Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃገራዊ ጻውዒት ንኹሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ካብ ሓውኹም ካቫ. ዶክቶር ተወልደ ተስፋማሪያም (ወዲ ቫካሮ)

ሃገራዊ ጻውዒት ንኹሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ካብ ሓውኹም ካቫ. ዶክቶር ተወልደ ተስፋማሪያም (ወዲ ቫካሮ)  ክቡራት ኤርትራውያን ኣቦታትን ኣደታትን፡ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ መንእሰያት ደቅናን ብሓባር ኣቐዲመ ዝዓዘዘ ሰላምታይ የቕርበልኩም። ኣስዒበ ነዚ ህጹጽ መጸዋዕታ ንኽትቅበሉኒ ብትሕትና ይላቦ። እዚ ህጹጽ መጸዋዕታ ነቲ ኣብ ኤርትራ

ሃገራዊ ጻውዒት ንኹሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ

ካብ ሓውኹም ካቫ. ዶክቶር ተወልደ ተስፋማሪያም (ወዲ ቫካሮ)

 ክቡራት ኤርትራውያን ኣቦታትን ኣደታትን፡ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ መንእሰያት ደቅናን ብሓባር ኣቐዲመ ዝዓዘዘ ሰላምታይ የቕርበልኩም። ኣስዒበ ነዚ ህጹጽ መጸዋዕታ ንኽትቅበሉኒ ብትሕትና ይላቦ።

እዚ ህጹጽ መጸዋዕታ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታተራዊ ስርዓተ- ኣልቦ ዝኾነን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ቅዝፈትን ብርሰትን ኣሊኻ ፍትሓውን ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ንምትካል ዝግበር ዘሎ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኢዩ። ንእግሪ መንገደይ ከይጠቐስኩዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ጉዳይ እንተሎ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ግጅለኻን ካብቲ ብኢደ ወነንካ ኮፍ ኢልካዮ ዘሎኻ ኮረሻ ስልጣን ሕጂ ክትወርድ ህዝቢ ኤርትራ ዝጠልቦ ዘሎ እዋናዊ ምሕጽንታ እዩ።

ብዙሕ ሰብ ከምዝፈልጦ ዑደተይ ብወርሒ ጥቅምቲ 2013 ብውልቀ ተበግሶይ ከምዝጀመርኩ ዝዝከር ኮይኑ ብኡኡ መሰረት ድማ ኣብ ዝተፋላለያ ሃገራት ሰሜን ኣመሪካን፡ ካናዳን ኤውሮጳን ከምኡውን ማእከላይ ምብራቕን ንዝቕመጡ ኤርትራውያን ሰሚናራት ሂበ ኔረ። ኣብቲ ንህዝቢ ዝህቦ ዝነበርኩ መደረታት ኩሉ ንሓድነትን ጥርናፈን ናይ ኩሉ ተቓዋሚ ህዝቢ ኢዩ ኔሩ። ዕላምኡ ድማ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ንምትካል ኮይኑ እቲ መጸዋዕታ ናብ ኩሉ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝዓለመ ኮይኑ ብዕድመ ብጾታ ብሃይማኖት ብዓሌት ብብሄር ወይውን ብፖለቲካዊ ኣረአእያ ብዘይአፈላላይ ዝጽውዕ ምንባሩ ዘይርሳዕ እዩ።

ጸዋዒተይ ብዝያዳ ናብ መንእሰያትና ዘተኮረ ኮይኑ ነዚ ህዝብናን ሃገርናን ዘብርስ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ኣብ ምእላይ ቀላሲ ግደ ክጻወቱ ዝጽውዕ ኢዩ። ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ንናይ ኢሳያስ ኣፈርወርቅን ጉጅልኡን ካብ ሱሩ ንምእላይ ኮይኑ ብፍላይ ንመንእሰያትና ዝምልከተሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ንሳቶም ናይ መጻኢት ኤርትራ ተረከብትን መራሕትን ስለ ዝኾኑን ነቲ ናይ ህዝብና ዝሓለፈ ዘሕብንን ዘኹርዕን ታሪኽና መታን ምዕቃብ ንክኽእሉ ዝሕግዝ ኢዩ። ከምቲ ናትና ወለዶ ዝኾና ኤርትራውያን ናይ ኣቦታትናን ኣቦ ሓጎታትናን ሽሞምን ሽጎምን ዘልዓልና ንአብነት ከም ናይ በዓል ኣቦና ኢብራሂም ሱልጣን፣ ኣቦና ወልደአብ ወልደማሪያም፣ ክቡር ኣቦና ዓብደልቅድር ከቢረን ኣያና ዑስማን ሳልሕ ሳበን፡ ወዘተ ሕጂ ድማ መንእሰያትና ነዚ ቅዱስ ሓልፍነት ተሰኪሞም ኣብዚ ህዝባዊ ማዕበል ንጡፍን ተሪርን ተሳታፍነት ከካይዱ ይጽውዕ።

