Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝበይ ንድሕነትካ!

ህዝበይ ንድሕነትካ! ዕቡይ *ባልዋ ከሎ ቤትና ዝዝመተ   *ኣርሓ መፍለስ መሬት ኣብ ምውግሑ ሃገር ዘጸልመተ ብመሬትን ባሕርን ህዝብና ዘጽነተ ካብ ሱሩ ክንነቕሎ ብሓያል መኸተ ኢድን ልብን ኴንና ኣብ ክንዲ ንዛተ ዘርእና ነሀጉግ ገና ከይሸወተ! ብሓደ መሪሽና ቅርዓት ከይንረግጽ እቲ ዝዓንተረ ንድኹም ክጉዕጽጽ *ሓንዘር ብድኽመትና ከሽካዕልል ከላግጽ  *ቅንፍዝ ህዝብና

ህዝበይ ንድሕነትካ!
ዕቡይ *ባልዋ ከሎ ቤትና ዝዝመተ   *ኣርሓ መፍለስ
መሬት ኣብ ምውግሑ ሃገር ዘጸልመተ
ብመሬትን ባሕርን ህዝብና ዘጽነተ
ካብ ሱሩ ክንነቕሎ ብሓያል መኸተ
ኢድን ልብን ኴንና ኣብ ክንዲ ንዛተ
ዘርእና ነሀጉግ ገና ከይሸወተ!
ብሓደ መሪሽና ቅርዓት ከይንረግጽ
እቲ ዝዓንተረ ንድኹም ክጉዕጽጽ
*ሓንዘር ብድኽመትና ከሽካዕልል ከላግጽ  *ቅንፍዝ
ህዝብና ዝመርሖ ሽም ንህቢ ከይመርጽ
‘ኣይትሕለም!’ ኢሉዎ ተስፋ ንኽቖርጽ!
ናይ ሓባር ጸላኢ ብሓባር ከይውቃዕ
‘ይጸገንዶ ይፍረስ?’ ኢልና ክንካታዕ
ደገፍቲ ምልኪውን ስርሖም ምጥቓዕ
ውጹዕ ተሰዲዱ ንዓመጽ ይቃላዕ
ዝወረዶ ህዝቢ ብክልተ ይጽፋዕ!
ሕሱም ጸላኢና ጠሪሱ ክድምሰስ
ሓድነት ዓጢቕና ንፍትሒ ከይንቃለስ
ብዓድን ብዓውድን ከንቱ ክንካሰስ
ከምዛ ሽንቲ ገመል ንድሕሪት ክንምለስ
ሓዘን ዘይኣኽሎ ህዝብና ዘይድበስ!
ዓቕምና መዚኑ እዚ ዕቡይ *ደማሒ       *መላኺ
ጸዳል ደሞክራሲ ክንደልያ ኣብ ወርሒ
እናሓጨጨልና ንደለይቲ ፍትሒ
ህጁም ከይንኣቱዎ ብሓደ መምርሒ
ሕድሕድ ንምጥቃዕ ክንካሰስ ብሽርሒ
መድሃኒት ኴንናዮ ዕድመ መናውሒ!
ህዝብና ዘጥፍአ ክብረቱ ቀንጢጡ
ጸላኢና እንከሎ ኮፍ ኢሉ ኣራጢጡ
ወገን ክንፈላሊ *ኣብሪምና ሓቢጡ   *ልብና
ወፍርና ካብ ሸቶ ተኣልዩ ኣንገልሒጡ
እቲ መላኺውን ድኽመትና ፈሊጡ
ሓዊ ይኣጉደልና’ሎ ክርቢት ሸሸርጢጡ!
እስከ ድሕረት ይትረፍ ወገንኩም ወገንና
ሰልፍታትውን ይጽናሕ ክሳዕ ዝወግሓልና
ንየማነ ጸጋም ንድሕሪት ከይበልና
ምልክነት ክንቀብር ጠንቂ ናይ ጥፍኣትና
ብሓድነት ንምናዕ ህዝበይ ንድሕነትና!
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 19-02-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • GOJAM February 19, 2014

    My brother Mesinas pleas don’t posted that ( NAYE AGELGELTI ) picture.If you are rill we need to see your picture.

    • Aziza Abdulkerim February 19, 2014

      Gojam
      What are you trying to say?????

      • Gojam February 21, 2014

        I am saying that picture been used a lot of times with people’s who have hating agendas that was my point. I have no problem with what he is saying I love it.

    • ERITRAWIT February 20, 2014

      Gojam,
      I think the picture is perfect it blend with Mesinas poem and the message he is trying to tell us.
      Well done Mesinas halaye nhzbu lets not give the satisfaction for the person who is killing us equally.

  • Dala ksha February 19, 2014

    Gojam
    I don’t understand what you mean by agelgelti.

    • Gojam February 21, 2014

      Agelgelti means who brought as slavery by our brothers and sisters blood. Still working for Higdef outside and inside specially among as inside ABTEQAWEMTI. I hope you got it my friends.

  • Habte Kifle February 20, 2014

    Dear Mesinas,

    YIBEL GHITMI!!!!
    AJOKA AJONA, NEKALAAYOO NIDEMAHI HABIRNA!!!

Post a Reply to Habte Kifle Cancel Reply