Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃይማኖታዊ ፖለቲካ፡ -ፍትሒ-

ሃይማኖታዊ  ፖለቲካ፡ -ፍትሒ-                                  03-11-13 ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ እንዃዕ ብኣጋጣሚ ናይ ላምፐዱዛ ፍጻመ፡ ናብዚ ናይ ሎሚ ናይ ሰምበት 03/11/13 ጋህዲ ዶግዓን ጾሎተ-ፍትሓትን ናይ ኩሎምን ናይ ኩሉጊዜን ኩሉ ዓይነት መስዋእትናን ኣውያት ረመጽ ድጉል ሰፊሕ መደብ ጥፍኣትናን ንድርጓሓሉ እዋን ኣ

ሃይማኖታዊ  ፖለቲካ፡ -ፍትሒ-                                  03-11-13

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ

እንዃዕ ብኣጋጣሚ ናይ ላምፐዱዛ ፍጻመ፡ ናብዚ ናይ ሎሚ ናይ ሰምበት 03/11/13 ጋህዲ ዶግዓን ጾሎተ-ፍትሓትን ናይ ኩሎምን ናይ ኩሉጊዜን ኩሉ ዓይነት መስዋእትናን ኣውያት ረመጽ ድጉል ሰፊሕ መደብ ጥፍኣትናን ንድርጓሓሉ እዋን ኣ ብጸሓና!!

ትንግርቲ መጋርያ ህዝባዊ ናዕብና ልዕሌና ዓለም ስለእትፈልጦ እንታይ ዓዚምና ኣዚምና ንብርሰት ከምዝተጋለጽና ከይዓ ጀባ ኣይተረፈን። ባህልና ግን ባዕልና ንፈልጦ። ጃህራ መዓስ ኮይኑ። ዘይኩሉ ኣህዛብ ነናቱ ባህርያት ዘለዎ። ንሕና ድማ ና ህና ኴይንናስ እናጠፋእና መስሓቕ ሸራፋት ከይንኸውን ክንብል ክሳብ ነቲ ጥርዚ ንጅምሮ እንዳኣሉ እቲ ዝጸንሐ ስቕታ።

መወዳእታ ዕርዲ ህግደፍ፡ መጀመርታ ዕርድና ከምዝኾነዶ ኣግሂድልና ነይሩ ኣማኑኤል ሓቀይ? በሉ መራሕቲ ሃይማኖትና ካብ ነቐሉ ኣኸለ!! ንሳቶም‘ኮ መራሕቲ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ባረኽቲ ፍትሓዊ ቃልሲ ኢዮም።

ብታሪኽ ከምዝሰማዕናዮን ብግብሪ ከምዝራኣናዮን ፖለቲከኛታት ንሃይማኖት ከምቀንዲ መሳርሒኦም ክገብርዎ ጸኒሖም ኢዮም። ንጉስ ተፈሪ መዀንን‘ዃ ነታ ዝተጠመቑላ ስም ጓንዮም “ሞኣ ዘኣምበሳ ዘእምነገደ ይሁዳ ግርማዊ ቀዳማዊ ሃይለ ስላሴ‘‘ ክብሉ ዘውዶም ደፍኡ። ድሕሪኡ‘ውን ክሳብ ኣብ ውሽጢ ቅዱስ መጽሓፍ ከይተረፈ ብዝገበርዎ ጥበብ ንኣማኒ ክ ርስትና ዝምስጥ ብምንባሩ፡ ንሕና ደቂ-ኤርትራ ኣብ ግዜ ‘‘የቁመለይ ባንዴራችን ዎሃይለ ዋስላሴ‘‘፡ ንእዋኑስ ከምእኒ ነፍስ ሄር ዮፍታ ቀሺ ዲጴጥሮስ ብድርብ መዝነት ማለት ሃይማኖትን ዓለማዊ ካድርነትን ንእዋኑስ ቀልብና ደፊኖም ክሳብ ንት ርጉም ‘ተዋህዶ‘ ጠማዚዞም ‘ኣንድነት- ኣንድነት‘ ኣቢሎሙና ኢዮም።