ኤርትራውያን ምሁራትና ሓበንን ሃብቲ ሃገርናን ህዝብናን ኢዮም። ከምኡ ብምዃኖም ድማ ብቕዳምነት ንመንእሰያትና ኣብ ምዅስኳስን ምእላይን እዚ ዘለናዮ እዋን ዝጠልቦ ዓቢ ጻውዒት ኣብ ርእሲ ምዃኑ ድማ ድሕሪ ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ጉጅሉኡን ምጉሓፍ ሃገርና ኣብ ናይ ምዕባለ ጎደና ኣብ ናይ ምስራዕን ምምራሕን እቲ ዝዓበየ ግደ ከምዘለዎም ህዝብና ብሃንቀውታ ይጽበዮም ከምዘሎን ሃገርዊ ሓላፍነቶም ከም ዝኾነን ክፈልጡ ይግባእ።

ካብዚ ዘይፍለ ክኣ ግብራዊ ተሳትፎ ደቀንስትዮ ኤርትራ ከም ዓንዲ ሕቖ ቃልስና መጠን ብሰፊሑ ክቃለሳን ነቲ ዝሓለፈ ዘሕብንን ዘኹርዕን ቃልሰን ብዝያዳ ሓፍ ኣቢለን ኣበርቲዕን ክቃለሳ እምሕጸነን። ህዝብና’ውን ኣብ ጎነን ከም ዘሎ ከረጋግጸለን እፈቱ።

ከምቲ ኣብ ዝተፋላለየ እዋናት ዝሓበርኩዎ ኣነ ናይ ስልጣን ህርፋን ይኹን ድልየት ፈጺሙ የብለይን ኢለ ገሊጸ ኔረ፡ ሕጂውን መርገጸይ ንሳ ኢያ። ዕላማይ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ስደትን ዘሎ ህዝብና ምልዕዓልን ምጥርናፍን ዝወሰድኩዎ

ተበግሶ ኩሉ ህዝብና ብሓባር ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ነዚ ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ዘሎ ዲክተታራዊ ስርዓት ጉሒፍካ ኣብ መቓብሩ ድማ ዲሞክራሲያውን ፍትሓውን መንግስቲ ንምትካል ዝዓለመ ኢዩ። ኣብቲ ኩሉ ክሳብ ሕጂ ዘካየድኩዎ ሰሚናራትን ምደረታትን፣ ጻዋዒተይ ኩሉ ኤርትርዊ ነቲ ኣሎና ዝብልዎ ፍልልያት ኣወንዚፎም ሙሉእ ጠመተኦም ነዚ ዘሎ ስርዓት ምእላይ ቀዳምነት ክህብዎ ይግባእ ኢለ እየ ዝአምን። ስለዚ ኩሎም ፖለቲካውያን ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን፣ ውልቀሰባትን ፖለቲካዊ ፍልልያቶም ብዘየገድስ ናብቲ መሰረታዊ ሃገራዊ ድሕነት ከቕንዕ ይግባኦ። እዚ ማለት ግን ነቲ ዘካይድዎ ዘለው ስርሓት ከወግድዎ ኣለዎም ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደአ ብሓደ ወገን ነቲ ዘካይድዎ ዘለዎ ፖለቲካውን ሲቪካውን ስርሓት እናካየዱ ምስ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ነዚ ጨፍላቒ ስርዓት ናብ ምውጋድ ከተኩሩ ኣለዎም። ኣብዚ ከነጽሮ ዝደሊ ዕላማ ናይ ሓድነት ንኤርትራውያን ንፍትሒ ምንቅስቓስ ከም ፖለቲካዊ ውድብ ስልጣን ንምሽማው ኣይኮነን። ዕላምኡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ኣምጺእካ ንናይ መጻኢ ዲሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ መስርሕ ንምጥጣሕ ዝሕግዝ ስርሓት ምክያድ ኢዩ።

