Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃጸይ ኣነ ኣብ ኤርትራ

ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ኣቢሉ፡ ከምዚ ሎሚ ዘሎ ኣቃውማ ሃገራት፡ ምዕባለ ስነ-ፍልጠት፡ ኣገባብ ምምሕዳርን መንግስትን ኣብ ዘይነበረሉ፡ ኣነ ዝተባህለ ጸይቀ ዕሉል ናይ ሓንቲ ብዝሒ ተቀማጦ ዝነበርዋ ዓዲ መራሒ ነበረ። ከምቲ ኩሎም ግኑናት ውልቀ መለኽቲ መራሕቲ ንዝገዝእዎ

ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ኣቢሉ፡ ከምዚ ሎሚ ዘሎ ኣቃውማ ሃገራት፡ ምዕባለ ስነ-ፍልጠት፡ ኣገባብ ምምሕዳርን መንግስትን ኣብ ዘይነበረሉ፡ ኣነ ዝተባህለ ጸይቀ ዕሉል ናይ ሓንቲ ብዝሒ ተቀማጦ ዝነበርዋ ዓዲ መራሒ ነበረ። ከምቲ ኩሎም ግኑናት ውልቀ መለኽቲ መራሕቲ ንዝገዝእዎ ህዝቢ ብኸመይ ከምዝቆጻጸርዎ ዝኣልምዎ ተንኮል፡ ሃጸይ ኣነ፡ ነቲ ዝገዝኦ ህዝቢ መታን ብትእዛዛቱ ሰጥ ለበጥ ኢሉ ክምእዘዝ መዓልትን ለይትን ድቃስ ኣይነበሮን። ዕላማኡን ሕልምታቱን ድማ፡ ንብረትን ጉልበትን ናይታ ዓዲ ተጠቂሙ ስሙን ምስሉን ሰማይ ንምዕራግን ምስ ፈጣሪ ንምውድዳርን’ዩ ነይሩ። ከምዚ ሎሚ ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ሃገርና ዝፍጸም ዘሎ ገበናት፡ ኣባይቲ ምፍራስ፡ መንእሰያት ካብ ወለዶም ምምንጣል፡ ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ምእሳር፡ ንብረት ህዝቢ ምዝራፍን ምብኻንን ዝኣመሰሉ ተግባራት ማለት’ዩ። ስም ሃጸይ ኣነ ግን፡ ካብቶም ብህይወት ዘለዉን ሓመድ ዝበልዖምን ብውልቀ ምልካዊ ምምሕዳር፡ ቅትለት ሰብ፡ ምዝራው ንብረት ህዝቢ፡ ዝምውና፡ ምዕፋን እምነትን ርእይቶን ዝኽሰሱ ፍሉጣት መራሕቲ፡ ኣብ መዛግብቲ ታሪኽ ኣይተሰምየን። ምናልባት ሽዑ ኢንተርነት ስለይዘነበረን እቲ ሃጸይ ተግባራቱ ዓለም ክፈልጦ ስለዘይደለየን ሎሚ ኣብ ጉጎል ፈቲሽካ ጽዩፍ ተግባራት ሃጸይ ኣነ ንምርካብ ኣይክኣልን። ይኹን እምበር፡ ካብቶም ነቲ መከራ ዝተቛደሱ ተቀማጦ’ታ ዓዲ፡ ተግባራት ሃጸይ ኣነ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ብኣፈ ታሪኽ ክመሓላለፍ ጸኒሑ። ብሕማቅ ዛንታ ምስ በዓል ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኢድ ኣሚን፡ ኣዶልፍ ሂትለር፡ ጆሴፍ ስታሊን፡ ሙዓመር ቀዛፊ፡ መንግስቱ ሃይለማርያም፡ በሻር ኣልኣሳድ፡ ፖል ፖት፡ ሳዳም ሑሰን፡ በኒቶ ሙሶሊኒ፡ ዮወሪ ሙሰቨኒ፡ ፈርዲናንዶ ማርቆስ፡ ኪም ጆንግ ኢል፡ ማኦ ዘዱንግ፡ መንግስቱ ሃይለማርያም፡ ሮበርት ሙጋቨን ካልኦትን ዝዳረግ ተግባራት ኣለዎ።