“I have a dream“ ድማ ኢሉ ነብሱ ይምሓር ኣመሪካዊ ቀሺ ማርቲን ሉተር ኪንግ ቅድሚ ምቕንጻሉ። ንሱ መንግስቲ ኣ መሪካ ኣብ ልዕሊኩሉ ውጹዕ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ጸለምትን ደቀ-ባት ኣመሪካ ቀያሕቲ ህንድን ዝገበረቶ ግፍ ዒ ብሰላማዊ መገዲ ሕሉፍ ብድሆ ዝገጠመ ዶክተርን መራሕ ሃይማኖትን ጸሊም ኣመሪካዊ ነበረ። ከምኡ‘ውን ደቡብ ኣ ፍሪቓዊ ብጻይ ፕረሲደንት ማንዴላ ቀሺ ደዝሞን ቱቱ ካብ ግዜ ቃልሲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ክሳብ ሕጂ ምስፍትሒ ደው ኢሎም ከምዘለዉ ንሪኦም ኣለና። ኮታ ብዙሕ ብዙሕ……..

እንሆ ድማ ዋላ‘ዃ ማርቲን ሉተር እንተተቐንጸለ ሕልሙ ጋህዲ ኮይናስ ኣመሪካ ብጸሊም ፕረሲደንት ትመሓደር ኣላ። ከ ምኡ‘ውን ቀሺ ደዝሞን ቱቱ ክሳብ ሕጂ ንግናይ ፖለቲካ እናኾነኑ ዳግማይ ይጋደሉ እነዉለ።

ኣቕሽሽቲ ሃገርናኸ?

ሓቂ ኢዩ ኣብቲ ሰውራስ ምእንቲ ሓንቲ መኣዲ፡ ከምኡ ድማ ኣብቲ ጉዕዞ ከይዕንቅፈና ካብ ዝብል ሜላ ቃልሲ ተቐቢልና ገለገለ ካብ ውልቀ-እምነታትና ከነወንዝፎ መሪጽና ኢና። ብፍላይ ንትሕተ-ሃገራዊ ሃይማኖታዊ ፖለቲካ‘ሞ ኣትሪርና ንቃ ወሞ ነበርና።

ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣርከብና። ሰበ-ስልጣናት ንሃይማኖት መሳርሒ ስልጣኖም ይገብርዎ ከምዝነበሩ ዘስተምሃረ መራሕ ሃገርና ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዙፋን መሳፍንቲ ምስጨበጣ ብዝወሰዶ ሰለሙናዊ ጥበብ ተጠቃምነት ‘ፕረፖጋን ዳ‘ ሃይማኖቱ፡ ምድራውስ ይትረፍ ብመንፈሳዊ መዳያቱ ንርእሱ ብሕሹኽታ ቅዱስ ገብርኤል ከም መዳርግቲ ክርስቶስ ካ ብ ወርቃዊ ማህጸን ድንግል ማርያም ከምዝተፈጥረ ብዝውክል ምስሊ ክኹላዕ ከምዝተጋደለ ፈላጢኡ ይፈልጦ። መቸም ንዝና ክበሃል ክንደይ እንዳ ጠንቋሎ ከይተረፈ ዘይተበጽሐ! ንግዚኡ ድማ ኩሉ ፈተነታቱ ዘልኣለማዊ ዓወት መሰለሉ‘ሞ፡ ብዝገበሮ ስዉር ጥበብ ንሓዋሩ‘ውን ንሃይማኖት ከም ቀንዲ መሳርሒ ስልጣን ክጥቀመላ ቆረጸ። የግዳስ ኣይኮነሉን።

ንምዃኑ ምስጢር ሃይማኖታዊ ፖለቲካ እንታይ ዲዩ?

