Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃገራዊ ጻውዒት ንኹሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ካብ ሓውኹም ካቫ. ዶክቶር ተወልደ ተስፋማሪያም (ወዲ ቫካሮ)

ሃገራዊ ጻውዒት ንኹሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ካብ ሓውኹም ካቫ. ዶክቶር ተወልደ ተስፋማሪያም (ወዲ ቫካሮ)  ክቡራት ኤርትራውያን ኣቦታትን ኣደታትን፡ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ መንእሰያት ደቅናን ብሓባር ኣቐዲመ ዝዓዘዘ ሰላምታይ የቕርበልኩም። ኣስዒበ ነዚ ህጹጽ መጸዋዕታ ንኽትቅበሉኒ ብትሕትና ይላቦ። እዚ ህጹጽ መጸዋዕታ ነቲ ኣብ ኤርትራ

ሃገራዊ ጻውዒት ንኹሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ

ካብ ሓውኹም ካቫ. ዶክቶር ተወልደ ተስፋማሪያም (ወዲ ቫካሮ)

 ክቡራት ኤርትራውያን ኣቦታትን ኣደታትን፡ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ መንእሰያት ደቅናን ብሓባር ኣቐዲመ ዝዓዘዘ ሰላምታይ የቕርበልኩም። ኣስዒበ ነዚ ህጹጽ መጸዋዕታ ንኽትቅበሉኒ ብትሕትና ይላቦ።

እዚ ህጹጽ መጸዋዕታ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታተራዊ ስርዓተ- ኣልቦ ዝኾነን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ቅዝፈትን ብርሰትን ኣሊኻ ፍትሓውን ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ንምትካል ዝግበር ዘሎ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኢዩ። ንእግሪ መንገደይ ከይጠቐስኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ጉዳይ እንተሎ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ግጅለኻን ካብቲ ብኢደ ወነንካ ኮፍ ኢልካዮ ዘሎኻ ኮረሻ ስልጣን ሕጂ ክትወርድ ህዝቢ ኤርትራ ዝጠልቦ ዘሎ እዋናዊ ምሕጽንታ እዩ።

ብዙሕ ሰብ ከምዝፈልጦ ዑደተይ ብወርሒ ጥቅምቲ 2013 ብውልቀ ተበግሶይ ከምዝጀመርኩ ዝዝከር ኮይኑ ብኡኡ መሰረት ድማ ኣብ ዝተፋላለያ ሃገራት ሰሜን ኣመሪካን፡ ካናዳን ኤውሮጳን ከምኡውን ማእከላይ ምብራቕን ንዝቕመጡ ኤርትራውያን ሰሚናራት ሂበ ኔረ። ኣብቲ ንህዝቢ ዝህቦ ዝነበርኩ መደረታት ኩሉ ንሓድነትን ጥርናፈን ናይ ኩሉ ተቓዋሚ ህዝቢ ኢዩ ኔሩ። ዕላምኡ ድማ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ንምትካል ኮይኑ እቲ መጸዋዕታ ናብ ኩሉ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝዓለመ ኮይኑ ብዕድመ ብጾታ ብሃይማኖት ብዓሌት ብብሄር ወይውን ብፖለቲካዊ ኣረአእያ ብዘይአፈላላይ ዝጽውዕ ምንባሩ ዘይርሳዕ እዩ።

ጸዋዒተይ ብዝያዳ ናብ መንእሰያትና ዘተኮረ ኮይኑ ነዚ ህዝብናን ሃገርናን ዘብርስ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ኣብ ምእላይ ቀላሲ ግደ ክጻወቱ ዝጽውዕ ኢዩ። ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ንናይ ኢሳያስ ኣፈርወርቅን ጉጅልኡን ካብ ሱሩ ንምእላይ ኮይኑ ብፍላይ ንመንእሰያትና ዝምልከተሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ንሳቶም ናይ መጻኢት ኤርትራ ተረከብትን መራሕትን ስለ ዝኾኑን ነቲ ናይ ህዝብና ዝሓለፈ ዘሕብንን ዘኹርዕን ታሪኽና መታን ምዕቃብ ንክኽእሉ ዝሕግዝ ኢዩ። ከምቲ ናትና ወለዶ ዝኾና ኤርትራውያን ናይ ኣቦታትናን ኣቦ ሓጎታትናን ሽሞምን ሽጎምን ዘልዓልና ንአብነት ከም ናይ በዓል ኣቦና ኢብራሂም ሱልጣን፣ ኣቦና ወልደአብ ወልደማሪያም፣ ክቡር ኣቦና ዓብደልቅድር ከቢረን ኣያና ዑስማን ሳልሕ ሳበን፡ ወዘተ ሕጂ ድማ መንእሰያትና ነዚ ቅዱስ ሓልፍነት ተሰኪሞም ኣብዚ ህዝባዊ ማዕበል ንጡፍን ተሪርን ተሳታፍነት ከካይዱ ይጽውዕ።

ኤርትራውያን ምሁራትና ሓበንን ሃብቲ ሃገርናን ህዝብናን ኢዮም። ከምኡ ብምዃኖም ድማ ብቕዳምነት ንመንእሰያትና ኣብ ምዅስኳስን ምእላይን እዚ ዘለናዮ እዋን ዝጠልቦ ዓቢ ጻውዒት ኣብ ርእሲ ምዃኑ ድማ ድሕሪ ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ጉጅሉኡን ምጉሓፍ ሃገርና ኣብ ናይ ምዕባለ ጎደና ኣብ ናይ ምስራዕን ምምራሕን እቲ ዝዓበየ ግደ ከምዘለዎም ህዝብና ብሃንቀውታ ይጽበዮም ከምዘሎን ሃገርዊ ሓላፍነቶም ከም ዝኾነን ክፈልጡ ይግባእ።

