነግሩሎም ተስፋ ይገብር።
ኣብ መርታ ቐይሕ ኣብ ዝባን-ድብታ ኣብ ጥቓ ገርገራ ዝተባህለ ዓዲ ቤትማእሰርቲ ኣሎ። እዚ ቦታ እዚ ጣልያን ኖራ ዝፍሕረሉ ዝነበረ ኣዝዩ ምቖት ኣብ ርእሲ ምዃኑ እቶም እሱራት መብዛሕቶኦም ንስግረ ዶብ ሓሲብኩም ተባሂሎም ዝተኣስሩ ብዕድመ ‘ውን ናኣሽቱ  ብምዃኖም ኣዝዩ ክቢድ ሽግር ወዲቖዎም ይርከቡ። ኣብ ርእሲ’ዚ ናይ ጥሜት ስቓይ ኣለዎም ካብ ስድራቤቶም ዝመጾም ዝነበረ መግቢ ከልኪሎሞም። ብድሕሪ’ዚ ብዕለት  01.02.2015 (ለካቲት) ካብ ብጥሜት ምማት ኢሎም ክሃድሙ ፈቲኖም፣ በቶም ሓለውቶም ዝነበሩ ንዘርከብዎ ብበትሪ ንዘይ ኣርከብዎ ድማ ብጥይት ተሳሂሎሞም። ሕጂ ስድራ-ቤቶም ምእታው ስለዝኸልኡዎም እቶም ሓለውቲ ደቆም ብሂወት ኣለዉ ዶ የለዉን ምርግጋጽ ጸጊምዎም ምህላዉ ስድርኦም ብምረት የስቆርቍሩ ኣለዉ። ዝተሃስዩ ንሕክምና ኢሎም ክምዝወሰድዎም ውን ብዓይኖም ዝራኣዩ ይሕብሩ። ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ፣ ግን ከኣ ኣማራጺ የለን።
 መረታ ቐይሕ ኣብ ግዜ ገድሊ ምስ ህዝባዊ ግንባር ጥቡቕ ናይ ቃልሲ ርክብ ዝነበሮን ቀንዲ መደበሮም ተጋደልቲ ዝነብረን እዩ። ካብ ኣስመራ ብድባርዋ ብድግና ሽከቲ ደቀምሓረ ዝመጽእ ዝነበረ ንብረት እቲ ህዝቢ ባዕሉ ነቲ ቓልሲ ከም ናቱ ብምሕሳብ ንዓላ ብውሊዕጾሩ  ከምኡ ‘ውን ብዓዲ ዓግማይ ንጾሮና ብምስግጋርን ፣ ምስ ህዝቢ አቲ ከባቢ እንዳ ተሓባበረ (ምስ ጽልማ ፣ሰሓርቲ፣ እንጋንኣ) ሓበሬታ ኣብ ምእካብ ሉዑል ተራ ነይሩዎ። ከምኡ ‘ውን  ናይ ጀማሂር መዕቆብን መዋፈሪን ብምንባሩ ብዓል መምህር በየነ ፣ሸያቦ ፣ወዲ ሕያ ዝባሃሉ ጀማሂር ንመረታ ቐይሕ ኣብ ማይ ረገን ዝባሃል ናይ ገደለ ቀላሚጦሳት ብምእካብ ብድሕሪ ናጽነት ዘሎ ህይወትን ስጋብ  ናጽነት ዘሎ መስተናኽላትን ብኑጹር ብምርዳእ፣ እቲ ህዝቢ ብዝእተወሉ ዝነበረ መብጽዓን ጎስጎስትን ኣሚኑ ባዕሉ ብባዕሉ ሕድሕዱ ጎስጓስ ብምግባር ቀያሕቲ  ዕንበባ ካብ ውሽጡ ኣፍሪዩ ነይሩ። ከምኡ ‘ውን ኣብዚ ህግደፍ ቤት ማእሰርቲ ገይሩዎ ዘሎ ቦታ ህዝባዊ ምልሻ ኣቝሞም ንዓዶም ካብ ጸላኢ ይከላኸሉ ነይሮም። ደቂ መረታ ቐይሕ ንመረቶም ኣድቂቖም ስለዝፈልጥዎ ጸላኢኦም ብመንደፈራን ድባርባን ዝወፈረ ብድድያን ብከበባን ዝሕምሽሽሉ ዝነበረ ቦታ እዩ። እዚ ቦታ እዚ ተደጋጋሚ ምስ ጸላኢ ኩናት ዝካየደሉ ዝነበረ እዩ። ብዙሓት ጀጋኑ ምእንቲ ናጽነትን ሓርነትን ህወቶም ዝኸፈሉሉ እዩ። ክም ብዓል መምህር በየነ (ጀማሂር) ከምኡ ‘ውን ህዝባዊ ማሊሻ ኣቦ ሓሙሽተ ቆልዑ ኮኾቡ ገዝሃይ ኣብ መረት ዓዱ  ብጅግንነት ዝትሰዋኣሉ  ቦታ እዩ። እዞም ኣቦታት እዚኦም ካብ ደቀምሓረ ተብጊሱ ናብ ኮርባርያ ዝመጽእ ጸላኢ ‘ውን ዓዶም ኣድቂቖም ስለዝፈልጥዎ ብዝመጾ ገጢሞም ይሕምሽሽዎ ኔሮም። ንነብሶም ተጋዲሎም ደቆም ‘ውን ኣጋዲሎም ከምኩሉ ኤርትራዊ ደቆም ድስዋእ ተሰዊኡ ድስንክል ሰንኪሉ ካብ ቡሱል ጥረ ዝተረፈ ኸኣ ድሕሪ ናጽነት ተሰዲዱ። ነዞም ህዝቢ እዚኦም ዝታኣትወሎም መብጻዓታትን ትምኒታትን ክሓቱ ምስ ጀመሩ፣ ሕቶ ንኸይሓቱ ዲጋ ይሰርሕ ኣሎኹ እዳበለ ኣብ ደቂ-ደቆምን ኣብ ደቆምን ኣብ ቅድሚኦም በቲ ካብ ጸላኢ መንጢሎም ዘጽንሑዎ ብረት ምዝልዓፍን ምድሃልን ኮይኑ ስርሖም። እቲ ተጋዲሉ ዘጋደለ ህዝቢ ከምዚ ዝኣመሰለ ከቢድ ጥልመት ክወርዶ ኸሎ ፣ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ።
ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ
ስኒት ሜሮን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
25 COMMENTS
  • oromay March 21, 2015

    Abzi assenna zitshfu ade hade sebat 03 iyom. Kibret zeyfeltiwo ab adi imatom rekibom rediat inatekelebu zeykone koynu, hasot inanezhu nhzbi ertra zewardu kfue zitmneyu, hzbi zeybelo ilu inabelu zelakiu kem hgdef merat aimro zelezelewom, bawauraja bhaymanot kewriu tsehaybtiarbom ala. Kemziom aynet ztshfwo nay tseleme zemete ab hagern nzbin kemey geyru iyu Amanuel zifekdelom zelo zigerim iyu. Posting hgi alena yiblu gina zuserhilu aymeslenin.

POST A COMMENT