Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃገር’ምበር መንግስቲ…!

ሃገር'ምበር መንግስቲ

ሃገር’ምበር መንግስቲ…!
 
‘ኣንታ ሕጂኸ እዚ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ‘መንግስትና’ እትብሉዎ ሕሱም ጉጅለ፡ ነዞም ትማሊ ኣብ ሓንቲ ደቂቕ ኣብ መዓሙቕ ባሕሪ ዝጠሓሉ 350 ኣሕዋት ኤርትራውያን፡ ምስቶም ብኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዕሽ ብስሕለት ሴፍ ክሳውዶም ዝተሓርዱ’ሞ ክሳዕ ሕጂ ብልክዕ ቊጽሮም ዘይተነጸረ ዜጋታትና ሓዊሱ፡ ሃገራዊ ሓዘን ኣዊጁ፡ ስድራ ቤቶም የጸናንዕዶ ይኸውን?’ ኢለ’የ ሓቲተዮ ንሓደ ቋንቋ ሰብ ዚዛረብ ጥሪት ህግደፍ፡ ኣብቲ ብሓደ ኮፍ ኢልና ቡን ንሰትየሉ ዝነበርና ካፈተርያ።
 
“እዋእ! ኣንታ ሓወይ ተጸሊልካ ዲኻ!? እንታይ ሕቶኡ ኢኻ ትሓተኒ ዘለኻ!? መንግስቲ’ኮ ሃገር’ዩ ዝሃንጽ ዘሎ! ንኽንደይ ብጽጋቦም ናብ ምድረበዳን ባሕርን ከይዶም ዝሞቱ ሃደምቲ ኢሉ’ዩ ናይ ሳልስቲ ሓዘን ኪእውጅ ደሊኻዮ!? ንግሆ ንግሆ፡ መዓልቲ ሓዘን ኪእውጅ ኣይክእልን’ዩ! ስራሕ ከተፍትሖ ዲኻ ደሊኻ!? ህንጸት ሃገርዶ ይዓቢ ሓዘንን ተስካርን ሃደምቲ!? ኣይትሓስብን ዲኻ!?” ኢሉ፡ ኣነ ዘይንቡር ይዛረብ ከም ዘለኹ ኣምሲሉ ብምዝራብ፡ እምንን ሓመድን ካብ ሰብን ህይወትን ከም ዝኸብርን ከም ዘገድስን ከረድኣኒ ኮፍ መበሊኡ ኣጠዓዓመ።
 
‘ኣንታ ኣበይ ዘሎ ህንጸት ሃገር’ዩ? እዚ ‘መንግስቲ’ ትብሎ ዘለኻ ሽፍታ፡ ብሃገር ደረጃ ብኣዋጅ ህንጸት ደው ካብ ዘብል ዓሰርተ ዓመቱ ቀሪቡ ኣሎ! ድሕሪ’ዚ ከኣ ብዘይካ ሓሓሊፉ ብሓገዝ ዩኒሰፍ ዒላታት ክኹዕት እንተዘይኮይኑ ካልእ ዝኾነ ይኹን ህንጸት ኣይረኣናሉን! ደሓር ከኣ እታ ትህነጽ ኣላ ትብላ ዘለኻ ሃገር፡ ከምቲ ዝበልካዮ ሰብ ብዘይርእዮ መገዲ፡ ብስውር ትህነጽ እንተደኣ ኣልያ፡ ደቃ ገዲፎማ ይጠፍኡ እንተልዮምሲ ህንጸታ ደኣ ንመን’ዩ ኪኸውን!?’ በልኩዎ ኣነውን ብዘረባኡ ተገሪመ።
 