ካብዚ ዘይፍለ ክኣ ግብራዊ ተሳትፎ ደቀንስትዮ ኤርትራ ከም ዓንዲ ሕቖ ቃልስና መጠን ብሰፊሑ ክቃለሳን ነቲ ዝሓለፈ ዘሕብንን ዘኹርዕን ቃልሰን ብዝያዳ ሓፍ ኣቢለን ኣበርቲዕን ክቃለሳ እምሕጸነን። ህዝብና’ውን ኣብ ጎነን ከም ዘሎ ከረጋግጸለን እፈቱ።

ከምቲ ኣብ ዝተፋላለየ እዋናት ዝሓበርኩዎ ኣነ ናይ ስልጣን ህርፋን ይኹን ድልየት ፈጺሙ የብለይን ኢለ ገሊጸ ኔረ፡ ሕጂውን መርገጸይ ንሳ ኢያ። ዕላማይ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ስደትን ዘሎ ህዝብና ምልዕዓልን ምጥርናፍን ዝወሰድኩዎ

ተበግሶ ኩሉ ህዝብና ብሓባር ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ነዚ ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ዘሎ ዲክተታራዊ ስርዓት ጉሒፍካ ኣብ መቓብሩ ድማ ዲሞክራሲያውን ፍትሓውን መንግስቲ ንምትካል ዝዓለመ ኢዩ። ኣብቲ ኩሉ ክሳብ ሕጂ ዘካየድኩዎ ሰሚናራትን ምደረታትን፣ ጻዋዒተይ ኩሉ ኤርትርዊ ነቲ ኣሎና ዝብልዎ ፍልልያት ኣወንዚፎም ሙሉእ ጠመተኦም ነዚ ዘሎ ስርዓት ምእላይ ቀዳምነት ክህብዎ ይግባእ ኢለ እየ ዝአምን። ስለዚ ኩሎም ፖለቲካውያን ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን፣ ውልቀሰባትን ፖለቲካዊ ፍልልያቶም ብዘየገድስ ናብቲ መሰረታዊ ሃገራዊ ድሕነት ከቕንዕ ይግባኦ። እዚ ማለት ግን ነቲ ዘካይድዎ ዘለው ስርሓት ከወግድዎ ኣለዎም ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደአ ብሓደ ወገን ነቲ ዘካይድዎ ዘለዎ ፖለቲካውን ሲቪካውን ስርሓት እናካየዱ ምስ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ነዚ ጨፍላቒ ስርዓት ናብ ምውጋድ ከተኩሩ ኣለዎም። ኣብዚ ከነጽሮ ዝደሊ ዕላማ ናይ ሓድነት ንኤርትራውያን ንፍትሒ ምንቅስቓስ ከም ፖለቲካዊ ውድብ ስልጣን ንምሽማው ኣይኮነን። ዕላምኡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ኣምጺእካ ንናይ መጻኢ ዲሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ መስርሕ ንምጥጣሕ ዝሕግዝ ስርሓት ምክያድ ኢዩ።

ብሓጺሩ  “ ሓድነት  ኤርትራውያን ንፍትሒ“ ዘይፖለቲካዊ ናይ ሓፋሽ ህዝቢ ምንቅስቓስ ኢዩ።

ብዛዕባ ናይ ወጻኢ ዝምድናታትና ድማ ምስ ኩለን ሃገራት እንገብሮ ዝምድናታት ናይ ሓባር ጥቕምና ንምድንፋዕ ኢዩ እምነተይ። ብፍላይ ድማ ምስ መሓዙትናን ጎረባብትና ሃገራት ኣብ ነንሕድሕድና ብምክብባርን ልዑልነትን ሃገራዊ ሓድነትንናን ብምኽባርን ኣብ ነንሕድሕካ ውሽጣዊ ጉዳያት ዘይምትእትታውን ኢዩ። ብወገነይ እቲ ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ነብሰ ተነጽሎን፣ ንሃገር ጎዳኢ ዝዅነ ተግባራትን ከምኡውን ኣብ ናይ ካልኦት ሃገራት ውሽጣዊ ጉዳያት ኣቲኻ ጦብላሕላሕ ማለትን ህውከት ምፍጣርን ኣጸቢቐ ኢየ ዝኹንኖን ዝቃወሞን። በንጻሩ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ምስ ኩለን ሃገራትን ብፍላይ ድማ ምስ ኣብ ጎረባብትና ዘለዉ ኣህዛብን መንግስትታትን ብናይ ሓባር ተረድኦ ጌርና ናይ ሓባር ጥቕምታትና ምምዕባል ኢዩ። ንሱ ድማ ናይ ሓባር ሰላምን ቅሳነትን ምእንቲ ክፈጥረልና።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ዝተፋላለዩ ኩርናዓት ዓለም ምስ ብዙሓት ኤርትራውያን ተራኺበ ዘትየ ዝዝከር ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ሓፋሽ ምንቅስቓስ ዕዉት ንምግባር ድማ ተራዳዲእና ኣሎና። ብወገነይ ምስ ሓፋሽ ህዝብና ምርኻብ ጥራይ ዘይኮነስ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ምስልምናን ክርስትናን፣ ምስ ምሁራትን ዓበይትን፡ ከምኡውን ምስ ገዳይም ተጋደልቲ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባርን፣ ምስ ናይ መዲያ ሓለፍትን ክኢላታትን፡ ምስ መራሕቲ ማሕበር ደቂ ኣንስቲዮን ከምኡውን ብቐንዱ ምስ ማሕበር መእሰያት ኤርትራውያን ተራኺበ ዘትየ ኢየ። በቲ ዝሃቡኒ ሓሳባትን ለብዋን ብምምርኳስ ድማ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ዝብል ናይ ሓፋሽ ህዝቢ ምንቅስቓስ ሕጋዊ መጸውዒ ሒዝና ንክንጎዓዝ ተሰማሚዕና ኣሎና። እቲ ምንቅስቓስ ብብዙሓት ፈቓደኛታት ኤርርትራውያን ግዜኦምን ክእለቶምን እናአወፈዩ ዘድሊ ምድላዋት የካይዱ ከም ዘለው ክሕብር ይፈቱ። እቲ ዘድሊ ምድላዋት ምስ ተወደአ ድማ ናብ ህዝቢ ክቐርብ እዩ።