“ሃይማኖታዊ ፖለቲካ ድኣ ፍትሒ እንዳኣሉ“ ኢልኩሙኒ እንተኾንኩም ጸበቐ። ዝኾነ ኮይኑ “ፖለቲካዊ ስልጣን ምድራዊ ጥራይ ኢዩ። ሃይማኖታዊ ስልጣን ግን ሰማያዊ ኢዩ“ ይብሉና መራሕቲ ሃይማኖታትና። ሰማያዊ ምሕረት ንምርካብ ከኣ ኣብ መሬት ሰናይ ፍትሓዊ ኣስተዋጽኦ ይሓትት።ትእዛእ ኣምላኽ ኩሉሳዕ ፍትሒ ስለዝኾነ። ምእንቲ ከየበላሽዎ ድማ ቀቀ ንዱስ ንዝምልከቶም መራሕቲ ሃይማኖት እገድፎ። ንፍትሒ ኣብዝዓጠቕናሉ እዋን እምበኣር ብዘይካ‘ቶም ዝወገኑ ካልኦት ኩሎም መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ጐድንና ተሰለፉ። ንሱ ብምግባሮም‘ውን ምንም ዘወግዝ ሓጢያት ኣይፈጸሙን።

ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝብጻሕ በጺሑ መሲልዎ ዝተዓሸዎ ዕሽነት ብዕሽነት ጥራይ ዝግለጽ ኣይኮነን። ከምትፈልጥዎ ንሱ ይትረፍ ኣብ መንግስተ-ምድርስ፡ ኣብ መንግስተ-ሰማያት ከይተረፈ ንዝጽበዮ ንጹፍ ዓራት ጽድቂ ከምዝወርስ ከእም ን ብዝመስል ምርኢት ፈጋዕጋዑ መዳርግቲ ኣይተረኽቦን። ክሳብ ከኣ ብስልጣኑ ንስልጣን እምነታት ደፊሩ፡ ስልጣን ሊቃ ነ-ጳጳሳትን መሰልቶምን ኣራኺሱ ነቶም ዘጋልጽዎ፡ ዝበለልዎን ዝተዳፈርዎን ከውርድን ክዳጉንን፡ ነቶም ንሓዋሩ ከወንቱ ኮይኖም ዝተሰምዕዎ ድማ ክሸይምን ተራእየ።

ኦይ! ወዝቢ‘ካ ዘረባ ናይዚ ሰባብ ዓርከይ ውክፍ በለትኒ! ንሱ ነገር ሃይማኖትን ሃይማኖተኛታትን ተናዊጽሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ “ይኽደነና ኣብ ኣፍደገ ቀጽሪ መንግስተ-ሰማይ ዱላ ዝዓተረ ዘብዐኛ ኣባሎም መሕለፊ ህግደፋዊት ካርድ ከይሓተ ና“…… ክብል ተዋዝይኒ ነበረ።

ሽዑ ነበረ ባሌህታ መራሕቲ ሃይማኖታትና‘ውን ዝተቐልቀለ። እሞ ህዝቢ ድማ ከዕዘምዝም ተሰምዐ።ክቡር መራሒና ም  እንቲ ዝያዳ ክእመን ተባሂሉ ድማ ሓያለይ ሃይማኖታዊ ድራማታት ተደርሰ። ትዝክሩ ትኾኑ ሱዳናዊ ኣልኼራት ከም ቀዳ ማይ እስላማዊ ፈተነ ቅትለት ሲሳይያስ ከምዝተመዝገበ። ቀጺሉ እስላማዊ ክፍሊ ህዝብና ንምብስባስ ባዕሉ ብዝሃንደሶም ኣመንቲ መሰል ሰብ ጭሕሚ ተሰዊሩ ገበነኛታት ዝቑጸሩ ክምስርሕ ከምዝፈተነ። ትዝኽሩ ትኾኑ ጥርዓናት ማእሰርትን ካ ልእ ውርደትን ኣመንቲ ካልእ ሃይማኖታት ጥርዚ ከምዝበጽሐ።……..

