Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃንደበት!

ሃንደበት ዝብሉዋ እንታይ እዩ ብልሓታ ሰበ ስልጣን ህግደፍ በብሓደ ኣጽኒታ እነሀት ትቐብሮም መዓሙቕ ኲዒታ ኩነታታ ይመርመር እዚኣስ ገለ ኣላታ መርዚ ከይትኸውን ናይዚ ዕሉል ሽፍታ! ንሕማም ሳልስቲ ዘይትፈቅድ ዕድል ብሃንደበት መጺኣ ብወቕዒ ትቐትል ሓለፍቲ መሪጻ ወትሩ ካብ ትምንጥል ኣየጸግምንዶ ወዝቢ እያ ክንብል!? ሃንደበት ዝብሉዋ እንታይ

ሃንደበት ዝብሉዋ እንታይ እዩ ብልሓታ
ሰበ ስልጣን ህግደፍ በብሓደ ኣጽኒታ
እነሀት ትቐብሮም መዓሙቕ ኲዒታ
ኩነታታ ይመርመር እዚኣስ ገለ ኣላታ
መርዚ ከይትኸውን ናይዚ ዕሉል ሽፍታ!
ንሕማም ሳልስቲ ዘይትፈቅድ ዕድል
ብሃንደበት መጺኣ ብወቕዒ ትቐትል
ሓለፍቲ መሪጻ ወትሩ ካብ ትምንጥል
ኣየጸግምንዶ ወዝቢ እያ ክንብል!?
ሃንደበት ዝብሉዋ እንታይ እዩ ሚስጢራ?
ሰባት እተጥፍእ ብቕጽበት ሰዊራ
ሓድሽ ግን ኣይኮነን እቲ እኩይ ግብራ
ከምኡ’ዩ ታሪኻ ዋላ ኣብ ግዜ ሰውራ
ዘይድሕሪ ናጽነት ኣጋባብ ቀይራ
ብስም ወቕዒ ልቢ ብሓድሽ ጀሚራ!
ብዕምቘት ይመርመር እዚ ስውር ሽርሒ
ትሒምሒም ይትረፍካ ርዒድካ ብፍርሒ
ገንሸል ምልኪ ኣይትኹን ስልጣን መናውሒ
ህዝብኻ ኣይትበድል ኴንካ መሳርሒ
ጽባሕ ከይትቑረጽ ብዘይምሕር ብልሒ
ግብሩ ኣይገድፍን’ዩ እዚ ርጉም *ደማሒ!       *መላኺ
ወዲ ሰብ ሃንደበት እንተ ተሰውአ
ንቡር’ኳ እንተኾነ ብሳሕቲ ዚርአ
ኩሉ እናሞተ ግን ቃሉ ከየውክአ               *ከየፍኣመ፡ ከየተምብሀ
ወዝቢዶ ይብሃል’ዩ ሰብ እናጠፍአ!?
ሹሞኛታት ምልኪ እቶም ዘሻደንኩሞ
ብጾትኩም ከጥፍእ እናረኣኹሞ
ንተግባር ዲያብሎስ ተዘይኮኒንኩሞ
                  *ብረምሕ ኪወግኣኩም ተተጸበኹሞ             *ብኲናት
ጽባሕ እንተ ሞትኩም ንመን ከይገርሞ!
ሰበ ስልጣን ህግደፍ’ወ ትሰምዑ እንተሊኹም
ካብ *ስራቔን ምልኪ ሓልዉ ነብስኹም                           *መልኣከ ሞት
ህዝብስ ኣይጽበን’ዩ መስተርሆት ካባኹም
ዕስራን ክልተን ዓመት ኣንቢዕኩሞ ኢኹም!
ነዛ ሃገር ምስ ህዝባ፡ መዋጽኦ ይሃባ!
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 08-08-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Genet August 11, 2013

    Simply beautiful poem. Well put.
    What a talented man!

POST A COMMENT