ኣነ ብወገነይ ካብቲ ኣብ መጀመርታ ዝገለጽኩዎ መትከለይ ሓደ ሕቡር ሃገራዊ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ መስሪትሪካ ነዚ ዲክታተራዊ ስርዓት ኣሊኻ ሓደ ደሞክራሲያዊ ቅዋም መስሪትካ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ንምትካል ኢዩ።

እተን ክሳብ ሕጂ ተቛቒመን ዘለዋ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን በቲ ዝመስለን ኣገባብ መንነተን ዓቂበን ምስ እዚ ናይ ሓፋሽ ህዝቢ ምንቅስቓስ ድማ ተሓባቢረን ንጡ ፍ ሓገዝን ምትሕብባርን ክገብራ ጽኑዕ ጻውዒት የቕርብ።

ክቡራት ኤርትራውያን ደቂ ሃገር ኣብዚ እዋን እዚ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትና ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት ኩላትና ንስሕቶ ኣይመስለንን። እሞ እዚ እንዳርኣና እንታይ ኢና ንጽበ ዘሎና?  ሓድነትና ከነደልድልን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ክንኣሊዶ ወይስ ከምዚ መዓልቲ መዓልቲ ህዝብና ብፍላይ መንእሰያትና ብጀልባታት ኣብ ሓደጋ ክጓዓዙ እንዳርኣና ዳግመ ላምፐዱዛ ኢና ንጽበ ዘሎና?  እዚ መልስን ሓላፍነትን ንነፍሲ ወከፍና ይገድፎ። ካብዚ ብዘይፍለ ከኣ፡

1, ኣብ ሙሉእ ዓለም ተበቲኖም ዝርከቡ ስደታኛታትና ናይ ኩነታቶም ምክትታልን ምምሕያሽን ናይ ንፍሲ  ወከፍና ሓላፍነት እዩ።

2. ድሕሪ ምውዳቕ ናይዚ ዘሎ ስ ርዓት መነባብሮ ጀጋኑ ሰራዊትና ይከኣሎን ዋርሳይን ንምጥጣሕ ምስ ዓለም ለኻዊ ትካላትን መንግስታትን ካብ ሕጂ ጀሚርና ልዝብ ከነካይድ ኣሎና።

3. ነዚ ዘሎ ገበነኛ ስርዓት ኣብ ናይ ዓለም ቤት ፍርዲ ገበኛታት ንምቕራብ ምስ ናይ ሕጊ ክኢላታት ኤርትራውያን ንላዘብ ኣሎና።

እምበኣርከስ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ ስለዝኾነ ነዚ ጀሚርናዮ መሪር ቃልሲ ክሳብ መወዳእታ ምእንቲ ከነብጽሖን ናይ ሓዋሩ ራህዋን ቅሳነት ሃገርናን ህዝብናን ንኸራጋግጾ፣ ሓቢርና ክንቃለስ ንኩሉኹም ደለይቲ ፍትሒ  ደቀባት ኤርትራውያን ኣብ ዘዘሎኹሞ ሃገራትን ከተማታትን ቀጻሊ ኣኼባታትን ምንስቓሳትን ናይ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ንኸተካይዱ ጻውዒተይ የቕርብ።

ዕንወት ንፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ!

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ሞጎስን ንኹሎም ስውኣትና!

ሰላምን ቅሳነትን ፍትሕን ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ!

ካብ ሓውኹም ካቫ. ዶክቶር ተወልደ ተስፋማሪያም (ወዲ ቫካሮ)

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
63 COMMENTS
  • Yohannes Zemichael April 20, 2014

    You censor my comment last week, I will never post again because I know finance you.

    • Yohannes April 20, 2014

      Ata hawna don’t come! Who put a gun in your F**n head? Go to wherever you belong. Abeay zealo weyal eyu ezi.

  • Yohannes Zemichael April 20, 2014

    I know who finance you and who you work for. I will expose you when the time is ripe.

    • OSSARESS GEBREMESKEL April 20, 2014

      you mast to be stubet IHGDEF [RAST]

      • Yohannes April 20, 2014

        I am a patriot who is unyielding enemy of Hgdef. You need to shut up you dead soul.

    • Yohannes April 20, 2014

      You will never deter him, just HARNK. He will show you how. He is not only talk, he will show you how to walk.

      • Yohannes April 20, 2014

        Are you sure you want go tit for tat with me. you are an imposter and fake Eritrean that is proven by DNA science.
        If Amniel wants to respond me, he knows my email and my phone number.

        • Yohannes April 21, 2014

          First don’t use my name ata laklaki! if Ema know your phone and email, that is very good. I will hunt you like a rabbit. Like yesterday you are going to say “Selas nikid adna”. I will never let you clean my shoos as before. by the way what do you know about f**n DNA or you hears someone said it. Let me tell you what it means, it means don’t add too much petrol to your ink as a LISTRO! Resi akat!