“ኣብዚ እንድዩ ዘሎ ደኣ እቲ ጸገም! ሓደ ክልተ ሽዩጣትን ሰነፋትን ሃዲሞም ኢልካስ በቃ ሃገር ከም ዝባደመት ኣምሲልካ ትዛረብ ኣለኻ!? እዚ ኹሉ ደምረሃጹ ዘፍስሰላ ዘሎ መንእሰይከ ናበይ ከተብሎ ደሊኻ!? እዚ ኣብ ዓዲ ሃሎ ፕረዚደንት ባዕሉ ዝሃንጾ ዘሎ፡ ኣብ ቀረባ መጻኢ ንሃገርና ናብ ገነት ኪቕይር ንጽበዮ ዘለና ዲጋኸ ህንጸትዶ ኣይኮነን’ዩ!? ክቡር ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ብዛዕባ መጻኢት ኤርትራ ምስ ተሓተተ፡  ‘ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ ሕተተኒ’ ዝበሎ’ኮ እዚ ዲጋ ክሳዕ ዝውዳእ ተጸበየኒ ማለቱ’ዩ!” ብምባል፡ ክገንሓኒ ምስ ፈተነ፡ ‘ኦ! ሰብ ወዲ ሰብ ምስ ሰብ’ምበር ምስ እንስሳ ክረዳዳእ ስለ ዘይክእል፡ ካብዚ ሰብ መሰል እንስሳ’ዚ ክርሕቕ ጥራይ እዩ ዘለኒ! ኢለ ብሃንደበት ‘ከይደ በል ቻው’ ኢለዮ ብድድ በልኩ።
 
ካብኡ ድሕሪ ምፍላየይ ግን ንመታዓልልተይ፡ ማለት ነቲ ብባዶ መብጽዓታት ህግደፍ ሓንጎሉ ረሲሑ ዘሎ ምስኪን ዜጋ፡ ኣእምሮኡ ሓጺበ፡ ካብ ሕልናዊ ቀይዲ ምልኪ ናጻ ከውጽኦ ብዘይምኽኣለይ፡ ንኣይውን ሕልናይ ኪወቕሰኒ ጀመረ። በዚ ከኣ ካልእ ግዜ ከይተሓለልኩ እቲ ሓቂ ደጋጊመ ብምንጋር፡ ከረድኦ ክፍትን ከም ዘለኒ ምስ ነብሰይ ቃል ኣትየ፡ ነዛ እትስዕብ ናዕታ ክጽሕፍ ጀመርኩ። ቅድሚኡ ግን እተን ንመላኺ ዘገልግላ ኣብ ደገ ዘለዋ መርበብ ሓበሬታታት ኤርትራውያን፡ ብዛዕባ’ዚ ዘሕዝን ህልቂት ዜጋታትና፡ እንታይ ይብላ ከም ዘለዋ ክዕዘብ፡ ብመሽረፈት ነት (መስከረም ነት) ጀሚረ ናብ መርበብ ሓበሬታ ደሃይ ከምኡውን ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣለናልካ (ኣለናልኪ) ኣትየ፡ ዘውጽአኦ ጽሑፋት ተዓዘብኩ።
 
መሽረፈት ነት፥ ከምቲ “ናታ ገዲፋስ ናይ ሓማታ” ዚብሃል፡ ብዛዕባ ህልቂት ዜጋታትና ከየልዓለት፡ ነቲ ኢትዮጵያውያን ብምኽንያት ህልቂት 28 ዜጋታቶም፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ብቑጥዐ ዘካየዱዎ ውግዘት፡ ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ፡ ማለት ምስ ፖሊስ ዘጋጠመ ገልታዕታዕ ዘርኢ ስእልን ውልቀ መላኺ መራሒ ህግደፍ፡ ኣድሕነኒ ብዝዓይነቱ ልመና ኪመስል፡ ንኢድ መራሒ ስዑዲ ዓረብ ኣትሪሩ ጨቢጡዎ ከሎ፡ ኣነጺሩ ዘርኢ ስእሊ ኣብ ገጻታ ብምጥቃዕ፡ ካልእ ምሳኡ  ምንም ርክብ ዘይብሉ ጽሑፍ፡ ማለት ‘ወያነ ሕርር በሉ…!’ ዚብል ጽሑፍ ጥራይ ተዓዚበ ከናፍረይ እናረማጠጥኩ፡ ናብ መርበብ ሓበሬታ ህግደፍ፡ ማለት ደሃይ ሰገርኩ።
 