ኣነ ድማ ከም መንእሰይን ተጋዳላይን መጠን እምነተይ ኣደስኪለዮ ነበርኩ እብለኩም። ግናኸ ኩሉሳዕ ኣብ ኣእምሮይ ት መላለስ ነገር ነበረትኒ። “ኣማኒ ሃይማኖት ካብቲ ዘይኣምን ዝያዳ ርጉእ ኢዩ“ ትብል ሓሳብ። ኣብ ግዜ ስሕጋን ፈነወ ድማ እቲ ዝኣመነ ዝያዳ ትስፉው ኮይኑ ብድፍረት ምስ ራኢ‘ታ መጻኢት ዓለሙ ከምዝፋኖ ይስመዓኒ ነበረ።

ዋላ‘ዃ ሎሚ ብዛዕባ ወጽዓታት ተጋደልቲ ምዝራብ ዘነውር ከይሲ እዋን እንተኣርከብና፡ ሓቂ ንምዝራብ ግና ብፍላይ እቲ ትሕቲ-ዕድመ ዝተጋደለ መንእሰይ ንቡር ከይረኣየ ኢዩ ተሰዊኡን ኣሪጉን። ሎሚ ዕድል መንእሰይና ካብቲ ሕሉፍ ብዝኸፍ አ መልክዕ እናተደግመ ንዘይምንባር ኣብ ዝባሃገሉ እዋን ኣነ ግና ከምቶም ናይሽዑ ትራፍያ ዕምሪ ብምልቃበይ ጸኒሐስ ዕ ድመይ ንዘርከበሉ ምስሊ ንክላበስ ተደሪኸ ክሳብ ኣባት-ነብሰይ ዝመረጽኩን፡ ከምኣማንን በዓልጸጋ ዕድመን መጠን ድማ ጋበይ ተጐምጒመ ሰዓሚ ቀጽሪ ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ኮንኩልኩም። እናሓደርና ግን ካብ ኣባት-ነብሰይ ኣነ ዘይፈታ ሕኩዎ ተነጽሎ ክወርደኒ ጀመረ። ገለ እንተኾነለይ ካብዝብል‘ውን ክሳብ ብህጡር መኣድን ጥርሙዝ ኣረቅን ዘይፈተንኩ ዎ ኣይነበረን እብለኩም።

ነገሩ ከሕጽረልኩም። ኣባት ነብሰይ ቀንዲ ክቱብ ህግደፍ ከምዝኾኑ ድሒረ ፈለጥኩ። ከምቶም ሸጓጉጥ ዝዓጠቑ ኣቕሽሽቲ ደርጊ ኮይኖም ድማ ተራእዩኒ። ክሳብ ናይ ካልኦት ኣቕሽሽቲ መስቀል እናሰዓምኩ ንሶም ንዓይ “ተቓዋሚ መንግስቲ ዶኾን ይኸውን?“ ዝብሉኒ ዘለዉ ኮይኑ ይስመዓኒ። ኣነ ድማ ነታ መስቀል “ናይ ህግደፍ መጋፈሪት ዶኾን ትኸውን“ ? እናበልኩ ክስዕማ ተገደድኩ። ብኡ ኣቢሉ ሰለሎ ዘይቅዱስ ዝመስለኒ ሃይማኖታዊ ፖለቲካ ስለዘሽካዕለለይ፡ ካብቲ ዝሰምዖ ተወሳ ኺ ቀራሪመ “ዋእ፡ ቀደም ብቀሺ ዲጴጥሮስን መሰልቱን፡ ሎሚ ድማ ብወዲ ቀሺ ዲጴጥሮስን ብጮቱን“!! ኢለ ምቑጭም ጫመይ ስድራቤት ኣቕሽሽቲ ንከይሕዙለይ እምሕጸን።