    • abdu April 20, 2014

      Y.Tm.
      What is this all threat Mr. Johnny. We will be scared of you and hide under your mother under wear Mr. Michy. Please; please and please michy don’t do that to us; we will bribe you some thing as you habitually do pleae anta haraee.
      Listen idiot if the brave man is going to scare from an insect like you; he would’ve not come out in the open arena and spoke.
      You know who you are ; let me explain who you are;okay. do you know a cockroaches ; if you have it at home too many of them what do you do with them; you don’t kill them one by one we use to spray fleet becz. Of too many of them . and you are just one of too many of the cockroach we will spray you fleet and you will disappear like fellow akaterti.

    • david April 21, 2014

      You know what I think you need to expose yourself and tell us who you are. He is man enough to stand and tell the truth. Are you Eritrean or are you human? Do you understand what is happening to our people? You and your friends are supporting this government who is finishing our people who fought for us all.

  • regret April 20, 2014

    “ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ“ ብሓላይነት ኣቦን ዓቢ ሓውን ወዲ ቫካሮ ብሓጺር ጊዜ ተዳራጅዩ ካብ ተመስረተ ፣ንኣእምሮ ዘለዎም ምሁራት ኤርትራውያን ዝላበዎ ነገር እንተልዩ ,ጊዜ ከይነውሔ ነቲ ካልእ ተፈጥሮኣዊን በረኻውያን ዘታባብዕዎን ኣውራጃነትን ሃይማኖትን ብሰሚናራትን ሓጸርቲ ኮርሳትን ንዓና ንገባራት ምምሃር እዩ። ማስቲካ እናሓየኽና ክንጐዪ ኪንክእል ኣለና፣እቲ ዝቐለለ ዕማም,ነቲ ሓደ እግሩ ኣብ ጉድጓድ ዘሎ ህግደፍ ምውዳቕ እዩ።ህዝቢ ነቒሑ ይትሓባበር፣ጽልኢ ህግደፍ ወይ ኢሳያስ እንኮ መተሓባበሪና እንተኾይኑ ግን ኣብ ዝኸፍኤ ሓደጋ ከይንወድቕ ይብል ኣነ።

    ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ ብሕልፊ መንእሰያትና

  • OSSARESS GEBREMESKEL April 20, 2014

    we eritean our problem is IHGDEFthey destroy our people and our history IHGDEFmuet go ifu,not thos [RATS]THEY WILLDESTROY US WAKEUP ERITREAN PEOPLE THOS RATS must go we have towakeup

  • ogbai April 20, 2014

    ኣንቱም ሰባት ዝሓመመ ወዲ ባካሮ ዘይኮነስ ኢሳያስን ሳዓብቱን ኮራኩሩን እዮም። ረድኤት ህጹጽ ረዲኤት
    ዘድልዮም ዘሎ፡ እቲ ቀንዲ ነገር ከኣ ሃገርና ሕዞማ ይወድቁ ስለዘለዎ እዩ ዘስክፍ እምበር፡ ወዲ ባካሮ እንተሓመመውን
    ሰብ እዩ የግዳስ ኣብ ዓዲ ሕክምና ዘለዎ ስለ ዘርክብ ብዙሕ ክትስከፉ ኣየድልየኩምን። ብዓል ዮዲታ ዋላ ስሌማን ብወዲ ባካሮ ብዙሕ ከይተሰከፍኩም ነቲ ኣያኹምን ንባዕልኹምን ጽቡቕ ሕክምና ክትረኽቡ ዝሓሸ ኮይኑ እስማዓኒ።

    እቲ ዘገርም ከኣ ብሲኪ እቲ ጉጉይ ስርዓት ሃገርና ኣብ ዝኸፈኤ ኩነታት እንሃለወት እንከላ ዝኾነ ህዝባዊ ምልዕዓላት ክግበር ምስ ዘርእዩ
    መሰረት ዘይብሉ ክስታት ኣኣሊሞም ንጉዱሳት ንጡፈትን ከጋድሙ ውጥም ውጥም ዝብሉ ቃርማታት ናይቲ ነቕነቕ ዝብል ዘሎ ስርዓት ክራኣዩ
    ናይ ግድን ስለዝኾነ ከም ባዓል ወዲ ባካሮ ኣማነኣኤል እያሱን ወዘተ…እዝኒኹም ክይሃብኩም መደብኩም ክትቅጽሉ እላወበኩም።