ብሓጺሩ  “ ሓድነት  ኤርትራውያን ንፍትሒ“ ዘይፖለቲካዊ ናይ ሓፋሽ ህዝቢ ምንቅስቓስ ኢዩ።

ብዛዕባ ናይ ወጻኢ ዝምድናታትና ድማ ምስ ኩለን ሃገራት እንገብሮ ዝምድናታት ናይ ሓባር ጥቕምና ንምድንፋዕ ኢዩ እምነተይ። ብፍላይ ድማ ምስ መሓዙትናን ጎረባብትና ሃገራት ኣብ ነንሕድሕድና ብምክብባርን ልዑልነትን ሃገራዊ ሓድነትንናን ብምኽባርን ኣብ ነንሕድሕካ ውሽጣዊ ጉዳያት ዘይምትእትታውን ኢዩ። ብወገነይ እቲ ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ነብሰ ተነጽሎን፣ ንሃገር ጎዳኢ ዝዅነ ተግባራትን ከምኡውን ኣብ ናይ ካልኦት ሃገራት ውሽጣዊ ጉዳያት ኣቲኻ ጦብላሕላሕ ማለትን ህውከት ምፍጣርን ኣጸቢቐ ኢየ ዝኹንኖን ዝቃወሞን። በንጻሩ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ምስ ኩለን ሃገራትን ብፍላይ ድማ ምስ ኣብ ጎረባብትና ዘለዉ ኣህዛብን መንግስትታትን ብናይ ሓባር ተረድኦ ጌርና ናይ ሓባር ጥቕምታትና ምምዕባል ኢዩ። ንሱ ድማ ናይ ሓባር ሰላምን ቅሳነትን ምእንቲ ክፈጥረልና።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ዝተፋላለዩ ኩርናዓት ዓለም ምስ ብዙሓት ኤርትራውያን ተራኺበ ዘትየ ዝዝከር ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ሓፋሽ ምንቅስቓስ ዕዉት ንምግባር ድማ ተራዳዲእና ኣሎና። ብወገነይ ምስ ሓፋሽ ህዝብና ምርኻብ ጥራይ ዘይኮነስ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ምስልምናን ክርስትናን፣ ምስ ምሁራትን ዓበይትን፡ ከምኡውን ምስ ገዳይም ተጋደልቲ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባርን፣ ምስ ናይ መዲያ ሓለፍትን ክኢላታትን፡ ምስ መራሕቲ ማሕበር ደቂ ኣንስቲዮን ከምኡውን ብቐንዱ ምስ ማሕበር መእሰያት ኤርትራውያን ተራኺበ ዘትየ ኢየ። በቲ ዝሃቡኒ ሓሳባትን ለብዋን ብምምርኳስ ድማ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ዝብል ናይ ሓፋሽ ህዝቢ ምንቅስቓስ ሕጋዊ መጸውዒ ሒዝና ንክንጎዓዝ ተሰማሚዕና ኣሎና። እቲ ምንቅስቓስ ብብዙሓት ፈቓደኛታት ኤርርትራውያን ግዜኦምን ክእለቶምን እናአወፈዩ ዘድሊ ምድላዋት የካይዱ ከም ዘለው ክሕብር ይፈቱ። እቲ ዘድሊ ምድላዋት ምስ ተወደአ ድማ ናብ ህዝቢ ክቐርብ እዩ።

ኣነ ብወገነይ ካብቲ ኣብ መጀመርታ ዝገለጽኩዎ መትከለይ ሓደ ሕቡር ሃገራዊ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ መስሪትሪካ ነዚ ዲክታተራዊ ስርዓት ኣሊኻ ሓደ ደሞክራሲያዊ ቅዋም መስሪትካ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ንምትካል ኢዩ።

እተን ክሳብ ሕጂ ተቛቒመን ዘለዋ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን በቲ ዝመስለን ኣገባብ መንነተን ዓቂበን ምስ እዚ ናይ ሓፋሽ ህዝቢ ምንቅስቓስ ድማ ተሓባቢረን ንጡ ፍ ሓገዝን ምትሕብባርን ክገብራ ጽኑዕ ጻውዒት የቕርብ።

