Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህልዋት እናቐተልካ ስውኣት ከተኽብር ብኸመይ መገዲ…..?

ናጽነት ኤርትራ ፍረ 20 ሰነ መዓልቲ ስውኣት እያ፡፡ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ: ንኹሎም እቶም ንስለ ናጽነት ህይወቶም በጃ ዝኸፈሉ ጀጋኑና ብፍሉይ እንዝክረላ: መብጽዓና እነሓድሰላ: ክብርቲ ዕለት ስለ ዝኾነት፡፡ እቲ ምንታይ ጀጋኑና ንሞት እናተቐዳደሙ ግንባሮም

ናጽነት ኤርትራ ፍረ 20 ሰነ መዓልቲ ስውኣት እያ፡፡ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ: ንኹሎም እቶም ንስለ ናጽነት ህይወቶም በጃ ዝኸፈሉ ጀጋኑና ብፍሉይ እንዝክረላ: መብጽዓና እነሓድሰላ: ክብርቲ ዕለት ስለ ዝኾነት፡፡ እቲ ምንታይ ጀጋኑና ንሞት እናተቐዳደሙ ግንባሮም እንተዘይህቡ፡ ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ስዓብ ሕመረት መትከሎም እንተዘይ ገብሩ፡ 24 ግንቦት ክሳድና ኣቕኒዕና ብዓውታ ናጽነት ኣይመድመጽናን፡፡ እንተኾነ ጀጋኑና ንስለ መሬታዊ ናጽነት ኤርትራ ጥራይ ክቡር ህይወቶም ኣይወፈዩን፡፡ እቲ ብልቢ ኣሚኖምሉ ዓወት ንሓፋሽ እናበሉ ዝተሰውእሉ መትከላት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ እውን ከምኡ ዝብል ፕሮግራምን ቻርተራትን ዝሓቖፈ ኣይነበረን፡፡ እቲ ብደም ጀጋኑ ዝተጻሕፈ መትከላት ህዝባዊ ግንባር ቅድም ናጽነት ምርግጋጽ ቀጺሉ ሓንቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝነገሳ ነጻ ኤርትራ ምህናጽ ኢዩ ዝብል ዝነበረ፡፡ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ምትካል፡፡ እቲ ቀዳማይን ዝዓበየን ጌጋ መሪሕነት ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ካብዚ’ዩ ዝጅምር፡፡ ጀጋኑ ስውኣትና ዓወት ንሓፋሽ እናበሉ ዝተሰውኡሉ መትከልን ዕላማን ብውሑዳት ተበለጽቲ ተጠሊሙ ሕድሮም ስለ ዝተረግጸ፡፡

እቲ ብቓጻ በትረስልጣን ሕሉፍ ምልክነት ዝጨበጠ ናይ ውሕዳት ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ድማ፡ ነቲ ብደም ዝተጻሕፈ መትከላት ጀጋኑ ረጊጹ፡ ሕድሪ ስዋኣትና ምሉእ ብምሉእ ጠሊሙ፡ ሓድጊ ጀጋኑና ኣብ ምጽናትን ኣብ ምቕታልን ኣብ ምእሳርን ኣብ ምጭፍጫፍን ኢዩ ኣትዩ፡፡ እንቋዕ ድኣ ህያብ ጀጋኑ ስውኣትና ዝኾነት ናጽነት ረኸብና እምበር፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ከም ኣዳም ዝበለ ህዝቢ ኤርትራ ብዝገደደን ብዝኸፈአን ተረጊጹ ስለ ዝተቐትለ ዝፈትዋን ዝናፍቓን ዓዱ ገዲፉ እግሩ ናብ ዝመረሖ ክበታተን ኢዩ ተራእዩ፡፡ እቲ ዝኸፈኣ ድማ  ህግደፍ ታሪኽ ጀጋኑ ስዋኣትና ላዝኡ ኣጥፊኡ ከም ዝጅላሕን ከም ዝብረዝን ገይሩ ኢዩ፡፡ ንኽብሪ ጀጋኑና ዘንተ እለት እንዝክረሉ ቀዋሚ ዓቢ ሓወልቲ እውን ክሳብ እዛ መጠረሽታ ሰዓታት ክትከለሎም ኣይርኣናን፡፡ ጎደናታት ኣስመራ ብዘይርዳኣካን ዘይተሓዝን ስጊንጢር ኣስማት ክቐየር እንከሎ መዘከርታ ስሙያት ጀጋኑ ስውኣትና እውን ንፈውሲ ማሕላ ክርቋሕ ኣይሰማዕናን ኣይረኣናን፡፡ ሓወልቲ ፑሽኪን ግን ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ተተኺሉ፡፡ እዚ’ዩ እቲ ብስም ጀጋኑ ዝምሕልን ዝጥሕል ዝሽቅጥን ናይ ውሑዳን ተበለጽቲ ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ፡፡

20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ከምቲ ቀዲመ ዝበልክዎ፡ ናይታ ፍርአ ኣብ 24 ግንቦት 1991 ዝረኸበናያ ናጽነት፡ ብደምን ኣዕጽምትን ዝዓበየትን ዝፈረየትን ተኽሊ ብቑሊ ኢያ፡፡ እዛ ብደምን ኣዕጽምትን ዝጨብጨበት ተኽሊ እያ ድማ እታ እንሕበነላን እንኾርዓላን ናጽነት፡፡ የግድስ እቲ ንመትከላትን መብጽዓን ስውኣትና ምሉእ ብምሉእ ዝጠለመ ስርዓት ህግደፍ፡ ነዛ ብደምን ኣዕጽምትን ዝተተኽለት ተኽሊ ፍርቂ ኣካላ ኣቐምሲሉ ወጅሃታ ከም ዝሃስስን ከም ዝድውንን ገይርዎ ኢዩ፡፡ ትርጉም ናጽነት ክሳብ ድንግርግር ኢሉ ዝጠፍኣና ከሳድና ከም ነድንንን ኣብ ዘበናዊ ባርነት ከም ንቑረንን ገይሩና ኢዩ፡፡ ስድራቤታት ጀጋኑ ስዋኣት ውሽጡ ሕሩር ኮይኖም ብጓሂ እህህህ ከም ዝብሉ፡ ደቂ ስውኣት ከምዝቃዝኑን ከም ዝከላበቱን፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ስዋኣት ከም ዝርገጹን ከም ዝበታተኑን ገይሩ ኢዩ፡፡ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ዘስደመመ ኤርትራውያን መናእሰያት ካብ ባርነታዊ ሙቑሕ ህግደፍ ንኸምልጡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ክጥሕሉ፡ ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ውሽጣዊ ኣካሎቶም ተዘሪፉ ብዘይ ንቡር ቀብሪ ክድርበዩ ማዕከናት ዜና ዓለም ሰኒዶነኦ ኣለዋ፡፡ ብዙሓት ካብዞም ግዳያት ድማ ኣሕዋት ስውኣትን ደቂ ስውኣትን ንሃገር ብጻዕዳ ገዲፎም ብጸሊም ኢዶም ዝሰርሑን ዘበርከቱን ኢዮም፡፡ ነዚ ክትርእዮ ዘይኮነ ክትሰምዖ እውን ዘደንጹ እከያት ብቓልዕ ዝፈጸመን ገና ውን ዝቕጽሎ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ህልዋት እናቐተለ ብኸመይ ኢዩ ስዋኣትና ዘኽብር…..?

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 20 ሰነ 2012 መዓልቲ ስውኣት ብተመሳሳሊ ኣርእስቲ ህልዋት እናቐተልካ ስውኣት ከተኽብር ኣይከኣልን’ዩ፡፡ ኣብ ዝብል ጽሑፈይ ናይቲ ካብ መናበይ ዘኽታማት ኦርፋን ኣብዘይ ዕድሚኡ ናብ መሰልጠኒ ማእከል ህግደፍ ኪሎማ ተወሲዱ ኣብ ተሃድሶ በይሉል ተኣሲሩ ክልተ ኣእዳዉ ዝለመሰ ኣቡኡን ኣዲኡን ንስለ ናጽነት ዝኸፈለ መቓልሕ ዝስሙ ግዳይ ከም ኣብነት ኣቕሪበ ምንባረይ ዝዝከር ኢዩ፡፡ ናይ ውሑዳት ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ዝፈጸሞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ናይ ጭካነ ተግባራት ግን ኣዝዮም ብዙሓት ኢዮም፡፡ ንሎሚ ድማ ነዚ ህልዋት እናቐተለ ስውኣት የኽብርየ ዝብል ምስሉይ ስርዓት ተግባራቱ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ እቲ ከይረኣየ ሰሚዑ ዝደናገር ኣብ ድያስፖራ ዝነብር ወገን ንኽፈልጦ ሓደ ክልተ ግዳያት ከም ኣብነት ክጠቅስ እየ፡፡