ሎሚ ኮነ። “ስዉእ ተማጓቲ“ ኣብትብል ጽሕፍተይ ክገልጾ ከምዝፈተንኩ ስዉኣትና ዝተዓብሰ ኣፋትና ከምዝኸፈቱ መጠን ምስ ድንግል ዓቕሚ መራሕቲ ሃይማኖትና ብጋህዲ ንጋጠመሉ ኣጋጣሚ ተፈጥረ። ብወገነይ መራሕቲ ሃይማኖት ብርግጽ እንኮላይ መራሕቲ ማዕበል ሓፋሽ ምዃኖም ይርዳእ‘ዃ እንተነበርኩ፡ እከለ እከለ ብዘይብሉ ክሳብ ክንድዚ ዓቕምን ብቕዓ ትን ክርኢ ምብቅዐይ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ “ኣበይ ድኣ ጸኒሑ‘ዚ ክንድዚ ዓቕሚ“? ከይበልኩ ክሓልፍ ኣይከኣልኩን። ንእግረ-መገደይ‘ውን “ኣበይ ድኣ ኣለዋ ሕጂ‘ዘን ኩለን ፖለቲካዊያን ውድባትና? እንታይከ ወሓጠን ተጠርቂመን“? ክብል ብሕልናይ ተማዓትኩወን።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ! “ስንኩላን መርኣያ ስዉኣት ኢዮም“ ከምንብሎ ኩሉ፡ ሰለስተ ሕዳር ድማ ድሮ ወርሒ ሰለስተ ታሕ ሳስ ዝኽሪ ዓመታዊት መዓልቲ ስንኩላንን፡ መጣምት ዝኽሪ ሃገራዊ መዓልቲ ስዉኣትናን ብምዃና፡ ነዛ ኣበዓዕላ ዕለተ-ላ ምፐዱሳ ዝግባኣ ክብሪ ክትላበስ ንዝተቓለስኩም ኩሉኹም ዜጋታት፡ ብፍላይ ድማ ንገጻቶም ብጸሊም መጋረጃ ሸፊኖም ንዝወዓሉ መራኸቢ ብዙሃንና ዘለኒ ኣድናቖት ክገልጽ እፈቱ። ከምኡ‘ውን ነቶም ኣብ ሃገርናን ብገዛእ ቋንቋናን ‘ዘይሕጋው ያን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ሞይቶም ‘ ክብሉ ዘናሸዉና ጐሲና፡ ድም ደቅናን ኣሕዋትናን ኣብ ሰማያት ኣፍሪቃ ኣንጠጥ ዩ ንክውዕል ዝተቃለሱ ኣፍሪቃውያንን ዓለማውያንን ኣሕዋት ልባውን ሕልናውን ምስጋና ይብጻሓዮም።

እንተ መራሕ ሃገርና ፕረሲደንት ኢሳይያስ ነታ ናይ መጨረሽታ ክርቢት ድሮ ብደምሒት ሸርጢጥዋ ኣሎ። ንሱ መቸም ሓንቲ መዓልቲ‘ውን ትኹን መሊቛቶ ንህዝብና “ህዝበይ“፡ ንመንእሰያትና “ደቀይ“ ከይበለ ዝዓርብ ዘሎ ኣረሜን ኢዩ። ከምቲ እቶም ተዛራቢ ጸያፍ ትግርኛ ዝበልዎ፡“ንሱ ርኣዩኒ ርኣዩኒ“ ከምዘይበለ ጽባሕ ንጉሆ “ሕብኡኒ ሕብኡኒ“ እናበለ ከም ክቡር መራሕ ሃገር ዘይኮነ ከም ተራ ኢሳይያስን ትሕቲኡን ጥራይ ኢዩ ክሓልፍ። ንስኻ ኤርትራዊ ግን ሓንሳብ ምስተበገስካ ኣብ ጽንኩር ትጥመር ትሃጥር ህዝቢ ኢኻ። ኣብ ሓቀኛ ሃገራዊ ተበግሶኻ ነገር ቢሄር፡ ሃይማኖትን ወገንን ኣይዕንቅፋትካን ኢዩ‘ሞ ከምቲ ዝበልዎ እንዃዕ ካባኻ ተፈጠርና። እንተኾነ ዕድል ተሰባሪ እንድዩ፡ ንከይስበር ዝግበር ከቢድ ሓላፍነታዊ ጾር ተሰከምቱ ክንከውን ይግባእ።

በሉ ከምቲ ኩሉጊዜ ንመራኸቢ ብዙሃንና ነመስግን፡ ሎሚ ብሓለፋ ነቲ ትንግርታዊ ገለጻን ተበግሶን መራሕቲ ሃይማኖት ና ከመጉስ እፈቱ። ቀጻሊ ንዝግበረልና መልእኽቲ ፍትሓትን መንፈሳዊ ጽንዓት‘ውን ተጸበይቱ ከምዝኾንና የዘካኽር።

ሕጂ‘ውን ሃይማኖታዊ ፖለቲካና ስለፍትሒ ይኹን፡ ኣሜን!!                                                                            ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!!                                                                                                                  ጎደፋ፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • Romay November 5, 2013