ክቡራት ኤርትራውያን ደቂ ሃገር ኣብዚ እዋን እዚ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትና ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት ኩላትና ንስሕቶ ኣይመስለንን። እሞ እዚ እንዳርኣና እንታይ ኢና ንጽበ ዘሎና?  ሓድነትና ከነደልድልን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ክንኣሊዶ ወይስ ከምዚ መዓልቲ መዓልቲ ህዝብና ብፍላይ መንእሰያትና ብጀልባታት ኣብ ሓደጋ ክጓዓዙ እንዳርኣና ዳግመ ላምፐዱዛ ኢና ንጽበ ዘሎና?  እዚ መልስን ሓላፍነትን ንነፍሲ ወከፍና ይገድፎ። ካብዚ ብዘይፍለ ከኣ፡

1, ኣብ ሙሉእ ዓለም ተበቲኖም ዝርከቡ ስደታኛታትና ናይ ኩነታቶም ምክትታልን ምምሕያሽን ናይ ንፍሲ  ወከፍና ሓላፍነት እዩ።

2. ድሕሪ ምውዳቕ ናይዚ ዘሎ ስ ርዓት መነባብሮ ጀጋኑ ሰራዊትና ይከኣሎን ዋርሳይን ንምጥጣሕ ምስ ዓለም ለኻዊ ትካላትን መንግስታትን ካብ ሕጂ ጀሚርና ልዝብ ከነካይድ ኣሎና።

3. ነዚ ዘሎ ገበነኛ ስርዓት ኣብ ናይ ዓለም ቤት ፍርዲ ገበኛታት ንምቕራብ ምስ ናይ ሕጊ ክኢላታት ኤርትራውያን ንላዘብ ኣሎና።

እምበኣርከስ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ ስለዝኾነ ነዚ ጀሚርናዮ መሪር ቃልሲ ክሳብ መወዳእታ ምእንቲ ከነብጽሖን ናይ ሓዋሩ ራህዋን ቅሳነት ሃገርናን ህዝብናን ንኸራጋግጾ፣ ሓቢርና ክንቃለስ ንኩሉኹም ደለይቲ ፍትሒ  ደቀባት ኤርትራውያን ኣብ ዘዘሎኹሞ ሃገራትን ከተማታትን ቀጻሊ ኣኼባታትን ምንስቓሳትን ናይ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ንኸተካይዱ ጻውዒተይ የቕርብ።

ዕንወት ንፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ!

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ሞጎስን ንኹሎም ስውኣትና!

ሰላምን ቅሳነትን ፍትሕን ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ!

ካብ ሓውኹም ካቫ. ዶክቶር ተወልደ ተስፋማሪያም (ወዲ ቫካሮ)

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
63 COMMENTS
  • m April 20, 2014

    atom Sebat kindey gize eina emo Akebatat kingeber 20 Amet koynu lelelekkkkkkkklelelel me mes zitefeshu akebatat kingeber gizena halifu hibina dekimu hji zedliyana hade koyna nazi dictator kenetfuo alona zerban,derffin,Akeban,welahanti waga yebulun 20 Amet lelelelelele eilna WELAHANTI AYFRENANN

  • abdu April 20, 2014

    Job well done Dr. Vaccaro. The failed dictator issias regime near in their death bed waiting to unplug the life support.
    Wedi Vaccaro a brave man who is working tirelessly to full feel the dream of Eritreans
    who once fought and succeeded for independent and betrayed by the greedy dictator; and the victory will return to honorable Eritrean people by hook or by crock by any means necessary soon or later.
    Thanks to the father of the state of Eritrea(Dr. Vaccaro)

  • abdu April 20, 2014

    Wedi Vaccaro; you are an icon ; an ornament of the country; and you are an expensive and uncashble a dollar or Ero . Your legacy will be remain and build a statue in the heart of Eritrean peaple
    once and for ever.
    God bless and wish you well Dr. Vaccaro

  • gebre April 20, 2014

    Dear Dr Tewolde, we are supporting your initiative and we are expecting you to open the office in the respective countries where you have a plan. There are professionals like myself and we need a call from you to coordinate the start up and we could then contribute our time and resource. we need a communication channel to commence as soon as possible, I mainly stress to help fellow refugees and taking Eritrean case to ICC. ICC is the most important part of the struggle to bring peace in eritrea, issais must face justice. we need to file a case, he is systematically pushing Eritreans to desert and human traffickers. On top of this, the systematic continues war in different countries that he organise as a result the young eritreans are dying and their families starved. The number of political prisoners and human right.