ዮናስ ወዲ ግሪሊስ ኣርባዕተ ኣሕዋቱ ቅድምን ድሕርን ናጽነት ንስለ ሃገር ዝኸፈለ ኣሕዋት ጀጋኑ ኢዩ፡፡ ዮናስ ኣባል ሓምሻይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኢዩ፡፡ ካብቶም ንስለ ናጽነት ንበረኻታት ሳሕል ዝወፈሩ ኣርባዕተ ኣሕዋቱ ሓደ ጥራይ ኢዩ ካብ ብሱል ጥረ ተሪፉ ናጽነት ክርኢ ዝበቐዐ፡፡ እቶም ሰለስተ ንስለ ናጽነት በጃ ኾይኖም ተሰዊኦም ኢዮም፡፡ እቲ ናብ ናጽነት ዝኣተወ ሓደ ሓዉ ድማ ኣብቲ ድሒሩ ብሰበብ ባድመ ዝተባርዐ ኣህላቒ ኲናት ኣብ ውግእ ዓዲ ሃኪን ኣዛዚ ቦጦሎኒ ኮይኑ ተሰዊኡ ኢዩ፡፡ እታ ሽዱሽተ ዝወለደት ኣደ ዮናስ ወዲ ግርሊስ ንዮናስን ሓንቲ ንእሽቶ ሓፍቱን ሒዛ ኢያ ተሪፋ፡፡ ዮናስ መስዋእቲ እቲ ካብ ብሱል ጥረ ዝተረፈ ተጋዳላይ ሓዉ ብወረ ወረ ምስ ሰመዐ፡ ናብ ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ብኢደ ዋኒኑ ብምኻድ ከምዚ ክብል ተዛረቦ፡፡ “ሰለስተ ኣሕዋተይ ንናጽነት ተሰዊኦም ኢዮም፡፡ ሕጂ ድማ ኣዛዚ ቦጦሎኒ ዝነበረ ሓወይ ኣብ ውግእ ዓዲ ሃኪን ከም ዝተሰወአ ብወረ ከዕልሉ ሰሚዔ ኣለኹ፡፡ ኣብ ገዛ ኣነን ምንኣሰይ ሓፍተይን ጥራይ ኢና ተሪፍና፡፡ ሓፍተይ ውን ኣብ ኣገልግሎት ኢያ ዘላ፡፡ እንተተኻኢሉ ነደይ ከሐግዝ ሓድጊ ክኸውን ክምለስ ፍቐደለይ፡፡ እንተዘይ ኮይኑ ኣነ ኣብ ሓይልታት ኣብ መሳርዕ እየ ዘለኹ፡፡ ውግእ ድማ ሰባት’ዩ ዝበልዕ፡፡ ንሂወተይ ዝሓዝኩላ ውሕስነት የብለይን፡፡ ገዛ ጻንታ ካብ ትኸውን ኣብ ክፍልታት ኮይነ ግቡኣይ ከበርክት ፍቐደለይ” በሎ፡፡