    ጎደፋ፡ ኣብ ጎዱፍ ደኣ ይቕበሩኻ’ምበር ህዝቢ ኤርትራስ ኣብ ሎሚ በጺሑ ኣብ
    ጥሩፍነት ኣይኣምንን ኢዩ። ህዝባዊ ናዕቡ ኣንጻር ህግደፍ ድማ በቕሽሽትን ሸካትን ኣይምራሕን’ዩ።
    ኩሉ ተፈቲኑ ዝረብሕ ተቓውሞ ተቐቢጹስ ኣብ ናይ ሃይማኖት ምእመናን ክትልምን። ሕጂ’ውን
    ቃልስና በቶም ሓያላት መንእሰያት እንተተመሪሑ ጥራይ ኢዩ ዝዕወት እሞ ጎደፋየ ሕልሚ ቀትሪ
    ይግበረልካ። መንእሰይ ከምቲ ቅያ ናጽነት ሕጂ’ውን ንኤርትራ ሃገሩ ካብ ህግደፍ ከገላግላ ኢዩ።

    • Almaz Gual Asmera November 5, 2013

      ሮማይ ብባኒ ቀበሌ/ምምሕዳር ወይ ብስርናይ ረድኤት ዝዓበኻ ንኡስ ወይ ድማ ታሪኽካን ታሪኽ ሕዝብኻን ዘይትፈልጥ ዓብዪ-ቆልዓ ኢኻ ትመስል ካብቲ መልስኻ። ሃይማኖት ንልዕሊ 2000 ዓመታት እዚ መዓት ሒዙልና ዝኣተወ ቃልሲ (ሰውራ ናይ ክልቴአን ውድባት) ከኣ 30-40 ዓመት ዕድመ እዩ ዘሎዎ። እይትታዕደሉ ኢሉና ኣብዚ ግናይ ዘመን ተወሊድና እምበር ወለድና ሓንቲ ቃሎም፣ ፈሪሃ እግዚኣብሔር ዝነበሮም ሕፉራትን ክቡራትን እዮም ኔሮም። እዚ ጋኒን ኣብ ዘመኖም እንተዝነብር ካብ 5-10 ዓመታት ኣይመሕለፍዎን። መንእሰይ ዝበልካዮ ኸኣ ታሪኹ ዘይፈልጥ መንእሰይ ኣበይ ከብጽሓና። ብዓል ኢሰያስ እኮ መንእሰያት እዮም ኔሮም ምኽሪ ዓበይቲን ለባማትን ስለዘይሰምዑ ነቶም ዘመኖም ምሉእ ዝጸዓርሉ ሓደ ብሓደ ኣብሪሶሞ። ነዚ ኪትግዕታዶ ትርህጻ ኮይኑ ነገር ኣብ መወዳእታዉ ተባልሽዩ። እንታይ ክትደግመና ደሊኻ ሮማይ።

    • eritrean November 6, 2013

      These agame have a nerve, they want Eritreans to fight for them so they can take Eritrea. Can you imagine how dumb they are? The public is too smart! Yesterday, today, and tomorrow hizbawi gmbar! We will skin you alive before you get our country!