  • yonas27g April 20, 2014

    ክቡር ኣቦ ተወልደ ተስፋማሪያም ቫካሮ
    ን’ምንታይ ኢኻ ኣነ ክመርሕ ኣይደልን’የ ትብል?
    ኣነ መሰጋገሪ መንግስቲ ክተክል’የ፡ ኣነ ነዓደይ ብ’ሕጊ ከምትምራሕ ሕጊ ክተክለላየ ፡ኣነ ሓገራዊ ዕርቂ ንክትግበር ምስ ደቂ ኤረትሪያ ኮይነ ክጽዕርየ በል ኣፍልብኻ ነፊሕካ።እቶም ብኤረትሪያ ሕማቅ ዝሓስቡ እንታይ ክንጭዑ፡ኣይትሰከፍ ዳሕዳሓዮ።
    23 ዓመትዶ ኣይኮነን መሪሕና ዓዱ ኣይፍለጥ ዓውዱ ክሳብ ሕጂ ምሽ ነጣቃዓሉ ኣሎና።

  • tewelde berhan April 20, 2014

    ንሕና ኤርትራውያን ሳላ ወለድና ነቲ ሕሉፍ ታሪኽና ስለንፈልጦ ዝበልካ እንተበልካ ዝሰምዓካ የሎን ኤርትራዊ ብሃገሩን መንግስቱን ዝመጾ ኣይፈቱን እዩሞ ኣይተጽመና

  • misgina tesfamikael April 20, 2014

    Please let us be sensitive to the phrases we are using. Once origin does not determine his thinking. Lets read history. the issue of origin kills to different birds at a time. Any person is judged by his thinking and action. Iseyas is judged by his action not by his origin. If he belongs to our brothers, Tigrians he is against them. he is against every body.

    any how Wedi vacaro God bless you, God bless our Country. God bless us to think positive and be rational.

  • Haile G. Tensae April 20, 2014

    Dr. Tewelde
    Thank you for the initiative a job well done.

  • Haile G. Tensae April 20, 2014

    መጋረጃ ይቀንጠጥ 30
    መገዲ ምስ ወዲ ዓዲ!!!!!!!

    ዶክቶር ተወልደ ወዲ ቫካሮ!!!!!!!

    ከመይ ኣለኻ ኣንታ ወዲ ቫካሮ
    ወዳጀ ልቦና ወዳጀ ኣእምሮ
    ካብ ጀመርካ ንህዝብኻ ክትመኽሮ
    ደጋግመሉ ድኣ ኣጸቢቑ ክስቖሮ።

    ዑቑር ምስጢር ኣውጽኣዮ
    ሕበጥ ሃገር ጠዊቕካ ኣንተዓዮ
    መድሓኒት ክርከቦ ቁስልና ከነጽርዮ
    ሕማም ሃገርና ደጋጊምካ ጥብሓዮ።

    ንዓመታት ዓቑርካዮ ዝነበርካ
    ብዙሓት ኢና ሰብ ቓንዛ ከማኻ
    ክንደይሞ! ኣላ ኣምዑታ መኺኻ
    ብዙሕ እዩ ትጽቢትና ካባኻ
    ኣትሪርካ ሓዝ ኣጽንዓዮ ዕርፍኻ።

    ዶክተር ተወልደ ወዲ ወዲ ሎጎጭዋ
    ወዲ ገብረ ኸፈለት ኣብ ላዕሊ ሓለዋ
    ወለድኻ ኣብ ማይላሓም ሕጊ ተኸልዋ
    ንበይኖም ዘይኮነ ንኹሉ ዝጸልዋ
    ካብ ጀመርካ ዓድኻ ኽትሕልዋ
    ኣክቦ ህዝብኻ ግበረሉ ዋዕላ
    ተቓላጠፍ ሸፋቱ ጨሪሾም ከይ ኣብረስዋ።