እቲ ኣዛዚ ክፍለሰራዊት ምሕጽንታን ልመናን ዮናስ ወዲ ግርሊስ ዋላኳ ቅጭጭ ኣይበሎን፡፡ “ኣርባዕተ ኣሕዋትካ ዝተሰውእሉ ሃገር ንመን ገዲፍካያ ክትከይድ፡፡ ልዕሊ ዝኾነ ሕነኻ ክትፈዲ ዝግባኣካ ንስኻ ኢኻ፡፡ ኣግሂድካ ፈሪሐ ንድሕሪት ምለሱኒ ትብል እንተኼንካ ክንመልስካ፡፡ በቶም ብጅግንነት ዝተሰውኡ ኣሕዋትካ ክትሕባእን ከተመኽንን ግን ኣይቅበለካን እየ፡፡ ንሶም እጃሞም ኢዮም ጌሮም፡፡ ንስኻ ድማ እጃምካ ትገብር፡፡” በሎ፡፡ እቲ ዘሕዝን እቲ ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ኣሽንኳይ ደቁን የሕዋቱን ወዲ ሓዉ ንዝብጽሖ እውን ብጉልባብ ሕርሻ ክፍለ ሰራዊት ካብቲ ዘንድድ ሓዊ ድፋዕ ኣርሒቑ ንድሕሪት ዝመለሰ ኢዩ፡፡ ወዲ ግሪሊስ ካብ ዝፈረሆ ኣይወጸን ኣብቲ መሪርን ኣስካሕካሕን ኲናት ግንቦት 2000 ዓ/ም ኣብ እንዳሃዋርያት ከባቢ ጸሮና ተሃሪሙ ተወግአ፡፡ ካብ ምስዋእ ግን ንስክላ ደሓነ፡፡ ኣብ 2005 ዓ/ም ድማ ከም ኩሉ ዓዱ ገዲፉ ዝስደድ ዝነበረ ኤርትራዊ መንእሰይ ብመገዲ ስግረ ዶብ ንሱዳን ኣተወ፡፡ ኣብ ሱዳን ክልተ ዓመት ሰሪሑ ገለ ገንዘብ ኣዋህሊሉ ንማእከላይ ባሕሪ ቆሪጹ ናብ ኤውሮጳ ክኣቱ ተበገሰ፡፡ ንምድረ በዳ ሰሃራ ተሳጊሩ ልብያ ትራብሎስ ኣተወ፡፡ ዕድሉ ግን ኣይጸበቐን፡፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምስ ብዙሓት ኤርትራውያን መናእሰያት ጥሒሉ ህይወቱ ሓለፈ፡፡

እቲ ዘሕዝን ኣብ 2007 ዓ/ም እተን ወላድ መኻን ዝኾና ኣደ ጀጋኑ ኣደ ዮናስ ወዲ ግርሊስ ደሃይ እቲ ከም ዕንቂ ባሕሪ ዝተሸርበን፡ ግን ድማ ዘይቀበጸኦ እንኮ ውሉደን ብተስፋ እናተጸበያ፡ ካብ መንበሪ ገዛኣን ብዝተኣዘዙ ወተሃደራት ተወስዳ፡፡ ወድኽን ስግረ ዶብ ስለ ዝኸደ ሓምሳ ሽሕ ትኸፍላ ተባህላ፡፡ ኣደ ጀጋኑ ኣደ ዮናስ ወዲ ግርሊስ ናይ መጠረሽታ በጺሕወን ነቲ ፎርም ስግረ ዶብ ቀሪቡ ከፈርመን ዝዛረበን ዝነበረ ምምሕዳር “ስማዕ እዚ ወደይ ኣነ ኣደ ኣርባዕተ ስውኣት እየ፡፡ መንግስቲ ናይቶም  ስውኣት ደቀይ ዓዓሰርተ ሽሕ ደበስ ኢሉ ዝሃበኒ፡፡ ሕጂ ድማ ሓደ ዝተረፈ ወድኺ ስግረ ዶብ ስለ ዝኸደ ሓምሳ ሽሕ ተዓደይ ትብለኒ ኣለኻ፡፡ ንሃገር ዝተሰወኣ ዓሰርተ ሽሕ ስግረዶብ ዝኸደ ሓምሳ ሽሕ ቅኑዕ ፍርዲ ኣይኮነን፡፡ ብመስዋእቲ ደቅና ከምዘይ ተሓበና ኣጕሂኹምና፡፡ ኣነ ሎሚ ኣይከፍል ጽባሕ ኣይከፍል፡፡ እንተደለኹም ናይቶም ኣርባዕተ ዝተሰውኡ ደቀይ እተን ወርሓዊ ዝወስደን ሓሓሙሽተ ሚእቲ ናቕፋ ውሰድወን፡፡ ሃየንታ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ከምዚ ከማይ ወላድ ጻንታ ዝኾነ ኤርትራዊ ማህጸን ግን ክረግመኩም ኢዩ፡፡ ግፍዒ ህዝቢ ኣይክሰደኩምን ኢዩ፡፡” ክብላ ኣምሪረን ተዛረበኦ፡፡