  • regret April 20, 2014

    ጊደወንን ካልኦት ደቂ ሓወይን፣ነቲ ከውሒ ዘይንቕንቖ በሊሕ ምኽረይ ዝሰምዑ ኤርትራውያን መንእሰያትን፣
    (ካብ ዓሰርተ ኣይትበዝሑን ትኾኑ ኣብዚ ጊዜዚ)
    መስተውዓልን ወዲ ሃብታምን ምዃን ጥዑም እንድዩ, ኣነ ሓወቦኹም ዝተፋላለያ ሃገራት ብዓቕመይ ስለ ዝበጻሕኩ ፣ብቛንቋ ስዋሂሊ “Wajinga Tisini Wanashinda Moja”ይብሉ፣ትርጉሙ፰ ተስዓ ዓያሹ ንሓደ ለባም ይረትዕዎ ማለት እዩ።ግን ድምብርጽ ኣይበልኩም፣ኣነን ንስኹምን ኣተሓሳስባ ክንቅይር፣ንባዴላ ባዴላ እምበር ኮምፕዩተር እዩ ኢልና ዘይንኣምን ሓቀኛታት ስለ ዝኾንና እቶም በዚሓ ዓያሹ ዝስዕሩ እንተመሰሉ ተስፋ ኣይትቑረጹ።እቲ *****ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ድማ ንዓታቶም ይሕግዝ እዩ ።ግን እቲ ኣነ ክትገብርዎ ዝደሊ ነገር ናይ መንእሰያት ኣተሓሳስባ ናብ ህሉው ሓቅነት ክ ኣምኑ ምግባር እዩ ።ካብ ሰማይ ዝተገልጸለይ ራ ኢ የለን ንካልቾ ሙሶሊኒ ዝንዕቁን ዝተቓለሱን ጀጋኑ ወለዲ ስለ ዝነበሩኒ እዩ።ማሕበር ኣንድንመት ዝኾኑሉ ድማ ንቶርዓ ካብ መሬቶም ክሰጉ ወይ ንዓደኮሎም ካብ ማይ መብኣሲት ከይቀድሑ ብርኹስ ዕላማ ተላዒሎም ኣይኮኑን፣እንታይ ድኣ ነዛ ካብ ኣዲኣ ኢትዮጵያ ፈልዮም ንህዝባ መርዛም ዝኾነ ባርያዊ ኣተሓሳስባ ኣህኒጾም ዝፈለይዋ ኤርትራ፣መታን ብታሪኽ ብኤኮኖሚ ብኽብረት ክትረብሕ ናብ ወላዲት ኣዲኣ ንምምላስ እዩ ኔሩ።እወ ኣብቲ ጊዜ እቲ ከም ራቢጣ ኢስላሚያ (ሕብረት ኣስላም)ን፣ብሽም ኤርትራ ን ኤርትራውያን ትግራይ ትግርኚ ኣጀንዳ ዝነበራ፣ፓርቲ ናይ ኣይተ ወልደኣብ ወልደማርያም (በሊሕ ኣዅሱማታይ ሰብኣይ ነበራ)።ኣይተ ወልደ ኣብ ወልደማርያም ስርዓት ኣምሓራ ንህዝቢ ትግራይ ፣ከበሳ ኤርትራ ዘጠቓለለ ብሽጣራ ስለ ዘፈላለይዎ ኣብ ርእሲ ኣምሓራ ዓቢ ቅርሕንቲ ዝነበሮም ሰራየ ዝዓበዩ፣ በሊሕ ትግራዋይ እዮም ኔሮም።ካብ ክትሪ ጽልኣትን ምረትን ናይ ኣምሓራ ፣ኣምሓራ ኣንኳይ ክገዝ ኡኻስ ክትገዝኦም እውን ዘየተምንዩ ህዝቢ እዮም ይብሉ ኔሮም።
    እቶም ሕብረት ኣስላም ዝፈጥወሩ ድማ ብሕልፊ ብጊዜ ኣቦና ሃጸይ ዮውሃንስ ጊዜ ብሃይማኖት ዝስ ኣክል፣ናታ ዘዕቆበትኩም ክሒድኩም ንድርቡሽ ናይ ኣስላም መሪጽኩምን ሰሊልኩምን ኢሉ ወይ ከስትኑ ውይ ዓድና ገዲፍኩም ውጹ ስለ ዝበሎም፣ነቲ ናይ ስደተኛ ብመሰሎም ስለ ዝቐንጠጦ ናብ ኤርትራ ዝተዓቝቡ ህዝቢ እዮም ደገፍቱ ኔሮም።ን ኢትዮጵያ፣በቲ ጌራትኒ ዝብሉዋን ብክርስትያናዊት ደሴት ስለ ትግለጽ ድማ ፈንፈንዋ።ኣብዚ ክንፈርድ ንኽእል ንኸውን፣ኣነ ኣይፈርድን፣Because,when push comes to shovel , ንሓደ ኣስላማይ ቅድሚ ኩሉ ኣላሁን ሃይማኖቱን እዩ ዘኽብር።ኩሉ ድሕሪ ሃይምማኖቱ እዩ።እቲ ዝዓበየ ኣጀንድኡ ኣጀንዳ ሃይማኖቱ እምበር, ሃገር ኣይኮነ ቀቢላ።ንሓደ ኣስላማይ ወዲ ኢትዮጵያ ይኹን ወዲ ኣፍጋኒስታን ከምቲ ናቱ ሃይማኖት ዝቐርቦ ሓዉ እዩ።እዚ ብኣይ ክብረት የትርፈሎም።…ኣብዚ ኣብ ሳንድያጎ ኣስላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሓደ እዮም ዘምልኹ።ናይ ኤርትራውያን ግን ኣብቲ ወያናይ ኣምላኽ ናይ ተጋሩ- ትግርኛ ኣምላኽ ኣይከዱን እዮም፣ኣብቲ ኣምሓራይ ኣምላኽ ናይ ኣምሓሩ እውን ጥረ ስጋ ስለ ዝበልዕን ጸላኢናን ስለ ዝኾነ ኣይንኸዶን ኢና፣ምስቲ ናይ መኻልፍ ኣምላኽና ኢና፣ዋላ እቶም ጴንጤ።
    ናይ ሎሚ ትምህርተይ ፣

    “እንታይ እዩ ብዕልግና ,መን እዩኸ ብዓለገ ??? ዝብል ሓቀኛ መግለጺ ክህበኩም እየ።ድሙ ድሙ ኣብ ክላስ ኣይፍቀድን እዩ፣ብሕልፊ ንጥንሲ።
    ዝኸበርኩም ተምሃሮይ፣
    ክሳዕ ከባቢ ባርነት ናይ ተስዓን ሓደን ዝመጽእ ኣብ ደቂ ትግራይ እምነት ኣይነበረንን፣ ሳላሳን ሰለስተን ዓመት ይገብር ካብ ኣስመራ ኰወጽእ ከለኹ እሞ፣ካብዞም ዓጋመ እዚኦምሲ ኣምሓሩ እኳ ይሕሹና ኢለ እናረገምኩን ንረጋማይ እናሃብኩዎምን እየ ወጺኤ፣ነቶም ብገዛእቲ መንነቶምን ክብሮምን ተነፊጎም ቅለታዊ ስራሕን ግፍዕን ዝሰርሑ ዝነበሩ ,ሓደ ካብ ሚእቲ እኳ ዘይኮኑ, ነዚ ወረጃ ኣቦታተይን ኣቦታትኩምን ብዘይውክሉ ካድረታትን ቃርማታትን ገመትክዎም ።ብዓሌቶም ክጸልኦም ኣይክእልን እየ፣ኣነ እውን ስፓገቲ ዝበልዕ ዓጋመ ንምዃነይ ስሒተዮ ኣይፈልጥን።ሻዕብያ እውን ኣሕዋተይ እኳ እዮም፣ኣነ ነገር ብዝምድና ኣይርኣዮን እየ።ንስኹም እውን ኣይትጠበሩ እዞም ደቂ ሓወይ።
    ንተጋሩ (ዓጋመ) በቲ ኣረኣእዮኦምን መርገጾምን ዝበልክዎ ጸሊኤዮም፣ሕጂ ድማ በቲ መምሪሕኦምን ፣መንነቶም ምስ ኣረጋገጹ ፣እቲ ዘኹርዕ ጠባይ ናቶም ጥራይ ዘይኮነስ, ናይ ኩሉ ትግራዋይ ምዃኑ ተዓዚበዮ።ፈትየዮም፣ንኤርትራውያን መንእሰያት ምዕቋቦም እውን ብዝበለጸ ፈትየዮም፣ምኽንያቱ ናተይ ሃገራውነት ኣብ ፍቕሪን ኩርዓትን ዝተመርኮሰ ስለ ዝኾነ ፣ኣምላኽ ኢትዮጵያውያን ኣቦታትናን ኣሕዋትናን ደቅናን ሓሉ።

    “እንታይ እዩ ብዕልግና ,መን እዩኸ ብዓለገ ???

    __ ብዓለገ ዝብሃል ኣፍቃሪቱ ጠሊማቶ ይኹን ናይ ጀነራል ፈተና ተሪፉ በረኻ ወጺ ኡ ካብ ዘይብሎም ድምበዛን ሓወቦታተይን ኣሞታተይን ፣ብዃደረ ኣኤዚዙ ካብ ኣፍ ደቆም ምግቢ ኣገዲዱ ዝ አሪፉ ደቆም እውን ዜሪፉ ንማሕረዲ ዘውርድ።

    __ ብዓለገ ትብሃል መንግስቲ ኤርትራ ነዋልድ ከም ሕሱራት ኣመንዝራታት ኣብ ሳዋ ይኹን ኣብ ድፋዕ እናኣዔመጸን እንከሎ፣ መታን እቲ ንጉስና ንጉስ ሓማሴን ኢሳያስ ስልጣኑ ብደቂ ኣያይ ንኢስ ከይግደፍ ኢላ ትድግፍ ጓል ኣንስተይቲ ብዓለገ እያ።

    __ ብዓለገ ዝብሃል ሻዕብያ እዚ ኩሉ ግፍዒ ኣንጻር መታሕትን ዓፋርን ብጠቕላላ ህዝቢ ኣስላምን ክትገፍዕ ከላ ክካላኸለላ ጸኒሑ፣ክልተ ደቂ ሰገነይቲ ምስ ተቐትሉ ወይ ድማ ድሩዕን ኮሮኔል ዑቕበ ሃይለን ምስ ትኣስሩ ንሻዕብያ ናይ ቶርዓ ኮይና ስለ ዝተራእየቶ፣ ሓድሽ ተቓዋማይ ዝኸውን ወስላታ__እዚ ያዋቂ ኣጥፊ ሌባ እዩ።

    __ ናይ ዘበን ኢኒ ኢኒ ታሪኽ ,ኣከለጉዛይ ኣብዑር ሰራየ ዘሚቶም ኔሮም እሞ, ደቀያይ ንኢስ ይንዕቁና እዮም ብዝብል፣ስልጣን ካብዘን ፈላለይቲ ደቀያይ ዝሕዝኣስ ኢሳያስ ይጨፍልቐና እናበላ ሙታንታ ኢሳያስ ዝኸውን ኣኮይ ሰረወታይ፣እዚ ብዓለገ ይብሃል።

    __ ጀብሃ ፣ብኽልተ ኢትዮጵያውያን ሓይልታት (ወያነን ሻዕብያን)ተወቒዓ ሱዳን ክትኣቱ ከላ ተጋዳላይ ዓማ ተለካያይ ዘይቲ ዒላም ተሪፍዎ ዒላም ናየንስቲ ኢሉ ብኾቦሮ ጽልኢ ዝቕበል ጨካንን ሕልና ዘይብሉን ርጉም ህዝቢ__ብዓለገ ይብሃል።

    ___ ኣብ ጊዜ ናይ ኢሳያስ ውግእ ባድመ፣ዓጋመ ብሳልስቲ ኣዲስ ኣበባ ከእቱ ኣሽሓት ዝኸፈለ ምሃይም Diasporan ዘዋር ታክሲ፣…ኤርትራውያን ምዓኮሮም ብበደዊን ይንቈት ኣሎ ኢልና እንተበኸናሎም ግን ንዓና ከም ብዓለገ ዝቖጽር፣ ንሱ ናይ ዓለም ብዓለገ እዩ። ንፍቕሪ መንእሰያት ሳንቲም ቀያሕ ዘየዋጽእ በዝሓኡ ተቓላሳይ ጀብሃ ዝነበረ ክሱር ተቓላሳይ ነበር ሽፍታ ዝኾነ ንሱ ሕልና ዘይብሉ ብዓለገ እዩ።
    __ ቆልዑ መቐለ ብክላስተር ቦምብ ክጭፍጨፉ ፣ኣይሮፕላናትና ጥራይ እንቋዕ ብድሓን ተመልሳ ኢለን ዕልል ዝበላ ሓደ ሓደ ኤርትራውያን ኣዴታት ብዓለገታት ይብሃላ።

    ነቶም ኣብ ሲናይ ብበደዊን ዝዕመጹ ኡይ ክብለሎም ኢሉ ፕሮቮካቲቭ ዝኾነ ቃላት ነቝቶምልና፣ኣጎምቢሖምና፣ጌሮምና ኢሉ ዝጭድር ግን ናይ ብሓቂ ሓላዪ እዩ ።ንሱ ኽኣ ኣነ ሓወቦኹም ስየን ,ንስኻትኩምን ኢኹም።ቅጭጭ ኣይበልኩም።እዞም ልቕሉቓት መቓብር፣ ከም FITHAWI ዝኣመሰሉ !!!ንኤርትራ ጭዋ ዝዛረቡላ ኣይኮነን ዝደሊ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ, ከምዚ ከማይን ከማኹምን ዘእውየሉ ሰብ እምበር።
    እዞም ኣብ መገዲ ክሓርኡ ዘይሓፈሩ ኣብ መገዲ ኣይብላዕንዩ ዝብሉ ኣምስሉ ጭዋታት እዮም ብዓለገታት።

    ዓወት ንመንእሰያት ኤርትራ !!!
    ሞት ንሸፋቱ ፣ህሉዋትን ሕሉፋትን !!!

    • regret April 20, 2014

      I forgot to add this slogan to my intelligent ,truthful sducational comment..

      ነዚ ተስዓን ሓደን ዝመጸ፣ ወያነ ዝመጽወትዎ መጻወት ቆልዑ ነጻነት ኢሉ ዝጽውዕ ፣ባርያ ውላድ ባራዩ ድርባይ ጥራይ እዩ!!!

      Gracias Paisanos

      • Teclay April 21, 2014

        Regret
        from the good book there is a que ,,”zigebriwo ayfeltun iyom imo yikire belelom” they do not know what is the real meaning of sovereignty and independence,,they call it NESANET ;NESANET

      • Teclay April 21, 2014

        regret
        you are right as you said their common denominator is nothing more than the hatred to HGDF to be precise heated to Isaias,and the after math is already known ,we have a lot of recent examples . Iraq,Libya ,Somalia,Syria,s-sudan the list is long.for them Sweatna is the red line

    • ERITRAWIT April 21, 2014

      Uncle,
      Happy Easter, the only thing we will know everything was wrong in first place is after Isaias gone and nothing been changed. but for saying that all what Isaias is doing clear killing as much as he can dekey hager container and underground by selling our people to Bedewen. even if we want remove him guess what who will fight us? but I don’t agree with you completely Why do you think all Tegadeltey were shefatu????

      • Teclay April 21, 2014

        Dear Eritrawit
        1, What you call him one who ordered you to give him food by force?
        2, what you call him one who confiscated your hard won grain ,instead of selling it to the cities?
        3, what you call him one who recruited you by force in the middle of the night,in your honeymoon ?
        the list is long but that is enough for the time being.

        • Gideon April 21, 2014

          Dearest Teclay,
          Very well said. I very much admire your eloquently put reply to Eritrawit.
          Brother Teclay, let’s have more of your positive input and contribution in
          the future. It is more quality than quantity that we are lacking in the struggle.

        • ERITRAWIT April 23, 2014

          Dear Teclay,
          Sorry for late reply yes you right you can make 1 million list what is happening in Eritrea BUT I still believe there are innocent Tegadeltey out their.

      • ahmed saleh April 21, 2014

        Regret
        Your nephew Eritrawit asked ;
        Are my other uncles who fought and died for the country were BANDITS ? If they were please try to explain
        her wisely without hurting her feelings .

        • regret April 21, 2014

          Brother Ahmed ,

          Eritrawit is a decent niece that thought me a lot of things ,She is kind & intelligent. That is why I would give her my sincere explanation.

          • Gideon April 21, 2014

            Dearest uncle regret,
            Why are you wasting your valuable time and energy with the ‘mahber taliban/saho’.
            Desperate and self centered individuals are always after their personal issues.
            al-Hagherawi, al-Kalighe, al-Fithawi, al-Wedi Hager, al-ahmedin salehadin is the
            same one coward chicken/rat opposing you all the time. This is what you would call
            “Seb XewAley tebelkus beAl beles” indeed. Keep it up and God bless you uncle/hawebo.

      • regret April 21, 2014

        Eritrawit ,
        Happy easter to you & to all your family.
        You are extremely wise & thank you for the honest & pure hearted question. Not every Tegadelti acted like bandits, there were many who spoke out against the tyranny that was being excecuted by EPLF .There were those who were watching what was happenning and did not say anything ,If they were forcibly recruited as many ,I would not name them baqndits.Not all in a firing squad kill people but ,swtill they are in a firing squad.
        Amanuel Iyasu is a good example ,I truly believe this person had & has a heart ,conscience & love for people .BUT, THE FACT REMAINS HE WAS IN A BANDIT ORGANIZATION ,THAT WAS HARRASSING DATE RAPING & KIDNAPPING PEOPLE, So by association Amanuel Iyasu was a bandit…..I do not believe Amanuel did any of the crimes I point out ,but he was with mafia organization.
        I am protestant /Kenisha ,I can not claim that Saint mary,mother of Jesus to be a mediator between us & God.Because that would make me an Orthodox or Catholic.Even though I used to go to Enda Mikael ,Geshnashm & kissed the cross ,I was still protestant /Kenisha.
        Respected Eritrawit ,WHERE THE DEVIL IS THE HEAD OF AN ORGANIZATION ,WHERE EVERYTHING WAS FOLLOWED LIKE THE WORD OF GOD ,THE FOLLOWERS COULD NOT BE ANGELS.
        Isaias was the Pastor ,the Deacon ,the Kitchen manager ,The money collector & his word was the word of God .It was not like Jebha were the TEgadeltis had some democratic rights .EPLF Tegadelti were group of people with guns ,CRIME WAS NOT THE EXCEPTION BUT THE NORM.
        That makes them Bandits. ONE CAN NOT BE A PRIEST IN THE MORNNING & A HOOKER IN THE EVENNING .THAT MAKES THE PERSON A HOOKER ,BUT NOT A PRIEST.
        THE GOOD BOOK SAYS YOU SHALL KNOW THEM BY THEIR FRUITS.
        This Tegadelti ,the only almost coup d etat (overthrowing a government )was in 1993 when they were told to volunteer for a little more as the country had no money in the treasury. They almost revolted until Isaias had to bite his words & pay them .When is the day they organized because their fellow disabled veterans were massacred ,Were not they suppose to be Heros unlike Jebha that give their Forehead to bullets.Maybe after Dimu Dimu.They were the ones obligating 15 years old & more to go to a war their head Mafia Isaias started in 1998. YOU ARE RIGHT THESE ARE NOT ONLY BANDITS THEY ARE BLOOD THIRSTY SUCKERS .And A good number of my relatives have died for this useless & hurtful agenda.
        IT HURTS ME TOO. TO TELL YOU THE TRUTH ,I ONLY WANT TO PUT AKELEGUZAI AS REGIONALISTS ,GOING EASY ON HAMASIEN ..BUT THAT WOULD HAVE BEEN A LIE .AS MUCH AS HAMASEEN IS MY AWRAJA & I LOVE HAMASENOT TO DEATH ,RIGHT NOW A GOOD NUMBER OF MY FELLOW HAMASENITES ARE ON TH WRONG SIDE OF HISTORY ……A BANDIT IS NOT A NOME ONE CALLS TO PEOPLE OTHER THAN HIS FAMILY ,IF OUR FAQMILY IS A BNANDIT FAMILY ,,,HE ,SHE,THEY ARE STILL BANDITS.
        ONE CAN NOT JOIN A BANDIT ORGANIZATION ,ATROCITES HAPPENNING TO HIS RIGHT & LEFT AND CLAIM HE/SHE DID NOT DO THOSE THINGS THERE FOR HE/SHE IS NOT A BANDIT DOES NOT FLY.

        I Respect you & I feel sad for my relatives that died in banditry ,they werwe my family ,But ,I can not go easy on them .
        A PIG WITH LIP STICK ON IS STILL A PIG.

        LOVE & PEACE
        YOUR UNCLE
        TEN,REGRET,SYE

        • ahmed saleh April 21, 2014

          Thanks brother M
          By the way do me a favor to give
          a little advice about maturity to
          your spoiled nephew Gideon .

        • ERITRAWIT April 23, 2014

          SYE,
          Sorry for late reply, very interesting points but for me it is very hard to put all in one pot. thank u uncle.

  • Hagherawi April 20, 2014

    “ነዚ ተስዓን ሓደን ዝመጸ፣ ወያነ ዝመጽወትዎ መጻወት ቆልዑ ነጻነት ኢሉ ዝጽውዕ ፣ባርያ ውላድ ባራዩ ድርባይ ጥራይ እዩ!!!”

    Regret

    Aya COW[ard] Face

    I just wanted to remind you that it’s absolutely wrong to say that we were given freedom by Weyane.
    What about our young who gave their unique life for Eritrea ?
    This “Ethiopia-is-the-center-of-the-world” sort of Ethiopianists new philosophy is not helping you to think properly.
    Please take note that: No one gives you freedom, it’s taken by paying the most valuable asset, in most cases a lot of blood.
    And that is what Eritrea did. Don’t mix the issue of the dictator with the need to have a free country.

    • regret April 21, 2014

      “Hagerawi” ,

      Eritrea secedded becuse of Woyane’ s Good will..according to Ethiopian Constitution ,Section 39 ,sub-section b….That is called Charity..or more like punishment ..Tjey just wanted us gone hungry.
      Do you know any different than the one I am pointing out.

  • Hidat April 21, 2014

    YEKENYELEY SULI HAWEY
    ETA NAY LIBEY DEA MEN NEGERELEY?HADE HADE GIZIES NSULI DO BTIGRIGNA XEHAFELEY KIBLO ILE IHABEB NEYRE.

  • andat.russom April 21, 2014

    አነ sur metek lewti kab ztelbu meneseyat eye

  • monicasalguero April 21, 2014

    Yemogosekum: wedi Vacaron, Kulkum tekalesti nfethi kab kedem tewyu dneberkumn,
    bxarkumen tesfakumen aynen ahmeron hezbi eritrawiyan zkefetkum:
    Aye xnat, aye habo Ezi dma ab xelmat kelekas gn ab tensa-e KRESTOS meman heyu/O
    AWET neakum kexlwo ayokum AMLAK msana Aloo kenhewet ena tray gzie aynhlef beyakatkum.

POST A COMMENT