  • Almaz Gual Asmera November 5, 2013

    እዝጊ ኣዛረበካ ጎደፋ ሓውይ ወይ ኣያይ ወይ ኣቦይ። ብድዐን ትዕቢትን ናይቲ ጋኒን ደቂ መዛሙርትን ሰማይ ዓሪጉ፣ ገበኖም መወዳድርቲ ምስ ተሳእኖ፥ ወዮ ልቢ የዕብዩ ዝጸንሐ ሓፋሽ ብመራሕቱ ክቡራት መራሕቲ ኃይማኖትን ለባማት ዓድን ድሕሪ ደጊም ኣኸለ ኢሉ ተበጊሱ። ነገሩ በሲሉ፣ ሰዓቱ ኣኺሉ እዩ። ክንደይ ሳዕ በብሰለስተ-ኣርባዕታት ኣማኢታት ክንሃልቕ። ሕዝቢ እኮዮ ሃገር። ሕዝቢ ዘይብሉ መሬት ድኣ ቃድራ እንዳኣሉ፣ ኣይዕንግል ኣየናብር።
    መራሕቲ ሃይማኖትን ለባማት ዓድን ሃየ ሎሚ ሕዝብና እምነቱ ኣባኹም ዓብዪ እዩ። ከም ብሶላ (ኮምፓስ) ኪትመርሕዎ ይጽበየኩም ኣሎ። ኣምላኽ ዓመጽ ኣይፈቱን እዩ አንዲኹም ትብሉና፣ ዓመጽ ሓሊፉና ተዓዛዚርዎ እኮ እዚ ሕዝቢ። ክንደይ ጅግና፣ ቆላዓ ሰበይቲ፣ መንእሰይ፣ ወለዲ ኣብ ፈቖዶ ጎዳግዲ ዘእውዩ ዘሎው ኣዲኦም ትቑጸሮም። ሕጂ ተስፋ ሕዝቢ ተሓዲሱ እዩ። እቶም ልምዳውያን ተቓውመቲ ኸኣ ካብቲ መኘኽ ምባል ወጺእኩም ሃየ መን ምዃንኩም ብግብርኹም ኣርእዩና። ብዘረባኹም ኣእዛንና ረብሪቡ እዩ። ካብ ስቓይ ሕዝብኹም ኣዝይኹም ርሒቕኩም ብቂምን ህልኽን ተላዕጢጥኩም ኣይትመርሑ ኣይትምርሑ ኣብርእሲ ስቓይና ጾር ኮይንኩምና ኢኹም ጸኒሕኩም። ሃተ ሕጂ ምስ ህዝብኹም ወግኑ፣ ሕዝባዊ ማዕበል ንፍትሓዊ ምሕደራ ኣኸለ። ኪኖዚ እዛ ብርኩታ …ገለ ኣላታ ኪኸውን እዩ ነገሩ።

  • Dinamo November 5, 2013

    The family that controlled Saudi Arabia and is beheading people in public under the name of Islam is the result of politics of religion. As your version of God is always different than that of others, politics of religion is always hard to implement and leads to disaster more than often. It has been witnessed multiple times in History; thus the idea of church and state came into being after people noticed that there is no religion that can satisfy everyone at the same time. Somlaya is good example. If it didn’t work in Somaliya, more homogeneous society how on earth is it going to work in Eritrea, home of diverse versions of Christianity, Islam and other religions?
    Simply because you are orthodox, you want to get rid of all other religions followers? You want them to convert to orthodox immediately? Please think twice before you post something like this before you send it in the future.
    Thank you.

  • ahmed saleh November 6, 2013

    Godefa
    It is absolutely true that religion was out of picture in regard of our political principle at GEDLI time .
    After independence they betrayed us all to contaminate the ideas , goals and the dream our people anticipated
    to the future of the country . The reactionary copy of past feudalism system of Ethiopia to use religion
    as a weapon proved to be a failed experience . Regardless , Eritreans need to go back to their self exposure to
    find the missed theory about wrong and right freely without external influence . Eritrean societies have a rich
    religious , traditional socio-political culture based on respect , fairness and justice . The road we are heading
    does not look promising and must stop there as soon as possible . Because for a while things doesn’t look right at all in respect of well being of
    our people back home .
    For those who choose to stay blind folded to see things on political aspects rather the crystal clear reality in
    front their blinded eye and clogged ears ; I can only say ” have a little mercy for the sake of GOD ” .

  • eritrean November 6, 2013

    Shameless woyane is now inside God’s house to lie to the people of Eritrea and to steal our land. Shame, shame, shame on you. May the lord destroy you!

  • Hidat November 7, 2013

    GODEFA
    ZELEALEMAWI ZIKERI KEA ILKA NMEN ?? NEMEN NETOM ADOM ALETOM HAIMANOTOM KEITEFALETUN KEITHTATETUN AB HANTI GUDGUAD ZITEKEBERU SEWAATNA ??. AGEB.ETI XEHFKAYO ZELEKA TEMELISKA ANBEBO.AKSHSTNAN MESHAIKATNS AB LIBOM DEA YEMELESU BHAILI AMLAK(REBBI).

POST A COMMENT