    ሕጊ ዓደቦኻ መሰረቱ ካብ ጥንቲ
    ኣብ ዓዶም ዝሕግጉ ብትዕግስቲ
    ንወለዶ ዝጸንሔ መርየት ኮነ ርስቲ።

    ሰውራ ዝብል መጸ ብስም ገድሊ
    ኣደንቛሪ፡ ንፍልጠትን ከልካሊ
    ባህሊ ዘረግዎ ታሪኽ ከይደሊ
    ከይፈልጥ ሰውራ መሃርዎ መታለሊ
    ሃገሩ ኣጥፍኤ መሰረቱ ከየለሊ
    ዘርእና ተማሕወ ከም ዓቢ ተኽሊ
    ነዚኹሉ ተሰኪሙ ይነብር ብዓቕሊ።

    ዶክቶር ሓወይ ኣዳልየኒ ምኽሪ
    ኣብ ዓዲ እዩ ዝርከብ ሕድሪ ኮነ ዝኽሪ
    ስትራተጂ ዓዲ ኣሎ ዝተጻሕፈ ብኽብሪ
    ንዜጋ ዘደላድል ዘነባብር ብዘይ ሓለፋ ስድሪ።

    መንምዃኑ ይፍለጥ! ወዲ ሃገር
    ክንደሻዕ ክትብል ጠምበርበር
    ብብርዒ ስም ዝጽዋዕ ብዓል ኣበር
    ኣዳዕዲኡ ዘይመጉት ኣይቕረብ ኣብ መንበር
    ብብርዒ ዝጽዋዕ ኣይእርነብ! ኣይኽበር።

    በል ንህዝብና ንገሮ ብኹሉ
    ሕጊ ንዝደሊ ክሕሎ መሰሉ
    ተሓቢእካ ኣይኮነን ስራሕ ናይ ተዃሉ
    ዝዛረብ ይዛረብ ኣብ መድረኽ ዓው ኢሉ።

    ዶክትር ሓወይ ንገርና በብሓንቲ
    ሀገርና ትጭፍጨፍ ኣላ ብኸተርቲ
    ስድራቤት ብሓንሳእ ንኸይነብር በተንቲ
    ሕጻናት ከይመሃሩ ንስደት መሳገርቲ
    ኣኪቦም ይሸጥዎ ከም በጊዕ ከም ከብቲ
    ጉዶም ይውጻእ ዘርዚርካ በብሓንቲ።

    ወዲ ቫካሮ ሓደራኻ
    ኣለዉ ተዃሉ ከየታልሉኻ
    ባጀላ ኣለና ዝብሉ ልዕለኻ
    ከይትኣምኖም! ኣስተውዒልካ! ስምዓዮም ኢኻ
    ተግባሮም ተኹላ! ኣባጊ ከይመስሉኻ
    ኣሕሊፎም ዘይህብዎ ንማፍያ ህግደፍ ዓድኻ
    ጸበብቲ፡ ጉጀለውያን፡ ዘይጸርዩ፡ ምሁራት ኣብ ግዜኻ
    ንኸምስሉ ተቓለስቲ፡ ኢና ከይብሉኻ
    ሓደራኻ ሓደራኻ ንመንእሰይ ሓብሕበልይ ኢኻ።

    ዉድቀት ንማፍያ ህግደፍ!!!!
    ፍትሒ ይንገስ!!!
    ሃይለ ገብረትንሳኤ
    ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
    26 መጋቢት 2014

  • Yerhiwo April 20, 2014

    Dear Dr. Tewolde (Wedi Vacaro) thank you for your relentless struggle and initiative against the Mafia Regime run by Dictator Isaias Afwerki and his cousins Hagos Kisha, Yemane Monkey (all three from Tigray), Charlie, Asmelash (Eri-TV), Woldu Barya (wedi Gojam), Teame Mekele (wedi Tigray), Tekle Negis (human trafficker, drug and army smuggler), Filipos (brutal and corrupt general), Sibehat Golfo (useless individual who is responsible for killing or arrest of many gallant Eritreans), Col. Tesfalidet (DIA security guard who is brutal killer) etc.

    There are plenty of evidence to take these individuals to ICC….let us work hard to facilitate this process! God bless you Wedi Vacaro and also Amanuel Eyasu for your struggle in this front!

1 2 3 4

POST A COMMENT