ሃጸይ ኣነ: ኣብ ስልጣን ዝደየበሉ መበል ርብዒ ዘመን ጽምብል ንምክያድ ንኣዝዩ ዝኣምኖም ሰባት መምርሒ ብምሃብ፡ ውሃ ዘበለ ናይ ሰለስተ መዓልቲ በዓል ንምኽባር ወጠነ። ሃጸይ ኣነ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ዝነበረ ህዝቢ ብምልኪ ዝገዝእን ኣነ ዝበልክዎ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ ይብል ስለዝነበረ’ዩ “ኣነ” ዝብል ቅጽል ስም ተዋሂብዎ። ሃጸይ ኣነ፡ ብመልክዑን ግርማኡን ይምካሕ ስለዝነበረ፡ ኣብ እዋን ጽምብሉ ንዕኡ ዝወዳደሮ ሰብ ክይፍጠርን ንኻልኦት ሃነን ከብልን ስለዝደለየ፡ ኩሎም ደቂ ተባዕትዮ ጸጉሪ ርእሶምን ጭሕሞምን ክላጸዩን ጉማማ ክመስሉን፡ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ጸጉሪ ርእሰን ጋርሶ ክምሸጣኦ፡ ነቲ ባህላዊ ኣለባብሳ ገዲፈን ቅርጺ ኣካላተን ፈልዩ ዘርኢ ጠረው ዝበለን ሓጺርን ክዳን ክለብሳ፡ ኩሉ ወጻኢታት ድማ እቲ ሃጸይ ካብ ህዝቢ ብግብሪ ዝኣከቦ ሃብቲ ክኽፈል ምዃኑ ኣዘዘ። ኩለን እንስሳ ዘቤት፡ ኣድገ- በቅሊ፡ ጠለ-በጊዕ፡ ኣኽላባት ደማሙ፡ ከብቲ ኣብ ደምበታቶምን ሰፈሮምን ክጸንሑ ወሰነ። ለማኖን ግዳም ሓደርን ጠንቀስ ኢሎም ናብ ቦታ በዓል ከይመጹ ብዘይካ’ዚ ሃጸይ ኣነ፡ ንሱ ዘማሓድሮ ህዝቢ ናጽነት ከምዘለዎ ንምርኣይ፡ ሰብኡት ንኣንስቶም ኣተኽንን ወጻኽንን ኢሎም ከይቆጻጸርውን፡ ነፍስ ወከፍ ተቀማጣይ ብዘይካ’ቲ ሃጸይ ዝኣዘዞ መዕንደሪ ቦታታት፡ በዓል ሽምዓ፡ ጥዋፍ መጋርያ ሓዉን ዝብሃል ከይበርህ፡ ቀትሪ’ውን ናብ ለይቲ ክቅየር ተመነየ። ሽሞኛታትን ዕዱማትን ብዘይ ኣፈላላይ ጾታን ዕድመን፡ ስዋ፡ ወይኒ፡ ሜስን ብርዝን ክጭልጡን ኣብ ዝመሰዮም ክሓድሩ ናጽነት ተዋህቦም፡፡ ምስልታት ሃጸይ ኣነ ኣብ ኩሉ ቦታታት ክስቀል እንተላይ ኣብ ኣብያተ ጸሎት፡ ዝተመርጻ ደቂ ኣንስትዮ ምስኡ ክዘናግዓ ክለኣኻሉን ምናልባት ቆልዑ እንተሉዮመን ድማ ኣብ ገዳማትን ኣካለ ጎደሎ ዝቅመጥሉ ቦታ ክጸንሑ መምርሒ ሃበ። ሃጸይ ኣነ፡ ኣብ ዝኾነ መገሻታት ኣሚኑ በዓልቲ ቤቱ ኣሰንዩ ምጋሽ ልሙድ’ኳ እንተዘይነበረ፡ ኣብቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ፈንጠዝያ’ውን ከምኣመሉ “ኣጋይሽ ክቅበል ስለዝኾንኩ እይትጸበይኒ” ብምባል’ዩ ኣብ ጸልማት ከደኖ መዘናግዒ ክዕንድር መዲቡ። ምልካዊ ኢሳያስ ንበዓልቲ ቤቱ ሳባ ኣብ ገዛ ኣቀሚጡ፡ ኣብ ዓዲ ሃሎን ካልእ መዓልቲ ድማ ኣብ ምጽዋዕ ብምሕካል ክዝሙን ክሰክርን ምርኣይ’ውን ካብ ሃጸይ ኣነ ዝቀድሖ ይመስል። እተን ንሃጸይ ኣነ ክዘናግዓ ዝተሓርያ ደቂ ኣንስትዮ “ሃጸይ ኣነ መዓረይ ምሳኻ’ዩ ምሕዳረይ-ምሳኻ” ኢለን ክደርፋ እንከለዋ ደቂ ተባዕትዮ ድማ “ሃጸይ ኣነ መዓረይ ንዘለኣለም ንበረለይ” ኢሎም ሃጸይ ኣብ ምውዳስ ተጸምዱ። ካህናት ኣልባሳቶም ለቢሶምን መዓልታዊ ጸሎቶም ወንዚፎም፡ ብከበሮን ጸናጽልን ንሃጸይ ኣነ ክውድሱ ተነግሮም። ንሃጸይ ኣነ፡ በቲ ንዘመነ ስልጣኑ ከማዕርግ ንዝተዳለወ ሚልዮናት እኽለማይ ዝፈሰሶ፡ ሰልፊ ፈረሰኛታት፡ ደርዘናት መለኸትን ጥሩምባን፡ ምስልታቱን ንዕኡ ዝውድስ ሳዕስዒትን ምልሃይን ምስተዓዘበ ብሓጎስ ፍንጭሕ በለ። ነቲ ውራይ ዘዳምቁ ካብ ጎደቦ ዓድታት ዝተዓደሙ፡ ደበልቲ፡ ማሰኛታት፡ ደጓዕቲ ከምኡ’ውን ብውሓለታት ዝተሰንከተ ሕብስቲ፡ ሃንዛን ጎጎን ተጓረተ። ልክዕ ከምዚ ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ብሕጽረት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ስእነት መግብን እናተሳቀየ እንከሎ፡ ሚልዮናት ዶላር ኣጥፊኡ ካበየ ኩርናዓት ዓለም ደረፍቲ፡ ሳዕሳዕቲ፡ ስነ-ጥበበኛታትን ብምዕዳምን ብሚልዮናት ዶላር ካብ ቻይና ዝተሸመተ መጋየጺ ሕብራዊ መብራህትን ዘዳልዎ ዘሎ መዓልቲ ናጽነት ማለት’ዩ። ንጉስ ኣነ፡ ዝገዝኦ ህዝቢ ብጥሜት፡ ብጊላዊ ስራሕ፡ ብማእሰርቲ እናተሳቀየ እንከሎ እናፈለጠ፡ “ኣነ እንተዘይሃልየ እዚ ህዝቢ’ዚ እንታይ ክኸውን’ዩ’’ ኢሉ፡ ንነብሱ ምስ ፈጣሪ ከወዳድሮ ፈተነ። ሃጸይ ኣነ፡ እቲ ኣብ ጽምብል ስልጣኑ ከይፈተወ ዝተባህሎ ክፍጽም ዝተገደደ ህዝቢ፡ “ሞት ንሃጸይ ኣነ” ኢሉ ይምህለልን ሃጸይ ኣነ ዘይብሉ ህይወት ክመጽእ ይትስፎ ነበረን። ብርግጽ እቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝተኻየደ ብዙሕ መጋየጺ ዝነበሮን ሚልዮናት ዶላር ዝፈሰሶን ውራይ ሃጸይ ኣነ፡ ንተቀማጦ’ታ ዓዲ ኣይምልከቶን’ዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሽዑ ጸጉሪ ርእሶምን ጭሕሞምን ዝተላጸዩ ደቂ ተባዕትዮ ጸጉሮም ክበቁል ኣይክኣለን እተን ኣልባሶአን ተፈቲሑ ኣብ መጋርያ ሓዊ ካራሩ ኣርሲነን ጋርሶ ክምሸጣ ዝተገደዳ ደቂ ኣንስትዮ’ውን ሃሪ ዝመስል ቆኖአን ሽዑ መእሰሪ ዘይብሉ ንዳእቲ ምስኮነ ወንጭሩ ተሪፉ። ብሰንኪ’ቲ መስተ ቀሪብካ ኩሉ ሰብ ኣብ ዝመሰዮ ክሓድር መሰል ኣለዎ” ዝብል ትእዛዝ ሃጸይ ኣነ፡ ብዙሓት ሰብ ሓዳር ንኽፋትሑ ጠንቂ ከምዝኾነን ከምዚ ሎም ኮንዶም ኣብዘይነበረሉ ብፍኑው ዝምውና ኣብቲ እዋንቲ ዝተጠንሱ ኣቦታትቶም ዘይፍለጡ ቆልዑ’ውን ኣዲኦም ትቆጸሮም። ኣብቲ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዳንኬራ፡ ኣብ ቅርዓት ወጺኦም ክዕንድሩ ዝተኸልከሉ ኣብታይ፡ ማሓሲእ፡ ዓላሉን ቆልዑን ዘቅረብዎ መረረ፡ ካብ ጸሎቶም ዝበኾሩ መራሕቲ ሃይማኖትን መእመናንን፡ ኣብዘይብሎም እኽለማይ ከዳልዉ ዝተገደዱ ገባሮ’ውን ሰማዒ ስለዝሰኣነ እምበር፡ ቅኑዕ ፈራዳይ እንተዝርከብ፡ ንሃጸይ ኣነ ብሞት መቅጽዖ ነይሩ።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (13 ግንቦት 2016)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde May 16, 2016

    The theory of ‘subjectivity’,if I don’t exist,the world doesn’t exist.This view breeds egocentricity,tyranny,self preoccupation, self aggrandizing…………and this sinister character displayed above embodies all those characters and some, and he is throwing a lavish party on the 24th for himself,and the streets will be adorned with signs that say ‘worshipers only’.

  • Failed Nation May 16, 2016

    ሓው ጽላል፣

    ባባ ኢሳያስ ናይ ሃጸይ ዮውሃንስ ቀረባ ዘመድ እዩ፣ ምስ ደቂ ትግራይ ጽልኡ ኣብሓጉኡ ኢዩ እመስለኒ ንራእሲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ምስ ቀተልዎም ህዝቢ ትግራይ ከየጥፍኣና ከሎ ኢሎም ካብ ትግራይ ሃዲሞም ንጸሎት ዝኣተዉ።ሕጂ እውን ንወያነ ብትግራይን ብጋምቤላን ብሶማልያን ብሲዳሞን ብኣርባዕትኤን ሸነኻት እናወግኤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓልዩ ምስ ሃጸያውያን ኣምሓሩ ተሓባቢቱ ንኤርትራ ናብ ወላዲት ሃገራ መሊሱ እታ ናይ ቀደም ኢትዮጵያ ንምምራሕ ናይ ጊዜ ጉዳይ እምበር ክገብሮ እኳ እዩ ። እታ ብማዕጾ ዝወጻእናያ ኢትዮጵያ ባባ ኢሳያስ ብመስኮት ንኸእትወና ምዃኑ ኣይትጣራጠር።

  • Berhe Tensea May 18, 2016

    Yes the modern day Wube is the htsey. He is the proud owner of Eritrea. Eritrea resources are for him only and its people are his slaves.
    Hatsey Iseyas has zero respect and doesn’t give a shit about the mothers and the youth .
    His motto is benefit as much as you can for as long as the herd allowed you to do so.
    Hatsey Iseyas is the one who give
    Eritrea under Iseyas has seen many disasters unfold and the tears of the Eritrean mother has changed to blood.
    As long as people remain silent, the country that they call home is history.

POST A COMMENT