መርበብ ሓበሬታ ደሃይውን ብዛዕባ እቲ ወያነ ገቢቱዎ ዘሎ መሬትና ዝሓትት ናይ ጥርዓን (petition) ጽሑፍን ብሰልተ ዕጽፊ ዝተባዝሐ ስእልታት ኮንፈረንስ ህግደፍ ኣብ ወጻእን ዚሕብር ምልክታን ጥራይ እያ ጽሒፋ ኔራ። ቀጺለ ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣለናልካ እየ ሰጊረ። ኣለናልካውን ‘በዓል ናጽነት፥ ፈስቲቫል ስካንድናቪያ፥ ትኬት ናብ ኤርትራ ኣቐዲምካ ናይ ምግዛእ ምልክታን ናይ ዝተፈላለዩ ደረፍቲ ዘካይዱዎ ለይታዊ ትልሂት ናይ መዋዕውዒ ጽሑፋትን ጥራይ ነቢበ፡ ናብ መርበብ ሓበሬታታት ደለይቲ ፍትሒ ብምሕላፍ፡ ብመጀምርያ ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣተኹ።
 
ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ዝተዓዘብኩዎ፡ ዳርጋ ኩሉ ምሉእ ገጽ ናይታ መርበብ ሓበሬታ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ዘካየዱዎ፡ ንወገናቶም ናይ ሽምዓ ዝኽሪ ብዝገብሩ ኤርትራውያን ዝተወልዐ ናይ ዝኽሪ ሽምዓ መሊኡ ተዓዘብኩዎ። ቀጺለ ናብ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና’የ ሰጊረ፡ ኣብዚውን ብተመሳሳሊ ከም ኣሰና ብዝተፈላለየ ናይ ዝኽሪ ጽሑፋት’ዩ መሊኡ ጸኒሑኒ። ከምኡውን ደምበ መርበብ ሓበሬታ ራድዮ ኤረና፡ ንግዳያትና ሽምዓ ወሊዑ’ዩ እየ ረኺበዮ። እዚ ተርእዮ’ዚ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ፈቲሹ ከረጋግጾ ዚኽእል ሓቂ’ዩ። መርበባት ደገፍቲ ምልኪ፡ ካብ ጎይታአን ቀጠልያ መብራህቲ ስለ ዘይረኸባ ጥራይ ብዳዕሽ ክሳዱ ዝተቖርጸ ወገነን እናረኣያ፡ ንብዓተን ንውሽጢ ኣዝሪቘን፡ ብምልኪ ዝተባህለኦ ክገብራ ጥራይ እየን ተገዲደን!
 
ህልቂት ዜጋታትና ግን ንደለይቲ ፍትሒ ጥራይድዩ ዚምልከት!? እቲ ከም መንግስቲ፡ ህዝብን ሃገርን የማሓድር ኣለኹ ዝብል፡ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ጉጅለ ፈያት (ሸፋቱ)  ከ ጠንቂ ጥፍኣት ዜጋታትና ክነሱ ከመይ ጥፍኣትን ሓዘንን ዜገታትና ዘይምልከቶ!? ግን ከኣ ጥፍኣት ኤርትራውያን ንፋኖ ህግደፍ ክምልከቶ ኣይክእልን’ዩ! ምኽንያቱ፡ እቲ ጠንቂ ንሱ ስለ ዚኾነ! እቶም ይደግፉዎም ይቃወሙዎም ብዘየገድስ፡ ክብርን መሰልን ዜጋታቶም ዝሕልዉ መንግስታት ግን ብህልቂት ዜጋታቶም ሓዚኖምን ህዝቦም ኣጸናኒዖምን’ዮም።
 
ሕጂውን ነቶም ዝተረፉ ዜጋታቶም ተመሳሳሊ ጸገም ከየጋጥሞም ብኣጋ ንምድሓኖም፡ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ብምዝርራብ፡ ላዕልን ታሕትን ይብሉ ኣለዉ። ብኣንጻሩ እቶም መላኺ ‘ኣምበሳደራት’ ዚብል ስም ኣጠሚቑ፡ ገንዘብ ከዋጽኡሉ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት በቲኑዎም ዘሎ ልኡዃቱ ግን ግዳያት ደዊሎም ሓገዝ እንተ ሓተቱዎም፡ ናይ ጣዕሳ ወረቐት መሊእካዶ ክልተ ካብ ሚእቲ ከፊልካዶ ወዘተ. እናበሉ ኣብ ርእሲ ሽግሮም መሊሶም ከዋጥሩዎም’ዮም ተሰሚዖም! በዚ ምኽንያት እዝን ወዲ ከምዝን ድማ ኢና ኤርትራውያን ሃገርምበር መንግስቲ ከምዘይብልና ንገልጽ ዘለና! ናብታ ነዚ እትገልጽ ኣቐዲመ ዝፈለምኩዋ ናዕታ ከብለኩም፥
 
ሃገር’ምበር መንግስቲ…!
 