እቲ ከፈርመን ተቐሪቡ ዝነበረ ምምሕዳር ሓጥያቱ ብግህዶ ስለ ዝነገረኦ ነቲ ግበር ኣይትግበር ካብ ላዕሊ ዝተኣዘዞ ትእዛዝ ዘይምትግባሩ እናፈረሀ፡ “ድሓን ማማ ብጌጋ ኢኽን ተጸዊዕክን፡፡ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክንዘራረበሉ ኢና፡፡” ክብል ኣፋነወን፡፡ ኣይሰሙን ኣይሳልስቲ ግን ኣደ ጀጋኑ ኣደ የናስ ወዲ ግርሊስ ናይቲ ጥዑም ብስራት ክሰምዐ ብተስፋ ዝጽበየኦ ዝነበራ ውሉደን መሪር ሞት መርድእ ተረድኣ፡፡ ከም ኣደ ጀጋኑ ኣደ የናስ ወዲ ግርሊስ ብዙሓት ስድራቤት ስውኣት ብስርዓት ህግደፍ እቕረ ዘይበሃሎ በደላት በጺሕዎም ኢዩ፡፡ ኣደ ክልተ ስውኣት ክልተ ደቀን ስግረ ዶብ ዝኸዱ ሚእቲ ሽሕ ተዓደያ ተባሂለን ዘቕበጻ ሓንቲ ኣደ ኣብ ቦርቦሬላ ሰለስተ ወርሒ ተኣሲረን ዝነበራ ውን ኣለዋ፡፡ ሓደ ወደን ስግረዶብ ናብ ኢትዮጵያ ስለ ዝኣተወ ኣብ ከባቢ ዓዲ ቀይሕ ኣብ መሳርዕ ምስ ሰራዊት ሽዱሽተ ወርሒ ዝተኣስራ ኣደይ ለተብርሃን ዝበሃላ ተቐማጢት ከተማ ዓሰብ እውን ነይረን ኢየን፡፡ እዚ’ዩ እቲ ንህልዋት እናቐተለ ስድራቤት ጀጋኑ እናከላበተ ስውኣት የኽብር እየ ዝብል ስርዓት ህግደፍ፡፡ እዚ’ዩ እቲ ክልተ ካብ ሚእቲ ክራይ ናይ ኤርትራዊ ዜግነትና እናኽፈለ ሕድሪ ሰማእታትና ፍጹም ዝኸሓደን ዝጠለመን ስርዓት ህግደፍ፡፡ እዚ’ዩ እቲ ምስ ህልዋት ጥራይ ዘይኮነ ምስ ሬሳ ወገናትና ውን ዋጋ ዕዳጋ ዝኣቱ ፍንፉን ስርዓት፡፡ ብኸመይ ኢዩ ስርዓት ህግደፍ ህልዋት እናቐተለ ስውኣትና ዘኽብር……..?

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና

ዓወት ነቲ ዓስቢ መስዋእቱን ምግዳሉን ዝተጠልመ ህዝቢ ኤርትራ

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

Aranchi03@yahoo.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
43 COMMENTS
  • Abnet June 14, 2013

    I liked the title of the writing above. that a confusing behavior
    of HGDF.

  • yonas kidane June 14, 2013

    እዚኣ’ያ ታሪክና በሉ ኤረትራዊያን ፡ናይ ኣመሪካ ሙቪ ረኪብኩም እሞ ረኣይዋ (ሴቭ ፕራያን ሮይ) ትብል ኩሉ ነገራት ክገብርዎ ዝነበሮም ሐለፍቲ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኤረትራ ቅጅል ኢሉ ክርኣየኩም ኢዩ፡ብከምዚ ኣራንሺ ጽሒፍዎ ዘሎ ዘሕዝን ዝመጸት ሃገር መጻወቲ ጋሐላሉ ኮይና ተሪፋ ኤረትራ።

    • TwoWayStreet June 17, 2013

      You are right: “Saving Private Ryan”

  • Nega Belay June 14, 2013

    Very clear and simple message . Good job Aranchi !! You have observed well .

    If you look the last 22 years , PFDJ was talking about the martyrs . I have no issue with that personally . But more weight must be given to the living and the now .

    Eritreans have started to realize this now . The realization of this topic is one step forward to all Eritreans .No more game with the past history . Let’s leave history to historians . Let’s focus on the current issues.

  • Semere June 15, 2013

    Aranchi
    You are hammering the nails on the right place! Indeed very logical article. I always admire your precision and fact full information. It is hypocrisy to honor the “dead” when you slaughtering the “live”. I am starting to ask myself if really we needed to sacrifice all those martyrs to get our independence. How many of these martyrs were secretly eliminated by Isayas and his gang during the last 50 years? They too are martyrs of the self-centered psychopath Isayas. I believe we have to re-write the history of Eritrea based on facts and truth, though they may be painful.
    Aranchi you will be one of the writers! Your memory is threatening HGDEF and Isayas. You are unearthing what they buried. Be careful, because they also want to bury people who have memory like you to destroy evidence.

  • Kiflay Berhe June 15, 2013

    Michael,

    I read the story about Yonas wedi Grilis. I am very sad and touched because I relate to his story. Losing two of my own, What makes me blow up is when I express my dissatisfaction about the current situation at home some SOBs who brought their entire family to the US get mad or yell at me. What makes it worst is if I say I lost two of mine, they say “SO WHAT, THEY DIED FOR THE COUNTRY”. THe sad part is, these people will not even send their loved ones to serve in the so called Sawa. Not only that, they bring even their extended family through Sudan or Ethiopia and then they get smart ass about Martyrs.

  • Aman June 15, 2013

    A needle in a haystack (kab bahri bichilfa). Don’t forget the tens of thousands of youth in “shela”, underground, adi abeyeto, serejeka, karora, track B, kalay medeber, adi nfas, era-ero, zereba gdef, hadish masker, tehadso …………Don’t you forget also thousands of others who are missing and killed by the regime for no reason other than visiting their loved parents or spouses or siblings without ‘menkesaskesi’ from the ”denakur” generals. And they tell you they have the highest respect for the citizens they themselves killed. May God shorten the life of hgdef and the suffering of the people.

  • Ghenet June 15, 2013

    Well said Michael,
    It is indeed ironic. If we really love our martyrs, June 20 should be the day we show our unity and our gratitude to them by standing up against these bandit and traitors. It should be the day when we declare our real freedom.

  • Zaul June 15, 2013

    It’s not a mystery to anyone opposed to PFDJ, that they have betrayed the ideals of the martyrs and that of EPLF.

    But it’s also a misstake on the part of the opposition not to have some self-criticism on its lack of transparency, vision and organizational structure.

  • ahmed saleh June 15, 2013

    Aranchi
    You have great ability to connect the readers with reality concerning our issues either it be present or past.
    That is why I have a great deal of respect on you as a realistic compatriot who experienced the real fight comparing
    those politicians who observe matters in theory .

  • Truly Truly i say to you June 15, 2013

    If anyone needs to prove weather what Aranchi wrote the saddened story is true or not, just discuss with PFDJ blind supporters about the similar topic regardings, then you will automatically realize it how it 100% true it is. Myself everywhere i meat them because i challenge them by opposing Isayas´s detractive role in my sight, those bloodthirsty Deki Hidertana supporters furiously they dare to convince me as if Isayas alone fought and brought the independence.But this time because my blood boil when i heard that, in my return i say them, never! it is not Isayas, but those sacrificed and disabled Tegadelties are, specially when i raised own sacrificed brothers and relatives as are who brought the independence, these bloodthirsty really are starting blowing dust and dare to tell me, forget about your sacrificed brothers, speak about yourself and help the country, they mean pay 2% tax, or like Aranche reported they tell me to go and sacrifice, while they selves are living in comfort.
    This is my daily experience, i myself proven you. For these stupids a nation means Isayas self, they are standing and fighting for his power and survival, not for the nation not for the people.

    • belay nega June 17, 2013

      Truly,

      Stop cheating yourself, whether you like it or not the master mind in changing the map of East Africa is president ESAYAS,despite the consequence of course. Unfortunately the rest are means like in any part of the world.

Post a Reply to belay nega Cancel Reply