ሃገር’ምበር መንግስቲ ዘይብልና
ዘኽታማትስ ኤርትራውያን ኢና!
ከም ጥሪት ብገመድ ተኣሲርና
ራሻይዳን በደዊንን ዝሸጡና
ብውሽጥን ብደገን ሰላም ዝሰኣንና
ረኸብቲ መከራስ’ወ ንሕና ኢና!
 
ህዝባውያን መንግስታት ግን ርኢናዮም
ብቕዝፈት ዜጋታቶም ሓዚኖም ጉህዮም
ኣድራሻ ዓመጽቲ ብቕጽበት ኣናድዮም
ግብጽን ኢትዮጵያን ሕነኦም ፈድዮም!
 
ወይልና ደኣኒ ደባሲ ዘይብልና
ራሻይዳን በደዊንን ክሸጡ ኩሊትና
ዳዕሽ ብስሕለቱ ክሓርድ ክሳድና
ኣይኮነን ዝዘሪ ሕነ ዝፈድየልና
ሓዘን ሳልስቲ’ኳ ግቡእ ዝገብረልና
ኤርትራ ህዝብኺ መንግስቲ ስኢንና
ከምዘን ደቂ ዛግራ ንብተን ኣለና!
 
ዓመጽቲ ዚቐጽዕ’ወ ሕነ ህዝበይ ኢሉ
ኣብዛ ኤርትራና መንግስቲ እንተዝህሉ
*ብልያል ኣይምሓረደናን ካራ ሰስሒሉ    *ሰይጣን
ልሳንናውን ኣይመእወየን ሰማዒ ዘይብሉ!
 
ኣይኮነን ዚዘሪ ግን ሕነ ዝፈድየልና
ሞትና ኣሚኑ’ኳ ዝሓዝን ብኣና
ባንዴራ ናይ ሃገር ርእሳ ዘድንነልና
መንግስቲ ዚብሃል ፍጹም ከምዘይብልና
መዓስ ኮን’ዩ ኤርትራውያን ክውን ዝበርሃልና!?
 
ኣይኮነን ዘርእኻ መሬትካ ዘፍረዮ
እኽሊ ረዲአት’ኳ ዝተመጠኻዮ
እንተ ፈሲሱካስ ደኒንካ ትኣርዮ
ህዝብኻ ክሕረድከ እናረኣኻዮ
ትምዶ ኣታ ይብሃል’ዩ ከምዘይሰማዕካዮ!?
 
እዚ ርጉም *ደማሒ ጥፍኣትና ኣይግዳዱ   *መላኺ
ኣብታ ማሙቕ ቤቱ መጋርያ ኣጒዱ
ሰላም ምስ ከልኦ ብዓመጽ ቀፊዱ
ውጹዕ ኤርትራዊ ወጺኡ ካብ ዓዱ
ዳዕሽ ሓሪዱዎ ብኻራ ክሳዱ
ዓለም ብዓለሙ ኣዝዩ ሰንቢዱ
እቲ ጠንቂ ጥፍኣት ግን ኣጽቂጡ ከም ልምዱ!
 
ጤለ በጊዕ ኮይኑ ምስኪን ኤርትራዊ
ሓው ሓብቲ ከለውዎ ዝዓጠቑ ሓዊ
ንጠንቂ ሕሰሙ ንምልኪ ዝጨዊ
ጅግና ብምስኣኑ ተባዕ ተበጃዊ
ኣብ ደምበ ገፋዕቱ እንሆ የአዊ!
 
ህልቂት ኪደጋገም እንተ ረኣናዮ
ጥፍኣት ዜጋታትና ሎምስ ለሚድናዮ
ኣደራዕ ናይ ምልኪ ካብዘይበዳህናዮ
ፈጣሪ *እልበትና ሓጺቡ ክኣልዮ    *ሓሳር መከራና
ኣቦና ይሰምዕ’ዩ እንተ ኳሕኲሕናዮ
ንተኣከብ ኣሕዋት ክንብል እዝግዮ!
 
ንግዳያት ኣሕዋትና መንግስተ ሰማይ ከዋርሶም፣ ንስድራ ግዳያትን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ድማ ጽንዓት ኪህብ እምነ!
 
ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 04/05/2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT